Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍልጠት መሰረት ሓርነት

መን እዩ ተጋዳላይ፧ መን እዩ ምሁር፧ መን እዩ ስዉአ፧ መን´ዩ ፧መን´ዩ፧ መን፧ መን……. ወርትግ ብዘይካ ምስ ነብሰይን ምስ ገለ ውሑዳትን  ምስ ብዙሓት ዘየሰማምዓኒ ነጥቢ።  እዞም ኣብ ልዕሊ ዝጠቀስኩዎም ሰለስተ ነጥቢ፣ ብዝያዳ ምስ ህሉው ኩነታትና ስለዝኸዱ’ምበር፣

መን እዩ ተጋዳላይ፧ መን እዩ ምሁር፧ መን እዩ ስዉአ፧ መን´ዩ ፧መን´ዩ፧ መን፧ መን……. ወርትግ ብዘይካ ምስ ነብሰይን ምስ ገለ ውሑዳትን  ምስ ብዙሓት ዘየሰማምዓኒ ነጥቢ።  እዞም ኣብ ልዕሊ ዝጠቀስኩዎም ሰለስተ ነጥቢ፣ ብዝያዳ ምስ ህሉው ኩነታትና ስለዝኸዱ’ምበር፣ መልሲ ወይ ቅኑዕ ግንዛቤ ዘድልዮም ጌጋ ተረድኦታት ብዙሓት እዮም። ንሎሚ ግን ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ምስ ህሉው ኩነታትና  ስለ ዝኸዱ ኣብዚኦም ጥራይ ከተኩር። ከምዝዝከር ቅድሚ ገለ መዓልታት ሓራ ንኹን ንሓርነት ክንቃለስ” ብዝብል ኣርእስቲ ቁሩብ ብዓቕመይ ክገልጽ ፈቲነ ነይረ እዛ ጽሕፍቲውን ከም ናታ መቐጸልታ ኮይና ብዝያዳ መሰረት ሓርነት ፍልጠት ምዃኑ ከብርህ ክፍትን እየ ሰናይ ንባብ።

ፍልጠት ህያብ ፈጣሪ እዩ። ብዝያዳ ድማ ንደቂ ሰባት ሓለፋ ዘለዎ ህያብ። እንስሳታትውን አዚ ትዕድልቲ  እዚ ኣለዎም እዩ ግን ኣይከም ናትናን። እንስሳ ብዓቕሙ መውዓሊኡ፣ መሕደሪኡ፣ ውላዱ፣ ዓሌቱ፣ ጸላኢኡ፣ የለልን  ይፈልጥን  ብገዛእ ርእሱ ናይ ምምርማር ዓቕሙ ትሑት ብምዃኑ ድማ  ምዕባሊኡ ድሩት ይኸውን፥፥ ናይ ምስልጣንን ምምሃርን ዓቕሞም ግን ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳወሰኸ ይመጽእ ብምህላዉ ብገዛእ ርእሶም ናይ ምምዕባል ደረት ድኣምበር፣ ናይ ምምሃርን ምስልጣንን ተኽእሎኦም ኣብ ቀጻሊ ዕብየት እዩ ዝርከብ ኣበይ ክበጽሑ እዮም ንግዜ ዝግደፍ እዩ። ወድሰብ ግን ናይ ምምርማር ጸጋ ስለዝተዓደለ ናብዚ እንርእዮ ዘሎና ደረጃ በጺሑ። ዋላእኳ ኩሉ ሓደ ዓይነት ዓቕሚ እንተዘይሃለዎ፣ ብዘይካ እቲ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎ ኩሉ ብዓቕሙ ይሓስብ የስተውዕል ይመራመርን ይፈልጥን ይርዳእን። ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዘቕርባ ዝነበረ ዓምዱ፣ ዓምዲ ሓንቲ ዓለም፣ ብዛዕባ ፍልስፍና ክገልጽ እንከሎ  ሕጽር ብዝበለ  ፍልስፍና ማለት ንነገራት ከም ውዱእ ጌርካ ዘይምቕባል እዩ ክብል ገሊጹዋ ነይሩ ።ብሓቂ ገላጺት ሓሳባት ብምዃና ምስ ነበብኩዋ ተሰማሚዔ ጥራይ ዘይኮንኩ ነቲ ዝነበረኒ ናይ ምስትንታን ጸጋ ድማ ዝያዳ ኣራጒዳትለይ።ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንነገራት ከምቅቡል ዘይኮነስ ኪሳብ ዝርደኣኒ መርሚረ ክቕበሎን ክነጽጎን ከምዘሎኒ ፈሊጠ። ሓቂ እዩ እዚ መርገጺ እዚ ብዙሕ እዋናት ምስ ሰባት የጋጭውኒ እኳ እንተኾነ ካብ ንሰብ ንሕልናይ እንዳቐደምኩ ብስነሞጎታዊ መገዲ ንዝኣምን እንዳተረዳዳእኩ ስነሞጎት ንዘይኣምን ድማ ንግዜ እንዳሓደግኩ ከምሻሙ ክኸይድ ጸኒሔን ኣለኹን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ  ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነብስና ሓራ ክንከውን ምስ ነብስና ክንተዓረቕ ከምዘለና ጠቒሰ ነይረ፣ ምስ ነብስና ክንዕረቕ ድማ ነቲ ጸላኢና ዝኾነ ዘይምፍላጥ ብምፍላጥ ጌርና ክንስዕሮ ኣሎና ፍልጠት መሰረት ሓርነት ስለዝኾነ። ብሓቂ ንምርምር እንተንኸውን  ኣብዚ ወሪዱና  ዘሎ ኣደራዕ ኣይምበጻሕናን ብዘይምምርማር ንኹሉ ዉሁብ ከም ቅቡል ብምውሳድና ግን ክሳብ ሽግር ባዕሉ ዝምህረና ተጸቢና። ሕጂውን ገና ምምርማር ምስትውዓል ምፍላጥ የድልየና።  እዚ ግን ብሓባር ምስ ዝኸውን እዩ ዝያዳ ኣድማዒ ዝኸውን። ምኽንያቱ ዝሓስቡን ዝምርምሩን ስለዘይነበሩ ኣይኮነን፣ እዚ ኹሉ በጺሕና ዘሎ መዓት ወሪዱና፣ እንታይ ደኣ ንሶም ስለዝወሓዱን፣ ሰማዒ ስለዝሰኣኑን፣ ብብዝሒ ስለዝተዓብለሉን እዩ። ስለዚ እቶም ድሒሩ ዝተረደኣና ድማ ንሓርነት ክንቃለስ እጅገና ካብ ሰብሰብና  በዚ ሸነኽ(ኣተሓሳስባና) ድማ ሓራ ምስእንኸውን ዝያዳ ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ንኽእል።

ነዚ ኣብ መእተዊ ብመልክዕ ሕቶ ዝጠቐስኩዎ ሓሳብ ከም ኣብነት ወይ ድማ መበገሲ ክኾነና መምረጺየይ ቀንዲ ምኽንያት ካብ ናይ ትማል ጌጋና ክንእረም ሓጋዚ እዩ ዝብል እምንቶ ስለዘሕደርኩ እየ። መን እዩ ተጋዳላይ፧ መን እዩ ምሁር፧ መን እዩ ስዉአ ክንብል ከሎና ንዝሓለፈ፣ ንዘሎን ንዝመጽእን ስለዘጠቓልል እዩ። ከመይሲ ከም ቃል ብካብ 3 ክሳብ 5  ፊደል እየን ቆይመን ካብ ካልእ ዝፈልየን ግን ትርጉመን እዩ። ሓቀኛ ትርጉመን ድማ ርዝነት ይህበን። ስለዚ እዘን ቃላት ስቕ ኢልካ ንዝኾነ ኣይትህበንን ብዘይካ ንዕአን ዝበቅዕ ዋጋ ዝኸፈለ።

ንኣብነት በታ ቀዳመይቲ ምስ እንጅምር መን´ዩ ተጋዳላይ ክንምልስ እንታይ ማለት እዩ ክንፈልጥ ኣሎና:: ስለዚ ተጋዳላይ ማለት ተቓላሳይ፣ ዘይተንበርካኻይ፣ ኣላሽ ዘይብል ኢልና ትርጉም እንተሂብናያ፣ እሞ መን እዩ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብረሃ ዶስ ሜ ጀነራል ፍሊጶስ፧ ብሓፈሻ እቶም ቃልሶም ብትብዓት ዝቐጸሉን ግዳይ መስዋእትን ማእሰርቲን ዝኾኑን  ዶ ወይስ እቶም ዝተቓለስሉ ዕላማ ብውልቀሰብ ተጨውዩ እንዳረ ኣዩ ስቕ ዝመረጹ፧ ከም ኡውን እዞም ስቓይ ህዝቦም ቅጭጭ ዘይብሎም ተቓላሳይ ዝብል ስም ሒዞም ንሓድነትን ስምረትን ዕጭ ዝሓንፈፉ ዶ ወይስ እቶም ብሓቂ ንምሉእ ሓርነት ዋጋ ክኸፍሉ ድሉዋት ዝኾኑ፧ ስለዚ ብሓቂ ትርጉም ተጋዳላይ እንተተገንዚብናዮ መን እዩ ሓቀኛ መን እዩ ዘይሓቀኛ ክንፈልዮ ኣየጸግመናን ዳግማይ ከይንግራህ ድማ ይሕግዘና።

ካልአይቲ መን´ዩ ምሁር፧ ትርጉም ምሁር ማለት ምርድኡ ብዙሕ ዘሸግር ኣይኮነን ብሕጽር ዝበለ ዝተማህረ፣ ዝሓሸ ዝፈልጥ፣  ዘመዛዝን፣ ኣወዳዲሩ ሓቂ ዝርዳእ ዝብል ከፊላዊ ትርጉም ክንህቦ ንኽእል። እንተኾነ ግን ከም ትርጉሙ ገይርናዶ ንጥቀመሉስ ወይስ ከም ውሁብ ተቐቢልና ንኸይድ፧

ኣብዚ እዩ እቲ ቀንዲ ቁምነገር፣ ሓደ ሰብ ንዓመታት ተማሂሩ ንዝተቐበሎ ማዕርግ  ንዘንጥሎ ኣይኮነን ሕመረት መልእኽተይ  እንታይ ደኣ፣ ከም ሰብ ግን ብሓቂ ናይ ምግምጋም መሰልና ተጠቒምና ክንቅበሎን ክንነጽጎን ኣሎና በሃላይ እየ። ብፍላይ ኣብ ሃገራዊ ዕማም ወይ ሱታፌ ዝምልከት ብግርህነት ነቲ ቅድሚ ስሞም ዝተለቀበ ማዕርግ ዘይኮንና ክንርእይ ዘሎና ከምቲ ዝተሰከምዎ ማዕርግን ዝተማህሩዎን ዶ ይዓዩ ኣለዉ ኢና ክንብል ዘሎና። ብፍላይ ኣብዛ ነጥቢ እዚኣ ኣዝዩ ልዑል ናይ ምዕዛብን ምምርማርን ዓቕሚ ክሓተና እዩ። ከመይ ተመሳሳሊ ጌጋ ከይንፍጽም። ትማል እዚ ሽፍታ ስርዓት ን መደቡ ከተግብር ዝተጠቕመሉ ሜላ ከይንደግም። ንሱ ዝገበሮ እንተነይሩ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ኣንጻር ምሁራት ዝተኸተሎ ሜላ ኩልና ከምእንፈልጦ፣ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ክሳብ ሕጂ ሃስዩና ይርከብ። ድሕሪ ነጻነት ኩልና ከምእንዝክሮ ንኹሉ ኣብ ሓደ ሰኪዔት ብምእታው ኣበይ ኔርኩም ትማል ብዝብል ብህዝቢ ከይተረፉ ከምዝንጸጉ ብምግባር ሰውራዊ ስነሓሳቡ ኣብ ህዝባዊ ምሕደራ ብምትእትታው፣ ኣብ ልዕሊ ሜዲካል ዶክቶር  ሓኪም ብርጌድ ዝነበረ ተጋዳላይ ብምሻም፣ ኣብ ልዕሊ መሃንድስ(ኢንጂኔር)  ኣባል እንዳህንጻ ዝነበረ ተጋዳላይ  ብምሻም ..ወ.ዘ.ተ ኮታ ኩሉ ብምዝብራቕ ነታ ብምሕደራ ህዝባን፣ብፍቕራን፣ ምክብባራን እትልለ ዝነበረት ሃገርና ንታሕቲ  ነቚትዋ ይርከብ። ንሕናውን ካብዚ ጌጋ ሓራ ክንከውን እንተዘይኪእልና ጻዕርና ከንቱ እዩ ክኸውን። ስለዚ መን እዩ ምሁር ብሓቂ ክምለስ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ንምውድዳር ክሕግዘና አስኪ ንገለ ንርኣይ፦  መን´ዩ ምሁር ፕሮፌሶር ጊዶዎን ኣባይ ወይስ ፕሮፌሶር በረኸት ሃብተስላሴ፧ ዶክተር ወልዳይ ፍጡር ወይስ ነፍስሄር/ስዉእ ዶክተር በየነ ኪዳነ፧ ዝተረፉ ነዓኹም ንምስትንታን ይሓድጎም።

ኣብ መወዳእታ መን´ስዉእ ብዝብል ሓሳብ ክድምድም፥ ከምቲ ኣቐዲምና ዝገበርናዮ ቅድም ትርጉሙ ብምርኣይ ንጀምር። ስዉእ  ወይ ሰማእት ማለት ንሓደ ዝተበገሰሉ ዕላማ ወይ መትከል በጃ ምስ ዝሓልፍ እዩ ስዉእ ወይ ሰማእት ዝበሃል ብፍላይ ግና አቲ መትከሉ ወይ ዕላምኡ ን ረብሓ ሓፋሽ ምስ ዝኸውን እዩ ፣ ምኽንያቱ ሓደ ሰራቒ ዕላምኡ ስርቂ እዩ። ኣብ መስርሕ ስርቂ ምስ ዝሓልፍ ስውእ ኣይንብሎን። ስለዚ ድማ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክ ዎ ንሓደ ቃል ሓቀኛ ትርጉሙ እዩ ርዝነት ዝህቦ። ናይ ብሓቂ ሰብ ንምንታይ እዩ እታ ዝኸበረት ህይወቱ  ምእንቲ ካልኦት በጃ ዝገብራ፧ ምንም ዘጠራጥር ዘሎዎ  ኣይመስለንን  እቲ መልሲ ፍቕሪ እዩ። እወ ፍቕሪ ህዝቢ ንውልቃዊ ድሌታቱን ረብሓኡን ኣወንዚፉ በጃ ክሓልፍ ይገብሮ። ፍቕሪ ህዝቡ ንዘጋጥሞ ማሕለኻታትን ብድሆታትን ተጻዊሩ ከም ዝቃለስን ከምዝስዋእን ይገብሮ። ህዝቢ ድማ እቲ ንዕ ኡ ዝግባእ ክቡር ስም፣ ስዉእ ዝብል ስም ብኽብሪ ይህቦ። መቸም ንኹሉ ዝሞተ ናይ ምኽባር ጽቡቕ ባህሊ ኣሎና፣ብዘየገድስ እንታይ ነይሩ ሰብ ምስ ዓረፈ ሕሱም ይንበር ሕያዋይ ብኽብሪ ሬስኡ ይፋነው ነፍስሄር ተባሂሉ ድማ ይስመ። ስለዚ ከምዚ ዝተጠቕሰ ካብ ኮነ ትርጉም ናይ ስዉእ፣ መን እዩ ስዉእ፧ እቶም ምእንቲ ህዝቦም ዝሓለፉ ዶ ወይስ እቶም ብጠገለ ዝሰኣነ ዕብዳኖም  ኣደዳ ሕማም ፌጋቶን ካልእን ኮይኖም ዝሞቱ ዘለዉ፧ ት ዝክሩ ዶ ኣብ እዋን ነጻነት ዝነበረ ርዝነት ናይታ ስዉእ እትብል ቃል፧ ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ዋላ ደቂ ስዉኣትን ኣብ ስድራ ስዉኣትን ዝነበረ ኣኽብሮትን ድንጋጸን፧ ናበይ ደኣ ኣበለ ሕጂ፧ ዝግብኦን ዘይግብኦን ምስወሰዶ ፎዂሱ። እዚ ክፉእ ሓደገኛ ስርዓት ኮነይ ኢሉ ዝገበሮ ሽርሒ እዩ። እቲ ትማል ዝነበረ ወኒ ናይ ጅግንነት፣ ናይ እምቢ ንመግዛእቲ ወኒ፣ ንመስዋእቲ ዘቀዳድም ዝነበረ ወኒ፣ ናበይ ኣበለ እዚ ኹሉ፧

ስዉኣት ሕድሮም ምስተጠልመ እሞ ድማ ብዉሑዳት ጥራይ ዘይኮነስ ብኹሎም በቶም እምንን ሓመድን ዝጸቐጥዎም ብጾቶም ከይተረፈ ምስተጠልሙ ነዚ እንዳረኣየ በጃ ክኸውን፣ንመስዋእቲ ዝጎዪ ካበይ ክርከብ፧ ስለዚ ሕጂውን ዝበረሰ ባህልና ንምህናጽን ክብርታትና ናብ ንቡር ንምምላስ ኮታ ንመላእ ሓርነት ኣብ እንገብሮ መስርሕ ንነገራት ከም ቅቡል ካብ ምውሳድ ብምጥንቃቕ፣ ንኹሉ  ኣብ ለዓቱ ንስኵዓዮ። ክብርታታ ሰማእታትና ናብ ቦትኡ ንምለሶ ነቲ ከም ጭርሖ ገይርና ወሲድናዮ ዘሎና ዘል ኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና፣ ዝብል ሃየ ብተግባር ንዕየ ካብ ተራ ዘረባ ሕልፍ ንበል  እቲ ሃሲሱ ዘሎ ትርጉሙ ተረዲኡና ነድምቆ፣ ንዘይግብን ካልእንን ካልእንኦ ካብ ምሃብ ንቆጠብ።

ኣብ መወዳእታ ከመሓላልፎ ዝደሊ ለበዋ እዚ ሓሳብ ንኹሉ ክፉት ኮይኑ ብጽሑፍ(ከም ዓንቀጽ)ይኹን ወይድማ ብርእይቶ ከተሀብትሙዎ ይላቦ ።

* ናይ ውሱናት ሰባት(ተቓለስቲ)ስም ምርቈሐይ ከም ኣብነት ክጠቕሶም ስለዝቐለለይ ማለት ኩሉ ብቐሊሉ ክርደኣኒ ስለዝኽእል እምበር ንሶም ጥራይ ዘይምዃኖም ከረድእ ይፈቱ።

ሓርነት ህዝቢ ካብ ሓርነት ውልቂ ይጀመር

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና

ዮናስ ተኽላይ(መካናይዝ ፯፬)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • NEW HOPE ERITREA May 10, 2013

    Respected Yonas Teklai,

    Quote..ኣብ መወዳእታ መን´ዩ ስዉእ ብዝብል ሓሳብ ክድምድም፥ ከምቲ ኣቐዲምና ዝገበርናዮ ቅድም ትርጉሙ ብምርኣይ ንጀምር። ስዉእ ወይ ሰማእት ማለት ንሓደ ዝተበገሰሉ ዕላማ ወይ መትከል በጃ ምስ ዝሓልፍ እዩ ስዉእ ወይ ሰማእት ዝበሃል ብፍላይ ግና አቲ መትከሉ ወይ ዕላምኡ ን ረብሓ ሓፋሽ ምስ ዝኸውን እዩ ፣ ምኽንያቱ ሓደ ሰራቒ ዕላምኡ ስርቂ እዩ።….END OF QUOTE

    እዛ ዝበልካያ ኩሉ ጊዜ ኣብሪሄ ክገልጻ ዝፈቱ____እቲ ውጽኢት ድኣ እምበር እቲ ሃቐን ክኸውን የብሉን።IT IS NOT THE INTENTION BUT THE VALUE FOR THE MASSES.. ንሓፋሽ ጠቒሙዶ ኣይጠቐመን ፧ ጽቡቕ ዘረባ። እቲ መበቆሎም ዓዲ ክልተ ዝተባህለ ጥቓ ኣኽሱም ፣ዝኾነ ኣቦና ወልደ ኣብ ወልደማርያም ፣ንሙሉእ ትግራይ ትግርኚ ዝሓቖፈ ዕላማ __ኣንጻር ጨቆንቲ ገዛእቲ ¨ኣምሓራ¨፣ እቶም ሕብረት ኣስላም ኢሎም ንሃይማኖታዊ መሰል ዝተበገሱ ደቂ ከሰላን ____¨ኤርትራዊ¨ ቃልሲ ክጅመር እንከሎ ዕላምኡ ናይ መሰል ዝሓዘለ ቅዱስ መትከል እዩ ኔሩ።ጃንሆይ ድማ በቲ ኣንጻር እስላማዊ መርገጹ ተበጊሱ ፈልዩ ንኣሕዋትና ደቂ መታሕት ዝፈጸሞ ግፍዒ ህዝቢ ተቓዊሙ ፣ ነቲ ገድሊ ሕራይ ኢሉ ተሰሊፉሉ ጥራይ ዘይኮነስ ሓቀኛ መስዋእቲ ዝብሃል ንኽፋል ህዝብኻ ምስዋእ_ኣፍንጫ ሲመቱት ዓይን ያለቅሳል ከም ዝበልዎ (ኣምሓሩ ¨ጸላእትና¨)ክቡር መስዋእቱ ከፊሉ። ክርስትያን ሓረስቶት ሓወቦታተይ ብንቕሓት ተሰሪዖሙሉ__ብሲ ኣይ ዲ ናይ ጃንሆይ እውን ኣብ እዝኖም ኤለትሪክ ኣእትዮም ክሳዕ ዝደምዩ ቶርቺሮሞም__ንብላሽ___ከምዛ ብርዔይ ንማንም ወስላታ ከይንሓፈት እትጽሕር ንሳቶም ውን ግንባረይ ንጥይት ኢሎም ወጺኦም። እዚ ጅግንነት እዚ ናይ ጽልኢ ደርፊ ኣደንቊርዎም ወይ ውን ድሙ ድሙ ሰትዮም ስለ ዘይገበርዎ ኣብ ዕላምኦም ብመትከል ተቓሊሶም ።
    ነታ ናስትሮ ሸፈፍ ኣቢለ ከሕልፋ____1978___ህልኽ ኣብ መንጎ ተጋደልትን ሸፋቱን ኣብ ላዕለዋይ ጥርዙ በጽሔ።ደርጊ ምስ ደፍኦም ብዙሓት ተጋደልትን ሸፋቱን ኢዶም ናብ ደርጊ ሃቡ።ደርጊ ወዶ ገባ ይብሎም ነበረ__ህዝቢ ኣስመራ ድማ ጨንቆ ገባ ይብሎም ነበረ።ኣብዚ እዋን እዚ ፣ህዝቢ ነቲ ገድሊ ናብ ሽፍትነት ከም ዝተቐየረ ኣድሃበ__(ህዝቢ ገጠር)___እታ ተጋደልቲ ሓቝፋ ዝነበረት ፣፣፣ተጋድሎ ሓርነት እውን ናብ ሽፍታ ተቐየረት። ማለት ተሓኤ__ምንም እኳ ናይ ኣሳራርሓ ጌጋ ይንበራ እምበር __መምርሒ ኔርዋ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ኣዝማድና ብሓይሊ እናገፈፈት (ናይ እንዳ ኽሻ ዶ እንዳ ከረጺት)ዝብል ሳጓ ሂባቶም ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ሽፍታ ኤርትራ ተቐየረት።ሙዳዳ ካብ ትፍጠር ሽፍታ ስለ ዝነበረት__መምርሒ ዘይብላ__ዕዋላ ዝኾነ ውድብ__ብሽጣራ እናኸደ__ደም መንእሰያት ዝሰቲ __ርሳስ ምስ መደምሰሳ __ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህቦ__ሎሚ ዝበላ ጽባሕ ዝቕይራ፣___ኔሩ።
    ሸፋቱ ንህዝቢ ፈትዩ ኣይፈትዩ ብዃደረ እናገደዱ ንሽፍትነቶም ዝኸውን ምግቢ እናዘረፉ___ነቲ ፈትዩ ዝቕልቦም ዝነበረ ህዝቢ__ድሓር ግትን ዕላምኦም ር እዩ ዝነጸጎም__ብሓይሊ ምግቡ ጥራይ ዘይኮነስ__ደቁ እውን እናሰረቑ ኣብ ከንቱ ውግኣት እናእተዉ__ነቲ ዓሻ ዝነበረ ደርጊ___ብስትራተጂን ሓሶትን ስለ ዝበለጽዎ እዚ ትርእይዎ ዘለኹም ባርነት ሒዞም ኣብ ኣስመራ ከተፍ ኢሎም።ኣብ ሓደ ፈጻሚ ወራር እውን ፣፣፣ሻዕብያ ተደፊኡ ሱዳን ክኣቱ ክብል___ዘይስርሖም ዝገብሩ ወያነ ብኢዱ ወጢጦም ጽሕጻሑ ጸሪጎም ኣድሒኖሞ እዮም__ምኽንያቱ__ቃልሲ ኤርትራ እንድሕር ተዳኺሙ__ንቃልሲን ህዝብን ትግራይ ከም ዝጎድ ኦ ተረዲ ኦም እምበር ዓሽዮም ኣይኮኑን።ከምዛ ሕጂ ናይ ሓሶት ነጻነት ፈሪሞም ተዂቦምልና ዘለዉ__ሽዑ እውን ንነብሶምን ህዝቦምን እምበር ንዓናስ ተጎዲእና ከም ዘለና__ከምዚ ሓውና ጽሓፋይ ዝበሎ__ሰረቕቲ ተሰዊ ኦም ኣይብሃሉን እዮም።ብሓቂ ይሳማማዕ ንሓፋሽ ዘይጠቅም ኣገዲዶም ቆለውዕን ምግብን ጥሪትን ሓፋሽ እናዘረፉ ዝወደቑ __ሞይቶም እምበር ኣይተሰውኡን።ነቲ ገባር ውላዱ ሰሪቖም__ሂወቱ ኣማዛቢሎም__ባህሉ__ባህሊ ሽርሙጥናን ግፍዕን ዝቐየሩ ሸፋቱ__ሞይቶም እምበር ኣይተሰውኡን።ስለዚ ምሢ ጽሓፊ ሓውና ይሳማማዕ ኣነ። ኣገዲዱ ሂወትካ ሰሪቑ ኣብ ዘይኣመንካሉ ዕላማ ጓይላን ድሙ ድሙን ኣስትዩ ዘትብዓካ እሞ ዘቕትለካ__ካብ ሰራቒ ዝገደደ እዩ። ነደ ውላዳ፣ነቦ ሓበኑ፣ንጓል ኣንስተይቲ ንጽህንኣ ዝፈግር ፈገር ሽፍታ ሞይቱ።ንዓና ግን ለኪሙና ሞይቱ።

    THE PAIN IN SINAI IS A BUSINESS FOR THIS BANDITS.!!!

    • HalewaSewra May 11, 2013

      can you stop giving misinformation to the majority of the attendee in this website, we can not learn careless and hateful information. My advise to you is stop insulting Eritrean whatever it has happen we will write it properly and history is documenting, So insulting Eritreans will not make you Eritrean but in fact you are the enemy of Eritrea pretending to be caring.

      • HOPE FOR ERITREA May 11, 2013

        HalewaSewra,

        If your message was meant to debunk mine..,I do not understand which part is hate..which part is insult..which part makes me enemy of Eritrea. I did not fabricate history..like our invented history..Neither did I put hearsay as such.
        Your criticism is generalized and I love my people and am trying to show them ..intention does not matter but result as does the means to achieve the result.
        Excellent article..or general hatred filled comment does not move Eritrea an inch..my comment explained in a detailed manner that DEVIL is no ANGEL just because has qa sexier name.

        thanks

        • NEW HOPE ERITREA May 11, 2013

          Sorry ,I misprinted my name ..New hope Eritrea…,I meant to type ,I typed hope for Eritrea..

          thak you

      • NEW HOPE ERITREA May 11, 2013

        Halewa Sewra,

        You are right Halewa Sewra was set up for love.

    • semie belay May 12, 2013

      hi antum katrat weyane bzereba dea ewe bgbri gin weyke kitlflfu meret aribikum wala weyene keman fenfinkumn kibikumn zeytnasihu gida hzbi eritrea hadag eyu imo ekre kiblelkum eyu imber niskum dea misweyane konkum mekaber sematat zifharkum kedeat sheyti hager mikuankum kulu yifeltekum

  • Ghenet May 11, 2013

    Yonas teklay,
    Thank you very much for trying to speak up for the martyrs, who died defending their people from colonizers and those selfish murderers who live and die on the back of people! those who tell stories of the dead and busk on them!
    you have put the point so clearly in a way that will challenge many who claim they are ‘tegadeli’ and yet they stand on the side when our people are being harassed right and left and are living in despondency heaving under the unbearable yoke of dictatorship.Putting the fake and the genuine in the same sack is what is becoming an obstacle for the pursuit/quest of democracy.
    We should always be vigilant and in quest of knowledge and the ‘what?’ ‘why?’, ‘who?’ and ‘how?’ should be our leading principles in the opposition camp. The opposition camp is inundated but wannabes and people who have personal issues with EPLF. just because they hate PFDJ should not be the reason for us to elect them in the leadership. Yes there are few who go around asking people to elect them.Are these power mongers or committed fighters? we always have to try to put our emotions aside (difficult as it is)when it comes to the politics of our country!
    Yes we need to ‘knowledge’, but we need those who know to help us with telling us the truth. HIDING should not BE confused with SAFETY.
    The fact that you indicated your points are open for discussion says it all about you! Matured and brave!

  • ahmed saleh May 11, 2013

    Yonas
    Thank you for this beautiful patriotic article .
    The question of TEGADALAY , I might say Eritreans in general belong on that category including our mountains
    and stones . The sacrifices in all means either in food supply , moral support and most of all self-awareness
    of your sons/daughters dedication to join the cause proved Eritrean patriotism . But the frontier Tegadelti
    who chase the enemy out our land on all means necessary paid heavy price of martyrdom at their young age .
    Now , because of some crooked minority unfortunately the principle of their beliefs have been hijacked to
    degrade the honor they deserve . Sometimes , I get emotional when I encounter un-necessary arguments to try
    belittle the difficult journey of 30 yrs struggle of Eritreans because some individuals betray our people .
    And to speak the truth most of them were admirers of ISSAYAS even when he betrayed the disabled tegadelti
    and his opponents straight after independence now to cry foul .
    To the question of our educated most of them are pussy cats except few who make history for themselves and
    their time will come to be recognized after evil cleared from Eritrea’s land shadow .

  • Zaul May 11, 2013

    “Democracy is like a train. We shall get out when we arrive at the station we want.”
    Recep Tayyip Erdoğan, Leader of the Turkish islamic justice and development party.

    What is the end station for the “Eritrean Islamic Party for Justice and Development”?
    Can we have a harmonious and cohesive nation post- Isias? Or are we going to see what’s happening in Egypt or worse Syria, repeated in Eritrea?
    Here is what I think (not Christians, not tigrawot ertra, not neo-andnet, not neo-arebnet)
    The opposition is weak because, all the common people see is power-struggle. Is the alternative better than this regime?
    All parties should try to appeal to the population as a whole.
    There should not be any religious parties (No Christian Nor Muslim) in a fragile nation. A Conservative party that unites likeminded Eritreans from all walks of life is acceptable (they won’t get my vote though).
    No ethnically based parties can achieve their goals alone, unless minority rights are accepted by all the political parties.
    A mutually agreed upon roadmap (Short term and long term) to democracy and democratic institutions.
    The Language issue is sensitive to all Eritreans (No temper tantrums please or I’ll propose G’eez for religious purposes) and it needs to be resolved in a referendum. Eveybody must have a say on what the character of the nation should be.
    We don’t have to learn everything from the west or the east. STOP learning for a second and start thinking creatively.
    Don’t limit the history of Eritrea to the last 100+ years of misery. It’s not helpful, it leads to a dead-end. Don’t forget Eritrea is just a creation of Europeans who did not have our best interest at heart (They didn’t do it for you Niggers).
    If we can’t analyze our past and present critically and honestly, we can’t build a solid foundation for co-existence in the future. It’s futile to use words like sacred or taboo, you are just exposing the fragility of the nation and sowing the seeds of oppression once again.
    If there’s no solution, all options must be on the table, Including peaceful separation. No matter how many we lost fighting for independence, just to avoid future suffering.
    A public debate between all political parties would gain them attention and give the movement momentum. No more backroom deals, it only creates unnecessary suspicion.

    • ahmed saleh May 11, 2013

      Get lost you looser to come in disguise to corrupt our forum , retarded WAHD . We are beyond your stupid
      backward thinking either you like it or not .
      BE A MAN TO SHOW YOUR TRUE IDENTITY THAN COMING WITH VARIOUS NAMES TO DECEIVE SIMPLE AND INNOCENT PEOPLE
      FOR SOME REASON WE COULDN’T UNDERSTAND , SAME COWARD SINCE I JOIN ASSENNA .

      • Zaul May 11, 2013

        Hello Mr Give me your gun PFDJ so I can do some shooting. Nationalism and intimidation won’t fly with me.

        • MightyEmbasoyra May 11, 2013

          Mr Zaul,
          I disagree with your comments above. You seem to have fear of the unknown. We (Muslims & Christians) do not have any problem, except for isayas.
          Democratic Eritrea (post dictator) will have different ideologies but that’s ok. Unless people are suppressed, any country will have of people with few ideologies.
          I am a christian myself and with many muslims friend, neighbours, etc.
          By the way, fear & negative thinking takes a lot of energy – don’t waste it.
          Good day!

          • ahmed saleh May 13, 2013

            MightyEmbasoyra
            I am not naïve or against different ideas but I am not stupid not to detect irrelevant discussions
            to divert the subject on the ground . At the same time I do not trust those people who keep stressing
            on religious , regions , races …. kind of sick to hear , sick to talk like issues . Damn I lived
            in USA for a while in metropolitan city with people originated from all the world . Talking trash
            when it come in that tiny land less than half population of my adopted city . Retarded people for real!

    • NEW HOPE ERITREA May 11, 2013

      Dear Zaul ,

      You make a good point, if you put the Eritrean map integrity ahead of the people…and 99% people do.
      In my believe ethnic & religious rights come first..because whan RabbiTTa Islamiya & Aboy Woldeab Woldemariam started the Eritrean question…
      1)It was because Tigrawot in general (uncluding us in Singapour)were purposely marginalized & systematically crushed by the ¨Amhara¨ ruling regime..so annexing Eritrea to it´s motherland would further tie the hands of all Tigrawot.
      2) The misunderstood RabiTTa Islamiya also saw the supremacy of Christian & particalarly Orthodox dominating & marginalizing Islam.

      Now ,if you were Kunama,when ethnic cleansing is waged on you by the bandit govt. ..and the majority´s attitude is (specially the opposition)..well..only yesterday this people were fighting against our banditry..so, they probably want to secede our country and stick to Ethiopia…
      If You were Afar..and the same fate happens to you like the Kunamas…oh these Afars want to take our Assab away (apparently only PFDJ/EPLF/MUDADA can give it away)and stick with the Afar Triangle…..WHAT CHOICE DO YOU HAVE..THE FAKE IDENTITY TIGRINYA WANT TO RE-INVENT HISTORY & MAP…..WHY DO OTHERS HAVE TO FOLLOW THROUGH.
      AN AFAR IS AN AFAR FIRST..THEN HE DOES NOT CARE IF THE FEDERAL govt. IS RUSSIAN..JUST DO NOT SEPARATE HIM FROM HIS PEOPLE..KUNAMA WANTS HIS WAY OF LIFE & LAND BE LEFT ALONE.
      If we, the Kebessa Tegaru have National or paternalistic agenda they do not have to follow through & unite with other useless opposition while their people are being massacared.
      Only to Tigrinya matter dying in vain to cook up a new identity.
      AFARS QUESTION IS NOT THE SAME QUESTION AS THE SPECIAL BREED ¨HIZBE TIGRINYA¨

      thanks

  • MightyEmbasoyra May 11, 2013

    ዮናስ ተኽላይ,
    This is wonderful article. When you do the comparison, you pick the right pairs. A lot of people called themselves as highly educated, but you see them acting not more than 5th grade level kid. No wonder our forefathers coined these kind of people as “ካብ ምህሮስ የእምሮ”
    Keep the good work up!

  • ማሊሻ May 11, 2013

    Zaul, well said,
    Don’t be irked to some of the bad apples here who give “freedom of speech and democracy” only a lip service. Some are dinosaurs still living in Jebha’s old Arabist dream that see Eritreans as Arab’s Abeed. These are the same Arab dogs who would rather see Eritrean languages burned down so that the dinosaurs and Eritrea appear “Arabs”.

    Zaul said ,
    “We don’t have to learn everything from the west or the east. STOP learning for a second and start thinking creatively.
    Don’t limit the history of Eritrea to the last 100+ years of misery. It’s not helpful, it leads to a dead-end. Don’t forget Eritrea is just a creation of Europeans who did not have our best interest at heart (They didn’t do it for you Niggers).
    If we can’t analyze our past and present critically and honestly, we can’t build a solid foundation for co-existence in the future. It’s futile to use words like sacred or taboo, you are just exposing the fragility of the nation and sowing the seeds of oppression once again.”

  • ማሊሻ May 11, 2013

    Dear Yonas,
    It is my hope that many people read this part again and again:

    ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዘቕርባ ዝነበረ ዓምዱ፣ ዓምዲ ሓንቲ ዓለም፣ ብዛዕባ ፍልስፍና ክገልጽ እንከሎ ሕጽር ብዝበለ ፍልስፍና ማለት ንነገራት ከም ውዱእ ጌርካ ዘይምቕባል እዩ ክብል ገሊጹዋ ነይሩ ።ብሓቂ ገላጺት ሓሳባት ብምዃና ምስ ነበብኩዋ ተሰማሚዔ ጥራይ ዘይኮንኩ ነቲ ዝነበረኒ ናይ ምስትንታን ጸጋ ድማ ዝያዳ ኣራጒዳትለይ።ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንነገራት ከምቅቡል ዘይኮነስ ኪሳብ ዝርደኣኒ መርሚረ ክቕበሎን ክነጽጎን ከምዘሎኒ ፈሊጠ።

  • ማሊሻ May 11, 2013

    New Hope,
    Thank you for asking difficult questions where many people do not want to touch as “sacred” debri. Don’t be discouraged, if some of the people here are trying to shut you up in the name of “Suwuat”. As teklay noted above, we are currently here as slaves in Eritrea burning our own languages and identity and as Abeeds in the Arab world, because many people who asked difficult questions but very critical ones were killed as in sreyt Addis, Fallul, Menkae and G-15 by the Jebha and Shaebia gangs.
    I am only surprised why are many Eritreans not asking important and critical questions.
    enteseliTwom: Had you been living in Eritrea under a new regime of the present diaspora, of so called opposition, you would have ended up in Karsheli Abi smelling May bela, in bitweded’s current cell or executed by a firing squad of the present opposition.
    Eritrea has along way to go but I have a lot of hope in the young generation, not the old slaves of the Jebha-Shaebia gangs who have no shame to burn Eritrean languages and heritage.

    keep on writing whenever possible

    • NEW HOPE ERITREA May 11, 2013

      Brother Militia,

      I am glad you know me & understand my views…I admire your insistence on what you believe..and Militia ,you are right there are forces who want to execute their agenda..behind the table..instead of bringing it to the front.
      One excellent point you make …(among many) is the ooposition would lead us to chaos & anarchy & there by (forced)to be a dictator worse than Papa Isaias…,in order to keep the integrity of Eritrea.
      Wise Militia , Do you worry of the unknown ???, I do. We Eritreans have been ¨united¨against enemy..How would we excist in harmony ???Just because you have different friends from different ethnics & religions & regions does not mean they will stand with you when situations change.

      Bravo Militia…You know me the more I believe in something The more I stand for it.I am not scared of people busy insulting Isaias..some the respected people of Tegaru Tigray, yet watch their cousins men & women being raped by Bedouin. These Chicken s**t do not scare anyone.

      • ahmed saleh May 13, 2013

        YOU GUYS LOOK SO CONFUSED HARD TO FIND THE DIRECTION OF YOUR JOURNEY .
        ” NI KILITE ZEDELEYE HADIEN KEYREKHEBE MOTE YIBLU ABOATNA ” .
        AND YOU GUYS YOU ARE AGAINST THE REGIME AND THE OPPOSITION , so what
        is in your mind to the goal you want achieve , SHOKERTET for nothing .

  • Truly truly i say to you May 11, 2013

    Brother yonas Teklay Your question, “መን እዩ ተጋዳላይ፧ መን እዩ ምሁር፧ መን እዩ ስዉአ፧ መን´ዩ ፧መን´ዩ፧ መን፧ መን…….It reminds me the wonderful expression of the Holly Apostel Paulo´s speech. Paul when in similar scenario when felt was sayd to those hypocrite people who boasting, considering and calling them selves as if they real are Jews, in its now day interpretation it includes to those calling themselves we are Christians or Muslems too, who like boast because as if have God´s Law, as if they circumcised, as if they are teachers for others bosting was asked them, ” After all who is a real Jew,(Christian or Muslim,)truly circumcised? It is not the man who is a Jew, Christian or Muslem on the outside, whose circumcision is a physical thing. Rather, the real Jew, Christan or Muslim is the person who is the Jew, Christian or Muslem on the inside, that is, whose heart has been circumcised, and this is the work of God´s spirit, not the written Law, Such a person receives his praise from God not from man ( Romans 2,; 28- 29) like said, i agree with your definition too brother Yonas, by no means could we call them Isayas and alike are Tegadalties, but those brother and sisters who sacrificed and disabled for our independence are. By no means Gedion Abay and alike could deserve the name intellectuals, but those for true motive day and night they paying high sacrifice are, even they be not have big academical title. Gedion Abay may dare to teach people for some mathematical equation, as there is three or four ways (methods) for finding solution, but when it comes to our nation question problems, he preaching people, Isayas´s or Shabias stubborning way is as if is only truth way for finding solution. In US in his comfort area with his family always drinking self wine, but he preaching water to our people to those even by luck of water suffering. But everyone knows and observing its result. What an idiot farmer!

    • NEW HOPE ERITREA May 11, 2013

      Maybe ..we should shoot our enemies dead & then pray for them,,for the lord has commanded us..to love that hate us & pray for those that persecute us.
      I could see the so called hypocrate religious /saved people..Shoot the enemy & say..Yes I got that enemy & at the same time..cry & pray for him while singing…ኣይሓደግካናን ሃሌሉያ ኣይሓደግካናን ኣሜን፣ የሕሊፍካ ውን ንጸላ ኢ ኣይሃብካንን። እቲ ፓስተር ኣምሓራይ ወይ ትግራዋይ እንተኾነኸ ኣብ ውሽጢ ቤትኽስያን ዲኻ ኣብ ወጻኢ ሰውራዊ ስጉምቲ ትወስደሉ፧ ድሓር እናበኸኻ ትጽልየሉ__ወይ ጉድ ፧

    • ahmed saleh May 13, 2013

      Truly
      That is why I have true love and respect for you as my dear Eritrean brother .
      I totally agree our heart defines who we are not the religions they implement on us to identify ourselves .
      Above all first we are all GOD children which should obey exactly his teachings on holy books otherwise do
      not manipulate religious beliefs .

  • gg May 13, 2013

    ኣየ ኤረትራወያን ካን ከመዚኣ ናተባህልና ክንነብር

Post a Reply to NEW HOPE ERITREA Cancel Reply