እቶም ዘጽቀጥኩም: ብኣ ጌራ ትሰድኩም!
እቶም ዘጽቀጥኩም ብኣ ጌራ ትሰድኩም Tesfamariam wel 16/10/2014 N0rway ኣይገርምንዶ ህግደፍ ከጽቅጥ ኣይናትናንዩሉ ንህዝቢ ክሽሕጥ ዓለም እና ረአ ባሕሪ ክገላበጥ ድሑር ስርዓት ጉዱ ክዓባብጥ ዝኸዱ ከይዶም ነይብሎም መላሲ ዘሕዝነኒ ዘሎ ናይ ህግደፍ ተቓላሲ ንዝሞቱ ጠሊሙ ንዘዕነዉ ወዳሲ ነዛ ሕማም ዚኣ ተሳኢኑዋ ፈውሲ ቲቪ ኤረ ብስቕታ ምስማዕኩም ዓገብ ክትብሉ
እቶም ዘጽቀጥኩም
ብኣ ጌራ ትሰድኩም
Tesfamariam wel
16/10/2014 N0rway
ኣይገርምንዶ ህግደፍ ከጽቅጥ
ኣይናትናንዩሉ ንህዝቢ ክሽሕጥ
ዓለም እና ረአ ባሕሪ ክገላበጥ
ድሑር ስርዓት ጉዱ ክዓባብጥ
ዝኸዱ ከይዶም ነይብሎም መላሲ
ዘሕዝነኒ ዘሎ ናይ ህግደፍ ተቓላሲ
ንዝሞቱ ጠሊሙ ንዘዕነዉ ወዳሲ
ነዛ ሕማም ዚኣ ተሳኢኑዋ ፈውሲ
ቲቪ ኤረ ብስቕታ ምስማዕኩም
ዓገብ ክትብሉ ዘይምኽኣልኩም
ርሑቕ ከይንብሎ ኣብ ቅደመኹም
ዓለም ተናዊጻ ተገሪማ እናረአኹም
ታይ ትብሉ ትዀኑ ብዉሽጥኹም
ንፈልጥ ሓደ ሓደ ከም ተሳቐኩም
ከም ትጉህዩ ትሓዝኑ ብህዝብኹም
ዓው ክይትብሉ ህግደፍ ዓፊኑኩም
ፈሪሕካ ተምጽኦ ምዕባለ ኣይተረአን
መሰለይ ከይትብል ብሕቶን መልስን
ብስልቲ ናዛናግዑ ጓይላን ሓሽውይን
ይጻወቱልካ ኣለዉ ሰብ ከይትኸውን
እስከ ሕሰቡ ዚወሪዱ ዘሎ መቕዘፍቲ
ክንዲ ቐብርስ ንፈስቲቫል ላዕሊታሕቲ
የብልኩምን ድዩ ኣቦ ኣደ ሓው ሓፍቲ
ቁሩብ እባ ሕፈሩ ምሩጻት ተበለጽቲ
ናይ ላምፓዱሳ ጥራይ ከይመስለኩም
ጸብጺብካ ዘይውዳእ እዮም ጠሊቖም
ካብ ብኲናት ኮንቱ ዝጠፍኡ በዚሖም
በዚ ዘይደንገጽኩም ብኣገራ ትሰድኩም
ወሪዱ ዘሎ ሓዘን ኣብ ውጹዕ ህዝብና
ኣይተሰማዓኩምን ዘሎ ይመስለኒ ጌና
ክንደይ ሕጻናት ዕሸላት ከምዝጠፍኡና
እንኳን ኤሪትራውስ ኣስካሕኪሑ ጓና
ንዓዲ ሕተቱ ከመይ ከምዘሎ ኩነታት
ሃገርና ተናዊጻ ኮይና ኣላ ግደ ኣውያት
ተኸቢባ ብጸሊም ዝተኸድና ኣደታት
ብስምባደ ልቦም ተዓቢሶም ኣቦታት
ኣስተውዕል ኣብ ዓድን ወጻእን ዘለኻ
ካብዚ ቕዝፈት ንላዕሊ ታይትጽበለኻ
እንተዘይ ተባራበርካ ዘላኣለም ስቓይካ
ዓድኻ ኣይክትሪኣኒኻ ደጊም ኣማዕዲኻ፣፣
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
mahta October 18, 2014
Etom ms hgdef zsesu zderfun zneberu eko bzeyka etom whdat gerhtat hlnom shetoma eyom bzaeba hzbi eritra ayntayomn eu. Bzuhat tebeltsti beynom kem zbee deninom zbeleu awlom zeyzarebu eyom gidefom tray ed stenahit eya ktrekbom eya . Ab alem aykonen do hmak hzbka ena reaka tsbuk gerka ekua bgado nree .
mahta October 19, 2014
Ab seb zwkel rgum ykun ybl kal amlak
Hzbi eritra bflatu ykun bzey mflatu ab mektsaety kem zeatewe ezi rekibuna zelo wdketn mekeran kerfah nabra hzbna eu ab bahri kab 2005 -20014 beashihat zkutseru eritrawyan tefiom . Ab mdrebeda btsmeen timetn bhadegan asertet moitom ab sinay beamaeeet zkonu hiwetom adeda kulitom mshatn motn koinom. Awalidnan anstnan ab fekodo dobat ametsat agatimu gena yktsil alo . Eti ab wshty zelo hzbna kea bshakletn hazenin ab gib zbele tselmat ynebr alo. Serawitna mesel seenu …… ktgeltso yeshegreka. Ezi kea wtsiet kem kem tabot nseb amlko zgebru amlak tsik elu ayrieen . Zegrmeni ete aliu ab eritra emnet amlak alo zblu bmhlawna eu kabana etom emnet zeyblom bevolution zeamu ybeltsu
Nsom aykonen do mesel sebat mesel enssatat aziom zfeltu kendi bgroms nsom eyom amenty amlak kbhalu zgbae .
Simon G. October 19, 2014
እቶም ዘጽቀጥኩም: ብኣ ጌራ ትሰድኩም!
Amen to that!
ኤርትራዊ October 23, 2014
ከም ወዲ ቫካሮ ትግበርኩም ማለትካ ድዩ?