Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽባሕ ከይከልእዎም!

ጽባሕ ከይከልእዎም! ቀዳማይ ክፋል፥ ሰሉስ ናይ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 10 ኣቢሉ’ዩ ዝኸውን ነይሩ። ሓያል ውርጪ ረጊፉ ስለ ዝሓደረ፡ ብማኪና ናብ ስረሐይ እንተ ኸድኩ ሓደጋ ከየጋጥመኒ ብምስጋእ፡ ብባቡር ክጓዓዝ’የ ናብ መደበር ባቡራት ገጸይ ኣምሪሐ። ርብዒ ሰዓት ቅድሚ’ቲ እታ

ጽባሕ ከይከልእዎም!
ቀዳማይ ክፋል፥
ሰሉስ ናይ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 10 ኣቢሉ’ዩ ዝኸውን ነይሩ። ሓያል ውርጪ ረጊፉ ስለ ዝሓደረ፡ ብማኪና ናብ ስረሐይ እንተ ኸድኩ ሓደጋ ከየጋጥመኒ ብምስጋእ፡ ብባቡር ክጓዓዝ’የ ናብ መደበር ባቡራት ገጸይ ኣምሪሐ። ርብዒ ሰዓት ቅድሚ’ቲ እታ ባቡር ትመጽኣሉ ሰዓታት፡ ኣብቲ መደበር ስለ ዝበጻሕኩ ከኣ፡ ነተን ኣብ ክልቲአን ኣእዳወይ ወድየየን ዝነበርኩ በጃ ኢድ (ጓንቲ) ብምውጻእ፡ ካብቲ ኣብ የማናይ ጎድነይ ዝነበረ ካፈተርያ፡ ብሓደ ዩሮ ኩባያ ቡን ገዚአ፡ ናብ ኣንፈት እታ ባቡር ትመጽኣሉ ገጽ እናኣማዕደኹ፡ ቡነይ ፊት ክብል ጀመርኩ። እቲ ኩነታት ኣየር ናይቲ መዓልቲ፡ ኣዝዩ ቆራሪ ስለ ዝነበረ፡ ኩሉ ሰብ ኮበርታ ዝመስል ጃኬትን ሻርባን ተሸፊኑ፡ ገጹ ኣሲሩ’ዩ ይንቀሳቐስ ነይሩ። እዚ ሓደ ካብቲ ንናብራ ስደት ኣብ ኤውሮጳ መሪር ዝገብሮ ኩነት’ዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ኤርትራውያን ነታ ብኹሉ ምሉ መዘና ኣልቦ ዝኾነት ሃገሮም፡ ሓለፋ ካልእ እዋን ስለ ዝናፍቕዋን ኣብ ሕቑፋ ንምንባር ስለ ዝብህጉዋን፡ ተባዓት ይኹኑ ፈራሃት፡ ነዚ ናብ ሃገርና ንኸይንምለስ ዕንቅፋት ኮይኑና ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ‘ኤህ!’ ክብሉዎ’ዮም ዝስምዑ።
እታ ኣብቲ ብየማነ ጸጋመይ ዝነበረ፡ ባቡር እተዕርፈሉ ቦታታት ዝሕብር ሰሌዳ ዝነበረት ሰዓት፡ 15 ደቓይቕ ምስ ተጓዕዘት፡ ሰዓት 10፡30 ኮነት። ሽዑ እታ ኩልና ተጓዓዝቲ ንጽበያ ዝነበርና ዓራዛዝነ ክትመስል፡ ሓሙሽተ ባጎኒታት እናጎተተት ዝተቐልቀለት ባቡር፡ ኣብ ቅድመና መጺኣ ደው በለት። ብቕጽበት ማዓጹታታ ንየማነ ጸጋም ምስ ተኸፍቱ ኸኣ ምስ ሰበይ ናብ ሓንቲ ካብተን ባጎኒ ኣትየ፡ ጥርሑ ቦታ ከናዲ ኣዒንተይ ንየማነ ጸጋም ቀባሕባሕ እናበልኩ ክሳደይ ኣወጥወጥኩ። ካብቲ ዝኣተኹሉ ማዕጾ ብማዕዶ ኣብ ቅድሚት፡ ሓንቲ ጥራሓ ሳሎን ስለ ዝረኣኹ ኸኣ ብቕድሚት ዝመጹ ሰባት ከይቅድሙኒ ብምባል፡ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልኩ ናብኣ ገጸይ ሰጎምኩ። ካብተን ክልተ ጎድኒ ንጎድኒ ዝነበራ ሳሎናት ከኣ ብቐጥታ ኣብታ ብሸነኽ መስኮት ዝነበረት ሳሎን ከይደ ኮፍ በልኩ።
