Voice of Assenna: Monday 22nd, 2013 – Commentary – ደማሒን ማሕለኻታቱን http://www.youtube.com/watch?v=D4PdKoCSPSw&width=200&height=200 July 22, 2013 8:50 pmassenna302701Views SHARE
lorena July 22, 2013
Dios nos traiga días mejores. Animo!
Mesinas July 23, 2013
ዝኸበርኩም ኣሰናውያን፡ ሰላምታይ ብምቕዳም ነዛ ትስዕብ ዓለቕ (ርእይቶ) ከቐርብ ክትፈቕዱለይ ብትሕትና እሓትት። ብመጀመርያ ግን ነቲ “ደማሒን ማሕለኻታቱን” ዘርእስቱ ክልተ ክፋላት ጽሑፍ ብጽፉፍን ንጹርን ኣጋባብ ብምንባብ፡ መልእኽቱ ናብ ህዝቢ ብምትሕልላፍኩም ዘሎኒ ምስጋናን ኣድንቖትን ክገልጽ እፈቱ። ብምቕጻል፥ ኣብ ክልቲኡ ኣቀራርባ ዘሎኒ ዓለቕ እኖሆ፥ እቲ ጽሑፍ ዝተፈላለዩ ዘይዙውቱራት ቃላትን ምስላታትን ብብዝሒ ከም ዝነበሮ ኣስተብሂልኩሙሉ ኣለኹም። እዚ ኸኣ ኣብ ምንባብ ጸገም ከም ዚፈጥር ርዱእ’ዩ። ሳላ ዘይሕለል ጻዕርን ልዑል ተወፋይነትን ግን መኪትኩሞ ኣለኹም። ስለዚ ድማ ደጊመ ከመስግነኩም ደስ እብለኒ። ግን፥
ክቡር ሓውና ጋዜጠኛ ዳኒኤል ሰሎሞን ከም ክብርቲ ሓብትና ጋዜጠኛ ዮዲት ሚኪኤል፡ ነቶም ብኹሉ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ ዘይፍለጡ ግን ከኣ ኣዝዮም ገለጽትን ቆጠብትን ዝኾኑ ቃላት ከየድመጸ ንትርጉሞም ጥራይ ስለ ዘንበቦ፡ እቲ “ብሓንቲ ወንጭፍ ክልተ ዑፍ” ዚብል ምስላ ኣቦታትና ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍ “ደማሒን ማሕለኻታቱን” ከምዘይተንጸባረቐ ብዘይቀለዓለም ክገልጸልኩም ፍቐዱለይ? ሓገራ ማለት ውጥንን ትልምን ደለይቲ ፍትሒ፡ ነዛ ነብስና ካብ ዘለማ (ጭቆና) መላኺ ሓርነት ምጉንጻፍ ጥራይ ኣይኮነን። ቋንቋናን ባህልናንውን ልክዕ ከማና ይርገጽን ይደሃኽን ስለ ዘሎ ንሱውን ሓርነት ከም ዘድልዮ ክንዝንግዕ ኣይግባእን!
ስለዚ ድማ’የ ሓውኹም፡ ‘በቲ ድሩት ዓቕመይ ዝፈለጥኩዎም ፍሉያት ቃላት ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ከካፍል ኣለኒ’ ብምባል፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ጽሑፋተይ፡ ኣብ ምዕባለ ቋንቋናን ባህልናን ልዑል ኣተኩሮ ብምግባር ክጽሕፍ ዝፍትን። ቋንቋን ባህልን ምምዕባል፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዚስራዕ ዕማም ስነ ጥበበኛ ስለ ዚኾነ። ብጠቕላላ ኩልና ስነ ጥበበኛታት፡ ብፍላይ ድማ ደረስትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ሃድን ሓደስትን ገለጽትን ቃላት ክንዋፈር ባህርያዊ’ዩ። ስለዚ፡ ኩላትኩም ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን፡ ናይ ምጽሓፍ ባብኩም ምእንቲ ዝያዳ ክርሕብ፡ ብዝሒ ቃላት ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዚኾነ፡ ንምፍላጥ ሓደስቲ ቃላት ህንጡይነትኩም ክዝዓዝዝ ደጊመ እላቦ።
Said July 23, 2013
We will never forget this zinst .