Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያንን ትግራዎትን፡ ኣብ መመሸጥ ክብኣሱ ቆቢዖም ዘጥፍኡ ክልተ በራሓት!

እቲ ተደጒሉ ዝጸንሐ ዓሌታዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ ብበጨቕታታት ግጭት ፈኸም ክብል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ደረጃ ናዕቢ በጺሑ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ኢትዮጵያ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ ኣላ። ቃራና መንገዲ ክብሃል

እቲ ተደጒሉ ዝጸንሐ ዓሌታዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ ብበጨቕታታት ግጭት ፈኸም ክብል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ደረጃ ናዕቢ በጺሑ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ኢትዮጵያ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ ኣላ። ቃራና መንገዲ ክብሃል ከሎ፡ ንሓዲኡ ማለት እዩ፡ ወይ ጥፍኣት ወይ ልምዓት። ቅኑዕ መኣዝን እንተተኸቲልካ ዓዲ ትኣቱ፡ ስሒትካ ናብ ገደል እንተኼድካ ድማ ትጸድፍ።

ዓሌታዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘበን፡ `ወያነ` ስልጣን ምስ ጨበጠ ዝተቐልቀለ ዝንባለ ኣይኮነን። ኪኖኡ ታሪኻዊ ሰራውር ዘለዎ፡ ብሕልፊ ኣብ ዘበነ ሃይለስላሰን ደርግን ኣጸቢቑ ዝኸረረ ተርእዮ እዩ። ኣብቲ እዋን`ቲ ኣምሓራ ከም ገዛእቲ ደርቢ ስልጣን ዝተባረኸሎም ዓሌት ኮይኖም፡ ተጋሩን ኦሮሞን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያን ምእዙዛት ግዙኣት ኮይኖም ኣብቲ ኣተሓሳስባ`ቲ ርዒሞምን ተጸቒጦምን `እሺ` እናበሉ ክነብሩ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ናይቶም ሽዑ ዝነበሩ ገዛእቲ ኣምሓራ ከይተረፈ ቅቡላት ዓንቀጻት ኮይኖም `ዮም ተቐሚጦም ነይሮም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ በቲ ኣተሓሳስባ`ቲ፡ ኢትዮጵያ ማለት፡ ብካርታ ንኤርትራ ሓዊስካ ክሳብ ቀይሕባሕሪ ዘሳፍሐት ክትከውን ከላ፡ ወነንታ ሽዋ ወይ ኣምሓራ፡ ብሰሜንን ደቡብ ብ ምብራቕን ምዕራብን ኪኖ ሽዋ ዘሎ ህዝቢ ድማ ካልኣይ ደረጃ ዜግነት ክቕበል ዝተገደደ ህዝቢ እዩ ነይሩ።

ንትዂረት ናይዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ኣርእስቲ ከይቅጥነልና ምእንቲ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ስለ ናጽነት ዝሰላሰል ዝነበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንጎኒ ገዲፍና ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ እንተተመልክተናዮ፡ ዝበዝሑ ኣብቲ እዋን`ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዕጥቃዊ ምንቅስቓሳት፡ ነዚ መጽቀጥቲ`ዚ ንምብዳህ ዝተላዕሉ ብሄራዊ ባህርያት ዝሓዙ ምንቅስቓሳት ምንባሮም ንገዛእ ርእሱ፡ እቲ ሽዑ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ ሰፊሕ መሬት ገቢቱ፡ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ጸቒጡ፡ ንረብሓ ናይቲ ገዛኢ ደርቢ ኣምሓራ ዝውክል ዓሌታዊ ስርዓት ምንባሩ ዝምስክር እዩ። እዚ ማለት እቶም ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ነጸብራቕ ናይቲ ሽዑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃውሃው እዮም።

ይኹን`ምበር ኣብ 1991 ስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ስልጣን ዝጨበጠ ኢህወደግ `ውን፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዓሌታዊ ዝንባለ፡ ኣብ ርሑቕ መጻኢ ቀስብቐስ ምእንቲ ክሃስስ፡ ኣብ መወዳእታ ካብ ዓሌታዊ መንነት፡ ኢትዮጵያዊ መንነት ዝያዳ ከጒልሕ ዘኽእል ፍሉይ ፖለቲካዊ ጥበብን ቅርጽን ኣየተኣታተወን። ብሕልፊ እቲ ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሰ ክልላዊ ምሕደራ፡ በንጻሩ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ሰሪቱ ዝጸንሐ ዓሌታዊ ፍልልይ መሊሱ ወግዓዊ ፖለቲካዊ ቅርጺ ዘልበሰ እዩ ነይሩ።

