ስለ ዝተጠርነፈትና; ንጽላል ከነመስግና
Tesfamariam Wel. 13/04/2015 Norway ጽላል ነቒላ ክትሓቁፍ ንኹሉ ንኹሉ ማዕረ ሻርነት ዘይብሉ ቅኑዕ ዕላማዩ ንዘስተውዓሃለሉ ንጹር መርገጺኣ እንከን ዘይብሉ ኣብ ኖርወይ እንርከብ ደቅሃገር ኣኸባ
Tesfamariam Wel.
13/04/2015
Norway
ጽላል ነቒላ ክትሓቁፍ ንኹሉ
ንኹሉ ማዕረ ሻርነት ዘይብሉ
ቅኑዕ ዕላማዩ ንዘስተውዓሃለሉ
ንጹር መርገጺኣ እንከን ዘይብሉ
ኣብ ኖርወይ እንርከብ ደቅሃገር
ኣኸባ ተጸውዐ ኣብ ስታቫንገር
ሓቢርና ክንሰርሕ ምእንተ ሃገር
ዋና ቤት ጽሕፈታ ኣብ ስታቫንገር
ኩሉ ንጽላል ኣማእኪሉ ክውደብ
ካብ በበይንኻ ተፈላሊኻ ዘብዘብ
ንህልኽ ዘይኮነስ ብቕንዕና ንሕሰብ
ብዓይኒ ሓቂ ሪኢኻ ሓሲብካ ምልዛብ
ኩልና ሓደ እንኮሎ ጉዕዞ ዕላማና
ጸላእቲ ኣይነስሉኽ ኣብ ውሽጥና
ብውሻጠ ኣትዮም ከየዳናጉሩና
ኣለና ምሳኹም ናሉ ከይፈላልዩና
ምእንተዚዩ ኸኣ ክንጥርነፍ ንደሊ
ህልኽ ንግደፎ ኣብ ስደት ከይንበሊ
ፈታዊናን ጸላኢናን ሓቢርና ነለሊ
ንዝነፍዐ ኣይነጥቅዕ ንክሰርሕ ዝደሊ
ኣብ ብዙሕ ሃገራት ጽላል ተመስሪታ
እንሆ ትጽበየና ኣርሕቡ ማዕጾኣ ከፊታ
ኣለኹልኪ ንበላ ንካፈል ንኹና ብጾታ
ብዘይካ ጥርናፈ ካልእ የለን መተካእታ
ኩቡራት ደቅዓደይ ኣይንጋገ ኣይንዓሹ
መንገድና ነለሊ ጸላእትና ከይሕጎሱ
ብስብከት ህግደፍ ተነፊሖም ዝጠነሱ
ምዕባሌና ሪኦም ከብዶም ክሕመሱ
ጽላል ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ዘላ
ምእንተ ሃገራ ላዕልን ታሕትን ትብላላ
ብህዝባ ተኣማሚና ብረቂቕ ኣስተውዒላ
ብዘይ ንሕሲያ ኣንጻር ህግደፍ ተላዒላ
ኣብ እገሪ ትካላ ጌና ከይሰወተት
ድሎ ብድሎ ትኣምር ዝሰርሐት
ብቆራጽነት ንህግደፍ ዘርዓደት
ኣይፋል ኢላ ፈስቲቫሎም ዘዕጸወት
ማዕጾ ኩፉትዩ ክቃለስ ንዝደሊ
ጠመትኣ ማዕረ ዘይብሉ ዓብላሊ
መርሓባ ባሃሊት ብሃገሩ ንዝሓሊ
ንሕጹብ ማዓንጣ ዘይ ተውላወሊ
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