Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ ፈሊጡ ዝደቀሰ ሓርማዝ ነቕኒቕካዮ ነይሰምዕ”

“ ፈሊጡ ዝደቀሰ ሓርማዝ ነቕኒቕካዮ ነይሰምዕ” ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፣                                                       

“ ፈሊጡ ዝደቀሰ ሓርማዝ ነቕኒቕካዮ ነይሰምዕ”
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፣                                                                                                                                                     ንኹሉ ኤርትራዊ ብሩህ ከም ዝኾነ ኣብዘን ዝሓለፋ 5-6 ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስን ጠ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድን ብጉያ-ጉያ ዝግበር ዘሎ ናይ ውልቃዊ ስምምዓትን ውዕላትን፣ብዘይ ተሳትፎን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ዘላቒ ሰላም ዘምጽእ ከም ዘይኮነ ብብዙሓት ኤርትራዊያን ጸሓፍቲ ቅሉዕ ደብዳቤታት ናብ ዶ/ር ዓቢይ ተጻሒፉሉ ኢዩ።ዶ/ር ኣቢይ ይትረፍ ብህዝቢ ኤርትራ ተሓቢሩዎ፣ኢሳይያስ ነቲ ኩሉ ውዑላትን ስምምዓትን ብዘይ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ይገብሮ ከም ዘሎ፣ኢሳይያስ ብዘይ ሕጊ ብውልቀ-መላኺነት ይገዝእ ከም ዘሎ፣ኣብ ኤርትራ ብኹሉ መዳያት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘየሎ፣ህዝቢ ናይ ምዝራብ፣ምጽሓፍ፣ናይ እምነት መሰላት ተነፊጉዎ ኣብ ከቢድ ስቅያትን ኣብ ባርነትን ከም ዘሎ ካብ ኣፍልጦ ዶ/ር ዓቢይ ስዉር ኣይኮነን። ዶ/ር ዓቢይ ካብ ግዜ ገድሊ ጀሚሩ ናይ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣረመኔነትን ጨካን ባህርን ኣፍልጦ ከም ዝህልዎ ዘየጠራጥር ኮይኑ ንኸራጋግጽ ዝደሊ እንተ ኮይኑ’ውን ካልእ ይትረፍ ነቶም ኣብ ግዜ ሰውራ ምስ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ተሰሊፎም ተቓሊሶምን ኣቃሊሶም ንነጻነትን ልዑላውነትን ሃገር ዘውሓሱ ጀጋኑ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ምሁራት ጋዜጠኛታትን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዘስካሕክሕ ቤት ማእሰርትታት ከም ዝተሰውኡን ዝተረፉ ድማ በብግዚኡ ሰኣን ሕክምና ብስቅያት ይሓልፉ ከም ዘለዉ፣ብናይ ብዙሃን መራኸቢታት (መድያታት) ኣብ ምሉእ ዓለም ይዝርጋሕ ስለ ዘሎ ንጠቅላይ ሚኒስተር ዓቢይ ክስወሮ ኣይክእልን’ዩ። መንእሰይ ኤርትራ በቲ ወሪዱዎ ዘሎ ገደብ ዘይብሉ መሪር ናይ ባርነት ዕስክርና፣ዝፈትዋ ዓዱን ወለዱን ቤተ ሰቡን ገዲፉ ሃጽ ኢሉ ብምጥፋእ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ንመዕቆብ ስደተኛታት ናይ ኢትዮጵያ ኣዕለቕሊቆሞ ከም ዘለዉ፣ኣብ ምድረበዳ ሲናይን ኣብ ማእከላይ ባሕርን ዝሃልቁ ዘለዉ ብሰንኪ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ምዃኑ ንዶ/ር ዓቢይ ከመይ ኢሉ ይስወሮ? ስለዚ ነዚ ኩሉ እናፈለጠ ነቲ በብግዚኡ ብኤርትራዊያን ዝጸሓፈሉ ዘሎ መልእኽታት ጸማም እዝኒ ብምሃብ፣ብናይ ኣሽካዕላል ዘረባ ወዲ ኣፎም “እኔና ኣንተ ተደምረናል ኣሰብ እንካፈላለን” እናበለ ስርሑ የሳልጥ ኣሎ።እቶም ናይ ኤርትራ ነጻነት ጌና ዘይተዋሕጠሎም ናይ ክልል ኣምሓራ ህዝቢ ድማ በዚን ካልእን ተታባቢዖም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ “መደመር ኣለብን” ብማለት ባንዴራታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሒዞም ድምጾም እናስምዑ ጎስጓሶም የካይዱ ኣለዉ።
ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ናይ መጀመርያ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ዑደቱ ንዶ/ር ኣቢይ ብዘይ ቀልዓለም “ንስኻ ኢኻ መራሒና” ከም ዝበሎ ዝዝከር ኮይኑ፣ዶ/ር ዓቢይ ከም መራሒ ናይ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ መጠን እንተ ብምእዛዝ እንተ ብምኽሪ ኣብ ኤርትራ ገለ ለውጢ ከግብር ምኻኣለ። ካብ ውልቀ-መላኺ ለውጢ ምጽባይ ግን ከውሒ ነዲልካ ማይ ከተውጽእ ሃንቀው ምባል ኢዩ።ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ሕጉስ ክመስል ኣፍ-ልቡ እናወቕዐ ብተዳጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያ ጉያ-ጉያ ምባሉ ብመደብ ጥጁእ ዕላማኡ ንምፍጻም ኢዩ። ብርእይቶይ ገለ ካብ ዕላማታቱ፣
1. ኣብ መሪሕነት ወያኔ ካብ መጠን ንላዕሊ ቂምን ጽልእን ስለ ዘለዎ ነታ ጌም ኦቨር ( GAME OVER)) ዝበላ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ሓይሊ ወያኔ ክሓቀሉ ዝክኣለሉ መንገድታት ምፍጣር።
2. ከምቲ ሕጂ ጀማሚሩዎ ዝበሃል ዘሎ ኣብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ኤርትራ፣ ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኣየር፣ብመሬት፣ብባሕሪ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከም ዝስረትን ዝጠናኸርን ምግባር
3. ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝበታተኑ (Dimantle) ብምግባር ወታሃደራዊ ሓይሊ ኤርትራ ከም መንገብገባ ዝተቆርጸት ዑፍ ልምስቲ ምግባር፣ብድሕሪ’ዚ ከምቲ ሀ ኢሉ ዝተበገሰሉ ዕላማ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ከም እትንብርከኽ ምግባር።
4. ክልል መንግስቲ ትግራይ ምስ ምሉእ ሓይሉ እንተድኣ ጸኒሑ ንክልል ኣምሓራ ክብድሆ ከም ዝኽእል ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ስለ ዝርዳእ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዶ/ር ዓቢይ ንላዕለዎት ጀነራላትን ካልኦት መኮንናትን ወያኔ በብቑሩብ ካብ ስልጣኖም እናኣለየ ዘዳኽሞ ዘሎ፣ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ እውን እንተኮይኑሉ ብገለ ገለ ምስምሳት ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ወታሃደራዊ ረጽሚ ብምፍጣር ሓይሊ ክልቲኤን ከም ዝዳኸም ምግባር ካብ ምሕሳብ ድሕር ኣይብልን’ዩ።
ነዚ እከይ ሜላታት ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ግን ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ፣ሰራዊትን ህዝብን ትግራይ ክነቕሑሉን ክዳለዉሉን ኣለዎም።ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ብስምምዕ ድልዱል ዝኾነ ወታሃደራዊ ሓይሊ ከምዝህሉ እንተድኣ ተገይሩ፣ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ንዘጋጥመን ተጻብኦታት ብምትሕግጋዝ ክብድሆኦ ይኽእላ፣ ካብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያን ከስግIአን ዝኽእል ሓይሊ ክህሉ ኣይኽእልን።
5. ዓሰብ መናሃርያ ናይ ውግእ ንኽትከውን ንሳዑዲ-ዓራብያን ንዱባይን ብምሻጥ ዘይተኣደነ ሚሊዮናት ዶላር መኻዕበቲ ግላዊ ሳጹኑ ንምርካብ።
6. ኣውፈርቲ ሃብታማት ነጋዶ ኢትዮጵያ ፍርያቶም ብብዝሒ ኣብ ኤርትራ ብምዋፋር፣ነቶም ውሱን ዓቕሚ ዘለዎም ድኻታት ነጋዶ ኤርትራዊያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም (Monopolize) ብምግባር፣ኤርትራ ናይ ሃብታማት ነጋዶ ኢትዮጵያ ተመጽዋቲት ኮይና ኣብ ዘይውጻእ ድኽነት ተሸሚማ ንኽትነብር።
እምበኣር እቲ በሊሕን ጎራሕን ዶ/ር ዓቢይ ነዚ ኩሉ ተደጕሉ ዝነበረ ሕጂ ዝገሃድ ዘሎ ዕላማን ኣጀንዳን ናይ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ዘይተረድኦ ዘሎ ኣይመስለንን፣ነቲ በብግዚኡ ብቕሉዕ ደብዳቤ ዝሓለፈ ለበዋናን ምሕጽንታናን ከም ዘይፈልጥ ብምጽቃጥ ስርሑ ይቕጽል ኣሎ።በዚ ምኽንያት ድማ ኢየ “ ፈሊጡ ዝደቀሰ ሓርማዝ ነቕኒቕካዮ ነይሰምዕ” ዘበለኒ።
ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ደንጺዩዎን ኣስደሚሙዎን ዘሎ ግን እቲ ብተናጽል ዘይኮነ ብሓባር ሆ ኢሉ ብምልዓል ንውልቀመላኺ ኢሳይያስን ኮራኩሩን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ብምእታው ለውጢ ክገብር ዝኽእል ወታሃደራዊ ሓይሊ እንከሎ፣ሃገሩ እንዳ ተሸጠት ትም ኢሉ ተዓዛባይ ክኸውን ታሪኽ ጅግንነት ኤርትራዊያን ዝብርዝን ስም ኤርትራ ክልተ ግዜ ማለት ብጅግንነት ኣብ ዓለም ተጸዊዓ፣ሕጂ ድማ ብተሰዓርቲ ክትጽዋዕ ዘሕፍር ኢዩ። ሰራዊትና ከምዚ ኣጽቂጡዎ ዘሎ ምቕጻሉ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣጀንዳኡ ንኽፍጽም ናይ ግዜ ዕድል ምሃብ ክኸውን ከሎ ነቶም ለውጢ ክገብሩ ዝኽእሉ’ሞ ኣጽቂጦም ዘለዉ ሰራዊትና “ክሰምዕ ዝሞተ ክርኢ ቅበሮ” ዝብል ምሳሌ ኣበው ኣንጸላልዩ ከም ዘሎ ኩሉ ብሃገሩ ዝግደስ ኤርትራዊ ነቶም ድምጺ ከይህቡን ከይሰምዑን ተዓፊኖም ዘለዉ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ህዝብና፣ወላዲት ሃገሮም ብሰንኪ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ሓደጋ ትወድቕ ከም ዘላ ኩሉ ኣብ ስደት (Diaspora) ዘሎ ግዱስ ኤርትራዊ በብወገኑ መልእኽቱ ከማሓላልፍ እላቦ።
መሓረናዝጊ መርሃዊ ሕዳር/2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde November 16, 2018

    The young Ethiopian PM knows exactly what he is doing and he knows the tyrant very well-by his shortened nick name,he is shuffling his diplomatic cards with a dizzying speed,so far he hasn’t dealt the Eritrean people a good hand.

  • Mirab November 16, 2018

    ኢሳያስ በማይወጣው አተካራ ውስጥ ገብቶ ኢትዮጵያን ለመጉዳት አስቦ የፈፀመው ስህተት ኤርትራንና ህዝቧን መቀመቅ ያወረዳቸው ሲሆን እንደቀልድ ከገባበት ፈተና ለመውጣት አሁን ኤርትራ ውስጥ መሬት ስትጠበው መጠለያ ፍለጋ የአያቱን መቃብር የት እንዳለ አፈላልጎ ነገ ድጋሚ የማያያትን ኤርትራ ጥሎ ለመፈርጠጥ ከወዲሁ ከጎንደሬዎች ጋር የስጋ ዝምድና እንዳለው በስተ መሞቻው ኑዛዜ እየተናዘዘ ነው፡፡ ምናልባት የማዕቀቡ መነሳት የሚጠቅመው የባለስልጣናትን እንቅስቃሴ የሚገድብ በመሆኑ ይህ ሲነሳለት አገር ጥሎ ለመውጣት ካልሆነ የኤርትራ ህዝብ እንደሆነ አንቅሮ ተፍቶታል፡፡ ከዚህ በኋላም የሚጠብቀው ሞት ካልሆነ በስተቀር የግዛት ዘመኑ አክትሟል “ቁጭ ብለው የሰቀሉት ቆሞ ማውረድ አይቻልምና”፡፡

    Adios ወዲ አፎም ከዚህ በኋላ ኤርትራ ለኤርትራዊያን ጎንደር ደግሞ ለባንዳዎች!!!

    • k.tewolde November 16, 2018

      Indeed Mirab,the signs of morbidity is allover the place,visiting old graves is one of them,the only thing left is for the Eritrean people to get their act together and read his last rites.

POST A COMMENT