Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

250 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ሊብያ፣ 500 ድማ ኣብ ከባቢ ማልታ ጥሒሎም ዝብል ስግኣት ኣሎ።

250 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ሊብያ፣ 500 ድማ ኣብ ከባቢ ማልታ ጥሒሎም ዝብል ስግኣት ኣሎ። ሓንቲ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብምጥሓላ ኣማኢት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ

250 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ሊብያ፣ 500 ድማ ኣብ ከባቢ ማልታ ጥሒሎም ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ሓንቲ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብምጥሓላ ኣማኢት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ካብታ 250 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ 26 ሰባት ጥራሕ ኢዮም ክድሕኑ ክኢሎም። ሓንቲ ክሳብ 250 ዝበጽሑ ናብ ኤውሮጳ ገጾም ዝጓዓዙ ስደተኛታት ጽዒና ዝተበገሰት ጃልባ ካብ ገማግም ሊብያ ብምጥሓላ ብዙሓት ካብቶም ኣብኣ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ሞይቶም ይብል ወሃቢ ቃል ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ።

እታ ጃልባ ኣብ ከባቢ’ታ ካብ ርእሲ ከተማ ትሩብሊ ንምብራቕ ኣብ ትርከብ ቶጆውራ ድሕሪ ምጥሓላ 26 ሰባት ጥራሕ ኢዮም ክድሕኑ ክኢሎም ይብል ወሃቢ ቃል ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቃሰም። ንሱ  ቀጺሉ፣

“ኣዝዩ ብዙሕ ሬሳታት ኢዩ ኣብ ባሕሪ ጸምበለል ዝብል ዘሎ” ክብል ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ድሕሪ ምሕባሩ እቲ ትሑት ዓቕሚ ዘለዎ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ካልኦት ብህይወት ክህሉዉ ዝኽእሉ ሰባት ከናዲ ዘኽእሎ ድሩት ጸጋታት ከምዘለዎ ብተወስኺ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ውሃቢ ቃል እቶም ዝበዝሑ ካብቶም ኣብታ ዝጥሓለት ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ፍጻመ 500 ዝኣኽሉ ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ማልታ ምስ በጽሑ ተሳፊሮማ ዝነበሩ ጃልባ ብኻልእ ጃልባ ብምህራማ ናይ ሞት ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ክኸውን ከምዝኽእል ሓደ ጉዳይ ማይግረሽን ዝከታተል ኣካል ገሊጹ።

ክልተ ብህይወት ዝተረፉ ፍልስጤማውያን ንኣህጉራዊ ውድብ ማይግረሽን (ኣይኦኤም) ከምዝሓበሩዎ እታ ጃልባ ብመደብ ኢያ በቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ከምትጥሕል ኮይና። ንሳቶም እቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ’ታ ጃልባ ድሕሪ ዝተኸስተ ጎነጻዊ ግጭት ነታ ጃልባ ደይመደይ ኢሎም ከምዘጋጨዉዋ ይሕብሩ።

ወሃቢት ቃል ኣህጉራዊ ውድብ ማይግረሽን ክሪስቲን በርትየውም እቶም ክልተ ሰባት እታ ተሳፊሮማ ዝነበሩ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ድሕሪ ሓደ ማዓልቲ ብሓሙስ ከምዝድሓኑ ገሊጻ። እቶም ዝድሓኑ ሰባት ብድምር 9 ምዃኖም እውን ተፈሊጡ።

እቶም ዝድሓኑ ስደተኛታት ዝሃቡዎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እታ ጃልባ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ኢያ ካብ ዳምያታ ተበጊሳ። እቶም ኣብኣ ተሳፊሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ከኣ ዜጋታት ሶርያ፣ ፍልስጤም፣ ግብጽን ሱዳንን ኢዮም።

ኣህጉራዊ ውድብ ማይግሬሽን ኣብ 2014 ዓ.ም 2500 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓል ህይወቶም ከምዝስኣኑ ክእምት ከሎ መንግስቲ ጣልያን ብወገኑ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ 2014 ዓ.ም ልዕሊ 100,000 ስደተኛታት ናብ ገማግም ሃገረ ጣልያን ከምዝብጽሑ ምግላጹ ጸብጻባት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ የረድእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Wadiya September 16, 2014

    ሕጂ ድማ! ኣየ መስኪን ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ካን በኸንቱ ትጠፍኡ ኣለኹም፧

    ሽዓ እንድየ ተዘንጊዔ በለ ሰብኣይ፤ እወ ሽዓ “ሓርነት ደሞክራሲ ስልጣኔ ክነምጽኣልኩም ኢና፤” ኢሎም፤ እቶም መራሕቲ ገድሊ ኢና ዝብሉ፤
    እንድዮም ትጽውት ኣቢሎምልና። እንታይ ገዲፎምልና ድዮም፣ ሕጂ መፍቶ ባሕርን እራይምራይ ናይ ደጋል ዓረብን፣ ለቕለቕቶምን ኴና ተሪፍና።
    ከመይ ዝበለ ሰብ፣ ታሪኽ ቋንቋ መንነት ኩርዓት ስልጣነ ዝነበሮ ህዝቢ ፋሕፋሕ ኣቢሎም፣ መሬት በሃማት ዓያሹ ኮይኑ ተሪፉ።

    ገለ ለቕላቒ ዘርኢ እራይምራይ፣ ወዲ ባዳ መንነት ክራይተኛ፣ ልሙስ መልሲ እንተሃበ ኣይትገረሙ፤ ሓጥያቱን ንዱይ መንነቱን ክጉልብብ እንተዘይኮይኑ።
    ደሓን ሓንቲ መዓልቲ ኣላ፤ ክንጋነይ ኢና፤ ይብሉ።

    ዋዲያ

    • ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? September 17, 2014

      Wadiya,
      I like your new brand, you will be very faire if you speak about equality, justice and freedom as the milestone of unity between nations and social groups not ethnicity, history, region or religion. In the Derg era in the seventieth some cadres of ELF were advocating unity with Ethiopia on bases of communism and Marxism, Despite that the current Ethiopia is relatively better than the feudal rulers and the tyrant regime of Mengestu, still Ethiopia is very far from equality and justice because most of the social groups have grievances and there are those who dream restore the monopoly of power. Unity between nations and social groups is only attractive whenever equality and justice prevail to advance in the path of economic development.

    • Abdul September 17, 2014

      Sniff…sniff…i smell nasty racism in that comment..big time racism

  • Adhanom September 16, 2014

    there are gossips coming from Addis ababa that egyptian president sisi is going to start brokering peace between higdef and woyana in the near future.

  • robel megos September 17, 2014

    Isseyas ksab zelo shigrna ayekorxn eyu

  • ahmed saleh September 17, 2014

    Adhanom
    To have peace with neighbors will benefit the region and I support dialogue in resolving conflicts .
    But the internal socio-economic politics of our government won’t change . Issayas may accept Ethiopians demands
    unconditionally because they teach him a lesson with the language he understand . And our people must use the
    same language to gain respect from him and his administration by conquering the fear which reigned in our people’s
    environment . First they must break HGDF wall of fear resulted from 23 years of terrorizing technique .

    • Adhanom September 17, 2014

      i agree bro. im afraid wadi beradi might use any peace plan with woyana as a means to prolong his lifespan.

  • ኤርትሮዝጊ September 17, 2014

    ወይ መከራ ፤ ኣክንዲ ሃገርካ ምውሓስ ፍቖዶ ሃገረ የዕራብን ማይ ባሕርያን እንዳኸድካ ብሂወትካ ምጽዋትሲ ምስ ምንታይ ይቑጸር። ኣዋልድና ሓንቲ ንዓሰርተ ይጻወቱለን ኣወዳትና እዝጊ ይቑጸሮ። ሓዊ እንዳራኣኻ’ዶ ክብረትካን ሃገርካን ገዲፍካ ያኢ ወርቂ ክእረየለይ ናብ ሞት ዓይንኻ እንዳራኣኻ ይእቶ’ዩ። መሳኪን ወለዲ ሬሳ ውላዶም እኳ ተሓሪሞም።

  • Dan September 17, 2014

    አቲ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ተዋሂቡ ዝነበረ 3 ወርሒ ናይ ግዜ ገደብ ከብቅዕ 48 ሰዓታት ኢዩ ተሪፍዎ ዘሎ ተስፋ ይገብር እቲ ምቕንጻል ብፊሊጶስ ክጅመር፡፡

  • Daniel September 17, 2014

    ንሐንቲ መዐልቲ ስልጣን ተዝውሃበኒ ንኩሎም መራሕቲ ህግድፍ ኣብ ክትስበር ዝቐረበት ንእሽቶ ጀልባ መሊአ ኣብ መዲተራንያን ባሕሪ ምደርበዅዎም።

  • Abdul September 17, 2014

    Sniff…sniff…i smell nasty racism in that comment..big time racism

  • ahmed saleh September 17, 2014

    Daniel
    You precisely pin pointed to the only leaders of HGDF to take the blame .
    I observe wise judgment on you .

Post a Reply to robel megos Cancel Reply