Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ፍትሓውነት ካብ ነብስኻ’ዩ ዝብገስ” “እኩባት ፍትሓውያን ድማ ፍትሒ የንግሱ” መልሲ ንዶክተር ጊደዎን ኣባይ

ታሕሳስ 11/2011 ዶክተር ጊደዎን ኣባይ ኣብ ቶሮንቶ፣ ወ/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ኣብ ሳንሆዜ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ከካይዱ እንከለዉ ግሪኻዊ ላምብሮ ዝመርሖ ድማ ኣብ ዊኒንፔግ ብውሑዳት ሰባት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ዶክተር ጊደዎን ኣባይ፣ ማዕቀብ ኣንጻር ኤርትራ ኣብ 1998

ታሕሳስ 11/2011 ዶክተር ጊደዎን ኣባይ ኣብ ቶሮንቶ፣ ወ/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ኣብ ሳንሆዜ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ከካይዱ እንከለዉ ግሪኻዊ ላምብሮ ዝመርሖ ድማ ኣብ ዊኒንፔግ ብውሑዳት ሰባት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ።

ዶክተር ጊደዎን ኣባይ፣ ማዕቀብ ኣንጻር ኤርትራ ኣብ 1998 ተጠኒሱ ከምኡ ኢሉ ተጻብኦታት ብዝተፈላለየ መልክዓቱ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2009 ቀዳማይ መልክዑ ተጋሂዱ ቀጺሉ ድማ 2011 ጋህማም ሳንክሽን የሕሊፎም ኢሉ። ቀጺሉ ታርኽና ታሪኽ ናይ መኸተ’ዩ፣ ኣቦሓጎታትና መኪቶም፣ ኣቦታትና መኪቶም፣ ንሕና መኪትና፣ ደቅናን ደቂ ደቅና’ውን ክምክቱ’ዮም፣ እዞም መንእሰያትና ብፍላይ ናይ ቶሮንቶ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ፣ ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዘለኹም ወለዲ ብፍላይ ወ/ሮ ገነት ገብረእየሱስ መንእሰያት ንሳዋ መሪሓቶም ምኻዳ ንኢዱዋ።

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕቡእ ኣጀንዳ ከምዘለዋን ንሱ ድማ ንሶማል ኣብ ሰለስተ ክመቕሉዋ፣ ንኢራቕ ምቁጽጻር፣ ንሱዳን ድሮ ኣብ ክልተ መቒሎማ፣ ንኤርትራ ድማ ልዕሊ ሳንክሽን ዝኸይድ ንኤርትራ ብ ኢትዮጵያ  ናይ ምጉባጥ ( Ethiopia Occupied Eritrea) ኣጀንዳ ከምዘለዎም ብማፕ ዝተሰነየ መግለጺ ሂቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስሕሓብ ዶብ ምስ ጁቡቲን፣ ንተቓወምቲ ሶማል የሰልጥን፣ ብረት ይዔጥቕ፣ ናይ ፋይናንስን ሞራልን ሓገዝ ይገብር፣ኣብ ኣዲሳኣበባ ንዝካየድ ዝነበረ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዋዕላ ንምዝራግ ግብረሽበራዊ ተግባራት ኣብ  ምሕንጻጽ፣ ምስልጣን፣ ምምዋልን ከምዝተዋፈረ እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሞኒተርን ግሩፕ ጠቂሱዎ ኢሉ። ዊኪሊኪስ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘቃልዖ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ናይ ቦምብ ምፍንጃር ባዕላ ኢትዮጵያ ከምዘጻወደቶ ዊኪሊክስ ዝጸሓፎ ሓቂ ምኻኑ ጠቒሱ። ሞኒተርን ግሩፕ ኣብ ግብረ ሽበራ ዝተዋፈረ ኤርትራዊ ኮነረል ገመቹ ኣያና ከምዝጠቐሰ ገሊጹ፣ ዶክተር ግደዎን ኣባይ ገመቹ ኣያና ዝበሃል ኤርትራዊ ከምዘይብልናን ሓሶት’ዩ ኢሉ። እዚ ኹሉ ክዕንቅፉና ዝፍትኑ ዘለዉ እቲ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ነብስኻ ምኽኣልን፣ናጻ ፖሊስን ዝብል መትከላት ስለዘይዋሓጠሎምን፣ ንረብሖኦም ከቐድሙ ስለዘይፍቅደሎምን’ዩ ኢሉ። ቐጺሉ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባርን ተወፋይነቱን ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሮ ሕቡቡነትን ጠቒሱ፣ እዚ ድማ ምዕራባውያን ኣይተዋሕጠሎምን። ከም ኣብነት ክኣ ንኣውስትራልያዊ ቶማስ ክኒሊ ኣብ (To Asmara) ዝብል መጽሓፉ ዘስፈሮ ጽሑፋት ጠቒሱ።

ው/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም  ኣብ ሳንሆዜ ካሊፎርንያ ዝገበረቶ መደረ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ርእሲ ኤርትራ ዝበየኖ ዘይሕጋቂ ማዕቀብ ግብረ መልሲ ናቱ ነቲ ስጉምቲ ንምፍሻል ኣወንዙፍናዮ ዝጸናሕና 2% መሕወይ ግብሪ ብሓንሳብ ጠቕሊልና ክንከፍሎ፣ ኣብ ናይ ኢንቨስትመንት ወፍሪ ከም ናይ ቢራ፣እንሹራንስ፣ ማዕድናት፣ ኣብ ናይ ኣባይቲ፣ወፍሪ ክንገብርን ነፍሲ ወክፍና ድማ ሰሰለስተ ገዛ ክንሰርሕ ተላብያ።

ግሪኻዊ ኣቶ ላምብሮ ድማ ኣብ ዊኒፔግ ወሑዳት ኤርትራውያን ሒዙ ነቲ ኣብ 1992 ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኣወጀ 2% መሕወይ ግብሪ ኣብ ዊኒንፔግ ፍሪ ፕረስ ዝተጻሕፈ ብኣስገዳድ ዝኸፈሉ ኤርትራውያን  ጥርዓን ጸለመ’ዩ ኢሉ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ።

ዶክተር ጊደዎን ኣባይ ትሕዝቶ ሰሚናሩ ካብ ዝተፈላለዩ ኢንተርነት ዌብሳይታት ዝኣከቦን ንገሊኡ ነቲ ተሳታፋይ ናይ ቃንቃ እንግሊዝ ጸገም ዘለዎን ናይ ኢንተርነት ኣክሰስ ዘይብሉ ናብ ትግርኛ ተርጊሙ ንዑዑ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ኣቕሪቡዎ። ኣብ 1997 ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ጸዲቑ ክትግበር ክብል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኮነ ኢሉ ስልጣኑ ንህዝቢ ከየረክብ ናይ ዶብ ውግእ ወሊዑ፣ ንህዝብን ሃገርን ክወጾ ኣብ ዘይክእል ዓዘቕቲ ሸሚሙዎ ይርከብ። 1998 ኩናት ምስ ተጀመረ ኣመሪካን ሩዋንዳን ሞንጎኛታት ኮይኖም ክዓርቁ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ነቲ ዘውጽእዎ እማመ፣ ኤርትራ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበረቶ ቦታ እንተድኣ ተመሊሳ፣ ኢትዮጵያ ብሽምግልና ነቲ ጉዳይ ክትፈትሖ ቅርብቲ ምኻና ገሊጾም፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ግን “ዋላ ጸሓይ ኣይትብረቕ ካብ ኣባድመ ወጻእና ማለት ዘበት’ዩ” ኢሉ፣ ነቲ እማመ ነጺጉ ድሕሪ ናይ ዓሰረተታት ኣሽሓት መንእሰያት መስዋእትን፣ መውጋእትን ክሳራን፣ ናብቲ ኢትዮጵያ ዘይሓተትዎ 25 ክሎሜትር ንድሕሪት ክስሕብ ተቐሲቡ። እምበኣር ኣገላልጻ ዶክተር ጊደዎን 1998 ኣመሪካ ዓረቕቲ እምበር ምስ ወያነ ዝወገኑ ተጻባእቲ ኣይነበሩን። ስለዚ እቲ ብዛዕባ ዶክተር ሱዛን ራይስ ይኹን ኣንቶንዮ ሌክ ዝበልካዮ ዝንቡዕ ሓበሬታ ምኻኑ’ዩ ዘእምን። ብኣንጻሩ ካብተን ነጻነት ኤርትራ ዝኣመና ሃገራት ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ ኣመሪካ ድማ ሓሙሸይቲ ሃገር ነበረት። ብተወሳኺ ኣብ መፋርቕ ተስዓታት ፕረዚደንት ክሊተን ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከበኦም (New breed of African Leaders) ኢሉ የሞግሶም ከምዝነበረ ናይ ቀረባ ታርኽ’ዩ። እንተኾነ ግን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጎብለል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽኸውን ዘለዎ ሕልሚ ከተግብር ኣብ ግዜ ገድሊ’ውን ከይተረፈ ንታመል ታይገር ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣምጺኡ የሰልጥኖምን ይዕጥቖምን ኔሩ፣ ናይ ኣመሪካን እንግሊዝን ሉኡኽ ኩይኑ ኣብ ሱዳን ኢድ ብምትእትታው ንናይ ደቡብ ሱዳን ተቓለስት ስጋብ ግዜ ነጻነቶም ሓጊዙዎም ኣብ በዓል ነጻነቶም’ውን ከይተረፈ ኤርትራውያን መስዋእቲ ከምዝኸፈልና ከይሓፈረ ተኣሚኑሉ፣ንናይ ዳርፉር ተቃወምቲ ከምዘሰልጥንን ዘዕጥቕን ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ከምኡ ድማ ንሶማልያውያን ኣብ ግዜ ሰውራ ዝገበሩልና ሓገዝ እንዳበለ ከመሳምስ እንተፈተነ፣ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን ተጠዊኻ ንኢትዮጵያ ንምጥቃዕ እዩ።   ኣብ ኤርትራ ገመቹ ኣያና ዝበሃል የብልናን ኢልካ፣ንኣስማት’ውን ቦርደር ክትሕንጽጸሉ እንተዘይደሊኻ’ምበር ኣብ ቅድሜኻ ወዘኽዘኽ ዝብሉ ዘለዉ በዓል እንግዳ፣ትርፈ፣ቀለሙ፣ኣባይከ እንታይ ክትብሎም ኢኻ? ንምኻኑኸ ኮነሬል ገመቹ ኣያና ኣብ ኤርትራ እንታይ ይገብር ኣሎ? ድሕሪ’ቲ ተጌሩ ዘሎ ማዕቀብ’ውን እንተኾነ ንሶማላውያን ኣብ ኤርትራ ናይ ተለቪዥንን ሬድዮን መደባት ፈቒዱሎም ኣሎ። ኣብ 2007 ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ቶሮንቶ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ዓው ኢልና ክንዛረበሉ ኣይደለናን እምበር ሰራዊትና ኣብ ጫድ’ውን ከይተረፈ ከምዘሎ ተነይትሉ።ኣብ ኮንጎ’ውን ንከቢላ ናብ ስልጣን ንምምጻእን ንፖሊሲ ናይ ኣሜሪካ ከተግብር ኢሰያስ ዝለኣኾም 32 ተጋደልትና ተሰዊ ኦም ሬስኦም ስጋብ ሕጂ ኣብ ኮንጎ ይርከብ። ስለዚ ኢሰያስ ንኣሜሪካ ልዕሊ ኹሉ ኣገልጊለዮም’የ ምሳይ ጥራሕ ክማኸሩ ኔሩዎም ካብዝብል ቅንእን ስሰዔን ኣብ ከቢድ ህልኽ ኣትዩ ይርከብ። በየናይ መዔቀኒ ኢኻ ዶክተር ጊደዎን ኣብ 1998 ዝተጠነሰ ሳንክሽን ኣብ 2009 ተወሊዱን ኣብ 2011 ድማ ጋህማም ሳንክሽብ ሓሊፉ ዝበልካዮ? ናይ ኣመሪካ ኣጀንዳ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክጽምብርዋ እዮም ዝበልካዮ፣ እዚ ብጭብጢ ሕልሚ ኢሰያስዶ ከይኮነ።

ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ተንቲንካ፣ እዚ ታሪኽ’ዚ ግን ተሰኒዱ’ዩ ዘሎ፣ ታሪኽ ንድኽመትካ መኸወልታ ክኾነካ እንዳ ኣካማሳዕካዮ ትነብር ኣይኮነን። እቶም ሰራሕቲ ቅያ ግን ኣብ ዒራዒርን ናኹራን ኣብ ፈቐዶ ቤትማእሰርቲ ኤርትራ ብጀካ ምግዳሎም ካልእ ገበን ዘይብሎም ታሪኾም ተንቲንካ ነቶም ሰራሕቲ ታርኽ ግን ኩነ ኢልካ ከይጠቐስካዮ ምሕላፍካ ማዕረ ክንደይ ዘይፍትሓዊ ምኻንካ’ዩ ዘርእይ’ዩ። ኣቦሓጎታትና፣ ኣቦታትና፣ ንሕና’ውን መኪትና ኢልካ፣ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሙዉቕ ሓዳሮምን ትምህርቶምን ጠንጢኖም ንሜዳ ክውሕዙ እንከለዉ ንስኻ ድኣ ኣብ ከንያን ሰሜን ኣመሪካን ብዝወሓደ ሓፋሽ ውድባት እካ ኮንካ ከይተወፊ ዓቢ ጎደና ሓዲግካ ኣብ መሽጎራጉር (Alleyway) ተሓቢእካ ትነብር ኔርካ። ብጉጅለ ዓስርተሰለስተ G13 ዝፍለጡ ምሁራት ኤርትራውያን ዴሞክራስያዊ ሕቶ ሓቲቶም ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብዝሃቦም ተስፋ ዘይብሉ መልሲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ምስበጽሑ፣ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ሓላይ ንምምሳል ናይ ተበላጺ መርገጽ ወሲድካ ዘይብሁልን ኣገልጋሊን ዕሱብን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክትኮውን መሪጽካ ። ከም ምሁር መጠን ንህዝብና ካብዚ ዘለዎ ሽግር ንምድሓን ክትጋየ’ዩ ዝግባኣካ ኔሩ፣ ካልእሲ ይትረፍ “ውሕልነት ካብ ጎረቤት’ዩ” ካብ’ቶም ምሁራት ኤርትራውያን ደኺሙና ከይበሉ ምእንቲ ህዝ ቦም ዝሕለቁ ዘለዉ ከም ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ፣ዶክተር በረኸት ሃብተስላሰን ካልኦትን ምሁራት ኤርትራውያን ኣርኣያ ክትክተል ይግባኣካ ኔሩ። ወግሔ ጸብሔ “መኸተናመኸተና ክትብል እንከሎኻሲ “ብዘይ ስንኻስ ጸጸር እንተትቑርጥመሉ’ዩ” ዘስምዕ።

ወ/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ንባይቶ ጽጥታ ከነሕርቕ ዘሎና 2% ዕዳ ብሙሉኡ ንኸፍሎ፣ ኣብ ኤርትራ ገንዘብና ነዋፍር፣ ሰሰለስተ ገዛ ንሰርሕ ዝበልክዮስ “ዓሻዶ በራኺ” በየናይ ሕጊ መሰረት ኢኻ ኣብ ኤርትራ ገንዘብካ ከተዋፍር? ቅድሚ ሕጂ ቦንድ ዝዓደጉ፣ኣብ ኤርትራ ገዛ ዝሰርሑ ጎይታኺ ኢሰያስ ቁማር ኢሉዎም፣ብጋሂ ዘይምሱል መሲሎም ማይ ዓኺቶም ተሪፎምን፣ ኢሰያስ ድማ እንተመጹ’ውን እንዳ መቓብር በኣለእግዚሔር’ዩ ገዝኦም ኢሉ ፈሪዱዎምሲ፣ ትግርኛ ስለዘይርደኣኪ ዶኾን ይኸውን ዋላስ ምስከፈሉ ኣብ ኤርትራ ኬድኪ ክትቅበልዮ ደሊኺ? ሓደኣፊቱ ድኣ ሓገዝ ጋንታ እንዳበልኪ ምስ ኢሰያስ ማልያ ሒዝኪ እንተቲዞሪዶ ኣይምሓሸክን።

ግሪኻዊ ላምብሮ ንስኻ’ውን ተማሳሳሊ ሽግር’ዩ ዘሎካ፣ትግርኛ ዘይርዳካ ስለዝኾነ’ዩ እምበር (Free Press) ናይ ዊኒንፔግ ብሓይሊ ተገዲዶም 2% ዝኸፍሉ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ጠቒሶም፣ ኣነስ ብፍቶቶይ’የ ዝከፍል እንተ ኢልካ 100%’ውን ክትከፍል ትኽእል ኢኻ፣ ነቶም ተገዲድና ዝኸፈልና ግን ቅብሊትና ኣብ ኢድና ስለዘሎ፣ ኣብዝደለናዮ ግዜ ክንሓትት መሰል ከምዘሎና ክትፈልጥ ይግባእካ። ንሕጂ ግን ናይ ቃንቃ ጸገም’ዩ ኢልና ዕሽሽ ኢልናካ ኣሎና። እንተዘይኮነ ግን ብናይ ቆልዑት ኣመኽኒኻ ኣብ ዑሉል ነጋዳይ ተቐይርካ ከምዘሎኻን ከምትሕመን ክንሕብረካ ንፈቱ። ንምኻኑኸ ስለምንታይ ኢኻ ኤርትራ ከም ግሪኽ ኣስመራ ከም ኣቴንስ ሕግን ፍትሕን ዝሰፈና፣ማዕርነት ዜጋታታ ዝተሓለወ ኮይኑ፣ከምቶም ግሪኻውያን ባኒ ከቢሩና ኢሎም ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ፣ፓርትታት ኣቒሞም ዝወዳደሩ፣ምስቶም ቅዋም ይተግበር ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ጎኖም ዘይምስላፍካን፣ኣንጻሮም ደው ምባልካንሲ ዘተዓዛዝብ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓሳረ መከራ ወዲቑሉ ኣብ ዘለዎ እዋን ምእንቲ ህዝብኻ ደው ምባልን ምጥባቕን ሓላል’ዩ፣ ምስ ዓመጽቱ ደው ምባል ግን ገበን’ዩ፣ ናይ ግዜ ሕቶ’ዩ እምበር ክወግሕ ምኻኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ስለዚ ኢና እምበኣር “ፍትሓውነት ካብ ነብስኻ’ዩ ዝብገስ” እኩባት ፍትሓውያን ድማ ፍትሒ የንግሱ” ዝበልናዮ’ሞ ሃየ ፍትሒ ንምንጋስ ኩልና ዝከኣለና ነበርክት።

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!!!

ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ ቶሮንቶ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • truly, Truly i say to you December 25, 2011

    1) The second one what surprising me is , because god was angry with the the sin of leaders God said to Mosses , “take all the leaders of Israel and, in obedience to me, execute them in broad daylight.”( Numbers 25; 4) Like god orders ,the epidemic that was destroying Isreal was stoped only after Phinehas was submited to God order and kills the sinner leaders was. (numbers 25; 7) i believe too the epidemic that is destroying our nation and people could stop if Isayas and his cronies could eliminate like his friends Qazafi, and Sadam hussein only, But what Ayte Gedion telling us is the nation killer Isayas to live for us forever and to worship him. What a paradox!

  • truly, Truly i say to you December 25, 2011

    Similarly I don´t understand what this confused Greek Philosopher what he telling and teaching us at all. This Guy he knows very well in 2008 only one single the 15 years young man because was killed by two police men injustice fully he knows how the Greek riots was started and the whole land was under unrest. But while our 300,ooo youngsters suffering for a long and some of them dieing and fleeing because of the result daily he telling us to say Amen! and accept. Is he real Greek man at all?

    • gasha December 25, 2011

      truley
      Stop gossiping.

      Do not let any unwholesome talk come out of your mouths, but only what is helpful for building others up according to their needs, that it may benefit those who listen. (Ephesians Ch.4:29)

      Gossip slanders neighbor. It destroys a person’s character or personal reputation. But beware! He who lives by the sword of slander shall die by the sword of slander. Almighty God says, “Whoever secretly slanders his neighbor, him I will destroy” ( Psalm 101:5).

  • Freeprisoners December 25, 2011

    The opposiitions in Toronto should loge an appeal against the Greek man who interfered in our internal problems and supporting for the dictator to supress out people. This man is poletically motivated and in this free country of toronto he is questionable. The only thing is the branch of oppostion in that country should appeal and loage legal pressding against this fruadlent greek man. Who does not have the rights to domonstrate in support of the dictator or the people of Eritrea in general. This person has an agenda and should be brough in the court by any means and will learn his mistak.

    • Abdi December 25, 2011

      Lol,what about woyane’s interferences?

  • truly, Truly i say to you December 25, 2011

    Gasha, to call a thief , “thief” is not an insult or gossip at all.Because so he is. As well to a dictator, dictator. to a liar, liar. To destroyer, destroyer, to the devil, devil exc is not a gossip. What really God hates is when you call to evil good and call good evil. When you turn darkness in to light and light to a darkness, when you make what is bitter sweet, and what is sweet you make bitter (Isaiah 5; 20) as well when there is no peace and justice when says there is, when your president the journalist asked him where is Fisha yohannes ( joshua?), when says I don´t know him. Why even all Eritrean football team fleeing asked? When says I don´t heard it is news to me etc such lie is an abomination in font of the Lord´s eye my friend. Then Happy Christmas any new year to all !Specially to those unjustfully they are in prison heroes.

  • gasha December 25, 2011

    truley
    amel mis megnez belu kedamot
    hamet kab kone akmika shifa yigberelka belo dahdihayo kem dletka.

  • Rezene Tesfamariam December 25, 2011

    I find the above discussion interesting, but, I am afraid, the personal attacks and slanders on Gibwon, Sofia and Lambro will lower the respect and credibility of this site. According my understanding the three have stands different from yours on the recent decision of the UN to impose economic sanction on Eritrea. As someone working toward promoting democracy and culture of tolerance in Eritrea, getting different views from yours should not have worried you in the first place. In fact, you should have taken their position as a challenge and an opportunity to present yours convincingly and with a bit of civility. Thank you.

  • Alex December 26, 2011

    Reading the article which is not new informations to me, I wonder what was the benefit of
    Eritrea to send its men to die on those foreign lands after we lost enough in our struggle.
    Our population is not that big to afford this stupidity. Those political puppets of IA came
    from nowhere to tell me responsibility to our country in their way of achieving regardless
    our beliefs and experience with those criminals inside the government. That low life ugly
    lady to tell me to buy three house of my hard earned money is an offense to my intelligence.
    In this free world we are living, we have to fight and win over those traitors in first place.

  • Senai December 26, 2011

    For those who are unable to read some of the words in the following sentences.
    ግሪኻዊ ኣቶ ላምብሮ ድማ ኣብ ዊኒፔግ ወሑዳት ኤርትራውያን ሒዙ ነቲ ኣብ 1992 ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኣወጀ 2% መሕወይ ግብሪ ኣብ ዊኒንፔግ ፍሪ ፕረስ ዝተጻሕፈ ብኣስገዳድ ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ጥርዓን ጸለመ’ዩ ኢሉ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ።
    ዶክተር ጊደዎን ኣባይ ትሕዝቶ ሰሚናሩ ካብ ዝተፈላለዩ ኢንተርነት ዌብሳይታት ዝኣከቦን ንገሊኡ ነቲ ተሳታፋይ ናይ ቃንቃ እንግሊዝ ጸገም ዘለዎን ናይ ኢንተርነት ኣክሰስ ዘይብሉ ናብ ትግርኛ ተርጊሙ ንዑዑ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ኣቕሪቡዎ።

  • danny December 26, 2011

    The opposition forces have to learn from the mistakes of the PFDJ and develop a sense of respecting the rule of law, teach themselves the art of tolerance and to welcome differing opinions as an opportunity to show the merits of their own opinions and to present these opinions to others in a convincing and self confident manner without resorting to trash talk. As long as they fail to do so, they are doomed to repeat the mistakes of PFDJ and expose the state of Eritrea to a vicious circle of political chaos. The above article has stripped the rights of the three opposing characters that it chose to argue against while there are more than enough points to present. For instance, to label Mr Lambro as a Greek citizen meddling in the affairs of Eritrea is an outright violation of the man’s rights to his Eritrean citizenry without a due process of law hence it violated a rule of law. I don’t care about one’s sense of righteousness just because he/she thinks they are on the right side of the struggle as long as they violate the rights of others in the process of presenting their argument as the article above did, its an out right turn off to those of us who are fighting for a just Eritrea. Please adhere to your points and present your arguments in a civil manner at all times if you are going to be taken seriously. I am disappointed in demo.archive.assenna.com’s posting of this article.

Post a Reply to danny Cancel Reply