Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖለቲካዊ መናውር።

ፖለቲካዊ መናውር።   1ይ ክፋል፡       01.03.17፡ ከም መእተዊ ንእሽቶ ካብቲ ዝሓለፈ ክደግም፡- ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒት ብገለ ክፋል ናይ ዕርዲ ጸላኢ ሃንደበታዊት፡ ጽዑቕትን ሓጻርን ናይ መናውር ተኹሲ ንፍኑ ነበርና። ዓላማኣ ካብቲ ብድቕድቕ ጸልማትን ጸጥታን ዝተጎብአ ሰላማዊ ዝመስል ሰንሰለታዊ ጎቦታት

ፖለቲካዊ መናውር።   1ይ ክፋል፡       01.03.17፡

ከም መእተዊ ንእሽቶ ካብቲ ዝሓለፈ ክደግም፡-

ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒት ብገለ ክፋል ናይ ዕርዲ ጸላኢ ሃንደበታዊት፡ ጽዑቕትን ሓጻርን ናይ መናውር ተኹሲ ንፍኑ ነበርና። ዓላማኣ ካብቲ ብድቕድቕ ጸልማትን ጸጥታን ዝተጎብአ ሰላማዊ ዝመስል ሰንሰለታዊ ጎቦታት ብዝፍኖ መልሰ-ተግባር፡ ዝርጋሐ ፣ ኣተሓሕዛ ሰቡን ኣጽዋሩን ንምፍላጥ ወይ ድማ ኣድህቦ ጸላኢ ናብቲ ዘየላቡ ተኹሲ ምስተሳሕበ በቲ ቀንዲ ዝተጸንዐ ካልእ መኣዝን ከነጥቅዖ ክሕግዝ ተባሂሉ ይግበር ነይሩ። ኣብ ስርዓታት ድማ ብእዋኑን ቀሊሉን ዘይድህሰስ ፖለቲካዊ መናውር ኣሎ ። ግናኸ ትርጉማቱ ምስ ፖለቲካዊ ዲፕሎማሲ ወይ ዕላል 03 ከይተሓናፈጽ እናዘኻኸርኩ፡ መናውር ናብ ሸቶ ዘብጽሕ ስልቲ ምዃኑ ግና ክብሎ እኽእል ኢየ። ብፍላይ ኣብ ውሽጣዊ ቃልሲ እቶም ዘይሕጋዊያን መራሕቲ ብላዕሊ-ላዕሎም ‘ብሓልዮት ዝ ተኾምተረ’ ህዝባዊ ኣኼባታትን ጭርሖታትን እናዘውተሩ ብውሽጢ-ውሽጢ ጸረህዝቢ ክኸዱ ይረኣዩ። ምስጢሮም ተቓሊዑ ኣብ ዝጥቅዕሉ ወይ ዕድሚኦም ቆንቚኑ ናይ ምግባር ዓቕሞም ኣብ ዝጽንቀቐሉ እዋን ክሳብ ግዜ ፍርዶም ትመጾም እናተሰራ ጠዩን እንተተመሰለሎም’ውን ዝኾነት ትንፋስ ትስኩዕ ዝብሉዋ ክታብ ንምእሳር ከምቲ ዝኸሰረ ነጋዳይ ናይ ኢዶምን እግሮም ን ሸያይጦም ብዘጓነፎም ዋጋ ክሽምቱዋን ምግዳሎም ንቡር ተርእዮ’ዩ። ገደደ ናይቶም ተዋሳእቲ። ንሳቶም እምነቶም ደጒሎ ም ነገር ‘ትእዛዝ’ ኣዒንቶም እናፋጠጡ ንሓሶትን ትሕቲ ረብሓ ህዝብን ብሓሶትን ጥልመትን ክምስክሩ ክረኣዩ።

