Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ጋዜጣዊ መግለጺ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ንዕለት 28/03/2015 ሰፊሕ ናይ ሓድነት ኣኼባ ጸዊዕና ምንባርና ይዝከር። ኣብቲ ዘካየድናዮ ህዝባዊ ኣኼባ ካብ ከተማ ሎንዶንን ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝን ዝመጹ ኤርትራውያን ኣሕዋትና

ጋዜጣዊ መግለጺ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ንዕለት 28/03/2015 ሰፊሕ ናይ ሓድነት ኣኼባ ጸዊዕና ምንባርና ይዝከር። ኣብቲ ዘካየድናዮ ህዝባዊ ኣኼባ ካብ ከተማ ሎንዶንን ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝን ዝመጹ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ተሳተፍቲፎምዎ እዮም። ብፍላይ ካብ ከተማታት ወልስ ፡ ኖቲንግሃም ፡ ሸፊልድ ፡ ኮቨንትሪን ዝመጽኡ ብቑጽሮምን ብወኖም ጸብለል ዝበሉ ይመስለና።

እተን ዕድመ ዝተገብረለን ናይ ፖለቲካዊ ውድባት`ውን መብዛሕተኤን ወከልተን ብምልኣኽ ተሳቲፈን እየን። ካብቶም ዝዓደምናዮም ናይ ሃይማኖት ኣገልገልትን ግን ዝመጽኤ ኣይነበረን ይመስለና።

ኣብ`ዚ ህዝባዊ ኣኼባ`ዚ ተሳትፎ መንእሰያት ዕዙዝ ኔሩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ዘተ መደብ እውን ኣኼበኛታት ብህድኣት ተላዚቦም ዘትዮም። ቁጽሪ ተሳትፍቲ ካብ 80-90 ኣቢሉ እዩ ኔሩ። ነዚ ኣኼባ ክነዳልዎ ከሎና፥ ብስፍሕ ዝበለ ስለዝዓደምና፥ ብርክት ዝበለ ሰብ ክመጽኣና ተጸቢና ኔርና። እንተኾነ ግን፥ በቲ ዝተዓዘብናዮን ብዝተዋህበናን ግብረመልሲ ዕጉባት ኢና። ንዝመጽእ ድማ ክመሓየሽ ጥራሕ ከምዝኽእል ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና። ንኩልኻትኩም እቶም ዕድመና ኣኽቢርኩም ዝመጻእኩም ምስጋና ነቕርብ።

እቶም ተስፋ ሂብኩምን ዝነበርኩም ፡ ክትመጹና  ዘይከኣልኩም ድማ፥ ኣብ ዝመጽእ ኣኼባታት ክትሕወሱና ንምሕጸነኩም።

ሃገርና ኣብ ኩነታት ኣፈርክቡ ትረከብ ከምዘላ ጠዊቕና ዘስመርናሉ ኮይኑ፥ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ብሓባር ተወሃሂዱ ክሠርሕ ጻዊዒት ኣቕሪብና። ብሓባር ከስርሓና ይኽእል ዝበልናዮ እማመ`ውን ኣቕሪብና ኢና።

እቲ መደብ ኣዚዩ ሰፊሕ ስለ ዝነበረን፥ መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ድማ ደንጒዮም ስለዝመጽኡን፥ ምስቲ ዝነበረና ጊዜ ነቲ ዝሓሰብናዮ ዕላማ ኣጻፊፍና ክንውድእ ዕድል ኣይረኸብናን።

እቲ ዘቕረብናዮ እማመ ስፍሕ ዝብለን ናይ ብዙሓት እወንታዊ ተሳትፎ ስለዘድልዮን፥ ኣብ ሓደ ኣኼባ ክውዳእ ከምዘይክእል ካብ ተሳተፍቲ ሓሳብ ቀሪቡ እዩ። ስለዚ ኣብ ዝመጽእ ካልእ ኣኼባ፥ ክንዓሞ ከድሊ እዩ።

ተሳተፍቲ ብብዝሒ ዘይመጽኡሉ ሓደ ምኽንያት፥ መብዛሕትኡ ሰብ ቀዳም ስልዝሰርሕ ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። ንሕና ቀዳም ዝገበርናሉ ምኽንያት፥ መራሕቲ ሃይማኖት ክጽንበሩዎን ክባርኹዎን ብዝብል ኢዩ ነይሩ። ንዝመጽእ ግን ተላዚብና ኣብ ንኹሉ ዝጥዕም መዓልቲ ክንገብሮ ክንፍትን ኢና።

ነቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ብከፊሉ ምእንቲ ክትከታተሉዎ – ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝቐረበ ድርሳን ኮሚቴና፥ ብድምጺ ዝተቐድሔ ኣብ ኣሰና ቀሪቡ ዘሎ ተከታተሉ ።

[ትሕዝቶ ናይቲ ኣብ ኣኼባ ሓድነት ዝቐረበ ድርሳን ንውሕ ዝበለ ስለዝኾነ፥ ንምክትታል መታን ክጥዕም ብሓጺሩ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። ]

መጀመርያ ህሉው ኩነታት ሃገርና፣ ድሕሪኡ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ተሳንዩ ከይስጉም ሓሊኾምዎ ዘለዉ ጸገማት ይምልከት። ኣብ መወዳእታ፥ ፍታሕ ይኸውን እዩ ዝበልናዮ እማመታት ኣቕሪቡ፥ ብለበዋ ይዛዝም።

ሕዝብና ኣብ ዘይንቡር ኩነታት፡ ማለት ኣብ ኣፈርክቡ ይርከብ ኣሎ፥- ሕይወት ኤርትራዊ ከም ሎሚ ኢሉ ሓሲሩ ኣፈልጥን`ዩ። ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዝህቦ ጸብጻብ ዜሰንብድ ኢዩ! . . .ነዚ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ብርሰትን እንተ ገምገምካዮ፥  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ኣፈርክቡ ኩነታት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። …… እንታይ ደኣሉ ንኤርትራውያን ዓዶም እንዳፈረሰት፥ ህዝቦም እንዳ ጠፍኤስ፥ ብሓደ ኮይኖም ሕዝቦም ከየድሕኑ ዓንቂጹዎም ዘሎ፥ ዝብል ሕቶ ንርእስና ይኹን ንካልኦት ሰባት ሓቲትና። ጽሟቕ ናይቲ ዝረኸብናዮ መልሲ ድማ እነሆ:

ጉድለት ሕጊ:- ሕዝብና ካብ 1480 ኣትሒዙ ሕግታት ጽሒፉ ንነዊሕ ዘመናት ብሕጊ ናይ ምንባር ባህሊ ዘለዎ ክነሱ፥ ሎሚ ብዘይ ሕጊ ናብ መገዲ ጥፍኣት ተኾኒኑ ይርከብ ኣሎ  . . .

ዘይምትእምማን:– ብሰንኪ ዘይምትእምማን፥ ብዙሓት ሃገራውያን ሰሚሮም ክሰርሑ ኣይበቕዑን። እቶም ቀንዲ ኣብ ሕብረተሰብና ምትእምማን ከይርከብ ኮሊፎም፥ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ መገዲ ጥፍኣት ገጹ ክምርሽ ጌሮምዎ ዘለዉ ሕማማት በብሓደ ንርኣዮም …..

ታሪኻዊ ተጻብኦ ኣብ ሞንጎ ተጋደልቲ:-  ኩላቶም ተጋደልቲ ሃገርና፥ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነት፥ ፍትሒ፥ ሰላም፥ ራህዋ፥ ከምጽእሉ ኢሎም፥ ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ሕይውቶም ወፍዮም፥ ገሊኦም ሓሊፎም፥ ገሊኦም ድማ ተሪፎም። ኤርትራዊ ዝተጋደለሉ ዕላማ፥ ክብሩን መንነቱን ኣምሊሱ ብሓበን ኣብ ሃገሩ ኣስተርሕዩ፥ ተፋቒሩን ተሳንዩን ክነብር ብዝብልዩ። ዕድል ኣይገበርናን፥ ሓደ ከም ዔረ ዝመርር ታሪኽ ውግእ ሓድሕድ ኣለና። እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ተጋድልቲ፥ ማለት እቶም ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩን፥ እቶም ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝነበሩን ኣሕዋትና፥ ነዊሕ ዝገበረ ዘይምትእምማን ወይውን ጽልኢ ጸኒሑዎም ኢዩ። . . . . ንኩላቶም ተጋዲሎም ካብ መስዋዕቲ ዝተረፉ ኣሕዋትና ሓደ ነገር ክንብሎም ፍቐዱልና። እቲ በጃ ዝሓለፍሉኩምሉ ዕላማ ንህዝቢ ኤርትራ እምበር፥ ምእንቲ ፍልስፍና መራሕትኹም ኣይነበረን። ፍልስፍና መራሕትኹም ከኣ፥ ውሽጡ እንተ መርመርካዮ ምስ ህዝብና ዝኸይድ ኣይኮነን።  ስለዚ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ኢልኩም፥ ታሪኻዊ ጽልእታት ገዲፍኩም፥ ምእንቲ ሓድነት ኤርትራውያን ክትጽዕሩ፥ ይቕረ ሓድሓድ ክትበሃሃሉ ብስም . . .ልዑል ፈጣሪ ንልምነኩም። ምእንቲ ሕዝቢ ኤርትራ ኢልኩም፥ ኣሜን ክትብሉና፥ ድጊምና ንልምነኩም!

ኣውራጃ/ዓሌት/ቀቢላ/ቆላ/ከበሳ፥ . .  . ዝኸፍኤት ኣንጻር ሓድነት ኮይና ሓኒቓትና ትርከብ ግናይ ሕማም፥ ናይ ኣተሓሳስባ ወይ ናይ ፖለቲካ ፍልልይ ዘይኮነስ ናይ ዓሌት፥ ናይ ወገን፥ ናይ ቀቢላ፥ ናይ ቆላን ከበሳን፥ ካብ ኩሉ ዝኸፍኤት ድማ ናይ ኣውራጃ ፍልልይ ኢዩ። ካብኡውን ኣውራ ከፊኡና ዘሎ ኣብ ሞንጎዘን ሰለስተ ናይ ከበሳ ኣውራጃታት ዘሎ ፍልልያት ኢዩ። ኣብ`ዘን ሰለስተ ኣውራጃታት ዝነብሩ ህዝቢ ኤርትራ፥ ኣድቂቕካ እንተ መርመርካዮ፥ ወላ ብመጉልሒ ጠሚትካ ዝርኤ ፍልልይ የብሎምን . . . .ኣብቲ ናይ ኣውራጃታት ዶባት ዝነብሩ ህዝቢ፥ ይዋሰቡ፥ ብሓንሳብ ይበልዑ፥ ብሓንሳብ ይስዕስዑ፥ እንተ ሞቱ ድማ ከም ንቡር ይቃባበሩ እዮም። ነቶም ኣብ ጥቓ ዶባት ኣውራጃታት ዝነብሩ  ህዝቢ ብዛዕባቶም ካልእ ኣውራጃ እንተ ሓተትካዮም፥ ፍቕርን ኣኽብሮትን ድኣምበር ጽልእን ፍልልይን የብሎምን። ኣብ ባይታ ከምኡ ካብ ኮነ ደኣሞ፥ ዘይብልና ፍልልይን ጽልእን ኣጉዶም ዘንበድብዱ ጸላእቲ ሕዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፥ ብጉልባብ ዝሰርሑ ሰባት ከይህልዉ ኣየጠራጥንዶ?! . . . .ንሕና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እንርከብ ኤርትራውያን፥ ስራሕ ለባማት ክንፍጽም ኣለና። ኩላትና ሓላፍነት ወሲድና ነዚ ትሑት ኣተሓሳስባታት ክንኩንኖን ክነናሽዎን የድልየና። ሎሚ ንጀምሮ ዝብል እምነት ኣለና!

