ዋና ዝሰኣነት ላሕሚ
ብዳዊት ክፍለዝጊ ዋና ዝሳአነት፡ላሕሚ ትሙኻእ ትደሚ፡ ከይትሻናዳሕ፡ ዪለን ዓቕሚ፡ መሊሹ ከፊእዋ ካብ ዓሚ፡ እቲ ሓደ ብጭራአ፡ንድሕሪት ይውጥጥ፡ ዓመጸኛ ብኽሳዳ፡ ንታሕቲ ይሰቅጥ፡ ሱሱዕ ባዓል፡ ጓጉድ ጉሊአ ይመጥጥ፡ ዑሱብ ጓሳ ግርማአ፡ ዝቕንጥጥ፡ ሓምራ ላምና በዚሕዋ ዋጢጥ፡ ብሓቂ ብልክዕ ልግዔ ዬለ ጸባ ፡ ዋና ዬለን ብጉቡእ ዝሓልባ፡ ሳዕሪ፡የለን
ብዳዊት ክፍለዝጊ
ዋና ዝሳአነት፡ላሕሚ ትሙኻእ ትደሚ፡
ከይትሻናዳሕ፡ ዪለን ዓቕሚ፡ መሊሹ ከፊእዋ ካብ ዓሚ፡
እቲ ሓደ ብጭራአ፡ንድሕሪት ይውጥጥ፡
ዓመጸኛ ብኽሳዳ፡ ንታሕቲ ይሰቅጥ፡
ሱሱዕ ባዓል፡ ጓጉድ ጉሊአ ይመጥጥ፡
ዑሱብ ጓሳ ግርማአ፡ ዝቕንጥጥ፡
ሓምራ ላምና በዚሕዋ ዋጢጥ፡
ብሓቂ ብልክዕ ልግዔ ዬለ ጸባ ፡
ዋና ዬለን ብጉቡእ ዝሓልባ፡
ሳዕሪ፡የለን ትበልዖ፡ቀለባ፡
ብራሕ ዬለ ዝስተ፡ማይጨባ
ማሕረስ ዬለን፡ ዝብል፡ ናዓ ሃባ፡
እኖሆዶ! ንሪኦ ብቐረባ፡
እዛ ሓራስ ላምና፡ ደቃ ከይተዕንግል፡
ኣለይ መለይ ዝብላ ዘዋፍር ዘገልግል፡
ማይ ጹሩይ ዘሳቲ ሩባታት ዘሳግር፡
ኣለዳ ዘውጽእ፡ ጥሜታ፡ ዘዕንግል፡
ኩሉ ኣይተ፡ ረኽበን፡ ዕንቅፋት ድንግርግር፡
እዛ ሓምራ ላምና ኤርትራ ብቀንዳ፡
ናይ ሕሰም ደበና ዘሰንብድ ኖጎዳ፡
ብተይ ዬላን፡ ትዕንድር፡ ኣብ ሜዳ፡
ፍሕ ብትን ስድራ ቤት ጓላ ወዳ፡
እንታይ ተሪፍና ዘይተ ኸፍለ ዕዳ፡
ጠንቂ፡ናይዚ ኹሉ፡ ስርዓት ቢቲ፡ቢቶ፡
ረብሓ ህዝቢ ዬለን ዝጥምቶ፡
ጽቡቕ ኣንጽበን ካብ ህግደፍ፡ኮቶ፡
ንደቃ ኣባሪሩ ጓኖታ ዘዋህልል፡
ነግዲ፡ኣምሩ ናይ ዘበና፡ ዒንኪልል፡
ዘይ ሓረሶ ግራውህ ዝግምት ዝኾልል፡
ምህርቲ ሓሶቱ፡ንባዕሉ ዘታልል፡
ናይ መረሳ ነገር ዚጎይታ፡ መብጻዓ፡
ብዘይ ግብሪ ከላቕቕ፡ ንወጽዓ፡
ዓመት መጸት ኣብ ጉቡእ ልክዓ፡
ተስፍ ህዝቢ፡ጥልመትካ ጎሲዓ፡
እቲ ኣረጊት ይራገም ይበኪ ቲ! ቆልዓ፡
መንእሰይ፡ይጠፍእ መሪርዎ፡ ወጽዓ፡
ቢኢዱ ኣይ ግዳዱ ባህሪያቱ፡ ልምዱ፡
ካብ ከበሳ ንሳሕል ወሪዱ ባህጊ ህዝቢ፡ንሕሰም፡ጸሙዱ፡
ናይ ጥፍአት ማእለማ፡ተንኮል፡ኣዋዲዱ፡
እዚ እንካብ ኮነ ዘጋጠመ ዕጫ፡
ሓንቲያ፡ መንግዲ ዬብልናን ፡ምርጫ፡
ንቃባበል ሆይ ማርያም፡ንበላ፡ከምዛ ደብዳብ ህድሞ፡
ብሓባር፡ ወፈራ ነቲ ጸገሞ፡ብሓባር፡ንዓሞ፡
ሰናይ እንሓልሞ፡ ቅድም ቀዳድምና፡ ሃገር ነቐድሞ፡ ህዝብና ክጥዕሞ፡
ፉቱን መድሃኒቱ ራህዋ ዝተ ሓርሞ፡ ሓድነት ነስጥሞ፡
ኣይትታሃማመል ንፍትሒ ትዝምር
ፍቕሪ ሲኒትያ! ንኹሉ ትጠምር፡
እኩብ ሓይሊ ሰራሒ ተኣምር፡
ብዓውታ ነቃልሕ ወጺና፡ኣብ ቅርዓት፡
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ፡ኣብ ኩሉ ኩርናዓት፡
ብአፍልጦ ንቕሓት ዓይነታዊ፡ ብቅዓት፡
ዓወትና፡ናይ ግድን ጸረ ቶም ሱሱዓት፡
መዋእል ዝተጠንሰ ሕሰም ምስ ተሓርሰ፡
ሰላም ምስ ስፈነት ሕጊ ምስ ነገሰ፡
ህያው መስዋእትነት ዋዜማ ቅዳሰ ጻማ ተቓለሰ፡
ይታአከብ ዝተባታተነ!