ናጽነት ኣብ ዝተኣወጀትሉ እዋን ህዝቢ ድማ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምንጋፉ ሃገሩ ክሃንጽ ካብቲ ናይ ቃልሲ ብዝተዓጻጸፈ ከምዝነቐለ ምንጋር ኣየድልዮን። እቲ ንሰውራ ኣብ በረኻኣ ከበርዕና ፈቲኑ ዘይከኣለ ስዉር ሓይሊ ድማ እታ ዝተዓትረት ናጽነ ት ኣይእንታዩን ኮይናስ ንዝጸንሐ ዓላማኡ ሓድሽ ጥበብ ተገጢሙሉ ንቕሎ ህዝቢ ኣምኪኑ ፍጹም ከንበርክኸና “ህግደፍ” ብ ዝብል ሓድሽ ኣወዳድባ ከምተበገሰ ኩልና ንዝክሮ። ህዝብና ድማ ህ.ግንባር ናብ ህግደፍ ምቕያራ ከም መሰጋገሪ ምዃና ኣሚ ኑ ጥራይ’ዩ ንሽዑዑስ ከም ግዜያዊት መንግስቱ ዝተቐበላ። ፖለቲካዊ መንነት ብቐሊሉ ተፈዋሲ ብዘይምዃኑ ድማ ወዮ ነገር ስልጣን ክመስል ዝጸንሐ ፈራዕራዕ (ቅዋማዊ ስርዓት እንተዝምስረት’ውን ህዝቢ ብዘይ ኣቶ ኢሳይያስ ንካልእ ኣይምመረጸን) እናሓደረስ ህግደፍ ብተግባራታ ካልእ ምዃና ከግህድ ጀመረ። በንጻሩ ንሳ ከኣ ዘታለለት እናመሰላ ኩሉ እኩይ ስራሓታ ክት ተሓሓዞ ተራእየት። እናለት እቲ ሓድሽን ሕሉፍን ኤርትራውነት ርክብ ከምዘይህልዎ ንምብታኽ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሓድሽ ወሎ ዶ (ክሳብ ካብቶም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝዓበዩ) ዙርያታት ካድረታት ከምዘሰልጠነት ብደቂቕ ፈለጥናዮ። ኣብ ማእሰር ቲ ሓለፍትና ድማ እቶም ስሩዓት መንእሰያት ነቶም ከገልግልዎም ዝጸንሑ ኣቦታቶም ‘ብልዑል ቆራጽነት’ ዳጎንዎም።

ዝብሎ ዘለኹስ እቲ ብውጹእ ሃገራዊ ምስሊ ተመላኺዑ ከታልል ዝጸኒሐ ጓና መራሒ ከም ውዕለት ዓስቡ ዝተጸበዮ መብጻዓ ስልጣን ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ዘይኮነትስ “ሓዳስ ኢቲዮጲያ” ክጭብጥ ምንባሩ ኣብ ድሮን ጽባሕን እዋን ናጽነት ተጋሂድልና’ዩ። እ ናሓደረ ምስጢራቱ ኣብ ቅድሚ ህዝብና ተኸሺሑ ክንሱ በታ ክፍትና ዝነበሮ ምምስሳልን መላኽነት ክደፋፍና’ኳ እንተተደራ ጎሰ ስለዘይማእምኦ ቁልቁል ኣፉ እናተደፍአ ሕጂ’ውን ብገለ ጥበብን እዝግዮታ ሓድሽ ኣምላኹን ነታ ብዓንተቦኣ ተፈቲና ዘይ ተዓወተት ማለት “ሓዳስ ሃገረ-ኣግኣዚያን” ክፈጥር ‘ይጋደል’ ምህላዉ ካብ ቅድሚ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ነዚ ሓሳብ’ዚ ክ ፍትን ድማ ትሕተ-ባይታ ከንጽፍ ስለዘለዎ ጓለባት ሃገርናን ህዝባን ብልክዕ ምቑጥቛጥ በዱ መሪት ክትባድም ንርኢ ኣለና።