ባቡር ከይደንጎየት፡ ፊስካ ተነፊሑላ መዓጹታታ ምስ ዓጸወት ተበገሰት። ኣነውን ነታ ኣብ ማህደረይ ዝነበረት ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚን ኣብ ስረሐይ፡ ኣብታ ናይ ፍርቂ ሰዓት ናይ ምሳሕ ዕረፍቲን  ዘንብባ፡ ብደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝተደርሰት፡ “ኣይንፈላለ” ዘርእስታ ካብ 1941-1950 ታሪኽ ኤርትራ እተዘንቱ መጽሓፍ ገንጺለ ከንብብ ጀመርኩ። ካብታ በጺሐያ ዝነበርኩ ገጽ ብምቕጻል ከኣ ሓደ ክልተ ገጻት ምስ ኣንበብኩ፡ ኣብታ ኣብ ገጽ 137 ዘላ ሕጥበ ጽሑፍ፥ “ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያ ናብ ኤርትራ ዘተኣታተዎ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት፡ ማለት፥ ከም ትምህርቲ፡ ብናጻ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰልን ዴሞክራስያዊ ባህልን ወዘተ.” ዝብል ጽሑፍ ምስ ኣንበብኩ፡ ምስ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ብምዝማድ፡ ኣንታ እዞም ሽዑ ገዛእቲ ብዝፈጠሩሎም ናይ ትምህርቲ ዕድል ተጠቒሞም፡ ንቕሓት ዝደለቡ ናይ ሽዑ ተማሃሮ እባ’ዮም ሕጂ ኩሉ መሰላትና ረጊጾም፡ ልዕሊ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣደንቊሮም ዝገዝኡና ዘለዉ! ብምባል ከስተንትን ስለ ዝጀመርኩ፡ መጽሓፈይ ብኽፍቱ፡ ናብቲ እታ ተሳፊረያ ዝነበርኩ ባቡር፡ ሽውሽው እናበለት ትሓልፎ ዝነበረት ኣብ ደገ ዝረአ ዝነበረ፡ ብውርጪ ዝተሸፈነ ናሕሲ ገዛውትን ኣግራብን እናኣማዕደኹ ዝን በልኩ።
“ኣንታ ኣምላኽ መዓስ ኢኻ ኾን መከራና ትውድኦ!? ከምዚ ኢልካስ ክሳዕ መዓስ’ዩ ክንበር!? ጉድ’ኮ ረኺብና!” ዝብል ድምጺ ብሃንደበት ብቋንቋ ትግርኛ ምስ ሰማዕኩ ድማ’የ ብስምባደ ካብ ሓሳበይ ተበራቢረ። ተቐላጢፈውን ናብቲ ድምጺ ዝሰማዕኩሉ ኣንፈት ገጸይ ቀው ኢለ ጠመትኩ። እቲ ድምጺ፡ ካብቲ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ሳሎን ከም ዝተቃልሐ ምስ ፈለጥኩ ከኣ ካብቲ ተቐሚጠሉ ዝነበርኩ ሳሎን ብድድ ኢለ፡ ነተን ብጻዕዳ ነጸላ ፍርቂ ርእሰን ተሸፊነን ዝነበራ ቁንንቲ ኣደ፡ ክሳደይ ጠውየ ጠመትኩወን። ታሕተዋይ ከንፈረን ነኺሰን፡ ገጸን ጸዊገን፡ ናብቲ ናህሲ ናይታ ባቡር ክጥምታ ተዓዘብኩወን። ኣብ ጎድነን ደው ኢለ ይጥምተን ከም ዝነበርኩ ኣየስተብሃላለይን። ሽዑ ነታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት መጽሓፍ ናብ ማህደረይ ድሕሪ ምእታው፡ ናብታ ኣብ ጸጋማይ ጎድነን ዝነበረት ሳሎን ብምጽጋዕ፡ ‘ሰላም ኣደ’ በልኩወን።
“ሓደርካ ዝወደይ” በላኒ ነቲ ኣሲረናኦ ዝነበራ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ማዳ ኮፍ ኮፍ ዝበሎ ቀይሕ ብሩህ ገጸን ፍትሕ ኣቢለን፡ ብሓውሲ ሕፍረት ፍሽኽ እናበላ። ‘ኣብዛ ጥቓኽንዶ ኮፍ ክብል?’ ሓተትኩወን ኣነውን ብፍሽሑው ገጽ ዓይኒ ዓይነን እናጠመትኩ።
“ኮፍ በል ዝወደይ! ኮፍ በል” ምስ በላኒ ደረቕ ፍሽኽታ ኣሰንየን ከኣ ‘የቐንየለይ፡ ተስፋማርያም እብሃል፡’ ኢለ የማናይ ኢደይ ንሰላምታ ዘርጋሕኩለን።
