Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውድቀት ንኣጽናቲ ሕልሚ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ!! ራህዋን ሰላምን ንህዝብናን ሃገርናን!! ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!! ሰሎሞን ይውሃንስ

  ያልታደለ ህጻን = ዘይተዓደለ ህዝቢ ሕሉፍ ታሪኽና ንኽድገም ኣይበጻሕናን ዶ ኣብ ገምገም፧ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእታዊ ስርዓት ብፖሎቲካዊ ቃልሲ ፈኸም እናበለ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምስግጋር ዓቢ ድሪኺት ዝኾኑ መንእሰያት ወሎዶ 50ታትን 60ታትን ከመይ ኮን ነበረ፧ ኣብ ‘ቲ

 

ያልታደለ ህጻን = ዘይተዓደለ ህዝቢ

ሕሉፍ ታሪኽና ንኽድገም ኣይበጻሕናን ዶ ኣብ ገምገም፧

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእታዊ ስርዓት ብፖሎቲካዊ ቃልሲ ፈኸም እናበለ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምስግጋር ዓቢ ድሪኺት ዝኾኑ መንእሰያት ወሎዶ 50ታትን 60ታትን ከመይ ኮን ነበረ፧ ኣብ ‘ቲ ሽዑ መራሒ መንግሰቲ ዝነበሩ ደጀዝማት ተድላ ባይሩ ዝፈጠሮሎም ስግኣት ኣብ ዕርበት መንግስትነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፖሊስ ንኽትግበር ዝኣወጅ ኣዋጅ ፖሊስ ብዘይ ፍቃድ ቤት ፍርዲ ንጥርጡራት ክሳብ ሰለስተ ወርሕን ዝያድኡን ንምቅያድ ዘኽእል ኣዋጅ 1/1955 ኣወጁ።ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፡ ብርጋዴር ጀነራል ተድላ ዕቁቢት ንእምነቶም ዘተግብርሉ ዓቢ መሳርሒ ረኸቡ። ኣብቲ ፈለማ ግዜ ብ1955-1958 እቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሸፋቱን ሰረቀትን ገለ ናይ ፖሎቲካ ሰባትን ‘ዩ ዝፍጸም ነይሩ። ብፍላይ ካብ ምውራድ ባንዴራ ኣብ ታሕሳስ 1958 ግን፡ ተፈጻምነቱ ናብ ዝኾነ ናይ ፖሎቲካ ጥርጡር ኾነ። በዚ ድማ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ መፈራሪሒ መሳራሒታት መንግስቲ ኾነ። 1ኣብ ግዜ ምጥሓስ ፈደረሺን ዝነበረ ምንቅስቃስ ወለዶ 60ታት ብዝሓደሮም ቁጥዐ ነቲ ሽዑ መሳሪሒ እቲ ዝነበረ ሰርዓት ጀነራል ተድላ ዕቁቢት ንምቅታል መኺሮም። ኣብ መደምደምታ ድማ እታ ከቢድ ጾር ዝኾኖም እቶም ዉፉያት መናእሰያት ወለዶ 60ታት ጕዳይ ብረት ኸ፧ ካበይ ይምጻእ ዝብል ሕቶ ዓቢ ጉዳይ ነበረት። ሽዑ ግዜ ብረት (ጠመንጃ) ምርካብስ ይትረፍ ክትሓልሞ እውን እንተ ኾነ ዘይሕሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ሓደ ምኽሪ ተረኺቡ። እንተ ሎሚ ብኣንጻሩ ጉዳይ ብረት ብግዲ ዝተዓደለሉ እዋን ኢዩ።ማለት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኢዱ ኣይስኣን ድሕሪ 2000 ዓመተ ምህረት ኣቢሉ ግን ብረት ካብ መኽዘን ኣጽዋር (ኤምዳድ) ወጺኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀበሌ ልዕሊ መንነት ወረቀት ተሰሪዓ ብግዲ ትዕደለሉ ግዜ ኩይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ገለ ጭቡጥ ኣብነት ንዝኽርታት ምድህሳስ ድማ ሓደ ኣቦ ብዝመጾም መጸዋዕታ ናብ ቀበሌ ከይዶም ብግዲ እንኩመ ብረት ዕጠቁ ተባህሉ። ሚሒር ሰንቢዶም ክዓጥቁ ከምዘይክእሉ ዝሃብዎ ምኽንያት ኩነታት ጥዕንኦምን ዕድምኦምን ግን ተቀባልነት ድኣ ስኣኑ።ወዮም ኣቦ ብኣጋ ዘይዝሕል ዝሓደሮም ቁጠዕን ብረትን ሒዞም ንገዝኦም ከዱ። እቲ ወዶም ካብ ወፈሪ ባርነት ከይነገሮም ንስደት ኣምሪሑ ዝጸንሐ ካብ ስደት ድሓን ኣትየ ክብሎም ቴሌፎን ደዊሉ ኣቦይ ኣቅርቡለይ ኢሉ ንወላዲኡ ረኸቦም እንተ ኣቡኡ ግን ዝዓጠቅዋ ብረት ተተዅሳ ዘይትበጽሖ ዝደርበይዎ ቃላት ንወዶም ምርዳእ ኣቢይዎ ኣንታ ኣቦ እንታይ ድዩ ተረኺቡ፧ ድሓን ዶ ኣይኮንኩምን ኢኹም፧ ብሰላም ዶብ ሰጊረ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣትየ ክትሕጎስ ክነግረኹም ኢለ ኢየ ዝድውለልካ ዘለኹ። ድሓን ድሓን ንስኻስ ኢሎም ብሕርቃን ዝነቀጸ ጎሮርኦም ብምራቆም እና ኣተርከሱ ብእተቋራረጸ ድምጾም ዘረብኦም ብምቅጻል ድርብ መልእኽቲ ዝሓዘለ ዝረብኦም ሓቅኻ ክረምተይ ኣሕሊፈ ዘይክረምተይ የሕልፍ ኣለኹ ምስ በልዎ፡ ኣንታ ኣቦ እምበር ዶ ድሓን ኢኻ፧ ምስ በሎም ቅጪ መጺእዎም ዝሃብዎ መልሲ ወላዲኡ ድማ ዳሕራይካ ይገድድ ድሓን ዲኻ ኽኣ ትብለኒ ዝገበርካ ጌርካ። ኣነ ሎሚ ቤተ ክርሰትያነይ ዝማላለሰሉ ስዓት እንበኣር ወድኻ ደርቢይዋ ዝኸደ ብረት ድኣ መን ክስከመልካ ተባሂለ። ንሱ ከይኣኽለኒ ተመሊስካ እንባኣር ዝገበርካዮ ጠፊኡካስ ድሓን ዲኻ ትብለኒ ኢሎም ኣብ እዝኑ ተሌፎን ዓጸውዋ። እንተ ሎሚ ዛንታ ብረት በዚ ዝውዳእ ኣይኮነን። ካልእ ኣቦ ድማ ብተደጋጋሚ መጽዋዕታ ናይ ቀበሌ ብረት ንኽዓጥቁ ዝመጾም ዝነበረ መጸዋዕታ ብሰሪ ኩነታት ጥዕንኦም ዕሽሽ ኢሎሞ ዝጸንሑ ኣቦ ብኻልእ ጉዳዮም ምስ ከዱ። መጺእካለይ ዶ ክጽበየካ ጸኒሐ ኮይኑ ነገሩ። እቶም ተላኣኣኸቲ ሰብ ግዜ ብተደጋጋሚ መጸዋዕታና ነጺግኩም ዝገበርኩሞ ንዕቀት ሪኢናዮ ኣሎና ሕጂ ግን ድሓን ኣብ ካልእ ከይበጻሕና ብረት ትዓጥቁዋ ተቀበለና ተባሂሎም። መልሶም ድማ ስማዕ ዝወደይ ንዕቀት ኣይኮነን ኢሎም ንዘለዎም ኩነታት ጥዕንኦምን ዕድመኦምን ሙርኩስ ጌሮም ዝሃብውዋ መልሲ፡ ሎሚ ድኣ ኣነ ኣይኮነን ብረት ክስከም ይትረፍ ሲ ነዛ ሎሚ ጽባሕ ትብል ዘላ ሩሖይ ክስከም ኣይካኣልኩን እንተ በልዎም ግን ሰማዒ ስኢኖም። ብዝወረዶም ምጉብዕባዕ ቁጥዕኦ ገንፊሉ ስማዕእስኪ ዚወደይ እቶም ደቅና እንታይ ድዮም ሒዞም ኣብ ‘ቲ ግንባር ዘለዉ፧ ክብሉ ንዘቅረብዎ ሕቶ ብሕቶ ተመለሰሎም። መን ንግንባር ክትከዱ ኢሉኩም፧ እንታይ ድኣ ኣብ ዛ ከተማ ብረት ንዓይ ዘዕጥቅ ተረኺቡ፧ ክብሉ እኳ እንተ ሓተቱ። ብዝተወሃቦም መልሲ ድማ ንዝነበሮም ሕማም ዘብእስ ክሳብ ጸቅጢ ደሞም ዝግንፍልን ትርግታ ልቦም ኣመና ክሳብ ሂው ሂው ኢሉ ዝንህርን ሰንቢዶም እታ ዝበረሐት ርእሶም ርሃጽ ታህታ ኢላ። “ዋእእ…ማርያም ኣስመረይቲ ናበይ ምሰ ከደት!! ከመዚ ኸ ኣሎ ድዩ፧” እናበሉ ኣብ ገጾም ወረር ንዝበሎም ርሃጽ ብመንዲሎም እናደረዙ ዝትዋህበቶም ብረቶም ሒዝም ንገዝኦም ከዱ። እንታይ ኮን ነይራ ትኸውን እታ ንብረት ንኽስከሙ ምኽንያት ዝኾነቶም፧ ነዞም ክንዮ ዕድምኦን ጥዕንኦምን ንላዕሊ ዘሰክፍ ምኽንያት መልሲ ናይ ዚ ወይጦ ስርዓት ህግደፍ ዝነበረት፧ እታ መልሲ “ማርያም ኣስመረይቲ ናበይ ምስ ከደት” ዘበለቶምን ብረት ንኸቅበሉ ዘርዓመቶም ግን ንድሓር ከስዕበልኩም ኢየ። ብኣንጻር እዚ ኣብ ግዜ ወለዶ 60ታት ሽጉጥ ወይ ጠበንጃ ንምርካብ ኢዮም ዝሽገሩ ዝነበሩ። እንተ ሎሚ ግን ኣብ ግዜ ወለዶ 90ታት እትረፍ ብረት ሲ ታንክን ነፋሪትን ‘እውን እንተ ኾነ ዝዓጥቆ ሲኢኑ ተደርብዩ ምህላዉ ካብ ማንም እተሰወረ ኣይኮነን ምባለይ ግን ክንዮ ሓቂ ዝኽደ ድፍረት ኣይኮነን። በሉ ድሓን ዘመን ካብ ኣምጽኦ ግዜ ታንክን ነፋሪትን ምኻን ይትረፍ እንኮሎ ዝሃፈፈ ማለት ግደ ሓቂ ተተኳስን መተኮስን ተረኺቡ ግን ሓድነት ዝቀለሶ ተኳሲ ኣብ ፍትሓዊ ዕላማ እንዶሞ ቦኺሩ። ንድሕሪት ክመልሰኩም ናብ ምኽሪ ወለዶ 60ታት ውዕሎ ብዓል ወዲ ኣዉዓሎምን ብጾቱን ከ፧ ብረት ንምርካብ እንታይ ምኽሪ ኾን ገበሩ፧ ብረት ይርከቦ ዝበልዋ ምኽሪ ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ሓሳብ ንሓደ ካብ ኣቶም ቤተ ሰቡ ዝኾኑ ኣቦ፡ ዓስከር ጣልያን ዝነበሩ ጥሮተኛ ሽጉጥ ከም ዘለዎምን ናይ ጥሮትኦም ዶሞዝን ንምወሳድ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ካብ ዓዶም ናብ ኣስመራ ከም ዝመጹ መጽናዕቶም ኣጻፊፎም። ከም ብጽሕቲ ሰበይቲ ክኣ መዓልቲ ምቁጻርን ምጽንጻን ጀሚሮም። እዚ ማለት ንጀነራል ተድላ ዕቁቢት ንምቅታል ኢዩ ዝነበረ ዕላምኦም። እዋኑ ክረምቲ ብምንባሩ ጀነራል ተድላ ዕቚቢትስ ኣጋጣሚ ኾይኑ ብዘይ ኣፍልጥኦም ዘራይ ድኣ ረኸቡ። ወዮም ዓስከር ጥልያን ነበር ጥሮተኛ ኣቦ ድማ ነታ ወሪዳ ዝጸንሕቶም ውሕጅ እንተ ብዝሓለፈ ናይ ንእስነቶም ዝነበረ ጉልቦቶም ተደናጊሮም፡ ወይስ ንዝዓጠቁዋ ሹጉጦም ኣሚኖም ውሕጂ ክሳብ ትሃድኣሎም ዓቅሊ ምግባር ስኢኖም ድኣ ኣተውዋ። ውሕጂ ዓድና ድማ ንተድላ ዕቚቢት መቅተሊት ኣብ እተጠጀእ ሓሳብ ጊድኣ ድኣ ገበረት። ከም ዎዮ ምስላ፡ ዘይሓልፈላ ጭሩስ መስከረም ትዓውር ኮይኑ። እታ ብኽንደይ መከራ መዕለቢ ሓሳቦም ኣብ ጉዳይ ብረት ዝረኸበት ድማ ብውሕጅ በርዒናቶም። እዚ ማለት ጥሮተኛ ኣቦ ነብሶምን ሽጉጦም ብወሕጅ ተወሲዶም። እንተ ኾነ ግን ነብሲ ጀነራል ተድላ ዕቚቢት ብዝገበርዎ ምዝንጋዕ በደላዊ ሕልንኦም ረቲዕዎም ዕጥቅን ኢድ ኻልኦትን ኣየፍቀደትን። እንታይ ድኣ ብገዛእ ኢዶም በታ ዝዓጠቅዋ ሂያብ ወርቃዊት ሽጉጠም ሂዎቶም ኣሕሊፍም። ከምወዮ ምስላ “ለባም ክልእኸካ ርእሰካ ይሓከካ” ከም ዝብሃል ሃጸይ ሃይለስላሴ ንዝነበረ ሕልሞም ምጉባጥ ኤርትራ ዘገልግሎም ኣላልዮም ድማ ናይ መዋቲ ወዶም ልኡል ልጅ መኮነን ሃይለስላሴ ወርቃዊት ሽጉጥን 20.000 ብርን ሽልማት ገጸበረከት ተዋሂብዎም ነይሮም። እንተ እቲ 20.000 ብር ከም ዘለዉዎ ናብ ካዝና ፖሊስ ምእታዎም እዩ ዝዝንቶ። ንዝነብሮም ኣትሓሕዛ ኣብ ወትሃደራዊ ሕግን ኣለባብሳ ወትሃደራዊ ዕጥቂ መዘና ኣይነበሮምን። እንተ ኾነ ግን ኣብ ኣሳላልፋ ፖሊስ ዝበዝሑ ደቂ ሰራየ ገይርዎም ዝብል ሕሜታታት ክምዝነበረ ዝገልጽ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብመምህር ተጋዳላይ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝተደርሰ ምውካሰ ኣዝዩ ኣገዳሲ ታሪኽ ዘሰተምህር መወከሲ መጽሓፍ ሰፊሩ ንረኽቦ። ኤርትራ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን 1956-1962 ብኣለምሰገድ ተስፋይ፣ ገጽ.650

ኣብ  ዛ ብ7 ነሓሰ 2019 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝቀርበ ዜና ብስእሊ ዝተሰነየ ንመልከት http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_07082019.pdf ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 6 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ፡ ብኣዛዚ ናይ’ቲ ኣንጻር ሽበራ ዝቘመ ልፍንቲ ሓይልታት ሌተና ጀነራል – ልኡል ፋሃድ ቢን ቱርኪ ቢን ዓብዱል ዓዚዝ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ስዑዲ-ዓረብ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ክትብል ንኣዛዚ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ መጀር ጀነራል ዝልበሶ ክዳን ዝሓዘ ስእሊ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምስ ራኣኹ፤ ነቲ ኣቀድም ኣቢለ “ንሓይሊ ባሕርና ሽዳ ውን እንተ ኾነ ከዕጥቅ ዘይካኣለ ስርዓት ውልቀ መላኺ ዓቅሚ የብልናን ንዑ ተቀበሉና” እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣቅሪበ ነይረ። ሕጂ ውን ኣብ ዛ ስእሊ እሞ ንመልከት፤ ንእኮ ጀነራል ሓይሊ ባሐሪ ደረጅኡ ዝሓለወ ክዳን ሓይሊ ባሕሪ ከዕጥቅ ዘይክእ ስርዓት ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ኣቤት ጉዳም ነብስሄር ጀነራል ተድላ ዕቁቢት ኣይርኣዩ እዩ ዘብል። ኣጽዋር ከም ዝሸመተ ኣብ ናይ 32 መመረቅታ ናይ ሳዋ ኣርኢዩና። ንዕርቃን ዕንወትን ሓይሊ ባሕርና ግን ኣብ ኣ ድኣ ንዓኹም ዝዓይነቱ ብጋዜጡኡን ተሌቨዥኑን ገይሩ የርእየና ኣሎ። ፕሮቶኮል ካብ ኣልዓልኩ ኣብ ከባቢ 2001 ኣብቢሉ ኣብ ካይሮ ሓንቲ ኣዚያ ምኩርቲ ኢትዮጵያዊት ኣንባሳደር ቆንጂት ዝተባህለት ክጠቅስ። ንኤርፖርት ጋሻ ክትቅብል ብማኪና ምስቲ ሽዑ ግዜ ኣብ ቆንስል ጉዳያት ተመዲቦም ዝነብሩ፡ እዞም ሎሚ ብውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያሰ ብጣዕሚ ተናፊቆም ጸሎት ክግበረሎም ንመራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ምሕጽንታ ብኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ ሚ/ር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ዝተገበረሎም ወገን ሓደ ካብኦም ኣሰንይዋ ከዱ። ኣብ ፍርቂ መንገዲ ምስ ብጽሑ ሕጊ ፕሮቶኮል ተጣሒሱ ዝርኣየቶ ኣምባሰደር ቆንጂት ንመራሒ መኪንኣ ጠጠው ከብላ ኣዘዝኦ። መራሒ መኪንኣ ገሪምዎ ዝኸበርን ኣንባሳደር ገና ኤርፖርት ኣይበጻሕናን። መን ከ በጺሕና ኢሉካ፧ ጠጠው ኣብላ ኢየ ኢለካ በልኦ ኣትሪረን። ተባሂሉ መኪና ጠጠው ኢላ። ንወዮ ሎሚ ኢሰያስ ዝናፈቆም ዘሎ ቆንስላ ዝነበረ ሰብ “ሕጊ ፕሮቶኮል ስኒከር ጫማ ምስ ባድላ ተኽዲንካ ምሳይ ጋሻ ክትቅበል ኣየፍቅደልካን እዩ፤ ስለዚ ታኽሲ ጌርካ ተመልስ” ኢለን ኣብ ፍርቂ መንገዲ ኣውሪደ ገዲፈንኦ ከዳ። ነዛ ስእሊ ሪኢና ብመሰረት ትግባረ ፕሮቶኮላዊን ወተሃደራዊን ሕጊ ኣንባሳደር ቆንጂትን ጀነራል ተድላ ዕቁቢትን እንታይ ንጽበ፧ ንኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ 29 ዓመት ስልጣን ህዝቢ ገቢቱ። ን ኣስታት 6 ሚሎዮን ዝኸውን ህዝቢን ክልተ ወደብን ዘለዋ ሃገር ክትመርሕ ብቅዓት ኮነ ብስለት ይትርፍ ሲ፤ ንእኮ መጀር ጀነራል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ደረጃን ማዕርጉን ዝገልጽ ክዳን እውን ከቅርብ ዝኽእል ብቅዓት የብሉን። እዚ ድማ ሎሚ ድኽመት ናይ ዚ ገባቲ ስርዓት ምስክር ዘየድልዮ እዃ እንተኾነ ካብ ናይ ህዝቢ ስልጣን ምውጋዱ ግን ትግባሪኡ ሓድነት ዝቀለሶ ቃልሲ ምክያድ ዝዘንጋዕናዮ ሓላፍነተና እዩ።

