Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓርነትን ጭቆናን

ኣማኑኤል ሳህለ መብዛሕትኡ ናይ መውጽእ ሓራ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ተጨቊንካ ኣሎኻ ዚብሎ ህዝቢ ናጻ ከውጽእ ቅድሚ ምፍታኑ፡ ኣቐዲሙ ነቲ ዘቖሞ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ኣፈናዊ ቅርጺ ከትሕዞ ምድላዩ ባህርያዊ እዩ። ቅርጺ ምትሓዝ ማለት ከኣ ወላ ብምርጫ

ኣማኑኤል ሳህለ

መብዛሕትኡ ናይ መውጽእ ሓራ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ተጨቊንካ ኣሎኻ ዚብሎ ህዝቢ ናጻ ከውጽእ ቅድሚ ምፍታኑ፡ ኣቐዲሙ ነቲ ዘቖሞ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ኣፈናዊ ቅርጺ ከትሕዞ ምድላዩ ባህርያዊ እዩ። ቅርጺ ምትሓዝ ማለት ከኣ ወላ ብምርጫ ይኹን ኣይኹን፡ ኩሉ ግዜ መራሕን ተመራሕን፡ ስልጣን ዝሕዝን ነቲ በዓል ስልጣን ዝምእዘዝን ኣካል ምፍጣር ማለት እዩ። ውድባዊ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር መስርሕ ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ካልእ ኲናት እዩ።

ብፍላይ እቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዚኣምን ናጻ ኣውጻኢ ውድብ፡ ኣብቲ ውሽጡ ኣብ ዚግበር ናይ ስልጣን ቍርቍስ፡ ብግሁድን ብሕቡእን መገዲ ናይ ጎንጽን ሓይልን ኣገባባት ይኽተል እዩ። እዚ ኸኣ ብመሰረት ናይቶም ኣብ ወድሰብ ኣብ ግዜ ውድድር ዚረኣዩ መሰረታውያን ባህርያት ኪህሉ ዘለዎ ንቡር ተርእዮ እዩ። ኣብዚ ኲናትዚ እቲ ክኢላን ተባላሓትን ጥራይ እዩ ስዒሩ ኣብ ላዕሊ ኪድይብ ዚኽእል።

ስለዚ ኣብቲ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ክልተ ኲናት ይካየድ ኣሎ ማለት እዩ። ብብረትን ብፕሮፓጋንዳን ዚካየድ ናይ ሓርነት ቃልሲ፡ ብጎንጽን ተንኮልን ዚካየድ ውሽጣዊ ቃልሲ። ጸኒሑ ግን፡ እቲ ብውሽጢ ዚካየድ ናይ ተንኮልን ጎንጽን ባህርያት ኣብቲ ብደገ ዝካየድ ናይ ሓርነት ቃልሲ መስርሕ እውን ይዝርጋሕ እዩ። ብሓጺሩ፡ እቲ ኣብቲ ውሽጣዊ ቃልሱ ጎንጽን ተንኮልን ቅትለትን ብምፍጻም ስልጣኑ ንኺዕቅብ ስኽፍ ዘይብሎ መሪሕነት ወይ መራሒ፡ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዚብሎ ናይ ደገ ኲናት ከካይድ ከሎውን ነቲ ባህርያቱ ኪዓግቶ ዚኽእል ኣይኮነን።

እቲ መሪሕነት ብኸምዚ መገዲ ስልጣኑ ምስ ኣቖመ፡ ነቲ ባህርያቱ ኣብ ልዕልቲ ናጻ ከውጽኣካ እየ ዚብሎን ጸኒሑ ናጻ ዘውጸኦን ህዝቢ ንኸንጸባርቖ ኣይድንጕን።

ኣብዚ እተሓላለኸ ውድባዊ ናይ ስልጣን ቍርቁስ፡ መን ናብ ላዕሊ ከም ዚወጽእ፡ መን ኣብ ታሕቲ ከም ዚተርፍ ንዚረአ ውጽኢት፡ ናይቲ ህዝቢ ማሕበራውን ፖለቲካውን ታሪኻውን ድሕረባይታ  ቀጥታዊ ዘይኮነ ኣበርክቶ ኣለዎ። እቲ ውድብ ካብቲ ህዝቢ ዝወጸ ብምዃኑ፡ ናይቲ ህዝቢ ባህርያት ኣብቲ ውድብ ብገለ ኣንፈቱ ከንጸባርቕ ባህርያዊ እዩ።

እቲ ናብ ላዕሊ ዝወጽእ ውልቀሰብ ወይ መራሒ፡ ናይቶም ኣብ ታሕቲ ዝተረፉ ባእታታት ድኽመት እናተጠቕመ እዩ ኪዕወት ዚኽእል። ስለዚ እቲ ውልቀመላኺ ውጽኢት ድኽመታት ናይቶም ስልጣን ንኺሕዝ ዘሕለፉዎ ሰባት እዩ። ብተዛዋሪ መገዲ ኸኣ ንሱ ውጽኢት ድኽመታት ህዝቢ እዩ።

ስለዚ ዘይሩ ዘይሩስ እቲ ውልቀመላኺ ብትሕተ-ኣእምሮኣዊ (subconscious mind )  ኣመለኻኽታ ምስ ዚረአ በቲ ህዝቢ እተመርጸ እዩ ክንብሎ ንኽእል ኢና። ትሕተ-ኣእምሮ ማለት እቲ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእልን ንድሌትናን ፍርህናን ወጊኑን ደጒሉን ዚጸንሕ ክፍሊ ኣእምሮና እዩ። በዝን ክንድዝን ደኾን ይኸውን ወድሰብ ነቲ ላሕ ዘብሎ መራሒ ባዕሉ እዩ ኣብቲ ቦታኡ ዝሰቕሎ፡ ወይ ከኣ ወድሰብ ነቲ መራሒኡ ባዕሉ እዩ ዝፈጥሮ ዚብሃል?

ከምዚ ኢሉ እቲ ውልቀመላኺ ኣብ መሪሕነት ምስ መጸ፡ ኣብ ውሽጡ ዚካየድ ሳልሳይ ኲናትውን ኣሎ። እዚ ኸኣ ናይ ሕልና ቃልሲ ክንብሎ ንኽእል። ግን ኩሉ ሰብ ከኣ ማዕረ ሕልና ኣይተዓደሎን። እቲ ውልቀመላኺ፡ ብተመክሮን ትምህርትን ከምኡውን ካብ ወለዱ ብምውራስ ዘማዕበሎ ሕማቕን ጽቡቕን ባህርያት ኣለዎ። ንኣየናዩ ከም ዚጥቀም ግን ኣብ ሕልናኡን ኣብ ርእሰ-ተኣማንነቱን እተመርኮሰ እዩ። ኣብ ልዕልዚ፡ ናይ ስልጣን ሕማም (megalomania) ዚብሃል ከኣ ኣሎ። እዚ ሕማምዚ ነቶም ደረት ዘይብሉ ስልጣን ዝደለቡ መራሕቲ ዝመጾም ሕማም እዩ። እዚ ሕማምዚ ናብ ጽላለ ከብጽሕ እውን ይኽእል እዩ።

ከምዚ ዓይነት ሕማም ካብ ዝነበሮም ነገስታት መንግስቲ ሮማ፡ ካሊጉላ ዚብሃል ቄሳር ትዝ ይብለኒ። ንሱ ካብ ምሒር ናይ ስልጣን ሕማምን ሕንቃቐን እተላዕለ፡ ነቲ ፈረሱ ኣብ ባይቶ ከም ዚምረጽ ገይሩዎ። ኣባላት ባይቶ ግን ካብ ምጥቓዕ ሓሊፎም ገለ ኪገብሩ ኣይከኣሉን።

እሞ ከመይ ደኣዩ ሓርነት ኢልካ ጀሚርካስ ብጭቆና ድማ ትድምድሞ? መልሱ ቀሊል እዩ። እቲ ንህዝቢ ሓራ ከውጽእ ኢሉ እተላዕለ ውድብ፡ ነቲ ጨቋኒ ደኣምበር ንጭቆናስ ፈጺሙ ኪድምስሶ ኣይክእልን፡ ከመይሲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ እቲ መውጽእ ሓራ ባዕሉውን ኣብቲ ኣመጻጽኣኡ ናይ ጭቆና ኣገባብ ተኸቲሉ (ማለት ንደሞክራስያዊ ኣገባባት ብወትሃደራዊ ኣገባባት ብምትካእ) እዩ ነቲ ውድብን ነቲ ቃልስን ከም ዝዕወት ዝገብሮ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ መብዛሕትኡ ናጻ ኣውጻኢ ውድብ፡ ካብዚ ድኽመትዚ ወይ ሓጥያትዚ ናጻ ኪኸውን ኣይክእልን።

ዝኾነ ኾይኑ፡ በዚ ይምጻእ በቲ፡ እቲ ሕቶ ከመይ ጌርካ ንኸምዚ ዝበለ ሽቶኡ ዝሰሓተ መውጽእ ሓራ ተልግሶ ዚብል እዩ? ከምዚ ሕቶ ኪለዓል ከሎ፡ ተሎ ኢሉ ኣብ ኣእምሮ ሰብ ዚመጽእ ስእሊ ተቓወምትን ተራኦምን እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ተቓወምቲ ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ዝፈልዮም ነጥቢ እንተሎ ኣዚዩ ንእሽቶ እዩ። እቲ ተቓውሞ ኣጋጢሙዎ ወይ ተወዲቡሉ ዘሎ ስርዓትውን እኮ፡ ሓደ እዋንስ ባዕሉ ተቓዋማይ እዩ ነይሩ። እቲ ፍልልይስ ኣብ ተመክሮ እተመስረተ እዩ። ተቓወምቲ ማሕበራት ብተመክሮ ዘኻዕበትዎ ኣማራጺታት ንምፍጣርን ንምትግባርን ኪኽእሉ ኣለዎም። ነቲ ናይቲ ስርዓት ጌጋታት ንኸይድገም ኪጽዕሩ ኣለዎም። እንተ ዘይኮይኑ፡ እቲ ናይቶም ቀዳሞት ሕማም ኪድግሶም ስለ ዚኽእልን፡ እቲ ዚህቡዎ ፈውሲ ድማ ነቲ ናይቲ ህዝቢ ስቓይ ከግድዶ ስለ ዚኽእልን፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ትጉሃትን ንቑሓትን ኪኾኑ ይግባእ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ እተባህለ ኩሉ ከም ሓሳብ ክንጸምቆ እንተ ዄንና፡ ሓርነት ካብ ጭቆና ብዙሕ ከም ዘይርሕቕ ክንግንዘብ ንኽእል። ማለት እቲ ኣብ መንጎ ሓርነትን ጭቆናን ዘሎ መንደቕ ኣዚዩ ተነቃፋይ እዩ። ግን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዘሎ ፍልልይ ከኣ ሰማይን ምድርን እዩ።

ዝኾነ ዓይነት መንግስቲ ብባህርያቱ ናይ ምጭቋን ኣሰራት ኣለዎ። ብሓቂ ክንዛረብ እንተ ዄንና መንግስቲ ማለት እኮ ኣብ መንጎ ህዝብን መሪሕነትን ዚትከል ማሕበረሰብኣዊ ውዕል ማለት እዩ። እቲ ውዕል ከምዚ እዩ፤ እቲ ኣብቲ ፋሉልነት ዝመልኦን ቅሳነት ዘይብሉን ናይ ሃድንን በዓትን ህይወት ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፡ ነቲ ፋሉላዊ ናጽነቱ ጠርኒፉ ነቲ መሪሕነት የረክቦ፡ እቲ መሪሕነት ድማ ነቲ ህዝቢ የመሓድሮን ይሕልዎን፡ ግብሪ የኽፍሎን፡ የዐስክሮን፡ ሕጊ ይሰርዓሉን፡ ይዳንዮን።

እዚ ውዕልዚ፡ ሕብረተሰብኣዊ ውዕል ወይ ኩንትራት(social contract) ይብሃል። ስለዚ ወድሰብ ነቲ ፋሉላዊ ናይ ጫካ ናጽነት ንመንግስቲ ኣስተሊሙ ነጊዱን ሓሪሱን ዝነብረሉ ሰላም ኪጽበ ኸሎ፡ ብምሉኡ ደኣ ኣይኹን እምበር፡ ከፊል ናጽነቱ የረክብ ከም ዘሎ ኪርሳዕ ኣይግባእን።

ናጽነትካ ብኸፊሉ ከተርክብ ከሎኻ ግን፡ እቲ ናጽነትካ ኣረኪብካ ሰላም እትሓቶ ዘሎኻ መሪሕነት ወይ መንግስቲ፡ ነቲ ኩንትራት ኣፍሪሱ ኩሉ ናጽነትካ ኪግብቶ ደመነፍሳዊ ድሌት ከም ዘለዎ ኣይትረስዕ።

ናይ ተቓወምቲ ወይ መውጻእቲ ሓራ ኣበርክቶ ኣብዚ እዩ ዚመጽእ። እቲ ስርዓት ነቲ ኩንትራት ኣፍሪሱ ናጽነትካ ምስ ዚግብቶ፡ ተቓውሞ ኪለዓል ግድን እዩ። ስሙርን ውዱብን ተቓውሞ ነቲ ስርዓት ከልግሶ ክእለት ኣለዎ። ግን ኣብቲ ህዝቢ ዓቢ እምነት ከሕድር ከኣ ኣለዎ፡ ከመይሲ እቲ ህዝቢ ብተመክሮ ይኹን ወይ ብናይ ተፈጥሮ ድርኺት፡ ኩሉ መንግስቲ ብተዛማዲ መገዲ ጨቋኒ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • true lies June 11, 2015

    ሓደ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ንጽባሒቱ ክሕነቕ ተፈሪዱ፣ ን ኣጋ ምቕታሉ ዝደለኻዮ ናይ መጨረሻ ምግቢ ምረጽ ተባሂሉስ ሓምልን ርግ ኦን መሪጹ፣እዋእ እንተደሊኻ ዝግኒ፣ሃምበርገር፣ጥብሲ፣ወይ ጸብሒ ደርሆ ንምንታይ ዘይትመርጽ እንተተባህለ__ኖእ ኮሌስተራል ዘለዎ ምግቢ ንጥዕና ጽቡቕ ኣይኮነን በለ።ሕጂ ድማ ነቶም ኣብ ሲናይ ዝሽየጡን ዝዕመጹን ዘለዉ ከመይ ጌርና ነድሕኖም ኣበይ ኬድና ኡይ ንብል ክንዲ ነዕልል ቅጥፈት ምልካውያንን ሓረድትን ድኣ ምዓስ ጠፊኡና።ናይ ኮኬይን ወልፊ ዘለዎ ሰብ ናይ ሽጋራ ምጥያስ ሳዕቤን ከም ምንጋር እዩ።እንታይ እዩ ቀዳማይ ሽግርና ንፈልጦ ኣይመስለንን።

  • Stefanos Temolso June 12, 2015

    true lies on: ምስ ኣኽብሮት ነዚ ዝስዕብ ክብለካ እደሊ። ምናልባት ንስኻ ቅጥፈት ምልካውያን ትፈልጥ ብኸመይ ከም ዝእለዩ ትፈልጥ ትኸውን። እዚ መምህር ኣማኒኤል ጽሒፎሞ ዘለዉ ትምህርቲ ግን ነቶም ብዙሓት ቅጥፈት ህግደፍ ዘይንፈልጥ ይኹን ሓፈሻዊ ኣምር ጭቈናን ኣብ ምሕባር ሃጋዚ ስለ ዝኾነ ምንኣኣሱ ቅኑዕ ኣይኮነን። መምህር ኣማኒኤል ዝጽሕፉዎ ትህዝቶ ንማንም ሰብ ዝርድኦን ብቅልል ዝበለ ኣብነታት ስለ ዝቐርብ ብፍላይ ንመንእሰያት ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዓኒ። እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ቃልስና ጕድለት ንቕሓት ስለ ዝኾነ፡ መንእሰያትና ግዜኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ሙዚቃን ኮሜዲ ኣብ ምርኣይን ዘሕልፉዎ፡ ኣብ ምንባብን ፍልጠቶምን ንቕሓቶምን ክብ ኣብ ምባል ከሕልፉዎ ኣለዎም እብል። ምዝንጋዕ ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ብመደብ ክከውን ኣለዎ።

    • Teclay June 12, 2015

      Stefanos T

      Mr.Stefanos,with all respect,As you said Mr.Amanuel’s lecture is very important to develop our general knowledge about any society including ours .Having said that,what should be our priority at this time ???In my opinion to reduce the exodus.Yes if the whole population is packing to go somewhere in the earth but not in his ancestors land General knowledge will make little difference.
      ” መንእሰያትና ግዜኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ሙዚቃን ኮሜዲ ኣብ ምርኣይን ዘሕልፉዎ፡ ኣብ ምንባብን ፍልጠቶምን ንቕሓቶምን ክብ ኣብ ምባል ከሕልፉዎ ኣለዎም እብል”….እንተኾነ ማእዙኑ ዘይፈልጥ፣ ኣብ ህድማ ዝርከብ ዝተዳህለ መንእሰይ ፊሎዞፊ(philosophy) ከንብብ ዘይሕሰብ ኦዩ።ከምዚ ዝረኣካዮ መርየት ዓደቡኡ ምስ ረገጸ ተንበርኪኹ ሓመዳ ዝቑሕም ዘይኮነስ፣ነዚ ኩሉ ናይ መጀመርያ ጠንቂ ንዝኾነ መርየት ፋሺሽቲ ገዛእቲ ጣልያን በጺሔ ኢሉ ፣ጓይላ ዝተክል ዘይሓንኽ መንእሰይ ኢዩ።

