24 ዓመት ትምህርቲ ንዓበይቲ
ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ዑደት ኣብ ዝፍጽመሉ መዛኑ ኣቦኡ ዝሸምገሉ ሰብ ጽሩራ የሰንይዎ:: እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነፍስወከፎም ወረቐትን ብርዕን ሒዞም ደድሕሪኡ ዞኽዞኽ እናበሉ ይምዝግቡ:: እንታይ ከም ዝምዝግቡ ዝግለጽ
ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ዑደት ኣብ ዝፍጽመሉ መዛኑ ኣቦኡ ዝሸምገሉ ሰብ ጽሩራ የሰንይዎ:: እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነፍስወከፎም ወረቐትን ብርዕን ሒዞም ደድሕሪኡ ዞኽዞኽ እናበሉ ይምዝግቡ:: እንታይ ከም ዝምዝግቡ ዝግለጽ የልቦን:: ካብቲ ምንቅስቓስ ኣካላቶም ኣዒንቶም ዝሰዶ መልእኽቲ ግን ነቲ ነቦኡ ተኪኡ ነታ ሃገር ዝገዝእ ዘሎ መንእሰይ ንምድሳትን ብስርሑ ዕጉባትን ነምልኸካ ኢና ዝብል ይመስል:: ምስዚ ናይ ሰሜን ኮርያ ዝመሳሰል ኣብ ኤርትራ እውን ኣሎ::እቲ ቦታን ኣገባብን ይፈላለ እምበር እቲ ጸወታ ሓደ ኢዩ::
ኢሳያስ ዊን ኣብ ዝበሎ ዝጽውዖ ኣኼባ ዝሳተፉ 70ታት ዝረገጹ መነጽር ዓይኒ ወድዮም ዝምዝግቡ ሓደ ጉጅለ ናይ ሰባት ኣለው::”ካቢነ ሚነስተራት”:: ኣብ ክቢ ጠረጰዛ ተቐሚጦም ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝምድር ዓይኒ ዓይኑ ምጥማት ፈሪሖም ደኒኖም ክጽሕፉ ኣብ ተለቪጅን ንዝተዓዘበ ሰብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝከታተሉ ዘለው እምበር ብዛዕባ ሃገር ይመያየጡ ከምዘየለው ንምፍላጥ ኣየጸግሞን:: ኢሳያስን እቶም ካቢነ ዝተሰምዩን ዘለዎም ዝምድና ከም ናይ መምህርን ተመሃራይን ዝምድና ከምዘለዎም ዝመስል ኣብ ስእሊ ክረኣዩ ከለው ኢዩ:: ንሱ ኣብ ማእከል ተቐሚጡ ይምድር ንሳቶም ከቢቦም የዳምጹ:: ኣብ ትሕዝቶ እንተመጺእና ግን ርክቦም ርክብ ተመሃራይን መምህርን ኣይኮነን:: ተመሃራይ መብርሂ ንመምህሩ ይሓትት: ይካታዓ ነቲ ዝተላዕለ ኣርእስቲ የብስሎ::ኢሳያስን ካቢነኡን ግን ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን ናይ ወሃብን ተቐባልን ዝምድና ዘለዎምን ምሕታትን ምምላስን ዘየፍቅድ ኢዩ::ኩሉ እቲ ብኢሳያስ ዝተገብረን ዝግበርን ኣኼባታትን ቃለመጠይቕን ብትሕዝቶ ይኹን መልእኽቱ ፍልልይ ዘይብሉን ንምድንጋርን ንምህውታትን ዝካየድ ኢዩ::
ናይ ቅድሚ ሳልስቲ ኣኼባ ካቢነ ብዝምልከት ዝቐረባ ዜና ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ::
”ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዘስመዖ መደረ: እቶታውነት መሬትን ክዘና ማይን ንምስሳን ጽላት ሕርሻ ናብ ዘበናዊ ንጥፈት ንምስግጋር ማይን ሓመድን ብምዕቃብ መልክዕ መሬት ናብ ንቡር ንምምላስ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ብዝለዓለ ውዳበ ንምቕጻል ዝወጸ መደብ ከም ኣካል ናይዚ ዕማምዚ ድማ ኣብ ምምዕባል መስኖኣዊ ሕርሻ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝትግበር መደባት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ::”
መብርሂ ዲዩ ሂቡ መጸልመቲ ካብቲ ቀሪቡ ዘሎ መደረ ንምፍላይ ዝከኣልዩ:: እቶታውነት መሬትን ክዘና ማይን ብኸመይ ኣገባብ ተፈጺሙ ዝብል ሕቶ ኣይተመለሰን::ማይን ሓመድን ብምዕቃብ መልክዕ መሬት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኸ ኣበይ ኣሎ:: ሰራዊት ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ጋሽ ባርካ ኣግራብ ንረብሓ ኣዘዝቲ ሰራዊት ተበቲኹ ኣብ ዕዳጋ ኣስመራ እናወዓለ ማይን ሓመድን ተዓቂቡ ኢሉ ክምድር ዝሰምዑስ ኣይሓትዎን ዲዮም::
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ መግለጺኡ
” ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ሰለስቲኡ ናይ ልምዓት ዞባታት ምዕራብ:ምብራቕን ከበሳን ብመንግስቲ ክትግበሩ ዝጸንሑ ፕሮጀክትታት ዘበናዊ ሕርሻ ክማላኣሎም ዘለዎ ትሕተ ቅርጻውን ልዕለ ቅርጻውን ስርሓት ከምኡ እውን ኣብ ምድንፋዕ መፍረ ኣእካል ኣሕምልትን ፍረታትን ምስሳን ሃብቲ እንስሳን ውጽኢቱን ክህልዎ ብዝግባእ እጃም ብምንጻር ኣበርክቶኦም ኣብ ጃምላ ሃገራዊ እቶት ንምዕባይ ኣብ 2015 ክኔኡን ዝትግበሩ መደባት ኣስፊሑ ገሊጹ::”
ኤርትራ ሰለስተ ናይ ልምዓት ዞባታት ከምዘለዋ ይነግረና ኣሎ:: እቲ ናይ ልምዓት ዞባ ዝብለና ዘሎ ካብተን ዞባታት ዝብልወን ዝተፈልየ ዲዩ: ስለምንታይ ከ ኣብ ሰለስተ ተኸፊሉ: ብዘይካ ኢሳያስ ጉጅለኡን እቲ ካቢነ ኸ ተኻቲዑሉ ዶ::ብዛዕባ ዘበናዊ ሕርሻ: ትሕተ ቅርጺ:ልዕለ ቅርጺ መዲሩልና:: ረሳዕቲ ኢዮም ብምባልን ንዕቀት ሓዊሱን እምበር ትማሊ ዶ ኣይኮነን ኢሳያስ ኣብዚ ሃገር ዝተኻየደ ናይ ልምዓት መደብ የልቦን ክብል ዝተዛረበ::ልዕለ ቅርጺ እቲ ዘንበቦ እውን ትርጉሙ ዝፈልጦ ኣይመስለንን::
ኢሳያስ ኣስተምህሮኡ ኣይወደአን ከምዚ ብምባል ድማ ቀጺሉ እቲ መጉልሒ
”ምስ እዚ ኣተኣሳሲሩ ኣብ ኣጠቓቕማ መሰረታውያን ጸጋታት ማለት ነዳዲ:ማሽነሪ:ዘርኢ:ድኹዒ:ጸረ-ባልዕ:ጉልበት መጎዓዝያን ዝተፈላለየ ካልእ መሳለጥያን ከምኡ እውን ምሕደራ ፕሮጀክት ንምምዕባል ክፍጸሙ ዘለዎም ምምሕዳራዊ ዕማማት ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ::”
ነዳዲን ማሽነሪን:ድኹዕን ጸረ-ባልዕን መሰረታዊ ጸጋታት ተጠሚቖም:: እቲ ህያብ ፈጣሪ ዝኾነ ማይ ዝኸልከለ ጉጅለ: ብዛዕባ ኣቲ ብጻዕሪ ዝርከብ ንወዲ ሰብ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ክህውትት ከሎስ እቶም ቀለም ዝቐሰሙን ብዕድመ ዝበሰሉን ርእሶም ኣይሓኩን ዲዮም:: ንሱ ስ ሓደስቲ ዝመስሉ ቃላት ካብ መዝገበ ቃላት በጥቁሉ ብምውጻእ ንሰብ ምህውታት ዝላደየሉ ሜላ ኢዩ::
ኣብቲ ኣኼባ ላቔባ መደረ ኢሳያስ ኮይኑ ዝቐረበ መግለጺ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ድማ ከምዚ ዝስዕብዩ:: ኣቕራቢኡ ሚኒስተር ኣይተገልጸን::
”ብድሕሪ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ዝቐረበ መደባት ሕርሻዊ ልምዓት 2015 ኩለን ምምሕዳር ዞባታት ዘነጽር ወረቐት ተመልኪቱ::ብሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ዝቐረበ ወረቐት ከምዝሕብሮ ኣብ ክራማት 2015 ብዘበናውን ያታውን ኣገባብ ልዕሊ 565 ሽሕ ሄክታር መሬት ክሕረስ ተወጢኑ ኣሎ:: ምስ ናይ 2014 ብምንጽጻር ክረአ ከሎ ናይ ኣስታት 10%
ወሰኽ ኣለዎ:: እቲ ወረቐት ብተወሳኺ ኣብ ነፍስወከፍ ዞባ ዝሕረስ ስፍሓት መሬት: ብዓይነት ዘራእቲ ማለት ኣእካል ጥረታት ናይ ቅብኣ ኣዝርእቲ: መግቢ እንስሳ:ኣሕምልትን ፍረታትን ከፋፊሉ ብምቕራብ ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ዝዋፈር ማሽነሪን ዛጊት ዝተገብረ ምድላዋትን ምስ ዚ ሕርሻዊ ትርዚ ተኣሳሲሩ ዝትግበር መደባት ምስሳን ሃብቲ እንስሳን ውጽኢቱን ከምኡ እውን ብመግቢ ንስራሕን ካልእን ዝዕመም ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝገልጽ ኢዩ”::
ኢሳያስ ንኤርትራ ኣብ ሰለስት ናይ ልምዓት ዞባታት ምብራቕ: ምዕራብን ከበሳን ከፊሉ ኣቕሪቡልና:: ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ጊዜን ኣብቲ ኣኼባን ድማ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ዘይኮነስ ወረቐት ናይቲ ሚኒስትሪ ኣብ ነፍስወከፍ ዞባ:ክሕረስ ዝተወጠነ መሬት ዘርዚሩ::ኣብ መንጎ ዞባታትን ናይ ልምዓት ዞባታትን ዘሎ ፍልልይ እንታይ ኢዩ: ንጥፈታት ሕርሻ ኸ በቲ ስማዊ እውንእንተኾነ ብሚኒስተር ሕርሻ ዶ ኸ ይኮነ ክቐርብ ዝግብኦ:: ኢሳያስ ክጎስዮ ንዝደለዮ ሰብ ዝጥቀመሉ ሕሱር ሜላ ድማ:እቲ ዝሸሞ ሰብ ወጅሁ ደስ እንተዘይኢልዎ ጸብጻብ ናይቲ ዝምልከቶ ሚኒስትሪ ብኻልእ ሰብ ከምዝቐርብ ምግባር ኢዩ::ካብ ማይ ቀውዒስ ኣንበጣ ቀውዒ ብምባል ሓረስቶት ምህርቶም ከይእክቡ ደቂ ስሳ ሰብዓ ንታዓሊም ክወርዱ ዝኣዘዘ ጉጅለ ብዛዕባ ዘበናውን ያታውን ሕርሻ ክዛረብ ኣብ ቁስሊ ሰብ ኣቺዶ ምኽዓው ዶ ኣይኮነን::
እቲ ወረ ቀጺሉ
”ካቢነ ሚንስተራት ኣብ መቓን ናይዚ መደብ ዝናብ ኣዝመራን ክራማትን ብስፍሓት ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ክግበር ዘለዎ ቅድመ ምቅርራባት ከምኡ እውን ኣብ ምሕደራ ማሽነሪታትን ጉዳይ ባጀትን ምቕረሐኡን ብመንጽር ቀዳምነታት ኣስፊሑ ተመያይጡሉ:: ንኣሳልጦ ናይዚ ዝተጠቕሰ ልምዓታዊ መደባትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ዝሕግዝ ኣገደስቲ መምርሒታት ስራሕ ድማ ኣሕሊፉ::”
መቓን:ምቕረሐ:ቀዳምነታት:መምርሒታት ዝብላ ቃላት ኢሳያስ ከም ብዕሪር ዝሕይኸን ግን ከኣ ዘይጭበጣ ኢየን:: ንባጀት ዝምልከት ብዘይካ ኢሳያስ ካብ ካዝንኡ ዘንቀሳቕሶ ብንጹር ዝቐረበ ገንዘባዊ ኣሃዝ ይኹን ምቕረሐ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን::ጠንቂ ምብራር ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሀ ብዛዕባ ባጀትን ገንዘባዊ ኣጠቓቕማ ምንባሩ ኣይረሳዕናዮን:: ኤርትራ ንጹር ባጀትን ግሉጽነትን ስለዘይብላ ምስተን ብብልሽውና ቀዳሞት ዝተሰርዓ ሃገር ኢያ::
ኢሳያስ ኣብ ባይታ ዘየልቦ መደባት ልምዓት ተዛሪቡ ከይክወል ብመጉልሒ ገይሩ ከምዚ ብምባል ተፋንዩና ” ኣብ መወዳእታ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዞባናን ዓለምን ብመንጽሩ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ፖሊሲን ኣስፊሑ ድሕሪ ምልዛብ ንፍርቂ መዓልቲ ዘካየዶ ኣኼባ ዛዚሙ”::
ዓመተ 2015 ኣርባዕተ ወርሒ ተላዒልዎ ኢሳያስ ብዛዕባ መደባት ልምዓት 2015 መዲሩ:: መዐደኒ ወርቂ ቢሻን መኽዘን ኣጽዋር ማይ ዕዳጋን ተወቒዑ ካብ ዝበሃል ወርሒ ኣሕሊፉ ብጩቕ ኣይበለን:: ብዛዕባ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዞባን ዓለምን እንታይ ኮን ኢዩ ክዛረብ: ብዛዕባ የመን:ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምርጫ ኢትዮጵያን: ፈለግ ኒል:: ክንግምት ጥራሕ ኢና ንኽእል::ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ርጡብ ስራሕ ክዕመም ከምዘይከኣል ንፈልጥ ኢና:: ኣንተኾነ ንኤርትራውያን ዘገድሰና :እቲ ብኣሽሕት ዝስደድ ዘሎ መንእሰይን ዝረኸቦ ዘሎ መከራን ኢዩ:: እቲ ብረሃጹን ብገንዘቡን ዝሃነጾ ቤቱ ዝፈረሶን ኣብ ፈቐድኦ ተበቲኑ ዘሎ ቆልዓ ሰበይትን ስድራ ስውእን ኢዩ::ካቢነ ኢሳያስ ብዛዕባዚ ከይሓትት ኣፉ ተለጉሙ:: መሬት ምስ ወግሐ ኩላትና ብደረጃ ሒዝናዮ ዘሎና ማሕበራዊ:ቁጠባዊን ፖለቲካውን መሳርዕ ብሕጊ: ብሞራል: ብታሪኽ ክንሕተት ኢና::
”ካቢነ ሚኒስተራት ” 24 ዓመት ትምህርቲ ንዓበይቲ ተኸታቲሉ ክሓትትን ክምጉትን ካብ ዘይከኣለ ወዲቑ ኢዩ ::ከምቲ ዓይነ ስውርቲን ጸማምን ውሩይቲ ደራሲት ፖለቲካዊ ተንቀሳቓሲትን ኣሜሪካዊት ሀለን ከለር ዝበለቶ ”ካብ ዑረት ዝኸፍአ: ብርሃን ዓይኒ ተዓዲሉካ ራእይ ዘይምህላው ኢዩ”::
ደጎል ድራር
——————————-
Eritrawi April 17, 2015
Never heard in the history of human kingdom, a country lead by Blinded Leader in Heart with his Deaf Ministers for twenty fours.
ogbai April 18, 2015
You are right they are just having fun, and doing nothing
Eritrawi April 17, 2015
Never heard in the history of human Kingdom, a country lead by Blinded Leader in Heart with his Deaf Ministers for twenty four years.
Mana April 17, 2015
well said Dogol. Very articulated and timely article. Well done.
wedi Ken April 17, 2015
Be it 24 HOURS or 24 YEARS, the message of wedi berad is the same: digga,dukie, dinish.
When our elders say ‘tsemam hade derfu’, this is what it sounds like.
Truly Truly i say to you April 18, 2015
Dear Dogal, i think you miss as you are dealing with psychological disorder suffering patient guy. My self i didn´t see any difference among the the German wing amok pilot´s illness and narcissist Isayas´s. As the amok pilot perished 150 innocent passengers, Isayas also slowly is exterminating the Eritrean society and destroying our nation. I hope many of you heard it the following Isayas´s interview publicised.
http://www.madote.com/2015/04/us-ngos-kicked-out-of-eritrea-foreign.html#ixzz3WyoK79JF
Specially from around 32 minutes up to the end to what he was blabbering if you heard, do you think this person is normal? In Isayas´s sight and political reading, he is the only honest and democrat in the planet, not India or Europe, not at all the US . According his own word says, “99.9% the US is the most un democrat nation on planet. He meant the politic and the economy while because possesed by 1% elites, but the rest Americas are living in poverty . Without shame he said, “for I did my job well, and achieved the Eritreans quality of life in hopeful fandament changed, i have peace of mind more than anybody on earth, but for that i do not ask or expect award from anybody, that i have a piece of mind and satisfaction will enough to me. I think he seems was expecting noble prise? to continue
Truly Truly i say to you April 18, 2015
Ameasing because of him in two weeks war only, for he 24,000 innocent life let perished, equal of that number for make disabled and make millions displaced, islands, and territories let occupied, the nation and people for humiliated, all business sector, be it banks, airlines ports for paralysed, others his countless crime to count no time , but hearing that Mediterranean and Lampadusa Sea victimized citizens alone, when says “i have the most satisfied person who have sanity on earth, i am proud for what i accomplishing, do you think this guy is normal, in his sane? Wouldn´t you hear in other countries, let alone when for a single person death cause, even because of mad cow disease two or three their citizens because victimize when the responsible officials resigned?
So the head of the country since that much have no sanity, how would you expect, be his cabinet members even the whole citizens would have health? I do not think this guy will be cure by medical support, I better recommend you to take him ,to Mariam Dera Ento Monastery to take “two seven,” (holly water)there, or he has to try by Ethiopian orthodox priest name Memhir Girma Wondemu,the exorcist, i heard he healed many by demon possessed people.
ERITRAWIT April 18, 2015
Good observation Brother, Isaias chosen people are good listener than people will ask Questions. They don’t have a gut to ask where Eritrea is heading? No questions allowed to ask just to listen and make a note very interesting.
Asmeret April 18, 2015
While the President knows, about a lot of subjects, Opps, he doesn’t know how much his salary is
Interviewer: How much is your Salary Mr.President.
Mr. President : I don’t know, $400 USD , $500 , not sure. you can ask the government
Every time he opens his mouth, he demonstrates how idiot he is
Ibrahim April 18, 2015
DIA is a socially sick person that he is applying his social disorder in our people causing a tremendous damage in our social fabric, national unity and social stability. DIA through his divide and conquer security system has created a relatively servile society where people can not stand for their very primary rights.
A. Akal April 18, 2015
Right on the money! Well done, Degol. Keep up the good job. Very nice and educational analyst.