Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖለቲካዊ ክለሳ ሓሳብን ጥንቃቐን

ሕዳር 18/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ህዝቢ ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ሃብትን ሰላማዊ ሂወትን ክህልዎ ዘይደሊ ወይ ዘይትምነ የለን። እንተዀነ ግን ፖለቲካዊ ጥንቃቐ ዘይብሉ ሃብትን ከም ሎቶርያ ዝዕደል ሰላምን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዓለም ኣይተራእየን። በዚ ምኽንያት እዚ

ሕዳር 18/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ህዝቢ ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ሃብትን ሰላማዊ ሂወትን ክህልዎ ዘይደሊ ወይ ዘይትምነ የለን። እንተዀነ ግን ፖለቲካዊ ጥንቃቐ ዘይብሉ ሃብትን ከም ሎቶርያ ዝዕደል ሰላምን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዓለም ኣይተራእየን። በዚ ምኽንያት እዚ ክኣ ፖለቲዊ ክለሳ ሓሳብ (political theory) ኣገዳሲ ይኸውን። ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓውዲ ትምህርቲ፡ ሽግር ምጽብጻብ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ሽግር ከመይ ጌርካ ከም እትፈትሖ ኢኻ ትመሃር (conflict resolution) ። ኣብ ክውንነትና ፖለቲካዊ ፍታሕ ምንዳይ ማለት ኢዩ። ንፍቶ ንጽላእ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዘይብልና ብጸቢብ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኢና ንጸላእትና ስዒርና ኣብ ካልእ ፖለቲካዊ ሽግር ኣቲና። እዚ ጎደሎ ተመኲሮ’ዚ ሕጂ ክድገም የብሉን። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ወጥሪ ከይፈለጥካ ምቅላስ ዘየዋጽእ ምዃኑ ምፍላጥ’ዩ።

 

“ክለሳ ሓሳብ ንሓፋሽ ምስ ሓቖፈት ነገራዊ ሓይሊ ትኸውን” ብተራ ኣዘራርባ “ዘይሓስብ ኣይንገድ” ከም ማለት ኢዩ።

እዚ ጥቕሲ እዚ ፍልስፍናዊ ምንጻፍ ኰይኑ ተበለጽትን ወረርትን ረጊጾሞ ስለ ዝኸዱ ከም ውጽኢት እዚ ዘይብሃል ዕንወት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የውርዱ። ዕንወት ህዝቢ ስለዘይዓጅቦም ክኣ እንዳተመላለሱ ይደጋግምዎ። ዝጠዓሱን ዝድንግጹን እንተዝዀኑ ጎበለላት መንግስታት ዓለም ርሑቕ ከይከዱ ታሪኽ ብዓል ቬትናምን ኣፍጋኒሰታንን እዚ ኹሉ ናይዚ ግዜ’ዚ ክፉእ ትርኢት ማእከላይ ምብራቕን ምኣኸሎም ነይሩ።

 

ኣመሪካውያን ኣብ ቬትናም ጥራይ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ወትሃደራቶም ጸኒቶም፡ እቲ ብሸነኽ ቬትናማውያን ዝነጸፈ ህዝቢ ክኣ ኣዲኡ ትቝጸሮ። ኣብ ርእሲ እዚ ኩሉ ጥፍኣት ህዝቢ ዝበረሰ ንብረት ብመጽናዕቲ ናይ ሰብ ሞያ እንተዘይኰይኑ ብዝዀነ ተራ ምሁር ክትመን ዝከኣል ኣይኰነን። ድሕሪ እዚ ኹሉ ዕንወታት ግን ዓገብ ዝብሎም ብዘድምዕ ዓቕሚ ገና ኣይተረኽበን። ዝቃወም ኣይተሳእነን፡ ብንቕሓት ደረጃ ክርአ ኸሎ ግን ውጹዓት ብዙሓት’ምበር ንቑሓት ስለዘይኰኑ እዛ ዓለምና ገና ኣብ ቀጻሊ ስቓይ ትርከብ ኣላ። ናብ ኣመሪካዊያን  ብዝያዳ ምድሃበይ ናይ ታሪኽና ዓንተራት ብምዃኖም ኢየ።

