Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍሽለት ወዲገራህቱ ኣብ ስታቫንገር

ኣብቲ ብዕለት 15.04.13 ኣብ ስታቫንገር ብህግደፍ ዝተኣንገደ ሴሚናር ወላ’ኳ ደለይቲ ፍትሒ ሴሚናር ካብ ምክያድ ክዓግቱዎም እንተ ፈተኑ ግዜ ስለ ዝሓጸረን ኣደራሽ ከኽልኡዎም ኣይከኣሉን። ብዝኾነ እቲ ኵነታት ከመይ ከም ዝነበረ ካብ እሙናት ተሳተፍቲ ኣባላት ደለይቲ ፍትሕን

ኣብቲ ብዕለት 15.04.13 ኣብ ስታቫንገር ብህግደፍ ዝተኣንገደ ሴሚናር ወላ’ኳ ደለይቲ ፍትሒ ሴሚናር ካብ ምክያድ ክዓግቱዎም እንተ ፈተኑ ግዜ ስለ ዝሓጸረን ኣደራሽ ከኽልኡዎም ኣይከኣሉን። ብዝኾነ እቲ ኵነታት ከመይ ከም ዝነበረ ካብ እሙናት ተሳተፍቲ ኣባላት ደለይቲ ፍትሕን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዝደናገጹ ኣባላት ህግደፍን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይቕጽል’።

ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገር ኣብ ክልተ ጕጅለ ተመቒሎም ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኣብቲ መእከቢ ኣዳራሽ በጺሖም። ኣቻፈርቲ ህግደፍ ስታቫንገር ንዘይፈልጡዎ ሰብ ከይኣትው ይኽልክሉ ስለ ዝነበሩ ግን እቶም ክኣትዉ ዝተመደቡ ኣባላት ደለይቲ ፍትሒ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ከባቢ ስታቫንገር ዝመጽኡ ኣባላት ህግደፍ ከይተረፉ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም። ደለይቲ ፍትሒ ምስ ፖሊስ ድሕሪ ምዝርራብ ፖሊስ፡ “ንሕና ጸጥታ ክነኽብር እንተ ዘይኮይኑ ክነገድዶም ኣይንኽእልን ኢና፡” ዝብል መልሲ ሂቦሞም። ንሳቶም ድማ፡ “እሞ ከምኡ እንተ ኾይኑ ኣብ ጽሑፎም ኵሉ ኤርትራዊ ክሳተፍ ይኽእልዩ ይብል ስለ ዘሎ ንኣባላት ህግደፍ ዝምልከት ጥራይ ከም ዝኾነ ጽሑፍ ክወሃበና ኣለዎ፡” ክብሉ መሊሶም። ኣብዚ ግዜዚ ፖሊስ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ንተኽለ ፈዳይ ወረቐት ክጽሕፈሉ ሓቲቱዎ። ንሱ ድማ፡ “ሕጂ ኣብ ኣኼባ ስለ ዘለኹ ዳሕራይ ክጽሕፈሉ እየ እፈልጥ እየ ጸገም የሎን፡” ዝብል ናይ ሸፈጥ መልሲ ሂቡ። ብወገን ደለይቲ ፍትሒ ግን ትም ኣይበሉን እታ ትጸሓፍ ወረቐት ካብ ፖሊስ ከም ዝደልዩዋ ነቲ ጕዳይ ድማ ኣብ መዕለቢኡ ከብጽሑዎ ምዃኖም ብምግላጽ ኣብ ደገ ክጽበዩ ተገዲዶም።

እቲ ዘሕጕስ ዝናብ ይሃርም ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካብ በርገን ይኹን ካብ ከባቢውን ዝመጽኡ ደለይቲ ፍትሒ ናብቲ ኣብ ጥቓቲ ኣደራሽ ዝነበረ ሎካል እተዉ ተባሂሎም’ውን፡ “ፍጹም! እዚ ሃዳሚ ወዲገራህቱ ክሳብ ዝወጽእ ኣብዚኣ ክንጽበዮ ኢና። ዝናብ እንታይ ክገብረና ኢሉ ብምባል ኣብ ደገ ክጽበዩ ወሲኖም። በሉ ኣብ መኪና ንእቶ እንተ ተባህሉ’ውን፡ “ኣብ መኪና ንኽንኣቱ ኣይመጻእናን” ዝብል መልሲ ነይሩ። ብሓጺሩ እቲ ዝነበረ ናህርን ናይ ቃልሲ ወንን ፍሉይ ነይሩ። እቶም ደለይቲ ፍትሒ ማዕረ ካብ በርገንን ካብ ከባቢ ስታቫንገርን ካብ ውሽጢ ዝታቫንገርን ዝተኣከቡ ኮይኖም ቍጽሮም ልዕሊ ሓምሳ ነይሩ። ሰዓት ሓሙሽተ ምስ ኣኸለ እቶም ካብ ስታቫንገርን ከባቢኣን ገለ ካብ ቤተክርስትያን በስገዳድ ሴሚናር ኣሎ ተባሂሎም ዝተገፈፉ ሚእቲ ዝኣኽሉ ተሳተፍቲ ኣኼባ ካብቲ ኣደራሽ ክወጽኡ ጀመሩ። ደለይቲ ፍትሒ ድማ፡ “ንሕና ንሱ ንሱ ንህና ኣይኮንና፡ ንሕና ህዝቢ ህዝብና ድማ ንሕና ኢና፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዋትኩም ኢና፡” ዝብል ቃላት ብምስማዕ ተቐቢሎሞም። ኩላቶም ግን ደደኒኖም መንገዶም ቀጺሎም። ወዲገራህቱ ምህዳም ልማዱ ስለ ዝኾነ ከም ኣመሉ በቲ ቀንዲ ማኦጾ እናተጸበዩዎ ከለዉ ብዳሕረዋይ ማዕጾ ሃዲሙ ከይዱ። ኣብ መንጎኦም ተሓቢኡ ክከይድ ፈቲኑ ግን፡ “ወዲገራህቱ ኣንታ ረዅራዅ፡ ኣንታ ሃዳሚ!” እናተባህለ መንገዱ ጸሪጉ።

ካብቶም ኣብ ውሽጢ ኣትዮም ዝነበሩ እሙናት ተሳተፍትና ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ኣብቲ ኣኼባ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶን ሕቶታትን ነይሩ።

ትሕዝቶ ኣኼባ ኣብ ስዊድን ሰለስተ ኣደራሳት ማሕበረኮም ነዲዱ ነይሩ ከም ዝነበረ ትዝክሩ ኢኹም። ስለዚ ነቶም ኣብኡ ዝመሃሩ ዝነበሩ ቈልዑ መጻሕፍቲ መዕደጊ ዝኸውን ገንዘብ ውጽኢት ክግበር። ከም ካልኣይ ድማ ነቶም ነዚ ዝፈጸሙ ሰባት ዝዅንን መግለጺ ክንጽሕፍ ዝብል ነይሩ። ካብዚ ፍልይ ዝበለ ድማ ኣብ ጢዖ ሓደ ዓቢ ዲጋ ክስራሕ እዩ ዝብል መማቕርቲ ነይሩዎ።

ብወገን ተሳተፍቲ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ግብረ መልሲ ኣይተራእየን ንምዅናን ወይ ንጥርዓን ምጽሓፍ ብዝምልከት ድማ ኣጽቅጥ ኣቢሎም። ንናይ ጢዖ ዲጋ ብዝምልከት ኣባላት ዋርሳይ ይከኣሎ ደሞዝ ክግበረሎም ድዩ ወይ ከም ቀደሞም ብዘይ ደሞዝዮም ክሰርሑ ንዝብል ሕቶ፡ እቲ ሓሶት ዝኣመሉ ወዲገራህቱ ኣልዕል ኣቢሉ ድሕሪ ክልተ ዓመት ደሞዝ ክግበረሎም እዩ ኢሉ። ኣብቲ ድሒሩ ዝቐጸለ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ነይሩ።

–      ሕቶ፡ ዓለም ብዓለማ ብዛዕባ ሲናይ እናተዛረበት ስለምንታይ ጕዳይ ሲናይ ዘየልዓልካዮ? ካልእ ይትረፍ ኣብ ኤውሮጳ ዝነብር ህዝቢ ጅሆታት ኣዝማዱ ንምድሓን ኣብ ኣስመራ ገንዘብ ይኸፍል ኣሎ። ብዛዕባዚ መንግስቲ እንታይ ዝገበሮ ኣሎ?

–      መልሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ተጻባእቲ በዚሖሞ ኣለዉ። ወያኔ፡ ኣመሪካ ካልኦት’ውን ንመንግትና ብዝገበሮን ዘይገበሮን ይኹንንዎ ኣለዉ፡ ዝብል ሃጠውቀጠው መልሲ ሂቡ።

–      ሕቶ፡ ኣብ 2011 መጀመርያ 400 ዝኣኽሉ ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም። እቲ ጠንቂ ግን ማዕበል ዘይኮነ ተሃሪሞም እዩ ዝብሃል። መንግስትና ብዛዕባዚ ስለምንታይ ከጻርዮ ዘይፈተነ?

–      መልሲ፡ መንግስትና ንምጽራዩ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ዓቕሙ ዘፍቅዶ ይገብር ኣሎ።

–      ሕቶ፡ ኣብ ደገ ዘለዉ ኣሕዋትና ስለምንታይ ክኣትዉ ዘይተፈቕደሎም?

–      መልሲ፡ ኣብዚ ወዲ ገራህቱ ዘይኮነ እቲ ወይጦ ህግደፍ ዝኾነ ተኽለ ንጉሰ ፈዳይ እዩ ክምልስ ፈቲኑ። እቲ ዘገርም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኣኼባ ክንኣቱ ኢሎም እናሓተቱ ከለዉ ንሱ ግን፡ “ኣብ ኖርወይ ሓደ ውላድካ ሓዳረይ ክወጽእ እየ እንተ ኢሉካ ኣይትኽልክሎን ኢኻ፡” ዝብል ተጋራጫዊ ናይ ዓዋናት መልሲ ሂቡ።

ኣልግብ ኣቢሉ፡ ወዲገራህቱ “ነዞም ኣብ ደገ ዘለዉ ብዙሕ ኣይትገደሱሎም ዓጋመ እዮም፡ ከዳዓት እዮም” ምስ በለ፡ ብምሉኣቶም ኣኼበኛታት፡ “ዓጋመ ኣይኮኑን፡ ኤርትራውያን እዮም፡” እናበሉ ብምጭራሕ ነቲ ኣደራሽ ነቕኒቖሞ። ተኽለ ፈዳይ ቦኣቕሊጽበት፡ “በጃኻትኩም ስነስርዓት ግበሩ፡ ሕቶ እንተ’ለኩም ብኣገባብ ሕተቱ፡” ብምባል ከዕግሶም ፈቲኑ። ብኸምዚ ድማ እቲ ክንደይ ላዕልን ታሕትን ዝተባህለሉ ናይ እንዳ ጃህራ ድራሮም ሴሚናር ብዘይ ሓደ ቍምነገር ፈሺሉ። ጥርዓን ኣይተጻሕፈ፡ ናይ ጥራዝን መጽሓፍን ገንዘብ ኣይተዋጽአ። እብቲ ኣደራሽ ካብ ዝተፈጸመ ሃደ ፍልይ ዝበለ ፍጻሜ እዚ ዝስዕብ ነይሩ።

ወዲገራህቱ ብጥበቡ ኣኼባ ክውዳእ ቍሩብ ደቃይቕ ምስ ተረፎ ሕቶ መታን ከይሕተት ዕረፍቲ ክንገብር ኢና ኢሉ። ሓደ ተድፋማርያም ዮሴፍ ኪዳነ ዝብሃል ስንኵል ተጋዳላይ፡ “እሞ ቅድሚ ናብ ካልእ ኣጀንዳ ምስጋርካ ሕቶ ነይሩኒ፡” ስለ ዝበለ ኣይከኣልንዩ ተባሂሉ። እዚ ደሓን ምኾነ ልክዕ ምስቲ ዕረፍቲ ሰብ ከየፈለጠ፡ እቶም ኣብ ስታቫንገር ቀንዲ ኣጫፈርቲ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ሓሙሽተ ሰባት ደፊኦም ብሓይሊ ካብቲ ኣደራሽ ኣውጺኦሞ። ኵሉ ሰብ ኣስማቶም መታን ክፈልጦ ኣዞም ዚስዕቡ እዮም።

–      ቢንያም ኣስመላሽ

–      ዳዊት ክፍለ ብስም ወዲኮለኔል ዝፍለጥ

–      ኢሳቕ ገብረክርስቶስ

–      ሃይለ ዘርአ

–      የማነ ስዩም

እዞም ሰባትዚኦም ናብ ኖርወይ ብንእስነቶም ዝመጽኡ ኮይኖም ንሃገር ክንዲ ጽፍሪ ዘየበርከቱ ኣብ ኣስመራ ንብረት ስለ ዘጥረዩ ጥራይ ንህግደፍ ዘሳዩ እዮም።

ኣብ ስታቫንገር ህግደፍን ወይጦታቱን ከካይዱዎ ዝሓሰቡ ሴሚናር ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ ብፍሽለት ምዝዛሙ ንደለይቲ ፍትሒ ኦኣቢ ዓወት ነይሩ። ወይጦታት ህግደፍ ትማሊ ትማሊ ንደለይቲ ፍትሒ የፈራርሑን፡ ኣኼባታቶም ቅድሚ ኣዋርሕ ብወግዒ ይገልጹን ኣብ ፈቐዶ መንደቕ ከተማታት መወዓውዒ ይልጥፉን ከም ዘይነበሩ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብራዕዲ ተዋሒጦም ብሜሰጅ ናይ ሞባይል ከካይዱ ይፍትኑ ኣለዉ። ብፓልቶክ ፈቲኖም ኣይሰለጦምን፡ እንኮ ተሪፉዎም ዘሎ ኣገባብ ብስካይፕ ሴሚናር ምክያድ እዩ። እዚ ድማ ምስ ኵነታት ኣባላቶም ዘይከይድ እዩ። ምኽንያቱ ዝበዝሑ ኣባላቶም ተገዲዶምዮም ናብ ኣኼባታት ዝኸዱ።

ስርዓት ህግደፍ ወዳቒ እዩ!

ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ!

ስታቫንገር ኖርወይ

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Awet April 15, 2013

    A couple years ago such action was unthinkable. I am so proud of our youth and our deleyiti selam in general in the UK and it’s soundings. I truly believe the 11th hour for HGDEF is around the corner.

    Death to HGDEF and victory to the Eritrean people.
    Awet

  • Stefen Temolso April 15, 2013

    The time has come when HGDEF elements are running and hiding form the justice seekers. More will come brothers! We must only unite and go for more action. The Coward Wedi Gerahtu run away as a hare as usual.he will never come back to Norway again.

  • ABti bota zinebere April 15, 2013

    Nay bahaki iyu zegerim. Ane kem teazabi abti bota niere. Nay bahaki zehizin iyu. Kabti zinebere kunetat wetsai tsebtsab tewahibu.
    1. Etom tekawemti kab 15 aybezhun nierom. Abzi tsuhuf gn 50 tebahilu
    2. Tekle Feday agame ilu zibelkumo hasot. “ዓጋመ ኣይኮኑን፡ ኤርትራውያን እዮም፡” እናበሉ ብምጭራሕ ነቲ ኣደራሽ ነቕኒቖሞ. Nay bahaki dikum kemzi tsebtsab endakrebkum free press ilkum tzarebu? Hzbi mdngar lewti kemzeymetsee zitefakum aykonen.
    3. Hizbi 100 nierom zbelkumo, kab titsbit natey wetsai leli 300 sebat nierom
    4. Neti hatewketew ilu zibelkumo asfihkum zeytigeltsuwo. Wedi gerahtu bzaeba sinai ms tezarebe hzbi b chebcheba iyu melsi hibu.
    5. Wedi gerahtu bdhrit wetsiu zibelkumo mo kea sahak ketiluni. Ane abta tselam makina ksab ziatu ab tika natu niere. Kabakum nay 10 metro rihiku zinebere hanti kal keman ktzarebu aysemanan.
    6. Kab kulu zesembedeni dma, ane kem Ethiopiawian zifeltom sebat. Kab sudan jemire zifeltom mstom tekawemti nierom. Hade kabom srda kbetsih nab Adi grat summer geyshu zinebere.

    Ab mewedaeta, ane mizanawi hasab areaiyan zeleni seb iye. Zeynebere neger mzrab gn abi ksara iyu neakum. Hzbi eritrea kabakum tesfa kemzeyblu felite. Hager ktshetu hlmi iyu. Kedemu betekrstian fah keteblu ms fetenkum iyu kulu seb tuf ilukum.

  • Harnetna 2013 April 15, 2013

    Well when he was saying ‘ this seminar is for hgdef and he asked permision peper, he should have got it,
    and it would have been very very eassy to remove them from Norway to Eritrea, because Norway will not approve only HGDF is party in their homeland. and so if they are hgdef, they have no problem to live in their homeland and the court would have decided to remove them.
    i am sure 100% that Norway would not approve hgdef party in their homeland.

    • Genet April 15, 2013

      HARNETNA 2013

      IF NORWAY GOV. WOULD NOT APPROVE HGDEF PARTY IN THEIR HOMELAND, THEN IT IS A CHANCE FOR ERITREAN IN NORWAY TO MAKE SURE THAT NORWAY GOV IS AWARE OF IT WHAT THE HGDEF OPERATIVES ARE DOING. WE HAVE TO MAKE THE PFDJ COWARDS KEEP RUNNING. KEEP THE MOMENTUM, KEEP THE PRESSURE.
      Genet

  • sembelawe April 15, 2013

    atum tebelsti tekle feday ata guhela hegi diheri may nab baati sltan terekebka hargefgef aytibel kabti akeba zisogogkumo tegadalay hezbawe ginbar zinebere tesfamariyam yosef ab harnetawe kalsi akalu zigodele hade egru korax bibambula zikeyd wala hanti keybedele sogigkumo segogtu 1. binyam asmelash. dawet kifle(wedi korenel).esak gebreyesus.haile mickael.yemane siyum .msakatkum abta kuwamawetn dimokrasiyawetn lielina hegi zelewa eritrana yerakibena

  • Forto April 15, 2013

    Viva Forto….

  • kidan abrha April 15, 2013

    WEll done hero eritreans; but you need to deal with the hegdf chifra legally by exposing them to the immigration authority; donot afraid it is a process to democracy and it is about your right. push it.

  • Redi Kifle (bashay) April 15, 2013

    “There is time for every thing”. Our YOUTH, the stage is yours’.

  • oromay April 15, 2013

    Thanks for the reportage.Please those stooges in black list tomorrow is coming sooner.

  • oromay April 15, 2013

    Sorry ….plesse keep them in blacklist

POST A COMMENT