እቲ ክልላዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ እንተዘይነበር፡ እዚ ሕጂ ኣንጻር ተጋሩ ተዋዓዊዑ ዘሎ ኣንጻርነት ኣምሓራ ምኽንያት ኣይምሃለዎን ክብሃል ግን ኣይከኣልን። እንቲ ምንታይ`ሲ፡ እቲ መሬትን ምድፍፋእ ዶባዊ ክልታትን ከም መመኽኔታ ደኣ ደኣ`ዩ ዝመጽእ ዘሎ`ምበር ሕመረት ናይቲ ቅልውላው፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ`ቶም ናይ ኣምሓራ ላዕለዎት ቀጸላ Elits ዘሎ ንስልጣን ከም ርስቲ ዝርኢ ኣተሓሳስባ እዩ። ኣምሓራ ክንብል ከለና፡ ናብቶም ላዕለዎት ቀጸላ ኢና ነመልክት ዘለና። እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኣምሓራ ንገዛእ ርእሱ፡ ከምዝኾነ ዓሌታዊ ዝንባለ ዘለዎ ተርእዮ ስምዒታዊ ዕግበት ደኣ`ዩ ዘለዎም እምበር፡ ሓረስታይ ኣምሓራ ካብ ሓረስታይ ትግራዋይ ወይ ሓረስታይ ኦሮሞ ንላዕሊ ዝረብሖ የብሉን። እቲ ቀንዲ ጸገም፡ እቲ ጎይታ ኴንካ ናይ ምምንባር ኣተሓሳስባ ናይ ላዕለዎት ቀጸላ ኣምሓራ እዩ ክንብል ከለና፡ ኢህወደግ ብሕልፊ ድማ ሕመረቱ ዝኾነ ናይ ትግራይ ወይ ወያነ መሪሕነት ካብ ጌጋ ሓራ ነይሩ ማለት `ውን ኣይኮነን። እቲ ዓሌታዊ ስርዓት ኣምሓራ ኣብ 1991 ብምትሕብባር ህዝባዊ ግንባርን ወያነን ምስ ተሳዕረ፡ ነቲ ክዉንነት ካብ ምቕባል ካልእ ኣማራጺ ዘይነበሮም ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ዝተጸበዩዎ ንላዕሊ ጌጋታት ተፈጺሙስ፡ ናብቲ ዝሰኣኑዎ ስልጣን ንምምላስ መኽፈቲ ማዕጾ ዝኾኖም መፋትሕ ከዋህልሉ ጸኒሖም እዮም።

ካብ ኩሎም እቶም ጌጋታት እቲ ዝገበለ ስትራተጂካዊ ጌጋ እቲ ብዶብ ተመኽንዩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግእ እዩ። እቲ ኲናት ንስሙ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተባሂሉ `ኳ እንተተጸውዐ፡ እቲ ዝገርም፡ እቶም ስኖም ነኺሶም ብህልኽ ዝተዳመዩ፡ እቶም ኣንጻር `ቲ ዕብለላ ኣምሓራ ዝመለለይኡ ስርዓት ኢትዮጵያ መሓዙት ኮይኖም ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ኤርትራውያንን ተጋሩን ምዃኖም`ዩ። ኣብቲ ትግራዎትን ኤርትራውያንን ዝያዳ ዝደመዩሉ ኲናት`ቲ ዝተዓወቱ ግን፡ ትግራዎት ኣይኮኑን ኣምሓራ እዮም። እንሆ ድማ፡ ነቲ ሽዑ ዝፈረሰ ግንባር ተጠቒሞም ንትግራዎት ከጻብቡሎም ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ኸኣ`ዩ `ብመመሸጥ ክበኣሱ ቆቢዖም ዘጥፍኡ ክልተ በራሓት` ዘብለና ዘሎ። ባድመ ኣብ ወረቐት እንተዘይኮይኑ ኣብ ባይታ ዛጊት ናይ ኤርትራ ክተክውን ኣይከኣለትን፡ ትግራዎት `ውን ወርቂ ኣይሓረሱላን። እቲ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓሊፉ፡ ነቲ ህውኽ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርግጋእ ኮነ፡ ቀስቲ ምዕባለ ንምዃን ዕቑር ተኽእሎ ዝነበሮ ስልጣን ትግራዎትን ኤርራውያንን ግን ኣብዚ ርብዒ ዘበን ብዘይ ፍረ ባኺኑ ተሪፉ `ሎ። እወ፡ እዞም ጸጒሪ ዘይብልና ክንስና ኣብ መሰንተር ዝተባኣስና ህዝብታት፡ ካብ ጸሓይን ቁርን ንምክልኻል ዘድልየና ዝነበረ ቆቢዕ ኣጥፊእና ቀባሕባሕ ክንብል ንርከብ ኣለና።