ፍድርህን ራዕድን፦ . . . ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት፥ ዝኽተሎ መደባትን ዝፍጽሞም ተግባራትን እንተ ርኤኻዮም፥ ሓልዮት ዝጎደሎን፥ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዜርዕድን እዩ። ውጽኢቱ ድማ ህዝብና ናብ ብርሰት፥ ሃገርና ናብ ሓደጋ ኣሳጢሑ ይርከብ . . . ኣብ ታሪኽ ህዝብና ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጭካኔ፥ ኣብዚ ዘመንዚ ኣብ ሃገርና ተኣዊጁ፥ ካብ ነዊሕ ዓመታት ድማ ይስርሓሉ ኣሎ። . . . ኤርትራዊ መንነትን ስነ-ምግባርን ተካኢ ከይስእን የፍርሕ እዩ  . . . . ፍልልይና ኣወንዚፍና፥ ተጠርኒፍና፥ ኩሉ ዓቕምታትና ኣወሃሂድና ቀዳምነታትና ሰሪዕና ብዘይ ውዓል ሕደር ህዝብና ክነተባብዕ፥ ርእሰ-ተኣማንነቱ ክመልስ ክንጽዕር ኣለና።

መንግስትን ሃገርን ነንበይኖም ጌርካ ዘይምርኣይ፦ መንግስትን ሃገርን ዚተፈላልዩ ምዃኖም ዘይርድኡ ዜጋታት ኣለዉና። ንሓደ መንግስቲ፥ እቲ ህዝቢ ልጓም ክገብረሉ፥ ኪቆጻጸሮን ኪቕይሮን ከምዚግባእ ዘይፈልጡ ሰባት ብዙሓት ኢዮም። ንዓታቶም፥ ንመንግስቲ ምቅዋም ማለት፥ ንሃገር ከም ምቅዋም ኢዩ ዚመስሎም። ንመንግስቲ ዚሓትት ወይ ዝቃወም ሰብ ኩሉ፥ ዳርጋ ከም ንሃገር ዝጎድኤ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ንመንግስቲ ተኣዘዞ ዚብል እምነት ስለዘልዎም፥ ነቶም ዚቃወሙ ኣካላት ምስራሕ ይኸልኡዎም . . . .

ስነ-ኣእሙሮኣዊ ጸቕጢ፥ እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ ግፍዕን ጓህን ንኹላትና ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ከይገበረልና ኣይሓልፍን ኢዩ። መዓልቲ መጽኤ፥ ኣብ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ኢሰብኣዊ ግፍዕታትን፥ ተስፋኻ ዘቑርጽ ኩነታትን ክንሓስብን ክንዛረብን ኢና ንውዕል ዘለና  . . .. . . ነዚ ኩነታትዚ ብህጹጽ ክንቅይሮ ኣለና። ተስፋ ዚህብ ኩነታት ክንፈጥር የድልየና ኣሎ። ንሱ ድማ ኩላትና ኤርትራውያን ሓቢርና፡ ብግልጺን ብቕንዕናን ተማኺርናን ተዛቲናን ዜዋጽኣና ነገር ክንሕንጽጽ እሞ ንትግባሬኡ ድማ ክንውፈ፥ ክንፍጽም የድልየና። ነዚ ዘለናዮ ደልሃመት ንሱ ጥራሕ ኢዩ ዝቕይሮ።

ናይ ፖሊቲካ ተዋሳእቲ:- ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ውድባት ከምዘለዋና ኩላትና ንፈልጥ ኢና። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝርኤናዮ ጸገማት፥ ብግቡእ ተርዲእና፡ ዝመጣጠኖ ፍታሕ ክንረኽበሉን፥ ህዝቢ ዝዓስሎ ኣካል ክነቕውም ግን ኣይበቓዕናን። . . . . ክንድዚኣተን ዝኾና ውድባት ክንርኢ ከሎና፥ በቲ ሓደ ብዙሓት ኤርትራውያን ጉዳይ ሃገርና ዓጂብዎም፥ ይሰርሑ ምህላዎም ተስፋ ይህበና እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን፥ ክንድዚ ዚኣክል ናይ ኣመሓዳድራ ሃገር ወይ ናይ ኣተኣላልያ ቃልሲ ሜላታት ኪህሉ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ገለ ምቅይያራት ክግበር ግዜ ዝጠልቦ ኢዩ ይመስለና . . .

ሃይማኖት:- ኣብ ሃገርና ክርስትያንን ኣስላምን፥ ተሳኒና ጥራሕ ዘይኮነ ተፋቒርና ኢና እንነብር። . . . . ኣብ ባይታ ከምኡ እንከሎ፥ መፈላለዪ ዝኾኑ ነገራት ኣናድዮም ወይ ምሂዞም፥ ኣብ ሞንጎ ክርስትያንን እስላምን ዘይምትእምማን ከምዝፍጠር፥ ክትገብሩ ዝፍትኑ፥ ብሓቂ ብዕድልና እዮም ዝጻወቱ። ንሃይማኖት ብዚርኢ፥ ሕጊ እንዳባ ዚብሎ ለባም ዘረባ ንስማዕ፦

“ሃይማኖት ብፍታውን፡ ብእምነትን ዝቐውም እዩምበር ብግድነትን ዓመጽን ወሲኽካ ዝቐውም ኣይኮነን። ስለዚ ሰብ፡ ኩሉ፡ ብናጽነት፡ ናብ ልቡ ዝኣምኖ ሃይማኖት ኪነብር ምሉእ ሐርነት ኣለዎ።

ብስጋዊ ነገር እንተ ተመልከትና፥ ክርስትያን ኮነ እስላም ኮነ ኣሕዋት ኢና። ሕውነትና ዝምስክረልና፥ ብመልክዕ፥ ብጠባይ፥ ብቛንቋ ሓደ ኢና። ስለዚ ብስጋዊ ነገር ኣሕዋት ካብ እንኸውን፥ መንፈሳዊ ነገር ዋንኡ፥ ሓደ እግዚኣብሔር ኣለዎሞ፥ ብፍቕሪ፥ ብስምረት፥ ክንነብር ንኣምላኽና ብጸሎት፥ ንንጉስ ብሓቀኛ ኣገልግሎት ክንልምን ግቡእና እዩ።  . . . .ነዚ ነገርዚ ተመልኪትና፥ ብስጋዊ ነገር ደቂ ሓንቲ ሕጊ ምዃና ፈሊጥና፥ ንሃይማኖት ዝትንኪ ጸርፊ ንኽልክል ኣሎና። . . .  በሽሙር ኮነ ብግሁድ ዝጸረፈ፥ 30 ፈርጊ ይኽሓሶ፥ ይሰዪሞ ከኣ።  (ስርዓት ሎጎ ጭዋ፥ ቊ 85፥ ኣብ ገጽ 345-346 ተመልከት)።

ንመራሕቲ ሃይማኖት፥ `ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተመቕለ መንግስቲ ይወድቕ፥ ነንሓድሕዳ እትፈላለ ከተማ ወይ ቤት እውን ኣይትቐውምን እያ` (ማቴ 12:25) ከምዝበለ ንፈልጥ። ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ክርስትያናት ሓደሓደ ናይ ፍልልይን ምፍሕፋሓትን መንፈስ ይርኤ ኣሎ። ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ዮሓንስ ከምእንረኽቦ፥ ፍቕሪ ኣብ ዘለዎ ፍርሒ የልቦን። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ እዩ። ንሓዉ ዘየፍቅር ሰብ ግን ንኣምላኽ ኬፍቅር ኣይክእልን እዩ (1ዮሓ. 4: 18-ፍጻሜ)። ስለዚ ምእመናንኩም ብፍቕሪን ብስኒትን ክናበሩ፥ ድሑር ኣተሓሳስባታት ከየጸልምቶም መገዲ ብርሃን ክትመርሑዎም ብትሕትና ንምሕጸነኩም። እምበኣር ብኹሉ ሓይልኹም፥ ህዝቢ ኤርትራ ብፍቕርን ብስኒትን ክነብር፥ ዓቕምኹም ዝፈቕደልኩም ክትገብሩ ብትሕትና ንምሕጸነኩም።

ኣብ ቁርኣን ሱራ ኣል ሕጅራት ቊ. 13  እንተ ተመልከትና እውን እዙ ዝስዕብ ነንብብ፦ “ነንሓድሕድኩም ክትፋለጡ ኢልና፥ ንደቂ ሰብ፥ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ብዙሓት ዓሌታትን (nations) ቀቢላታትን ጌርና ፈጠርናኩም። እቲ ካባኻትኩም ዝበለጸ ጠባይ ዘለዎ ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኸበረ እዩ። ኣምላኽ እዩ ንኹሉ ዝፈልጥ።” ኣብ ሱራ ኣል ማኢዳ ቊ.  82 ድማ፥ ንኣመንቲ ምስልምና፥ ካብ ኩሉ ዝቐርቡዎም ክርስትያን እዮም እዩ ዝብል። ምኽንያቱ ክነግር ከሎ ከኣ፥ ኣብ ሞንጎቶም ክርስትያን ትሑታት ካህናትን መነኮሳትን ስለዝርከቡዎም ይብል። ኣብ ሓዲስ እውን፥ ኢብን ሓምባል (ወልደ ሓምባል) ብዛዕባ ሓድነት ዝብሉዎ ንስማዕ፥

`ሓድነት ህያብ ኣምላኽ እዩ፥ ፍልልይ ግን መቕጻዕቲ ኢዩ። Unity is a gift from God, division is a punishment.`

እዚ ኩሉ ዝጠቐስናዮ ጸገማትና፥ ብሰንኪ ስርዓት ሕግደፍን ደገፍቶምን ከምዝኾነ፥ ኩላትና ንፈልጥ ኢና። እቶም ቅኑዓት ደገፍቲ ወይ ኣባላት ህግደፍ፥ ሃገሮም ክትጠፍእ ከላ ዘይስምዖም ኣይኮነን። ግን ሎሚዶ ጽባሕ ይመሓየሽ ክብሉ መዋእል ሓሊፉ። ሕጂ ግን ተዛሪቦም ኬስምዑ ከምዘይክእሉ ተጋሂዱሎም፥ ሃገርና ድማ ናብ ጥፍኣት ስለዝቐረበት፥ ኣብዚ ናይ ኣፈርክቡ ኩነታት ረዳት ክመጽኡ፥ ክሕወሱና ብልዑል ሃገራዊ ሓላፍነትን ሕውነታዊ ፍቕርን ንጽውዖም።

ካብዚ ዘለናዮ ጸልማት ኬውጽኣና ይኽእል ኢዩ ኢልና ዝሓሰብናዮ ነጥብታት እዚ ዝስዕብ ኢዩ

1.0 ኹላትና ኤርትራውያን ነባሮ ዓባይ ብሪጣንያ እትውክል ሓንቲ ድልድልቲ ናይ ሓድነት ኮሚቴ መሪጽና ክነቕውም። ዕላማኣ ድማ፥

ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ስኒትን ፍቕርን ኮስኲሳ፥ ሕጋዊን ግሉጽን ኣሰራርሓ ብትእትታውን ብምኽታልን፥ ኣብ ሞንጎና ምትእምማን ክትፈጥር። ከምኡ እንተ ጌርና፥ ኣብ ነንሓድሕድና ብስኒት ክንገብርን፥ ምስ ካልኦት መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ኣካላት ክንላዘብ ከለና፥ ብሓደ ረዚን ድምጺ ክንውከል ንኽእል። በብመዳይና፥ ፋሕ ኢልና፥ ናብ ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ ይኹኑ ካልኦት ዘይመንግስታውያን ኣካላት እንተኸደና፥ ኣድማዒ ውጽኢት ክንጭብጥ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ እዛ ኮሚቴ እዚኣ፥ ንኹሉ ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጉዳያትን፥ ናይ ዲፕሎማሲ ዕማማትን፥ እንዳ ኣሳለጠት፥ ንኤርትራውያን ነባሮ ዓባይ ብሪጣንያ፥ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክተብጽሓና ትኽእል እያ።

ንኹሉ ኤርትራዊ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ወኪላ ሓደ ዱልዱል ናትና ማሕበረሰብ (Eritrean comminity) ከተቕም። ብቑዕ ማሕበረሰብ ኣዳራሽ (community centre) መራኸቢታት ስለ ዘይብልና ብዙሓት ዜጋታትና ኣብ ሕማቕ ይወድቁ ኣሎዉ። ንኣብነት ብሰንኪ ጭንቀት ሓንጎሎም ዝሰሓቱ፥ ነፍሶም ዝቐተሉ፥ ሕጊ ሰኣን ምፍላጥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ፥ ኣብ ሓሽሽ ዝተዋፈሩ ኣለዉ። ገሊእቶም ከኣ ተታሊሎም ናብ ሃገር እንዳማቶም ክዋግኡ ዝኸዱ ኣሎዉ።

ድልዱል ማሕበረሰብ እንተ ነቚውም፥ ብዙሕ ሓገዛት ክንረኽበሉ ምኸኣልና ኔርና። ከምቲ ብዝሕናስ ኣዋጺእና`ኳ ናይ ባዕልና ምዓደግና!  ብዙሓት መምህራን፣ ሓካይም፣ ናይ ስነ-ኣእሙሮ፣ ናይ ሕጊ፥ ናይ ሕብረተስብ ሰብ-ሞያ ስለዘለዉና፥ በብእዋኑ፥ ኣስተምህሮ ክህቡና ይኽእሉ እዮም። ብዋንነት ይኹን ብኽራይ ኣብ ምርካብ ትሰርሕ። እዚ ንኣኼባትታን፣ ንውራያትን እውን ክጠቕመና ይኽእል እዩ።

ኣብ ሎንዶንን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት እንዳ ከደት፥ ሕዝቢ ኣብ ዝወሰኖ ግዜ ንኣሽቱ ኮሚቴታት ክተቕውም። ኤርትራውያን ዘካይዱዎን ዝጥቀሙሉን ማሕበረ-ሰባት ኣብ ምምስራትን ኣብ ምድልዳልን እናተኮረት፥ ካብ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን፥ ዘይሕጋዊ ኢደ-ምትእትታውን ክትከላኸለለን።

ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን፥ ጉዳይ ስኒትን ዕርቂን ክተሰላስል። ቁስሊ ሕብረተሰብ ብልቦና መርሚራ እዚ ንኹሎም ዝተፈላለየ ኣራኣእያን ኣተሓሳስባን ዘሎዎም ውድባት ዘሎዎም ፍልልያት ኣጽቢባ ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ምግባር።

እዛ ኮሚቴ ምስ ተመርጸት፥ መሪሕ ዝኾና ዓንዲ-ሕጊ ኣጽዲቓ፥ ናይ ሥራሕ መደባታ፥ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓንጺጻ፥ ናብ ሕዝቢ ክተቕርብ። መደባታ ናይ 3 ወርሒን ናይ 6 ወርሕን ክኸውን እሞ፥ ኣብ ኣረርባዕተ ወርሒ ሕዝባዊ ኣኼባ ክትገብር። ህዝቢ መሪቑ፥ ዝዕመም ስራሓት እንተ ወሰነላ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ክነቕርብ ከለና፥ ንገሌኹም ግር ክብለኩም ይኽእል እዩ። ከምኡ መበሊና ግን፥ ብዙሕ ጸገማት ስለዘጓነፈና ካብ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ክትድሕን ብማለት ኢዩ። ኮሚቴ ሓድነት ኢርትራውያን ንፍትሒ፥ ዘጽደቐቶ ውሽጣዊ ሕጊ ኣለዋ። ነቲ ንሕና ዜቖምናዮ ውሽጣዊ ሕጊ ክትውከሶ ትኽእል እያ። እዛ ኮሚቴ ንሓደ ዓመት/ዓመትን መንፍቕን ወይ ካብኡ ዝበዝሕ፡ ማለት ህዝቢ ከምዝመደቦ ክትጸንሕ።

ፖለቲካዊ ንጥፈታት ደቂ ሃገርና፥ ንኹላትና ኤርትራውያን ዝጠቅም ምእንቲ ኪኸውን፥ ኩላተን ውድባት ብሓደ ኮይነን ክሰርሓ ምትብባዕ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ምስ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኣካላት ብምርኻብ፥ ሓደ ዓለምለኻዊ ናይ ኤርትራውያን ምትእኽኻ ክፍጠር ትጽዓር።

እታ ኮሚቴ ኣብ ውሽጣ እዞም ዝስዕቡ ክህልዉዋ ይምረጽ።

ጻጻሪ ኣካል፥  ካብ ተሞኲሮና ከምዝተዓዘብናዮ፥ ንሓደ ብህዝቢ ዝተመርጸ ኮሚቴ ይኹን ሽማግለ፥  ብዙሓት እዮም ኢዶም ከእትዉሉ ዝደልዩ። ብደገ ኮይኖም ኣብ ሞንጎ ኣባላት ኮሚቴ ኢዶም ብምእታው ክዝውሩዎ ዝፍትኑ ኣለዉ። ብኣፍ ዝዝረብ ካልእ ብግብሪ ግን ካብኡ ዝተፈልየ ነገር የጋጥምዩ። እዚ ኣካልዚ፥ ኮሚቴ ብግቡእ ትሰርሕ ከምዘላ፣ ካብ መስመራ  ከይትወጽእ ንምክትታልን ንምርግጋጽን እዩ። እቶም ብደገ ኮይኖም ዘይግቡእ ጽልዋታትን ዕንቅፋታትን ዝገብሩ ሰባት ብኣጋኡ ክንገሮም፥ እንተ ኣበዩ ግን ንህዝቢ ክንገር የድሊ። ህዝቢ ድማ ኣብቲ ናይ ኣረርባዕተ ወርሒ ኣኼባታት፥ ነታ ኮሚቴ ጸብጻባ ርእዩ ክሓታ ዕድል ይርከብ።

ናይ ገንዘብን ንዋይን፡ ብዘይ ገንዘብ ብዙሕ ቁምነገር ክግበር ስለዘይከኣል፥ እዛ ኮሚቴ፥ ብስሩዕ ኣገባብ፥ ብግሉጽ ኣሰራርሓ ተጠቂማ፥ ገንዘብ ክትረኽበሉ እትኽእለሉ ምንጪ ከድልያ እዩ። ብቐዳማይ ደረጃ ባዕልና ክነዋጽእ፥ ብተወሳኺ ድማ ካብ ካልኦት ምንጭታት ገንዘብ ክትረክብ`ሞ፥ ዘድልያ ቁምነገራት ክትፍጽም።  እዚ ኹሉ ንብሎ ዘሎና ከነተግብሮ እንተኼና ብዙሕ መስዋቲ የድሊ። እቲ ዕማም ብዙሕ ግዜን ጉልበትን ዝሓትት ስለዚኾነ፥ ኩላትና ብገንዘብና ሓገዝ ክነበርክት። እታ ኮሚቴ ድማ ብስሩዕ ኣሰራርሓን ብንጹር ኣታዊኡን ወጻኢታቱን ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባታት ንህዝቢ ከቕርብ። ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ድማ ሕሳብ ማለት `ኦዲት` ክግበር።

ኣብ ትሕቲዛ ኮሚቴ እዚኣ ድማ እዞም ዝስዕቡ ኣካላት ክህልዉዋ፦

ናይ ዕርቅን ስኒትን ኣካል፥ ብጉጅለ ይኹን ብውልቂ ዝተባእሱ ኣካላትን ኣባላትን፥ እቲ ባእሶም ንሕብረተሰናን ንሃገርናን ብኣሉታ ዝትንክፍ እንተኾይኑ፥ እዚ ኣካልዚ ናይ ክልቲኡ ወገን ሰሚዑ የቀራርብ። እዚ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዝርከብ፥ ዝርኤን ዘይርኤን ናይ ፍልልይ ሕማማት ንምፍዋስ ዝዓለመ ኮይኑ፥ ብህዝባዊ ኣስተምህሮታትን ብመራኸቢ ብዙሃንን ዝተሰነየ ክኸውን ይምርጽ። እዚ ዕማምዚ ቀደም ክግበር ዝነበሮ ኢዩ፥ ሕጂውን ክብምል በለምበር ኣይተኻዕወን፥ ካብ ዝመጽእ ሕሰም ምእቲ ክንድሕን፥ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ኢዩ። ኣብ ሃገር ብሪጣንያ ዝርከቡ፥ ውድባዊ ይኹን ካልእ ጽልኢ ዘለዎም ሰባትን ኣካላትን፥ ብውልቂ ይኹን ብግሊ ተዓሪቖም፥ ምእንቲ ህዝቦምን ምእንቲ ርእሶም ክብሉ፥ ኩሉ ዝሓለፈ ክገድፉዎ። ጸገም ኤርትራውያን፥ ይትረፍዶ ተፈላሊናስ፥ ብሓደ ኴንናውን ምፍትሑ ከቢድ እዩ። ስለዚ “ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይውሰዶ፥ ኣብ በሪኽ ዘሎ ከኣ ንፋስ ይውሰዶ” ኢልና ንቕድሚት፥ ናይዝመጽእ ንሕሰብ።

ዝረቍሕን ዝገንሕን ኣካል፥ እዚ ኣካልዚ፥ ነቶም ብተንኮል ይኹን ሰኣን ኣኻእሎ፥ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብና፥ ናይ ፍልልይ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘካይዱ፥ ከምኡውን ነቲ ሓሳቦምን ሜላታቶምን ብዕቱብ መርሚሩ፥ ነቶም ብጌጋ ዝጽይቑ መኣረምታ ይህቦም። ነቶም ዝኣበዩን፥ ነቶም ደይመደይ ኢሎም ዝጽይቑን ኣስማቶምን ሜላታቶምን ጠቒሱ፥ መግናሕቱ ወሲኹ ናብ ህዝቢ የቕርብ። እቲ ኣብ ሞንጎና ኣትዩ ናይ ምፍልላይ ሕማም ጌሩልና ዘሎ ነገር ክናሾን ክምሖን ኢዩ ዝግባእ። እቶም ብውስጠዘ፥ ማለት ብተዘዋሪ መገዲ፥ ዋላውን ብኣሽሙር ፈላላዪ ሓሳባት ዝነዝሑ ክእርሙ፥ እቶም ገበናዊ ተግባራት ዝፍጽሙ ድማ፥ ክጥንቀቑ ብዚብል ኢዩ። መን ከይሓተና ኢሎም ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝብድሉ ዘሎዉ ውልቀስባት ይኹን እኩባት፥ እዚ ኣካልዚ ምስ ኮሚቴ እናተሓባበረ ኣጻርዩ፥ ንበደለኛታት ትሓተቲ ምዃኖም ብመርኸቢ ብዙሃን ሓቢሩ ኣብ ብጥንቃቐ ኣብ መዝገብ ይሕዝ።

