Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተነቃፊ ስፍሪ (critical mass)

ኣማኑኤል ሳህለ ክንደይ ሰብ ድዩ ኪቕተል ዘለዎ፡ ህዝቢ ብሓባር ንኺለዓል? ክንደይ ገዛውቲ ድዩ ኪፈርስ ክንጽበ ዘሎና ግቡእ ስጉምቲ ንኽንወስድ? ክንደይ መንእሰያት ድዮም ኪስደዱን ኣብ መዓስከራት ጎረቤት ሃገር ድማ ኪሰፍሩን ዘድሊ ህዝብና ካብ ድቃሱ መታን ኪበራበር? ክንደይ

ኣማኑኤል ሳህለ

ክንደይ ሰብ ድዩ ኪቕተል ዘለዎ፡ ህዝቢ ብሓባር ንኺለዓል? ክንደይ ገዛውቲ ድዩ ኪፈርስ ክንጽበ ዘሎና ግቡእ ስጉምቲ ንኽንወስድ? ክንደይ መንእሰያት ድዮም ኪስደዱን ኣብ መዓስከራት ጎረቤት ሃገር ድማ ኪሰፍሩን ዘድሊ ህዝብና ካብ ድቃሱ መታን ኪበራበር? ክንደይ ኤርትራውያን ድዮም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኪጥሕሉ ዚግባኦም እቲ የዋህ ክፍሊ ህዝብና ኪስቈሮ መታን ኺጅምር? ክንደይ መሳኪን ድዮም ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ማሲኖም ኪጠፍኡ ዘለዎም እቲ ዘጣቕዕ ክፋል ህዝብና ናብ ልቡ ንኺምለስ? ኣንጻር ዘይፍትሓውነት ንምምካት ደረትን ዋጋ ዕዳጋን የድልዮ ድዩ? ኣብ ገለ ሕብረተሰብ ዘድልዮ ይመስል።

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት እሞ፡ እቲ ደረት ሓጺር ስለ ዝኾነ ሓደ እኳ ምኣኸለ ይመስለኒ። ኣብተን ሰብ ከም ከብቲ ምስ ሓራዲአን ዚውዕላሉ ሃገራት ግን እቲ ናይ ክንደያት መጠን ደረት ዘለዎ ኣይመስልን።

ኣብ ሳየንስ ተነቃፊ ስፍሪ (critical mass) ዚብሃል ኣምር ኣሎ። ተነቃፊ ስፍሪ ኪብሃል ከሎ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ሓደ ነገር ኣብ እተወሰነ ደረጃ ምስ በጽሐ ባህርያቱ ኪቕይር ምስ ዚጅምር እዩ። ወይ ከኣ ሓደ ነገር ክሳዕ ውሱን መጠን ይመልእ እሞ ካብኡ ንላዕሊ ኪስከም ወይ ኪሕዝ ስለ ዘይክእል ገለ ምስ ዚውሰኾ ይትኮስ ወይ ይግንፍል ማለት እዩ። እዚ ተርእዮዚ ኣብ ሕብረተሰብ እውን ይኽሰት እዩ።

ይኹንምበር፡ እቲ ተነቃፊ ስፍሪ ካብ ሰብ ናብ ሰብ፡ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ይፈላለ እዩ። እዚ ድማ ብግደኡ ኣብቲ ናይቲ ህዝቢ ሕሉፍ ታሪኽን፡ መጻኢ ራእይን፡ ባህልን ያታን ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣቃውማ እተመርኮሰ እዩ። እቲ ናይ ኤርትራውያን ተነቃፊ ስፍሪ ንብዙሕ ጸገማትን መከራን ኪጻወር ዚኽእል ይመስል። ስቓይ ኣብ ልዕሊ ስቓይ እናተኣከበ ኸሎስ፡ ምግንፋል ይኣቢ። ግን ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ። እቲ ምትኳስን ምግንፋልን ዝተርፍ ኣይኮነን።

እንታይ እዩ ግን ነቲ ኩነታት ሃገርና ኣብቲ ህዝቢ ሰሪጹስ ኣብ ተነቃፊ ስፍሪ ንኸይበጽሕ ዚኽልክሎ ዘሎ? እንታይ እዩኸ ኣብዚ እዋንዚ ንኸይግንፍል ዚዓግቶ ዘሎ?

ኣብ ሃገርና ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ንጹሃት መንእሰያት ከም እተቐትሉ ሰሚዕናን ኣረጋጊጽናን ኣሎና። ግን ገለ ሰባት ነቲ ናይ ቅትለት ተግባር ከም ዘይተፈጸመ ኣምሲሎም ይዛረቡ ኣለዉ። ነቲ ሓበሬታ ዘቕርብን ዓገብ ዝብልን ሰብ ከኣ ከም ጸላእ ሃገሩ ገይሮም ይርእዩዎ ኣለዉ። ገለውን ነቲ ናይ ላምፐዱሳ ህልቂት ብዓይኒ ክሕደት ኪርእዩዎ ዚፍትኑ ኣለዉ። ነቲ ኣብ ሃገርና ዚካየድ ዘሎ ዕንወት ከም ልምዓት ገይሮም ዚውድሱዎ ኣለዉ። ከልቅሱ ዚግባኦም ጓይላ ዝኸፍቱ፡ ኪጕህዩ ዚግባኦም ዘላግጹ፡ ሰብ ልቡ ሓሪሩ ኸሎ ዘሽካዕልሉ ብዙሓት እዮም።

እዚኣቶም ካብቶም ነቲ ኩነታት ኣብ ተነቃፊ ስፍሪ ንኸይበጽሕ ነዃላትን ቀዳዳትን ዘብዝሑ ረቛሒታት እዮም። ኣእምሮኦም ኣብቲ ብሕታዊ ናይ ህግደፍ ፋብሪካ ስለ ዚስናዕ፡ ብናይቲ ስርዓት ኣዒንቲ እምበር ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣዒንቲ ኪርእዩ ኣይደልዩን። ብናይ ህግደፍ ኣእዛን እምበር ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣእዛን ኪሰምዑ ኣይመርጹን። ስለዚ ነቲ ዕንወት ከም ልምዓት ገይሮም ካብ ረእዩ፡ ነቲ ኣውያት ደኣ ከም እልልታ ገይሮም ካብ ምስማዕ እንታይ ኪኽልክሎም ይኽእል?

ግን ከኣ ኣብ ኩሉ ቃልሲ ኸምኡ እዩ። ህዝባዊ ቃልሲ ወይ ተቓውሞ፡ ብጸማማትን ዓዋናትን ኪዕገት፡ ብብልህታትን ውፉያትን ድማ ኪግስግስ እዩ ዚነብር። እቲ ሓደ ንቕድሚት ይደፍእ፡ እቲ ሓደ ድማ ንድሕሪት ይጎትት። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ እቲ ዚጎትት ዘሎ፡ ይስሕብ ከም ዘሎ ኾይኑ ኪስምዖ ኸሎ እዩ። ኣብዚ ሃገርና ብስቓይን መከራን እትሓልፈሉ ዘላ እዋንዚ፡ ከምዚ ዝበለ ንኣእምሮ ሰብ ዘደንጹ ሓሳባትን ተግባራትን ፍጻመታትን ኪግሃድ ኸሎ፡ ንኽፋል ተቓላሳይ ህዝቢ ብመጠኑ ኣብ ምድንጋርን ተስፋ ምቝራጽን ሃሚሙዎ ከም ዘሎ ንኹሉ ንጹር እዩ።

ኣብ መንጎቲ ናይ ምድፋእን ምጕታትን ፍጻመታት፡ እቲ ኩነት ደው ኪብል ይግደድ። ናህሩ ዝጎደለ ቃልሲ ድማ ከምቲ ኣብ ተነቃፊ ስፍሪ ዘይበጽሐ ኩነት፡ ንግዜኡ ፍረ ከይሃበ ይቕምስል።

ናብቲ ተነቃፊ ስፍሪ ንምብጻሕ ግን ሕብረት ወይ ስምረት ኣማራጺ ዘይብሉ ረቛሒ እዩ። ብዘይ ሕብረት ሓይሊ ኪፍጠር ኣይክእልን። ሓደ ካብቲ ነቲ ህዝቢ ከይለዓል ዝኽልክሎ ዘሎ ረቛሒ እምበኣር ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ሓባራዊ ራእይን ሓባራዊ ዕላማን ዘይምህላው እዩ።

ኣብ ሓደ ፋሕ-ፋሕ ዝበለ ወይ ዘይተኣርነበ ነገራት፡ እቲ ብደገ ዚመጽእ ጸቕጢ ወይ ጠንቂ (cause)፡ ምንም ሳዕቤን (effect) ከምጽኣሉ ኣይክእልን። እቲ ስቓይውን ህዝባዊ ስቓይ ካብ ምዃን ገዲፉ፡ ውልቃዊ ወይ ብሕታዊ ስቓይ ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ። ውልቃዊ ወይ ብሕታዊ ስቓይ ድማ ንኣኡ ዘርብሖ መፍትሒ ጥራይ እዩ ከናዲ ዝደሊ።

እቲ ስቓይ ህዝባዊ ንኺኸውንን ነቲ ኩነታት ድማ ናብቲ ተነቃፊ ስፍሪ ንኸብጽሖን፡ ሕብረት ካብ ኣድለየ፡ እቲ ሕብረትከ ብኸመይ መገዲ ይምጻእ?

ነዚ ጉዳይዚ ኣቐዲሙ ብምስትሃብል ስጉምቲ ዚወስደሉ ዘሎ ኣካል፡ እቲ ነዚ ኹሉ ስቓያት መንስኤ ዝኾነ ህግደፍ እዩ። እቲ ስቓይን መከራን ሓባራዊ መታን ከይከውን እሞ ናብ ጥርኑፍ ተቓውሞ ንኸይልወጥ ብምሉእ ሓይሉን ዓቕሙን እዩ ዚሰርሕ።

ክልተ ሰባት ሞይቶም ኣብቲ፡ ኣርባዓ መንነቶም ዘይፍለጥ ጥሒሎም ኣብቲ፡ ጥቕሞም እተተንከፉ ባእታታት ብዝገበሩዎ ጸረ-ህዝቢ ተቓውሞ ተኣሲሮም በዚ፡ ብወያነ እተዓስቡ ወይጦታት ኪሰግሩ ኸለዉ ተቐቲሎም በቲ…ወዘተ ብምባል ነቲ ስቓይ ህዝባዊ መልክዕ ንኸይሕዝ ይቃለስ። እቲ ዝኸፍአን ነቲ ስርዓት ድማ ከም ዚዕወት ዚገብሮን ግን እቲ ክፋል ህዝቢ ነዚ ኣሚኑ ነቲ ስቓይ ከም ዘይናቱ ገይሩ ኪወስዶ ኸሎ እዩ። እዚ ንባዕሉ እቲ ቐንዲ ኣንጻር ስምረት ዝሰርሕ ባህርያት እዩ።

በዚ መሰረትዚ እቲ ናይ ምሕባር ዕማም ሓደ ካብቲ ቀዳምነት ኪውሃቦ ዘለዎ መደባት ሰልፍታት ኪኸውን ይግባእ። ናብ ስምረት ዚመርሕ ጻዕርታትን ሜላታትን እንተ ዘየልቦ፡ ዝኾነ ካልእ ኣጀንዳታት ዋጋ ኪህሉዎ ኣይክእልን፡ ከመይሲ ተነቃፊ ስፍሪ ኺፍጠር ዚኽእል፡ ፍጹም ሕብረት ምስ ዚህሉ ጥራይ እዩ። ሕብረት ኣብ ስራሕ፡ ሕብረት ኣብ ራእይ፡ ሕብረት ኣብ ዕላማ፡ ሕብረት ኣብ ተቓውሞ፡ ሕብረት ኣብ ስቓይ፡ ሕብረት ኣብ ዓወት ኪህሉ ይግባእ።

ኣብቲ ናይ ሕብረት ዕማም ሓደ ካብቲ ነቲ ህዝባዊ ሞቶረ ከም ዘይቲ ኾይኑ ብውሑስን ጽፉፍን መገዲ ከስርሖ ዚኽእል እቲ ናይ መንእሰያትና ስነምግባር እዩ። መንእስያትና ካብቲ ናይቲ ስርዓት መፈንጠራታት ከምልጡን ናይ ጥንቲ ናይ ኣቦታቶም ክቡር ባህርያት ከጥርዩን ይግባእ። ኣቦታትና ንጉዳያቶም ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም ብልዙብ ዘረባታትን፡ ስነስርዓትን፡ ብናይ ዕርቅን ምርድዳእን ህድኣት ብዝሰፈኖ መንፈስን እዮም ኣብ መዕለቢ ዘብጽሑዎ ነይሮም። በትሪ እናወጣወጡ ወይ ንሰብ እናዘለፉን እናዘንጠሉን ኣይኮኑን ዝዝትዩ ነይሮም።

ስምዒት ተጻይ ስነመጎት እዩ። ብስምዒት ምስራሕ ማለት ከኣ ነቲ ኣምላኽ ዝዓደለካን ካብ እንስሳ ዚፈልየካን ኣእምሮ ዓጺኻ፡ ብደመነፍስ (instinct) ምምራሕ ማለት እዩ። ስምዒት፡ ንኣረኣእያ ይጠውዮን የቕንኖን እዩ። ነቲ ብደገ ዝመጽእ ሓበሬታ ሕብርታት ብምልካይን ሚዛኑ ብምቕያርን ዘይመልክዑ የልብሶ፡ ዘይቅርጹ የትሕዞ፡ ዘይክብደቱ ድማ ይህቦ። ስምዒት ንርድኢት የጋግዮ፡ ኣብ ዘይምርድዳእ ድማ ልዑል ተራ ኣለዎ። ብስምዒት እተነድቀ ዕላማን ራእይን፡ ከም ሕልሚ ንግሆ በኒኑ ይተርፍ። ብስምዒት እተሃንጸት ሃገር ድማ ብስምዒት ንኽትጠፍእ ዘሎዋ ተኽእሎ ዓቢ እዩ።

ኣብቲ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ኣብቶም መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኪህሉ ይግባእ። እቲ ኣብ መዓስከራት ህግደፍ እተበላሸወ ሓንጎል ኪሕደስ ግዜኡ እዩ። እቲ ብፍርሂ ይኹን ብናይ ሚኒስትሪ ዜና መደናገሪ ሓበሬታታት እተዘናበለ ኣእምሮ ክፋል ህዝብና ኪዕረ እዋኑ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ እተን ሰልፍታት ወይ ድማ ካልኦት ሲቪካዊ ማሕበራት ኣበርክቶ ክገብራ ይግባእ።

እቲ ህዝቢ ኣእምሮኡ ፈትሹን ኣዓርዩን ሕብረቱ ወይ ስምረቱ ምስ ኣረጋገጸን ራእዩ ምስ ኣነጸረን ጥራይ እዩ እቲ ተነቃፊ ስፍሪ ኪሰርሕ ዚጅምር። ሓንሳእ ምስ ተባረዐ ድማ መዕገቲ ኣይኪህሉዎን እዩ።

ይኹንምበር፡ እቲ ጸገም ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ጥራይ ድማ ኣይኮነን። ሞራላዊ ወይ ስነምግባራዊ እውን እዩ። ስነምግባር ምስ ዚህሉ ኸኣዩ እቲ ነቲ ተነቃፊ ስፍሪ ዚፈጥር ስምረት ህዝቢ ዝያዳ ዚድልድል። ስለዚ ሞራል ወይ ስነምግባር ዘይብሉ ፖለቲካ ብምኽታል ግዳይ ህግደፍ ከይንኸውን ወትሩ ክንጥንቀቕ ይግባእ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • wedifre April 13, 2016

    Dear Amanuel,

    Thank you for finding the right wording for our cry.
    All want to say something to the ” Blind Higdef supporters ” but they have no words to express that and this was the right one for all the justice seekers.
    Bravo and keep it up AMAN!!

  • Ambabi April 13, 2016

    Long ago Amanuel wrote in Hadas Eritrea that how our people and the government did not match. Most of us did not agree on what he said. But now we all understand how Amanuel Sahle a far sighted amazing person he was since. It looks to me we all are coming to one table thanks to the brutal nature of HIGDEF. I can fell that the time turning point is not too far.

  • Adal April 13, 2016

    ህደፍ ኣብ ዝባኖም እናዓለበ እንከሎ ብጌጋ

  • maharitesfamichael April 14, 2016

    ኣማኑኤል ሳህለ
    ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ብሱልን ንልቢ ዝትንክፍን ሃናጽን ህዝባውን ፍቕሪ ሕብረተሰብ ዘለዎን።ፈቃር መምህር።ካብ ፍቕሪ ዝዓቢ ነገር ኮቶ ኣብዚ ዓለም የለን።ፍቕሪ ምንጪ ህይወት ውን ኢዩ።ኩቡር መምህር ኣማኑኡአል ኣብ ገጻት ጽሑፋትካ ፍልጠትካ ጥራይ ዘይኮኑስ እንተላይ ፍቕርኻ ይንበቡ።ሓንቲ ፊደል ውን ትኹን ከየንበብክዎ ክሓልፍ ኣይደልን።ኣብ ጽሑፋትካ ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ይንበቡ።ሰብ ንመጻኢ ኢዩ ሎሚ ዝነብር።ትማሊ ንሎሚ ሎሚ ድማ ንጽባሕ እንዳ በልና ኢና ንህይወትና ትርጉም ዘለዋ ንገብራ።ኣብ ጽሑፋትካ ምሉእ ተስፋ እሰንቕ።ካብ ልበይ አመስግነካ።

  • Dawit kflezghi April 17, 2016

    ኩቡር ሓው ኣማኑኤል ሳህለ፡ተዓወት!ተዓወት!ሓደ ክንስኻ ክንዲ ሽሕ እንተበልኩኻ ይውሕደካ እንበር ኣይበዝሓክን፡ብዘይ ምግናነይ፡ ብሓፈሻ መምህር ኣማኑኤል ናይ ባሓቂ በሊሕን ቡሱልን ኣእምሮ፡ተዓድልካ ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ፡
    ከማኻ ይዙሑልና ሰብ ሕልና፡
    ልቢ እንተ ገበሩ፡ዝህውቱቱ፡ጌና፡
    ሃገር እንዳ ባደመት እንዳ ተረፈት፡ዑና፡
    ንሕና ኑሱ ዙቡሉ ኡሱ ንሕና
    ነተን ሙስሉ ቁቡኡ እንብዛ ኣመና፡
    ኣስትዬን ማይ ፍልጠትካ፡ክወርደን ጥዕና፡

    ካብ ጉይይ ምዓል፡ክሳድ ምሓዝ፡ከምቲ ዝበልካዮ፡
    ብዘይ ሓድነትና ኣይ ሰልጥን ዕዮ፡ብላሽ ንጽበዮ፡
    በበይንኻ ጉዑዞ ዞኽዞኽ ቲ”ንጎዮ፡ የቡሉን፡ኣጻውዮ፡

    ስለዚ ጸልማትና ክቅንጠጥ መከራ ሕሰሙ፡
    መድሃኒ ክርከብ ነቶም ዝሓመሙ፡
    ናህናዩ ዉራዩ ዱሑሩ ቑድሙ፡
    እጃምና ነበርክት፡ ኩሉ በቡዓቕሙ፡
    ኣባይና ክልግስ ህግደፍ ቡቖንዱ፡
    ንበገስ ብሓባር ካልእ ኣይነማዕዱ፡
    ምህርቲ ኡቶትና ብልፍንቲ ጹምዱ፡
    ኪኖ ሎሚ ንጽባሕ ነማዕዱ፡
    ፋሕ ዝበለ ስድራ ክአቱ ንዓዱ፡
    ዓኾዓይ ንበሎ ንቡልሹው ምሕደራ፡
    ተግባርናን ባህግናን ኣብሓንቲ ንጥመራ፡
    ህድሪ ቶም ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ፡
    ሎሚ ተታለለ ጽባሕ ልቢ ይገብር፡
    ንመሰሉ ፍትሑ ኩሉና ንሓብር፡
    ግብአተ መሬቱ ዲክቴትር ንቐብር፡
    ብግዝአተ ሕጊ ከቢርና ንነብር፡
    ለጋዕና ንሓልብ ቆፎና ንብርብር፡

    ብዳዊት ክፍለጽጊ
    USA,

  • vella April 19, 2016

    Dear Amanuel Sahle Personally I appreciate your article and modern attitude in all your communication keep it up with. But I am an honest Eritrean that confused me the process of Eritrean In dependency for nothing. although I am not so optimistic but I could learn from the reality. and similarly I have the following comments.
    First of all the existing independent of Eritrea have been seen the outcome of so many mistakes in the past 40 years.
    1. The struggle was originated and fabricated by non indigenous Eritreans. In this respect the interest of Egypt and Arab in general, the colonels of Italian and Britain’s had very critical for their own role.
    2. Organizing al Islamic, pro Italian and liberal progress etc…was the molded party that does not have any goal to fulfill the interest of our people.
    3. The false naming of Jebha, Menka, Alwahada shabia etc. had various aimless that couldn’t also meet with the momentum of the people. although we had so many honest fighters for the real independence.
    4. The struggle among each other or groups also indicates that they don’t have any conman goal to wards globalization.
    5. The situation after referendum has also just started to suffer disabled ex-fighters. And HGDF discriminated all Eritrean by fabricating and giving different plates among the citizens this shows as to look each other as an enemy to each other. This was commonly used not only in domestic but also in every corner of the world. Even those who had the same belief and friends with so many different.
    6. As we know the working culture of our society and the personal dignity and reality is known as a model not only to us but to all genuine people of the world. But nowadays, it is deteriorated as worst as Eskariko.
    7. The peaceful coexistence of the people was also disturbed locally and they fought by raising border and other irrelevant issues with Sudan, Ethiopian, Djibouti, and Yemen for nothing.
    8. Therefore, here since our false leaders or typical bandits(ሕግደፍ) have not yet any policies, strategies, to lead the country it was, is, will very difficult to move on the right truck towards resolving our attitude with indigenous identity and development too. (Habeshet).

Post a Reply to vella Cancel Reply