ብዝኾነ፡ ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ ብሕልፊ ድማ እቶም ነዚ ምስሕሓብ ዘባልሑዎ ዘለዉ ኣምሓራ፡ ንሓደገኛነት ናይዚ ኣብ ዓሌትን ዘርእን ዝተመርኮሰ ሕድሕዳዊ ግጭት ተገንዚቦም ልቢ ከዕብዩ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ከም መንገዲ `ምርግጋእን ሰላምን` ወሲዱዎ ዘሎ ተበግሶ ምልቃቕ ስልጣን ከም ኣውንታዊ መድረኽ ተጠቒሞም ነቲ ቅልውላው ከዕርፉዎ ሰናይ ትምኒት ኤርትራውያን ክኸውን ይግባእ።  ስልጣን ተረኪቡ ዝመርሕ ትግራዋይ ይኹን ኣምሓራይ ወይ ኦሮሞ፡ ኣብ መትከላት ማዕርነት፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ተመርኲሱ ብዘይ ዓሌታዊ ኣድልዎ ክመርሕ እንተደኣ ክኢሉ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነቱ ዓቂቡ ሰላምን ርግኣትን ረኺቡ ክቐስን፡ ኣብ ጎደና ልምዓት ምዕባለን ገስጋሱ ክቕጽል ሰፊሕ ዕድል ኣለዎ። እዚ`ዩ ድማ፡ በንጻር`ቲ ብዛዕባ ዕግርግርን ምብትታንን ኢትዮጵያ ክሓልም ዝሓድር ሓንጎል ኢሳይያስ፡ ነቲ ናይ ቀረባ ጎረቤት ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕስን ሰናይ ድሌት።

ኣብዚ ብፍላይ እቶም ናይ ኣምሓራ ወገን ክግንዘቡዎ ዘለዎም ጉዳይ፡ እዚ ንሳቶም ክሳብ ህይወት ትግራዎት እናሓረዩ ዒላማ ብምግባር ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዘላብዑዎ ዘለዉ ዓሌታዊ ምንቅስቓስ፡ ክሳብ `ዛ ሰዓት`ዚኣ ናብ ምሉእ ዓሌታዊ ግጭት ዘይተላብዓሉ ምኽንያት፡ እቶም `ክሳብ ሕጂ ኣብ መንግስቲ ዓብላሊ ጽልዋ ኣለና` ኢሎም ዝሓስቡ ዘለዉ ትግራዎት፡ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ወጥሪ ከረጋግኡዎ ዓቕሊ ገይሮም ይከራኸሩ ስለዘለዉ እዩ። እምበር፡ ትግራዎት እቲ ነገር ካብ ምቁጽጻሮም ወጻኢ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ሓላፍነት መንፈስ ካብ ርእሶም ወሪዱ ኣብ ኩርናዕ ኣትዮም ከምዘለዉ ዝርድኡሉ ግዜ ኣኺሉ ልክዕ ከምቲ ናይቶም ኣምሓራ ብዘይዝኾነ ሕድገት ኣንጻራዊ ስጉምቲ ይኹን ግብረመልሲ ክወስዱ እንተጀሚሮም፡ ጅምላዊ ምፍላስ ህዝቢ ኣስዒቡ ምብትታን ናይ ኢትዮጵያ `ውን ከኸትል ከምዝኽእል፡ ኣምሓራ ኸኣ እንተነፊዖም ሽዋኦም ጥራይ ሒዞም ክተርፉ ከምዝኽእሉ እዩ።

ካብዚ ሓፈሻዊ ሻቖሎት ወጻኢ ፍታሕ ናይቲ ቅልውላው ንኢትዮጵያውያን ዝግደፍ ኮይኑ፡ ብሕልፊ ትግራዎት ንሓደጋ ተቓሊዖም ኣብ ዘለዉሉ ህሞት፡ ትዂረት ናይዚ ቴማ፡ እቶም ብሰንኪ ስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ዘይብሎም መራሕቶም፡ እቲ ዓወት ዘጓናጸፎም ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ናብ ቅርሕንትን ህልኽን ተቐይሩ፡ ንሓደጋ ተቓሊዖም ናብ ዘለዉ ኤርትራውያንን ትግራዎትን ዝቐንዐ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ኩነታት እቲ ዘዋጽኦም ኣንፈት እንታይ ምዃኑ ንምእማት ዝዓለመ እዩ።

ብሕልፊ ገለ የዋሃት ኤርትራውያን ነዚ ብኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ተነጻጺሩ ዘሎ ዓሌታዊ ዓመጽ፡ ከምዘይምልከቶም ርእዮም ስቕ ካብ ምባል ሓሊፎም፡ ኪኖኡ፡ ኣሰር ህልኻዊ ፕሮፖጋንዳ ወልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ተኸቲሎም፡ ብስምዒት `ሕጂ ግርም` ክብሉ ይስምዑ ምህላዎም ዘተሓሳስብ ኮይኑ፡ ካብ ስምዒት ወጺኦም መንነቶም ዘጽንሐ ታሪኽን ቀጻልነቱ ዘውሕስ መጻእን እንታይ ምዃኑ ክግንዘቡ ምእንቲ ላምፓዲና ወሊዕካ እቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዘሎ ጸለምቲ ንቚጣታት ብርሃን ከምዝረክብ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።