  • Stefanos Temolso June 12, 2015

    ጽቡቕ ኣለኻ። እቶም ኣብ ነፍሶም ምድሓን ዘለዉ ይትረፍ ምንባብ እንታይ ከም ዝበልዑን ዝሰትዩንውን ኣይፈልጡን እዮም። ኣነ ዝላቦ ዘለኹ ነቶም ኣብ ዝብጻሕ ምስ በጽሑ ግዜኦም ብከንቱ ዘባኽኑ መንእሰያት እየ። ብሓጺሩ በበይንና ጸኒሕና። ብዝኾነ ናይቶም ካብ ሃገር ዝርሕቁ ዘለዉውን ኣይትውጽኡ፡ ግደፉ ፡ ኣብኡ ጽንሑ ክንብሎም ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ዘለዉዎ ሃለዋትን ኵነታትን ባዕላቶም እዮም ዝፈልጡዎ። ደሓር ከኣ ንሕና ኣብ ዝብጻሕ ማለት ዓዲ ሰላምን ምርግጋእን ምስ በጻሕና ኣብ ሃገርኩም ጽንሑ ክንብል መሰል ኣለና ድዩ? ዝብል ሕቶ ኣከራኻሪ ይመስለኒ። ሰናይ ቅነ።

    • Teclay June 12, 2015

      Stefanos T

      Dear Mr.Stefanos T. “ደሓር ከኣ ንሕና ኣብ ዝብጻሕ ማለት ዓዲ ሰላምን ምርግጋእን ምስ በጻሕና ኣብ ሃገርኩም ጽንሑ ክንብል መሰል ኣለና ድዩ? ዝብል ሕቶ ኣከራኻሪ ይመስለኒ። ሰናይ ቅነ።”

      In principle i agree with you 100% ,one is free to choose where to live in the earth.That is what they call it immigration…Having said that what we see now is not an immigration rather SUICIDE(ነብሰ ቕትለት)…So i think it is worth trying to stop this suicidal journey.
      In my opinion everything must be done so that ppl can stay in their ancestors land ,whereas dictators and leaders as well as borders have been in a constant change whether we like it or not.example:in the Balkan ,Eastern Europe, in the middle east etc.

      Thank you Good weekend!

  • ታደሰ ኪዳነ June 12, 2015

    ዝኸበርካ ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ
    ኣዚ ጽሒፍካዮ ዘለካ፡ ብክለሰ ሓሳብ ደረጃ ቅኑዕ ኢዩ። እቶ ንኹልና ኣጸጊሙና ዘሎ፡ ክንምልሶ ዘይከኣልና ሕቶ፡ ከመይ ገይርና ኢና ነዚ ክልቲኡ ነወሃህዶ? ዝብል ኢዩ። ኣንጻር ጭቆና ክንቃለስ ንደሊ፡ ተመሊስና ኣብ ዳግማይ ጭቆና ንኸይንኣቱ`ኸ ብኸመይ ንኺድ? ኣብዚ ኢዩ እቲ ጸገም። ኩሉ ሰብ ሃገሩ ገዲፉ እናሃደመ፡ ንዓ ዓገብ በል እንተ በልካዮ፡ ተመሊሱ ንስኻትኩምስ ካብ ህግደፍ ብምንታይ ትሕሹ? ዝብለካ እንተኾይኑ፡ እንታይ ትገብር። ንሕና ካብ ህግደፍ ክንሓይሽን ክንከፍእን፡ ተራን ተሳትፎን ናይቶም ኣብቲ ቃልሲ ክሳተፉ ዝብገሱ እምበር፡ ናይቶም ብማዕዶ ዝዕዘቡ፡ ወይ ዓገብ ንዝብሉ ዘናሽዉ ኣይኮነን።
    እሞ ኣብ ዝመጽእ ጽሑፍካ፡ ነዚ ክብ ኢልካ ጽሒፍካዮ ዘለኻ፡ ምስዚ ሕጂ ዘለናዮ ጭቡጥ ኩነታት ኣዛሚድካ፡ ፍታሕ ዝበልካዮ ከንብብ እጽበ። ዘይምቅላስን፡ ዓገብ ዘይምባልን ግን፡ ካብ ብህይወትካ ከለኻ ሞት ዝሓይሽ ኣይኮነን።
    ብወገነይ ኣብቲ ቃልሲ ኢድና ንሓውስ፡ ዳግማይ ከይንጥለም ከኣ ክንጥንቀቕ ይግባእ እብል።

  • Simon G. June 12, 2015

    The above comments made by the gentlemen is valid. However, this is my intake from this article.
    There are few types are physicists but if we have to categorize them in to two, they will be Theoretical and Experimental physicists. I would say this article would fall into the theoretical. Someone has to turn it into a product (perse). Some practical people could use this and find a way to make it directly related to our current issues.
    Besides, we have many fine people who wrote and keep writing about our current issues (to name few: just the two commentators; Estifanos and Tadesse).
    It is also good to see some philosophical papers, like this, for a change. The more we read, the more we learn.
    Just my two cents!

    • true lies June 12, 2015

      Simon G.,

      Allow me to commend you for your thoughtful insight, and Stefanos ,Tadesse & Teclay..very civilized opinions..I feel we are getting close to see the obvious ,now the healing can begin.The problem lies when people hope & despair easily.Thankyou all.

  • nebelbal7@gmail.com June 12, 2015

    እቲ ሕሉፍ እንብሎ ኣይሓለፈን ! ! !
    ናይ ሎሚ ሃሎዋትና ውጽኢት ናይ ትማሊ እዩ ! ! !
    ጽባሕ ከይትልከም እንታይ ይሓይሽ ? ? ?
    ክብል ዝጸሓፎ ሓተታ ኣነ ብወገነይ እዋናዊ እዩ ይብሎ።
    ጽሟቅ እዚ ሓጺርን ንጹርን ጽሑፍ ከኣ ዕድመ ኣንባቢ ዝፈሊ ኮይኑ ኣይረከብክዎን። ብሓፈሽኡ ድሕሪ ንባብ ዝወረዱ ሪእቶታት መስመር ኣይሰሓቱን ። ልዙብ ሪኢቶ ነቲ ንኡስ ጽሕፍ የዕብዮ።
    ብምቅጻልእታ መዓልቲ ንባዕላ ኢላ ክትኣቱ’ያ። እንታይ ሒዝናላ ኣሎና? ከም ትማሊ ከይንጋገ ዝብል ምክሪ ምልጋስ ደጊመ ሰዓቱ ዝሓለወ ጽሑፍ እዩ’ሞ ነስተማቕሮ ክብል ይፈቱ።
    ንእግረ መንገደይ – – ኣነ ዘሰክፈኒ ኣንባቢ ብዘስፍሮ ፍሉይ ሪኢቶ ዘይኮነስ መጽሓፍ ኣብ ኢዶም ሒዞም ስለ እታ ሒዞማ ዘሎዉ መጽሓፍ ኣዋጋዓኒ ኢሎም ክሓቱ ንዝውዕሉ እዩ። ኣስተባሂልኹም’ዶ ኣሎኹም? እገለ ኹነታት ሃገርና እንታይ ኣሎ? ኣቲካ’ዶ ኔርካ?
    ስለ እዛ ኣቲካ’ዶ ኔርካ?
    ኣብ ሰዓታ ፍሉይ ሪእቶ ኣሎኒ። ንሎሚ ግን. . . . .

  • Aman June 12, 2015

    Hi Amanuel,
    I would like to express my sincere appreciation and thanks for your carefully selected methodology to help us understand our own situation through educational means. You are doing your part to challenge our existing way of thinking and making choices. I totally agree with the idea, any leadership quality is the reflection of the complexity and maturity of the society in which they live. Think about the following few but widely used sayings in our Eritrean culture which pave road to the creation of monster leaders:
    • “Znegese ngusna zibereke tsehaina”
    • “Wey zbeluka giberelom wey adom gidefelom”
    • “Ferah nediu yiatwa”
    It is not hard to imagine the psychological impact of these regressive sayings being repeated throughout our growth and developmental period. Please continue to share your awakening and enlightening wisdoms to bring our society to the real world. You contribution reminds me the famous common quotation, ”A horse may take you to the battlefield, but it will not fight for you. Your contribution could help us to think properly and make the right choices for us and our generation to come.
    Aman

  • nebelbal7@gmail.com June 12, 2015

    ይቅሬታ ሓሳበይ ቀይረ።
    ሪኢቶ — ስለ’ዞም ኣቲካ’ዶ ኔርካ? ወይ ንዓይ ንባብ የደቅሰኒ እዩ ዝብሉ ።
    ተማሃራይ እንከሎኹ ትዝ ካብ ዝብልኒ ፡ –
    ክልስተ ዓይነት ሰዓታትን (Swiss Made) ትራንሲስቶር ሬድዮን
    ኣብ ዕዳጋ። ሽዑ እታ ዝሓሰረት ዓይነት ናይ ኢድ ሰዓት ዲያንቱስ (Diantus) ትብሃል ኔራ። ብመደርቲ “ዲያንቱስ” ናይ ቀትሪ ሰዓት ተባሂላ ትጽዋዕ ኔራ ። ምክንያት ለይቲ ምሳካ ደቂሳ እትሓድር። ስለዚ ኣድላይነታ ብፍላይ ብሰራሕተኛታት መንግስቲ ትሑት’ዩ። ምዕባያ (ብዓይነት) ሓንቲ ዓይነት ሰዓት ኔራ ፣ ሮመር (Roamer) ትብሃል ። ሃፀይ ሃይለስላሴ ንሮመር’ዩ ሓርዩ። ምክንያቱ ንዕኡ ይምልከት። ብውሑድ ዋጋን ብልቃሕን ንሓደስቲ ዝቑጸሩ መማህራን ከለቀሖም ጀሚሩ። ኣብ’ዚ ምንም ሽግር የሎን። ሰዓት ኣብ ሰዓታ። እቲ ሽግር ዝነበረ ግን ኣብ ሬድዮ እዩ። ሃጸይ ሃይለስልሴ ንገለ ክፋል ደቂ መንግስቲ (ብስራሕ) ሬድዮ ብሕሱር ዋጋ ከምዝልቅሑ ጌሩ። እቲ ዘገርም እቶም ዝሓረዮም ደቂ-መንግስቲ ብጕያ ወነንቲ ሬድዮ ኾኑ ። ርሕቅ ኢሉ ንዝዕዘብ ግን “እዛ ብርዅታስ እምኒ ኣላታ” ኔርዋ። ዎዮ ከመይ ዘይተርፍ – –
    ካብ ኣፍ እታ ሬድዮ ዝወጽእ ዝነበረ ቛንቛን – – እቶም ሒዞማ ዝዘሩ ዝነበሩ ወነንትን ኣየሳነዩን። ንሶም ዝዛረብዎ ቛንቛ ትግሪና ፣ ንሳ ትዛረቦ ኣምሓሪኛ /ዓረብ/ ሶማል/ …….እንግሊዝ ኔሩ ፤ ልቢ በሉ መደብ ቛንቛ ትግሪና ከይጀመረ’ዩ።
    ሎሚ’ከ? ኣንታ ሎሚኸ? ናይ ኣማኢት ዋጋ ላፕታፕ-ኮምፒተር ወይ ቴለፎናት ኣብ ኢዶም ሒዞም ፡ ነታ ሓጻር ሓበሬታ/ሓተታ ኣይሰማዕኩን ፡ ኣይነበብኩን፣ ግን እንታይ ኣሎ ኹነታት ኢሎም ክሓቱ’ስ ኣይጋዶን’ዶ?
    ዘይትግልገለላ ኣቕሓ ሒዝካ ምዛር እንታይ እዩ ሽንኑ?
    ኣቦታትና “ ቃላይ’ስ ንጥሚቕ ተንቐላውጣ” ዝበሉ ከም’ዚ ምስረኣዩ’ዶ ይኸውን?
    ኤረ ብሕጊ-ኣምላክ ! ! ንእግረ መንገድኹም ምንባብ ልመዱ በሉ ። እንተ ዘይኾይኑ እዛ ሒዝካያ ዘሎኻን ንስኻን ኣይተሳነኹም በሉ

  • Yemane Johar June 13, 2015

    “If fire fighters fight fire, what do freedom fighters fight?” ” The people get the government they deserve”
    Thanks Memhr Amanuel!

  • habteyonas June 17, 2015

    Great man

POST A COMMENT