Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ይሕሸኪ ራህዋ!

ዝኸበርኩም ኣሰናውያን ሰላም ከመይ ቀኒኹም፡ እዛ ትማሊ ነዚ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ንኺጠፍእ ብህልኽ ዚሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ሸፋቱ ብምርሕራሕ፡ ህዝብን ሃገርን ከተድሕን ብምውሳን፡ ኣብ ሱዕዲ ዓረብያ ዝተረፈት ጅግና ፓይለት ራህዋ ገብረክሩስቶስ እትምጉስ ናዕታ’የ ዝሰደልኩም ዘለኹ’ሞ ኣብነት

ዝኸበርኩም ኣሰናውያን ሰላም ከመይ ቀኒኹም፡ እዛ ትማሊ ነዚ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ንኺጠፍእ ብህልኽ ዚሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ሸፋቱ ብምርሕራሕ፡ ህዝብን ሃገርን ከተድሕን ብምውሳን፡ ኣብ ሱዕዲ ዓረብያ ዝተረፈት ጅግና ፓይለት ራህዋ ገብረክሩስቶስ እትምጉስ ናዕታ’የ ዝሰደልኩም ዘለኹ’ሞ ኣብነት ብዙሓት፡ ብፍላይ ድማ ነተን ኣብ ጽንብላት ህግደፍ ክዳን ኣጻዕድየን ወዛሕዛሕ ብምባል፡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንዋሕ ዓቢ ተራ ዝጻወታ ዘለዋ ውሑዳት ደቂ ልቢ ገርሃ ስለ ዝኾነት፡ ዮሃና ክብላ’የ ደልየ። ነተን ኣደታት ከምኣተን ብሓዘን ደቀን ደም እናነብዓ፡ ንሳተን ግን ኣብ ጓይላ ህግደፍ ዝዘላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ይኣክል! ንምባል ግብራዊ ስጉምቲ ወሲዳ ዘላ ካፕተን ራህዋ ገብረክሩስቶስ፡ ልዑል ምስጋና ይኹና። ንጠለምቲ ሕድሪ ሰማእታት ክሳዕ መቓብሮም ከተሳሲ ዘይምምራጻ ድማ ደጊመ ሓየት! ሃብሮም! ክብላ እፈቱ።

ይሕሸኪ ራህዋ!
ኣንቲ ሓበን ህዝቢ ናይ ሃገር ፓይለት
ካብ ምስ ህግደፍ ምንባር ኣብ ሕሱም ድኽነት
ዓስቢ ዘይርከቦ ትርፎ ውርደት ሕስረት
ይሕሸኪ ራህዋ መገዲ ሓርነት!
ነዚ ፍንፉን ስርዓት በላሊ ታሪኽኪ
ንእኡ ካብ ምዕሳብ ሕልናኺ ሸጥኪ
ካብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ስለ ዝደሓንኪ
ኤርትራዊት ዋዕሮ እንቋዕ ኣሐጐሰኪ!
ካብ ጀርዲን ጀነራል ንክትጽሂ ምውፋር
ካብ ጊላ ህግደፍ ሙዃን ክብርኻ ብምድፋር
ካብ ብዓመጽ መላኺ ተሳቒኻ ምምራር
ይሕሸኪ’ወ ራህዋ ብሓርነት ምንባር!
ብሰንኪ መላኺ ዝሓጸሮም ዕምሪ
ሕልናኺ ኣይጸሮን ብጾትኪ ኪትቀብሪ
ልብኺ ተንክዩ ናይ ሃገርኪ ፍቕሪ
ግፍዕታት መላኺ ዓገብ ኢልኪ ነውሪ
ስጉምቲ ምውሳድኪ እጃምኪ ክትገብሪ
ኣኹሪዕክና ኣሎኺ ራህዋ ሓራስ ነብሪ!
እዚ እኩይ ስርዓት ስምና ዝደወነ
ኣንጻሩ ክትከዲ ዓጢቕኪ ሕራነ
ኣዕንቲኺ ከፊቱ ልብኺ ዘእመነ
እቲ ልዑል ፈጣሪ መሬት ዝደኰነ
ምስጋኖ ይኹኖ ህይወትኪ ዘድሓነ!
ኢዶም ከይብክሉ መሬት ኣብ ምዕራቡ
ዕላማ’ዚ ስርዓት ብግቡእ ከንብቡ
እቶም ዝተረፉ ኣሰርኪ ኪስዕቡ
ከምዚ ናትኪ ጉዕዞ ዕድል ተዝረኽቡ!
ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ንሃገሩ ዚሓሊ
ህዝቡ ክሓልፈሉ *ኪብእልው ዚደሊ  *ኪህብትም፡ ኪብልጽግ
*ሃዚል ተዘይኮይኑ ንኣይ ይጥዓመኒ በሃሊ   *ዓዋን፡ ዓሻ
ሃገሩ ማዕቢላ ክትኮኖ መጽለሊ
ኩሉ ይቃለስ ኣሎ ንህግደፍ ኪኣሊ!
ኪዕወት ድማ’ዩ ኣብ ቀረበ ግዜ
ጨርቂ ኣይሕደስን’ዩ ሓንሳብ ምስ በለየ
ዋላ ተሸቂጡ ብዙሕ ተተሰፍየ
ብሓድሽ ተኪእካ ተዘይተደርበየ
ለኪሙ’ዩ ዚጠፍእ ምንም ከየፍረየ!
ስቓይና ንኺድምደም ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 01-04-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT