Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

365 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎዉ ኤርትራዉያን ንድሕነቶም ህጹጽ ምንቅስቓስ ከካይዱ ኣምሪሮም ይምሕጸኑ።

ኣብ ሱዳን ድንጎላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሕጹጽ ሓገዝ ድሕነትን ዝጽበዩ ኣስታት ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራይብ ብምህዳም ኣብ ኢድ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣብ መሸጣ ንግዲ ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ ተወላዶ ብሔረ ራሻ-ይዳ ዝወደቑ 94

ኣብ ሱዳን ድንጎላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሕጹጽ ሓገዝ ድሕነትን ዝጽበዩ

ኣስታት ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራይብ ብምህዳም ኣብ ኢድ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣብ መሸጣ ንግዲ ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ ተወላዶ ብሔረ ራሻ-ይዳ ዝወደቑ 94 ደቂኣንስትዮን ሓንቲ ነፍሰጾርን 10 ቆልዑኡ ዝርከብዎም 365 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሽማል ዝተባህለ ቦታ ድሕሪ ምብጸሖም፡ ኣብ መንጎ እቶም ራሻይዳን ሓይልታት ጸጥታ ሱዳንን ብዝተገብረ ናይ ተኹሲ ልውዉጥ እቶም ራሻይዳ ድሕሪ ምህዳሞም፡ እዞም 365 ኤርትራዉያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ሱዳን ኣትዮም ሽማል ኣብ ዝተባህለ ቦታ ፍሉይ መጸዉዒኡ ድንጓላ ኣብ ዝተባህለ ቁሸት ተኣሲሮም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ስጋብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘሎዉ ኤርትራዉያን፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ብምስምማዕ ብፍላይ ከኣ፡ ምስ ዘይሕጋዊ መሸጣን ዝውዉርን ስደተኛታት ምትእስሳር ዘሎዎ ሓደ ኣባል ጸጥታ ግደፍ ኣብ ሱዳን ብምዃን፡ ምእንቲ ገበናት ከይቃላዕ ንምስታሩ ተባሂሉ፡ ንኹሎም እቶም ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምጥራዞም ዉሳነ ተማሓላሊፉ ኣብ ምድላዉ ከምዘሎዉ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡
ስለዝኾነ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎኹም ኤርትራዉያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ስደተኛታትን ብሓበራ፡ ነዞም ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኣትዮም ድሕነት ዝጽበዩ ዘሎዉ ኤርትራዉያን ኩሉ ዝካኣለኩም ጻዕርን ስራሕ ድሕነትን ከተካይዱ እቶም ስደተኛታት ኣምሪሮም ሓቲቶም ኣሎዉ።
ዛጊት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ህጹጽ ናይ ድሕነት ስራሕ ካብ ዝሰርሑ ዘሎዉ ንጉዳይ ስደተኛታትን ሰብኣዊ ንጥፈታትን ኤርትራዉያን ካብ ዝሰርሑ ዘይመንግስታዉያን ማሕበራት እቲ ብ( ጋንዲ ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ ማሕበር) ዝተባህለ ማሕበር ድሮ ንድሕነት እዞም 365 ኤርትራዉያን ናብ ኤርትራ ከይምለሱን ሰብኣዊ ክብሮም ንኽሕሎን ኣድላይ ምንቅስቓስ የካይድ እንተሎ፡ ዝያዳ ጸቕጥን ምንቅስቓስን ከምዘድልይ ተሓቢሩ ኣሎ።

መሓሪ ኣብራሃም
tvzete@hotmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Yonathan Sebhatu November 9, 2011

    There was a man who lies always well the community was fedup and inoring him, but one day he warns the neighbours because of a switched fire but the community ignored him constantly. Yes the fire did the damage but the spark and the myth was the main reason to the damage!!! Mythomania is a personal problem but the wound did by it on the community is worst!!!

  • m.imperial October 21, 2013

    we must help them