ሰባት ንዝመረጽዎ በዱ መሬት ዝሓረይዎ ዘርኢ ንምዝራእ ነቲ ንቡር ወደባት ኣዝርእቲ ክቑጥቁጥዎ ኣለዎም። ዝቖጥቆጡዎ ዘ ራእቲ ገሊኡ ከም ሓጹር ከዳርቱዎ እንከለዉ፡ ነቲ ዘይተደላዪ ገፈጥ-መፈጥን ጉርማጸ-ሰራውርን’ውን ኣኻኺቦም እሳት ይርኩ ዑሉ። ዓላማ መረጽቲ ስቡሕ፡ መሬት ዝኾነ ምልስላስን ድኹዕን ከይደለየ ንዝተዋህቦ ሓድሽ ዘርኢ ብዝግባእ ከተኣናግድ ትጽ ቢት ከምዝግበረሉ ትንተና ኣይመድለዮን። እንተኾነ ክልተ ብድሆታት ከምዘለዋ ክፍለጥ ኣለዎ። እታ ሓንቲ ንእጀታ’ቲ መሬ ት ብርግጽ ምጽራይ፡ እታ ካልኣይቲ “ትጽቢት ዝተገብረሉ በዱ ነቲ ሓድሽ ዘርኢ ምቕባል እንተኣበየኸ?” ክምለሳ ምተገብአ።

መቸም “ዕዉር እንታይ ትደሊ?” ኢለሞስ ‘ብርሃን’ ከምዝመለሰ ይምሰል እንድዩ፡ ንሕና ድማ ትርጉም’ዛ ምስላ ከየጣለልና ባ ህግና ክሰምረልና ብሃውሪ ንምስላ። ግናኸ ዘይትግበር እንተተባህገ ኮንቱ ምንዮት ኮይኑ’ዩ ዝተርፍ። ምንዮት ፕረሲደንትናን ካልኦት ደለይቲ ጉልትናን’ውን ከምኡ በርዒኑ ከምዝተርፍ’ኳ እሙን እንተኾነ ምምናይ ግና ኣይገደፉን። እቲ ሓቀኛ ራኢ ግዜ ያዊ ፕረሲደንትና (ራኢ እንተ ነይርዎ) እንታይ ምንባሩን ሃለዋት ራኢኡን ኣጽኒሕና እምንቶ ህዝቡ ዘጥፍአ ስርዓት እምባኣር ምስ ክቱር ተስፋ ቆረጽነቱ ‘ኮንዶኾን’ ዘበገሶን ዕድመ እንተወሰኸን ኣብ ዓመት 2016 ጥራይ ኣንጻር ዓላማን መትከላትን ናይ ቲ ኣብ ህዝባዊ ቃልሲ ዝተመስረተ ግናኸ ንሱ ከምዝመርሖ ዝተወርየሉ ውድብ ህዝባዊ ግንባር “ትንፋስ ዘይህብ” ብዝብሎ ቅልጣፈን ብልክዕ ከምቲ ምቑጥቛጥ በዱ ልዕሊ ዓሰርተ መናውራዊ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ኢዩ።

ቅድሚ ብዛዕባ እንታይ ንምዝራእ ምዝራብና እስከ ገለ ካብቶም ቆጥቆጥቲ ካብዝብሉዎ ስዉር መልእኽታቱ ከም ንኣብነት፦

መቸም ኣቐዲሙ ህግደፍ ንህዝቢ መብጽዓ ከምዘይኣተወሉ ብወግዒ ኣፍሊጡ ኢዩ። ብምቕጻል ህግደፍን ህ.ግንባርን ሓደ ም ዃነንን ብዘይ ኢሳይያስ ህዝባዊ ቃልሲ ከምዘይምተመስረተን ምተዓወተን ዝዝምሩ ሰባት’ውን በተነ። ክሳብ ድማ እቲ ሰውራ

ንርእሱ ሽፍትነት ምንባሩን ስዉኣት ኣይንታዮምን ምዃኖምን ዝጉስጉሱ’ውን ተፈነዉ። ሞያን ጅግንነትን ቃልሲ ንምጅላሕ ተ ባሂሉ ካብ ዝፍኖ ዝተመርጸት “ቅያ 18 ደቓይቕ” እትስመ ስርሒት ኮማንዶ ኮንቱ ምንባራ ተከሻመሸት። ከምኡ’ውን ኣብቲ ሓ ለዋ ሰውራስ ብምሳረ (ፈራር)-ጎዞሞ ኣራእስ እሱራት ተጋደልቲ ክጎንኡ ብዓይኑ ዝረኣየ ከምዝነበረ ተሰምዐ። እንኮላይ እቶም መርመርቲ ኣእዳው ሰብ የምልቑ ምንባሮምን፡ ኣብ መጥቃዕቲ ሽዕብ ዝተማረኸት መኪና ባዕሎም ርእሲ ስዉእ ተጋዳላይ ቆሪ ጾም ጸላኢ ከምዝገበራ ኣምሲሎም ኣብ ቅድሚት ከምዘንጠልጠሉዋ ከምዝረኣየ’ውን መስኪሩ እቲ ከምዝነበረ ዘዘንተወ። . . .

“እቶም ስዉኣት ትብሉዎም ኣገልገልቲ ኢሳይያስ ኢዮም ነይሮም። ብተወሳኺ ንሳቶም ትግራይ ትግርኝ ክምስርቱ ኢዮም ተሰ ዊኦም” ዝብል ኽሕደትካ ግደፍ መንግስተ-ሰማይሲ መንግስተ-ምድሪ’ውን ዘሐውስ ዘረባ ኣይኮነን።

እቲ ጅሉሐ-ብዙሕ ዘመተ ፍሉጥ’ዩ። ብሓፈሻኡ ሰውራ ኤርትራ፡ ብኣውራኡ ህ.ግንባር ህዝባዊ ቃልሲ ከምዘይነበረ ክእመን ዘይተገብረኮ የለን። እንተ ብዛዕባ’’ቲ ዝተባህለ’ሞ “ኣብ ስርሒት ኮማንዶ ክንደይ ነፋሮ ቆርየን?” ዘይኮነ ነቲ ክንድኡ ጽኑዕ ዝ ሓለዋኡ ሰንጢቖም ኣትየሞዶ? ወዲ-ረጋሒት ኣብኡ ተሰዊኡዶ? መንግስቱ ሃይለማርያም ቅጽበት ካብ ቤተ-መንግስቱ መጺኡ ነቲ ዝጉተት ዝነበረ ስዉእ ብክብሪ ክቕበር ኣይኣዘዘን ዲዩ?” ክትብሉ ምደለኹም ትኾኑ። “እቲ ብፌሮ ዝኣሰርዎ ኣእዳውከ ም ምላቑ ንምንታይ ኣድለየ? ዘይስማዕ መቕተሊ ብኾፉኸ ንምንታይ ብምሳረ-ፈራር ምንፍርፋሮም ተደልዩ?” ክትብሉ’ውን ምደ ለኹም። ግናስ ኩሉ ከምዝነበረ ብዝነበረ ከምዝተመስከረ’ሞ ሰሚዕና። እንኮላይ ዝምክት እንተሎ ይዕድም ነይሩ ኣዘንታዊ።

“መን ኢዩ ናይዚ ክንድዚ ዘመተ ተሓታቲ? ንምንታይከ’ዚ ኩሉ ምድንጋር ተደልዩ?” ዝብል ሕቶ’ውን ኣየድልየኩምን። ምኽን ያቱ ዝኾነ መንግስቲ ኣገልገልቱ ስለዝቖጽር ቅድሚ “መንዮም”ሲ ናየናይ መንግስቲ ምዃኖም ድሮ ፍሉጥ ስለዝኾነ። እንተ’ቲ ዝግበር ዘሎ ናይ “ዝቃወም ይምጻእ” ዝዓይነቱ ባዶ ምጉብዕባዕ’ሞ ጽባሕ ብዘይ ህዝባዊ ጠለብን ብዝገፍሐን ክዝራእ ተደልዩ ንዘሎ ዝምታ መሬት ዝዕንቅፉ ስዉዳት ተቓለስቲ እኒመን ንምድህሳስ ዝዓለመ ከምዝኾነ ንመን ካብህዝቢ ሃገርና ከየደናግር!

ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ዝተባህለ ምስ እንርኢ’ውን ገሊኡ ውጹእ ሓሶት፡ ገለ’ውን ውጽኢት ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ብምንባሩ፡ ንወ ዮም ከም ኣብ ዜና፡ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕን ሓለዋ ሰውራን ዝኣመሰሉ ክፍልታት ዝነበሩ ስነ-ጥበበኛታትና ኣኣብዘለዉዎ ዕድ መን ጥዕናን እምነየሎም። ብዘይ ከምኡ ዝኣመሰለ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ ድማ ጸላኢ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ከነሰንፎ ይከኣል ከም ዘይነበረ እርዳኣኒ ኢዩ። ናይ ሎሚ ወቐሳይ ግና ወዮም ክኢለታትና ኣብዛ ፈታኒት እዋን ምስቃጦም ከይኣክል ገለ’ሞ ክሳብ ብ ግህዶ ደድሕሪ’ዚ ዝነፍጽ ዘሎ መንእሰይ እናሰዓቡ ክድህልዎን ከባህርሩዎን ክጓየዩ እንከለዉ፡ ወዮ ሰብ ዝሰኣነ ንኡስ ወሎዶና ድማ ነዛ ንኽነብር ካልእ ናይ ዑቕባ ዓለም እንተትህሉ’ውን ከምዘይምነሓፋን ክርአ ክኢላታትና ንሓዋሩ’ውን ሱርና ኣብ ዝም ሑ ስራሓት ምስታፎም ከይደነቐና ስለዘይተረፈ ኢና ባሌህታና ነስምዕ ዘለና።

ንነገሩ ንሕና ተጋደልቲ’ውን ግዳይ ናይቲ ዝስራሕ ዝነበረ ጥበባዊ ስራሓት ንኸውን ምንባርና ትፈልጡዎዶ? ብዛዕባኡ ንምባል ኣወንዚፍና ኣብ ቃልሲ ውዕሎ ስነ-ጥበብ ኣዝዩ ልዑል ተራ ከምተጻወተ ዝፈልጥ ዘበለ፡ ክኢላታትና ሎሚ ኣብ ዕንወት ሃገርና ክሳተፉ ክረኣዩስ ኣይግብርን። እንተኾነስ ቀንዲ ጥረ-ነገር ድማ እቲ ከምጸላኢ ዝተሓረየ ደላይ ፍትሒ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ህግደፍ ብዘይተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ ኢድ የብላ እግሪ። ማለተይሲ እቶም ደለይቲ ፍትሒ’ውን ብሰሪ ድኽነትን ባህርን ፖ ለቲካ ንኾኖ ዘለና እናፈለጥናዮ መሳርሒ ገዛኢና ካብ ምዃን ኣይተናገፍናን። ብኡ መንጽር ደጋፍን ተቓዋምን ኩሉ ንሃገሩ ከ ምዝሰርሕ እናኣመነ፡ ፍልልዩ እቶም ንርግኣት ምልኪ ዝዓዩ ሰብ ውልቃዊ ረብሓን ጎሳዕቲ ደምን፡ እቲ ንለውጢ ዝጋደል ድማ ንሃገሩን ብጥሩሑን ዝውፈ ምዃኑ ጥራይ ኢዩ። መንነት ቀተልትና ይቃላዕን ይስነድን ምህላዉ ግዳ ዘይምዝንጋዕ።

