ናይ ሓዘን መግለጺ
04/11/2016 ናይ ሓዘን መግለጺ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ: ካብ መኪና ዘዘሊሎም ከምልጡ ፈቲኖም ንዝበሎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልኦት ሰላማውያን ሰባትን: ብጨካን ኣገባብ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራን ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ገበን ዘስደምም ፍጻሜ ኢዩ:: ስለዝኾነ ከኣ
04/11/2016
ናይ ሓዘን መግለጺ
ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ: ካብ መኪና ዘዘሊሎም ከምልጡ ፈቲኖም ንዝበሎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልኦት ሰላማውያን ሰባትን: ብጨካን ኣገባብ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራን ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ገበን ዘስደምም ፍጻሜ ኢዩ:: ስለዝኾነ ከኣ ንሕና “ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን-ኣሜሪካ” ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር ብትሪ ንዂንን::
እዚ ብስሰዔ ስልጣን ከምኡውን ንብረት ህዝብን ሃገርን ንምምንዛዕ ዓዊሩ ዘሎ ስርዓት: ዝፈጸሞ ኣረሜናዊ ተግባር ተወሳኺ መርኣያን መግለጽን ናይቲ ሓቀኛ ባህርያቱ ጥራይ ዘይኮነስ: ካብ ተቓላሳይ ህዝብናን ሕብረተሰብ ዓለምን ዝወርዶ ዘሎ ጸቅጢ እናበርተዔ ስለዝከደ: ተስፋ ቆሪጹ ካብ ርቡጽን ርዑድን ኣእምሮ ዝነቀለ ዝፈጸሞ: ናይ ብህራረ ውጺኢት ምዃኑ ንኩሉ ብሩህ ኢዩ ::
ንዝሞቱ ንጹሃት ዜጋታትና መንግስተ-ሰማይ /ጀና/ ይቀበሎም:: ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንስድራ ቤት ግዳያትን ፈተውቶምን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል:: ፈጽምቱን ተሓባበርቶምን ከኣ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ብሕጊ ተሓተቲ ክሳዕ ዝኾኑ ቓልስና ቀጻልን ዘየቛርጽን ምዃኑ ነረጋግጽን::
ኣብ ሃገርና ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ከብቅዕ ምሕዛን ጥራይ ንበይኑ ዋጋ ስለ ዘይብሉ: ደለይቲ ፍትሒ ዘላቂ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ልዑል ተራ ዝህልዎም መደባት ስራሕ ሓንጺጽና : ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓቢርናን ሰሚርናን ክንሰርሕ: ኣውያት ናይዞም ንጹሃት ዜጋታትና ይጽውዕ ኣሎ :: ስለዚ
- ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ዜጋታትና: ድምጽን ዋልታን ክንኮኖምን::
- ነዚ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጽም ዘሎ ስርዓት ከኣ: ንምግላጹን ብገበን ተሓታቲ ንምግባሩን::
- ኣድላይ ቀጻሊ ደገፍ ንመርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት : ወዘተ
ዝኣመሰሉ ዕማማት ንምስልሳል ንኽከኣል: ብደረጃ ዞባ ሰሜን-ኣመሪካ እትነጥፍ: ብቀጥታ ካብ ኩለን ከተማታት ብህዝቢ ተወኪሎም ዝመጹ ሓሓደ ሰብ ዝሓቆፈት: ካብ ዝኮነ ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን ብርጌሳውያን ማሕበራትን ነጻ ዝኾነት “ሓይሊ-ዕማም” ክትምስረት: በዚ ኣጋጣሚ ደጊምና መጸዋዕታና ነቕርብ::
ንሕና “ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን-ኣሜሪካ” ነዚ ተበግሶ ብምውሳድ ናይ ምስላጥ ተራ (facilitation role) ክንጻወት ተዳሊና ኣሎና:: ነዚ ዕማም’ዚ ንምስላጥ ብወገና ተወኪሎም ዘለው ሰባት ብኢመይል “hizbawimnfithi2016@gmail.com” ምውካስ ይካኣል:: ኣብዚ ናይ ምስላጥ ስራሕ ወይ ተራ ምሳና ሓቢሩ ክሰርሕ ዝደሊ ዝተጥርነፈ ሓይሊ ምስ ዝህሉ: ሓቢርና ክንሰርሕ ድልዋት ምዃና ከኣ ንገልጽ::
ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
“ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን-ኣሜሪካ”
Akeleguzettttay!!!!!!!! April 19, 2016
Good job go for it!!!