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕንወት ውጹዕ ህዝቢ ብበዓላት ዝኽሪ ሰማእታት እንዳተታለለ ተደናጊሩ ብተግባር ብዋጋ ሂወቱ ነታ ኣመሎም ካብ ምቕጻል ኣየዕረፉን። ዝኽሪ ሰማእታት ቀንዲ መልእኽቱ ድሕሪ ሕጂ ሰላም ክንፈጥር ኢና ንሰላም ክንቃለስ ኢና ኢዩ ክኸውን ዘለዎ’ምበር መብጽዓን መንሃርያን ብርሰት ህዝብን ንብረትን ክኸውን የብሉን።

 

ኣብ ሃገርና ክንርእዮ ከለና ተታኻኻእቲ መንግስታት ኢትዮጲያ ብዘይ ፖለቲካዊ ጥንቃቐ ስለዝኸዱ ኩሉ ግዜ መሳርሒ ሓያላን መንግስታት ኰይኖም ኣሰር ኣሰሮም እንዳኸዱ ናይ ጋዛእ  ርእሶም ህዝብን ንብረትን ከይተረፈ ካብ ምብራስ ክሳብ ሕጂ ደው ክብሉ ኣይክኣሉን። ብዓል ዶ/ኣብይ ነዚ ሰንሰለታዊ ጽልኢ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝመረጹ ናይዚ ግዜ’ዚ መልእኽተኛታት ብርሰት ምዃኖም ብዘይ ነግ ፈረግ ተረዲእና ክንቃለስ ኣለና። ካብዚ ተመኲሮ እዚ እንመሃሮ ነግር እንተልዩ ፡ ወረርቲ ገበትቲ ይንኣሱ ይዕበዩ ብዘየገድስ ክስዓሩ’ምበር ክቕየሩ ወይ ክጥዓሱ ኢልና ትጽቢት ክንገብረሎም ከምዘይግብኣና ኢዩ። ፈሊጦም ዝፈረምሉ ሰነድ ክቐድዎ ኢዮም ኢልና ክንጽበ ይብልናን።

 

በዚ ምኽንያት’ዚ ክኣ ኢና ነዚ ናይ ወረርቲ መልእኽተኛ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ህላውነቱ ክጠፍእ ኣለዎ ኢልና ከንምክት ዝግብኣና። ኣንጻር ኢደ በይዛታት ጨካናት መለኽቲ ክንቃለስ ከለና ግን ዋላ’ኳ ዓወት ዘይተርፍ እንተዀነ ኣዚዩ መሪር ምዃኑ ክንስሕት የብልናን። ምስክርና እቲ ደምና ዝፈሰሶ ከተማታትን በረኻታትን ታሪኽ ናይ ሃገርና ኢዩ።

ወረርቲ ሓይልታት እቲ ዝዓበየ ክለሳ ሓሳብ ወይ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ናቶም ናይ ሓሶት ዜና ምፍናው ኢዩ። ናይ ዜና ማዕከናት ዓለም ወረርትን መለኽን ገዚኦመን ከገልግልኦም ከለዋ፡ እተን ዝዓበያ መተዓየይ ንኣእምሮ ንጹህ ህዝቢ ዝብክላ ትካላቶም ከም ዝዀና ይገብሩወን። ንሳተን ምንጻፍ ኣዳልየን ንሓሶት ሓቂ ከም ዝመስል ምስ ገበራሎም ክኣ ወረርኦም የካይዱ።

 

ኢሳያስ ነዚ ጥበብ’ዚ ስለ ዝተጠቕመ ብሓንቲ ናይ ዜና ማዕከን “ድምጺ ሓፋሽ” ትብሃል ብሓንቲ ደወል ንሱ ዝደልያ መልእኽቲ ንሓሶት ከም ሓቂ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ከም ዝጽፈ ክገብር ክኢሉ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ብንሱ ዝመረጾምን ዝልእኮምን ጋዜጠኛታት መርዛም ኣተሓሳስባ ካብ ርእሲ ኣሽሓት ኤርትራውያን ክወጽእ ኣይክኣለን። ነዚ ንምግባር ክኣ’ዩ ነቶም ንህዝቢ ዘገልግሉ ጋዜጠኛታት ድላዩ ክገብር ዕድል ስለዘይህብዎ ከም ዝዳጎኑ ዝገበረ። ጋዜጠኛታት ክእሰሩ ከለዉ ሃገር ኣፍ ዘይብላ ትኸውን ክጠልሙ ኸለዉ ክኣ ህዝቢ ናብ ፓፓጋሎ ይቕየር። ምኽንያቱ ነታ ብሓንቲ መስመር ዝመጸት መልእኽቲ ናይ መለኽቲ ቀታሊቱ ምዃና ብዘየገድስ መጽረይ ኣፉ ስለ ዝገብራ ኢዩ።

