Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በዓልቲ መዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጀንዳይ ፍሬዘር ንኣብ ኣሰመራ ዘሎ ጃንዳ ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ክሰፍር ኣመልኪታ ምንባራ ዝዝከር ሓቂ ኢዩ። ኢሰያስን ንነብር በሃልቲን ዓንቀሮም ክሳብ ዝቕደድ ኣውያት ከስምዑን ዘይኳሕኮሕዎ ማዕጾን ተርባጽን እውን ኣይነበረን። ንኣመሪካ ኮነ ንካልኦት ሃገራትን ይተሓደሶም እንበር ንብዙሓት ምሁራትን ለባማትን ዓበይትን ሃገራውያን ግን ፍሉጥን ብሩህን ነይሩ። Terrorist 


 

ራዕድን ሽበራን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት።

ብህግደፍ ዝዋፈር መርበብ ሽበራ።

Terror Network

ብተስፉ ዘውደ። 

በዓልቲ መዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጀንዳይ ፍሬዘር ንኣብ ኣሰመራ ዘሎ ጃንዳ ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ክሰፍር ኣመልኪታ ምንባራ ዝዝከር ሓቂ ኢዩ። ኢሰያስን ንነብር በሃልቲን ዓንቀሮም ክሳብ ዝቕደድ ኣውያት ከስምዑን ዘይኳሕኮሕዎ ማዕጾን ተርባጽን እውን ኣይነበረን። ንኣመሪካ ኮነ ንካልኦት ሃገራትን ይተሓደሶም እንበር ንብዙሓት ምሁራትን ለባማትን ዓበይትን ሃገራውያን ግን ፍሉጥን ብሩህን ነይሩ። Terrorist 

ኣብቲ እዋን እቲ ዝቐረበ ክሲ ፈላሚ ብምንባሩ ክሳብ ዝበርህ ግዲ ተደልዩ ሸለል ተባሂሉ ከም ዝተገድፈ ክመስል ተገይሩ። ህግደፍ ኮነ መራሒኣ ኣምሊጥና ዕዉት ዘመተ ዘስምዕ ምጉብዕባዕን ፈኸራን ጃህራን ኣቃልሑ፣ ብወገኖም ዲፕሎማሲያዊ ሸበድበድ ከካይዱን ጥልዕ ጉንብስ ዝመቀጸልትኡ ተግባሮም ሰዓበ። ንቀርኒ-ኣፍሪቃ ሓሚሶም ካልእ ግንባራት ዝኸቱሉ እውን ሓንጸጹ። ገለ ካብኡ ነቲ መርበብ ሸርሖም ንምውፋር ናይ ርእሰ-ማል ወፍሪ ብጥበብ ኣናደዩ። ቡሰሉኦም ኣብ ሃገራት ኣዕራብን ኢራንን እውን ጠመተትን ቀየሰትን። ኣብቲ ወግሐ-ጸብሐ ብነፋሪት ኢሰያስ  ቐጠር ዱበይን ዝበረሉ ዝነበረ እዋን ዓለምና ብትዕግስቲ ምክትታል ቀጸለት። ገለ ገለ ጭብጥታት ክበርህ ጀመረ።  

ጉዳይና ተረሲዑን ተቐቢሩን፣ ኢሰያስ ቀንዲ ዕማሙ ንምዕራባዊ ዓለም ምጽላምን ኣመሪካን ምንዋርን ምክሽማሽን ከም ቀዳማይ ረቛሒ ቆጺሩ ኣጀንዳ ሰርዐ። ናይ ዳርፎር ኩነታት እውን ንኣእምሮ ኢሰያስ ሸውሃት ዝኸፍት ዲፕሎምሲያዊ ተራእዮ ኮነ፣ ብናይ ሸምጋለን ዓራቕን ካባ ለቢሱ ዝኣትወሉ መርሖ ረኸበ። ኣተወን ሓመሰን። ፕረዚደንት በሺር ብናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ዝቐረበሉ ናይ ማእሰርቲ ኣዋጅ ናይ ጥብቕና ብቕዓቱ ዝገልጽ መጋባእያ ረኸበ እሞ፣ ተራ ንምጽዋት ዓርክን ፈታውን ክመስል መጀመርያ ሕጊ-ኣልቦ ደባትሩ ገንጺሉ ቀዳምይ ዓዳሚ ኮንካ ሓለፋ ዲክታቶራት ትኾነሉ እዋን ረኺብካ ኣለኻ ዝብል ደወል ሕሹኽ በሎ። ንኹሉ ጥሒሱ ኣብ ሃገሩ ተቐቢሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ ምህርቲ ዝሓፈሱ ዓውዲ ጸቐጠ። ቀጺሉ ኣብቲ ኣብ መንጎ ደቡብን ሰምየን ዘሎ ናይ ሱዳን ኣትዩ ክርብጽ ካልእ ዕጫ ጋህ በለ። ኢሰያስ ጆከር ስለ ዝኾነ ኣብ ዝኾነ ኢዱ ከእቱ ኤርትራ ንእሽተይን መቋምሪተ ዛሃረ ኮንተ። ንሸውሃት ኢሰያስ ምሉእ ንምሉእ  ስለ ዘይተአንግድ ግን ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ናብ መላእ ኣፍሪቃ ቀሲሉ ንዓለም ተቖጻጺሩ እንኮ ልዕለ ሓያላን ዓለም ድሕሪ ሙዃነ ዋና ጸሓፊ ንሱ ዝመደቦ ሰብ የቐምጥ። ናብዚ ንምብጻሕ መቸም ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ ኤርትታ ካልኣይ ዘሩ ተግባሩ መፈጸሚት ኢያ። ተበግሶ ናብ ምርጫ ጉዳይ ኣጻብዕቱ ብምእታው ዝቶኻትኾ ዘሎ ንህዝብን ሃገርን ሱዳን ኣብ ክልተ ዝመቅል ተላጋቢ ራዕድን ሽበራን ኣተኣታትዩ ንዓለም የርዕዳ። ሕልሚ ካብ ተሓልመ ክንዲ ግዛዕ እንበር ይተሓለም። 

ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ተዋሳኢ ናይ ራዕድን ሽበራን ኣእዳዉ ኣእትዩ ኣዕጣቕን መጋብን ኮይኑ ይርከብ። ሶቭየትን ኣመሪካን ዘየዕጠቕዎ ኣጽዋር የፍስስ የዝንብ። ከምቲ ማህጸን ኤርትራ ዘበርከተቶ ሶማል እውን ተራኣ ትጻወት። ኤርትራስ እንድ ተረድኣ ፈትያን ረድያን ዝፈለመቶ ቃልሲ ምእንተ ሓርነትን ናጽነትን ስለ ዝኾነ ምኽኑይ ኢዩ። ሶማል ግን በቲ ሓደ ወገን ናብ ካልእ መሰጋገሪት ቀጹሉ ድማ ኣመሪካን ሩስያን ክዕወታሉ ዘይከካላ ፊልድ ማርሻል ኢያሱ እንተ ተዓዊቱ ኣብ ኣድላይ ናይ መጻኢ ሂማላያ ደይቡ ኣሎ ማለት ኢዩ። ገንዘብ ካበይ ይረኸብ። ቲዕ ቲዕ ዝብል ሃብቲ ዓረብ እንበር፣ ካልእ ካበይ ደኣ ክርከብ። ኣብ ትሪፖሊ ዝተኻየደ ናይ ኣፍሪቃውያን ጉባኤ 53 ሃገራት ብዘይ ገለ ተቓውሞ ኤርትራ ግብረ-ሽበራ መራብሒትን ናይ ጸጥታን ሰላምን ዘራጊትን ከም ዝኾነት ጭብጥታት ድሕሪ ምርግጋጽ ኮኒነንኣን ናብ እቲ ላዕለዋይ ጸፍሒ ቤት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት (UN Security council) ኣመሓላሊፈንኣ።  

እዝን ክንድዝን ዝኣክል ገበን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኤርትራ በደል ክትፍጽም ከላ ንሕና ስቕ ኢልና ኢድና ኣጣሚርናን ድኹማት ምዃና ዝተዓዘበ ዲክታቶር ኢሰያስ ነቲ እኩይ ተግባሩ ካብ ዝታሓተ ናብ ዝላዓለ ከሰጋግር ዕድል ሂብናዮ። ባህሩ ከም ተመክሮ ከብርስን ከዕኑን ዝደፋፍእ ዕብዳን ስለ ዝበሓቶ፣ ካብ ፈልጥና ንጥፋእዶ ወይስ ንሃሉ ዝን። ውሳኔ ኣብ ኢድና ኢዩ ዘሎ። ተጸማምነትና፣ ሃገርና ክይትጠፍእ ካብ ዝብል ለዋህ ጎድኒ ዝተበገሱ ኣሓትን ኣሕዋትን ከይተረድኦም ኣብ ናይ ጥፍኣት መርበቡ ኣትዮም ነታ ደቆምን መንእሰያቶን ዘጥፉኡላ ሃገሮምን ዳግም ናብ ነበረ ያ ነበረ የእትውዋ ኣለዉ። 

መንግስቲ ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ከም ቅኑዕን ርትዓውን ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ፍራንክፈርት ከካይዱ ማሕበረ-ሰባትን ማሕበረ-ኮማትን ጻውዒት ኣቕሪበን ኣለዋ። እቲ ብሕጋዊ ጻውዒት ዝተመዝገበ ሰላማዊ ሰልፊ ግን ብድሕሪት መዋሊኡን ኣተግባሪኡን ህግደፍ ከም ዝኾነ ዝስሕት ባዓል ስልጣን ጀርመን የለን። ነዝን ከምዝን ድማ ንኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ብኢሰያስ ዝተዋፈረ ናይ ጥፍኣት መስመሩ ኣብ ስዊድን፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ብሪጣንያ ብስዉር ክካየድ ጸኒሑ እንሆ ሎሚ ግን መልክዑ ቀይሩ ኣብ ጀርመን ክትግበር ተመዲቡ ኣሎ። ጀርመን ኣብ ከርሲ ማእከል ኤውሮጳ ስለ ትርከብ፣ ኣቓልቦ ሕብረት-ኤውሮጳን ዓለመን ዘለዋ ሃገር ስለ ዝኾነት፣ ኣብዚ ዝፍጸም ከም ኣብነት ስለ ዝውሰድ ንረብሕኡ መበገሲት ሞደል ገይሩ ክወስዳ መሪጹ። ካልእ እውን ጀርመናውያን መሰል ዝብል ትርጉም ንናይ ናዚ ሰልፊ ከይተረፈ ዘፍቅዱ ስለ ዝተዓዘበ፣ ኣነ ወን ክጥቅመሉ ዝኽልክለኒ ጽቡቕ ባይታ ኣሎ ካብ ዝብል ጽፉዕ ኩርናዕ ኢዩ ዝብገስ። ይኹን እንበር ጀርመናውያን ትዕግስቶም ዝጽንቅቅ መድረኽ ክበጽሕ ከሎ ዝወስድዎ ስጉምቲ ካብቲ ኢሰያስን ኮራኩሩን ዝጽበይዎ ንላዕሊ ኢዩ ዝኸውን። ብፍላይ ግን ኢሰያስ ዝኣከቦን ዘኻዕበቶን ሒዙ ነቶም ኮራኩሩ ራሕሪሑ ከም ዝብቆጽ መን ይጠፍኦ። ትግርኛ ዝዛረብ መንግስቱ ኢሰያስ ከም ዝኸውን ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። ንህዝቢ ኤርትራ ዝመሃሮን ዝተዓወተሉን ነገር ብጭቡጥ እውን ኣሎ። መንግስትን ህዝብን ዝብል ዝተሓናፈጸ ዝተዳቐለን ትርጉም ኢዩ። ትርጉሙ ዘይፈልጡ ደገፍቱ ድማ ነዘን ክልተ ቃላት ንምፍላየን ብጣዕሚ ይጽገሙ። ከም ኣብነት ንመንግስቲ ምስ ትቃወም፣ ጠላም ሃገርን ከዳዕን ገይሮም ይወስዱኻ። ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዘሎ ግን ብኻልእ የንብብ። መሰል ደገፍቲ ኢሰያስ ንዕኡ ክድግፉ ኣይቃወምን። መሰሎም ኢዩ ዝብል መርገጺ ድማ ይኽተል። ዓቢ ፍልልይ ድማ ኣለዎ። ተቓዋማይ ዘቕርቦ፣ ኣብ ነጻ መድረኽ ንስኹም ደግፍዎ ንሕና ክነጽጎ ድማ ይፈቐደና ዝብል ብሂሊ ኢዩ ዝኸተል። እሞ’ደኣ እዚ ነጻ ምርጫ እንዲዩ ዘስምዕ። እወ ናጻ ምርጫ እንበር ንኤርትራ ካልእ ኣማራጺ የብላን። ኩለን ገጠራትና ጎላጉላና፣ ቆላና ከበሳና፣ ዓድታት ብዝመረጽኦም ለባማት ኢየን ዝመሓደራ ነይረን። ሎሚ እዞም ብሃማት ካበይ ዝቦቖሉ ኢዮም፣ ወዲ ላምካ ይግዛእካ ዝብሉ። ንሕና ብዝመደብናዮ ዘተግብር ኣመሓዳሪ እንበር ገዛኢ ትጽቢትና ኣይኮነን። እቲ ፍልልይና ኣብ ተራጻሚ ምርጫ የሰጋግርዎ ስለ ዘለዉ፣ ከም ምርጭኦም ኢና ንቃለሶም። ብፍላይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዕድልና ክጽይቑ ስለ ዘይፍቀደሎም፣ ሓቅን ሓሶትን ፈሊና ከነቃልዖም ድሕር ኣይንብልን። ብዓያሱ ናብራናን ንብርኦምን ክባላሾ ኣይነፍቅድን። 

ብሓጺሩ ኣብቲ ቀንዲ ቁም ነገር ምእታው ዝሓሸ ይመስለኒ። ቁጽሪ ዘይብሎም መንእሰያትና ናብ ሱዳን ኢትዮጵያን ይውሕዙ ኣለዉ። ተራእዩ ዘይፈልጥ ብግብጺ ሓሊፎም ናብ እስራኤል ብነገቭ ምድረ-በዳ (ሲና) የቋርጹ። ብሱርያ ንቱርኪ ንግሪኽ ዝግበር ጉዕዞ ክንደይ ይሃልቕ ከም ደለዉ ንዓና ተሓቢኡና ንዓለም ግን ዕለታዊ ዜናኣ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ሊብያን ኣብ ሑጻ ሰሃራን ዝተቐዝፉ ቁጽሮም ማህጸን ኣዴታት ይቑጸርኦም። ድራር ዓስን ኣብ ከርሲ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፍኡ ደቅና ኣማኣት ዘይኮኑስ ኣሽሓት ኢዮም። ነዚ ኩሉ ብዘይካ በጻብዕ ዝቑጸሩ ኣሓትን ኣሕዋትን ጥራይ እንበር ካልኦት ናይ ርሑቕ ተዓብቲ ኮይኑም ኣለዉ። እዚ ዘተባብዖ ኢሰያስ ድማ ከምታ ኣቐዲሙ ብላግጺ ዝገለጻ ቃሉ ሎሚ ከተግብራ ተዋፊሩ። እጠቅስ ,,ደርሆስ ገመድ እንተ ኣንዋሕካላስ ዝተፈትሐት ይመስላ“ ክብል ገሊጹ ነይሩ። ነዛ ተግባር እዚኣ ድማ ኣብተን 22 መዓልታት ዝገበረን ቃለ መሕትት እንሆ ከተግብራ ተዋፊሩ። እንታይ ኢሉ ነይሩ ዝብል ለባም። ኣብ መደርኡ ,,ህዝበይ ኣብ ዝኸደ ይኺድ ይድግፈኒ ኢዩ“ ክብል ገሊጹ። እው ንመንግስቱ የፍቅር ኢዩ በሃላይ ዝመስል ኣገላልጻ። እቲ ክሳብ ሎሚ ብመጀመርያ ብእንግሊዝ፣ ዓረብኛ ዝተኻየደ ሎሚ ድማ ብኦሮምኛን ኣምሓርኛን ዝቃላሕ ዘሎ መደርኡ ርብዒ ዓመት ዝኣክል ንቲቪ ኤረ ብሒትዋ ይርከብ። ደሓን መዋሊት ኣይተሳእነትን!! መን? መን እሞ ብዘይካ ኢራን።  

ኣሓትን ኣሕዋትን እስኪ ኣዕሚቕና ንሕሰብ። እዚ ኩሉ ግብረ ሽበራዊ ሸርሒ ኣብ መንታይ ንምብጻሕ ኢዩ? 

ብሓጺሩ ኤርትራ ህዝባን መሬታን ንምጥፋእ እንበር ካልእ ትርጉም የብሉን። እታ ገመድ መእሰሪኣ ዝነውሓ ደርሆ ንሕና ኣብ ደገ ንርከብ ስደተኛታት ኢና። ኤርትራ ኣዳኺምካ ናብ ካልእ ተረክባ ዝብል ቃል ከተርጉሙዎ ፈትኑ። ብዝተፈላለየ ጸገማትን ሽግራትን ፖለቲካዊ ዑቕባ ክንሓትት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ንርከብ ህዝብስ ሎሚ ንመንግስትና ንድግፍ ዝብል ወፍሪ ሒዝና ክንብገስ ከለና፣ ዝህሰ መን ኢዩ? ንሓጺሩ ንደንበ ተቓውሞ ከዳኽም እተን ኣብ ደገ ዝርከባ ኤርትራውያን ደርሁ ክጠፍኣ ኣለወን ዝብል ኢዩ እንበር ካልእ ፍሕሶ የብሉን። እታ ናይ ስለላን ራዕድን-ሽበራን ጉጅለ ሎሚ ንጉዳይ ስደተኛታት ከተበርዕን ከተጥፍእን ተበጊሳ። ካብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተሰጉ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ኢዮም ተመሊሶም። ስደተኛታት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ካናዳን ናብሮኦም ጸይቕካ ዝርከብ ረብሓ የለን። እቲ ቀንዲ ግን እዚ ዕቡድ ጉጅለ እዚ መንገዲ ምዕባለ ጎደና ራህዋን ሰላምን ስለ ዘይፈልጥ፣ ሎሚ ተዋጽእዎ ዝነበርኩም ምስ ጎደሎ እንተኾነ ንኹሉኹም ካብኡ ዝተረፈ ንመብዛሕትኹም ሕነ ዝፈድየሉ ተግባር ኢዩ ዘካይድ ዘሎ። ኣብ ጉዳይ ሃገርኩም ኣብ ዳስኩም ተዓዲምኩም ዝተሓሰምኩዎ ልኡም ተግባርኩም ተዓዚቡ ናብራኹም ንምዝራግ እንታይ ይእግሞ? ግን ንሕና በዚ ዝካየድ ተግባር ስለ ዘይንሰናበድ ኣድላይ ስጉምቲ ንምውሳድ ተዳሊናን ተቐሪብናሉን ኣለና። 

ቅድሚ ሎሚ እውን ተዘንጊዕናሉ ኣይንፈልጥን። ንሓና ኣይደቀስና ንሱ እውን ኣይደቀሰን። ንረብሓ ሃገሮም ከይድግፉ ዝደቀሱ ግን ኣይተሳእኑን። ንሶም ኢዮም እቶም ቀንዲ መተባባዕቲ ኮይኖም ነዚ ኩሉ ምጽሕታር ባይታን ዶሮናን ዝፈጠሩ። ኩሉ ግዜ መገዲ ሓልዮትን ለውሃትን ብምኻድና ከም ዕሽነት ተቖጺሩ ብዙሓት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ከይተረፉ ነቲ ወሳኒ ጉዳይ ሃገር ረሲዖም ኣብ ሑቕፊ ሳጥናኤል ኣትዮም። ወፍሪ ርእሰማል፣ ንብረት፣ ቤት ውይ ገዛ ስለ ዝሰርሑ ነቲ ዘፍሰስዎ ንዋይ ክብሉ ንሃገሮም ክሳብ ትደክምን ትምህምንን ንሕሰም ኣሕሊፎም ሂሆማ ሸይጦማን። መሬት ሓረስታይ ህዝብና ተማሲሖን ገዚኦምን ነቲ ክሓልፈሉ ዝጽበ ዝነበረ ህዝቦም ደቁ ከፊሉ ዝለኣኾ ዝሰኣነ ህዝብና ዝምገበላ ቃጽዖኡ ኣግዲፎሞ። ነባርን ዘይቅህምን ሽግር ምፍጣሮም ኣይተገንዘቡን። መሬት ጥራይ ኣይኮነን ገዚኦም፣ ንመሰል መንነትን ህዝብና ዘቃልዑን ዝኸድዑን ናይ ጥልመት ቆፎ ከም ዝኾኑ ኢዩም ኣረአጋጊጾም። ሎሚ እውን እቶም መሬቶም ተሸይጡን ብቕንብጣብ ብባዕዳዊ ባጤራ ተሓርጁ ጠፊኡስ መንነቶም ክጠፍእ ,,ሰፈራ“ ብዝብል ጉልባብ ክሃልቁ ኢዮም ከም ዝነቐጸ ዕንጸይቲ ኣብ ካልእ ከባቢ ሕንፍሽፍሽን ህልቂትን ዝኽፈተሉ ዳስ ዝምርሑ ዘለዉ።  

ብዕለት 09.07.2009 ላዕለዎት ናይ ጸጥታ ኣዘዝቲ ከተማ ፍራንክፈርት ብዝገበርዎ ጻውዒቶም ልክዕ ሰዓት 11 ኣብ ፍራንክፈርት ኣብቲ ሓዲሽ ህንጻ ምምሕዳር ኦርድኑንግ ኣምት ቀሪበ ነይረ። እዚ እውን ብሩህ ክኸውን ክልተ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ኤርትራውያን ዝብል ኣርእስቲ ኢዩ ነይርዎ። ንኹሉ ብሩህ መታን ክኸውን ዓሚ ምስ ብጾተይ ብሓባር መጠንቀቕታ ሂበና ነርና። ኣዋሃህባና ድማ መታን ካልእ ትርጉም ከይወሃቦ ጥንቁቕን ውሕሉልን ሕውነታዊ መለክዒ ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ። ዝሃብናዮ ዝተፈላለየ መጠንቀቕታ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ። 

  1. ናይ ስደተኛን ዑቕባን ስለ ዝሓተትኩም ኣብቲ ሰነድኩም ንምሉእ ዓለም ብዘይካ ኤርትራ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘለዎ ካብ ናብ ኤርትራ ምጋሽ ተቖጠቡ ክንብል ሓቢርና። 
  2. ኣብቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ድማ ምስታፍ ምትብባዕ እዚ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ስለ ዝኾነ በጃኹም ኣይትካፈሉ።
  3. ካልእ ከጠምተኩምን ንጉዳይ ቀጺሎም ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያትኩም ዝሃሲ ዘየሊ ተግባር ኣይትፈጽሙ፣ ዝብልን እቲ ንመንግስቲ ብዝብል ንንብረትኩምን ንንዋይኩምን ከትውሕሱ ትኸፍልዎ ናይ ገንዘብ ወፈያ ጠጠው ኣብሉ።
  4. ብመንገዲ ሰብኣዊ ክብርን ሕያውነትን ክትነብሩ ትኽእሉ ዝብል ጠለብ ቡንድስ ኣምት ተቐበሉ እንበር ናይ ኤርትራ ሰነድ ምውጻእ ኣይትቀበልዎ። ናይ ስደተኛታት ፈገሳይ ዝሕብሩ መንነት (ፓስ) ክወሃበኩም ይኽእል ኢዩ ዝብል ነይርዎ።
  5. ማሕበረ-ሰባት ካብ ጽግዒ መንግስቲ ወጺኤን ናይ ስደት ህይወትን ዝወከላ መታን ክኾና ጥራይ ዘይኮነስ ኩላትና ኤርትራውያን ንተሓቛቐፈለን ካብ ፖለቲካ ነጻ ይኹና ዝብል።
  6. ቀረጽ ልምዓት ሃገር ኣድላይ ምስ ዝኸውን ንመን ይወሃብ? ብኸመይከ ምቁጽጻር ይግበረሉ? ገንዘብኩምከ ኣበይ ይኣቱ? ገንዘብኩም ተፍስሱሉ ድምጽኹምን ጠለባትኩምን ዝማላኣሉ ክኸውን ኣለዎ።
  7. ፈስቲቫል መንግስቲ ዘይኮነስ ስደተኛታት ብሓባር ባህልናን ልምድናን ዝውክል ነጻ ናህና ክኸውን ዝብል።

ሕቶታት ዘጣመረ ኢዩ ነይሩ። ግን ውጽኢቱ ከመይ ዝበለ ነይሩ? 

  1. ካብተን ዓሚ ብዘይ ጉባእ ሰነድ ዝገሻ ስድራ ቤታት 29 ኣብ መዓርፎ ፍራንክፈትት ተታሒዘን። ለይቲ እንዳ እሕዋት ከለኹ ተጸዊዕ ድሕሪ ምኻድ ምስቶም ዝጸዉዑኒ ተራኺበ፣ ነቲ ዝተፈጸመ ከድሕነሉ ዝኽል መነገዲ ከናዲ ፈቲነ። ኣቦ ኣደ ምስ ደቆም 29 ስድራ-በታት ቁጽሮም ክንደይ ክኸውን ይኽእል ትብሉ? ሕሰቡ?
  2. እቲ ዘገርም ንናይ ጀርመን ምምሕዳር ከም ዘይሓስቡን ዘይምልከቱን ግዲ ተቖጺሮም ኣብቲ ፈስቲቭላ ኣብ መድረኽ ከይተረፈ ሓደ ፍሉጥ ደራፋይ ብዕሊ ንመንግስቲ ኤርትራ ግብሩን ስሩሑን ገሊጹ ዑቕባ ምሕታቱን ከምኡ እውን ሓደ ዝሰንከለ መኮነን ኣባል ህዝባዊ ሰራዊት ዕቕባ ዝሓተተን ኣብ መድረኽ ብብክልእለቶም ተዋሲኦም። እዚ ብቪደዮ ዝተሰነየ ካብ መን ክሕባእ ይኽእል።

 

እዝን ከምዝን ከይኣክል ድማ ሎሚ ንመንግስቲ ዝድግፍ ስለማዊ ሰልፊ ከም ዝግበር ኢዩ እቲ ቀንዲ ዛዕባ መጸውዒ ብሰብ- ላዕለዎት ሰበ ስለጣናት ኣኼባ ብናቶም ዝቐረበ ኣርእስቲ። ልክዕ ኢዩ ኣቐዲመ ገለ ገለ ሓበሬታ ሰሚዐ ነይረ። ግን ርግጸኛ ክኸውን ኣይከኣልኩን። ኩሉ’ቲ ወግዓዊ መግለጺ ካብኣቶም ምስ ሰማዕኩ ግን እቲ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ስደተኛታት ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ሙዃኑ ገሚተ፣ ኣብ ክንዲ ግዳይ ዝኾኑ ህዝብናን መንእሰያትናን ብዙሕ ሓዚነን ድቃስ ስኢነን። ስለምንታይ ኢዩ እዝን ከምዝን ዝበለ ኣዕናዊ ፍጻሜታት ደድሕረና ዝጎዓዝ? ዝብል ሕቶ ክሓትትን ዕላምኦም ዳህሲሰ መልሰ-ግብርና ከመይ ክመስል ኣለዎ ዝብል ተበግሶ ሃስስ ክብልን ምስታ ኮሜተ ዘትየን። እወ ኢሰያስን ጉጅልኡን ዔብ ዘይብሎም ከዳዓትን ከሓድትን መዃኖም ተጠራጢረ ኣይፈልጥን። ብሰላማዊ መንገዲ ፍታሕ ግን ብመዓልቱ ዝግለጽ ጭብጥታት ይሃሉ እንበር ንወላዲተይ ኤርትራ ክብል ብዙሕ መንገድታት ተኸቲለ ተጻባኢ መስመር ምኽታል ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ጽላል ቃልዕ ሰለ ዘለዎ ምስ እቶም ንኹሉ ንምፍታሕ ዝተበገሱ ወጊነ ምንባረይ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። እቲ ትዕግስትን ሃገራዊ ሓልዮትን ነቲ ተመን ግን መገበሊ ኢዩ ኮይንዎ። እው ኢሰያስ ኣብቲ ዘልኣለም ዘይሕከኽ መዝገብ ክሰፍር ዘለዎ ተሮሪስቲ ኢዩ። ፈራሕን ተሓቢኡ ዝነብርን ሜላ ስለ ዝኽተል ካብ መንገዲ ጥፍኣት ክእለ ኮቶ ኣይክእልን። ዝፈጸሞ ገበናት ለይትን ቀትርን ከም ዘባህርሮ ድማ ንኹሎም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ተሓቢእዎም ኣይፈልጥን። ክሳብ መዓልቲ ሞቱ ኣብ ዘይርከብ ሕልው ዘርያ ዝቕመጥ መሲሉ ስለ ዝረኣዮ ንዝጠርጥሮ እንዳ ጸሃየ ክነብር ቆሪጹ ዝንቀሳቐስ ኢዩ። ስምዒቱ ,,ከይትጠፍእ ንጹህ ኣጥፍእ“ ትብል መርገጺቱ ቀጻሊት መጓዝቱ ኢያ። ካልእ መስመር ክህልዎ ኣይክእልን። ሕጂ ግን ነቶም ብብዝሒ ካብ ሰራዊት ዘምለጡ ኣብ ዝኸድድዎ ቦታ ኣርኪቡ ክሃስን፣ ምስኦም እውን ባዕሉ ዘዋፈሮም ሃሱሳትን ፈንዩ ርእሰ-ምትእምማኖም ከጥፍእ ዘይምህዞ ሓሶትን ጸለመን ሽሕጣንን ፈጺሙ የለን። ድርብ መለኪዑ ኣብቲ ናይ 22 መዓልታት ብብሩህ ገሊጽዎ ኣሎ። ቀዳምይ ካብ ሃገሮም ክወጹ ሲኣይኤይ (CIA) ጎቲታ ከም ዘውጸኣቶምን በጻብዕ ዝቑጸሩ ክሰምዮም ከም ዘይጸንሐን፥ ከም ዘየቋጸቦምን ግልብጥ ኢሉ ኣብ ዝኸዱ ከይዶም ፈተውቲ ሃገሮም ገይሩ ከቕርቦም ፈቲኑ። ናይ ሲኣይኤ ካብ መዓስ ኢዩ ፈታው ሃገሩ ከንብብ ፈቲኑ?   ንሓንቲ ድኻን ውሑድ ህዝቢ እሞ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝኸፈልትን ጥልመት እንዳ ፈጸመ ሃገር ዘብርስ ከዳዕ ክሳብ ጸርናዮ ክንከይድ ንኽእል? 

  1. ንስንኩላት ኣብ ማይሓባር እሞ እቶም ብእግሮም ናይ ምኻድ ዓቕሚ ዘይብሎም ብዝናብ ዝኾነ ጠያይት ክጭፍጭፎም ከሎ ስቕ ኢልና ምዕዛብና ከመይ ዝበለ ሰይጣን ኢዩ ዓሺሩና ነይሩ።
  2. ምስ ሰዳን ምስ የመን ምስ ኢትዮጵያ ወግእ ጻሕቲሩ ደቅና ከህልቕ ከሎ ስለምንታይ ገለ ክንጥርጥረ ዘይከኣልና?
  3. ንተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ክንዲ ሃገሮምን ህዝቦምን ወጊኖም ኣወንታዊ ጠለባት እንተ ኣቕረቡ፣ ከጥፍኦም ኣብ ዊዓ ወሲዱ ምሕቅቑ ብቐሊል ከይተቓወምና ምሕላፍና ኣሻዲናዮ።
  4. ኣብ ውሽጢ ኢይትጵያ ሰራዊት ኣእትዮ ክፈላልን ክዘርግን ክሳብ ስርሒት ከካይድ እቶም ከይዶም ወተሃደራዊ ስርሒት ዘካየዱ ደቅና እንድዮም ከመይ ገለ ነገር ግበረ መልሲ ዘየርኣና።
  5. ሰራዊትና ክሳብ ኮንጎ እሞ ምስ ታንክታቶም ተዋፊሮም ንቤተ-ስልጣናት ካቢላ ክሕግዙን ክዋፈሩን ከለዉ ስለ ምንታይ ሐበሬታ ዘይረኸብና።
  6. ደቅና ብናትና መደብን ብናትና ባህልን ልምድን ከይነዕቢ ኣቦ ንሱ ኣደ ኮራኩሩ ከዕብይዎም ኣፍቂድና።
  7. ደቅና ኣብ ስደት ኣምሪሖም ኣብ ሰሃራ ማእከላይ ባሕሪ ብሑጻን ብዓሳን ክጠፍኡ ኣፍቂድና።
  8. ንብጾቱ ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ኣሲሩን ኣጥፊኡንስ ንካልእ ዜጋ ብፍትሓዊ መንገዲ ክኣሊ ትጽቢት ገርና ከም ጅግና ብሙቕጻርና እንሆ ንፍደዮ ኣለና።
  9. ደቅና ኣብ ናይ ህግደፍ መብረሲ ናይ ምዕባለ መደብ ንእስነቶም እንዳ በለየ ብተዘዋዋሪ ንሕና ንበርስ ከም ዘለና ስሒትናዮ።

 

እዚ ብሙሉኡ መረረና ምስቶም ዝተባህሉ ሰበ ስልጣን ተዛራሪበሉ ኣምሪረ ገሊጸን። ዕድል ዝሃቡኒ እውን ኣብ ክንዲ ሃገረይን ህዝበይ ካብ ልቢ ኣመስግነዮን ገና እውን ደጊመ የመስግኖም። ንኹላህና ዘቕርቦ ሕቶ ግን ኣሎ። ክሳብ ክንደይ ኢና ንጥፍኣት ሃገርና ተዓጢቕና። ዓሚ ወይዘሮ ኣብረሀት ንሓደ መንእሰይ ብጽፍዒት ስለ ዝሃረምኦ ተሸሊመን ዝብል ስእልታት ህግደፍ ኣቃሊሓ። ንዕቀት ህዝብን ሃገርን ኢዩ ናይ ብሓቂ። ኣደይ ኣብረሀት ግን ከምኡ ዝበለ ተግባር ምፍጻመን በቶም ሰበ ስለጣናት እውን ተጠቒሱ ነይሩ። ግን እዘን ዓባይን ወረጃን ኣደ ኣብ ኣደባባይ ካብ ዝጻፍዐ ግዳስ ንባድመ ወይ ንዓሊተና ዝሕብረን ሰብ ስኢነን። ኣብኡ ወሪደን ነቲ ሰራዊት ዓሊለን ዘየጣቕዓ? ኣብታ ጫፍ ዶብ ጽግዕ ኢለን ወርሒ ምስቶም መሳኪን ሰራዊትና ኣሕሊፈን ዘይምቐነያ።  ኣብ ጀርመን ኮነ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዘለዉ ከደምቲ ኢሰያስ ዝሸለምወን ሽልማት ግን ምቅላዕ እነበር ካልእ ፋይዳ ኣይተምጸኣለንን ኢያ። ቁስሊ ደቀንን ደቂ ደቀንን ኽኾና እንታይ ኣምረጸን። እቲ ዝተጸፍዐ መንእሰይ ናይቶም ኣብ ሃገር ዝገደፎም መቕርብኡ ኣብ ግምት ኣእትዩ ነቲ ጉዳይ እንተ ተኸታተሎ፣ በቲ ካልእ እውን ክልክምዶ ዝብል ለባም ኤርትራዊ ንሒን ሓቦን ደሬኽዎ ,,ምእንት ሞጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ዝብል ያትኡ ዘኪሩ ሓሊፍዎ፣ ጸፋዒት ኣዲኡ ተጸፋዒ ወደን ከም ዝኾነ መን ይስሕቶ። ሕጂ ግን ዳግም ኣይክንጽፋዕን ኢና። ጸፋዕትን ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ህግደፍ ጽቡቕ ትምህርቲ ክንህቦም መዲብና ኣለና። ሕጋውን ፍትሓውን ንረብሓሉ ስጉምትታት ምሉእ ዘይጉድልን ኣብ ጎድንና ኣሎ። ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሃገር እቲ ንዲክታቶር ዝድግፍ ኡትይ ዝሳቀብብ ገበናዊ ዓስቡ ዝቕበልን። ምስ ዘይመዓዱን ዘይምከሩን በሃማት ብመንገዲ ለውሃት ዘተኣሳስር  ናይ ሓብር ረብሓ የብልናን።  ደገፍቲ ህግደፍ ኣብቲ ረጋጽን ገባትን ደንበ ስለ ዘለዉ ኣንጻሮም ኣድላይ ፍትሓዊ ቃልሲ ከነካይድን ኣብ ታሪኽ ክንስንዶ ኢና። እቲ ዘገርም ግን እቲ ጻሕታሪ ሽልማት ምቕራቡ ኢዩ። እንሆ ኣደይ ኣብረሀት ኣስመራ በጺሒን ሎሚ-ቅነ ዛጊድ ወርሐን ተቓሪበን ኣለዋ። ስል ዝተመልሳ ተስፋ ንገብር ናይ ጽፍዒት ልምምድ ወሲደን ከይመጻ ቁሩብ ነተሓሳስብ። 

ኣብ መወዳእታ ግን ነዚ ኩሉ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ምግሃስ ስደተኛታት እታ ንሰላማዊ ሰልፍን ንኻልእ ግብረ-መልስን ቆይማ ዘላ ናይ ኪዳንን ሲቪካውያን ማሕበራትን ንመሰል ስደተኛታት ንምኽባር ኣድላይ ምቅርራብ ገይራ ኣላ። ስለዚ ድማ ኣቐዲማ ነዘን ነጥብታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እዛ ሃገር ምምይያጥ እንሆ ቅሉዕን መዓድን ግን ምስ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ኣጣሚራ ትገልጽ። 

  1. ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተባሂሉ ዝግለጽ ግን ኣዕናዊ መስርሕ ዝካፈል እሞ ብስም ስደተኛ ጥራይ ዘይኮነስ ዑቕባ ዝሓተተ ምስቶም ዝግበኦም ኣካላት ብሓባር ብምትሕብባር ኣድላይ ስጉምቲ ከም ንወስድ ንሕብር።

 

  1. ነዚ ስሞዕታ ጥሒሱ ኣብ እቲ ዝካየድ ኣዕናዊ ጻውዒት ዝካፈል ዑቕባ ሓታቲ ንናይ ስደት መሰልና ዝሃሲ ተግባር ብምፍጻሙ ኩሉ ዘድሊ ስጉምትታት ምውሳድን ምትግባርን መሰለና ዝተሓለወ ኢዩ። ዑቕባ ምሕታት በብውልቂ ይፈጸም እንበር ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ስለ ዝኾነ ንእንወስዶ ሱጉምቲ ምኽኑይ ሕጋዊ ጸግዒ ኣለና።

 

  1. ነቲ ዘአንግደና ዘሎ ህዝብን ሃገርን ዘነውርን፣ ነቲ ንዓለም ብምልእታ ከም ግግይትን ንሱ እንኮ ፈላጥን ፈላስፋ ገይሩ ዝወስድ ኢሰያስ ዘመጉስን ስለ ዝኾኑ፣ ከምዚ ዝበለ ዝፍጽም ኣባል ስለላ ወይ ጸላኢና ኢዩ።

 

  1. ንእዛ ካልኣይቲ ሃገርና ኮይና ዘላ ሃገርን ነቲ ዘአንግደና ህዝብን ሕጉን ስርዓቱን ዝጠልሙን ዝኽሕዱን፣ ብመጀመርያ መስርዕ ህይወትናን ህይወት ደቅናን ብተዘዋዋሪ ድማ ንህዝብናን ጉዳዩን ስለ ዝሃስዩ ነዚ ጉድለታት እዚ ክእረም ኣድላይ ስጉምቲ ክሳብ መጨረሽታ ከም ንወስድ ንሕብር።

 

ቀጺልና ድማ ጥርዓን ሽበራን ተግባራቱን ኣብዘን ዝስዕባ ትካላት ኣማሓላሊፍና ከም ዘለና ንሕብር። እዚ ድማ ምስተን 53 ሃገራት ኣፍሪቃ መንግስቲ ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ናይ ኢሰያስ ጉጅለ ንዓና ዝሃድነናን ንኹሉ መሰላትና ዝግህስን ስለ ዝኾነ እወ ,,ግብረ-ሽበራ“ ዝኽተል ኢዩ እሞ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ከም ንጠልብ ብብሩህ ንሕብር። 

ኣብ እዘን ዝስዕባ መሰል ወዲ-ሰብ ዘቕርባ ጽሑፋትናን መግለጺና ኣመሓላሊፍና ኣለና። 

  1. Human Rightss Watch Berlin.
  2. UN Human Rights agency in New York.
  3. European Union Human Rights office in Brussels
  4. OAU Human Rights section in Addis Abeba.

 

ኣብ መወዳእታ መታን እቲ ነካይዶ ሰላማዊ ስለፊ ኣድማዒ ክኸውን ምስቶም ሓለፍቲ መኮነናት ጸጥታ ብምዝርራብ ካብቲ ዘጊድ ተገሊጽሉኩም ዝነብረረ ቦታን እዋን ከምዚ ዝስዕብ ለውጢ ተገይሩ ኣሎ።

ሓዲሽ ሓበሬታ። 

  1. ንራኸበሉ ሰዓት 17.00 ኣብ ኦስት ባንሆፍ። (OSTBAHNHOF FRANKFURT)
  2. ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ዝጸንሓሉ ግዜ ክሳብ ሰዓት 21.00
  3. ንእውተቡሳትን መካይንን መዕረፊ እኹል ቦታ ተዋሂቡና ኣሎ።
  4. ምስታ ኣዳልዊት ሽማግለ ብእትህቦ ቁጽሪ ተሌፎን ድማ ኣዳልይ ሓበሬታ ተወከሱ

 

ኣብዚ በዳህን ወሳንን ዝኾነ ሰላማዊ ሰልፊ ኩሉኹም መፍቀርቲ ህዝብኹን ሃገርኩምን ዝኾንኩም ከም ዘውትር ድኻምኩም ከይጸብጸብኩምን ራሕቂ ቦታ ከይገትኣኩምን ዕዉትን ውጽኢታውን መታን ክኸውን፣ ከምኡ ውን ካብቶም ንጉዳይ ሃገርና ብኣወንታዊ ዝጥምትዎን ኣብ ጎድንና ደው ዝብሉን ጀርመንናውያን ኮኑ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከቡ የዕሩኽ ሃገርና ደገፎም ከይፍለየናን፣ ልዕሊ ኩሉ ግን ነቲ ሓርቢትዎን ጸልሚትዎን ዘሎ ለዋህ ህዝብና ጸሓዩ መሊኣ ክትበርቕ ተሳተፍነትና ኣዝዩ ብርኩት ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን። 

ተስፉ ዘውደ።

ኣባል እታ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ተዳሉ ኮሚቴ።

NO COMMENTS

POST A COMMENT