ዝኾነ ኮይኑ ብዛዕባ’ቶም በቢዓይነቶምን ብዙሕ ዝመልእኽቶምን ወፋሮ ዝመጸ’ሞ መማህራን ብምዃኖም ክንዲ ምጽያሮምን ምቁንጻቦምን፡ ብኣኽብሮት ክንዲ ተልእኾኦም ብዝዳረግ ምስልታት እናሃብኩም ክትገጥምዎም ትኽእሉ። ንበል ካብ ብሁል-

“ንነገሩ ሓደ ጠበንጃኡ ተኾልዂሉ ኣብ ዋላ ዝተሰቕለ ሓለዋ ወይ ዱጓናኸ ከመይቢሉ ነቲ ኣብ ሞንጎ መርመርትን ተመርመር ትን ዝነበረ ቅልስን ናይ ጉርሒ ኲናትን ክፈልጥ ክኢሉ? ዶስ ኣብ ሞንጎ’ቶም ዝጠቐሶም መርመርትን እቲ ኣብ ኢቲዮጲያ ከይ ዱ ብህዝቡ ዘልቀሰን ኣብኣ ዝዓረፈን ኣባሎም ነበርን ፍልልይ ከምዘይብሎም ከምስል ክብል ይኸውን?” ዝብል ሓሳብ ክፍትነ ኩም ይኽእል። ብተወሳኺ፦

“እዞም ዘመናውያን ተቓለስትናስ ‘ጸላኢና’ ዝብሉዎ ስርዓት ብኾፉ፡ ምስ ዝሓለፉ ስዉኣት ዝተሓናነቑ ኣጉባዝ ካብ ኮኑ ንርእ ሶም ብሓቂ ህሉዋት ዲዮም? ካብቲ ምስ ሬሳን ቃሬዛን ዝከራተም ስርዓትከ ብምንታይ ይፍለዩ? ብዓቢኡ ሃገራውያን ተቓለስ ቲ፡ እሞ ድማ ኣባላት ናይቲ ብ”ስምረት መንእሰያት ንለውጢ” ዝስመ ምንቅስቓስ ከምዝኾኑ ካብገለጹስ ካብውድቦምከ እን ታይ ንጽበ?” ዝብል ሓሳብ ክመጸኩም ይኸውን። እንተ ናይቲ ስዉኣት ንምስረታ ትግራይ ትግርኝ ከምተሰውኡ ተመሲሉ ዝ ውረ’ሞ ከምቲ ተሓጓሚ ብኾፉ ተሓዝ ልበ-ርእሲ ምጥራጡስ እንታይ ክዝረቦ! ወያ ዘይትደልየኩም ትግራይ ዳሳ ሰቢሕላን ተመላኺዓን ከተውደኽድኽ እንተተራእየትስ ንምንታይ ንኢቲዮጲያውነታ ከተበላሹዉላ ከምዝደልኹም ከይዓጀባ ኣይተረፈ ። ደቂ ዓዳ ኣምሓሩ፣ ዘረባኣ መንፈሳ ኣምሓራ ክንሱ ንምንታይ’ዩ መሓልፎ ብሕምብጢጥ ተሓላቕነትኩም ኤርትራውያን?