እንተ እዚ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ እሰያስ ዝኽተሎ ፕሮተኮል ድማ ሚንስትሪ ግፍዒ ዝኾነት ተጋዳሊት ፍዝያ ሓሽም ተማዕቁቦ ተሰንዩ ንሰብ ራኢ ኤርትራውያን ብኣተሓሳስባ ጸብለል ንዝበልዎ ድማ ኣብ ግሃነባዊ ምሕይርን ምሕቃቅን እዩ።

በሉ ታሪኽና ንገንጽል ህላወ መንነትና መታን ክቅጽል። ጀነራል ተድላ ዕቚቢት ድማ ብዝዓጠቅዋ ወርቃዊት ሽጉጦም ሂወቶም ከሕልፉ ድኣ መረጹ። እንተ ሕልሚ መንእሰያት ወሎዶ 60ታት ብዓል ወዲ ኣውዓሎምን ብጾቱን ግን ምስ ሞት ጀነራል ተድላ ዕቚቢት ዘብቅዕ ኮይኑ ኣይተረፈን። እንታይ ድኣ ኣብቲ ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ተጸንቢሮም እታ ዝነበረቶም ሕልሚ ህዝቦም ልእላውነት ሃገሮም ኣተጊቢሮም እንሆ ሎሚ 29 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኮይኑ። ሎሚ ጽንብል ናጽነት ኣብ ትሕቲ ኣሰካፊ ኮቪድ 19 ን መስናበቲ ስርዓት ኮሮና 91 ህግደፍን ይዝከር ኣሎ። እንተ ሎሚ ግን እቲ ብረት እንተ ኾነ እቲ ብረት ናይ ቀደም እዩ ነይሩ። ነገር ሓቂ ዘልዕሎ ኣይረኸበን እንተ እቲ ሓሞት ቀዳሞት ግን ሎሚ ዓዲ ኣርሒቁ ካብ ዚ ኹሉ ሓንቲ ብረትን ሓንቲ ዘይተ ቀጠነት ሓሞት ማዓንጣን ተሳኢና ድሕሪ ወዲ ዓሊን ስዓብቱን እቲ ብረት እንተኾነ ድማ ዘልዕሎ ኣይተረኸበን። ስኣን ነዚ ሓደ ውልቀ መላኪ ስርዓት ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ንቡንቁስ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ክንቆራቆስን ህዝብናን ሃገርናን ይጠፍእ ምህላዉ ካብ ማንም ለባም እተኸወለ ኣይኮነን። እንተ ሎምስ ከምዚ ከማይ ዓሻ ውን እንተኾነ ከይተረፈ ፈሊጥዎ ኣሎ። በንጻሩ ዚ ድማ ንፋስ ቀልቀል እቶም ሕሉፋት ለባማት ኢና ብትግርኛ ሕሰቡ ዝብልና ዘለው ጉዑዝያት ኣግዓዝያውያን ግን ዘረባ የብሉ። ሎሚ እዚ ካብ በሉ ጽባሕ ድማ ብቋንቋ ሂብሩ ተዛረቡ ምባል ብጀካ ሕልሚ እንታይ ዳኛ ኣለዎም። ከምኡ ‘ን ገለ ሕልፊ ሰቦም ዝለበሙ ዝመስሎም ኣብ ግፍዒ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዘይትጽሕዮ ቦታ ሰፊርካስ እዚ ምዓት ብኣምላኽ ጥራያ ኢዩ ዝውዳእ ስቕ እንዶ በሉ ዝብሉስ ኣቤት ከምሕሮሎም ጉዶም ዘይፈልጠ። ሕማቅ ብረት እንበር ሕማቅ ኤርትራዊ የሎን ኢዩ ዝበለ ስዉእ ሓርበኛ ንጉሰ በራኺ (ወዲ ፈንቅል) እንተ ሎምን ቀደምን እዚ ኣስ ንውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ኣይትምልከትን ኢያ። እዚ ሕማቅ ሰብ ሃገርን ህዝብን የጥፍእ ኣሎ። እሞ እቶም ንሕና ንሱ ዝብሉ ድማ ካብኡ ከም ዘይፍለዩ እንተ ኢልና፤ ሕማቅ ኤርትራዊ ኣሎ ማለት ድዩ ዝኸውን ዘሎ፧ ወይስ ዕሽነተይ ዝጋረዶ ካልእ ማንታ መልሲ ኣልዎ፧ በሉ ኣብዚ ኣስ ብዘይ ቃል ዓለም ስነ ልበናኹ ክሰምዕ ምደለኹ።

እሞ ድኣ ነቲ ቁኑዕ ስነ-ልበናኹም ተሞርኩሰ እንታይ ክደግመና ኢና ንጽበ ዞለና፧ ሳላ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ኢዱ ኣይስኣን ሎሚ ኩሉ ናይ ፖሎቲካ ተንታኒ ዝኾነሉ ንታሪኽና ዝስረቀሉን ዝጥምዝዙሉን ዘመን ኮይኑ ኣሎ። ገለ ካብ ዞም ናይ ዘመና ተንተንቲ ድማ ኣብ ክልቲኡ ጫፋትን ዝዓስከሩ ሉጓምን ኮረሻን ዘይብሉ ፈረስ ዝጋልቡ ዘለው ንጠንቀቅ። ወይሉኹም ብትግርኛ እንተዘይ ሓሲብኩም እናበሉ ኣግዓዝያውያን ጉዑዙይ ስነ-ሓሳብ ሰኒቆም ልሳኖም ከዋጣውጡ ኣእዛና ይሰምዕን ኣዒንትና ይርኢን ኣሎ። መንእሰያት ብሩህ መጻኢ ድማ ንዓና ኣይተሰዉኡን ንእሰያስ እዮም ተሰዊኦም ይብሉ። እዚ ድማ መርኣያ እቲ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ኢሰያስ ንሃገራውነት ንምጥፋእ ዝዘርኦ ዘርኢ ኣብ ገለ መንእሰያት ቆውዒ ክበጽ ዝተረፎ የብሉን ንምባል ድማ ትንዕ ትብለሉ መድረኽ ኮይኑ ኣሎ።

ድሕሪ እዚ ኹሉ መዐየሪ ዘይርከቦ በደል ኣብ ልዕሊ ዜጋታትናን መንፈሳዊ እምነታትን ንዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ሪዒሞም ትም በሉ ኣምላኽ ዘምጽኦ ብኣምላኽ ኢዩ ዝውዳእ ዝብሉናስ፡ ኣብ ልዕሊ ሓውኻ ንዝወርድ በደል ጌጋ ዘይምባል ግን ጽድቂ ዶ ኾን ዝርከቦ መሲልዎም ይኸውን፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “1ይ የውሃንስ 4፡20 እንተ ተመልከትና ነቲ ዝርእዮ ሓው ዘየፍቀሮስ ነቲ ዘይርኣዮ ኣምላኽ ከፍቅሮ ኣይክእልን ኢዩ። እሞ ንሓው እናጸልአስ ንኣምላኽ የፍቅሮ እየ ዝብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ ኢዩ።” ይብልና መጽሓፍ ቅዱስ። ስለዚ ኣይንዘንግዕ ንእተበደለ ሓውና ዓገብ ዓገብ ንበል!! ይኣክል ምባል ካብ ጽድቂ ኣየብኩረናን ኢዩ!! ፍትሒ የድልየና ኣሎ ምባል ድማ ካብ ምድራዊ ገሃነብ መግዛእቲ ስርዓት ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያሰ ኢዩ ነጻ ዘውጽ እምበር ናይ ስመያዊ ገሃነብ ዘእቱ እውን ኣይኮነን። እሞ እቶም ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ንህዝብን ሃገርን ገዲፍኩም ንጋኒን ሃጸይ ልጅ ኢስያሰ ምግልጋል ግን ብምድራዊ መለክዒ ክንዮ ገበን መዝገብ የብሎምን። ብሰማያው ጉዕዞ ድማ “ኣይትፍረዱ ከይፍረደኩም” ዝብል ሙርኹስ ገይረ ንገለ ውሑዳታ ሰብ መስቀልን ጸናጽልን ብራኢ ሰማያዊ ድማ ምልእኽቲ 1ይ የውሃንስ 4፡20 ዝያዳ ንዓኹም ሓለፋ ኣለዋ።

ሞት ጸወታ ጭርጭር ዓበደ ልጅ ሃጸይ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ናይ ድያስፖራን ገለ ክፋል ሕብረተ ሰብ ኢትዮጵያ ዝኾነት ናይ ክልል ትግራይን ጥራሕ ክቃላሕ ሰሚዕናን ርኢናን ኣሎና። እንተ እተን መርበብ ሓበሬታ ዓለም ግን ኣብዚ ናይ ሓሶት  እተስርሐ ድራማ  ትዕዝብቲ መዝገቦም ኣይዓረፍን። ንዝሓለፈ ሓሸውያ ድራማ ሞት ንድሕሪት ገዲፈ ፍታሕ ዝብሎ ግን ሓሳብ ከቀምጥ እየ። ሓሚምካ ሕክምናዊ ረዲኤት ንምርካብ ናብ ሓኪም ቀሪብካ ዝስምዓካ ሕማም ምስ ገለጽካሉ ንመርመርኡ (diagnose) ዝሕግዝ ኣብ ስድራ ቤትኩም ሕማም ሽካር፤ ኻንሰር…ወዘት ኣለኩም ዶ፧ ብምባል ተመራሚሮም ይፍውሱና። ንሕና ድማ ነዚ ሎሚ ንኮሮና 1991 ዝኾነ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዝገበሮም ገበናት ውርሻዊ ምኻኖም ንድሕሪት ወለድኡ ምልስ ኢልና ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሎሚ መድሃኒት ተሳኢንዎ ዘጽንተና ዞሎ ስርዓት ህግደፈ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብ1979 መድሃኒት ዝይርከብሉ ቫይረስ ተባሂሉ ተዋሲእሉ ነይሩ እዩ። ንዝርዝሩ ድማ ኣምላኽ እንተ ፈቂድዎ ኣብ ካልእ ግዜ ከስዕበልኩም ኣወንዚፈዮ ኣለኹ።`

እሞ ድኣ እዚ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ገለ መንደፈ ሕማም ቡንቁስ ኣይተብሎን! ስቃይና ክውዳእ እንዳ በልካ ምምህላል ግን ኣይዘረባን። ምኽንያቱ ናብ ገለ ወሎዶ ሓረግ ዘርኡ እንተ ፈተሽና ኣብሽኡ ጸጉ (ሓትንኡ) ምኻነን እየን ኣብ መበል 107 ዓመተን እየን መይተን። ጠፋእና ስላስ! ሓቁ ድኣ፧ ድሓን ድሓን ኣብኡ መን ከብጽሖ፧ ሎሚ ድኣ ሒዝዎ ዘሎ ጋኒን ብመርበብ መራኸቢ ቡዙሓን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ቲቪ ኣሰና፡ ኤሪሳት፡ ሬድዮ ኤሪና…ወዘተ ንይኣክል መደባት ውጹዕ ህዝብና ብምቅላሕን ምንቅቃሕን ዕብድብድ እሞ የብሎ ኣሎ። ንውርሻ ከምቶም ኣብ ቃላይ ኣትዮም ዝመቱ ንሱ ድማ ካብኡ ዘይፍለ ዕድል ኣብ ዛ ዲጋ ዓዲ ሓሎ ክጥሕል ምጽባይ ግን እንታይ ግዜ ምሽማት ኣድለየና፧ ን29 ዓመት ዘድመየና ዊሒዱና ድዩ ካልእ ኣማራጺ ኣብ ልዕሊኡ ንምንዳይ ዝሕርብተና ዘሎ፧

