Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ብዝገበረሉ ዘሎ ምቅላዕ ዝተሻቐለ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምፍሓስ ከምዝርከብ፣ ምስኡ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ‘ውን 7 ኣባላት ምክትታል ዶባት ከምዝኣሰረ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ን 15 ዓመታት ብዘይ ገበንን ፍርድን ኣብ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክሳቐ ጸኒሑ ብጅግንነት ምቑሕ ናይቲ ጨካን ስርዓት ሰይሩ ብትብዓቱን ብልሓቱን ነጻ ዝወጽአ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ምስ ድምጺ ኣሰና ብዝገብሮ ዘሎ ግሉጽን ዓሚቝን

እቲ ን 15 ዓመታት ብዘይ ገበንን ፍርድን ኣብ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክሳቐ ጸኒሑ ብጅግንነት ምቑሕ ናይቲ ጨካን ስርዓት ሰይሩ ብትብዓቱን ብልሓቱን ነጻ ዝወጽአ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ምስ ድምጺ ኣሰና ብዝገብሮ ዘሎ ግሉጽን ዓሚቝን ተኸታታሊ ቃለመጠየቕ ንባርባርነትን ውዲትን ኢሳይያስን ስርዓቱን ዝገብሮ ዘሎ ጽጹይ ምቅላዕ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ውዕዉዕ ተሰማዕነት ብምርካቡ ዝሰንበደ ሽፍታ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ኣብ ህዝቢ ሓዲሩ ዘሎ ቁጥዐን ነድርን ንምዝሕሓል መድሓኒ ገጽ ንምርካብን ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ ይኣልም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሎሚ ቕነ ናይ ካድረታቱ ጸበብቲ ኣኼባታት ብምክያድ፣ ፓይሎት ደጀን ምስ CIA ርክብ ከምዝነበሮ፣ ናብ መንግስቲ ኣመሪካ ሓበሬታ የታሓላልፍ ከምዝነበረ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ነጻ ዘውጽኡዎ ‘ውን ናይ ኣመሪካ ሰለይቲ ምዃኖም ናይ ሓሶት ጸብጻብ ዝሓዘ ዘነድ ብምድላው ብወግዓዊ መንገድን ባዶ ሰለስተን ነዚ ናይ ጸለመ ወረ ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሕ መደባት ሂቡዎም ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

በዚ ኣብ ስውራ ዓብዩ ሃገሩ ንምግልጋል ተወፋይነቱ ብግብሪ ዘርኣየ በሊሕን ተባዕን ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ዝገብሮ ዘሎ ምቅላዕ፣ እቶም እሙናት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ከይተረፈ ብጭካኔን ሕጊ ኣልቦነትን እቲ ዓማጺ ስርዓት ሰኪሖም ብጋህዲ ይጽይኑዎ ስለዘለዉ፣ ነቲ ወትሩ ምስጢራቱን ክፍኡን ምስ ተቓልዐ ነዚ ዓቅሊጽበታዊ ኣጕል ናይ ጸለመ መደብ ክኣትዎ ከምዝተገደደ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፣ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ‘ኣጻምእ ደንከል ሰጊሩ ባሕሪ ቆሪጹ ክሳብ ዝሳገር እንታይ ትገብሩ ኔርኩም’ ብዝብል ምኽንያት 7 ኣባላት ምክትታል ዶባት ኣሲሩ ከምዘሎ ‘ውን ተፈሊጡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
107 COMMENTS
  • mussie June 1, 2014

    ደጀን አንበሳ እቲ ብፊልሚ ንፈልጦ ዚነበርና (ዘደንቀና ዝነበርና) ብተግባር ሰሪሕካዮ ስለዚ አብ መጻኢ አብ ሐቀኛ ታሪክ ዝተሞርከሰ ፊልም ንጽበ።

  • Berhe Tensea June 3, 2014

    Dejen is real hero. We must thak also those real Eritreans whowhose names is not disclosed at this time for their bravery and services. We have real Eritreans unlike the the Tembenis who feel the pain and agony of the people.
    The regime is in its final stages and soon will be gone. The next task to collect the colabrator in and out of the country and dumped in the hundreds of prisons like Meetier Eraero.
    People must also understand that there will be revange awaiting them especially for those who gladly serving the Tembenis in North America.

  • farhan June 3, 2014

    ድጀን ኤርትራዊ ማንዴላ መጻኢ ፕረስደንት ሃገረ ኤርትሪያ

  • Wedebat Eritrea June 4, 2014

    Conguratulation Dejene Ande Hishel. It is amazing action you took to save your life that turamtized Issayas Afewerki Wedi Tiembien that his ancestors escaped to Eritrea to save their life from revenge of Allula Aba Neg’s relatives.
    The relative of Atse Yohanes the fourth king of Ethiopia. The Eritreans do not expect any thing from Issayas that did not acknowledge his background history. It is shame to us that we gave him to commit crimes to Eritreans.

  • yodit June 5, 2014

    እዚ ፍቃድ እግዚኣብሄር ኣምላክ አዩ ተመስገን ኣምላክ።ናይ ድጀን ሃዉና ከኣ ኣምላክ ከምቲ ንኤልያስ ብሰረገልኡ ገይሩ ዚወሰዶ ናይ ደጀን
    ሃዉና ከኣ ብ ሰረገላ ናይ አኤልያስ ገይሩ አዩ ወጺኡ ተመስገን ኣምላክ ን ኩሎም ኣብ እስሩቤት ዘለዉ ከኣ ፍቲሂ የዉሪደሎም ኣሜን።

  • THE NOBEL TEACHER. June 5, 2014

    Highly respected Ertirean sisters and brothers.

    I wanted to make you feel useless, I wanted to erase your Ertrean pride and your unmanageable unity.
    I used many cyber names on asmarino.com, on facebook, on demo.archive.assenna.com
    to carry out my plan.

    Please forgive me. I needed the money and Eseyas pays good.

  • GLORY June 6, 2014

    I’m so proud of Dejen’s extraordinary courage and unimaginable determination to brake the chains! Glory be to God!

  • wedi Keren October 2, 2014

    ኣገናዕ ፓይሎት ነቶም ተሪፎም ዘለዉ እሱራት ከማኻ የማስሎም

1 6 7 8

Post a Reply to Berhe Tensea Cancel Reply