ኢሳይያስ፡ መጻኢ ሳዕቤናት ዓንዳርነቱ ከይዓጠጦ ምስ ኢትዮጵያ ዝወለዖ ኲናት ዘኸተለሉ ስዕረትን ውርደትን፡ ብሕልፊ ምስ ወያነ ኣብ ህልኽ ስለዘእተዎ፡ ነዚ ዝጠቕስናዮ ስትራተጂካዊ ረብሓ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይርኢ ኣእምሮኡ ተዓሚቱ ስለዘሎ ኣሽንባይዶ ላምፓዲና ባውዛ ወሊዕካሉ `ውን ነቲ ክሳራ ክርእዮ ኣይክእልን እዩ። ከምኡ እንተዘይኸውን፡ ምስቶም ስትራተጂካውያን መሓዙት ናጽነት ኤርትራ ዝኾኑ ተጋሩ ኣብ ነባሪ ህልኽ ተጸሚዱ፡ ዋና መሳወሪ ናይዚ ዓሌታዊ ናዕብታት ኮይኑ ምስቶም ልዑላውነት ኤርትራ ከምዘይተዋሕጠሎም ቀይሕ ባሕሪ ዝደረቱ ካርታ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብምንብልባል ዘረጋገጹሉ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ኢትዮጵያ ኣይምተዓራረኸን። ስለዚ ንሱ ንርእሱ ኣካል ናይቲ ግድል ስለዝኾነ፡ ተሓታቲ ደኣምበር ፈታሒ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ክርድኦ ዘለዎ ጉዳይ ግን፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቅድሚ ዝኾነ ወገን ብቐጥታ ንዕኡ ከምዝጸልዎን፡ ኣብ ምግትኡን ምፍትሑን ቅድሚ ዝኾነ ወገን ብቐትታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ክስለፈሉ ከምዘለዎን እዩ። እዚ ስጉምቲ`ዚ ንትግራዎት ንምድሓን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ስትራተጂካዊ ረብሓ ንምሕላውን ንምክልኻልን `ውን ክወስዶ ዘለዎ ስጉምቲ እዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ 1991 ብወተሃደራዊ ዓወታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ሰራዊት ደርግ ሓራ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን፡ ስርዓት ደርግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተዘይወድቕ ነይሩ፡ ናጽነት ኤርትራ ናብቲ ሕጋዊ ውሕስነት ዘረጋገጸ መድረኽ ብቐሊሉ ኣይምተሰጋገረን። ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ኣገዳሲ መሓዛ ዝነበረ ባእታ እምብኣር፡ እቲ ደምዳሚ ውድቀት ኣብ ምርግጋጽ ኮነ መስርሕ ረፈረንደም ኣብ ምክያድን ውጽኢቱ ኣብ ምቕባልን ኣገዳሲ እጃም ዝነበሮ ወያነ ትግራይ እዩ። ስርዓት ሰይድ ባረ ኣብ ሶማል ብ1991 ምስ ወደቐ ሶማሊ ላንድ ዝወሰደቶ በይነኣዊ ኣዋጅ ናጽነት ንልዕሊ ርብዒ ዘበን፡ ክሳብ ሕጂ፡ ዝኾነ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘይምርካቡ ሓደ ኣብነት ናይቲ ኣብቲ እዋን`ቲ ምትሕግጋዝ ወያነ እንተዘይነብር ንኤርትራ ከጋጥማ ዝኽእል ዝነበረ ደልሃመት ዘረጋግጽ እዩ። ማዕሪኡ ክዝከር ዘለዎ ነጥቢ፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝረኸቦ ዓወት ብምትሕግጋዝ ምስ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝተረጋገጸ ምዃኑ እዩ።

ስለዚ ኤርትራውያን፡ እቲ ዓወት ክንጓናጸፍ ዝተሓጋገዘና መሓዛ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከሎ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ማለት ቀዳማይ መዝገብና እናተሰብረ ዕሽሽ ከም ምባል፡ ነቲ ዝተሓፈሰ ዓወት ኣሕሊፍካ ምሃብ ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግባእ። ገለ ቀልቢ ዝጎደሎም ኤርትራውያን ነቲ ኢሳይያስ ምስቶም ኣንጻር ወያነ ዝተላዕሉ ናይ ኣምሓራ ምንቅስቓሳት ዝህቦ ደገፍ ከም ውሕስነት ዝወስዱዎ ከምዘለዉ ርዱእ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን እቶም ናይ ኣምሓራ ውድባትን ዘሎ ርክብ ግን ጽልኢ ወያነ ዝመሰረቱ፡ ጭቡጥ ስትራተጂካዊ ናይ ሓባር ረቛሒ ዘይብሉ፡ ናይ `ክልተ ጎራሓት ሓሙዂሽቲ ስንቆም` ዕርክነት እዩ።

ኢሳይያስ፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ምስ ወያነ ዝነበሮ ዝምድና ንናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ምዕብላል ጥሙሕ ክጥቀመሉ ፈቲኑ ምስላጥ ምስ ኣበዮ ንህዝቢ ኤርትራ ብዶብ ኣታሊሉ ኣብ ትርጉም ኣልቦ ኲናት ከምዝጠበሶ ዝፈልጡ ኣምሓራ፡ ድሕሪ ወያነ፡ ንኣምሓራ ሳትላይቱ ገይሩ ንኢትዮጵያ ናይ ምቊጽጻር ሽውሃቱ እንተዘየርውዩ ምስ ኣምሓራ `ውን ናብ ካልእ ዙርያ ግጭት ክኣቱ ከምዝኽእል ስለዘይስሕቱዎ፡ ነቲ ሓምኹሽቲ ቋጺሮምሉ ዘለዉ ለቖታ ኣብ ውሻጠ ሓቢኦሞ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ንምዃኑ፡ ዕብለላ ናይቶም ኣብ ገዛእ ቤቶም ዘለዉ መዳርቶም ትግራዎት ምውሓጥ ኣብዩዎም ካብ ቆፍኡ ከምዝወጽአ ንህቢ ዕግርግር እናበሉ ደኣ`ሞ፡ ኪኖኡ ብዘሎ ካልእ `ትግሬ` ክዕብለለሉ ፍቓደኛታት ዝኾኑሉ ምኽንያት ከመይ `ሉ ክህሉ ይኽእል?

በንጻሩ ኣምሓራ፡ ቀዳምነቶም ነቲ ናይ ጎይታነት ያታኦም ካብ ተጋሩ ብምምላስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጣን ምጭባጥ `ኳ እንተኾነ፡ ንሱ እንተሰሊጡዎም፡ ብድሕሪኡ ከይወዓሉ ከይሓደሩ፡ ነቲ `ኢትዮጵያ እትኣክል ዓባይ ሃገር ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ከመይ ኢላ ትነበር` ዝብል ገና ካብ ኣእምሮኦም ዘይተሓከ ድጒል ሕቶ ከምዘልዕሉዎ ፍሉጥ እዩ።  እዚ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣጀንዳ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣእምሮ ኣምሓራ ተደጒሉ፡ ንሓያለ ዓመታት ኣብ ወረቐት ክሳለ ዝጸንሐ `ሞ፡ ሎሚ ናብ ባይታ ተሰጋጊሩ ንተጋሩ ዘሻቕሎም ዘሎ ናይ ዕብለላ ስልጣን ጥሙሕ፡ ነዚ ሰለስተ መሳልል ተኸቲሉ፡ ካብ ኣእምሮ ናብ ወረቐትን፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ባይታ ከምዝወርድ ዝዝንግዖ የልቦን። እቲ ኣጀንዳ ድሮ ናብ ወረቐት ሰጊሩ ከምዘሎ `ውን፡ እቲ ንኤርትራ ለቂቡ ተሳኢሉ ዘሎ ካርታታት ናይቶም ንኢሳይያስ ተወሺሞሞ ዘለዉ ውድባት ኣምሓራ ዝምስክሮ እዩ። ብሓጺሩ፡ እዚ ናይ ኣምሓራን ኢሳይያስ ሕግብግብ፡ ከምቲ `ሓዳር ኣለኒ` እናበላ ንዝቐረባ ሰብኣይ ንሓዋሩ ከምዘይኮና እናፈለጠት `ግዲ የለን` ኢላ ንዕለቱ ንሰብኣይ ምስ ናይ እትቐርብ ሰበይቲ ጠባይ ዝመሳሰል፡ ኣብ ኪዳንን መትከልን ዘይተመስረተ ፍቕሪ እዩ።

ኣብዚ ንእግረመንገድና ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይብልና ነጥቢ፡ `ኢሳይያስ ንኣምሓራ ሳትላይት ገይሩ ንኢትዮጵያ ክቆጻጸራ ድሌት ኣለዎ` ክንብል ከለና፡ ከምኡ ክገብር ብሓቂ ሓይልን ብቕዓትን ኣለዎ ማለትና ኣይኮነን።  ነቲ ደረት ኣልቦ ሕልሙ ጥራይ ኢና ንገልጽ ዘለና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ `ቲ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ ዝገብሮ ቃለመጥየቕ ፡ `ኣመሪካ ንኣፍሪቃ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት መቒሎም ዝራኸቡዎም መልሕቕ ገይሮም ኣለዉ፡ ኣብዚ ዞባና ንኢትዮጵያ ወኪል ገይሮም፡ ንዓና ወጊኖምና` እናበለ ምስለኔ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይገበሩዎ ወትሩ ዘስምዖ ቁሪምሪም ንባዕሉ ሓደ መርኣያ ናይቲ ዘለዎ ክቱር ህንጡይነት እዩ። ይኹን`ምበር፡ እቲ ብኢደ ወነኑ ስልጣን ገቢቱ ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ ርብዒ ዘበን ብዝተኸተሎ ፍሹል ምሕደራ፡ ነቲ ስጡም ሓድነት ዝነበሮ ህዝቢ በታቲኑ፡ ተስፋን ዕድልን ህዝቢ ኤርትራ ዘባኸነ ኢሳይያስ፡ ኣሽንባይ ዶ ንኢትዮጵያ ደሚሩ ከመሓደር፡ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ክኸውን ብቕዓት ከምዘይብሉ ብግብሪ ተረጋጊጹ እዩ።

ናብቲ ቀንዲ ምጒትና ምስ እንምለስ፡ እቶም ኢሳይያስ `Game Over’ `እቲ ጸወታ ተወዲኡ`ዩ` ክብል ኣብ ቴለቭዥን ንዝደርበዮ ብዱዕ ዘረባ፡ ብዓይኒ ስትራተጂካዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ትርጉም ከይመርመሩ፡ ጣቕዒት ወሲኾም ዝደግሙዎ፡ ውድቀትን ስዕረትን ትግራዎት ብኣምሓራ ከም ዓወት ክገልጹዎ ዝስምዑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ እቲ ጸወታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝውድኣሉ ሰዓት፡ ከምቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ጸወታ ክጅመር ምዃኑ ዝዘንግዑ በሃማት ምዃኖም ክግንዘቡ ይግባእ።

እዚ ንስትራተጂካዊ ረብሓታት ህዝብኻ ብደቂቕ ኣጽኒዕካ መትከላዊ ምሕዝነት ንምዂስካስ ኣውንታዊ ስጉምቲ ኣብ ክንዲ ምውሳድ፡ ኣብቲ `መን በለጸ፡ መን ተመክሐ` ዝመበገሲኡ ትርጉም ኣልቦ ውድድር ዝተመስረተ ህልኽ ኣብ ኤርትራውያንን ተጋሩን ብተደጋጋሚ ዝዝውተር ድኽመት እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ እዋን ዘዳመየና `ውን ስትራተጂካዊ ረብሓ ዘይኮነ፡ እዚ መሰረት ዘይብሉ ስምዒታዊ ህልኽ እዩ።

ኤርትራውያን ንኹን ተጋሩ ዋላ ብደረጃ ኣፍሪቃ ከይተረፈ እቶም ዝደኸና፡ ብደረጃ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን `ውን ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ እንርከብ ህዝቢ ኢና። ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዘመክሕ ብልጫ የብሉን። ምክሐ መጥፍኢ ክንሱ፡ ንትምክሕቲ ከም ጽዋእ እንቀዳደመሉ ምኽንያት ንገዛእ ርእሱ መርኣያ ትሑት ንቕሓትና እዩ። ድሕረትና፡ ኣእምሮና ፍርያም ካብ ዘይኮነ ዘርኢ ስለዝመጽአ ዝተኸስተ ኣይኮነን። እቲ ኣብዚ ከባቢና ዝነበረ ምስ ጥንታዊ  ስልጣኔታት ዓለም ዝዳረግ ናይ ዘበናት ስልጣኔ ኣባሓጎታትና ሓባራዊ ግምጃና እዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዘበን፡ ሓንሳብ ከም መሳርሒ ባዕዳውያን ሓንሳብ ህላውነትና ንምርግጋጽ ኣብ ተደጋጋሚ ኲናት ተጸሚድና ኣብ ቀጻሊ ዕግርግርን ህውከትን  ስለዘሕለፍናዮ ክቡር ግዜን ወርቃዊ ዕድልን ኣጥፊእና ኢና። ብሕልፊ፡ ኣብ 1991 ተሓባቢርና ኣብዚ ዞባ `ዚ ዓቢ ፖለቲካዊ ለውጢ ድሕሪ ምጒንጻፍና፡ ነቲ ብመስዋእቲ ጀጋኑና ዝተፈጥረ ምቹእ ሃዋህው ተጠቒምና ምትሕግጋዝና ብምቕጻል ህዝብታትና ኣሰልጢና ሃገራትና ኣማዕቢልና ዝኸሰርናዮ ግዜን ዕድልን ክንትክእ ወርቃዊ ኣጋጣሚ ረኺብና ኳ እንተነበርና፡ ነቲ መድረኽ ዝዳረጉ ኣርሒቖም ዝሓስቡ ብቑዓት መራሕቲ ስለዘየጋጠሙና እቲ ጸጋ ባኺኑ ተሪፉ እዩ። ኤርትራ፡ ሕሱም ምልኪ ዝነገሰላ መሰል ህዝቢ ዘይክበረላ፡ ቁጠባዊ ውድቀትን ማሕበራዊ ሽግራትን ዘሳዕረረት ሃገር ኮይና ህዝብና ፈቐድኡ ተሰዲዱ ክበታተን ከሎ፡  ትግራዎት `ውን፡ በቲ ሓደ ብሰንኪ`ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ገና ዝሑል ኲናት ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎን ወጥሪ ዶባት ካብ ዝኾነ ወገን ኢትዮጵያ ዝቐርቦም ዝለመዱዎ ያታዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ደስኪሉ ካብ ድኽነት ምልቓቕ ስኢኖም፡ በቲ ኻልእ፡ መራሕቶም ድሕሪ ገዝኦም ረሲዖም ኣብ ዓፍራ ኣዲስ ኣበባ ብምጥሓሎም ህዝቢ ትግራይ ናይቲ ንሳቶም ዝረኽቡዎ ውልቃዊ ጠቕሚ ተሓማዪ ኮይኑ ዒላማ ሕነ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ብሓጺሩ ክረአ ኸሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ `ናጽነት ረኺብና` ዝብሃል ስምዒታዊ ርውየት እንተዘይኮኑ፡ ኣብ ግብሪ  እንትርፎ ዕንወትን ድሕረትን ቅሳነት ይኹን ረብሓ ኣይረኸበን። ህዝቢ ትግራይ `ውን፡ ካብ `ኤርትራ ንሓይሽ` `ስልጣን ምሳና `ሎ` ብዝብል ስምዒታዊ ቅሳነት ካብ ምዝናይ ሓሊፉ ዘመዝገቦ ርኡይ ገስጋስ የልቦን። ኩላትና ገና ኣብ ድሕረትን ድኽነትን ኢና ንነብር ዘለና።

ነቲ ዝወረደና መዓትን መከራን ተዘራሪና ድሕሪ ምስናፍ፡ ሓርነትና ኣብ ሓደ ዳስ ጸምቢልናዮ ክንስና፡ ካብ ቦዶ ዝተበገሰ ስምዒታዊ ህልኽ ከነርዊ ኣብ ኣጒል ዓውዲ ብሓባር ንሃልኽ ምህላውና ከኣ ዘስደምም እዩ። ስለዚ ዘጥፋእናዮ ግዜ፡ ዘባኸናዮ ዕድል፡ ዝኸፈልናዮ ዕዳ `ይኣክል` ኢልና መትከላዊ መሓዛና ብምልላይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ህዝብናን መጻኢ ወለዶታቱን እንሕልወሉ ረቂቕን ጽኑዕን ስትራተጂ ክንቅይስ ኣለና።

ቅድሚ ኹሉ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ንኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ፡ ንዓና ንኤርትራውያን፡ ከምኡ `ውን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝልክም ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዘለዎ ተገንዚብና፡ ብሕልናን ብመትከልን እቲ ጉዳይ ዝረጋጋኣሉ ኩነታት ክንፈጥር፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ሰላም ክነግስ ከነተባብዕ ኣለና። በንጻሩ፡ ንዕግርግርን ህውከትን ጎረቤት ከም ዓወት ቆጺርካ ላምባ ምኽዓው ግን ክኹነን ዘለዎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ቀኒዑ ዘሎ ዓሊታዊ ኣንፈት ዘለዎ ዕንወትን ቅትለትን እንተቐጺሉ፡ ብሕልናን መትከልን ኣብ ጎኒ እቶም ስትራተጂካውያን መሓዙትና ዝኾኑ ትግራዎት ደው ኢልና ሞራል ክንህቦም ይግባእ። እዚ መትከላዊ መርገጺ`ዚ፡ ፈለማ ኣንጻር`ቲ ሞራላውን ሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉ ገበን ምጽናት ዓሌት ጽኑዕ መርገጺ ወሲድካ ደው ናይ ምባል ቅኑዕ መስመር ስለዝኾነ ክውሰድ ዘለዎ ሞራላዊ ስጉምቲ እዩ። እዚ መርገጺ`ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ይኹን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ በደል ክወርድ ከሎ `ውን  ክውሰድ ዘለዎ እዩ። ኪኖ`ዚ ሞራላዊ  መርገጺ `ዚ፡ ኣብ ጎኒ ትግራዎት ደው ክንብል እንድረኸሉ ምኽንያት ግን፡ ንትግራዎት ሰብኣዊ ሓልዮትና ከነርኢ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ነብስና ንምክልኻል እዩ። ምብኣስ ናይዚ ቅልውላው`ዚ፡ ብዘይካ `ቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ ምስ ምጽንታው ቀይሕ ባሕርና ዝተኣሳሰር ንሓዋሩ ብሃገር ደረጃ ከስዕበልና ዝኽእል ስትራተጂካዊ ክሳራ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ምስ ትግራዎት ተለኪሞም ግዳይ ናይዚ ዓሌታዊ ቅትለት ይኾኑ ምህላዎም `ውን መርገጺ ክንወስድ ይድርኸና እዩ። እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ወጻኢ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐትሉ ዘለዉ ገበነኛታት፡ ብሽም ተዛረብቲ ትግርኛ ደኣምበር፡ ንትግራዎት ካብ ኤርትራውያን ዝፈሊ ምርመራ DNA እናካየዱ ኣይኮኑን ህይወት ዘጥፍኡ ዘለው። በዚ መሰረት፡ ህይወት ዜጋታትና ምውሓስ ቀዳማይ ሓላፍነትና ክኸውን ኣለዎ።

ስትራተጂካዊ መሓዛና ኣለሊና ስትራተጂካዊ ረብሓና ንሓሉ ማለት፡ ምስ ተጋሩ ተዘራሪና ንኻልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ንዓመጽ ወይ ንወጽዕ ማለት ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንኹሉ ዜጋ ብፍትሓዊ መንገዲ ዘገልግል ማዕርነታዊ ስርዓት መስሪቱ፡ ብዘይኣድልዎ  ዝመሓደረሉ ኩነታት ምፍጣር ሓድነት ኢትዮጵያ ዝዕቅብ፡ ውሕስነት ሰላምን ምርግጋእን ምዕባለን ዞባና `ውን ዘውሕስ ኣውንታዊ ሃዋህው ስለዝኾነ፡ ምልላይ ስትራተጂካዊ መሓዛ ነዚ መስርሕ`ዚ ኣብ ምዕዋት ዘገልግል ዕማም እዩ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነሃሃር ዘሎ ህዉጽ ኩነታት መምለሲ ናብ ዘይብሉ ኩነታት በጺሑ፡ እዚ ብቐዳምነት ክስርሓሉ ዘለዎ ዕማም እንተዘይሰሊጡ ግን፡ እቲ ምእንቲ ናጽነትን ሰላምን ዝኸፈልዮ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት መስዋእቲ ብላሽ ከይከውን፡ ውሕስነት ናጽነት ሃገርናን ድሕነት ህዝብናን ከነቐድም ግቡእ እዩ። እዚ ማለት፡ ቁስሊ ሕድሕድና ከይንሓክኽ ተዋዓዒልና ክንስና፡ ብኣጒል ምኽንያት ተዳሚና፡ ሓዱሽ ቁስሊ ኣውጺእና፡ ዝምድናና ዕንቅፍትን መኻልፍን ኣጋጢሙዎ` ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራውያን፡ ተጋሩ ክሳብ ናብ ሳሕል መጺኦም ከምዝረድኡና፡ ትግራዎት ከኣ ኤርትራውያን  ካብ ሽረ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘሰነናዮም ዘኪሮም፡  ኩላትና ነቲ ታሪኻዊ መትከላዊ ምሕዝነትና ኣቐዲምና ክንተሓጋገዝ ግቡእና እዩ። ነቲ ኣብሓጎታትና ትሑት ደረጃ ምዕባለን መሳለጥያን እናሃለዎም ባህላዊ መንነትናን ቀጻልነትናን ንምዕቃብ ንዘበናት ዘርኣዩዎ ታሪኻዊ መኸተ ኣብዚ ዘበናዊ መዋእል ምኽኣል እንተስኢናዮ ግን ኣብ ርእሲ`ቲ ዝኸሰርናዮ ግዜን ዕድልን ንመጻኢ ወለዶታትና ከቢድ ዕዳ ምግዳፍ ማለት ስለዝኾነ ዝኸፍአ ሓጥያት እዩ። ስለዚ፡ ዝምሸጥ ጸጒሪ ዘይብልና ክንስና ኣብ መሰንተር ካብ ምብኣስ ኣድሒኑ፡ ካብ ጸሓይን ቁርን ዝከላኸል ባርኔጣና ክንዕቅብ ፡ ኣብቲ ጣሻ ዕሽነት ቁልዒ ልቦና ክንረክብ ኣምላኽ ይሓግዘና።

ኣሜን!

 

ኣማኑኤል ኢያሱ

17 ለካቲት 2018

 

 

 

 

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Mehari February 20, 2018

    As a matter of fact we the Eritrean people and the Tigrean people made history to destroy the Derg. That is what we must proud. We had a common strategic goal and we hit that. But we started to turn our aims at each other and we went to fight each one another. This is hard to consider as strategic partnership rather a systematic alliance that does not long last. Strategic partner does not kick u when he relaxed and need u we he feels the heat. Strategic partnership is characterized by consistency. So I don’t see any strategic partnership as viable choice and I feel that idea looks destroyed long time ago and became outdated. So we Eritreans have not any responsibility on this issue. We should act from a point of strength not fear. And u better have said this time before when the weather was good. But now Aman sorry hard to take it.

  • Futsum teferi February 27, 2018

    I’m with you, my hero.

  • Futsum teferi February 27, 2018

    I’m with you, my hero!!!

Post a Reply to Mehari Cancel Reply