ድርብ መሪር ሓዘን
ድርብ መሪር ሓዘን ዕለት 25.04.2015 ክሳዉዲ ደቅሰብ ከም መሸላ ክጉናእ ኣራእስ ደቅሰብ ብጥይት ክጋማማዕ የሕዝን ከም ሕሱም የንብዕ ኣእምሮካ የዛናብል..ልብኻ ደም የንዝዕ ገበኖም ክርስትያን ጥራሕ ስለዝኾኑ ከም ኣባጊዕ ፋሲካ ብካራ ዘኽስተኑ ጽዩፍ ተግባራቶም ብዓለም ተኾኒኑ ናይ ግዜ ጉዳይ ኢዩ እንበር.. ናይ ኢዶም ክንደይ ከይስእኑ ኣብ
ድርብ መሪር ሓዘን
ዕለት 25.04.2015
ክሳዉዲ ደቅሰብ ከም መሸላ ክጉናእ
ኣራእስ ደቅሰብ ብጥይት ክጋማማዕ
የሕዝን ከም ሕሱም የንብዕ
ኣእምሮካ የዛናብል..ልብኻ ደም የንዝዕ
ገበኖም ክርስትያን ጥራሕ ስለዝኾኑ
ከም ኣባጊዕ ፋሲካ ብካራ ዘኽስተኑ
ጽዩፍ ተግባራቶም ብዓለም ተኾኒኑ
ናይ ግዜ ጉዳይ ኢዩ እንበር..
ናይ ኢዶም ክንደይ ከይስእኑ
ኣብ መሬትን ኣብ ሰማይን ..
ሃልሃልታ ጋሃነም ከስሓኑ
ኣብዓዲ ሞት ፡ ኣብስደት ሞት
ኣበይ ኣሎኺ ሂወት
ኣበይ ኣለኺ ቅሳኔት
ነዊሑና ንኣኽን ከነ!ቋምት
ሕሪ’ዉን ዘርዩና 350 ወሲዱ
ድርብ መሪር ሓዘን ኣባና ወሪዱ
ጸላም ዝጋሮዶ ኣርሒቅካ ከይተማዕዱ
ኣሕርር የብለካ ኣብ ባሕሪ ከብድኻ
ሓዊ ኣጉዱ
እዞም ጃንዳ ካብ ወሰኑ ከጥፍኡና
ባዕሎም ኣይጠፍኡን ኢዮም..
ከም ሃፋ ደመና !!!!
ብሓባር ምስራሕ ካብ ሓንገድና
ንምታይን ፧ስለምንታይ፧ እንድዒ..
ክንጭፍለቕ ኢና ገና ከይፈተና
ኣምላኽ ኢዩ ግዲ ጸሊኡልና
ደቅና ተኾብኩቦም ክሽየጡ እናረአና
ደቅና ክዕመጻ እና ሰማዕና
ብተናጸል ክንሓስብ መሬት ዓሪቡና
ምስ ምሉእ ዓቕምና ክእለትና
ሳኣን ኢደይ ኢድካ ንጠፍእ ኣሎና
መንግስታት ብሓደ ኩኑ እናበሉ
ብሓንሳብ እነኹ ክብል ..
ርብዒ ዘመን ዝወስደሉ
ንንሕድሕዱ ነገር ዝኽቻኽች ዝቖላሉ
መጽለሊ ጽላል ዳዕሮ ዘየብሉ
ህዝብና ብዉሽጥን ብደገን ተስፋ ሲኢንሉ
ይጠፍእ ኣላሎ ተነቒሉ
ሞትን ወረሞት እንሆ ዓብሊሉ
ንዝሞቱ እግዝኣብሔር
ኣብ መንግስተሰማያት ይቀበሎም ባዕሉ
ዘሎና ንማህለል እግዚኦ በሉ
ኣምላኽ ይኣኽለኹም ክብለና
ምዕራፍ ክገብረሉ ።
ጽንዓት ንኹልና ኣህዛብ
ኢትዮጵያዉያን
ኤርትራዉያን
እስጢፋኖሰ መንግስትኣብ