ግርም ሕራይ እሞ ድኣ ኣብዚ ካብ በጽሐ፡ እዚ ውልቀ መላኪ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ከም ‘ውን ህዝቢ ሃገራት ቅርኒ ኣፍሪቃን ዝገበሮ በደላት ሕልንኡ ረቲዕዎ ኣብ ጽላለ ኣድሂቡሉ ኣሎ። እሞ ድኣ ብጣዕሳ ከም ናይ ጀነራል ተድላ ዕቁቢት ብገዛእ ኢዱ በተን ካብ ሃገራት ዓረብ ዝተበረከተሉ ገጽ በረከት ሂወቱ ዶ ኾን ይጥፍእ ይኸውን፧ ማለት ወርቃውያን ሴፍት ናይ ዘውዳውያን ሱዑዲ ዓረብ፡ ቀጠር፡ ዒማራት ዓረብ፡ ሱዳን ብዑመር ኣልበሽርን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ዝረኸቦ ገይሩ ንነብሱ ክስሃላ ዝጽበዩ ገለስ ኣይሳኣኑን እዮም። ኣቤት እዚስ ኣይትሕሰብዎ ዋላ ንእስሙላህ ውን እንተ ኾን። ፈራሕ ብዙሕ እዩ በትሩ ዝብል ምስላ ኸ ናበይ ምስ ኸደ፧ እሞ ድኣ ኸም ናይ ኣባሓጉኡ ሃጸይ ቴድሮስ ባዕሉ ዶ ሽጉጡ ይሰቲ ኢልካዮ፧ ኣቤት በየናይ ማዓንጥኡ፧ እንተ ነገር ጸይቂ ግን ካብ ኣባሓጎታቱ ዝወርሶ ማለት ከም ናይ ኣቦሓጉኡ ሓጎስ ምራጭ ብገዛእ ሰብኣይ ሓፍቱ ንሽመቱ ንኸይቋመቶ ክልተ ኣዒንቱ መንሺሩ ኣብ ትግራይ ዓዲ ውዒል ድኣ ገበሮ። እዚ ሕማም ስልጣን ናይ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ካብ ኣባሓጎታቱ ዝወረሶ እዩ። ውርሻ ጸይቂ ዛንታ ናይ ኣባሓጉኡ ድማ ኣብ ኣርካናት ገድልን ህዝብን ኣብ ጉድጓ ኣእቲኻ ምሕቃቅ ክደግም ንርኢ ኣሎና። ኣብዚ ደው ከይበለ ሎሚ ናይ ቀርባ ኣብነት ንጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣካሉ ኣልሚሱ ዓዲ ውዒል ገይርዎ ኣሎ። ንኣምሰሉ እውን እንተ ኾነ እንታይ ተረኽበ ኢሉ ክበጽሖ ምዓንጣ ሲኢኑ ኣሎ። ፈራሕ ኣይሓዝካ እዩ ነገሩ። ነታ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝርከባ ካቢነ ሚኒስቲር ውን እንተ ኾነ ኣኼባ ንምጽዋዕ ሓሞቱ ፈሲሱ ክልተ ዓመቱ ክገብር ዝተረፎ የብሉን። ካብ ኣኼባ ካቢነ ሚንስተራት ኤርትራ ንላዕሊ ግን ብዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ እና ኸደ ምስ ገለ ካቢነ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ይእከብን ኣብ ዝሰርሕዎ ስርሓት ክምርቅ ዘውዳዊ ሕልሙ ከሳሲ ይርአ ኣሎ። ነቲ ካብ እግሪ ቡቁሊ ምስላፉ ዝጀመረ ሕማም ውርሻ ስልጣን ናይ ልጅ ሃጸይ ኢሰያስ ግን ነቶም ገርሀኛታት ኤርትራውያን ሕማም ህዝቦምን ፍቅሪ ሃገሮምን ዝነብሮም ጀጋኑ ወለዶ 60ታት ብኣውራጃውነት ከመህ ኣቢሉ ሓያሎ ጀጋኑ በሊዑ መስርሕ ዓወት ቃልስና ተዳንጉዩ እተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ድማ ዝኽታም ናይ ሓርነት ኮይኑ ኣላ። እንተ ሎሚ ውን ወሎዶ ኣርባዕተ ዝሕብራ ሰንደቅ ዓለማና (ባንዴራና) ድማ ካብ ሕሉፍ ታሪኽና መምህርን ምምሃርን ሲእና። ማለት ሎሚ እውን እንተኾነ እንተ ተጋዲልና ሃገር ከነዕሪ ረብሾምና ብዓል እከይ ግብሪ ኮይኑ ኣሎ። ገለ ሰብ ምዓንጣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፈይስ ቡክን ዩቱብን መቦኮሪኣ ኣጸቢቃ ዕጣን ናይ ኣውራጃውነትን ሃይማኖትን መልክዓ ሲሒታ ተነስኒሳ ክተክኽ ንዕዘብ ኣሎና። እንተ ማዓንጣ ኢሰያስ ግን ኣብ ሜዳ ኣይነበራታ ኣብ ግዜ ናጽነት ውን የብላን። ኣብ ሜዳ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዘይፈልጦ ሰብ (ተጋዳላይ) እንተ ኣብ ጥቅኡን መኪንኡን ቀሪቡ ሪኡ መን እዩ እዚ ሰብ፧ እንታይ ክገብር መጺኡ፧ ብምባል ኣብ ካልኦት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ዘይነበረ ባህሪ ዝነበሮን ዘለዎን እንኮ እዩ። 22 ለካቲት1984 ህዝባዊ ግንባር ናይ መጀመርያ ታንኪ ብታንኪ ኣብ ጎላግል ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕል ዝተገብረ መጥቃዕቲ እዩ ነይሩ። እት ውጺኢቱ ግን ከምቲ ዝድለ እዃ እንተ ዘይነበረ መስመር ጸላኢ ግን ተሰይሩ እዩ። ድሕሩ ኣብ መጋቢት 1984 ዝነበረ ድኽመታት ተኣሪሙ ዝተውስደ ዳግማይ መጥቃዕቲ ድማ ዕውት ስርሒት ኮይኑ። ውቃው እዚ ተደምሲሱ ማርሳ ተኽላይን 4000 ኪ.ሜ ዝንውሓቲ ገመግም ባሕርና ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ወነንቱ ኮይና። ኣብዚ ዝተርኽበ ዓወት ንሞራል ተጋዳላይ ተስፋ ብርሃን ዘስነቀ እዩ ነይሩ። ነቲ ፈታኒ መድረኽ ሕጽረት ዓቅሚ ተተኳሲ ኣጽዋርና ስንቅንቅ ድማ በቲ ኣብኡ እተማረኽ ከም ወትሩ ካብ ጸላእትና ተፈቲሑ። ከመ እውን ቡዙሓት ወትሃደራት ኮለኔል ግርማ ተሰማ ዝርከብዎም ተማሪኾም። ኣነ ጥፎ ብዓንበርበር ማእከላይ መደበር ወይ እንዳ ምልክት ገይረ ንዓራግ ንክኸይድ ኣብታ ሩባ ንብድሆ ዘደይብ መንገዲ ማኪና እንተ ረኸብና ምስ ሓደ ካልኣየ ኣባል ምልክት ውድብ ዝነበረ ሃብቶም (ዘይተውደነ) ዝብሃል ክንጽበ ጀመርና። ኣብ እንከለና ክልተ ሙሩኻት ዝነበሩ ተጋዲሎም ኣባላት ሓለዋ ሙሩኻት ዝኾኑ እዮም ነይሮም። ካብኦም ሓደ ሴፉ ካብቶም ቀዳሞት ሙሩኻት ኣብ 1977 ኣብ ሓራ ከተማታት እንተ ዘይተጋግየ ኣብ ከተማ ከረን እተማረኸ እዩ። ምስ ሴፉ ሰላምታ ተባሂልና ናበይ ድኣ ትኸዱ ኣለኹም፧ ንሓሊበት ነቶም ናይ ውቃው ሙሩኻት ከንቁሑ (ክምህሩ) ምኻኖም ነገሩና ጉዕዝኦም ቀጸሉ። ኣነ ኮለይ ዓጢቀ ሃብቶም ግን ዕጥቂ ኣይነበሮን እንታይ 40 ኣንቴና ናይ ሬድዩ ፒርሲ 77 ተሰኪሙ እንዳ ተባራረና እንዳ ተዋዘናን ንዓቀብት ብድሆ ተታሓሓዝናዮ። ነታ ዓቀበት ክንወጻ ዝተረፈና ኣይነበረን እንተ ኾነ ግን ብድሕረና ሓንቲ ታዮታ መኪና መጸት። ሕልፍ ኢላትና ደው በለት ኣነ እናጎየኹ በቲ ናይ ተሳፋራይ ወገን ብዓል መን ምኻኖም ከይፈለጥኩ ንዓራግ ተማልኣና፧ ዓራግ ድኣ ናበይ፧ ኢሉ ዝሓተተኒ ተጋዳላይ ስውእ ኢብረሂም ወዲ ዓፋ እዩ ነይሩ። እታ መኪና ሒዝዋ ዝንበረ ድማ ድሩዕ ባዕሉ ጎቦ ኣውቲስትኡ ዝነበረ ኣብ ድሕሪት ምስኡ ተሰቂልና። ንብድሆ ክንወራዳ ምስ ጀመርና ብዓል ሴፉ ኣብኡ በጺሖም ጸኒሖም ተማልኣና ናብ ሓሊበት ኢሎሞ ደው ኢላ ድሩዕ ተስቀሉ ኢልዎም። ካልእ ግዜ ሓደ ልይቲ ኣብ ሂንቦል መኪና ሲኢነ ኣብ ደረት ጽርግያ ከም ኣራዊት ቀንፈዘው ከብል ኣምስየ። ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ሓንቲ መኪና ትመጽ ተማልኣኒ ንምውፋር ትበጽሕ እንተ ኾይንኻ ኢለዮ እተስቀልኩዋ መኪና ሓንቲ ገልጣም ኣረጊት እያ ነይራ። ካብ ላዕሊ ሂንቦል ክፍሊ ገንዘብ ናብ ምውፋር ክልቴና እተሳፈርናያ ብሚሒር ገልጠምጠም ናይታ መኪና ኣብ ዕላልና ብጉቡእ ክንሳማማዕ ኣይካኣልናን። ነዛ ገልጣም መኪና ሒዙ ዝነበረ ተጋዳልይ መን ይመስለኩም፧ በቲ ሽዑ ግዜ ዋና ጽሓፊ ናይቲ ውድብ ዝነበረ ሮሞዳን መሓመኑር እዩ ነይሩ። እዛ ሓበሬታ ነቲ ኣብ መንጎ ኢሰያስን እቶም ካልኦት ሓለፍቲ ዝነበሩ ገጸባህሪ ንምንጻር እየ ዝጠቅሶ ዘለኹ። ድሕሪ ምቅንጻል ኢብርሂም ዓፋ (ወዲ ዓፋ) ምኻኑ እዩ። ካብ ሱዳን ንሜዳ ኣብ ዛኣትወሉ ዝነበረ ግዜ መኪና ኣብ መንገዲ ኣብቲ ኣጻምእ በረኻ ሱዳን ዝነበራ ጎማታታ ነፊሱ ጠጠው በለት። መራሒ መኪንኡ ኦፕረተሩን ተጣማሚትካ ጠጠው ኮነ። እንተ ኮነ ግን ካብ ሜዳ ዝጀመረ ስውር ሓለዋ ከም ዝነብሮም ዝይፈለጡ መራሒ መኺንኡን (ኣውቲስቲኡን) ኦፕረተሩን ግን ኣብ ሻቅሎት እንከልዉ በዚኣ ነጢቦም ዘይተባህሉ ብወዲ ፊተውራሪ ዝሓዞም ምስ ሽጉጦም ዝስተ ማይ ብራሾታት ሒዞም ብድሕሪኦም ደበኽ ኢሎም። ወዲ ፊቶውራሪ ነቲ እምነት ኣብ ልዕሊ መጋድልቱን ብጾቱን ዘይነበሮን ዘይብሉን ንሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዝስተ ማይ ዝመለእት ብራሾ ሃቦ። “ዓሻ ድየ በራኺ” ኣብ ኣጻምእ ማይ ምስታይ ተጸይኑ ሓላይ ክመስል ነዛ ማይ ብራሾ ተቀቢሉ ከይሰተያ ነቶም ኦፕረተሩን መራሒ መኪናኡን ክሰትይዋ ሃቦም። መራሒ መኪንኡ ዝሰተዮ ማይ ጥዕና ከሊእዎ ከይልክሞ ዝፈረሐ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ እታ መኪና ባዕሉ ብምዝዋር ብዘይ መብረ ን8-9 ሰዓት ከየዕረፍ ቦትኡ ዓንበርበብ ኣተወ። እዚ ማለት ድማ ብጾቱ ክንሶም ክይስምምዎ ብዝሓደሮ ፍርሒ ዝፈጸሞ ክሕደት ኣብ ልዕሊ ብጾቱ እዩ ነይሩ። እንተ ኾነ እቶም ብጾቱ ግን ብጽያዊ ሓልዮት ዝገበረሎም እንበር ዝተንኮሎሎም ምንባሩስ ፍጹም ኣይተረደኦምን እዩ ነይሩ።