 

እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ቅድሜና ኲድም ኢሉ ስለዘሎ ማንም ዝስሕቶ ኣይመስለንን። ኣብዚ እዋን’ዚ ኢሳያስ ዝዛረቦ ዘሎ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን፡ ከም ቀደሙ ኢዩ ዝሕሱን ዝሰርቕን ዘሎ። እቲ ፍልልይ ግን ሕጂ ማዕከናት ዓለም ብዝሰፍሐ ደረጃ የቓልሕኦ ምህላወን ኢዩ። ንነብሱ ክምስክረላ ኸሎ ኣይሕሱን’የ ኣይሰርቕን’የ፡ ኣብ ሂወተይ ምስ ኢትዮጲያ ኣብዚ ሓድነት’ዚ ስለ ዝበጻሕና ከም ሎሚ ተሓጒሰ ኣይፈልጥን ክብል ይስማዕ ኣሎ።

 

ዘገርም ሓሶትን ናይ ዘረባ ስርቅን ካብዚ ዝዓቢ ዘሎ ኣይመስለንን። እንድሕሪ ኢዚ ኰይኑ ዝለዓለ ሓጎሱ ንበረኻ ወጺእካ ኣንጻር ስርዓታት ኢትዮጲያ ኣንጻር ኣምሓሩ ደም ምፍሳስ ንሓምሳ ዓመት ዝኣክል ክሳዕ ትማሊ መን ገዲዱዎ ኢዩ ከካይዶ ጸኒሑ? ትማሊ ጎበዝ ነይሩ ብሓንቲ ለይቲ ኣሪጉ ሕጂ ከምቲ ዝብሎ ዘሎ ምስ ኣረገ ተረዲኡዎስ፡ መንእሰይ ስለ ዝነበርኩ ካብዘይምፍላጥ ኢየ ገይረዮ ድዩ ዝብለና ደሎ?

ክሕደትን ሓሶትን ስርቅን ጨካን ክገብረካ ኸሎ ማዕረ ማዕሪኡ ክኣ ክሳዕ ክንደይ ዓሻን ደንቆሮን ከም ዝገብረካ ንዝመሃር ህግደፋዊ ካብ ኢሳያስ ንላዕሊ ዝተገንጸለ መጽሓፍ ኣይረክብን ኢዩ። ግን ሓቁ፡ ንሕና’ውን ንነብስና ካብ ዕሽነትን ድንቍርናን ከነድሕና ኣይክኣልናን፡ ምኽንያቱ ዓሻን ደንቆሮን ክመርሓና ኸሎ ኣብ ነንሓድሕድና ብምትሕብባር ልቢ ክንገዝእ ኣይክኣልናን።

 

ንኣምሓራ ሕጂ ተጣዒሱ ርእሱ ከድንነሎም ከሎ ርእይዎም ዘይፈልጥ ፍጡራት ንመጀመርያ ግዜ ቦዂሪ ዓይኑ ስለ ዝዀኑ ዲዮም? እዚ ኹሉ ማእለያ ዘይብሉ ደም ናይ ኢትዮጲያውያንን ናይ ኤርትራውያንን ክፈስስ ከሎ ግጥምያና ምስ ካብ ሰማይ ዝመጹ ወትሃደራት ድዩ ነይሩ? እዞም ኩሎም ኣሽሓት ተማሪኾም ብዓይኑ ዝረኣዮም ካበይ ሃገር ዝመጹ ኢዮም ነይሮም? ኢሳያስ ብዘይ ሕፍረት ንደቂ ጎንደር ኣይትሓዙለይ ብሃሊ ኰይኑ ብድንጋጸ ምጥማት ስኢንዎም ድንን ኢሉ።

 

ነቶም ኣጸቢቑ ዝፈልጦም ኣብ ትሕቲ መሬት ዝሰፈሩን ፈቖዶ ስደትን ቤት ማእሰርትን ዘለዉ ኤርትራውያን ግን ምልላይ ስኢኑዎም ጓኖት ኰይኖሞ እታ ርሕርሕትን ደንጋጺትን ልቡ ተሓቢኣ ስሓቕ ተራእዩዎ ኣይከሰርናን ብማለት ከላግጸሎም ኣንቃዕሪሩ። እዚ ፍጥረት’ዚ ናትና ከም ዘይኰነ ባዕሉ ንነብሱ መስኪሩላ ስለ ዘሎ ናብታ ቦትኡ ክኸይድ ከሎ ድሓን ውዓል ከይትምለሰና ምባል ከመይ ጌሩ ይጠፍኣና?