“ገንዘብካ ዝወደይ፡ ወጋሕታ ይብሃል” ብምባል ኣጻብዕተይ ምስ ጨበጣ፡ ኣእዳወን ካብ ኢድ ነዳቓይ ንላዕሊ ተረረኒ! ነቲ ኣጻብዕቲ መርዓት ዝመስል ልምሉም ኣጻብዕተይ ስለ ዝወጋኣኒ ኸኣ ዓይነይ ሰሪቐ፡ ነተን ከም ሽመል ነዋሕቲ ኣጻብዕተን ጠመትኩወን። ገለ ክፋል ቆርበተን ተቐላሊጠን፡ ቊሩብ ጉብጥ ኢለን ምስ ተዓዘብኩወን፡ ብስራሕን ቊርን ከም ዝሻሕከራ ተገንዘብኩ። ‘ጽቡቕ ሌላ ይግበረልና ኣደይ ወጋሕታ፡ ኣበይ ደኣ ጥቕመጣ? ጌጋ ይኽለኣለይ ደኣ’ምበር ቅድሚ ሕጂ ርእየክን ኣይፈልጥን’የ ይመስለኒ፡’ ምስ በልኩወን ፍሽኽታ ኣሰንየ፡
“ጽቡቕ ኣለኻ ዝወደይ፡ ኣነውን ርእየካ ኣይፈልጥን’የ። ኣይንፋለጥን ኢና” በላኒ ንሰንውን ንኻላኣይ ግዜ ፍሽኽ ኢለን ጸባ ዝመስል ደርጊ ስነን እናንጸባረቓ።
“ኣብዚ ዝተሰቐልካሉ ከተማ ድኻ ትቕመጥ?” ድማ በላኒ ካብ ጽፍሪ እግረይ ክሳብ ጸጉሪ ርእሰይ ትኩር ኢለን እናጠመታ። ‘እወ ኣብኡ’የ’ ዝቕመጥ ምስ በልኩወን ከኣ፡
“እሞ ብሓደ ኣይኮናን ንቕመጥ፡ ሓቅና እና ከይንፋለጥ” በላኒ። ‘እወ ጽቡቕ ኣለኽን። በበይንና ኢና ንቕመጥ። ናበይ ደኣልክን ትኸዳ ዘለኽን ሕጂ? ቊሩብ ዝተጨነቕክን ከኣ ትመስላ ሓቀይ?’ ምስ በልኩወን ነተን ጨምጫማት ኩሑላት ኣዒንተን ኣትኪለ እናጠመትኩ፡ ኣደይ ወጋሕታ ብጸጋማይ ኢደን ነታ ንቕድሚት ውጥውጥ ዝበለት መንከሰን ብምድጋፍ፡ ብእወታ ርእሰን እናነቕነቓ፡ ትኩር ኢለን ናብቲ ኣብ መንጽረን ዝነበረ ሕቖኡ ዝሃበን ሳሎን ጠመታ።
“እንታይ ክንገብር ኢልካና ዝወደይ፡ ርጉም ሰብ ረኺብና! እነሀለካ ኣብ ርሑቕ ኣይብል ኣብ ቀረባ፡ ንኹልና ሰላም ከሊኡና ርጉም ሰብ!” በላኒ ኳዕናን ክሳደን ናባይ ገጸን ብምጥዋይ ስምዒተይ ንምምዛን ክመስል፡ ትኩር ኢለን ዓይኒ ዓይነይ እናጠመታ።
‘መን ሰብ እዩ ኣደይ ወጋሕታ?’ በልኩወን ምንም ግምት ከምዘይብለይ ብምምሳል ዝያዳ ከብርሃለይ ስለ ዝደለኹ።
“እዋእ! እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲያብሎስ’ምበር መን!” በላኒ የማናይ ኢደን ናብቲ መስኮት ገጸን እናነጸጋ። ‘ፕረዚደንት ኢሳያስ ማለትክንድዩ ኣደይ ወጋሕታ? ደጊመ ሓተትኩወን።
“እወ ንሱ! እ? ኣንታ ቊሩብዶ ናይ ሰብ የብሉን’ዩ!? 21 ዓመታት ብሒም ከይንብል ብኣፍና ዓቢሹ እናረገጸ፡ ከም ደቂ ዛግራ ንደቂ ኤለትርያ ፋሕ ብትን ከብለና ኣታ! ኣብ ልዕሊ ወለድኻ፡ ኣሕዋትካን ኣሓትካንዶ ክንድዚ ትጭክን እኻ!?” ምስ በላኒ ከናፍረን እናረምጠጣ፡ ‘እንታይ ፍሉይ ነገርዶ ኣጋጢሙ’ዩ ኣደይ ወጋሕታ?’ በልኩወን ብሕቶይ እናተሰከፍኩ።
“ከመይ ማለትካ’ዩ ፍሉዪ ነገር?” ተገሪመን ሓተታኒ። ‘ማለተይሲ ብዘይካ እቲ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፡ ማለት ብፍላይ ኣብ ልዕሌኽን ወይ ኣብ ልዕሊ መቕርብክን ዝወረደ በደል ከይህሉ ኢለ እየ።’ ምስ በልኩወን ትኬተይ ነቲ ኣብ ጸጋማይ ጎድነይ ደው ኢሉ ዝጽበየኒ ዝነበረ ተቖጻጻሪ ናይታ ንጓዓዘላ ዝነበርና ባቡር እናኣቐበልኩ።