ካብቲ ዝኻሓደ፡ ሓቂ ዝአመነ፡
ደላይ ፍቲሒ፡ንሉቡ ዘቅሰነ፡
ክብርን ሞጎስን!
ንሰማእታት ኤርትራ”
ብዳዊት ክፍለዝጊ
ሕ መ ኤ
wedifre August 26, 2015
HITER, AGHENAA
Senai Ghitmi mis Ghelazi Cartoon!!!!!
SEWIDDDDD
alenalki August 26, 2015
Very explanatory. Keep it.
Mesfin Bahlibi August 26, 2015
መርሓባ ዳዊት፣ መርሓባ ደጊመ ደጋጊመ፣ ይበል ትሕዝቶ። ኣንታ ንስኻስ ኣብ ኩሉ ዳኣ ትዓጥቕ። ብጊሓቱ ዕጥቂኻ ምስእስጠምካ። እንኳዕ ዳኣ ኣብታ መርዓ ወደርኣያ ደርጊ ኣይሓዙኻ እምበር!!!
ካብ መስፍን ባህልቢ
ERITRAWIT August 26, 2015
ኩቡር ሃው የህዝን ብ ክንደይ መስዋቲ ስንክልና ዝመሰት ሃገር ናይ ውህዳት መሳወቲይ ኮይና፡ ኣብ ሃገርና ተራዮ ዘይፈልት ነገራት ይረ ኣሎ። ኣብ ሃገር ዘሎ ኩሉ ይስበሎ ኣብ ደገ ኢዮ ኢቲይ ሰገም ሃሊቦም ምስ ወድው ሃገርና ካብ ዝደርበይዋ ክናርያ ክስግመና ኢዮ።
Berhe Tenesea August 26, 2015
Very interesting, Eritrea is nothing as far as theTembenis are concerned. They have milked it to death and the stash of the proceeds banked in China and other safe and secret places.
People get what they deserve.
Bhdma hager badima August 27, 2015
I don’t think this cartoon is sending the right message the painter intended. He is rather attacking the Hamasien and the Tigreans. I find it iritating.
daniel August 27, 2015
ብ ዊልከ መላኪ ሃገር ባዲማ ማለትካ ድዩ?
meharenazghi Merhawi August 27, 2015
Good job Dave, an explanatory cartoon with meaningful poem.I wish you add Hagos kisha carying the crate of milk, transferring it to Singapore and some sympathizers like Wedi Gerahtu in your Cartoon.
daniel August 27, 2015
ኩሉ ዚበልካዮ ሃኪ አዩ ነቶም አንዳርኣዩ ከምዘይርኣዩ አንዳሰምኡ ከምዘይሰምኡ ዚኮኑ ዘለዉ ሃገር ጺቡክ ኣሎ ዚብሉ ደገፍቲ ዊልከ መላኪ ጊደፉ ልቢ ጊበሩ ን ኢሰያስ ዚኣመነን ማይ ዚሃኮነን ሃደ አዩ ካብ ታሪክ ተመሃሩ ኪብሎም ይደሊ። ጺቡክ ግትሚ ከጺሎ ዳዊት
Wedi Haki August 27, 2015
We have been witnessing the slow death of an ambitious nation and its people that thousands of selfless tegadelttis perished their lives for and undeniably we all were part of since their arrival on the cursed and gloomy day of 24th May 1991. Its sad though,that we don’t seem to be matured even in the face of all these unpredictable and immeasurable atrocities over the quarter of a century. We have to be careful not to misplace our blame. The blame for all the predicament that our nation in today should solely be placed on Issaias and his group and so is the fight. We don’t have to waste our time and energy placing blames and waging wars of words on non essential imported groups such as TPDM,OLF or G7 as they will simply vanish when their sole creator vanishes.
Did I say ” waging wars of words” yeah that’s all what we are good at anyway. We let one evil man destroy our poor people and we don’t do anything about it. Whining and wailing are all what we do and sadly that doesn’t solve one bit.