 

ኢትዮጲያውያን እንዳገረሞም ንረብሕኦም ስለዝዀነ፡ ኣእዛኖም ሓሶት ክሰምዓ ሕራይ ኢለን የኛ ነው ብማለት ኣእዳዎም ኣጣቒዐናሉ፡ ኤርትራውያን ግን ንዓና ሓድሽ ነገር ኰይኑ ክገርመና ይብሉን። ዝበልካ በል፡ ዝገበርካ ግበር ንስኻ ኢኻ ክትቅየር ክኣ ኣይትኽእልን ኢኻ ክንብል ክንበቅዕ ኣለና።

ንምምዛኑ ዝኣክል ግን ካብዚ ዝዓቢ ሓሶትን ስርቅን ዘሎ ኣይመስለንን። ስለምንታይ ድኣዩ ኢሳያስ ሕጂ ምእንቲ ሓድነት ኢትዮጵያ ማዕረ ሂወተይ ነዛ ውልቀይ ከይተረፈ ክህብ ኢየ ዝብል ደሎ ምስ እንብል ግን፡ ካልእ ክነብረሉ ዝኽእል ኣማራጺ ስለዘይብሉ ዝተገዝአ ኣካል ኰይኑ ዝበልዎ ክገብር ስለ ዝተገደደ ኢዩ። ኣይኰነን ኢሳያስ እቲ ድንን ኢሉ ዝጥምቶ ዘሎ ዶ/ኣብይ’ውን ካብኡ ዘይፍለ መጻምድቱ ኣብ ሓንቲ ኣርዑት ተቖሪኖም ክሳዶም ኣድኒኖም ዘለዉ ኢዮም።

 

ኢሳያስ ነመንእሰያትና ብግዱድ ዕስክርና ኣሳቕይዎም፡ ንባዕሉውን ካብ ግዱድ ዕስክርና ክድሕን ከምዘይከኣለ ብጋህዲ ባዕሉ እሺ ጎይታይ ክብል ብጣቕዒት ጎንደር ሸፋፊኑዎ ክሓልፍ ይደሊ’ሎ። ወይ ትጠፍእ ወይ ትእዛዝ ትቕበል’ኮ ኩሉ ግዜ ዝተለጒመ ጠበንጃ ናይ ብዓል ኣመሪካ ኢዩ። እንተ ብዛዕባ ጣቕዒት ግን እዚ ዝረኣናዮ ናይ ጎንደርን ጣቕዒት ኤርትራን ከም ዝፈላለ ኢሳያስን ዶ/ኣብይን ክዝንግዕዎ የብሎምን።

 

እቲ ሕጂ ኤርትራውያን ክንነቕሓሉ ዘለና ንኣእምሮና መጀመርያ ካብ መድያታት ወይ ዜና ማዕከናት ናይ ኢሳያስን ዶ/ኣብይን ነጻ ምግባር ኢዩ። መድያታት ናይ ደሞክራስያዊ ደምበ ክኣ ብሓቀኛ ጋዘጠኛታት ክስስና እንተድኣ ኽኢለን ካብ ዝፍንውኦ ሓቀኛ ፈነወ ዜናታት ተመጊብና ክለሳ ሓሳባዊ ትሕዝቶና ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ብድሕሪኡ ብሃሰሰ ላብም ዘይኰነስ ብኣፍልጦ ብሩህ መንገዲ ቀይስና ክንቃለስ ክንበቅዕ ኢና። ሓደ ካብቲ ደምበርበር ናይ ደምበ ተቓውሞ ንጹር ክለሳ ሓሳባዊ ትሕዝቶ ካብ ዘይምውናን ናብ ናይ ተግባር መምርሒ ክንሰጋገር ዘይምኽኣልና ኢዩ።

 