ምሁራትን ምኩራትን፡ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ፥ ሓደ ዓሚቚ መጽናዕቲ ጌሮም፥ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ ከምኡውን ኣብ ሃገር ብሪጣንያ፥ ከመይ ከምዘሎ፥ ብጽፉፍ ሓደ መወከሲ ዝኸውን ጽሑፍ ኬቕርቡ። ነቲ ሓድሽ ኮሚቴ ኣብ ዲፕሎማሲን ካልእ ተመሳሳሊ ነገራትን ምኽርን ማዕዳን ክልግሱ ይምረጽ። ከከም ኣድላዪነቱ፥ እታ ኮሚቴ ድማ ኣብዚ ጉድያትዚ መዝነት ሂባ ክትልእኮም ትኽእል። እዚ መጽናዕታዊ ጽሑፍ እዚ ነቲ ቀንዲ ሽግር ኤርትራውያን እንታይ ኢዩ? ብኸመይ መንገዲኸ ክፍታሕ ይከኣል ወይውን ንዕኡ ዚመስል ሕቶታት ክምልስ ትጽቢት ይግበረሉ።

እንተ ተኻኢሉውን፥ ኣብ ውሽጥና ከይንበዳደል፣ ከይንጸራረፍ፣ ከይንጓዳእ ዚኽልክል ሓደ ከምቲ ናይ እንዳባ ዚመስል መወከሲ ስነ-ምግባርና ዚኸውን ስርዓት እንተ ዝገብሩልና ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝርኤናዮ፡ መፈላለዪታት ደው ክነበሎ ክሕግዘና ብማለት እዩ።

መሰል ኤርትራውያን ዝጣበቕ ኣካል፥ መሰል ኤርትራውያን ብዝተፈላልየ መገድታት እዩ ዝገሃስ ዘሎ። ኤርትርዊ ሓሲሩ እዩ ዘሎ። እዚ ኣካልዚ ነቶም ክእለትን ድልየትን ዘለዎም ደቂ ሃገርና ኮነ፥ ካልኦት ጉዳይና ዘደንገጾ ኣካላት፥ ኣወሃሂዱ፥ መሰል ኤርትራውያን ብዝለዓለን ኣድማዕን ደረጃ ክትጣበቕ ነዛ ኮሚቴ ይሕግዛ።

ኣብ መወዳእታ፥ ዘረባና ብለበዋ ክንዓጹ። ኹልኻትኩም ኣገልገልትን መራሕትን ሃይማኖት፣ ምሁራትን ዓበቲ ዓድን፥ ጋዜጠኛታትን፥ መራኸቢ ብዙሃንን ደረስትን ደረፍትን፣ በብኽእለትኩም፥ ነቲ ዝፈላልየና ዘሎ ነገራት ኣብ ምድምሳስን፥ ነቲ ዜፋቕረናን፥ ዜሳንየናን ነገራት ኣብ ምኹስኳስን ብህጹጽን ብዝተወሃሃደን ኣገባብ ክትሰርሑሉ ብትሕትና ንምሕጸነኩም ጻዕርኹም ድማ ነቶም ተፈላልዮም ዘለዉ ናይ ፖለቲካ ውድባት ኣብ ሓድነት ከትኩሩ ክሕግዞም እዩ።

ንመንእሰይ ወለዶ ድማ፥  ክብ ዚበለ ናይ ሓባር ዕላማ፥ ናይ ሓባር መትከል (Higher purpose for the common good!) ሒዝኩም፥ ተጠርኒፍኩም ክትለዓሉ ንትምነየልኩም። ፍልልይ ማለት ድኻምነት ማለት እዩ። ኣቦታትኩም፥ ኣብ ቤት ፍርዲ ክካሰሱ ውዒሎም እዮም፥ ብሓደ ዝምስሑ። ስለዚ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፥ ፍቕሪ ሕውነትን፥ ምክብባርን፥ ተላዚብካ ምስራሕን ግን ክትንከፍ ዘይብሉ ቅዱስ ነገር ምዃኑ ጠዊቕና ክነስምረሉ ንደሊ።

ኩላቶም ኤርትራውያን፥ ብእኩብ ኮነ ብውልቂ ዝገብሩዎ ስራሓት፥ ንኹላትና መታን ክሕሸና፥ ብዝከኣሎም መጠን ምስዛ ኮሚቴ ክሰርሑ፥ ዕማማ ንኽትፍጽም ክድግፉዋ።

ሰብ ፍሉይ ክእለትን ሞያን፥ ንኣብነት ከም ሓካይም፥ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሊቃውንቲ፥ ንህዝብና፥ ናይ ጥዕናን ማሕበራውን ጸገማት ስለዘጋጥሞ፥ በብእዋኑ ጽሑፋትን ኣስተርምህሮታትን ንሕዝቢ እንተተቕርቡሉ፥ ህዝብና ብዙሕ ምተጠቕመ።  ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፥ ታሪኹን ባህሉን ከበራብር፥ ሰብ ክእለትን ሰብ ዓቕምን ድማ፥ ንትንሳኤ ባህሊ ሃገር ክለዓዓሉ። ናብቲ ንቡር ናይ ቀደም ባህልና ተመሊስና፥ ዝመሓየሽ እንዳ ኣመሓየሽና ክብርና ክንመልስ እዋናውን ኣገዳስን እዩ።

ልዑል ፈጣሪ ኣብ ሞንጎና ፍቕርን ስኒትን ኣቦታትና ይምለሰልና፥

ህዝብና ይኣኻኽበልና፥ ብሕጊ ክንግዛእ፥ ካብዚ ዘለናዮ ደልሃመት የውጽኣና።

ጽን ኢልኩም ክንዲ ዝሰማዕኩምና ብልቢ  ነመስግነኩም።

ኣሕዋትኩም  ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ዓባይ ብሪጣንያ

ንኩልኻትኩም ክርስትያን ኣሕዋትና፥ ብሩኽ በዓል ትንሣኤ ይግበረልኩም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • kemal Ali April 5, 2015

    Good job.

  • Misgina.S April 5, 2015

    The only way Eritrea could have attained democracy was by having a democratic Ethiopia. Similarly, the only way Eritrea could have had a federal arrangement is by having it implemented throughout Ethiopia.
    The irony is that it takes a colonial mind to attempt such a quixotic act: for to think that the Ethiopians were incapable of democratizing themselves (as the “founding fathers” did) was to confine that democratic attribute to Eritreans only, the same way the colonial powers did in regard to themselves vis-a-vis their subjects in the colonies.

  • Samson Medhane April 6, 2015

    menisey tebegisu alo. lewti bmenisey tray sle zmetsie ajoka tray beluwo ember emri hgdef hatsir eyu.

  • Berhe April 6, 2015

    You are doing a great and blessed job. The ponts are well thought and extremly reasonable. Wish you success.

  • Almaz Gual Asmera April 6, 2015

    ዝኸበርኩም ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ለንዶን። ኣበጋግሳኹም ዘልዓልኩምዎ ዛዕባን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ሰፊሕን ካብ ልብን ሃምን ሕዝብና ርሑቕ ዘይኮነ ትሕዝቶ መደረኹም..ውዒሉ ሓዲሩ ፍረ ከምጽእ ምዃኑ እምነት ኣሎኒ። ኣብ ኣካይዳ ጉባኤኹም ይጠቅም እዩ ዝብሎ ሓደ ክልተ ወስ ከብል። ብቀዳምነት መርበብ ሓበሬታ ኪህልወኩም ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብር። ሕግኹምን ደምብኹምን ከምዚ ዝኣመሰለ ብቪድዮን ጽሑፍን …ሰብ መላሊሱ ኪጥቀመሉ ዕድል ይህብ። ልዕሊ ኹሉ ሎሚ ሕዝብና ብጥልመይ ሕዝብና ሰኪሑ እዩ። ተቃወምቲ ውድባት ድማ ብዘረባን ከም ቃንጥሻ (ሽም ናይቲ ቀዳማይ ሕዝብና ከየጽንዖ ካልእ ወሊደን ይጸንሓ) እንዳተባዝሓ…ነቲ ተስፋ ቅብጸት ናይ ሕዝብና ኣጋዲደሞ እዮም። ስለዚ ሕዝቢ እምነት ኪሓድሮ ኣሰራርሓኹም ብመሰረት ሕግኹም ምዃኑ ኪፈልጥ ይደሊ። ከም ካልኣይ እቲ መድረኽ፡ ብዙሓት ተዋሳእቲ ኪህልውዎ ይግባእ። ንኣብነት ንመራሕቲ ሃይማኖት ዓዓሰርተ ደቒቕ፡ ንምሁራት ከምኡ፡ መዛዘሚ ድማ እቲ ኣዳሊኽምዎ ዝመጻእኩም (ኣብቲ ዘይተዳህሰሰ መዳዩ ኣቶኪርኩም) መቕረብኩም። ብፍላይ ነቶም ኣኣብቲ ዓውዶም ሕዝቢ ዚመርሑ ዘሎዉ…ካብ ንዑ ስምዑ….ንዑ ኣብቲ ገጢሙና ዘሎ ሽግር ብሓጺሩ ምኽርኹም ሃቡ ኪትብሎም ዝያዳ ውጽኢታዊ። እቲ ጉባኤ …ኣብ ሓደ እዋን ብሓደ ሓሳብ ኪወጽእ ክንጽበ የብልናን…ምትእምማን ኣንጺፉ…ናይ ዝቕጽል ጉባኤኡ ዛዕባን ቆጸራን ሒዙ እንተወጸውን ረብሓ እዩ። ሕማም እዩ ብሓንሳብ ዱቦላ ዝመጽእ እምበር…ጥዕናን እምነት ሕዝብን ተፎጥራዊ ግዜኡ ሓልዩ እዩ ዝመጽእ። …ገለ ንመጻኢ ይጠቕመኩም ይኸውን። እዚ ወዳሓንኩም፡ ኣምላኽ/ኣላህ ነቲ ውርደት ኣብ ርእሲ ውርደት ዝጸግብ ዘሎ ሕዝብና፡ ኣውያት ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉዲ ዝሳቐዩ ዘሎዉ ዜጋታትና፡ ቃንዛ እተን ክልተ ግዜ ዝስውኣ ዘሎዋ ኣዴታትን ሕሰም ህጻናት ደቀንን ርእዩ ይተዓረቐና…ሓደ ሕቡእ ሙሴ ይልኣኸልና እምበር እንታይ ተሪፉና…ፍርቂ ሞት እዩ ህላወ ኤርትራውያን። የቐንየለይ። ኣኽባሪትኩም ሓፍትኹም። ኣ. ጓል ኣስመራ ጻዕዳ። ርሑስ ብዓል ትንሳኤ ክርስቶስ።

Post a Reply to Misgina.S Cancel Reply