“ሕልፊ ሰበይሲ ዝወርደኒ የብለይን። ከም ሃገረይ እየ።” በላኒ ደጋፊ መንግስቲ ከይከውን ብዓይኒ ጥርጣረ ትኩር ኢለን እናጠመታኒ። ‘ሕራይ ደሓን፡ ሕጂ ደኣ’ሞ ናበይ ገጽክን ኢኽን ትኸዳ ዘለኽን ኣደይ ወጋሕታ? ብንግሆኡ ገስጊስክን ናይ ደሓን ዲኽን?’ በልኩወን ከም ሕፍር ኢለ፡ ዘይምልከተኒ ይሓትት ከይህሉ እናተሰከፍኩ።
“ናብቲ ኣምባሲ” ምስ በላኒ ኣደይ ወጋሕታ፡ ኣዕሚቘን ኣተንፈሳ።
‘ናይ መን ኤምባሲ?’ ሓተትኩወን ኣነውን ህድእ ኢለ።
“ናይቲ ኣብ ዓድና ዘሎ መንግስቲ’ምበር ናይ መን!”
‘ናይ ደሓን ደኣ’ሞ ብንግሆኡ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ትኸዳ ኣለኽን?’ በልኩወን ደጊመ ብምሕታተይ እናተሰከፍኩ።
“እዋእ! ብደሓንዶ ትኸዶ እኻ ነዚ ሽግረኛ መንግስቲ’ዚ፡ ነቲ ጸኒሑ ዝፈጥረለይ ሽግር ክፈትሕ’ምበር!” ምስ በላኒውን ነቲ ጽሙእ ገጸን ጸዊገን፡ ‘እንታይ ሽግሩ?’ በልኩወን ቅልጥፍ ኢለ።
ካብ ሓውኹም መሲናስ 12-03-2013
2ይ ክፋል ይቕጽል፥

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Meron March 12, 2013

    Hate ketew iyu

  • meley March 13, 2013

    nice text mesinas i heard this before in radio wegahta go ahead bro

  • Eritrea2 March 13, 2013

    Let as look at the following sentence

    ” … ነዚ ናብ ሃገርና ንኸይንምለስ ዕንቅፋት ኮይኑና ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ‘ኤህ!’ ክብሉዎ’ዮም ዝስምዑ…”

    Now, that is not true. Who stoped you from going back to Eritrea? People go to Eritrea every single year. So, what is the deal with you?

    Hey Giuys, STOP LYING!

  • THE FALL OF PFDJ March 14, 2013

    what is the relationship between EYSC and EYSNS ? on DC They made a very big step toward unity ,when they set a formal statement of principles of unity, and they have been meeting privately since. The problem is that they have different approaches to unity.The EYSNS is a much more highly politicized organization. The EYSC is mad up of a lot of different elements, many of which have as their main concern to postpone social revolution after the military strruggle is over.The EYSC wants merger at the top level, while the EYSNS wants a united front at all levels.

Post a Reply to THE FALL OF PFDJ Cancel Reply