Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

2ይ ሓበሬታ ብዛዕባ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ – 31 ነሓሰ 2018

(ኤርትራውያን ኣንድመር ኣይንጎድል)   ከምቲ ኣብ ፈላሚ ጻውዒት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ 24 ሓምለ 2018 ዝተገልጸ እዚ `ኤርትራውያን ኣይንድመር ኣይንጎድል` ብዝብል ኣርእስቲ ፡ ልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታዉ ዝነደረ  ሓፋሽ ኤርትራዊ ፡ ህዝቢ ብህዝቢ

(ኤርትራውያን ኣንድመር ኣይንጎድል)

 

ከምቲ ኣብ ፈላሚ ጻውዒት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ 24 ሓምለ 2018 ዝተገልጸ እዚ `ኤርትራውያን ኣይንድመር ኣይንጎድል` ብዝብል ኣርእስቲ ፡ ልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታዉ ዝነደረ  ሓፋሽ ኤርትራዊ ፡ ህዝቢ ብህዝቢ ዘበገሶ ክልተ ቀንዲ ዕላማታት ዘለዎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ን 31 ነሓሰ 2018  ኣብ ጀነቫ ክካየድ እዩ።

ሓደ ካብቶም ክልተ ቀንዲ ዕላማታት ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ፡

  • ደርማስ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደላይ ሰላም ምዃኑ ምንጽብራቕ

 

  • እቲ ን 27 ዓመታት ብዓመጽ ስልጣን ገቢቱ ዘሎ ሕጋዊ ውክልና ዘይብሉ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ምሕንጻጽ ዶብ ኣየድልን እዩ ብምባል፡ ብዋጋ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ሃገርና ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ብጉልባብ ሰላም ዝተሸፈነ መስርሕ፡ ንውልቃዊ ጥሙሑን ውዲቱን `ምበር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ምቅላዕን ምዂናንን

 

  • መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንስምምዕ ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶባትን ንምቕባል ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣውንታዊ `ኳ እንተኾነ፡ እቲ ሕጋዊ ውክልና ህዝቢ ኤርትራ ዘይብሉ ውልቀመልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብኢደ ወነኑ ዘካይዶ ዘሎ ዘይወግዓዊ ውዕል ሰላምን ስምምዓትን ነባርነት ከምዘይብሉ  ምዝኽኻር፡ በንጻሩ፡ ሕጋዊ ውክልናን ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ኤርትራን ዘውሕሶ ጥጡሕ ሰላም ከናዲ ምምሕጻን

 

  • ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ፍልልያትና ብዘየገድስ፡ ኣብ ልኡላውነትን ናጽነትን ሃገርና፡ ኤርትራውያን፡ ሓደ ድምጺ ሓደ መርገጺ ከምዘለና ብምንጽብራቕ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዝኸውን ምግባር

 

ክኸውን ከሎ፡

እቲ ካልኣይን ወሳኒን ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡

  • ነዚ ንህላወ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ፈተነ ኣእትዩ ዘሎ ህጹጽ ኩነታት ዝገጥም፡ ንዲያስፖራ ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ ዝውክል፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተወከለ ግዝያዊ መሪሕነት ምምራጽ

 

  • እቲ ካብ ውድበይ ውድብካ፡ ማሕበረይ ማሕበርካ ወጻኢ ዝምረጽ ኣካል፡ ነቶም ግዜ ዘይህቡ ንህላወን ቀጻልነትን ሃገርና ኤርትራ ዝፈታተኑ እዋናውያን ዕማማት እናሰላሰለ፡ ብደረጃ ህዝባዊ ባይቶ ወይ መንግስቲ ኣብ ስደት ሕጋዊ መሪሕነት ዝቖመሉ መስርሕ ከካይድ ካብ ሰልፈኛታት ተልእኾ ከምዝወስድ ምግባር

 

  • እቲ 31 ነሓሰ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተመርጸ ኣካል፡ ንጽባሓይቱ ኣብ ባሕቲ መስከረም ዕለተ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ ኣብ ጀኔቫ ተራኺቡ፡ ነቲ ብሰልፈኛታት ዝተዋህቦ ማዕረ ማዕረ ምዕቃብ ናጽነት ሃገር፡ ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ ስርዓት ዝትከለሉ መስርሕ ናይ ምቅጣፍ ግዝያዊ ተልእኾ ብጽፉፍ ውጥን ስራሕ ኣብ ተግባር ከውዕሎ ምዃኑ ብኣዋጅ መብጽዓ ምእታው የጠቓልል።

 

ነዚ ክብ ኢሉ ብሓፈሻዊ መንገዲ ተጠቒሱ ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ እዋናዊ ዕላማ ንምዕዋት፡ ኣብ ውሽጢ `ዚ ሓደ ወርሒ ቅድመ ምድላዋት ንምግባር ምስ ኣወሃሃዲ ሓይሊ ዕማም ዝተሓባበሩ ወከልቲ ሃገራት በዚ ዝስዕብ መንገዲ ይውከሉ፡

  • ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኤውሮጳ 2 ንጡፋት ይውከሉ
  • ካብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ሃገር ኣመሪካ 2 ንጡፋት ይወከሉ
  • ካብ ኣውስትራልያ 3 ንጡፋት ይውከሉ
  • ካብ እስራኤል 2 ንጡፋት ይውከሉ
  • ካብ ስዑዲ ዓረብ 2 ሰባት ይውከሉ
  • ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ 2 ሰባት ይውከሉ
  • ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ተበግሶ ዝወስዱ ንጡፋት ተሳታፍነቶም ብሓይሊ ዕማም ይውሰን

ዕማም ናይዞም ወከልቲ 2 እዩ።

1ይ – ምስ ሓይሊ ዕማም ብምውህሃድ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘሎ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝኣምን ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ መርገጺኡ፡ ውድቡ፡ ማሕበሩ ብዘየገድስ፡ `ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ` ብዝብል መንፈስ ኣብቲ ናይ ጀኔቫ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፍ ጽዑቕ ጎስጓሳት ምክያድ

  • ኣብ ኣመሪካ ራሕቂ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክሳተፉ ዝብገሱ ምትብብባዕ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ፡ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብገንዘብ ከምዝደጋገፍ ምግባር

2ይ – ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝኣምን ኤርትራዊ፡ ወልቀሰብ ይኹን ውዱብ፡ ፖለቲካዊ መርገጺኡ፡ ውድቡ፡ ማሕበሩ ብዘየገድስ፡ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ኣኼባ ወይ ድማ በብኸተማኡ ኣብ ዝግበር ኣኼባ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብቲ መሪሕነት ንምምራጽ ዝካየድ መስርሕ ከም ሕጹያት ዝቐርቡ 3 ወክለቲ የምርጹ

  • ኣብ ኣመሪካ ካብ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ሃገር (State) 2 ወከልቲ ይምረጹ፡ እቲ ብሰንኪ ራሕቂ ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፍ ዘይክእል ደጋፊ ሰላማዊ ሰልፍን ምርጫ መሪሕነትን፡ ተሳታፍነት ናይቶም ወከልቲ ብገንዘብ ከምዝተሓባበር ምግባር።

3ይ – ወከልቲ ሃገራት ምስ ሓይሊ ዕማም ብቐጻሊ ብምርኻብ፡ ንኽልቲኡ ዕማማት ዝምልከት ጸብጻብ ገስጋስ ምልውዋጥ

ነዚ ንምስላጥ፡ ወከልቲ ሃገራት እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ ዘመሓድሮ ናይ ፈይስ ግሩፕ ኣባላት ኮይኖም ሓሳባት ይህቡን ይቕበሉን።

 

ሎሚ ዘይከተተ ብድዉ ከምዝሞተ

ዓወት ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Luwam T/lidet July 26, 2018

    It is too far away and it is probably going to be another disappointing – boring demonstration like before ones.

  • Amanuel July 26, 2018

    Dear sister, demonstrations are not for entertainment, if you do not want to take part good for you go wherever makes you happy, it is all about how much you care and feel for your bleeding nation.

  • Tesfai July 26, 2018

    From some wise blogger in the Ethernet:
    ..ሃገር ብዋዕዋዕታ ዚህነጽ ኔሩ እንተዝኸውን ፤ ኣብ ዝሓልፈ ኣርብዓ ዓመታት ሃገራት ዓረብ ከመይ ዝኣመሰላ ምዕቡል ሃገራት በዓል ስዑድያ ሶርያ የመን ሊብያ ግብጺ ዒራቕ ምሃነጹ ኔሮም ፤
    ንሕናን ጀብሃን ድማ ንኢሳያስ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመታት ገምጢልናዮ ሎሚ ንሰሜን ኮርያ ዘይኮነስ ንደቡብ ኮርያ ምሓለፍናያ ኔርና። ስለዚ ካብ ድሑራት ዑኑዳትን ዓረብ እንተዘይተመሃርና ይሓይሽ።

    ሰላምን ፍቕርን ንኤርትራ ኢትዮጵያ ፤
    ኣሽንኳይ ተባታቲናን ተናቝትናን ፤ ተደሚርና እውን ነዚ ተካል እዋን እንተኽኢልናዮ ኢና ።
    ኣብ ሶማል የመን ስዑድያ ሱዳን ዘሎ ሃይማኖታውን ቀቢላውን ህውከት እሞ ረኣዩ ።
    “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ጐረባብቲ ጥራይ ዘይኮናስ መምስ መዳውብትና ብደም ዝምድና ዘሎና ኣህዛብ ከም ምኳንና መጠን ብሰላምን ፍቕሪን ብጽቡቕ ጉርብትና እንነብረሉ ምኽንያት ብብዝሒ ስለ ዝዓዝዝ፡ ዝተጀመረ ናይ ሰላምን ዕርቂን ኣብ እዋኑ ብምዃኑ፡ ስክፍታ ብዝሓዘለ ሓጐስ ይስሞዓኒ … .።”
    “ምስ ዓረበ በደዊን ራሻይዳ ሓደ ዓረብ ኢና፣
    ትግረ ትግርኛ ቋንቋና ኣይኮነን” ፤ በዓል መን ይብሉ ኣለዉ ?

Post a Reply to Tesfai Cancel Reply