ዓቕሉ ምስጸበቦ!
ብዳዊት፡ክፍለዝጊ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡ ምስተ ደራረቦ፡ ተስፋ ምስ ቆረጸ፡ ኒሑ ምስ ዓረቦ፡ ኣያ ምስ ሳአነ ዝህቦ ኣቓልቦ ኣይእንታዩን፡ኮይና፡ትውልዲ ዓደቦ፡ ይነፍጽ፡ይጠፍእ፡ እግሩ ናብ ዝመርሖ፡ ሰላሙ ምስ ተሓርመት ምስ ጸልመቶ ኑጉሆ፡ ዝኽደኖ
ብዳዊት፡ክፍለዝጊ
ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡ ምስተ ደራረቦ፡
ተስፋ ምስ ቆረጸ፡ ኒሑ ምስ ዓረቦ፡
ኣያ ምስ ሳአነ ዝህቦ ኣቓልቦ
ኣይእንታዩን፡ኮይና፡ትውልዲ ዓደቦ፡
ይነፍጽ፡ይጠፍእ፡ እግሩ ናብ ዝመርሖ፡
ሰላሙ ምስ ተሓርመት ምስ ጸልመቶ ኑጉሆ፡
ዝኽደኖ ዬለ ዝድረሮ፡ዝምሶሖ፡
እዝን ወዲ ኸምዝን ንስደት ዬምርሖ
ካብ ሞት ንዓዲ ሞት፡ ኩሉ ጥፍአት ኮይኑ፡
ሃገር ብሃገራ ኤርትራ ትዓኑ ፍቲሒ ተሳኢኑ፡
ተተወደ ጠፍእ ኣላዪ ሲኢኑ፡
ኣይ”ዓዲ ኣግዳም፡ ኣይ” መርዓ፡ኣይ”ደርዓ፡
ዘርሚዘርሞ ሂወት፡ ዝኻዕበተ፡ወጽዓ፡
ነታ ዘይ ራአያ ብእዝኑ፡ዝሰምዓ፡
ይኾነለይ ማለት ንወጽዓ ክረትዓ፡
ካብ ሞት ንዓዲ ሞት ኣትሪፋቶ ምስኣ፡
ኣብ ምድረ፡በዳ ሳይናይ፡ኣውያቶም ዘይ ሱሞዖ፡
ኣብ ቀላያት፡ ባሕሪ ሓንቢስካ ዘይትረትዖ፡
ንጃምላዊ ሂልቂት ዬለን መዋጽኦ፡
ጠንቂ ናይዚ ኹሉ እቲ ዝደፍኦ፡
እተደይ ኮይኑ መን ኣሎ ንስደት ዝትምነ፡
ብሰላም ቅሳነት ብሕጊ ዝዳነ፡
ሰናይ ቲምኒታቱ ዘይተባታተነ፡
እወ! መን ኣሎ ዓዱን ዓውዱን፡ ገዲፉ ዝጣዓሞ፡
ጉቡኡ ረኺቡ መሰል ዘይተ ሓርሞ፡
ብሕጊ ዝመርሖ ባዕሉ ብዝሸሞ፡
ሂወቱ ንምምራሕ ማዓስ ምጸገሞ፡
ብአንጻሩ ግን፡ ስርዓት፡ዉልቀ ምልኪ፡
ኢደወነናዊ፡ ንጥፍአት ንሃልኪ፡
ዕንወት ሕላገቱ ዘንብዕ ዘብኪ፡
ከም ጠለ በጊዕ ከም ከብቲ መጓሰ፡
ካብቲ ዝዓበዬ ስጋብ ዝናአሰ፡
ይሽዬጥ ይልወጥ ፡ ብጃምላ ይራሰ፡
እንታይ ደሎ ኢዩ ካብዚ ዝባአሰ፡
መሳኪን፡ህጻናት ማዓንጣ ዘይ ቆጸሩ
ይሳቀዩ ይሙቁሑ ይእሰሩ፡
ብተመልከተለይ ይቕተሉ ይቕንጸሉ፡
ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ ሂልቂቱ ጥፍአቱ፡
ፋሕ ብትን ስድራ ቤት ዉላዱ ጥቲቱ፡
ተስፋኡ ማህሚና ዓሪባ ንያቱ ሉምዱ ባህሉ፡ኩሉ፡ተዘሚቱ፡
ስርዓት እንጉይ ብላዕ ጥፍአት መቐነቱ፡ ዎሎዶ፡
ኣጽኒቱ፡
እሞ ደቂ ዓደይ መርዳእትን መልቀድትን ኮይና ከይንተርፍ፡ ታሪኽና ነጸብቕ ንድሕሪት ዝተርፍ፡
እንታይ፡ደሎ፡ ኢዩ ኪኖ ዚ! ሕሰምና፡
ዓለም ዘስደመመ ናይ ጥፍአት መዘና
ህልቂት ድሕሪ ህልቂት፡እንብዛ ኣመና፡
ሃዬንዶ! ንላዓል ብኒሕ ብሕልና ፡ሓድነት ኣስጢምና፡ ወድና ምስ ጓልና፡
እወ ማዓስ ፍታሕ ኮይኑ ሂወት ዓዲ ጓና፡
ቅድም ቀዳድምና ሲኒትና ውህደትና
ማዓትና ክቖርር ክወርድ ምሕረትና፡
ብስራሕ ብጾሎት ልባዊ ንጽህና ከልግስ ኣባይና፡፡
እልፊ ኣእላፍ ተበጂዮም ንስሌና!
ንዘክሮም ብትግባሬ ሕልና፡
Dawit kflezghi
USA,
logo October 25, 2015
Great poem!
Eritrawi October 26, 2015
Dawit,Hayet,
Well said. You said it all. Keep your Thoughts healthy.
ጀጋንው ይዘከርው። October 27, 2015
ኣንበሳ ኣጆካ።
Bisrat gebremariam October 27, 2015
ጽቡቅ ቀጽሎ ሃብሮም