ዝኾነ ኮይኑ ንኹሉ ዝኸውን ግዜን ትዕግስትን ክህሉ ጽቡቕ እንድዩ፡ ኣብ ክንዲ ብስምዒት ናብ ምድቓቖም ንኣቱ ሰብናን ኩነ ታትናን ክንመሚ ይግባእ። እቶም ዝቃለሱ ዝመስሎም’ውን ዝመጾም ስለዝፈልጡ ብስም ‘መሰል ምዝራብ’ እናጠቐሱ መኣዝ ንኩም ከስሕቱ ምእንቲ፡ “ስልጣን ከይሓዝኩም ከምኡ ዝገበርኩምድኣ . . . .” እናበሉ ካብሕጁ ዲክታቶራት ከምዝኾንኩም  ኣምሲሎም ክኸስኹም ይስምዑ። ዝኾነ ኮይኑ ህግደፍ ክሽፍኖ ዝደለየ ገበናቱ ተቓሊዑዶ ኣይፋል ክፈልጥ ደልዩ ስለዘሎ ጋና ውን ካልእ ክስዕብ ምዃኑ ኣይትጠራጠሩ። ድሮ’ኳ እቲ ኣውራ መናውር ህግደፍ ምስረታ ሓድሽ ሃገርነት ምዃኑ ንሪኦ እነና።

ህግደፍ ሓዳስ ዝተመጻረየት ሃገር ከይሰርሐ ንዕቤትን ርግኣትን ሃገርና ከምዘይሰርሐን ዘይሰርሕን ብግህዶ ክጉስጎስ ተጀሚሩ ኣሎ። ንዚ ዝመጽእ ርብዓ ዘመን ብሓድሽ መንፈስን ግብርን ከምዝነቐለ ክመስል ምእንቲ ድማ ኣርባዕተ ወሎዶ ዝጥይቕ ሓድ ሽ ታሴራ’ውን ክምላእ ምዃኑ መልእኽቲ ልሒኹ ኣሎ። ነቶም ብገንዘቦም ዜግነትና ዝዓደጉ ካልኦት ከኽሽፎም ደልዮዶኾን?

ኣስተውዕሉ፦ ዜግነት ብእንዳቦ ወይ እንዳኖ ከምዝዕደል፡ ክሳብ’ውን ብምርጫ ወይ ብፖለቲካዊ ጉዳያት ከምዝዕደል እናተፈ ለጠ ንምንታይ ሓድሽ ምጽራይ ይድለ ከምዘሎ ክትበራበሩሉ ኣለኩም። እንተ ብወገነይ እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ኣብ ሕርያ ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ ከምዝተጠቕመሉ ስለንፈልጥ ሎሚ’ውን ብምዕዝምዛም ናይቲ ንኣብ ኢቲዮጲያ ዘሎ ኩነታት ክቆጻጸር ዝሓገየ ን ዝኸረመን ጀነራል ስብሓት ተጎልቢቡ ከምቲ ዝውረየሉ ዘሎ ብወዛ ወይ ብወግዒ ዝሓደሰት ንእሽቶ ነበር ስውርቲ ህግደፍ እንተተኣወጀትከ እንታይ ለውጢ ከይተምጽእዶስ እቲ መጽናዕቲ ናይ ኢቲዮጲያ ተወዲኡን ናብ ትግባረ ተበጺሑን?

ብዛዕባ ምቑጥቛጥ’ሞ ብርግጽ ተቖጥቚጥና ኢና። እንተኾነስ “እንታይ ዓይነት ዘርእታትኮን ተቛጺሩ ይህሉ?” ጥራይ ዘይኮነ እ ቲ ምሩጽ ዝብሉዎ ዘርኢ ናይቶም ኤርትራውያን ጥፋእ ገዛእቲ ጣልያን ከምዘልመጽና እናከሻመሹ ንርእሶም ንልዕሊ ምኢቲ ዓመት ኣብ እግሪ ገዛኢቶም ኣምሓራ ዝሰገዱ፣ ዝተደሰቑን ምስሎም ዘህሰሱን ተጋሩ ኣሕዋትና እንተኾይኑ፡ ንሱድኣ ድሮ ኣብ ገግራትና ዝተዘርአ’ምበር ሓድሽ ዘርኢ ዲዩ? ፕረሲደንት ኢሳይያስከ ብርግጽ ዘርኢ ኦሪትነት ተዘሪኡ ክበቑልን ክስውትን ይደ ሊ ዲዩ? ዝደሊ እንተኾይኑ እንታይ ኮይኑ ነቶም ሰብ ከሰላ ኣሕዋቱ ክሳውዶም ከምዝጉናእ ተበላሒቱ? እንታይ ኮይኑኸ ነቶ ም መምህርናን ኣቦናን ኣቶ ወልወል ኣቃቢጽዎም? ታሪኽ ከምተረስዐ ብዝመስል ኣብሎሚ ኮይኑ ኢሳይያስ ንእኒ ኢብራሂም ዓፋን እኒ ዓሊ ስዒድን ዝኣመሰሉ ከምዘቃበጸ ካብ ምዝንታው፡ ትማሊ ብጅምላ ሰለስተ ጎባልል ጀነራላት ብሓንቲ ረፋድ ከ ምዝቖሓመ ትፈልጥዎ ሓቂ ኣሎዶ? ትፈልጥዎ ነገር ኣሎ ዲዩ ምስጢር ሕልፈቶምን ትሕዞ ናይቲ ሬሳ ጀጋኑ ከምዝሰተረ ብክ ብሪ ተጸይሩ ኣብ ጸጸራት ከምተቐብረ ዝረኣኹሞ ሳናዱቕ ሬሳ ብጾትና?

እንተ ኣነ’ሞ ከምገለ ቃል እንተኣበጪቘ መልሓሰይ ክትጭረም ምዃና ስለዝተፈከረለይ ዘሪጠ ዘስቀጥኩ ዝመስሎም እንተልዩ ም ከምቲ ቃል ብርሃነ ኣፍሮ ተኾድጮም ይሕደሩ’ምበር ሓንቲ መዓልትስ ኣላ። እንተ’ታ ለቖታ ወዲ-ብሪ’ሞ ከምቶም ዓሰብ ቱ ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ካብዘይደለዮ፡ ዘይፈለጥናዮ ካልእ ቁጻር እንተልይዋስ ተዘሪኡ ክበቁል ማለት ዘበት!

ዝኾነ ኮይኑ ገለ ርኢቶ ናይቶም ዝቐነዩ ዘመናውያን መከሻመሽቲ ሕሉፍ ቃልስና መበገሲ ጌርና ምስ’ዚ ሎሚ ዝምድር ዘሎ ቁ ርጺ ተ/ይ ተመስገን በርሀ ኮይኑ ዝረኣየኒ ዘሎ መምህር (ኣቶ ተስፋጺዮን) ብምንጽጻር ዝመሰለኒ ዝብለሉ ክፋል ከቕርብ ኢየ’ ሞ፡ ተስፊት ድማ እንኳዕ ብሰላም ተመለስካ። ገለ ወስወስታ እንተዝነብርሲ ክሳራ ሃገር ከይኸውን ሓሲብናሉን ልብታትና ኣ ጎምቢናሉን ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ምዒድና ስለዝተሰማዕና፡ ብርግጽ ልቦና ናይቶም ንስኻ ገና ስልጣን ከይሓዙ ከም መለኽ ቲ ዝወንጀልካዮም ኣብ ኢስራኤል ዘለዉ መንእሰያትና፡ ድላይካ ኣዛሪቦም ናጻ ስለዝሰደዱኻ ልቦንኦም ከምዝዓዘዘ እናተሓበን ኩሎም ክሳብ ዳግማይ ንራኸብ ኩሉኹም ድሓን ቀንዩለይ።

ጐደፋ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde March 2, 2017

    Memoirs of how EPLF morphed into HGDEF. It has been told implicitly and explicitly over and over again.Bottom line,who do we identify with?,where do we go from here?, or does it matter anymore?….there is a clear and present danger today who is threatening our collective existence as Eritreans, regardless how we placed this noose around our neck,do we just wait for a sharp shooter split the rope to free us or let our tormentor kick the stool from under our feet and sway to oblivion?

    • k.tewolde March 2, 2017

      In conclusion,let listen to our gut and make a decision like yesterday,we are in survival mode!

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply