ብርዕና
ብምኽንያት ጸላም ዕለት 18 መስከረም ማለት ምእሳር ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ነበር ብርዕታት ኣብ ስደት ዘለው ጋዜጠኛታት ካብ ምዕራብ ንምብራቕ ካብ ሰሜን ንደቡብ ክትወናጨፍ ክትርኢ ሓደ ተስፋ ንነብስኻ ይወሮ። ልሳን ህዝቢ ክዓብጥን ክቐብርን ዝኽእል ማንም ሓይሊ ከምዘየለ ይበርሃልካ። ካብዚ ተበጊሰ ብርዒ ኤርትራውያን ከምዘይተቐበረትን በንጻሩ ትስስንን ከም ሮማዲ ተሳፍሕን እያ ዘላ ክብል ይደፍር።