ጋዜጠኛታትና ንመድያታቶም ወይ ናይ ዜና ማዕከናቶም ክጥቀሙለን ከለዉ ምጽልላም ዘይኰነስ ምትሕብባር እንተ ኣርእዮም ናይ ንቕሓት መስመር ንህዝቢ ክኸፍትሉ ይኽእሉ ኢዮም። ጋዜጠኛታትን መድያታትን ኣብዚ እዋን ቃልሲ ጥራይ ዘይኰነ ብዝያዳ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ንዘልኣለም ናይ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዕቑራት ሓይሊ ህዝቢ ኢየን። ሕጂ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ ጋዜጠኛታት መድያታት መጻኢ መደብ ናይ ብዓል ኢሳያስ ኣርቂቕካ ንምፍታሽ ካብ ጽሓፍትን መደርትን ክኢላታት ዝተመርጸ (selectively) ትሕዝቶታት ኣኪበን ጒዱ ከምዝወጽእ ብምግባር ህዝቢ ንነቅሕ ግዲአን ከዕዝዛ ይግባእ። ሎሚ ከምቲ ናይ ሜዳ እንዳኸዱ ዝምህሩ ካድራት የብልናን። ካድራትናን መማህራንናን ብምዕቡል ኣሰራርሕኦም ጋጤኛታትን መድያታትን ኢዮም።

 

ኢሳያስ ሎሚ ምስ ኢትዮጲያ ይድምረና ስለዘሎ ጥራይ ኣይኰነን ኣሽነይ በሌ ክብል ዝኸኣለ፡ ከነስተውዕል እንተኽኢልና ንመዓስከር ናይ ውግእ ክንከውን የዳልወና ስለ ዘሎን ብውግእ ክነብር ክኣ እታ ሓንቲ ዝፈትዋ ሕልሙ ስለዝረኸባ ኢዩ። ሕጂ’ውን ንመንእሰያት ኤርትራ ንነጻነት ዘፍሰስናዮ ደምና ከይነቐጸ ኣብ ደይምልክተና ውግእ ኣንጻር ጎረባብትና ከም ብዓል የመናውያን ክነቝቶም ይዳሎ ኣሎ። ካብ ሓሶትን ስርቅን ድኣ ዘይላቐቕ ኰይኑ’ምበር ኢሳያስ ብዝያዳ ከም ሎሚ ተሓጒሰ ኣይፈልጥን ምባሉ፡ እዚ ሽታ ናይ ኲናት ኢዩ። መለኽቲ ትኪ ናይ ጠያይት እንድሕሪ ዘይረኣዩ ድቃስ ኣይወስዶምን ኢዩ።

 

እንተዀነ ግን! እመኑ ሕጂ’ውን ክለሳ ሓሳብ ንሓፋሽ ምስ ሓቖፈት ነገራዊ ሓይሊ ትኸውን ዝብል ጥቕሲ ዋዛ ጌርና ክንርእያ የብልናን፡ ምኽንያቱ እታ ንሓፋሽ እትሓቍፍ ክለሳ ሓሳብ (ፖለቲካዊ ትምህርቲ) ንመለኽቲ ንተበለጽቲ ንወረርቲ ኣይትጸዓደሎምን ጥራይ ዘይኰነስ ስንቂ ተቓለስቲ ኰይና ሰራውሮም ስለ እትምንቍሶ ከም ቍርን ኣስሓይታን ይፈርሁዋ። ስለ’ዚ ኢዩ ኢሳያስ ነቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ካብ ህዝባዊ ግንባር ከም ዝርሕቕ ጌሩ ንዲሞክራሲ ዳሕራይ ነርክበሉ ብማለት ብናይ ሓሶት መብጽዓ ንተቓለስትን ህዝብን ኣዘንጊዑ ኣብዚ ሕጂ በጺሑዎ ደሎ ደረጃ ክበጽሕ ዝኸኣለ። እታ ደሞክራስያዊ ጩራ ረኺባ ታተ ክትብል ዝጀመረት ኢትዮጲያ ንኢሳያስ ተመስገን ኣምላኽ እዚኣ ዘርኣኻኒ ተብሎ ዘላ ክንድዚ ስርቅን ሓሶትን እንዳተሰምዐ ስቕ ኢልካ ዝሕለፍ ዘሎ’ውን ፖለቲካዊ ዕጥቂ ስለዘየለ ኢዩ። ብዝተረፈ ኢሳያስ ንነብሱን ንኤርትራን ዘይኰነ ንኢትዮጲያ ክዕንቅፋን እግሪ ከምዘይትተክል ክገብራን እንተዘይኰይኑ ዝገብረላ የብሉን። ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ካብ ውግእ ዘጥፍኣቶ’ምበር ዝረኸበቶ ከምዘየለ እንዳፈለጡ ብዓል ዶ/ኣብይ እንደገና ናብ ሲኦል ይመርሕዋ ኣለዉ። “ኣመል ምስ መግነዝ” ናይ ኢሳያስ ከምቲ ዝስሕቆ ዘሎ ይመስሎም ኣሎ።