2ይ ክፋል ይቕጽል

ውድቀት ንኣጽናቲ ሕልሚ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ!!

ራህዋን ሰላምን ንህዝብናን ሃገርናን!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!!

ሰሎሞን ይውሃንስ

yakobe@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • ወዲ ሃገር May 24, 2020

    “እዚ ሕማቅ ሰብ ሃገርን ህዝብን የጥፍእ ኣሎ። እሞ እቶም ንሕና ንሱ ዝብሉ ድማ ካብኡ ከም ዘይፍለዩ እንተ ኢልና፤ ሕማቅ ኤርትራዊ ኣሎ ማለት ድዩ ዝኸውን ዘሎ፧ ወይስ ዕሽነተይ ዝጋረዶ ካልእ ማንታ መልሲ ኣልዎ፧ በሉ ኣብዚ ኣስ ብዘይ ቃል ዓለም ስነ ልበናኹ ክሰምዕ ምደለኹ።”

    ሰሎሞን ይውሃንስ

    ______________

    ኩቡር ሓዉ ሰሎሞን፥

    ሕማቅ ኤርትራዊ ኣሎ ማለት ድዩ ?
    ሕማቅ ኤሪትራዊ ዳኣ መለኡ ።
    ጉጆለ ህግደፍን መራሒኦም እሰያስን ፥ መሰረታዊ መሰላት ደቂ-ሰብ ዝግህስ ውሳኔታት ክሕልፉ ከለዉ ፥ እቲ ከተግብር ዝተመዘዘ ሰብ ፥ ብዘይ ገለ ንሕስያ ፥ ይኣስር ፥ ይጨዊ ፥ ይርሽን ፥ ይሓንቅ ፥ ይስውር ። እዚ ገበናት’ዚ ተሰዊሩ ዝነብር ስለ ዝመስሎ ፥ ካብ ኣራዊት ዝገድድ ጭካነ ኣሎዎ ።

    እዚ ሰብዚ እንታይ እዩ በደሉ ?
    ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ዲዩ ?
    ከምይ ሰብ እንዲዩ ፥ ምሽክናይ እንታይ ገበረ ?
    ኣቦ እንዱዩ ፥ ዝዓቢ ቆልዓ ኣሎዎ ?።
    ኣይብልን ።
    እዚ ሕማቅ ኤሪትራዊ ፥ ሕልንኡ ስለ ዝሞተ ፥ ኣብ ህልቂት ህዝቡ እዳ ተሳተፈ ከሎ ፥
    – ደቁ ኣብ ስደት ክነብሩ ይጽዕር
    – ምስ ኣፋነዎም ፥ ናፊቀዮም ይብል
    – ደገ ከይሕከም ከልኪሎምኒ እሉ የማርር
    – ፈውሲ ተማሉኡለይ ይብል
    – ኣብ ቅድሚ ካሎት ግዳይ ክመስል ይፍትን
    – ናብራ መሪሩና እሉ የስተማስል
    – ክንዳይ ዘይተቃለሱ ፥ ሓለፋታት ኣሎዎም እሉ የስተማስል
    – ማዓርግ ኣይወሰኹንን
    – ካብ ማህያይ ተቆሪጹነ
    – ገዛ ጸቢቡኒ
    ወዘተ … ሃገር እንዳ ኣዕኖወ ፥ ኑቡር ናብራ ይጽበ።
    እዚ ከምዚ ዓይነት ሕማቅ ኤሪትራዊ እዩ እንባኣር፥ ደም ካብ እዱ ጠረር እንዳ በለ ፥ ናዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ እሉ ፥ ንኤሪተራ ፥ ኣብ ሕጽኖታ ከላ ጀሚሩ ምስ ሓነቃ ፥ ሎሚ ኣብ ኣፈርኩቡ ኣብጺሑዋ ይርከብ።
    እዚ ፥ ጅግንነት ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ተጎልቢቡ ፥ ኤሪትራ ዘጽንት ዘሎ ጉጂለ ህግደፍ ፥ ጉዳይ ግዜ እንተ ዘይኮይኑ ፥ ንዖኦምውን “ሓንቲ ማዓልቲ ኣላ” ።
    እወ “ማዓልቲ” ምጽብጻብ ፥ ሩሑቅ ኣይኮነን።
    ወይሉ እቲ ሰብ ዝበልዕ ዘሎ ሕማቅ ኤሪትራዊ ።

    • k.tewolde May 25, 2020

      (ሕማቅ ኤሪትራዊ ዳኣ መለኡ ።) asserts W.H. and continues to warn>>>((እዚ ፥ ጅግንነት ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ተጎልቢቡ ፥ ኤሪትራ ዘጽንት ዘሎ ጉጂለ ህግደፍ ፥ ጉዳይ ግዜ እንተ ዘይኮይኑ ፥ ንዖኦምውን “ሓንቲ ማዓልቲ ኣላ” ።))..marvelous and stupendous as usual zihawey,this is what our society came down to, a female immigrant I know works three jobs,changes her close three times a day in her car to meet the insatiable demands of her family back home with no gratitude,and pays the 2% to maintain her citizenship in a country she never visits. the lazy goons are having a field day without lifting a fork.

      • k.tewolde May 25, 2020

        read ‘close’ as ‘clothe’. thanks.

      • Simon G. May 26, 2020

        Brothers ወዲ ሃገር & k. tewolde:
        Wise comments as usual!

  • Wedi Hagher May 25, 2020

    Dear k.tewede

    Unfortunately, among the Higdefites there are those who think the horrible crimes committed by the regime can be forgotten, so they keep killing and maiming innocent people and try to get away with it.
    But history offers important lessons that teach that blood is not as cheap as water.
    There is a lot of truth in the biblical wisdom/warning : “He who lives by the sword shall die by the sword” .

  • Woldegabriel May 25, 2020

    Dear Selomon Yohannes,
    ” The youngsters of the 50’s and 60’s?” Hmmmmmm.isayas has a unique talent of controlling and freezing people’s mind. Though I don’t want to make generalization on any generation, I remind the look into the wasted souls of ‘ the youngsters of the 50’s and the 60’s” in isayas’s ministers. I do not see anything to be proud of. I wonder, how you had the temerity to blame today’s youngsters, who have endured the most vicious and evil humiliations, hunger, tortures ( physical and psychological), locked in dungeons without sunlight and air, death in N. African deserts and Mediterranean seas, etc.etc.. Believe it or not, these youngsters, like their fathers, grandfathers and great grandfathers will save Eritrea. History Always repeats itself

  • Woldegabriel May 25, 2020

    Correction
    Pls read I remind you not I remind the.

  • Danilo May 26, 2020

    ስኣን ጽምም ኢልና ኣባይና ምልጋስ
    ፎቆዶ ስደት ምድረ-በዳን ባሕርን ምጥሓስ
    ቦዱ እንከለና ዝሕረስ ዝሕፈስ ካን ኣብ ስደት ሙኹምሳስ!! ኣይፋልናን ይኣኽለና ሎምስ ገለ ዲኣ ንምሃዝ።

    • Simon G. May 26, 2020

      Amen to that, brother Danilo!

      • k.tewolde May 27, 2020

        Every now and then a song comes along which amplifies the sentiments of the time, and this is one of them,(( It been a long time without you my friend….I will tell all about it when I see you again———-carry on..!)) Simon and many of you in this platform and many more who are spread from sea to shining sea, hopefully soon shoulder to shoulder we will sing our restored national anthem..” AMBELBLI RIESI AKRANKI,AMBELBLI RIESI GOBOTATKI,ELAMANA ELAMANA ADE KULOM JEGANUNA,MEQUHKI TESEBIRU,TSELAAITKI BERIROM,BETSWAR AMLAK TEFIOOOM O KIBRTI ELAMANA..” amazing grace!

  • Danilo May 27, 2020

    Thank you all brothers,sincerely speaking we have commen understanding in this forum thanks Assenna too giving more access here, people like Simon G & meretse. Brothers don’t get me wrong loving them equally k.tewolde and wedi hager ect…because nation could only be one + two = all nationalities.

  • ወዲ ሃገር May 27, 2020

    ” ኣንበልቢሊ ርእሲ ኣኽራንኪ
    ኣንበልቢሊ ርእሲ ጎቦታትኪ
    ዕላማና ዕላማና ኣደ ኩሎም ጀጋኑና
    ሞቑሕኪ ተሰይሩ
    ጸላእቲኺ በሪሮም
    በጽዋር ኣምላኽ ተፊኡዎም
    ኦ ክብርቲ ዕላማና ”

    courtesy of,
    k. tewede

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply