Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍቓዱ

እዚ ጽሑፍ እዚ ሓደ ምዕራፍ ካብ’ቲ ገና ዘይተሓትመ መጽሓፈይ፡ “ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ፣ ካልኣይ መጽሓፍ፡ ‘ኣብ ውሽጢ ከርሲ’ቲ ኣራዊት’ ” እዩ። ካብ ገና ዘይተሓተመ መጽሓፍ ሓደ ምዕራፍ ቈንጪለ ከሳጥስ ደስ ኣይብለንን። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓንቲ

እዚ ጽሑፍ እዚ ሓደ ምዕራፍ ካብ’ቲ ገና ዘይተሓትመ መጽሓፈይ፡ “ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ፣ ካልኣይ መጽሓፍ፡ ‘ኣብ ውሽጢ ከርሲ’ቲ ኣራዊት’ ” እዩ። ካብ ገና ዘይተሓተመ መጽሓፍ ሓደ ምዕራፍ ቈንጪለ ከሳጥስ ደስ ኣይብለንን። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓንቲ ኣዝየ ዘፍቅራን ዘኽብራን ኣደን ሓውትን ስለ ዝዓረፈት፡ እሞ እቲ ታሪኽ ህይወታ ዓጂቡኒ መዝጊበዮን ከም ኣካል ናይቲ መጽሓፍ ኣርዒመዮን ስለዝጸናሕኩ፡ ንክብረታ ኣብ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ንኣንባቢ ከቕርቦ ወሲነ። ነዚ ጽሑፍ እዚ ንኵለን ምሉእ ህይወተን ዝኸርተታን፡ ገና ዝኽርትታ ዘሎዋን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ የበርክት። ፍቓዱ፣  ንስሓቕክን፡ ግርህናኽን፡ ንሰብ ኣፍቃርነትክን ልግስናክን ንናፍቖ። ብስም ኵሎም ተቐማቶ ባድ ዊልዱንገን ከኣ አመስግነኪ። ፍቓዱ፡ ካብ’ቲ ኵሉ ሃላኻት ዓለም ሓራ ወጺእኪ፡ ምስ መላእኽቲ ተቐሚጥኪ ወኻዕካዕ ክትብልን፡ ቡን ከተፍልሕሎምን ደርሆ ክትጠብስሎምን ትርኣይኒ።  መንግስተ ሰማያት የዋርስኪ።

ዳንኤል ተስፋይ

ታሪኽ ህይወት ነፍስሄር ፍቓዱ ወልደማርያም

ብጣዕሚ ሓጻር’ያ ኣእጋራ ንመሬት ምርካቦም ዘገርም’ዩ። ደራሁት ጀርመን ጠጢቓን ጠቢሳን በሊዓን ኣብሊዓን ከኣ ሔዚ’ስ ካን ከቢባ’ያ። ፍቓዱ ንደርሆ ናብ ዘይትሰርሓ ኣይነበረን። ኣብ’ቲ መገዲ ፈልፋሊ ምንጪ ማይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቁልቁለት ባድ ቪልዱንገን ንማእከል ከተማ ክትመጽእ እያሱ ካብ ማዕዶ ረኣያ። ክልተ ኣእጋርን ርእስን ዘብቈለ ተንቀሳቓሲ መርቢል  ዕንጸይቲ ኴይና ተራእያቶ።  ብድሕሪኣን ብቕዲሜኣን፡ ብጸጋማን የማናን እንታይ ይኸውን ኣሎ ከይገደሳ፣ ናብ’ታ ትረግጻ  መሬት ጥራሕ ኣተኵራ፡ ሓንቲ እግራ ካብ መሬት ተላዒላ ኣብ መሬት ኣረጋጊጻ ምስ ዓለበት ነታ ካልኣይቲ እግራ ካብ መሬት ተልዕል።  ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በረድ ኣንሻቲሑዋ ወዲቓ’ያ። በረድ እንክወድቕ ፈለማ እትወድቕ ንሳ ነበረት። ገለ ሰብ ንቕድሚት ይወድቕ ኣስናኑ ይድርቀም:: ገለ ከኣ ንድሕሪት ይወድቕ ርእሱ ይስበር:: ፍቓዱ ግን ኣብ ገዛእ መቐመጢኣ እያ ዱጭ ትብል። ንመሬት ቀረባ ምዃን ጥቕሙ ኣሎዎ።

እያሱ ኣብ ኣፍደገ ድዃን ክዳውንቲ ሰን ኣን ይጽበያ። ናይ ሰለስተ ደቓይቕ መገዲ ገለ ዓሰርተ ደቓይቕ ወሲዱላ። መሬት መሬት እንዳጠመት ዳርጋ ረጊጻቶ ሓሊፋ ነቢራ ስማ ጸዊዑ ደው ኣበላ።

“ከመይ ቀኒኺ ፍቓዱ?”

“ጽቡቕ። እግዚሄር ይመስገን”

“ወዲቕኪ ሰሚዐ። ድሓን ዲኺ?”

“ዱጭ ኢለ’ወን’ታ። ሳላ’ቲ እሙን መዓኮረይ ግን ገለ’ይ’ኮንኩን ሓውትኻ!” ኢላ ትስሕቕ።

“ኣብ ክንዲ በእጋርኪ ትኸዱ ብጋድም ኣብ መሬት በጥ ኢልኪ እንተተንከራርዊ  ኣንበይወደቕክን ምቐልጠፍኪ ከኣ” ቢሉ ተዋዘየ እያሱ።

“እዋይ ንስኻ’ስ ክትሓስም … “ ኢላ ተገሪማ ከም በርሚል ከተንከራሩ ግዲ ተራእዩዋ ንባዕላ ኪርኪር ሰሓቐት። “እንታይ ድኣ ጠፊእካ?”

“ስራሕ። ኣብ ዕረፍተይ ከኣ መጽሓፍ ክጽሕፍ ተበጊሰልኪ’ስ ኵሉ ነጻነተይ ገፊፋትኒ ምስ’ኣ’ዬ ቅኒን ክብል ዝሓድር እንሄልኪ ክትቀትለኒ ቀሪባ … “

“እሞ ካብ ህያው ሰብ’ዚ መጽሓፍ ዓዚዛትካ ድያ! ካብ’ቲ ቁልዋይን ጥብሰይን ከኣ ወረቐትን ቀለምን መቂሩካ!” ትግረም ፍቓዱ።

“ንመጻኢ ወለዶ ገለ ሓድጊ እንተገደፍኩ ኢለ እኳ’የ … “

“ናይ ብሓቂ ሓድጊ ክትገድፍ እንተደሊኻ ጓል ሰብ ኣምጽእ። ውለድ። ካብ ውላድ ንላዕሊ ዝዓቢ ሓድጊ የሎን!”

ንዝኾኑ ሕቶታታን ሽግራታን ብመልሱ የዕግባ ነበረ እያሱ። ነታ ጓል ሰብ ኣምጽእ፣ ውለድ ትብል ሓሳባታ ግን ብዝኾነ መስልስን መግለጽን ከዕግባ ኣይከኣለን። ኣብ ወለዶታትን ንዝተሃንጸ ስምዒትን ስነመጎትን እሞ መን ክሟጎቶ! እቲ ሕቶ መርዓን ደርዓን ኣብ ጽርግያ ተዘሪቡ ከም ዘይውዳእ ግዲ ተገንዚባ፣ ኣብ ምስትእንጋድ ድማ ዝቕድማ ኣይነበረን፡ ፍቓዱ፡ በል ብቍሪ ተሓሊበ ከይሞትኩ ኣብ ገለ ኣቲና ቡን ንስተ ዓደመት። ኣብ ፉርስተንሆፍ ጋለርያ ኣትዮም ድማ ኣብ’ቲ ብዘይካ ዝኾነ መኸለሊ ኣብ ወገፈ ዝተቐመጠ ናይ ቱርኪ ቤት ቡን ተቐመጡ። ብሸሞንተ ዓበይትን ንኣሽቱን ድኳናት ተኸቢቦም፡ ናብ ዱኳናት ዝኣትዉን ዝወጹን እንዳተዓዘቡ ቡኖም ከኻፍዩ ጀመሩ። እያሱ ነታ እንዳ ቡን ይፈትዋ መቃምጡ እንተኣሰልከዩ ኣቁሑት ዓዲጎም ተፈሲሑዎም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ሕጉሳት ሸመት’ቲ ክዕዘብ ይኽእል። ኣእጋራ መሬት መታን ከርክብ፡ ፍቓዱ፡  ዳርጋ ኣብ ጫፍ ግንባር መንበራ ተቐሚጣ ክልቲኡ ኣእዳዋ ኣብ ጣውላ ቡን ኣቐሚጣ እያሱ ዘረባ ክጅምር ትጽበ። እያሱ ብዛዕባ ወጽዓታት ሓጸርቲ ኣብ ዓዲ ነዋሕቲ ይሓስብ። ፍቓዱ ኣሳእንቲ ቈልዑት እያ ትለብስ። ተቐዲዱ እንደገና ብዓቐና ዘይተሰፍየ ክዳውንቲ የብላን። ኣብ ኣብያተ ቡን ሓጺር መንበርን ጣውላን የሎን። ኣብ መኪና፡ ምስ መዘወር መኪና ተጣቢቖም መኪና ዝመርሑ ብዙሓት እዮም።  ነቶም ወጽዓታት ኣነጺሩ መሰላት ሓጸርቲ ዝሕሉ ውድብ ክቐውም ኣሎዎ … ኢሉ እንዳሓሰበ፡ “እሞ እታ ሓድግኻ ዝኾነት መጽሓፍ ከመይ ትኸይድ ኣላ?” ኢላ ኣበራበረቶ

“እህ … ሳራ ማለትኪ ድዩ?”

“ስም ከኣ ኣውጺእካላ … ?”

“እወ። ብዅሪ ጓለይ እንድያ። ከም ዝኾነ ህያው ህያው እያ። ኣብ ማህጸን ሓንጎለይ ጠኒሰያ። ከም ዝኾነ ድቒ ከኣ ቀስ ኢላ ትዓብን ቅርጻ ትሕዝን። ከም ዝኾነ ድቂ ከኣ ደመይን ምሉእ ሓይለይን ትመጺ። ከም ዝኾነ ድቂ ከኣ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ሓንጎለይ ትመጣላዕን ትናጋሕን። እንተኾነ ሓንጎለይ ግዲ መይቁዋ፡ መቂሩዋ  ሰለስተ ዓመታ በጺሑ ምውላድ ኣብያ። ከመይ ዝኣመሰለት ሕንጊድ ይመስለኪ!”

“ብቐደሙ እንዶ’ግዳ ንግስቲ ኢልካያ … ? ከም ንግስቲ ክትክደን፡ ክትስለም፣ ኣዋልዳ ነገስታት ክትውለድ  ዓጠጥ ትብል ኣላ። ብርሃን ዓለም እንተትብላ፡  ነዛ ዝጸልመተት ዓለም ከተብርህ ኣብ ሸውዓት ወርሓ ደበኽ ም’በለት! “

እያሱ ካዕ ካዕ ሰሓቐ። ፍቓዱ በቲ ቀሊል ኣገናዝባ ነገራታ ተገርሞን ተስሕቖን እያ። “ሓቅኺ፡ ሓቕኺ፡ ስም ይመርሕ እንድዩ … “ ድማ ኣመነ። ከም’ቲ ፍቓዱ ከተስተእንግድ ቅልጥፍቲ፡ ንሱ ድማ  ኣብ ምኽፋል ቅልጡፍ ነበረ። ፍቓዱ ቦርሳኣ ካብ ውሽጢ ካልእ ቦርሳ ክሳብ እትረኽቦ ሕሳብ ከፈለ። ፍቓዱ ነቲ ብቐደሙ ካብ ገዛኣ ዘውጽኣ ሸመተ ክትገብር፡ ንሱ ከኣ ከኣ ሃለዋት  ሳራ ክገብር ተፈላለዩ።

ፍቓዱ፡ ካብ ባህርን ማሕበራዊ ህይወትን ዘይጎደላ ዘይብላ ፍጹም ውጽኢት ቁጠባ እያ። ኣዕይንታ ደቀቕትን ድኹማትን እዮም። ሓኪም መጠመቲ መረጼን ኣዚዙላ እንተኾነ ኣፍንጫኣ ኣዝዩ ሓጺሩ እቲ መነጽር መቐመጢ ስኢኑ ናብ ላዕለዋይ ከንፈራ እንዳወደቐ ኣይትለብሶን። እቲ ምሕጻር ኣፍንጫኣ ንንጹርነት ዘረባኣ’ውን ክሳብ ብኣሉታ ይጸልዎ እዩ። ጸጕሪ ርእሳ ኣዝዩ ስሑው ኴይኑ ብቕድሜኣ ዝበርሐት ትመስል። ኣሕዋት ኣሓት ኣይነበሩዋን ንበይና እያ። ኣቦኣን ኣዴኣን ድማ ብህጻንነታ ሞይቶም ክሳብ ጓል ዓሰርተ ሓMኡሽተ ትኸውን ምስ ሓትኖኣ እያ ዓብያ። ኣብ’ቲ ቤት ሓትኖይ እውን ከዳሚት’ዬ ነይረ። ካብ ዝፍጠር  ከዳሚት’ዬ ትብል። ኣብ ድምጻ እንትርፎ ሓደ ቀሊል ሓተታ ሓቂ ቃና ሕርቃን ይኹን ክሲ ኣይትሰምዕን።    ፍቓዱ ኣብ’ቲ ጎደና ክድምና ነዊሕ መገዲ ተጓዒዛ። ድሕሪ ናይ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ከርተት ከኣ ናብ ሸቶ’ኣ በጺሓ። ሕጂ ሕጕስቲ ሰብ እያ። እቲ እንሻዕ እንክትወድቕ ትስሕቕ። መንገዳ ድማ ትቕጽል። ክሳብ ሕጂ’ውን ትስሕቕ። እቶም ኵሎም ኣሉታዊ ተሞኵሮታታ ኣብ ነፍሳ ኣሉታዊ ጭሕጋር ኣይሓደጉን። ብዙሓት ሰባት ነቲ ንሳ ዘሕለፈቶ ህይወት እንተዘሕልፉ፣ ኣብ’ታ ዝወደቑዋ ወዲቖም ም’ተረፉ ወይ ከኣ ነፍሳቶም ምቐተሉ። ፍቓዱ ግን ኪኢላቶ። ተዓዊታትሉ ከኣ። እዝ’ስ ከመይ? ነቲ  ኵሉ  ሓይልን ብቕዓተ ስረትን ካበይ ኣምጺኣቶ?

ኣብ ኵላትና፡ ንምሉእ ህይወትና ክንጥቀመሉ እንኽእል ሓደ ክዉን፡ ዕቁር ቀላይ ሓይሊ ኣብ ውሽጥና ኣሎና። ካብ ቍልዕነትና ኣትሒዙ። መብዛሕትኡ እዋን ግን፡ ንስምዒትናን ድልዬትናን ስለዘይንሰሞዖም እቲ በሪ ዕጹው እዩ። ሰብ ነቲ ማዕጾ ከመይ ይኸፍቶ? ነቲ ሓይሊ’ኸ ከመይ ይዕቅቦ? ንገለ ሰብ ዘድክሞምን ዝቐትሎምን ጽንኩር ኩነታት ገለ ካልኦት ክመይ ይጸሩዎ? እወ፡ ገለ ሰባት ንጽንኩር ኩነታት ከም ብድሆ ይወስድዎ። ማዕጾ ሓይሎም ይኸፍቱ። ካብ’ቲ መኸተ ድማ ዓብዮምን በሊጾምን ይወጹ። ገለ ድማ በቲ ጸቕጢ ህይወት ኣብ ውሽጢ ነፍሶም ይዑኽለሉን ኢዶም ይህቡን።

ኣብ ቈልዑትን ዓበይትን ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ከምዘረጋገጽዎ እቶም ወናማትን ትኩራትን ለጋሳትን ኣፍቀርትን ምስ ሓዲስ ኩነታት ክመሳሰሉን፣ ካብ ውድቀት ቀልጢፎም ተንሲኦም ንውድቀት ናብ ዓወት ክቕይርዎ ከም ዝኽእሉ የረጋግጹ። እዞም ዓይነት ሰባት እዚኣቶም ብዝወሓደ ምስ ሓደ ዓቢዪ፣ ኣቦ፡ ኣደ፡ ዘመድ … ድልዱልን ምዕሩይን ስምዒታዊ ዝምድናን፡ ንኵነታት ብሃናጺ መገዲ ናይ ምግጣም ኣርኣያን ዝነበሮም እዮም። ካብ ቍልዕነቶም ከኣ ሓላፍነት ነፍሶምን ከባቢኦም ዝተሰቖሮም እዮም። ፍቓዱ ግን እዚ ድሕረባይታዊ ሓለፋ ኣይነበራን። እታ ሓንቲ ሓለፋኣ፡ ፍቓዱ፡ ኣብ ጉዕዞ እንተወደቐት፡ ንድሕሪት እንተተመልሰት፣ ከም’ቲ ሕጂ ‘ውን ነፍሲ ወከፍ ክረምቲ ኣብ በረድ እንተወደቐት ትገብሮ፡ ትስሕቕ’ሞ መገዳ ትቕጽል። ነፍስወከፍ ሓሳብ ኣብ ኣካላትና ዝፈጥሮ ስምዒት ኣሎ። ነፍስወከፍ ስምዒት ድማ ዝኽፈሎ ዕዳ ኣሎዎ። ከም ሕርቃን፡ ጓሂ፡ ቅብጸተ ተስፋ ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ስምዒታት ኣካላዊ ጭንቐት ይፈጥሩ። ጭንቀት ድማ ኣካላውን መንፈሳውን ድኻማት ይፈጥር። ብኣንጻሩ ኣዎንታዊ ሓሳባት ኣዎንታዊ ስምዒታት ደስታን ኣካላውን መንፈሳውን ሓይልን ንጹርነትን ይፈጥሩ። ሽሕ’ካ ናብ ውሽጣዊ ነፍሳዊ ሓይሊ ዝመርሑ መንገድታት ሓያሎ እንተኾኑ፡  ምስጢር ስረት ፍቓዱ ግን ርእሰዋዛን እምነተ ኣምላኽን ይመስሉኒ። ፍቓዱ ኣይተማህረትን። ንሰብ ከተምህሮ’ውን ብጥርሱ ኣይከኣልን። ንሰብ፡ ንፍልጠት ኣብ ውሽጢ ነፍሱ ንኽረኽባ ጥራሕ ኢኻ ክትሕግዞ ትኽእል። ተሞኵሮታታ ድማ፡ ንፍቓዱ፡ ውሽጣዊ ፍልጠታን ሓይላን ክትረክብ ሓጊዙዋ።

እዚ ዛንታ ናይ ሓንቲ ኣብ ህይወታ ብዙሕ ግፍዕን ከርተትን ዝረኣየት፡ ንመጠረስትኡ ከኣ ዝተዓወተት ተራ ገጠራዊት ኤርትራዊት ሰበይቲ እዩ። ፍቓዱ፡ ሓንቲ ሓጻርን ነዋሕን፡ ድኽምትን ሓያልን፡ ግናይን ጽብቕትን፡ ድኻን ሃብታምን፡ መሃይምን ትኵርትን፡ ጉህይትን ሕጉስትን ኤርትራዊት ሰበይቲ እያ። ምናልባት ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ንላዕሊ ኣብ ዓለም ዝገሸትን ዝረኣየትን  ሰበይቲ እያ። ብዘይካ ጥረ ጉልበታን ጥዑም ጠባያን እምነታን ካልእ ካልእ ዝሽየጥን ዝልወጥን ኣይነበራን። እንሆ ታሪኻ ባዕላ ተዘንትወልኩም።

ኩብለላ ፍቓዱ

ፍቓዱ ወልደማርያም እበሃል። ዕድመይ ብልኽዕ ኣይትፈልጦን። ዓባየይ ከም ዝነገረትኒ  ግን መንግስቲ ጣልያን ምስ ተሳዕረ እዬ ተወሊደ። [እዚ ማለት ግን ግድን ብ1941 ማለት ኣይኮነን። ንነዊሕ እዋን ቀሪበ ስለ ዝፈልጣ ግን ዝተወልደትሉ እዋን ካብ 1941 ክሳብ 1945 ከስፋሕፍሕ ከም ዝኽእል ኣስተርሔ ክግምት እኽእል። እያሱ] ኣብ ክሳድ እምባ ወረዳ ሽመጃና እዬ ተወሊደ። ክሳብ ጓል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዝኸውን ከኣ ኣብ ዓደይ  ኣብ ክሳድ እምባ ተቐሚጠ። ኣብ ሓሙሻይ ዓመተይ፡ እኖይ፣ ኣብ ሻብዓይ ዓመተይ ከኣ ኣቦይ ተመራሪሖም ሞቱ። ንሸሞንተ ዓመታት ከኣ ምስ ሓውቲኖይ ተቐሚጠ። እቅረታ ተጋግይየ፡ ከደምኩ።  ሓንቲ መዓልቲ ከኣ ብለይቲ ብእግሪ ናብ ሰንዓፈ ሃደምኩ። ሓትኖይ ኣርኪባ ናብ ዓዲ ከይትመልሰኒ ፈሪሐ ከኣ ቀልጢፈ ብእግሪ ናብ ዓዲ ቀይሕ ቀጸልኩ። ኣብ ዓዲ ቀይሕ እንዳ ሓንቲ ሰበይቲ ከም ተሓዚት ቈልዓን ናይ ቤት ከዳሚትን  ብሓንቲ ቅርሺ ንወርሒ ሰራሕኩ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ከኣ ናብ ደቀምሓረ ቀጸኩ።  ኣብ ደቀምሓረ፡ ኣብ ሓደ  ቤተ ሰብ ሓደ ሓላው ኣእራብ በዓል ዓዲ ዃላ ብክልተ ቅርሺ ንወርሒ ንዘይዝክሮ እዋን ሰሪሐ። ብድሕሪ’ዚ ንሰንዓፈ ተመለስኩ። [ክልተ ስጕምቲ ንቕድሚት ሓደ ስጕምቲ ንድሕሪት! እያሱ።] ኣብ ዓዲ ቀይሕ ከኣ ምስ ሓደ ጀበሊ (የመናዊ) ብሽዱሽተ ቅርሺ ንወርሒ ስራሕ ጀመርኩ። ስርሐይ ካብ ንበረኻ ወፊርካ ዕንጸይትን ማይን ምጉራት ጀሚርካ ክሳብ ቤት ምጽራይን ክዳውንቲ ምሕጻብን ይበጽሕ። ድሕሪ እዋን ከኣ ዓደይ ናፊቐ ናብ ክሳድ እምባ ተመለስኩ። እንተኾነ ኵለን መሓዙተይ ተመርዕየን ጸመወኒ። እቲ ናብራ ዓዲ  ኣይማእማኣንን። ሓትኖይ እውን ማንቲለስ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መሬት እንዳበለት ኣንከላበተትኒ’ሞ፡ ደጊመ፡ ኣብ መገዲ ከየላገስኩ፡ ብቐጥታ ናብ ኣስመራ ኮብለልኩ። ካብ ሰንዓፈ ክሳብ ኣስመራ ንኣውቶቡስ ሓንቲ ቅርሺ ከፊለ። ኣበስመራ ከኣ ኣብ’ቲ ኣብ እምባጋልያኖ ዝነበረ መደበር ፖሊስ፡ ምስ ሓደ ቤተሰብ ፖሊስ ብክልተ ቅርሺ ንወርሒ ስራሕ ጀመርኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ከኣ፡ ኣብ እምባጋልያኖ፡ ኣብ ጥቃ’ቲ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ትነብር ምስ ዝነበረት ሓንቲ ሰይቲ ጣልያን ዝነበረት ጓል ጻዕዳ ክርስትያን ስራሕ ጀመርኩ። እቲ ጣልያን ክልተ ቈልዑትን፡ ሓደ ጽቡቕ ቤትን ድሓን መነባብሮን ሓዲጉላ ሞይቱ። ድሕሪ ሞት’ቲ ጣልያን ከኣ ካብ ሓደ ሓበሻ ሓንቲ ቈልዓ ሰሊሳ።  እታ ጎረበትና ዝነበረት በዓልቲ ሰራዬ እያ ኔራ ጓል ምዕልታ ከኣ ኣብ’ቲ ገዛ ትሰርሕ ኔራ። ምስ’ታ ቈልዓ ጽቡቕ ተፋሊጥና ከኣ ንባጽዕ ክኸይድ ከም ዝደሊ ምስ ነገርኩዋ ዓሰርተ ቅርሺ ሂባትኒ ንባጽዕ ተሃንፈፍኩ። ኣብ ባጽዕ ከኣ ምስ ሓደ ኣብ ጥዋለት መደበር ባሕሪ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብኣይ ስራሕ ጀመርኩ። ንሰለስተ ዓመታት ከኣ ምስኡ ሰራሕኩ። ንዕኡ ሓዲገ ከኣ ምስ ሓደ ጣልያን ንሰለስተ ዓመታት ሰሪሐ። ምስ’ቲ ጣልያን እንዳሰራሕኩ ከኣ ካብ ሓደ በዓል ጎዳይፍ ጠኒሰ ሓደ ቈልዓ ወለድኩ። እቲ ሰብኣይ ክሳብ ኣይውላደይን ኢሉ ኪሒዱ ሓንቲ’ኳ ኣይሓገዘንን። ቈልዓ ሒዘ ክሰርሕ ስለዘይከኣልኩ ከኣ ንኣስመራ ተመለስኩ። እቲ ቈልዓ ኣብ ከባቢ ሓደ ዓመቱ ሞተ። ኣብ ኣስመራ ከኣ ምስ ሓደ ጣልያን ስራሕ ጀመርኩ። ድሕሪኡ ከኣ ምስ ሓደ ዩጎዝላቫዊ ሰሪሐ።  ድሕሪ ቍሩብ እዋን ከኣ እቲ ኪዲ፡ ተዓዘሪ ዝብል ግነይ መጺኡኒ ንዓሰብ ተሓንፈፍኩ። ኣብ ዓሰብ ንገለ ክልተ ኣዋርሕ ምስ ሓደ ህንዲ ሰሪሐ። ብድሕሪ’ዚ ምስ ሓንቲ ጓል መቐለን ካልኣይቲ ጓል ዛላንበሳን ንኣዲስ ኣበባ ተመርቀፍና። ኣመተ መሓዛና ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣይትኽእልን እያ እሞ ከይትጠልማኣ ኢላተን ኔራ ክነሳ ንሳተን ኣዝማደን ረኺበን ኣብ ሆቴል ራሕሪሐናኒ ከዳ። ቋንቋ ዘይክእል ኴይነ ስራሕ ስኢነ ከኣ ገንዘበይ ከይተወድኣ ንዲረዳዋ ኣንቀድኩ። ኣብ ዲረዳዋ ሓደ ወዲ ዓድና ሓበሻ ረኺበ ኣብ እንዳ ኣምሓራ ከይትሰርሒ ብህወትኪ ክበልዑኺ እዮም በለኒ። ሽዑ ድማ ወርቂ ስተሊኒን ኩትሻን ነይሮሙኒ ከይሰርቑኒ ፈሪሐ። እቶም ሽዑ ኣብ ዲረዳዋ ዝነበሩ ሓበሻ[ፍቓዱ ንኤርትራውያን ጥራሕ’ያ ከም ሓበሻ ትገልጾም። እያሱ] ኤርትራዊት ሸቃሊት እንተሰሚዖም ይጓየዩላ ነበሩ። ኣምሓሩ ጽሩያት ስለዘይነበራ ከም ሸቃሎ ኣይብህግወንን ኔሮም። እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣብ እንዳ ገብረስላሴ ወሲዱኒ ኣብኡ ስራሕ ጀሚረ። እታ ሰበይቶም ጽገወይኒ እኳ ሕጂ ኣብ ካስል ኣላ። ክልተ ወርሒ ምስ ሰራሕኩ ኣምሓሩ [ወትሃደራት እዮም ዝነብሩ]ንሓደ ትግራዋይ [ኤርትራዊ እዩ ዝነብር] ስለዝቐተሉ ንነፍሰይ ፈሪሐ ምስ ካልእ ቈልዓ ተተሓሒዝና ንኣዲስ ኣበባ ተመለስና። ንሳ ብ40 ቅርሺ ኣብ ገለ ሃገረሰብ ክትሰርሕ ስራሕ ረኺባ ከይዳ ኣነ ግን ስራሕ ኣይረኸብኩን። ገለ መዓልታት ኣብ ሆቴል ተቐሚጠ ከኣ ብጎጃም ጎንደር ኣኽሱም ዓዲ ኳላ ኣቢለ ናብ ኣስመራ ተመለስኩ። ካን ቱሪስት ኴይነ። ኣንታ እቲ ኣጻድፍ ለማልሞ ከፍርሕ ኣዕንተይ ብነጸላይ ሸፊኒ ሓሊፈዮ! ኣብ ኣስመራ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ከኣ ንመታሕት ገጸይ ኣንቈልቈልኩ። ኣብ ከረንን ኣቍርደትን ከየላገስኩ ትኽ ኢሉ ንተሰነይ ኣተኹ።

ኣብ ተሰነይ ከኣ ሓንቲ ዛይድ ዝተባህለት እትውንኖ ሆቴል ከም ኣማሓዳሪት ሆቴል ኴይነ ሰራሕኩ። እንተኾነ እቶም ኣጋይሽ በኒዓምር ናይ ዝደቀሱዎ ከይከፈሉኒ እንዳጠፍኩ እታ ሰበይቲ ካብ ደሞዝኪ ትኸፍልዮ ኢላትኒ ታዕሪፋ ከይሃበትኒ ነቲ ስራሕ ሓደግኩዎ።

ድሕሪ’ዚ ንመመሓላለፍቲ ሰባት ሚእቲ ቅርሺ ከፊለ ክሳብ ካርቱም ኣብጽሑኒ። ሰብ ኣይፈልጥ ቋንቋ ኣይፈልጥ ድማ ኣብ ካርቱም ዓነይነይ በልኩ። ቀልጢፈ ከኣ ምስ ሓንቲ ኣልማዝ ዝተባህለት ሱዳናዊ ዝሰብኣያ ሓበሻ ናይ ገዛ ስራሕ ጀመርኩ። ደሞዘይ ምኽፋል ኣብያትኒ ድማ ምስ ኣደይ ሮማን ዝተባህለ ትግራወይቲ በዓልቲ እንዳ ስዋ ስራሕ ጀመርኩ። መሪሳ ዝተባህለ ሓፊስ ስዋ እየን ዝጸምቃ ኣነ ድማ ዓዳሊት ስዋ ኮንኩ። እዚ ኣብ ፈለማ 1973 ኣቢሉ እዩ ዝኸውን ሃይለ ስላሴ ገና ኣብ ኢትዮጽያ ይገዝእ ነይሩ። ኣደይ ሮማን 15 ጅንየ ንወርሒ ይኸፍላኒ ነይረን። እዚ እቲ ሽዑ ጊዜ ብዙሕ ሰልዲ እዩ ነይሩ። ንሰለስተ ዓመታት ከኣ ምሰደይ ሮማን ሰሪሐ። ኣብ ሞንጎ ምስ ሓደ ጅኑባዊ ክርስትያን ተዓራሪኸ ሓንቲ ጓል ወሊደ። እንተኾነ ኑመይሪ ብ1977 ሕጊ ሸርዕያ ኣተኣታትዩ እቲ እንዳ ስዋ ተዓጽወ። ኣነ ከኣ ምስ ጓለይ ብዘይ ስራሕ ተረፍኩ። እቲ ጅኑባዊ ዓርከይ ከኣ ጓለይ እንተዘይወሰድኩ ኢሉ ኣትከኸኒ። ሓንቲ ሕያወይቲ ድንግል ሓጊዛትኒ ከኣ ምስ ጓለይ ናብ መተማ ሃደምኩ። ኣብ’ኡ ከኣ ንገለ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቐመጥኩ። ኣይጠዓምንን ግን። ጓለይ ሒዘ ከኣ ንካርቱም ተመሊሰ ኣብ እንዳ ሓዳስ ገዲማ ዓረፍኩ። ምምጸይ ሰሚዑ ከኣ እቲ ጁኑባዊ ሃወኸኒ። ህውከት ምስ በጽሐ ከኣ፡ ሓዳስ ገዲማ፡ “እዚ’ኣ ህጻን እያ ሸቂላ ኣይተብልዓካን። ተደሊኻ ከኣ ውሰዳ” በለቶ። ነታ ጓል ወሲዱ ከኣ ንኣብ ድዬም ኣብ ዝነበረ እንዳ ዘኽታማት ሃባ። ድሕሪ’ዚ ኣብ እንዳ ሱዳናውያን ቤትሰብ ስራሕ ጀመርኩ። ወትሃደራት ሱዳን ብጣቓ እንዳበሉ ሞኽ ምሰበሉና ከኣ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንኹላትና ኣብ ሱዳን ንቕመጥ ሓበሻ ኣብ ሱዳን ንኽንቅመጥ ዘኽእል ቪዛ ዝነበሮ ፓስፖርት ሃበና። ነዚ ፓስፖርት’ዚ ሸውዓተ ናይ ሱዳን ጅኔ ጥራሕ ከፊልናሉ። እዞም ሓበሻና ከኣ፡ ሰንካማት እንድዮም፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ጥራሕ ዝብል ጽሑፍ ብድንሽ እንዳኣልዓሉ ናብ ምሉእ ዓለም ከምዘንቀሳቕስ ክገብርዎ ጀመሩ። እታ ቢዝነስ ትበሃል ስራሕ ብኸምዚኣ እያ ጀሚራ። ኣነ’ውን ኣርባዓ ጅንየ ሱዳን ከፊለ ነታ ፓስፖርተይ ናብ ዝደለኹዎ ዓለም ከም እተንቀሳቕሰኒ ገበርኩዋ።

ሓደ ክሕግዘኒ ዝደለየ ሱዳናዊ፡ ኣብ ባዝራ መምህር ዝነበረ እዩ፡ በታ ዘመሓየሽኩዋ ፓስፖርተይ ከም ከዳሚቱ ኣመዝጊቡ ንዒራቕ ወሰደኒ። በዓል ሓዳር እዩ ኔሩ ኣብ ቤቱ ከኣ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ሰሪሐ። ነቲ ሰብኣይ ኣፋንወኒ ኢለዩ ኣፋንዩ ከኣ ናብ ባቕዳድ ከድኩ። ኣብ’ቲ ተጋደልቲ ጀብሃ ዝድቅስዎ ዝነበሩ ቤት ከም  ሰራሒት መግብን ሓጻቢት ክዳውንትን መጽረዪት ቤትን ብ300 ዲናር ንወርሒ ስራሕ ጀመርኩ። ጀብሃ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርት ኣሕዲጋ ብካልእ ኣብ ካይሮ ዝስራሕ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሓሶት ፓስፖርት ቀየረትለይ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ኣብ ናይ ኣልጀርያ ኤምባሲ ካልእ ስራሕ ጀመርኩ። 900 ዲናር ንወርሒ ይኸፍሉኒ ነይሮም። ድሕሪ ዓመት ከኣ ንዕኡ ሓዲገ ኣብ ቤት ኣምባሳዶር ስዑድያ ከም ተሓዚት ቈልዑ ተቈጸርኩ። ደሞዘይ ከኣ ሽሕ ዲናር ንወርሒ በጽሐ። ንሽዱሽተ ዓመታት ከኣ ሰራሕኩ። ንመጠረስትኡ ከኣ ካብ’ቲ ከሻኒ መግቢ ቤት ዝነበረ ምስራዊ ንራህዋ ጓለይ ጠነስኩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ከይተመርዓኻ ምጥናስ ኣብ ኢራዕ ዓቢዪ ገበን እዩ ኔሩ። ነቲ ጥንሲ ክሓብኦ ኣብ ዘይክእለኡ ሸውዓተ ወርሒ ምስበጽሐ፣ ዓመይ ናይ ነፊሪት ቲኬት ከፊላትለይ ንጓለይ ኣብ ካርቱም ንኽወልዳ ንካቱም ነፈርኩ። ኣብ ካርቱም እንዳ ምነይ ዓሪፈ ከኣ ሳንቲም ከይከፈልኩ ኣብ ሆስፒታል ካርቱም ወሊደ። ኣብ ሰለስተ ወርሓ ንጓለይ ምስ ምነይ ሓዲገያ ከኣ ንዒራቕ ተመሊሰ። ምነይ ጓለይ ክትሕዘለይ ክልተ ሽሕ ዶላር ከፊለያ። ንዕራቕ ምስ ተመለስኩ ካብ’ቲ ከሻኒ ደጊመ ከይወልድ ግዲ ፈሪሓ፡ ዓመይ፡ ምስኣ ምስራሕ ኣበየትኒ ። ምስ ሓደ ኢጣልያዊ እስካቡሊ ከኣ ስራሕ ጀመርኩ። ነታ ዓመይ ምስኣ ክሰርሕ ተመላሊሰ ምስ ለመንክዋ ግን ሕራይ ኢላ ኣብ’ቲ ዝለመድኩዎ ቤት ስራሕ ጀመርኩ። ድሕሪ እዋን ከኣ ሰብኣያ ንበይሩት ተቐየረ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ በይሩት ዕግርግር ነበረ’ሞ እቲ ሰብኣይ ምስ’ኡ ኣይወሰደናን። እታ ሰበይቲ ፍልስጤማዊት እያ ነይራ’ሞ ኣብ ዮርዳኖስ ቤት ስለዝነበሮም ንዮርዳኖስ ገዓዝና። ድሕሪ እዋን ከኣ እቲ ኣምባሳዶር ናብ ሶርያ ተቐይሩ ኵላትና ኣብ ደማስቖስ ተጠቕለልና።

ንጓለይ ዓመት ዓመት ብዙሕ መጻወትን ክዳውንትን ሒዘ እበጽሓ ነይረ። ከም ጓለይ ገይሩ ዝተኸድነ ኣይነበረን። ንጓለይ ጽቡቕ ክትሕዘለይ ኢለ’ውን ንምነይ ብዙሕ ገጸ በረከት እማልኣላ ኔረ። ጓለይ ሰለስተ ዓመት መሊኣ ብእግራ ትኸይድ ኮነት። እቲ ዓዲ ዓረብ ከኣ ሰላም እንዳሰኣነ ከደ። ንዓዲ ዓረብ ሓዲገ ናብ ኣውሮጻ ከይደ ጓለይ ከዕብን ከምህርን ጊዜኡ ከምዝበጽሐ ተሰመዓኒ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ከኣ ገንዘበይን ኣዋርቐይን ኣኪበ፡ ጠቕሊለ ናብ ካርቱም ብፍቓደይ ተመለስኩ። ኣብ ሰለስተ ወርሐይ ከኣ፡ ሓደ ሃብተ ዝተባህለ፡ ካብ’ቶም ደቂ ኣረፈ እዩ እመስለኒ፡ ኵሉ ኣሳሊጡለይ ጓለይ ሒዘ ንጀርመን ኣቶኹ።

[ስለምንታይ ጀርመን?]  ኣብ እንዳ ምነይ ሓንቲ ምሕረት ዝተባህለት፡ ደቂ ሓዋ ንጀርመን ክትወስድ ዝመጸት ዘመድ ምነይ እያ፡ ብዛዕባ ጀርመን ብዙሕ ኣዕሊለ። ቈልዑት ከተዕብን ከተምህርን ከም ጀርመን ዝኣመሰልዎ ዓዲ የለን ኢላትኒ። ሕክምና ድማ ነጻ እዩ። ስራሕ እንተዘይብልካ ከኣ ኣቲ መንግስቲ ናይ መንበሪካ ገንዘብ ይህበካ ያኢ። እዚ’ኣ ናይ መጻኢ ዓደይ እያ በልኩ። ብኣካል ክዳኸም ጀሚረ ነይረ። ኣነ ዝኾሽተርኩዎ ምድረ ቤትን፡ ዝፋሕፋሕኩዎ ቸመንቶን፡ ዝወልወልኩዎ ጠራሙዝ መስኮትን፡ ብኢደይ  ዝሓጸብኩዎ ክዳውንትን ኣቝሑትን ኵሉ ብጽፍሒ እንተዝስጣሕ ንሰማይ ምኸወለ። ንጓለይ ከዕቢ ቍሩብ ህድኣትን ዕረፍትን  የድልየኒ ነይሩ። ጀርመን ጥዕማት እዮም ጓልኺ ክሳብ ትዓቢ ክሰርሕ ኣይገደዱንን። ጓለይ ምስ ዓበየት ከኣ ሕማም ሽኮር እንዳበርትዓትኒ ከይዳ ብዙሕ ኣይሰራሕኩ። እንሆ ድማ ሕጂ ራህዋ ጓለይ ዓብያ፡ ተማሂራ፡ ተመርዕያ’ስ ክልተ ወሊዳ ኣነ ድማ እኖሓጎ ኴይነ።

[ብዘይ ዕረፍቲ ካብ ዓዲ ናብ ዘይትፈልጥዮ ዓዲ ክትኵብልል’ስ ኣይተፈርሕን ዲኺ? ማለት’ሲ ዘይተፈልጠ የፍርሕ እዩ …።] ኣነ ከም እታ ዝደኸየት ድኻ ናይ ዓለም ኴይነ እዬ ተበጊሰ። ካብ’ቲ ዝተወለድኩዎ ዝዓበኹዎን ዝኸፍአ ክፉእ የሎን። ካብ’ቲ ተደርብየዮ ዝነበርኩ ባይታ ንላዕሊ ድኣምበር ንታሕቲ ዝከኣል ኣይነበረን። ስለ’ዚ ናብ ዓለም ክወጽእ ኣሎኒ ካብ’ዚ ዝኸፍአ ክወርደኒ ኣይክእልን እዩ። እግዚኣቢሔር’ውን፡ ክቐትለኒ እንተዘይኴኑ ካብ’ቲ ዝነበርኩዎ ንታሕቲ ኣይክድርብየንን እዩ ዝበለ እምነት ነይሩኒ። ፍዅህ እንዳበልኩ ድና ንቕድሚት ክስጕም ጀመርኩ። ንድሕሪት ዝተመለስኩሉ እውን እውን ነይሩ። ወርትግ፡ኣምላኽ ካብ ዝኣተኹዎ ሽግር ከውጽኣኒ ምዃኑ እምነት ነይሩኒ። ስለ’ዚ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክምእርር ኣይፈርሕን ነይረ። ኣብ ህይወተይ ዝዓመጹንን ዘታለሉንን ብዙሓት እዮም። ካብኦም ዝበዝሑ ድማ ሓጊዞሙኒ። እግዚኣቢሔር ይመስገን ዕድለይ ጽቡቕ እዩ። ዓወት ማለት ናብ ዝደለኻዮ ምብጻእ እዩ።

ፍቓዱ ንነዊሕ እዋን ብዘሳቐያ ሕማም ሽኾር ሃለዋታ ኣጥፊኣ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝበት።  ናብ ሓሙሽተ የካቲት  ዘውግሕ ለይቲ ራህዋ ጓላ ፍቓዱ “ሕጅስ ክድቅስ ደልዬ ኣሎኹ’ሞ ነቲ መብራህቲ ኣጥፊእዮ” ክትብላ ሓለመት። ራህዋ እቲ ዝኸውን ተሰምዓ። ንምሸቱ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ድማ ንዝኾነ ሰብ ንነዊሕ ከየሸገረት ብሰላም ዓረፈት።

ዳንኤል ተስፋይ

07.03. 2015

ባድቪልዱንገ፡ ጀርመን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Hail4 soura March 8, 2015

    it is a sad story but reflect the real life Eritrean women, the main cause is war, poverity and lack of a system that can help poor Eritreans. I think things are worst now than the story written above. Hgdf and human traffickers are now targeting Eritrean men and women and makes things worst than ever. All this will stop when Issais removed and replace by rule of law. Lets pray for Fgadu to rest her soul in peace. thanks

  • yohannes March 8, 2015

    Fekadu may she rest in peace!

  • RIP March 8, 2015

    Most eritrean mother’s are heroes and this mother stand out to be more dedicated courageous and May God give her eternal peace. I felt sad, her daughter’s and granddaughter’s generation has to pass through this again. Condolonces to her daughter Rahwa.

  • Dala Ksha March 8, 2015

    RIP you are a great mother you have been fighting all your life ,rest in peace,my condolences to your daughters.You are tipical Eritrean motherm

  • hara March 8, 2015

    o miskin fkadu amlak ab mengistu ykebelki
    tsinAt ykun n dekiki

  • yebio March 8, 2015

    ናይ ፍቓዱ ሂወት ታሪኽ ነቲ ዝኽበር ዘሎ ዓለምለኻዊ ናይ ደቂ አንስትዮ በዓል ኣዝዩ የድምቖ

  • wahazit amahazion March 9, 2015

    RIP Fekadu,your history like all Eritrean women never end….!

  • Almaz Gual Asmera March 9, 2015

    ዝኸበርካ ሓው ዳንኤል ስለቲ ተገዲስካ ናይ ኣዴናን ሓፍትናን ታሪኽ ክንፈልጥ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ምስጋና ይግብኣካ። እቲ ዘገርም ከርተት ናይ ኤርትራውያን መኣስ ኮይኑ ዘብቕዕ ኪትብል ዝቅስበካ ታሪኽ እዩ። ኣምላኽ ከምቲ ንምሉእ ህይወታ ዝኣመነቶ ዕረፍቲ ነፍሲ ይሃባ፣ ንቤተሰባ ድማ ጽንዓት። እዚ ህርኩትነት፡ ኒሕን ሓቦን ድማ ንእሽተይ ወለዶ ኪወርሶ ተስፋ ይገብር። ኣምላኽ/ኣላህ ከኣ ሎምስ ይኣኽለኩም ኢሉ ነቲ፡ ነቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓሊፍዎም፡ ፋሕ ብትን ዘእትወልና ዘሎ ሰይጣን ዕምሩ የሕጽረልና።

Post a Reply to hara Cancel Reply