 

“ምከረው-ምከረው እምቢ ካለ መከራ ይምከሮው” ምኸሮ-ምኸሮ፡ እምቢ እንተድኣ ኢሉ መከራ ይምከሮ ዝብሉዋ ምስላ ኣምሓራ ንኢሳያስን ነቲ ደኒኑ ዝርእዮ ዘሎ መማኽርቱን ናይ ውድቀት ዲፕሎማ ዝረኽቡላ ምስላ ክትከውን ኢያ። እዚ ዝግበር ደሎ ፖለቲካዊ ጥንቃቐ ዘይብሉ ቍጠባውን ወተሃደራውን ገልጠምጠምን ጸደፍደፍን ንኢትዮጲያ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኹሉ ከባቢ ኣብ ነውጺ ከእትውዎ ስለዝዀነ፡ ንሕና ኤርትራውያን ብቖራጽነት ካብ ዕላማና ነቕ ክንብል የብልናን።

 

ኢሳያስ ምስ እዚ ኹሉ ግፍዕታቱን ጸረ መሰል ህዝቢ ምኻኑን ብዘይካ ቤት ማእሰርቲ ሓንቲ ድኳን ክኸፍት ዘይክኣለ፡ ኣቐዲሙ ንትግራዎት ሓንቲ ጥሓኒት ዘይብሎም ኢሉ ዘላግጽ ዝነበረ፡ ኣባል ሰብኣዊ መሰላት ኰይኑ ጥራይ ዘይኰነስ ሕጂ ክኣ ማዕቀብ ተላዒሉሉ ናይ ስዑድያ ወርቂ ማዕተብ ክሽልምዎ ጸኒሖም እንደገና ናይ ሕቡራት ምንግስታት ካባ ይኸድንዎ ኣለዉ። በዚ መንገዲ እዚ ሕቡራት መንስታት መዓስከር ናይ ሕቡራት መለኽቲ ምዃና’ውን ብተደጋጋሚ ኣብ ታሪኽ ይረጋገጽ ኣሎ።

 

“ክንደይ ዓቐብ ዘይጠረጠት ኣድጊ” ንዓና ኤርትራውያን ንኢሳያስ ዝሰለሙ ይሰልምዎ፡ ዝኸደኑ ይኽደኑዎ መለሳ ዝህበና ኣይኰነን። እንድሕሪ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጲያ ኰይናስ ንኢትዮጲያ ክኣ እንተደልዮም የውርዱላን የደይቡላን እምበር ምስ ሓንቲ ክፍለ ሃግር እንታይ ዘዛርብ ኣለዎም። ህልም ዝበለ ስርቅን ሓሶትን ዝኣረገ ሽጣራ ኣብ ሓድሽ ክፍለ ዘመን ክድገም ከሎ ጥራይ ኢዩ ዘረድኣና። ዕላምኡ ክኣ ንኤርትራ ሃገር ዝብል ሳጓ ሂብካ ዕላዊት ምዓርፎ ናይ መሳርያታትን መዓስከር ወረራን ጌርካ ኣብቲ ዘይድለ ውግኣቶም ኣቋራጭ መንገዲ ምንዳይ ኢዩ።

 

እዚ ተመኲሮ’ዚ ብግዜ ሃይለስላሴ ዝሓለፍናዮ ስለዝዀነ ንመደበር ናይ ኣመሪካ ከም ብዓል ዓሻ ጎልጎል ኣብ ኣባርዳእ ዝነበረ፡ ከም ብዓል ረድዮ ማሪናዮ ከምኡ ድማ ከም ብዓል ካኘው ስተሽን ጥራይ ኢዩ ዘዘኻኽረካ። ሕጂ ግን ብዝያዳ ምስቲ ተቐይሩ ደሎ ኲነታት ማእከላይ ምብራቕ መንእሰያት ኤርትራ ተበገሱ ናይ ኢትዮጲያ ነገር ተሪፉ ኢዩ ንዑናይ ናብ ከም ብዓል የመን ምእንታና ሂወትኩም ኣጥፍኡ ተወሲኹዎ ኣሎ። ስለ’ዚ ኤርትራውያን ኲነታት ኣጸቢቑ በሪሁልና ስለዘሎ ብዘይ ፖለቲካዊ ዕጥቅን ጥንቃቐን ክንቃለስ ከምዘይንኽእል ክንፈልጥ ስለዘድልየና ብፖለቲካዊ ኣፍልጦ ክንቃለስ ከድልየና ኢዩ።

 

ብመንጽር ፖለቲካዊ ጥንቃቐ ክንርእዮ ከለና ኲነታት ተቐይሩ ኣሎ፡፡ ኣብ ኢትዮጲያ ኰንና ክንዛረብን ክንቃለስን ምጥዓም እንዳሰኣነና ቦታ ናይ ተቓወምቲ ብናይ ሓደገኛ ትካላት እንዳተተክአ ይኸይድ ምህላዉ ከነስተውዕል ይግብኣና። ኣብዚ እዋን’ዚ ገለ ሓደጋ እንተድኣ ኣጋጢሙና ክገርመና የብሉን። ምኽንያቱ ሳዕቤን ዘለቕለቕ ዝበለ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ብምዃኑ ኢዩ። ንሱ ክኣ ኢዩ ሓደ ካብቲ ብኽለሳ ሓሳብ ሃብቲምና ብፖለቲካዊ ጥንቃቐ ፖለቲካዊ ዕጥቂ ወኒንና ክንቃለስ የድልየና ዘብለኒ ዘሎ። ገይም ኦቨር ናይ ኢሳያስ ሎሚ ካብ ወያነ ንላዕሊ ንደምበ ተቓውሞ ኢያ ትምልከት። ብርእይቶይ እትዮጲያ በዚ ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ውሕስነት ሂወት ናይ ተቓለስቲ ስለዘይብላ ምስ ታሪኽ ኣተሓሒዝና ክንመዝና ከድልያና ኢዩ። “ያል ጠረጠረ ተመነጠረ” ዘይጠርጠረ ተመንጠለ ብማለት ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና።

 

“ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ዝተመሰለ ብዂነታት ኢዩ። ኢሳያስ ኢትዮጲያ ካብ ዓንደረ ኣሰራርሓ ኢሳያስ ክንርስዕ የብልናን። ተረኽቦታት ናይ ብዓል ወዲ ጆርጆ ብዓል ረዘነ ብዓል ወዲ ዘርአ እንድሕሪ ንርስዕ ኰንና ንኢሳያስ ንጸርፎ ጥራይ እምበር ኣይንፈልጦን ኢና ማለት ኢዩ። ኢሳያስ  ንሱዳን’ውን ምስተቖጻጸራ እንታይ ከም እተረኽበ ክንዝክር ይግብኣና። እዞም ኩሎም ኣርካናትን መራሕትን ንፋስ ኣይኰነን ኣውዲቑዎም። ኢሳያስ ከም ሎሚ ተሓጒሰ ኣይፈልጥን ኢየ ምባሉ ብዙሕ ነጥብታት ዘጠቓለለ ስለዝዀነ ሓደ ካብኡ ናይ ምቕንጻል ኣመሉ ንምትግባር ዕድል ተኸፊቱሉ ስለዘሎ ኢዩ።

 

