Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ – 3ይ ክፋል

ሰለስተ ክፋላት ሓበሬታ ተመራመርቲ ሓበሬታ ነቲ ወዲ ሰብ ብህዋሳቱ ዝእክቦም መልእኽትታት ልክዕን ዘይልክዕን መታን ክዕቅኑ ንሓበሬታ ኣብ ሓሙሽተ ክፋላት ከፊሎሞ። ብእንግሊዝኛ Information, Uninformation, Noninformation, Misinformation, Disinformation ተባሂሎም ይጽዉዑ። ይኹን እምበር ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ከመሳስሎምን ከፈላልዮምን

ሰለስተ ክፋላት ሓበሬታ

ተመራመርቲ ሓበሬታ ነቲ ወዲ ሰብ ብህዋሳቱ ዝእክቦም መልእኽትታት ልክዕን ዘይልክዕን መታን ክዕቅኑ ንሓበሬታ ኣብ ሓሙሽተ ክፋላት ከፊሎሞ። ብእንግሊዝኛ Information, Uninformation, Noninformation, Misinformation, Disinformation ተባሂሎም ይጽዉዑ። ይኹን እምበር ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ከመሳስሎምን ከፈላልዮምን ዝኽእሉ ጠባያት ስለ ዘለዉዎም፣ ኣብቶም ሰለስተ ዝተፈላለዩ ወይ ዘይራኸቡ ጠባያት ጥራሕ ኣተኩሮም ይጽሕፉን ይዛረቡን። እዞም ክፋላት ናይ ሓበሬታ ኣብ በበይኑ እዋናት ዝማዕበሉ ደኣ እምበር ኩላቶም ብሓንሳብ ዱብ ዝበሉ ኣይኮኑን። ብሕጂ እውን ካልእ ክፋል ናይ ሓበሬታ ክመጽእ ይኽእል ይኸውን። ስለዚ ከም ኩሉ ዓውደ-መጽናዕቲ፣ ስነ-ሓበሬታ እውን ክቕጽልን ካልእ መጽናዕትታት ክኣትዎን ባህርያዊ ኢዩ።

ከምቲ ተመባጺዐዮ ዝነበርኩ ሓበሬታ ዝብል ቃል ነቲ ሓቂ ወይ ቅኑዕ ጥራሕ ክጥቀመሉ ኢየ። ነቶም ካልኦት ዓይነት ሓበሬታታት ከኣ ብሓረግ ወይ ድማ ምሉእ ሓሳባት ከሰንዮም ክፍትን ኢየ።

ሓበሬታ (Information) – እዚ ዓይነት ሓበሬታ’ዚ ሓቅን ቅኑዕን ኢዩ። ብዙሕ መረጋገጺ መንገድታት ከኣ ስለ ዘለዎ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ዝሰማማዓሉ ኢዩ። ዘጠራጥር ነገር ወይ ትሕዝቶ የብሉን። ቅኑዕ ጥራይ ዘይኮነ ኣገዳሲ’ውን ኢዩ። ስለዚ እዚ ሓበሬታ እዚ ዝሰነቐ ናብ ቁኑዕ መደምደምታ ክበጽሕ ኣየጸግሞን ኢዩ። መሰረት ዘለዎ ፍልጠት ስለ ዝድልብ ድማ ንነገራት ኣብ ሓቂ ተሞርኩሱ ክፈርድ ጸገም የብሉን። ንኣብነት “ኤርትራ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትርከብ።” ሓቂ  ሓበሬታ ኢዩ። በዛ ሓበሬታ እዚኣ ክጠራጠር ዝኽእል ሰብ የለን።

ዝንቡዕ ሓበሬታ (Misinformation) – እዚ ዓይነት ሓበሬታ’ዚ ደቂ ሰባት ካብ ኣተራጓጉማ ናይቲ ብህዋሳቶም ዝኣከብዎ መልእኽቲ ክመጽእ ይኽእል። ወይ እውን ካብ ዝኣምንዎ ሰባት ዝሰምዕዎ ክኸውን ይኽእል። እቲ ሓበሬታ ጌጋ ወይ ሓሶት ምዃኑ ግን ኣፍልጦ የብሎምን። እዚ ዓይነት “ሓበሬታ” ዋላ’ኳ ሓቂ እንተዘይኮነ ናብ ካልእ ሓቂ ሓበሬታ ግን ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ክልተ ሰባት ጠጠው ኢሎም ከለዉ ናይ መኪና ሓደጋ የጋጥም ንበል። ፖሊስ መሰኻኽር ኢሎም ይወስድዎም። እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ነቲ ሓደጋ መኪና ብሓንሳብ ርእየሞ ከብቅዑ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ይህቡ። ኣብ ቃላት ጥራይ ዘይኮነ ዋላ ኣብ ትሕዝቶ። ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ዝረኣይዎ በበይኖም ተርጉሞሞ። ወይ ናይ ክልቲኦም ወይ ናይ ሓዲኦም ሓቂ ዘይኮነ ሓበሬታ (Misinformation) ኢዩ።

ዝንቡዕ ሓበሬታ ካብ ዘይምሉእ ሓበሬታ’ውን ይመጽእ ኢዩ። ሓሶት ማለት ግን ኣይኮነን። እዚ ዓይነት ሓበሬታታት እዚ ብብዝሒ ኣብ ሞያ ጋዜጣኝነት ይዝውተር ኢዩ። ብናታቶም ኣጸዋውዓ “ኩርናዕ” (Angle) ይብልዎ። ብናቶም ኣበሃህላ ንሓደ ሓበሬታ በየነይ ኩርናዕ ኮይንካ ትርእዮ ማለቶም ኢዩ። እዚ ዓይነት ኣወሃህባ ሓበሬታ ከኣ መሰል ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ብስርቂ ተኸሲሱ ይእሰር’ሞ ቤት ፍርዲ ንሱ ከምዘይኮነ ሰራቂ ግን ብሰንኪ ዘይምቁጽጻሩ 10ሽሕ ክኸፍል ተፈሪዱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ይውስን።  ክልተ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ዘለዎም ሰባት ነዛ ክስተት እዚኣ ይገልጽዋ። እቲ ሓደ እከለ እምበር ብስርቂ ተኸሲሱ ኢሉ ካልእ ከይመለአ መልእኽቱ የሕልፍ። እቲ ካልኣይ እከለ 10ሽሕ ንመንግስቲ ሂቡ ኢሉ መልእኽቱ የሕልፍ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ክልቲኦም ኣይሓሰዉን። ክልቲኦም ከኣ ምሉእ ሓበሬታ ኣይሃቡን። ስለዚ ኩሉ እቲ ንዓኣቶም ዝሰመዖም ሰብ ዝንቡዕ ሓበሬታ ሒዙ ከይዱ ማለት ኢዩ። እቲ ሰማዒ ንካልእ ሰብ ከይዱ እንተነጊሩ ሓቂ ዘይኮነ ሓበሬታ የመሓላልፍ ከምዘሎ ኣይፈልጥን ኢዩ።

እዚ “እከለ ብስርቂ ተኸሲሱ” ዝበለ ሰብ ንትሕዝቶ ናይዛ ሓበሬታ ኣብ ጋዜጣ ጽሒፍዋ ንበል። እታ “እከለ ብስርቂ ተኸሲሱ” ትብል ሓረግ ከም ቀንዲ ዓንቀጽ ናይቲ ጽሑፍ ኣፍርዩ ይጽሕፋ። ዋላ ቀይሕ ሕብሪ’ውን ይውስኸላ። ካብኡ ቀጺሉ ንኹሉ እቲ ታሪኽ ከምዘለዎ ከይወሰኸ ከየጉደለ ኣብታ ዓንቀጽ የስፍራ። ድሕሪ እቲ ኣርእስቲ ነዊሕ ዝኾነ ታሪኽ ሂወት (ሓቂ) ናይቲ ሰብ ይትንትን። ነታ “ቤት-ፍርዲ ብስርቂ ነጻ ኢልዎ። ብሰንኪ ዘይምቁጽጻሩ ግን 10ሽሕ ክኸፍል ቀጺዑ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺእዎ።” ትብል ሓረግ ወይ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ናይ ጽሕፉ የስፍራ። ሓደ ሰብ ነዛ ጋዜጣ ገዚኡ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ከንብብ ይጅምር ንበል። ገና ነቲ ነዊሕ ታሪኽ ሂወት ናይቲ ክሱስ ከይወደአ ከሎ ዘፍ ኢሉ ይደክም’ሞ ብሃንደበት ሓንቲ ጓል ትድውለሉ። ወዮ ዘፍ ኢሉ ዝጸንሐ ኣንባቢ ነዛ ጋዜጣ ደርብዩ ሃፍ ይብል። ስርሑ ወዲኡ ከኣ ናብ ሓደ ባር ምስ ኣዕርኹቱ ይኣቱ። ብዕላል ዕላል ነታ ጀሚሩ ዝገደፋ ጋዜጣ ኣልዒሉ፣ “ኣንታ እከለ እምበር ብስርቂ ተኸሲሱ” ይብል። ኣዕሩኽቱን ንሱን ተተበራርዮም ሕኛ የምስልዎ። እዚ እዩ እምበኣር ዝንቡዕ ሓበሬታ ዝበሃል።

ዝተሰነዐ ሓበሬታ (Disinformation) – እዚ ዓይነት ሓበሬታ’ዚ ኣብ ላባራቶሪ ዝስራሕ ሓበሬታ ኢዩ። ኣብ ገለ ሃገራት ብእዉጅ ሚኒስትሪ እውን ኣለዎ። ቀንዲ ዕላማኡ ከኣ ጌጋ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ገንዘባዊ፣ ወተሃደራዊ ወይ ድማ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ኢዩ። ብዘይ’ዚ ረብሓ’ዚ ሓበሬታ ክትስንዕ ጊዜኻን ገንዘብካን ምጥፋእ ትርጉም የብሉን። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ዝተሰነዐ ሓበሬታ ክለዓል ከሎ፣ ኣብ ግዜ ዝሑል ኩናት ኣብ መንጎ ደንበታት ምዕራብን ምብራቕን ዝነበረ ምጥቕቓዕ ይጥቀስ ኢዩ። ናቶም ገዲፍና ግን ናትና ናይ ቀረባ ኣብነት ኣለና። ቲቪ ኤሪ ሎሚ ዳርጋ 90% ትሕዝቶኣ ዝተሰነዐ ሓበሬታ ኢዩ። ነቲ ካብ ምንጪታት ናይ ዓለም እትረክቦ ዜና’ውን ከይሰነዐት ኣሕሊፋቶ ኣይትፈልጥን። እስኪ ነቲ ባዕላ ዝማእረረቶ ሓበሬታ ገዲፍና ነቲ ካብ ካልኦት ዝረኸበቶ ሓበሬታ ብኸመይ ከምትስነዖ ከም ኣብነት ንርአ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብሰንኪ ፖሊስ ዝቐተልዎ ኣብ ለንደን ዝቕመጥ መንእሰይ ዓቢ እምባጋሮ ተላዒሉ ኔሩ። ዳርጋ ኣብ ምሉእ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ልሒሙ ከኣ መብዛሕትኦም ኣብ መንጎ 10-20 ዝዕድሜኦም መንእሰያት ኣብ እንዳ ክዳውንትን ጫማን እንዳኣተዉ ዝምታ ጀሚሮም። ነቶም መንእሰያት እቲ ዕግርግር ጸወታ (Fun) ኢዩ ኔሩ። ቲቪ ኤሪ ግን ነዚኣ ከምዘለዎ ከተቃልሓ ኣይደለየትን። ምኽንያቱ መኽሰብ የብላን። ስለዚ ክትስናዕ ኣለዋ።

“ህዝቢ ዓዲ እንግሊዝ ብጥምየት ናብርኡ ክመርሕ ስለዘይከኣለ ኣብ ድኳናት ኣትዩ መግቢ ክሰርቕ ጀሚሩ።” ኢላ ጀሚራ። “ነዚ ኣድማ’ዚ ብድሕሪት ኮይኑ ዝዝውሮ ድማ ጎርደን ብራውን ናይ ዓዲ እንግሊዝ መራሒ ዝነበረ ምዃኑ ተንተንቲ ይሕብሩ።” ኢላ ደምዲማ። እዚ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ሓበሬታ ኢዩ ድማ ዝተሰነዐ ሓበሬታ ዝበሃል። ምኽንያቱ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ሓበሬታታት ዋላ ሓንቲ ሓቂ የላን። ብዝኾነ ይኹን ዜና ናይ ዓለም ከኣ መረጋገጺ ኣይተረክቦን ኣይተባህለን’ውን። ነዛ ሓበሬታ እዚኣ ንምርግጋጽ ዋላ ሓንቲ ጸገም የለን። ምኽንያቱ ዓዲ እንግሊዝ ኤርትራ ኣይኮነትን። እታ ሓበሬታ እንታይ ምዃና ከኣ ቲቪ ኤሪ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ኢያ።  ስለዚ ከምዘለዋ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ኢያ ተሰሪሓ። ዝተሰነዐ ሓበሬታ እምበኣር እዚ ኢዩ።

ተመሳሳሊት ካልኣይቲ ኣብነት- ኣብዚ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዛዕባ ምውሳኽ ዋጋ መምሃሪ ዩኒቨርስቲ ብዙሕ ናይ ተመሃሮ ሰለማዊ ሰልፍታት ተራእዩ ኔሩ። ቀንዲ ዕላምኡ ከኣ ናይ ዩኒቨርስቲ ክፍሊት ክጎድል ወይ ኣብ ዝነበሮ ጠጠው ክብል ዝብል ኢዩ ኔሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዋጋ ናይ ሓደ ዓመት 3000 ፓውንድ ኢዩ ኔሩ። ስለዚ ናይ 3 ዓመታት 9000 ይኸውን ማለት ኢዩ። ነዛ ዜና’ዚኣ ከም ዘለዋ ምሕላፋ ብዓይኒ ጸይቂ መንግስቲ ዋጋ የብላን። ስለዚ ክትስናዕ ኣለዋ። ካልእ ከይተንከፍካ ነታ ቁጽሪ ጥራይ ምዕራጋ ከኣ ኢዩ ኔሩ እቲ ምርጫ። እታ ዜና ከም ዘለዋ ድሕሪ ምቕራብ፣ “ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሓደ ተመሃራይ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ካብ 300ሽሕ ክሳብ 400ሽሕ ዶላር ይኸፍል” ክትብል ሰኒዓ ኣሕሊፋታ። እዘን ዝጠቕሰን ዘለኹ ኣብነታት ዳርጋ ዓለም ምሉእ ተዛሪቡለን ኢዩ። ቲቪ ኤሪ ግን ነዚ ጭቡጥ ሓበሬታ ክትረኽቦ እንዳከኣለት ከላ ኢያ ክትስንዖ መሪጻ። ንናይ ወጻኢ ሓበሬታታት ሰኒዓ ካብ ኣቕረበት ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ባዕላ ትእክቦ ሓበሬታታት ክሳብ ክንደይ ከምትስነዖ ምግማት ዘሸግር ኣይኮነን። ካብ ቲቪ ኤሪ ኢልካ ምጽዋዓ ቲቪ ሓሶት ምባላ ኣዝዩ ይሓይሽ።

ዕዮ ገዛ –  ምስ ሓደ ቀደም ዝፈልጦ ኣባል ክፍሊ ዜና እንዳኣዕለልኩ ከለኹ ሓንቲ ዕላል የዕልለኒ። ሓደ እዋን ይብል ንሱ፣ ሰለስተ ጉጅለ ንኸውን ተንቀሳቐስን ደረቕን ስእልታት ንምልዓል ናብ ኣፍሪቃ ተላኢኽና። ኣነ ካብታ ንዚምባብወን ኣንጎላን ዝተላእከት ጉጅለ ኢየ ኔረ። ዕላማና ልሙዕ ዝበሃል ቦታታትን ወሓይዝን ንምስኣል ነበረ። እቲ ንስእሎ ዝነበርና ኣዝዩ ንኽትሪኦ ዝምስጥ ገፊሕ ጎላጉል ኢዩ ኔሩ። ስለምንታይ ንስእል ከምዝነበርና ኣብቲ መጀመርያ ኣይተረደኣንን። ደሓር ግን ምስ በዘሐን ብዝተፈላለየ ማእዝን ናይ ኣላዕላን ጌርና ምስ ሰነድናዮ ቀልጢፉ ተረዲኡኒ ይብል። እቲ ዝተላዕለ ስእልታት ደሓር ኣብ ናይ ልምዓት ዜናናን ካልእ መደባትን እንዳቆራረጽና ከነእትዎ ጀሚርና ይብል። እዚ ነቲ ተዓዛቢ ቲቪ ኤሪ፣ ብፍላይ ድማ ንኣብ ወጻኢ ዝርከብ ሰብ፣ ኤርትራ ከመይ “ትለምዕ” ከምዘላ ንምርኣይን ብኡ ጌርካ ድማ ንምድንጋሩን ዝዓለመ ኢዩ ኔሩ ይብለኒ። እስኪ ነዛ ዕላል እዚኣ ኣብታ ድሕሪ ህግደፍ “ምድያብን ምንቁልቋልን ስርዓት ኢሳያስ” እትብል “መጽሓፈይ” የእትዋ ንበል። ኣነ ብክልተ መንገዲ ሓቂ ኢያ ኢለ ኣእትየያ ኣለኹ። ሓደ፣ ምስዘለኒ ናይዚ ሓሳዊ ስርዓት ኣፍልጦ፣ ኩሉ ሕማቕ ዘበለ ክገብሮ ድሕር ከምዘይብል ኢዩ። ካልኣይ እቲ ነዛ “ሓበሬታ” ዘቐበለኒ ሰብ ኣዝየ ዝኣምኖን ኣልዕል ኣቢሉ ክዛረብ ከምዘይክእልን ኢዩ። ስለዚ ብናተይ ግምት (Common Sense) እዛ ሓበሬታ ሓቂ ኢያ ይብል። እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ምስ ተባህለት ኔራ?

ኣገባብ ኣመሓላልፋ ሓበሬታ

ሓበሬታ ንምትሕልላፍ ሓደ ጥበብ የድሊ። ንኹሉ ዓይነታት ሓበሬታ ድማ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ወይ ቅዲ ምግባር ዝከኣል ኣይኮነን። ገለ ሓበሬታታት ኣብ ህዝቢ ንምብጸሖም ሓያል ጻዕርን ጥበብን ይሓቱኻ። ገሊኦም ድማ ምዝራብ እውን ዘድልዩኻ ኣይኮኑን። ኣብዚ ሓበሬታ ናይ ምምሕልልላፍ መስርሕ ሰለስተ ረቓሒታት ኣለዉ። ወሃቢ ሓበሬታ፣ ተቐባሊ ሓበሬታ፣ እቲ ሓበሬታ ንባዕሉ። ወሃቢ ሓበሬታ – እቲ ሓበሬታ ዝህብ ዘሎ ሰብ መንዩ? ምስቲ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ እንታይ ምትእስሳር ኣለዎ? ካብቲ ሓበሬታ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? ሃገራዊ ረብሓ ድዩ ዋላስ ውልቃዊ ረብሓ? ከምዝን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ይምልስ።(ኣብዚ ሓደ ነገር ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ፣ ሃገራዊ ረብሓ እውን ረብሓ ኢዩ። ረብሓ ብኣሉታ ጥራይ ዝጥቀስ ኣይኮነን።) ተቐባሊ ሓበሬታ –  ተቐባሊ ሓበሬታ እውን ናቱ መለክዒታት ኣለዎ። ተቐባሊ ሓበሬታ መንዩ? እንታይ ዓይነት ባህላዊ ደረጃ ኣለዎ? እንታይ ተበዲሉ ወይ እንታይ ተሞኪሩ? ነቲ ዝቐርብ ሓበሬታ ጋሻ ድዩ? ካብቲ ዝረኽቦ ሓበሬታ ክረብሕ ድዩ? ሓበሬታ ናይ ምምማይ ክእለቱ ክሳብ ክንደይ ኢዩ? ከምዝን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉ ሕቶታታትን ክምልስ ይኽእል። ሓበሬታ – እቲ ሳልሳይ ዝመጽእ እቲ ሓበሬታ ባዕሉ ኢዩ። እቲ ሓበሬታ ሓቂ እንተደኣ ኮይኑ ሃልኪ እውን ኣየድልየካን ኢዩ። ሓቂ እግሪ ኣለዋ ዝበሃል ዘረባ ኣሎ። ሓቂ ብርእሳ ተቀበርካያ ብእግራ ትወጽእ ዝበሃል ብሂል ኣሎ። ስለዚ ሓቂ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ብዙሕ ግዜ ኣይትጽገምን ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ እሞ ከኣ ምዝራብ እውን ኣየድልየካን ኢዩ። ከምቲ ሓደ ጸሓፊ ዝበሎ ከኣ “ንሓቂ ሚኒስትሪ ኣየድልያን ኢዩ።” ይኹን እምበር ተቐቢራ ዝነበረት ሓቂ ከተውጽእ ሓደ ሓደ ግዜ ጥበብ ጥራይ ዘይኮነ ዘድልየካ ሂወት ምኽፋል እውን የድልየካ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ገድልና ነታ “ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይኮነትን ነብሳ ዝኸኣለት ሃገር ኢያ” እትብል ሓቂ ልዕሊ 100ሽሕ ስዉኣትን ክንድኦም ዝኾኑ ስንኩላትን ከፊልናላ ኢና። ስለዚ ነታ ብርእሳ ተቐቢራ ዝነበረት ሓቂ ብእግራ ኣውጺእናያ ኢና ማለት ኢዩ። እቲ ሓያል ጥበብን ጻዕርን ሓደ ሓደ ግዜ ገንዘብ’ውን ዘድልየካ ኣገባብ ናይ ኣመሓላልፋ ሓበሬታ ግን እቲ ዝዘንበዐ ሓበሬታ (Misinformation) ወይ ድማ ዝተሰነዐ ሓበሬታ (disinformation) ከተመሓላልፍ ከለኻ ኢዩ። ምኽንያቱ እዚ ክልቲኡ ዓይነት ሓበሬታታት እዚ ሓቂ ኣይኮነን። ሓቂ ስለዘይኮነ ኢዩ ድማ ናብ ሰብ ንምብጽሑ ሓያል ጥበብ ዘድልየካ። ስልታዊ ኣወሃህባ ሓበሬታ ብዙሕ ኢዩ። መምስ ምዕባለ ናይቲ ሰማዒ ድማ ርቀቱ ይፈላለ። ነዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ኣርእስቲ ሓጋዚ መታን ክኸውን ግን ሰለስተ ዓይነት ስልታዊ ኣወሃህባ “ሓበሬታ” ጥራይ ጠቒስና ክንሓልፍ።

ጥምዘዛ (Spin) – እዚ ዓይነት ስልታዊ ኣወሃህባ ሓበሬታ (Spin) ሓደ መሰረታዊ ቅዱ ገዛ ገዲፍካ ካንሸሎ ህረም ኢዩ። እዚ ጥምዘዛ ኢልናዮ ዘለና ቅዲ መብዛሕቱ ግዜ ብረቀቕቲ ፖለቲከኛታት ኢዩ ዝትግበር። ኣብ ዓውዲ ህዝባዊ ርክባት ከኣ ከም ሞያ ተቖጺሩ ዝስራሓሉ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ባህላዊ ደረጅኡ ሓፍ ዝበለ ሕብረተ-ሰብ ኣዝዩ ረቂቕ ዝኾነ ስልቲ የድልየካ። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ብብዙሕ ከምኡ ዓይነት ስልትታት ስለ ዝሓለፈ “ንሓበሬታኻ” ንኽቅበሎ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ኢዩ። ሓደ ካብ ቅድታቱ ድማ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ እቲ ተላዒሉ ዘሎ ዋና ጸገም ምዝራብ ብዛዕባ እቲ ጸገም ክፈጥሮ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ትሓስቦ ናይ ሓሶት ጸገም ምዝራብ ማለት ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ሜላ ዝጥቀሙ ሰባት መጀመርታ ዘይጭበጥ ናይ ፍርሒ ሃዋሁ (sense of emergency) ኢዮም ዝፈጥሩ። “ሎሚ እንተዘይደጊፍካኒ ጽባሕ ክትመውት ኢኻ” ዝዓይነቱ ኢዩ። እዚ ዓይነት ኣወሃህባ “ሓበሬታ” ኣብ ምሉእ ዓለም ብፖለቲካኛታት ዝዝውተር እኳ እንተኾነ ከም “መራሕቲ” ህግ ጌሩ ማስተር ዝገበራ ፖለቲከኛ ግን ዘሎ ኣይምስለንን። ካብ ግዜ ቃልሲ ኣትሒዞም ዝተመሃርዋ ስለ ዝኾኑ ከኣ ሕጂ ድሕሪ ናጽነት ክገድፍዋ ኢልካ ዘይሕሰብ ኢዩ። ከም ባህሊ ተቖጺራ ከኣ ዋላ እቲ ዝተሓተ መራሒ ክጥቀመላ ኢዩ ዝፍትን። ሓንቲ ብዙሕ ተጋዳላይ ክዝክራ ዝኽእል ኣብነት ክነግረኩም። ኮፍ ኣቢሎም “ንስኻ ምስጢር ክትፈልጥ ዝግባእካ ሰብ ስለ ዝኾንካ ነቲ ኩነታት ምእንቲ ብግቡእ ክትርድኦ” ኢሎም ሓሶት ይነግሩኻ።” ነቲ ኩነታት ብግቡእ ከይትርደኦ  ከኣ ኢዮም ዝነግሩኻ ዘለዉ እምበር ብግቡእ ንኽትርድኦ እሞ ሓገዝ ኣይድልየካን ኢዩ። እቲ ኩነታት ባዕሉ ክነግረካ ኢዩ።

ኣብ 2002 ሓደ ቀደም ዝፈልጦ ተጋዳላይ ናብዚ ዘለኽዎ ዓዲ ይመጽእ። ኣጋጣሚ ብዕላል ዕላል ብዛዕባ ማእሰርቲ ጉጅለ 15 ነልዕል። እቲ ተጋዳላይ ካባይ ይዓብን ይግድምን። ስለዚ ነቲ ኩነታት ብግቡእ ክርድኦ ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፣ ናይ ማእሰርቶም ጉዳይ ከመይ ምዃኑ ይሓቶ። ከይተጠራጠረ “እዚኣቶም ሸየጥቲ ሃገር” ኢሉኒ። ስንብድ ኢለ “እዋእ ከምኡ ኣይትበል” ኢለዮ። “ሓቂ ኢዩ” ኢሉኒ። “ብኸመይ?” እንተበልክዎ፣ “ጭብጢ ኣርእዮምና” ኢሉኒ። ሽዑ ናይ ጭብጢ ዕላሉ ቀጸለ። ኩላትና  ተጋደልቲ ኣባላት ህግደፍ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክንእከብ ተጸዊዕና። ነቲ ኣኼባ ልኡል ገብረኣብ ኢያ ትመርሖ ኔራ። ኣብቲ ኣኼባ ከምቲ ልሙድ ሓያልነት ናይ ህግ ጠቒሳ ናብቲ ቀንዲ ዛዕባ ኣተወት… “እዞም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኣባላት መንግስቲ ነበር ነዚ ጽንኩር እዋን ክሓልፍዎ ስለ ዘይከኣሉ ዝኾነ ከይኮነ ንሕቡራት ሃገራት ነረክባ ኢሎም። ምስ ወያነ ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቀጻሊ ርክብ ኔርዎም…” ኢላ ምስ ወደአት፣ “ነዚ ጭብጢ እዚ ክሪኢ ዝደሊ ሰብ እንተሎ ከኣ ኣብዚ ጣውላ ኣሎ ኢላ ናብቲ ጣውላ ኣመልኪታ።” ኢሉ ነቲ ነዊሕ ዕላሉ ደምዲሙ። “ኣብቲ ጣውላ እንታይ ኔሩ” እንተበልክዎ፣ “እዚ ደኣ ፍሉጥ እንድዩ ንሳቶም ምስ ወያነ ዝመላለስዎ ዝነበሩ ደብዳበታት” ኢሉኒ። “ደሓር ነታ ጣውላ ከይዱ ዝረኣያ ሰብ ኔሩ’ዶ?” እንተበልክዎ፣ “እንታይ ከኸደሉ’ታ ኩሉ ነገር እንድዩ በሪሁ። እቲ ሰብ ናይ ብሓቂ ሕርር ኩምትር ኢሉ ካብቲ እኼባ ወጺኡ” በለኒ እብለኩም።

ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስና ጉጅለ 15 ዘልዓልወን መባእታውያን ሕቶታት ንመልከት። “ገዛና ከነጽፍፍ ኣኼባ ንግበር። እቲ ሂወት መንእሰያት ዝቐዘፈ ውግእ ንገምግሞ። ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ንሰጋገረሉ እዋን ኣኺሉ ኢዩ። ስለዚ ኮፍ ኢልና ንረዳዳእ።” ዝብል ኢዩ ኔሩ። እታ መልሲ ቀላል ኢያ። ሐራይ ንግበር። ወይ ከኣ ሕጂ ስራሕ ጽዒቑና ኣሎ’ሞ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ወይ ወርሒ ዘይንገብሮ ምባል ኢዩ። ኣብ ጥዑይ መንግስቲ ኣኼባ ንግበር እውን ኣየድልን ኢዩ። እታ ብኣኼባ ንግበር ዝጀመረት ጉዳይ፣ ሰማይ ዓሪጋ፣ ሃገር ከም ዝጠለሙን፣ ኣብ ግዜ ኩናት ንኤርትራ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ነረክባ ከም ዝበሉን፣ ኣብ መጨረሻ ከኣ ዝዝረብ ምስ ጠፈኦም ኣብ ጽንኩር ኩነታት ከምዝረዓዱን ሓቢሮምና። ኢሳያስን ሰዓብቱን ይሕስዉ ከም ዘለዉ ይፈልጡ ኔሮም ኢዮም። ስለዚ እዛ ሓሶት ዝኾነት ክሲ ዋላ ኣብ ውሑድ ሰብ ይኹን ስጋ ከልብስዋ ኔርዎም። ሓንቲ ካብቲ ዝተጠቕሙላ ሜላ ከኣ ገዛ ገዲፍካ ካንሸሎ ህረም ኢያ ኔራ። ነታ ኣኼባ ኣየልዓልዋን። ነታ ገዛና ነጽፍፍ ክዝክርዋ ኣይደለዩን። ዋላ ነቲ ንሳቶም ዝጸሓፍዎ ደብዳቤ እውን ኣየንበብዎን። ስለዚ እታ ገዛ “እታ ኣኼባ ንግበር” ኢያ ኔራ። እቲ ካንሸሎ ድማ እቲ ኩሉ ህግደፍ ሃለውለው ዝበለቶ ኢዩ ኔሩ። በዚ ከኣ ዋላ’ኳ ንሓዋሩ እንተዘይተዓወቱ ንብዙሕ ሰብ ግን ክጥምዝዝዎ ክኢሎም ኢዮም።

እምነት ብውልቃዊ ሌላ ምጥራይ (Retail Politics) – እዚ ዓይነት ኣገባብ ምስቲ “ሓበሬታ” ከተመሓላልፈሉ ደሊኻ ዘለኻ ሰብ ብእትፈጥሮ ውልቃዊ ዝምድና ዝግበር ኢዩ። እዚ’ውን ፖለቲከኛታት ብፍላይ ኣብ ግዜ ምርጫ ዝጥቀምሉ ዓቢ ሜላ ኢዩ። እዚ ዝምድና እዚ ብብዙሕ መንገዲታት ክትግበር ይከኣል ኢዩ። ነቲ ኣባና ዝርአ ጥራይ ምጥቃስ ግን እኹል ይመስለኒ። እቲ ነዚ ሓበሬታ ወይ ጽልዋ ከመሓላልፍ ደልዩ ዘሎ በዓል ስልጣን ኣብ ኣውደ ኣመትን ሓዘንን እንዳኸደ ሰባት ይላለ። እንተኽኢሉ እውን ንኹሉ ሰብ ሰላም ክብሎ ይደሊ። ሓደ ሓደ ግዜ ሽምካ ንካልኦት ሰባት ሓቲቱ ብሽምካ ይጽወዓካ። ኣብ መርዓኻን ጥምቀት ወድኻን ይበጽሓካ። እንተክኢሉ’ውን ቀጻሊ ናይ ተሌፎንን ደብዳቤን ልውውጥ ምሳኻ ይገብር። ኣብ ቅድሜኻ ብኣኻ ጽቡቕ እምበር ሕማቕ ኣይዛረብን። ኣብ መወዳእታ ናቱ ግዙእ ኮይንካ ነቲ ዘመሓላልፎ “ሓበሬታ” ከም ዘለዎ ትቕበሎ። ምኽንያቱ ሓውኻ ዝዛረብ ዘሎ እምበር ካልእ ሰብ ይዛረብ ከምዘሎ ትርስዖ። እቲ ዘለካ ጥቡቕ ዝምድና ስለዝዝከረካ ከኣ ከይተፈለጠካ ዋላ ነቲ “ሓቂ ኣይኮነን” ኢልካ ትሓስቦም ዝነበርካ “ሓበሬታታት” ሓንጎልካ ከም ሓቂ ከምዝቕበሎ ትገብሮ።

ሓንቲ ኢሳያስ ኣብ መንጎ 2002-2006 ዝተጠቕመለን ሰብ ናይ ምኽሳብ ሜላታት ከዕልለኩም። ኩልና ከምእንፈልጦ ድሕሪ 2001 ሰብ ርጉእ ኣይነበረን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ 15ን ጋዜጣኛታትን ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ክሲ ከምእተኣስሩ ኩሉ ሰብ ይፈልጥ ኔሩ ኢዩ። ግን ክዛረብ ኣይከኣለን። ስለዚ ዓዲ ብሕጊ ዘይኮነ ብደርፊ ክትከይድ ኔርዋ። ደርፍን ጓይላን ጌርካ ነቲ ሰብ ከተረሰዖ ኣለካ። ስለዚ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይቲ ስራሕ ደረፍቲ ኢዮም። ንሓደ ክልተ ሰለስተ ዓመታታት ከኣ “ካብ ፕረሲደንት ኢሳያስ” እትብል ሕትምቲ ደብዳቤ ንገለ ደረፍቲ ይለኣኸሎም ኔሩ። በዚኣ ዝተታለሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ፣ መብዛሕትኦም ግን ርግጸኛ ኢየ ላግጺ ምዃኑ ይርድኦም ኔሩ ኢዩ። ይኹን እምበር ከም መልኣኽ ጌሮም ዝገልጽዎ ሰባት ኣብ መንጎኦም ከምዝነበሩ’ውን ይፈልጥ ኢየ። ስለዚ እቲ ዕላማ ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ነቲ ንሱ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ሓበሬታ ሪዒሞም መታን ከመሓላልፍዎን ነቲ ስራሕ ተገዲሶም መታን ክሰርሕዎን ኢዩ ኔሩ።

ምዕጻው ሓበሬታ (Blackout) – እዚ ዓይነት ኣገባብ መብዛሕትኡ ግዜ ዝተሰነዐ ሓበሬታ ወይ ሓሶት (Disinformation) ክትዝርግሕ እንተደሊኻ ኢኻ ትጥቀመሉ። ብፍላይ ሓቂ ንምሽፋን እንተደኣ ተደልዩ ብጣዕሚ ኣድላዩ ኢዩ። ንኹሉ መሳኹቲ ሓበሬታ ንዝተወሰነ እዋን ብዛዕባ እቲ ተላዒሉ ወይ እዋናዊ ዘሎ ኩነታት ከምዘይዝረብ ትገብር። ሰባት ልክዕ ከም መግቢ ሓበሬታ ይደልዩ ኢዮም። ብፍላይ እቲ ኩነታት ኣብ ሂወቶም ጸላዊ እንተኾይኑ ደድሕሪ ኣላ ትበሃል ሓበሬታ ኢዮም ዝጎዩ። ኣብዚ ህሞት እዚ ብታሕቲ ታሕቲ ዝዘርጋሕካዮ “ሓበሬታ” ሰባት ከምዘለዎ ተቐቢሎም ኢዮም ዘመሓላልፍዎ። ኣብ ምንታይ ሰሚዕካዮ ዝበሃል ሕቶ ናይ “ዓያሹ” ኢዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ ብዛዕባ እቲ ደሊኻዮ ዘለኻ ሓበሬታ ትዛረብ መደበር የላን። ኣብ ኤርትራ ነዚ ኣገባብ እዚ እትገልጽ ጽብቕቲ ሽም ኣላትና። ንሳ ከኣ 03 ትብሃል። ኣብ ኤርትራ ነዚ ኣገባብ እዚ ኮሊዑ ዘርኢ ተመክሮታት ማእለያ ዘይብሉ ኢዩ ዘለና። ግን ሰብ ረሳዒ ስለዝኾነ ሓበሬታ ክጸምኦ ከሎ ከይተፈለጦ ናብኣ ኢዩ ዝጎዪ።

ንኣብነት ኣብ ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ሳልሳይ ወራር ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝወጽእ ሓበሬታ ዝበሃል ኣይነበረን። እቲ ተራ ህዝቢ ከምዚ ከማይ’ሲ ይትረፍ እቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ እውን ሓበሬታ ዝበሃል ኣይነበሮምን። ድምጺ ናይ ተኹሲ ኣብ ኣስመራ ክሳብ ዝስማዕ ዋላ እቲ ዝለዓለ ሓላፊ ሓበሬታ ኣይነበሮን። ተለቪዥን ኤርትራ ብዘይካ ደርፊ ምስማዕ ካልእ ዋኒን ኣይነበራን። ስለዚ ሰብ ናብ ማእከል ከተማ ከይዱ ኢዩ ሓበሬታ ዝምእርር ኔሩ። ኣብ ከተማ ዝኾነን ዘይኮነን “ሓበሬታ” ዝዘርኡ ተዘሪኦም ኢዮም ኔሮም። መን ዘሪእዎም እንድዒ። ንሳቶም ዝበልዋ ድማ ኣይኮነን’ዶ ኣብ ኣስመራ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን እውን ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ትበጽሕ ኔራ። ዳርጋ 90% ናይቲ ኣብቲ እዋን ንሰምዖ ዝነበርና “ሓበሬታታት” ድማ ሓሶት ኮይኑ ጸኒሑ። በቲ ናይቲ እዋን ዝተሰነዐ ሓበሬታታት ዳርጋ መብዛሕትና ጌጋ መደምደምታታት ኔሩና።

ኣብዚ ዝሓለፈ ጥሪ፣ ብወዲ ዓሊ ዝምራሕ፣ ኣብ ፎርቶ ዝተፈጸመ ናይ ሰራዊት ምንቅስቓስ ከምዝነበረ ኩላትና ንፈልጦ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ ምንቅስቓስ ካብ ኤርትራ ብወግዒ ዝወጽእ ሓበሬታ ኣይነበረን። ዋላ እተን ዓበይቲ ናይ ሜድያ ትካላት እውን ሓበሬታ ክረኽባ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ኢዩ ኔሩ። መንግስቲ ዝተኸተሎ ሜላ ከኣ ሓበሬታ ኣጸልሚትካ ብውሽጢ ውሽጢ ሓሶት ምዝርጋሕ ኢዩ ኔሩ። ድሕሪ ቁሩብ ድማ እቲ ምንቅስቓስ ብዝተፈልየ ሃይማኖት ከምእተፈጸመ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ክዝርጋሕ ጀሚሩ።

ይቕጽል…

ጸጋይ ገብረሂወት
tgbokru@yahoo.co.uk

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Solomon June 23, 2013

    Tsegay G., thank you for the lecture!! Keep it up!! Concise and clear.

  • Kibrab June 23, 2013

    Well done Tsegay. very educational and empowering article.

  • Efrem June 23, 2013

    Great lecture, substantiated by real events….

    Thanks,

  • fthawi June 24, 2013

    Tsegay agedasi seb ika Neritrana edmen tiEnan yehabka amlak by the way did I see u at ambelbli movie

  • Yosief June 24, 2013

    I could not believe how you have written such wonderful article. I have never expected this from an Eritrean musician. Most musicians never write their names properly let alone a researched matterial. Well done Tesgay.

  • YAY June 24, 2013

    ክቡርክብርት ሓው (ት)፡ ናይ ስለያ ኣካል ካብ ተራ ውልቀሰብ ዝገብሮ ይፍለ
    ሓበሬታ ምሃብ ማለት ፍልጠት፡ ወይ ኣፍልጦ፡ ወይ ዜና፡ ወይ ገለጻ፡ ወይ ናይ መጽናዕቲ ውጽኢት፡ ወዘተ፡ ናብ ካልእ ሰብ ምዝርጋሕ ወይ ምትሕልላፍ ማለት እዩ። እቲ ሓበራታ ግን ምሉእ ሓቂ፡ ጎደሎ፡ ዘይናቱ ዝተሓወሶ፡ ወይ ጻልጣ ሓሶት ኪኸውን ስልዝኽእል ትነፍዮ ወይ ተመጸራርዮ። እዚ ከኣ ብሓፈሻኡ ብተራ ውልቀሰባት፡ ብስእነት ኣኻእሎ ወይ መሲሉዎም ወዘተ ዝብህሉዎ፡ ደረጃ ኪርአ እንከሎ ማለት እዩ። ናይ ሃገራት ወይ ውድባት ናይ ስለያ ኣካላት ግን ዝተፈልየ ዕላማ’ዩ ዘለወን። ገለ ግዜኣት ሓቂ ካልእ ግዜኣት ከኣ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ካብ ጸላኢ ጉድኣት ወይ ዕንወት ከይወርደን ኪካላኸላ ይጽዕራ። ስለዚ ብዛዕባ ምኢስኢንፎርሜሽን ወይ ድኢስኢንፎርሜሽን ክንዛረብ እንክሎና ብዛዕባ’ቲ ብፍላጥ ወ ብመደብ፡ ማለት ጸላኢ ብዛዕባ ሃገረን ቅኑዕ ሓበሬታ ንከይህልዎ ዝፍጽምኦ ፈተነታት ኢና ንዛረብ ዘሎና ማለትዩ። ምኢስኢንፎርሜሽን ማለት ንጸላኢ ሓቂ ሓበሬታ ንከይረክብ መስሓት ሓቂ ዚኸውን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክትዝርግሕ እንከሎኻ እዩ።ድኢስኢንፎርሜሽን ማለት ድማ ጸላኢ ብዛዕባኻ ናይ ሓቂ ሓበሬታ ምስረኸበ፡ ነቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ሰሪዙ ንዝመገብካዮ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከም ሓቂ ሓበሬታ ቆጺሩ ንኪቅበሎ ዝግበር ፈተነ እዩ። ቀንዲ ፍልልያቱ እዚ ዩ።

  • T.G.Yohannes June 24, 2013

    Tsegay: your article is very relevant to our current national issue. It has been the disinformation, the evil PFDJ implanted in the heart of many Eritreans that still keeping hem in power. This disinformation and information block has precluded us from believing what we see by our own eyes like what is happening to our people inside and outside Eritrea.
    thank you for you great contribution. keep it up.

Post a Reply to YAY Cancel Reply