Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽገና!

ጽገና! ሸለል ተበልኩዎ ዋዛ መሲሉኒ እንታይ እዩ እዚ ዕላል ዝደጋገመኒ መን’ዩኸ *መሃንድስ መን’ዩ እቲ ወጣኒ    *ጆሜትራ (ብጥልያን) ብሓድሹ እንከሎ ንዘይኣዕቖበኒ ዝዓነወ መንደቕ ኪጽግን ዝብለኒ! መን’ዩ ኣንታ ጸጋኒ ወሓለ ነዳቓይ ኪቕጽል ዚምነ ናይ ህዝብና ስቓይ ህይወት ኪዘርኣሎም ንጉጅለ ጣልማይ ኣብ ዓርቢ ስቕለቶም ዘቐብል እኽለማይ! ኪንጽግን ዝበለ ይፈለጥ

ጽገና!
ሸለል ተበልኩዎ ዋዛ መሲሉኒ
እንታይ እዩ እዚ ዕላል ዝደጋገመኒ
መን’ዩኸ *መሃንድስ መን’ዩ እቲ ወጣኒ    *ጆሜትራ (ብጥልያን)
ብሓድሹ እንከሎ ንዘይኣዕቖበኒ
ዝዓነወ መንደቕ ኪጽግን ዝብለኒ!
መን’ዩ ኣንታ ጸጋኒ ወሓለ ነዳቓይ
ኪቕጽል ዚምነ ናይ ህዝብና ስቓይ
ህይወት ኪዘርኣሎም ንጉጅለ ጣልማይ
ኣብ ዓርቢ ስቕለቶም ዘቐብል እኽለማይ!
ኪንጽግን ዝበለ ይፈለጥ ብልሓቱ
እስከ ሕተቱዎ እንታይ እዩ ድሌቱ?
ነዚ እኩይ ስርዓት ኣብ ኣጋ ዕርበቱ
ብዓልመን’ዮም ኣንታ ክኾኑ ጸገንቱ
ብህዝብን ሃገርን ቁማር ክጻወቱ
ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ከድሕኑ ህይወቱ!
ካብ ሱሩ ነቒልካ እንተዘይተሓደሰ
*ዓምቢዶ ይጸድቕ’ዩ ውሽጡ ዝበስበሰ   *ብደዉ ዝቦኽበዀ ቆልቋልዶ
ብኢዱ ተኣልዩ ብእግሩ እንተነገሰ
ጉልሻ ቀይርካ ጻሕሊ እንተተኾሰ
ጣዕሚ ኣይህቦን መልሓስ ጸብሒ እንተቐመሰ!
መን’ዩ ኣንታ እዚ *ዋያ ዚጽሊ ከምስል               *መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ
ብባዶ መብጽዓ የዋሃት ከታልል
ዝተቐደ *ወዲፈት ንለግቦ ዚብል                     *ብላይ ጨርቂ
ዘጽልለና ዳዕሮ ስሩ ንኸይድልድል
መን’ዩ ኣታ ዚሓትት ኣብ ሑጻ ክንተክል
ሰላም ኣስተንፊስና እፎይ ንኸይንብል
መን’ዩ ተመንዩ *እልበትና ኪቕጽል!?                     *ሓሳር መከራና
ብኣጋ ኣስተውዕሉ ሓለምቲ ጽገና
ግዜ ከምዘይብሉ ንላግጺ ህዝብና
ካብዚ ዕሉል *ፋኖ ጠንቂ ናይ ስደትና     *ቀይዲ በተኽ፡ ሽፍታ
ሓንሳብ ንሓዋሩ ከይተገላገልና
ራህዋን ቅሳነትን የለን ኣብ ሃገርና!
በቲ ንጹህ ደምና *ዕንደ ተባዒጡ                     *ሑጻ
*ብዓ ኣዕጽምትና መንደቕ ተሰሪቱ                   *ኣዝዩ ተሪር ከውሒ
ብሳላ እቲ ገንሸል ብኽቡር መስዋእቱ
ቤትና ተሃኒጹ ዓዲ ካብ ንኣቱ
ድያብሎስ ነጊሱ ሕሰም ሕላገቱ
ብነገር ደም ምፍሳስ ኮይኑ ባህርያቱ
እኖሆ የጥፍኣና ምስ ጀነራላቱ!
ነዚ መዕነው ሃገር መጥፍእ ህዝቡ
ዕረ ዘስተየና *እዝውቲ ሓሊቡ         *ብዙሕ ጸባ እትሕለብ ላም
ህይወቱ ንምድሓን ሎሚ ኣብ ምዕራቡ
እትጽግኑዎስ እንታይ ኢኹም ክትረኽቡ!?
ኣንቱም *እንጂነራት ነቓዓት ጸገንቲ             *መሃንድስ
ብሓቂ እንተ ኴንኩም ናይ ህዝቢ ሓለይቲ
ልምድናን ባህልናን ናይ ወለዲ ርስቲ
ምልኪ ከይብሕጉጎ ናይ ሃገርና ሃብቲ
ክብሩ ዓቅቡዎ ክውረስ ምእንቲ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/12/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • woldu tekle December 21, 2013

    Thank you Mesinas. Well said. Excellent poem.

  • Med December 21, 2013

    Great poem brother well done! It is very surprising to hear the word tsgena at the moment; The bad thing is this people never exposed their identity it is quite hard to challenge them. Anyway time will reveal everything lets wait and see what is their demand exactly.Over all we need radical change not reform the PFDJ gangs.

  • Ambabi December 21, 2013

    it is too early to criticize the intentions of the so called reforms.

  • Abdu December 21, 2013

    Massiiiiii….
    Very well & meaningful poem . But; you are absoultly right I have heard it so many times ; from so many blind pushers recently . I actually can’t call them supporters ; because as far as my understanding; if you are a supporter ; you correct me when I am wrong; you guide me when I am lost ; you show me when I can’t find. but those are for us the main obstacle to the public by taking the the evil regime to wrong direction specially those are living in comfortable life. So we really have to watch very close & carefully from a lot of snake heads.
    And you will hear a new tone and a new soft unusual words like ; we and Ethiopians or Wyianea we are brothers ; even Europeans during 2nd world war they fought hard and they are living together now a kind of ” kebeluwa zedalayou zagras dorhoo yebluwa kind .

POST A COMMENT