ኢሳያስ ኣሪገ እንተበለ ሓቂ ክመስለና የብሉን። ሰይጣን ኣይኣርግን ኢዩ። መለኽቲ ክኣ ሰይጣውንቲ ስለ ዝዀኑ ክሳብ ዝቕበሩ ኣይኣርጉን ኢዮም። ስለዚ ኣብ ኢትዮጲያ ኢትዮጲያውያን እንዳተቐፈዱን እንዳተቐትሉን ከለዉ ኤርትራውያን ድላዮም ክዛረቡን ክቃለሱን ኢልካ ምሕሳብ፡ ኣነ ነዚ ዝገልጽ ናይ ዕሽነት ቃል የብለይን። ድሕሪ ደጊም ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ኣብ ኢትዮጲያ ኰይነ ብግህዶ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስን ስርዓት ዶ/ኣብይን ክቃለስ ኢየ ዝብል ውድብ ይኹን ውልቀ-ሰብ “እዛ ብርኲታ ኣብ ውሽጣ እምኒ ኣላታ”ከም ማለት ኢየ ዝቖጽሮ። ወይ “ጸላኢኻ” ብዙሕ ኣይጸልኣካን ኢዩ፡ ወይ ክኣ ኩሉ ይትረፈኒ ኢልካ ኣላሽ ኢልካ ኣለኻ ማለ’ዩ።

 

ተቓላሳይ ጥንቁቕ እንተዘይኰይኑ ንነብሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንህዝቡ ኢዩ ዝብድል። ብርእይቶይ ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን ካብ ዝዀነት ሃገር ክንረኽቦ እንደሊ ሓበሬታ፡ ኣሰራርሓን ጥበብን ማለት ውደባን እንድሕሪ ክኢልናዮ ወይ ንፈልጥ እንተዀንና መንገድታት ኣይስኣንን ኢዩ። ዓለም ኣብ ገሎባላዊ ሰኪዐት (net working) ኣትያ ስለዘላ ቃልስና ክኣ መታን ከይንኸስር ብፖለቲካዊ ክለሳ ሓሰብ ተሰንዩ ኣብ ሰኪዐት ናይ ፖለቲካዊ ጥንቃቐ ኣትዩ ከም ዝሰላሰል ክኸውን ኣለዎ። ሰናይ ቅነ፦

 

ረድኢ ክፍለ (በሻይ)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Gezae November 18, 2018

    Your trouble is, you live in an idealized world. You’re always judging government performance against how you think it ought to be. Then you get in a rage because everything is being done wrong. Huh!‘What a foolish thing you say/said. How can you things be judged, except in terms of what they ought to be?

    You should first try to understand what’s going on. All you can talk about is invisible human rights, rule of law gone missing, blah blah. You put on a wrong pair of spectacles that causing you see the things which nobody else can see, but failing to see what everybody else can see. Then you get in a rage because people can’t understand what you’re talking about, and you can’t understand what they’re doing about
    .
    You claim that we can’t see anything! Look around you! Do you see what I see? Is not PIA who brought up the independence, while you fled the fierce struggle for liberation? ‘Well,’ since you’ve made the suggestion, let’s give it a try. After all, you need always trying to understand things in terms of rational behavior, but your behavior is instinctive rather than rational. More like a cockroach.

    Let me go ahead! ‘Suppose the so called oppositions are really huge cockroaches! What does that explain? ‘You/they criticized PFDJ/PIA government because you can’t understand PIA/him because do not political proficiency and competency. For instance with you very old political know how you thought you’d come to render service for the benefit of the people. But even you couldn’t understand what you got yourself put you into a exasperation. If you had worn a better pair of spectacles you would have realized that you are really a huge disparity/credibility gap with contemporary political situations, and you would have not understood PIA behavior as entirely normal.

    Good gracious, really need to believe that this is the truth. Poor old X- ELF fighter! You’ve just put on a worse pair of spectacles to evaluate. Please buy soon advanced lenses pair of spectacles!’

    • k.tewolde November 19, 2018

      “and you would have not understood PIA behavior as entirely normal.”>>>>sounds like confession. Gezae,why are you making an a..s of yourself,I know you are a father and probably proud grandfather collecting some American entitlements which the tyrant will never throw your way,why are you defending the man who threw you in the dog house back home and eventually put you in exile where you reside today? please,let it go,enjoy your retirement here which you are deprived by the devil you support and do face time or skype with your precious ones every now and then back home.I know his spell is hard to shake off,take the highest and the fastest roller coaster in the USA or take a dip in the frigged waters of Alaska this winter..you will free yourself from the mental bondage of tyranny.Add those to your bucket list,because I care.

    • Sol November 19, 2018

      Gezae, Bashay’s lenses unlike yours are not overshadowed by personal and undernational beliefs to see the black white and the predator a savior.

  • Shibabaw August 23, 2020

    How you asena tv iam fine iam Shibabaw from welkayite

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply