Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ብዝገበረሉ ዘሎ ምቅላዕ ዝተሻቐለ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምፍሓስ ከምዝርከብ፣ ምስኡ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ‘ውን 7 ኣባላት ምክትታል ዶባት ከምዝኣሰረ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ን 15 ዓመታት ብዘይ ገበንን ፍርድን ኣብ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክሳቐ ጸኒሑ ብጅግንነት ምቑሕ ናይቲ ጨካን ስርዓት ሰይሩ ብትብዓቱን ብልሓቱን ነጻ ዝወጽአ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ምስ ድምጺ ኣሰና ብዝገብሮ ዘሎ ግሉጽን ዓሚቝን

እቲ ን 15 ዓመታት ብዘይ ገበንን ፍርድን ኣብ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክሳቐ ጸኒሑ ብጅግንነት ምቑሕ ናይቲ ጨካን ስርዓት ሰይሩ ብትብዓቱን ብልሓቱን ነጻ ዝወጽአ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ምስ ድምጺ ኣሰና ብዝገብሮ ዘሎ ግሉጽን ዓሚቝን ተኸታታሊ ቃለመጠየቕ ንባርባርነትን ውዲትን ኢሳይያስን ስርዓቱን ዝገብሮ ዘሎ ጽጹይ ምቅላዕ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ውዕዉዕ ተሰማዕነት ብምርካቡ ዝሰንበደ ሽፍታ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ኣብ ህዝቢ ሓዲሩ ዘሎ ቁጥዐን ነድርን ንምዝሕሓል መድሓኒ ገጽ ንምርካብን ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ ይኣልም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሎሚ ቕነ ናይ ካድረታቱ ጸበብቲ ኣኼባታት ብምክያድ፣ ፓይሎት ደጀን ምስ CIA ርክብ ከምዝነበሮ፣ ናብ መንግስቲ ኣመሪካ ሓበሬታ የታሓላልፍ ከምዝነበረ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ነጻ ዘውጽኡዎ ‘ውን ናይ ኣመሪካ ሰለይቲ ምዃኖም ናይ ሓሶት ጸብጻብ ዝሓዘ ዘነድ ብምድላው ብወግዓዊ መንገድን ባዶ ሰለስተን ነዚ ናይ ጸለመ ወረ ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሕ መደባት ሂቡዎም ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

በዚ ኣብ ስውራ ዓብዩ ሃገሩ ንምግልጋል ተወፋይነቱ ብግብሪ ዘርኣየ በሊሕን ተባዕን ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ዝገብሮ ዘሎ ምቅላዕ፣ እቶም እሙናት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ከይተረፈ ብጭካኔን ሕጊ ኣልቦነትን እቲ ዓማጺ ስርዓት ሰኪሖም ብጋህዲ ይጽይኑዎ ስለዘለዉ፣ ነቲ ወትሩ ምስጢራቱን ክፍኡን ምስ ተቓልዐ ነዚ ዓቅሊጽበታዊ ኣጕል ናይ ጸለመ መደብ ክኣትዎ ከምዝተገደደ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፣ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ‘ኣጻምእ ደንከል ሰጊሩ ባሕሪ ቆሪጹ ክሳብ ዝሳገር እንታይ ትገብሩ ኔርኩም’ ብዝብል ምኽንያት 7 ኣባላት ምክትታል ዶባት ኣሲሩ ከምዘሎ ‘ውን ተፈሊጡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
107 COMMENTS
  • Almaz Gual Asmera May 30, 2014

    ሓስዩ ዘይርብርብ ስርዓት ጉድ ርኢና! ወዲኒ ንወዲኒ ዝመርሕዎ ጉጅለ ብዘይካ ናይ ዕለቱ እምበር ናይ ጽባሕ ዘይሓስብ ፍንፉን ብሕዝቡ ፍንፉን ብዓለም፣ ነቲ ኳዕናን ሕዝቢ ኤርትራ ዘይበቕዕ ምሕደራ ተዃሉ። ኮበርታ ከም ዝሓጸረቶ ነዊሕ ሰብ ክንደይ ሳዕ እሞ ዘይሽፈን ሓቂ ኪትሽፍኑ ክትነብሩ ኢኹም።
    ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ ነበር ኪብሃል እዩ። እቶም ዓንተራት መሓዙት እዚ ጨካን ገበል (ከም ብዓል ቃዛፊ፣ ሙባረክ…) እኳ ኣይደሓኑን። ንሱውን ናይ ኢዱ ዝረኽበላ እቶም ብሃማት ሰዓብቱ ኸኣ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ሰንፈለል ኢሎም ዝተርፉላ ርህውትን ዲሞክራሳዊትን ኤርትራ ንፍጣር ንቃለስ። መራሒ ስኢኑ እምበር ካብ መሳትኡ ዝሓምቕ ሕዝቢ ኣይኮነን ሕዝብና፣ ግዜ ይነውሕ እምበር እቲ ካብ መጀመርያኡ በረኻ ዘውፈረና ፍትሓውን ሰላማውን ቅሱንን ህይወት ኪንበጽሖ ኢና። ኣምላኽ/ ኣላህ ንመን ኢልዎ!!!

  • sam May 30, 2014

    nice job assenna – you playing at a nice tempo . . .even nullifying the future “stupid-and-routine” mind games of the filthy gang . . .

  • Tes May 30, 2014

    Anbesa Dejen “Aghenaa Ade Welida Timken!

    A courageous person like you is what Eritrea lacks. We are witnessing land full of Zombies who dance on top of their dead brothers and sisters. Completely a lost generation. HGDEF inflicted maximum damage our core value of our social norms. HGDEF Changed the whole generation to sheep who are willingly go without a fight in to a slaughter room. You showed us how to fight for our right. Yes it is better die fighting and free than slow death under slavery.

    Aghenaa again!

  • Efram Yemesghen May 30, 2014

    Great job depending !

  • nobel May 30, 2014

    my brother dejen your interview tech us not to give up but also weak up, when we hear your voices it remind us how Mach weak we are thank you for inspiration God bless you

  • birhane May 30, 2014

    I swear this is my early x-mass gift thanks Assenna team!!! why would CIA break him out after all this 15 years only him? nah hgdfawian Dejen must be the first eritrean real SPYderman!!! lol

  • Medber May 30, 2014

    Isyas wedeu eu gemgem tsedfi eu zelo zedfeo eu sienu nehzbi Eritra dendinwo nekwo eu hku dema nenhedhedna nemnachet allena naytom tsemamat degfti gedfca .
    Dejen I am proud of you , hgdf and semammat degfti beray weldu keblu sundry eyom because they are too cheap.
    Gizie akelu eu tebges warsay entay tesbe aleka.
    Awet nehafash wedkat nefshfashn neleklekten.

  • MightyEmbasoyra May 30, 2014

    እንድሕር ሲ.ኣይ.ኤ. ካብ ቤት ማእሰርቲ ከውጽእዎ ዝኽእሉ ኮይኖም, እንታይ ደኣዩ’ሞ ኢሳያስ በራዕርዕ ዘብሎ? ብሓንቲ ብረት ካብ ዓዶም ከይወጹ ክሕምሽሽዎ ከምዝኽእሉ ይፈልጥ ‘ዶ ‘ኸውን? ንዓኻ ኳ’የ ኣታ ጃዕባብ ኢሳያስ። ኩሉ ግዜ ንሰብ ከተጸልም ጥራይ? ደጀን ብሕምቀት ዋርድያታት ዘይኮነ፤ ብመንፈዓት ናቱ’ዩ (ብናይ ኣምላኽ ሓገዝ)ወጺኡ።
    ካልእ ነገር ድማ፥ ኩሉ ሽጣራታትካ ስለ ዝተገጠመ፣ ሓዲሽ ክትምህዝ ፈትን። ነዛ ምኽሪ ዚኣ ኣይተስተዋሕዳ። ኣሰና ትከታተላ ኢኻ ስለ ዝሰማዕኩ ‘የ።

    • Awet Nihafash June 1, 2014

      MIGHTY E.
      HAA…i like your sense of humour,,,ketslo delay fithi hawna

  • Abisho May 30, 2014

    ASEY, ASEY, ASEY,Asena biDejen hawna tehagusna gena win kinhgos ena betom ziterefu jeganuna. Ere kisetiu eyom Hgdef Tselaetina nihna kinhigos kelena. Gena tarik kiserhu eyom Esuratna.

  • Said Adem May 30, 2014

    የቀንየልና ደጀን ኣንቃዕ ሓጎስና ዝተረፉ ንዓኻ ይማስሎም ሪትራውያን ካብ ደጀን አንታይ ክንማሀር ንኸኣል
    1- ብጽንዓትን ቃልስን ክንዕወት ክምኣንኽኣል
    2- ተስፋ ዘይሙቅራጽ
    3- ስርዓት ህግደፍ ቦኽቢኹ ክምዘሎ
    4- ኣተሕዛ ኣሱራት ኣንታይ ይመስል
    5-ሜላታት ህግደፍ
    6- ወዘተ””

POST A COMMENT