Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ካልኣይ ክፋል) (ብደብረ)

ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ካልኣይ ክፋል) (ብደብረ)   ክቡራት ኣንበብቲ ሕጂ ከኣ ብዛዕባ ርእይቶ መሃብ ቁሩብ ክዛረብ። ርእይቶ ኣወንታዊን ኣሉታዊን ክኸውን ይኽእል። ግን ሃናጺ ክኸውን ይምረጽ። ስሚዒታውያን ኣይንኹን። እቲ ጸሓፋይ ክብሎ ወይ ከመሓላልፎ ዝደልዮ ነገር ክሳብ ዝውድእ ዕድል ንሃቦ

ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ካልኣይ ክፋል) (ብደብረ)

 

ክቡራት ኣንበብቲ ሕጂ ከኣ ብዛዕባ ርእይቶ መሃብ ቁሩብ ክዛረብ። ርእይቶ ኣወንታዊን ኣሉታዊን ክኸውን ይኽእል። ግን ሃናጺ ክኸውን ይምረጽ። ስሚዒታውያን ኣይንኹን። እቲ ጸሓፋይ ክብሎ ወይ ከመሓላልፎ ዝደልዮ ነገር ክሳብ ዝውድእ ዕድል ንሃቦ ‘ምበር ብግምት ከምዚ እዩ ክብል ደልዩ ኢልካ ርእይቶ ምሃብ ቁሩብ ታህዋኽን ርእስኽእ ብዝፈጥሮ ማእለያ ዘይብሎም ሓሳባት ምህውታት እዩ ዝኸውን። እዚ ርእይቶይ ግን ነቶም ኮነ ኢሎም ኮኮከሻምሹ ዝደልዩ ርእይቶ ወሃብቲ ኣይምልከትን እዩ። ብዝኾነ እዛ ካልእይቲ ክፋል ሓደ ተስ ዝበሃል ርእይቶ ወሃባይ ብዝጸሓፎ ርእይቶ ክጅምር። ተስ ስለቲ ግሩም ዝኾነ ርእይቶኻ  ብስም ኣንበብቲ ከመስግነኻ እፈቱ። እዛ ሓጻር ግን ከኣ ግሉጽን ብዙሕ መልእክታት ዘለዋ ጽሕፍቲ ከምዘለዋ ተርጉሜ ከቅርባ እየ ፈቲነ። እቲ ተደጋጊፍካ ምኻድ ዝበልክዎ ከምዚ ናይ ተስ ሓገዝ ክርከብ ከሎ እዩ። ኣብቲ ትርጉም ግን ካብ ምንኣስ ዓቅሚ ዘይትጉማ ሂበያ ከይከውን ሓግዘኒ ኢኻ። የቀንየለይ። ትርጉም ናይታ ርእይቶ ብከምዚ ቀሪቡ ኣሎ።

 

“ደብረ

እዛ ጽሕፍትኻ ጽብቅቲ ሕጥቦ ጽሑፍቲ ‘ያ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራናን ካብቲ ናይ ሓባራዊ ልምዲ ቁሩብ ዝወጸ ሱር ዝሰደደ ሽግር ደይምትእምማን ነጊሱ ኣሎ። ገለ ገለ ክትዛረበለን ክልኩላት ዝተሓዝኣ ቦታታት ኣለዋ። ህዝቢ ሱዳን ደይጓዳእ ጥዑም ህዝቢ እዩ ነይሩ/እዩ እንተኢልካን ምስኦም ጽቡቕ ምትሕሓዝ እንተገርካ፡ ነዚ ዘይቅበሉ ወይ ዝነጽጉ ዜጋታት ኣለዉ። ምስተን ካልኦት ሃገራትም ከምኡ። ኣብ ናይ ሕድሕድ ጥቕምን ምክብባርን መሰረት ጌሮም ንነገራት ብሃናጺ መንገርዲ ክርእዩ ክእለት ዘለዎም ውሑዳት እዮም። ድልየት ህዝብታትን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ ድስራዕ።. ዝነበረና ነፍሰ ምትእምማን ክሳብ ንረክብ፡ ክሳብ ጽቡቕ ርክብ ምስጎረባብትና ንምስርት፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ተፈጻምነት ኣይህልዎን ‘ዩ። ኣብ ሕድሕድ ናይ ምድግጋፍ ድልየትን መዓርነትን ሰረት ዝገበረ ዝኾነ ርክብ መርሓባእ ኢልና ክንቅበሎ ይግባእ። ድኽመታትና ብምልላይን ዱሑርነትና ብምእላይን ክንጅምሮ ይግበኣና። ንሕና ኤርትራውያን፡ ናብቲ ዝተሓተ ደረጃ ሃገራት ንወርድ ኢና ዘሎና። ዝኾነ ነገር ንላዕላዋይ ጠርዚ ኣቢሉ ዝደፍእ ክነተባብዖ ይግባእ። ሰላም ንደሊ ዲና?  እቲ መልሲ ከምዝመስለኒ “እወ”። ምስ መን? እቲ መልሲ “ምስ ኩሎም ጎረባብትና”። ኣብ ከባቢና ዘለዋ ጎረባብትና እንተ ኣስተውዒልናለን ብብቁሩብ ቁጠበአንን ፖለትካአንን የወሃህዳ እየን ዘለዋ። ቀልጢፍካ ወይ ድሒርካ ምስዓብ ስለዘይተርፍ፡ ሕጅ ንበይንኻ ተነጺልካ ምትራፍ ተመራጺ ኣይኮነን። እቲ ሸቶ ምስ ሓደ ዘይኮነስ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሓቢርካ ምስራሕ ‘ዩ። ንሕና ነንሕድሕድና ክንራጸም ኮለና እተን ካልኦት ሃጋራት ከም በዓል ኢትይጵያ፡ ክሊቲኤን ሱዳናት፡ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ኡጋንዳ፡ ወዘተ ናይ ምዕባለ መሰረት የወሃህዳ እየን ዘለዋ።  አሕዋት ናብ ዘይተደልየ ክትዕን ስሚዒትን ኣይንጥወዮ። ቅድሚያ ክንህቦ ዝግባእ ዕዮ ገዛ ኣብ ቅድሜና ይጽብየና እዩ ዘሎ። ሓርነትናን ናጽነትናን።  ኣየናይ እዩ መቅርብና ኢልና ጌና ኣብ ምሕራይ የለናን። እዚ ምንዮታዊ ኣተሓሳስባ ጥራይ ኢዩ።  ክትሓሪ ኣብ ዱልዱል ባይታ ክትረግጽ ኣሎካ። ገለ ዝስሕብ ነገር ከተርኢ ኣሎካ። ንሕና ኤርትራዊያን ከነርእዮ ንኽእል ነገር የብልናን።  ኤርትራ ነፍሳ ክሳብ ትኽእል ወይ እዚ ዘሎ ጽላም እዋን ዝሓልፍ ኣብ ንፈጥሮ ርክባት ጊዜና ብላሽ እንተዘይኣጥፋእና ተመራጺ ይኸውን። ኩሉ ንጽባሕ ንግደፎ።”  መወዳእታ ርእይቶ።

 

ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ክሳብ መዓስ ኢና ጽልኢ ንዘጎሃህሩ መጋበርያ ንኸውን፧ ብምሕታት ጽሑፈይ ዘቋረጽኩ። ሕቶይ ብምቅጻል፡ –

 

ነዞም ጽልኢ ዘጎሃህሩ መራሕቲ ነቲ ዝገበርዎ ድክመትን ጥፍኣትን ክንሽፍነሎም ሓርኮት ንብል፡ ንሕና ደኣ መን ኢና፧ እስኪ ንነፍስና ንፈትሻ። መን ኢና፧ ብዛዕባ መንነት ኣይኮንኩን ዝሓትት ዘለኹ። ብዛዕባ ተግባራትና ‘ምበር። ደድሕሪኦም ዘዝበሉና ከነቃልሕ ንሃልኽ ስለምንታይ። ተጠቀምቲ እንተንኸውን ሓደ ነገር እዩ፡ ብኣንጻሩ ቀዳሞት ተጸላእቲ ንሕና ኢና። ኣቱም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከተናቁቱ ሓርኮት ትብሉ ዘለኹም ዓገብ እብለኩም ኣለኹ። እዞም ክልተ ናይዞም ክልተ ህዝቢ ጸላእቲ እቶም ህዝቢ ነንሕድሕዶም ዘይኮኑስ፡ እቶም መራሕቲ ተባሂሎም ኣብ ኮርቻ ስልጣን መንግስታት ዘለዉ ዕዉራት መራሕቲ ‘ዮም። ጭብጢ እንተደሊኹም፡ ሓደ እዋን ክሊቲኦም መራሕቲ ኢሳይያስን ነፍሲሄር መለስን ብዛዕባ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክዛረቡ ከለዉ ኣብ ሓደ እዋን ብሓደ ቃና “ናይ መትከል ጉድይ ‘ዩ” ኢሎምና ነይሮም።  መትከሎም ነናይውልቆም ድዩ፧ ወይስ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ዝምልከት፧ እቲ መትከል ንህዝቢ ዝምልከት እንተዝኸውን ነይሩ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ሊዕሊ ሚእቲ ሽሕ ዝኸውን ዘህለቀ ውግእ ከይለዓል ብሓላፍነት ምሰርሑ ነይሮም። መን ዓብለለ፧ ዝብል ነናይውልቆም መትከል ስለዝነበረ ግን ምጥፋእ ናይ ህዝቦም ቅጭጭ ከይበሎም ነቲ ውግእ ኣበጊሶም ህዝቢ ኣህሊቆም። እዚ ኩሉ ህዝቢ ሃሊቁ እልቢ ዘይብሉ ንብረትን ቁጠባን ዓንዩ። እቲ ውግእ ድሒሩ ብዘስዓቦ ሕሰም ከኣ ብፍላይ ኤርትራውያን ንስደትን ሓሳረ መከራን ትቃሊዖም።

 

ኣብዚ ክሊቲኦም መንግስታት ተሓተቲ እዮም። ብፍላይ ኢሳይያስን ነፍሲሄር መለስን ካብ ተሓታትነት ነጻ ክኾኑ ኣይክእሉን። ነፍሲሂር መለስ ከም ኢሳይያስ ሙሉእ መንግስታዊ ምቁጽጻር ኣይነበሮን ንዝብሉ ለዋሃት፡ ክሊቲኦም መዓረ ሙሉእ ስልጣን ከምዝነበሮም እዩ እቲ ናይ ስልጣን ጽፍሖም ዝዛረብ። እተን ሚድያታት ነቲ ሓቂ ዓቢጠን ክፋእ ተግባራቱ ክሽፍናሉ ይፍትና። ነቲ ምኽንያት ውግእ ኢሎም ዘቕረብዎ ብቑዕ ኣይበረን። መትከል ዝብል። ክንዲዚ ዝኣክል ህዝቢ ክሃልቕ ኣይነበሮን። ድሕሪ ውግእ እኮ ኣብ መወዳእታ ናብ ቤት ፍርዲ እዮም ቀሪቦም። ድሕሪ ውግእ ኣብ ቤት ፍርዲ ካብ ምቅራብ ቅድሚ ውግእ ኣብ ክቢ ጥረጰዛ ቀሪባክ ዘይምዝርራብ እንታዩ ኣበስኡ? እዘን ሜድያታት ንኢሳይያስ ገበኑ ክሽፍና ከለዋ “ናብ ዝርርብ እንተቐሪቡ ሽንፈቱ ኣሜን ኢሉ ተቀቢሉ ክም ማለት ስለዝኾነ እዩ ኢሳይያስ ንምዝርራብ ዝኣበየ” ኢለን ወረ ይነዝሓሉ። ሓደ ሓቀኛ ጋዜጤኛ ተጻሒፉ ዝተዋህቦ ጽሑፍ ጥራይ ኣየንብብን እዩ። ሓቅነቱ ኣብ ባይታ ከይዱ ከረጋግጽ ሞያዊ ግዴትኡ እዩ። ዲሒሩም ነፍሲሄር መለስም እንተኾነ በቲ ኣብ ኣልጀሪያ ዝፈረመሉ ውዕል ክግዛእ ኣይመረጸን። ስለምንታይ? እቲ ስቃይ ህዝቢ ኤርትራውያን ንኽቅጽል ዝኣለሞ ሽርሒ ዶ ኣይኮነን እቲ ሚስጢር? እሞ እዚ ሰብ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ይሓልይ ነይሩ ክንብሎ ንኽእል ዶ? በደኡስ ኤርትራዊ ዶ ኣይኮነን፧ ውሉድ ንምዃኑ ጭብጢ እንተተደልዩ፡ ነፍሱ ይምሓር መምህር ሃብተማርያም ወዲ ኣኮኡ ንመለስ ኣብ 1999 ምሳይ ኣብ ሳዋ ነይሩ። ነፍሲሄር መለስ እቲ ውግእ ሂይወቱ ዝሓትት መስዋእቲ እንተነሪዎ ‘ውን ክስየፍ ነይርዎ። ብመትከል ኣመኽንዩ የሕዋቱ ዝጠለመ መዓረ ኢሳይያስ ክሕተት ዘለዎ ጨካን ሰብ እዩ።

 

ኣብ መወዳእታ ካብዚ ውግእ ዝኸሰበ ኸ መን ኣሎ? ዝብል ሕቶ ኢዩ ዝለዓል። ኤርትራን ኢትዮጵያን ከስረን ‘ምበር መኽሰብ ዝበሃል የብለንን። ሰበን ቁጠበአን ጊዜአን ኩሉ ከሲረን። መንግስቲ ኣመሪካ ከሲባ ዶ ትኸውን? ዘ ሄግ ቤት ፍርዲ ከሲቡ ዶ ይኸውን? ናይ ክሊቲኦም ሃገራት ጠበቃታት ከሲቦም ዶ ይኾኑ? እዞም ክልተ ደለይቲ ዕብለላ እቲ ዝበሃግዎ ዓብላልነት ከ ረኺቦም ዶ ይኾኑ? ኩሉ ነገራት ክትግምግሞ ኮለኻ ዝተዓወተ ዘሎ ኣይመስለንን። እዚ ዶ ኣይኮነን እቲ ሓቂ? እዘን ህዝባዊ ሜድያታት ዝበሃል ደኣ እንታይ ኮይነን እየን ነዚ ሓቂ ደጋጊመን ዘይነግራና? ወይስ ካልእ ሓቂ ኣሎ? እስኪ ንገሩና ካልእ ሓቂ እንተሎ ክንሰምዖ።

 

እቲ ዛዕባና ንሶም ተሓተቲ ምኳኖንም ኣይኮነን ዘዛራርበና ዘሎ። ተሓተቲ ምዃኖም ርዱእ እዩ። ብህልቂት ክልቲኦም ህዝብታት ልዕሊኦም ዝሕተት ሰብ የለን። ሒጂ እዚ ህዝቢ ዘለዎ ኩነታት እዩ ዘገደስና። ብፍላይ ኣብ ተሓታዋይ ጽፍሒ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ። እዚ ህዝቢ ሓደጋ ወሪድዎ ኣሎ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ብጥሜት ሓለንጊ ይግረፍ፡ ብሕንፍሽፍሽን ቅሉውላውን ይመሓደር ኣሎ እንዳበልና ነእዊ ኣሎና። እቲ ሕቶ ብኸመይ ሰላሞም ይረኽቡ፧ ብኸመይ ካብዚ ጨካን ኣረመናዊ ኣገዛዝኣ ይውጻኡ፧ ዝብል እዩ። እስኪ ኣብዚ ንዛተ። እንታይ ኢዩ እቲ መፍትሒ፧ እየ ዝብል ዘለኹ። እቲ ነጥቢ ኩሎም እቶም ክህሉ ይኽእሉ እዮም ንብሎም ኣማራጺታት በብሓደ ክንፍትሾምን ናብቲ ንቃልሲ ተቃውሞ ደምበ ከዐውተና ይኽእል እዩ ንብሎ ኣገባብ ቃልሲ ክንመርጽ ክንክእል ኣሎና እየ ዝብል ዘለኹ።

 

ኪኢላ ብኽእለቱ፡ በዓል ጸጋ ብገንዘቡ፡ በዓል ጉልበት ብረሃጹ ሰሪሑ ከይበልዕ ዝተሓረመ ህዝቢ እንታይ እዩ ክገብር ዘልዎ፧ ፋሕተርተር ገዲፉ ተጸባይ ምዃን ዝተፈረደ ዜጋ ናብ መን ክጠርዕ ኣለዎ?፧ ናብ እምላኹ ‘ምበር፡ ንዋላሓደ። እታ ክገብራ ዝኽእላ ካብ ሃገሩ ወጺኡ መጻኢ  ዕድሉ ምፍታን እዩ። ዕድል ዝገበሩ ሰብ ጸጋ ዜጋታት፡ ገንዘቦምን ፍልጠቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከዋፍርዎ ተገዲዶም። ገሊኡ ንኢትዮጵያ ኣምሪሑ። ንግዲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ደው ኣይበለን፡ ብዘይ ወግዒ እንተኮነ ‘ውን ቀጺሉ እዩ። መብዛሕትኦም ወነንቲ ሰብ ጸጋን ሰብ ጥቕምን ኤርትራዊያን ካብን ናብን ኢትዮጵያ ይመላለሱ ከምዘለዉ ንስሕት ኣይመስለንን። መብዛሒቲኦ ‘ምውን ብሽም ገለገለ ሰብ እንዳገበሩ ትካላት ከምዘለዎም ይስማዕ እዩ። ሰብ ኪኢላታትን ጉልበትን ክእለቶም ብሕሱር ዋጋ ንዓዲ ጓና ክሸጡ ተገዲዶም። ወዲ ሃገር ከኣ ስደት ብስደት ኮይኑ። እዚ ብሰሪ ገባቲ ቁጠባዊ ሜላ ስርዓት ኢሳያስ ዝወረደ መርገም ኤርትራዊያን እዩ። እቲ ተቃዋማይ ውድብ ዝበሃል ግን ዛሕቲሉ ወይ ደኺሙ ደሃዩ ላሕቲቱ ኣይስማዕን እዩ ዘሎ። ኣብ ተቃውሞ ደምበ ግሩሃትን ሳኣን ንቅሓቶምን ዝደኽሙ ህንጥዩነት ዝተዓጥቁ ናይ ለውጢ ሃዋርያት ዝቃለሱ ብሓደ ወገን ፈላለይቲ ስልጣን ድሕሪ ለውጢ ዘገድሶም ወገናውያን በቲ ሃደ ወገን  ከምዘለዉ ክንፈልጥ ይግባእ። እቶም ሓቀኛ ተቃለስቲ ካብ ኩሉ ግናይ ናይ ቃልሲ ኣካይዳ ነጻ ዝኾኑ መገዶም ሓርቢትዎም መቃለሲ ባይታ ጸልሚትዎም ዘለዉ ደኣ እንታይ ይግበሩ፧ በዚ ሕጂ ዘለዉዎ ኸ እንታይ ከፍርዩ ይኽእሉ፧ መሰረታዊ ሕቶይ እዚ እዩ።

 

ንዓይ ኣብ ኣውሮፓን ኣመሪካን ኮንካ ብረታዊ ቃልሲ ክትገብር ከምዘይከኣል እዩ ዝርደኣኒ። እቲ ናይ መቃለሲ ማእከል ኣዝዩ ተፈንቲቱ። ከምንሰምዖ ዘሎና ብረታዊ ቃልሲ ክገብሩ ኣይኮነን ኣብ ነፍስ ወከፍ ተስፋ ዝተገብረሉ ኣኼባታት ፋሕ ፊንግጢራሕ ክብሉ ንሰምዕ። ኪዳን ዝበሃል ተመስሪቱ ተባሂሉ ኣይሰርሐን። ሃገራዊ ጉባኤ ዝበሃል መጺኡ እሱ ከኣ ብግዲኡ ሰንከልከል ይብል ኣሎ ይብሉና ኣለዉ። ኣነ ብዛዕባ እዘን ውድባት እዚአን ዝፈልጦ የብለይን። ግን ከኣ ከም ህዝበይ ተስፋ ጌረለን ነይረ። ቃልሲ ደንበ ተቃውሞ ብኸምዚ ዝዕወት ኣይመስለንን። ንዓይ ቃልሲ ደምበ ተቃወምቲ ኣርባዕተ ነገራት ይጠልብ። ቦታ፡ ጊዜን ገንዘብን ከምኡ ‘ውን ውፉይ ሰራዊት። እዘን ኣርባዕተ ነገራት ምስዝወሃሃዳ እየን ቃልሲ ተቃውሞ ክዕወት ዝኽእል ኢለ ይኣምን።
ኣብዚ ከነተኩረሉ ዝግባእ ግን ስለምንታይ እዩ ቃልሲ ኣንጻር ህግድፍ ክሳብ ሕጂ ርኡይ ለውጢ ዘይምጽአ፧ ስለምታይ እዩ ጽቡቅ ክብገስ ዘይክኣለ፧ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ክንረኽበሎም ይግባእ። ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ናይ ሓባር ረቋሒ እቲ ቀንዲ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሳቂ ዘሎን ሰላም ከሊኢዎም ዘሎን ኢሰይያስ ‘ዩ።  እቲ ሕቶ ስለምንታይ እዞም ህዝቢ ክልተ ሃገር ብሓንሳብ ኮይኖም ኣድማዒ ለውጢ ከምጽኡ ዘይከኣሉ፧ ዝብል ‘ዩ። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢሳይያስ ብኸመይ ከልግስ ከምዝግባእ ጠፊኢዎም ኣይኮነን። ብወትሃደራዊ ስጉምቲ  ከቅንጽልዎ እንተዘይከኣሉ ኢልና እንተሓሲብና ሓያል ዝኾነ ዕጡቕ ኤርትራዊ ውድብ ክፈጥሩ ምኸኣሉ ኔሮም ኢልናም ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ንተቃዉሞ ደንበ ብምድጋፍ ኣድማዒ ስራሕ ንኽሰርሑ ብኸመይ ተሐይሎም ንመራሕቲ ኤትዮጵያ ኣይጠፍኦምን ‘ዩ። ዝተፈተኑ ፈተነታት ‘ውን ብትብዓት ዝተተሓዙ ስለዘይነበረን እተን ክተሓዛ ዝተፈተና ‘ውን ማእከለን ኣብ ሩሑቕ ሃገራት ኣውሮፓን ኣመሪካን ዘለዋ ስለዝነበራ ይመስል ኣይተዓወተን። ኢሳይያስ ግን ኣይደቀሰን። ኢሳይያስ ብውሱን ዓቅሙ ናይ ተቃወምቲ ሰራዊት ኣደራጂሎም ኣሎ። ደምሂት ዝበሃል ሓያል ሰራዊት ኣቁሙ ንጊዚኡ ‘ኳ ሓለውቱ ጌርዎም ኣሎ። ሓርበኞችን ግንቦት ሰባትን ዝበሃሉ ውድብ ናይ ኣምሓራ ሕብረት ከምዝፈጥሩ ጌርዎም ኣሎ። ወተሃደራዊ ዓቅሞም እውን ሓያል ምዃኑ እዩ ዝንገር ዘሎ።  በዞ ተቃወምቲ ጌሩ ግን ንኢሂወደግ ከጨናንቕ ኣይተራእየን። ኣደራጅዩ ሓለውቲ ኣስመራ ጌርዎም። ስለምንታይ፧

 

ዝኾነ ሃገር ውድብ ውልቀሰብ ረብሓ እዩ ዘገድሶም። ሰብኣውነት ርህራሄ ሓዜነታ መሸፈኒ መሳርሒጥራይ ‘ዩ ዝኸውን። ካልእ ከይሃሰኻ ንናይሓባር ረብሓ ክትሰርሕ ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖለቲካ ‘ዩ። ኢሳይያስ ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ኤርትራ ንክደራጀዉ ከፍቅድ ከሎ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓዚኑ ኣይመስለንን። እቶም ተቃወምትን ኢሳይያስን ናይ ሓባር ረብሓ ስለዘለዎም ጥራይ እዩ። ናይ ክሊቲኦም ናይ ሓባር ጸላኢ መንግስቲ ኢህወደግ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝወርድ ሓቢሮም ክሰርሑ እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያም ከምኡ እንተገበረ ምስ ተቃወምቲ ኤርትራ ናይ ሓባር ረብሓ ስለዘለዎም ‘ዩ። እቲ ኣቦታትና ዘመሰልዎ “ናይ ጸላኢኻ ጸላኢስ ፈታዊኻ ‘ዩ” ዝበልዎ ዓይነት ‘ዩ። ሎሚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ኩሎም ዝስራዕ ኢሳይያስን ጉጅሉእን ‘ዮም። ንመንግስቲ ኢህወደግ ካብ ስልጣን ንኸዓልው ተቃወምቲ ወዲቡን ዓቂቡን በትሪ ዘወጣውጥ ዘሎ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ‘ዮም።  መንግስቲ ኢሂወደግ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ብዞም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ተቃወምቲ ስልጣን እንተዝበሓት ዕብለላ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተረጋጊጹ ከምማለት ስለዝኾነ ኢሳይያስ ዓቢ ረብሓ ኣለዎ። ብኣንጻሩ ምእላይ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ንክሊቲኦም ኣካላት ማለት ንደንበ ተቃወምቲ ኤርትራን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ሓባር ረብሓ ክሳብ ዘለዎ ኣብ ኢትዮጵያ ኮንካ ምቅላሱ እንታዩ ጥፍኣቱ?

(ሳልሳይ ክፋል ይቅጽል)

 

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ደብረ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • crystal clear February 26, 2015

    ጢልያውንቲ ይፋተዉ እሞ ግን በብብያትኦም ይበልዑ ዝብሃል ኣዛራርባ ኣሎ።ኤርትራዊ ንኢትዮጵያውያን ኣይጸልእን እዩ ዝተማረኹን ጠበንጃታቶም ገዲፎም ዝሃደሙን ወትሃደራት ቅጫን ማይን እናሃበ የሳግሮም ኔሩ።ንኤርትራ ብተወልጀ ደቂ ትግራይ ጎጃምን ጎንደርን ዝኾኑ ማሕበር ኣንድነት መስሪቶም ንህዝቢ ኣፋራሪሖም ንሃገርና ብሓይሊ ምስ ሃገሮም ዘላግቡ ንመሬትና ባድመ ቅድሚ ዓሰርተ ሾውዓተ ዓመት may 1998 ወሪሮም ምስ ሓዙ ክሳዕ ሕጂ ኣይተ ወለሓርያትዶ ኣይተ ገረችኣል ዝጓስየሉ ዝነበረ መሬት ትግራይ እዩ ኢሎም ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ብሕልፊ ምስ ኣሜሪካ ተማሳጢሮም ደቂ ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ኣውጺኦም ሃብቶም ራስዮም ክሳዕ ሕጂ ንኤርትራ ከጥፍኡ ዝደልዩ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን እዮም።ብጀጋኑ ተጋደልትና ከቢድ መሳርያ ተዋጊኦም ኣብ ስልጣን ኮፍ ዘበልዎም ንኤርትራ ብኤኮኖምያዊ ሽጣራ ተጠቒሞም ዓሰብ ክንዲ ዝጥቀሙ ጅቡትን ኬንያን ፖርት ሱዳንን ተጠቒሞም ሃገርና ንታሕቲ ዝሰድዋ ዘለዉ ዘልኣለማውያን ጸላእቲ ከመይ ጌርና ከነፍቅሮም ? እንተዘይጸላእናዮም እውን ፈጺምና ክንትዓረቖም ኣይንኽእልን።

    • Debre February 27, 2015

      ክቡር ክሪስታል ክሊር፡
      ምጽላሲ ኣይንጸልኦምኒና እሶም ‘ዮም ዝጸልኡና ምባልካ ጽቡቕ እዩ። ነዚ ኣበሃህላ ኣይጸላእኽዎን። ንነፍስኻ ወኪልካ ምዝራብካ ተሰማሚዒኒ ኣሎ። እቲ ናትካ ጽቡቕ ነገር ንነፍስኻ ወኪልካ ንኢትዮጵያውያን ከምዘይትጸልኦም ምምስካርካ ‘ዩ። ናትካ ዘይምጽላእ ‘ምበር ናቶም ምጽላእ ከነረጋግጽ ኣይንኽእልን። ካብኦም ይምጻእ። ብዛዕባ ውግእን ወራርን ክንዛረብ እንተዄንና፡ ንህዝቢ ክንወቅስ ኣይንኽእልን በሃላይ እየ። ምኽንያት ውግእን ወራርን ምትፍናን ናይ ክሊቲኦም መንግስታት ዘምጽኦ ተርእዮ እዩ። እዞም መንግስታት ህዝቢ ንህዝቢ ኣባኢሶሞም እምበር እዞም ህዝቢ ነንሕድሕዶም ኣይተባኣሱን። ድሕሪ እቲ ተሪርን ክፉእን ባእሲ እቲ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ከምቀደሙ ርክቡ ኣየቋረጸን። ኣብ ዝተራኸቦ ሰላም ይበሃሃል የዕልል። ኣብ ሩዋንዳ ዝርከቡ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብነት እዮም። ካብ ፖለቲካ ክሊቲኤን ሃገራት ሪሒቆም ቤተክርስትያኖም ሃኒጾም ኣምላኾም ብሓባር የምልኹ ‘ለዉ። ንዓሰብ ዝተሓረመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ምበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይኮነን። ህዝብን መንግስትን ፈላሊና ንርኣዮም። ቄናን መንግስት እኮ ኣሎ። ቄናን መንግስቲ ንድልየቱ ንህርመት ልቡ ዝግዛእ ንህርመት ህዝቡ ዘይሰምዕ ማለት እዩ ብናተይ ትርጓመ። ነዚ ትርጓመ ዲና ክንርእዮ ዘይንኽእል ደሎና? ካልእ ርእይቶ ወሃባይ ብዛዕባ ራእሲ ወልደንኬልን ሃጼ ዮሃንስን ጠቂሱ ኢትዮጵያውያን ጠላማት ኢዮም ኢሉ ጺሒፉ። እቶም ጠላማት ዝበሃሉ እቲ ዝነበረ መንግስቲ ዲዩ ወይስ እቲ ህዝቢ? ራእሲ ወልደንኪኤልን ሃጼ ዮሃንስን እኮ መንግስታት እዮም ኣብቲ ጊዜ እቲ። ርሑቅ ከይከድና ትማሊ ትማሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብኣልማማ ክስጎግ ከሎ ዓለም እንዳረእዮ ነፍሲ ሄር መለስ ብደም ሓውና ንብሎ ሰብ “ካብ ኢትዮጵያ ዝሰጎግናዮ ኤርትራዊ ኣሎ ዶ? ዘበሳበስናዮ ኤርትራዊ ኣሎ ዶ?” እንዳበለ ኣየላገጸልናን ድዩ? ኣብዚ ንዓይ ከምዝርደኣኒ ነፍሲሄር መለስ መንግስቲ ወኪሉ ‘ምበር ህዝቢ ወኪሉ ኣይተዛረበን። ክቡር ሓወይ እንቋዕ ንህዝቢ ኣይጸላእና ‘ምበር እቶም ሕሰም ዘውርዱልና ዘለዉ መንግስታት ግን ዓኽ ቱፍ ክንብሎም ይግባእ።

      ሚልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ።
      ደብረ

  • Tes February 27, 2015

    Dear Debre,

    Kibur Hawi You have translated my comment into tigrigna perfectly, in fact you did it favor by putting some soul to the words thank for that. It seams we are in agreement.

    As usual this one is great article. Your analytical skill is outstanding. Please keep up the good work. That is what is missed in contemporary Eritrea. Most people have fear not to express their feeling or incapable. To build relationship based people to people is nothing wrong. All the problem we have is disagreement between the elites from the both side of the border. Other wise there was/is no problem between those two people.

    On this article you raised an important point. I agree with you, any movement in diaspora could not topple HGDEF. Yes it can be used as support to internal or proxy resistance. So i honestly believe that the only way to get rid off HGDEF is to use either Ethiopia or Sudan as spring board to fight back. Many Eritreans won’t see that. Even mentioning Ethiopia by name is a crime or treason. This is deliberate act of HGDEF but the people get in to their trap . HGDEF manage to mislead the population. I don’t blame Ethiopians why they didn’t help the resistance to be formidable. First we have to have clear strategy and unity among ourselves. We don’t have strong unit so the outsiders would be hesitate to involve in any way. Our first priority is to know who is our number one enemy. Then what is the problem holding us back from work together. Once we manege to know our problem, we will seek a solution. Until we do that our problem is here to last longer.

    • WediHagher February 27, 2015

      “So i honestly believe that the only way to get rid off HGDEF is to use either Ethiopia or Sudan as spring board to fight back. Many Eritreans won’t see that. Even mentioning Ethiopia by name is a crime or treason. This is deliberate act of HGDEF but the people get in to their trap . HGDEF manage to mislead the population. I don’t blame Ethiopians why they didn’t help the resistance to be formidable. First we have to have clear strategy and unity among ourselves.”

      Tes

      Officially, the Ethiopian government doesn’t say much about what they want see happening in Eritrea. Melles had told some opposition leaders in the past that the task of dealing with the regime is left up to Eritreans.
      Some Eritreans who claim to know how the ruling coalition (uhiwedeg) works, think the government is waiting till the situation reaches a breaking point. Then most probably they will put their weight behind ethnic groups like Afar and Kunama,hoping that such a strategy will lead to the advent of similar ethnic Tigrigna group in Eritrean political arena. I hope this is not going to happen. In any case, if the owners cannot put their home in order, someone else will do it, and as they decide for you, you may find yourself on the road.

  • WediHagher February 27, 2015

    “ኣብዚ ንዓይ ከምዝርደኣኒ ነፍሲሄር መለስ መንግስቲ ወኪሉ ‘ምበር ህዝቢ ወኪሉ ኣይተዛረበን። ክቡር ሓወይ እንቋዕ ንህዝቢ ኣይጸላእና ‘ምበር እቶም ሕሰም ዘውርዱልና ዘለዉ መንግስታት ግን ዓኽ ቱፍ ክንብሎም ይግባእ።”

    ደብረ

    We-don’t-have-problem-with-the-people if often said by all sides to a conflict to show the public opinion that they are standing on higher moral ground than their adversaries, but usually, unless real issues are solved, it doesn’t take anywhere.
    Whether we like it or not, only governments speak for the people.
    Therefore, we cannot avoid talking to Ethiopian government as soon as we have an elected and legitimate government in Eritrea. This is not to say people-to-people diplomacy is not important, far from it, it may help governments solve problems, and take tough decisions for the sake of peace.
    In all cases, unless there is respect for international law, peace between two neighbors is difficult to make.
    Even those who go together to church in Ruanda, when it comes to who should take this or that land along the border, will side with their governments, because land belongs to people and nobody can give it away because he/she loves neighbors.

    The road to a durable peace in the region starts by internal peace first and then good neighborliness, by implementing international law, non-interference in each other’s internal affairs, economic integration and common regional security.

  • Truly Truly i say to you February 27, 2015

    ዝኸበርካ ደብረ ዋላዃ ሰላምን ሕውነትን ምስ ኢትዩጵያ ክመጽእ ከምኩላሕና ሓረርታ ስለዘለካ ከምድኾነ ትጽሕፎ ዘለካ እንተተረዳኣኒ፣ ግናስ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ምዕራፍ 19 ፍቕዲ 2 “ፍልጠት ዘይተሓውሶ ሰናይ ትምኒት ንማንም ኣይጠቅምን እዩ” ዝብሎ፣ ቁሩብ ኣብቲ ናይ ሕልው ፖሎቲካ ኣናብባካ ትጋገይ ዘለኻ ኮይኑ ስልዝተሰመ ነቲ ብወገነይ ዝኣምነሉ ክገልጽልካ፣
    ንኣብነት ንስኻ ትብል፦
    “እብለኩም ኣለኹ። እዞም ክልተ ናይዞም ክልተ ህዝቢ ጸላእቲ እቶም ህዝቢ ነንሕድሕዶም ዘይኮኑስ፡ እቶም መራሕቲ ተባሂሎም ኣብ ኮርቻ ስልጣን መንግስታት ዘለዉ ዕዉራት መራሕቲ ‘ዮም።…. ድሕሪ ምባል ፦ ነፍሲሂር መለስ ከም ኢሳይያስ ሙሉእ መንግስታዊ ምቁጽጻር ኣይነበሮን ንዝብሉ ለዋሃት፡ ክሊቲኦም መዓረ ሙሉእ ስልጣን ከምዝነበሮም እዩ እቲ ናይ ስልጣን ጽፍሖም ዝዛረብ” ኢልካ።
    ንኣይ ግን እቲ ሓቂ ከምቲ ንኣኻ ዝተረደኣካ ደይኮነ፣ ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ነፍስሔር መለስ ኣብቲ ግዜ ከም ኢሳያስ ሙሉእ ናይ ውልቁ ስልጣን ኣይነበሮን ጥራይ ደይኮነ፣ ነቲ ውግዕም ንክመጽእ ዝደፋፍእዎ ዝነበሩ፣ ናይ ኤርትራ ምግንጻልን ናይ ወያኔ ስልጣንን ዘይተወሃጠሎም ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ኣምሓሩት ነበሩ እምበር ብፍላይ መለስ ዜናዊ ኾነ ካልኦት ኣበይቲ ናይ ወያኔ መራሕቲ ንኣቦይ ስብሓት ወሲካ ኣንጻር ውግዕ ኣብቲ ፓርላመንት ኣድሚጾም ግናስ በቲ ዝበዘኸ ድምጺ ብልጫ ስለዝተሰኣሩ ናይ ግድን ናይቲ ሕዝቢ ድልየት ኣኽቢሮም ናብ ውግዕ ከምዝተሸመሙ፣ እኹል መረጋገጺ ናይቲ ፓርላማ ኣኼባ ተቀዲሑ ኩላሕና ሰሚእና ዘረጋገጽናዮ ሓቂ እዩ። እንተ ብወገን ኤርትራ ተመጻእካ ግን ሓቅኻ ኢኻ ይትረፍ ሕዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወያኔ ክለኣል፣ ወያኔ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተዉ፣ ዝተወጽዑ የሕዋትና መጺኦምልና ኢሎም ብሃንጎፋይ ምቅባል ጥራይ ደይኮነ፣ ክሳብ ኣብቲ ስልጣን ዝድልድሉ ዘርእይዎም ዝነበረ ድጋፍን ሕውነትን፣ ባእላቶም ከማን ዝክሕድዎ ኣይመስለንን። በቲ ናተይ ርኢቶ ሕጂውን ከማን ሕዝቢ ኤርትራ ኣብልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ካባይ ጀሚርካ ጽልኢ ዘለዎ ኣይመስለንን ብጀካ ንሙሉእ ሕዝቢ ኢትልዮጵያ ሰናይ ክኾነሎም ምትምናይ። እቲ ብሕዝብና ወገን ዝነበረን ዘሎን መርገጺ ነቲ ናይ ኢሳያስ ሸፈጥ ዘረባ ገዲፍካ ፣ ዋለ ብብዙህ ካልእ ነገራት ንወይዘሮ ሶፍያ ተስፋማርያም እንተጸላእናያ ከምኡ ናይ ሕውነት ምዃኑ ምስ ኢሳት ኣብዝሓበቶ ቃለ መጠይቅ ጽቡቕ ገራ ገሊጻቶ ነራ እኳ እያ-ሰብ ጸውእ ከይትብሉኒ እንበር። ኢሳያስ ግን ንሕዝቢ ከየማከረን ዕድል ከይሃበ ንበይኑ ናይ ሃገር ጉዳይ ብደይ ኃላፊነት ከምድወሰነ ዘይፈልጥ የለን። እዚ ሰብ ይትርፍ ነቲ ውግዕ ክሳብ ሕጂ ብሕግን ቅዋምን ከይተማእዘዘ ንሕዝቢ ኤርትራ ምጽናትን ንቁጠባና እንወትን ይሰርህ ከምዘሎ ንምግላጽ ምፍታን፣ ንቀባሪ ምርዳእ ከይከውን ክገድፎ። ይኹን እንበር ብወያኔ ወገን እቲ ኣብሉዑላዊነት ኤርትራ ከምቲ መጀመርያ ግዜ ዝነበሮም መርገዐጺ ብሕጂውን ከምኡ እዩ ዘሎ ኢልካ ምዝራብ ዝከኣል ከምደይኮነ ብዙሕ መረጋገጺታት ኣልኢልካ ምግላጽ ምተከኣለ። ግናስ ቁስሊ እናሃከካ ጽልኢ ምጉሕሃር ንከይከውን ፈሊጥና ነቲ ሓቂ ክንኣብጦ ተዘይደሊና። እዚ ማልት ግን ፍርሂ ወይ እሽነት ማለት ከምደይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ። ንሕና ሕጂውን ገለ ሰባት ሕዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ጸገምን መከራን ከይኣጠጦም ሕሉፍ ሓሊፎም ተሰልቢጦም ነቲ ሕዝብና ዝከፈሎ መስዋእቲ እናናሸዉ ከዋርዱና ብምፍታኖም ዝኸውን ዘይከውን ባሕ ኣይበሎም ከይፈተና ደይዝሩብ ክንዛረብ የገድዱና ኣለዉ እንበር፣ ነቲ ትብሎ ዘለኻ ሰናይ ትምኒት ጠፊኡናን ስለዘይንደልዮን ኣይኮነን።

    • Debre February 28, 2015

      ክቡር ሓዊ ትሩሊይ ትሩሊይ
      ብዛዕባ እቲ ዝሃብካዮ ርእይቶ ክብረት ይሃበለይ። የመስግነካ።
      ብዛዕባ ነፍስሄር መለስን ሰበስልጣን ወያነን ከምቲ ዝበልካዮ ዘይኮነስ መራሕቲ እቲ ውግእ ባዕላቶም እዮም ነይሮም። ኣቶ ገብሩ ኣስራት ዝበሎ ዘክር። ሎሚ ቅነ ኣቶ ገብሩ ሓንቲ ኣካታዒት መጽሓፍ ጺሂፉ ኣሕቲሙ ኣሎ። ኣነ ‘ኳ ኣየንበብክዋን፡ ካብቲ ምስ ራድዮ ቪኦኤ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ከምዘስተባሃልኩሉ ግን ሕጂው ‘ውን ጌና እቲ ናይ ውግእ ሕልሙ ዝወደአ ኣይመስልን። እዚ ናይቲ ፓርላማ ኣኼባ ተቀዲሑ ሰሚዕናዮ ዝበልካዮ ግን ኣነ ኣይሰማዕኽዎን። ብናቶም 03 (ናይ ሓሶት ፋብሪካ ትካሎም) ዝተዘርገሐ ግን ኩሉ ህዝቢ ዝፈልጦ ዜና እዩ ነይሩ። እስከ ክልተ ሕቶታት ክሓተካ ትሩልይ ሓወይ፡ ፍቃድካ እንተኾይኑ መልሲ ሃበለን።
      1. ነፍሲሄር መለስ ህዝቢ ኤርትራ ንኽሕረድ ክፍረድ ብኣብላጫ ድምጺ ተሳዒሩ ነቲ ውግእ መሪሑ ካብ በልካ፡ ንሱ ሊዕሊ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንኤርትራ ዝቀርባን ዝውለዳን ክነሱ፡ ስለምንታይ ሓለፋ ኤርትራዊያን መስዋእቲ ዘይከፈለ? እንተወሓደ ስለምንታይ ካብ ስልጣኑ ብፍቃዱ ደይተኣልየ?
      2. ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዘለዎ ጸልማት ንኽወጽእ ኣብይ ኮይኑ ናይተቃውሞ ቃልሱ እንተገበረ ይሓይሽ ትብል?
      ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
      ደብረ

  • crystal clear February 27, 2015

    WediHagher
    I understand Gebre’s point of view ,that hatred does not take anywhere & we do not necessarily know what is in other people’s heart.Excellent point. I also share your concern about weyane,they do not allow Eritrean opposition fighters to launch offensive or guerilla style ambushes ,then how is it Eritreans issue, It is near impossible to create a sustainable guerilla front from inside Eritrea.pfdj punishes people in money for any ambush that happens in their area ,so people are forced to snitch on anti pfdj forces ,it is really tough.

  • Truly Truly i say to you February 28, 2015

    ኽቡር ሃዊ ደብረ፡ ነቲ ዘቕረብካለይ ሕቶ ንምምላስ፣ እመነኒ ኣነ ኢትዮጵያ
    ዝኣበኹ ከምዃነይ መጠን፣ ካብ ሕዝቢ ኤርትራ ጸባይ ንላእሊ ንሕዝቢ ኢትዮጵያ ኣጸቢቀ ስለዝፈልጦ፣ ንወያኔ ንምክልካል ደይኮነ ግደ ሃቂ፦ ይትረፍ ኣብ መጀመርርያ ከባቢታት ወያኔ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወሉ ዕዋን፣ ክሳብ ሕጂውን ካባና ብሚእቲ እጽፊ ነቲ ሕዝቢ ብሕግን ስርዓትን እናማሓደሩ፣ ኣርባኣታት ዩኒቨርስቲ ከፊቶም፣ ዘመናዊ ናይ ባቡር መስምርን ጽርግያታትን ማዕለያ ዘየብሉ መንበሪ ኣባይታትን ሓኒጾም፣ ናይ ፰ ሺህ ሜጋ ዋት ዘመንጩ ናይ ጸዓት ኃይሊ ኣብ ሃደ ከባቢ ጥራይ እናሃነጹ ከለዉ፣ ወዘተ፣ ብሰብኣዊ መሰል ኣተሃህዛም ሕዝቢ ኢትዮጵያ ተኣዚብዎ ዘይፈልጥ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ነጻንት እንከለዎም፣ ሕዝቢ ብሃገሩ ድልየቱ ክሰርሕን ኢንቬስት ክገብር እናተባብእዎ ከለዉ ብሃጺሩ ብተዛማዲ ምሳና ሺሕ እጽፊ ዝሃሸ ናይ ሕዝቢ ኣተሃህዛ እንተገበሩም እቲ ሕዝቢ ከምንግስቱ ተቀቢልዎምን ሪኢዎምን ከምዘይፈልጥ ባእልኻውን ትእዘቦ ዘለኻ ጉዳይ ይመስለኒ። ባንጻሩ ግን ሕዝቢ ኤርትራ እዚ ኹሉ ዕንወትን ናይ ሰብኣዊ መሰል ግሕሰትን ኢሳያስ እናፈጸመ እናተኣዘብዎ፣ መንግስትና ይንበረልና ኢሎም ሰጥ ለጥ ኢሎም ክግዝእሉ ምስትእዘብ ብሃደ ወገን ናይቲ ሕዝቢ ድንቁርና ዋላዃ መኣንጣኻ እንታሕረረካ ብካልእ ወገን ግን ነዚ ዘምጽኦ ዘሎ ምኽንያት ሽግሩ ብዙሕን ዝተወሳሰበን ምዃኑ ስለትርዳእ ብዙሕ ክትሕዘሉ ኣይትክእልን ኢኻ። እዚ ኹሉ እንታይ ንምባል እዩ። ወያኔ ከም መራሕቲ
    ኤርትራ ኣሜን ኢሉ ክሳብ ሕጂ ዝተገዛኣሎም ሕዝቢ ስለዘየለ፣ ንበይኖም
    ብኤርትራ ጉዳይ ንምፍራድ ይጽገሙ ከምዝነበሩ ንምግላጽ እዩ። እዚ ስልዝኾነ ኣነ ከምዝ ኣመኖ ዋላ መለስ ኣዲኡ ኤርትራዊ ትኹን፣ ናይሕዝቢ ኢትዮጵያ መራሂ ከምዃኑ መጠን የግድን ነቲ ዘመሓድሮ ሕዝቢ ፍቃድ ክፍጽም ነርዎ እንበር፣ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ብእምነተይ ኢትዮጵያውያን ኣሰብ ናትና እያ እናበሉ ነቲ ውግዕ ከፊቶም ክሳብ ሕጂ እቲ ሕልልሞምን ተጻብዖምን ዋላዃ ተዘየቛረጹ፣ ነፍስሔር መለስ ግን፣ ኣሳብ ናይ ኤርትራ እንበር ናይ ኢትዮጵያ ምዃና ኣይፈልጥን ምባሉ ንርዕሱ ካብዚ ንላእሊ ናይ ኤርትራዊነት ሓልዮት ከምዝነበሮ መረጋገጺ ዝርከቦ ኣይመስለንን። እቲ ዝገርም ግን ብኣንጻሩ ኢሳያስ ንወደብ ኣሰብ ዋላ ኣብቲ ግዜ ተጻብዖ ብነጻ ክጥቀሙሉ ምፍቃድ ጥራይ ደይኮነ ኣብቲ ግዜ ውግእም ብኣል ተጋዳላይ ቢተወድድ ኣብርሃ ናይ ወደብና ጠቅሚ ይተሃሎ ስለዝበሉን ኢሳያስ ነቲ ካብ ወደብ ኣሰብ ሰራዊትና ንከዝልቅ ዘመሃላለፎ ትዕዛዝ፣ ንወደብና ኣረኪብና ኣይነዝልቅን ኢሉ ኣዱ ስለተከላከለ፣ ዝኣሰሮ ኢሳያስ እንበር ወያኔ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ከምቲ ዝበልካዮ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ ቀንደኛ ጸላኢ ኢሳያስ እዩ። እዚ ማለት ግን ከምቲ ንስኻ ትሓስቦ ዘለኻ መሊሱ ጽልኢ ምጉሕሃር ከይኮነና እንበር ወያኔም መርገጺኦም ተቀይሩ ኣንጻር ሉኡላዊነት
    ኤርትራ ኣይሰርሁን የለውን ማለት ኣይኮነን። ነዚ ዕላምኦም ኢሳያስ ባእሉ ከስምር ከምዝቃላስ እናፈለጡ፣ ኣንጻሩ ካልእ መንግስቲ ክቅይሩ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ናይ እሸነት እሽነት ምዃኑ ከረጋግጽልካ እፈቱ፣ በዚ ምኽንያት ብነጻነትካ ምስ ዘይኣመነን ካልዕ ውልቃዊ ፖሊሲን ዕላማን ምስዘለዎ መንግስቲ ከመይ ገርካ ኣሚንካ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኮይንካ ከትቃለስ ከምድህሰብ እቲ Logic ( ስነ ሞገት) ንኣይ ክርድ ኣኒ ኣይክእልን እዩ። ዋላ ተዝከኣለም ብኣጻብእ ንዝቁጸሩ ኣንጻር ሕዝቢ ኤርትራ ንዝሰርሑ እኩያት ሰበ ስልጣናት ኣብ ክንዲ ምቅንጻል፣ ምስሙሉእ ሰራዊት ኤርትራ ተገዲዱ ኣብ ባርነት ምሥርከብ ውጹእ ህዝብና ውግዕ ምሕሳብ ንርእሱ እቲ ዕላማ ጥእና ዘለዎ ኣይመስለንን። ምክንያቱ ዜይሩ ዜይሩ ብጀካ ንሕዝቢ ኤርትራ ምጽናት ካልዕ ዕላማ ከምዘየብሉ ስልዝዓምን። ብሃቅም ቅንእና ዘለዎ መንግስቲ ምቅያር እንተተደለየ እቲ ዝቀለለ፣ ነቶም ቀንዲ መራሕቲ እከይ ምቅንጻል እንበር ምስ ሕዝቢ ምውጋእ ኣይኮነን። በዚ ብቀሊሉ ፈቲንካ ለውጢ እንተዛየምጽዕ ጥራይ እዩ፣ ናብቲ ዝከበደ ምርጫ ክትገብር ትግደድ። ቁሩብ ዘረባይ ኣንዊሄ ንኣሰና ናይስራህ ዕንቅፋት ከይኮም ሰግዔ እንበር፣ መለስ ኮነ ኣቦይ ስብሃት ኣንጻር ውግእ ከምዘየድመጹ ሃቂ እንበር ናይ ወያኔ 03 ዘረባ ከምደይኮነ ከረጋግጽልካ እፈቱ። እንተ ብዛእባ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ግን ኣይተጋገኻን ኣነኮ መራሕቲ ወያኔ ብሙሉዖም ኣንጻር ውግዕ ኣድሚጾም ኣይበልኩን።

    • Debre February 28, 2015

      ክቡር ሓዊ ትሩልይ ትሩልይ
      ሓቂ ይሓይሽ ካብ ትማሊ ሎሚ ጽቡቕ ኣሎኻ። ነቲ መሰረታዊ ከመሓላልፎ ደልየ ዘለኹ ነጥቢ ቁሩብ ዝተረደኣካ ትመስል። ኣዝዩ ጽቡቕ። ጠቃሚ ዝኾኑ ነጥብታትም ትህብ ኣሎኻ። ንጊዚኡ ብዛዕባ ጸላእትና ዝበሃሉ ብዙሕ ምዝራብ ዘድልየና ኣይኮነን። ፍሉጣት ስለዝኾኑ። ናተይ ኣርእስቲ’ውን ናብ ከምኡ ኣይኮነን ዝእንፍት። እንተኣስተብሂልካሉ “ባይታ መቃለሲ ደምበ ተቃውሞ” ኣበይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ ሕቶይ። ምናልባሽ ጽልኢ ኣይነጎሃህር ዝብል ኣርእስቲ ሂበ ብዛዕባ ክሊቲኡ ህዝብታት ዝነበሮምን ዘለዎምን ርክባት ምግላጽ ምፍታነይ (ስኣን ክእለት ምንኣስ ከምቲ ክገልጾ ዝደለኹ ‘ኳ ክገልጾ ኣይከኣልኩን) ንገሊኦም ውህደት ምስ ኢትዮጵያ ዝጠልብ ክመስሎም ይኽእል እዩ። ሕቡእ ኣጀንዳ ከምዘሎኒ ጊሮም ‘ምውን ዝግምቱ ኣይሰኣኑን እዮም። ኢትዮጵያዊ ዜግነት ዘጠመቁኒውን ይህልዉ እዮም። ነዚኦም እንተታት እሞ ንግደፎም፡ ናብ እቲ ናትካ ርእይቶ ኣትየ ቁሩብ ሓሳብ ክህበኻ።
      1. ብመጀመርታ ካብ ጌጋኻ ክእርመካ ክፍትን። ምናልባሽ ካብ ታህዋኽ ይኸውን “ናይቲ ህዝቢ ድንቁርና” ዝብል ሓረግ ጺሕፍካ ኣሎኻ። ብኣፍ ንኹልና ዝሞልቆና እንድዩ ንብድሕሪ ሕጂ ንኽትእረም ንህዝቢ ደንቆሮ ኣይትብሎን ኢኻ። ደንቆሮ ህዝቢ ኣብ ዓለም የለን። መሃይም ህዝቢ ክበሃል ዝኽእል እቲ ዘይተመሃረ ፊደል ዘይቆጸረ’ውን ደንቆሮ ኣይበሃልን እዩ። ህዝቢ ይዕሾ፡ ይህመል፡ ይታለል እንተኢልካኒ ክሰማማዓካ ‘የ።
      2. ንኢሳይያስ ኣዚኻ ስለዝጸላኻዮን ክጽረፈልካ ስለዝደለኻን ጥራይ ይመስለኒ ንነፍሲሄር መለስ ትከላኸለሉን ዝያዳ ሓጥኣት ንኢሳይያስ ተሸክሞ ዘሎኻ ኮይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ነፍሲሄር መለስ ኣማራጺታት ኣይነበሮን ኢልካ ነታ ቅድሚ ሕጂ ዝሃብካያ ሓሳብ ደጊምካያ። ኣነ ከኣ ነይርዎ ‘ባ ዝብል መልሲ እዩ ዘሎኒ። እዞም በርቃዊ ዝኾኑ ኣሕዋትና ከይሃልቁ፡ ወይ ስልጣኑ ብፍቃዱ ክገድፍ ወይ ከኣ ህይወቱ ምእንቲ አሕዋቱ ክስየፍ ነይርዎ። ውሉድ ኤርትራዊ ምዃኑ ካብ ተኣማመንና።
      3. ብዛዕባ ገዲም ተጋዳላይን ተባዕ ተቃላሳይ ወዲ ህዝቢ ቢትወደድ ኣብርሃ ዝሃብካዮ ሓበሬታ ጌጋ እዩ። ምናልባሽ ኣነ ዘይፈልጦ ሓበሬታ ከይህሉ ክእረም ድልው እየ። ኣብ ጊዜ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለዝነበረን ክሳብ ሕጂም ስለዘሎን ብዛዕባ እዚ ውግእ ኣፍልጦ ኣይነበሮን በሃላይ እየ።
      4. ወያኔ ኣንጻር ሉዕላዊት ኤርትራ ይሰርሑ ኣለዉ፡ ኢሳይያስ ከኣ ዕላምኦም የቀላጥፈሎም ስለዘሎ፡ ክጸንሓሎም እዮም ዝደልዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ምስኦም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኮይንካ ምቕላሱ ኣይከኣልን ‘ዩ። ንዝበልካዮ ጽቡቕ ርእይቶ እዩ። እሞ ኣበይ ኮንካ እዩ እቲ ቃልሲ ክግበር? ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ወይስ ኣበይ?
      5. ናይ ገዛእ ህዝቡ ኣብ ምጽናት ዝርከብ ዘሎ ኢሳይያስ ብቁኑዕ መንግስቲ ምቕያር እንተተደልዩ ብውግእ ምስ ሰራዊት ኢሳይያስ ዘይኮነስ እቲ ዝቀለለ ነቶም ቀንዲ መራሕቲ እከይ ምቅንጻል ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለካ። እዚ ‘ውን ኣዝዩ ጽቡቕ ሪኢቶ እዩ። እቲ ቀንዲ ማሕነቆ ኣብዚ ዝመጽእ ብድሕሪ ምቅንጻሎም ነቲ መንግስቲ ዝትክእ ካልእ መንግስቲ ዘይኮነ፡ ንኢሳይያስን ሰዓብቱን መን ይቀንጽሎም ዝብል ሕቶ እዩ። ሓደ ተስፋ ድቆረጸ ብድድ ኢሉ ኳሕ ኳሕ ኣቢሉ ክቀትለልና ንጽበ ዘሎና ንመስል። ድሕሪ እቲ ኳሕ ኳሕ ነቲ ጂግና እንዳሞገስና ሆ ኢልና ንዓድና ክንእቱ ተጸበይቲ ንምስል ኣሎና። እቲ ዝኸበደ ምርጫ ዝበልካዮ እዚ ካብ ኮነ ነቲ ዝኸበደ ምርጫ መን ይተዓወተሉ ዝብል ሕቶ ክምለስ ዘለዎ ይመስለኒ።

      ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
      ደብረ

  • brhane February 28, 2015

    ሓው ደብረ ሓሳብካ ቁዱስ ኢዩ። ግን ቲ ኩውንነት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢቶዮጵያ ዘሎ ከምቲ ቲብሎ ዘለኻ ኣይ ኮነን። ኣብ ታሪኻዊ ኩውንነት ቡኮ ኣለካ።ከምዚ ናትካ ዓይነት ብኮ ኣተሓሳስባ ስለ ዘሎ ከኣ ኢና ኢሰያስ ንብኮና ንህዝቢ እንዳ ኣርኣየ ንዘለኣለም ንተቃወምቲ ወይ ንደለይቲ ለውቲ ከምዘይቅበሉ ገሩ ዘሎ።ናይ ዘርኢን ደምን ዚምዲና ኣለኒ ዚብል ግላዊ እበር ፣ወይ ውን ናይ ውሱን ኪፋል ሕብረተ ሰብ፣ሃገራዊ ግን ኣይኮነን ስለዚ ኣሕዋት ኢና ቲብሉ ብግልኹም ሕዚዎ። እምበር ኣብ ጠረጵዛ ኢልካ ሃገራዊ ሕጊ ከተልብሶ ቲኽእል ኣይ መስለንን።ስለዚ ኤርትራ ቲገብሮ ዚምድና ምስቲ ናይ ዓለም ሕጊ ዚምድናታት ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ (ኢንተርናሽናል ሪለሽን)ኪከይድ ኣለዎ።ከምኡ ተዘይ ኮይኑ እቲ ናይ ኤርትራ ሃገርነት ጢሒሲካ ናብ ሕዊነትን (ክልልነት)ገጽካ ቲዚምብል ኣለካ ማለት ኢዩ። ከሕጺረልካ ግን
    ኣብ ዝምድናታት ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ኩሉ ግዜ ምቲንዃል ኣሎ።ስለ ዘይ ተንኮልና ከኣ ኢዩ እዚ ኩሉ ሽግር መጺእና ዘሎ።
    ንኣብነት ንበል ሶማል ኢትዮጵያን ኢዋግኣ እንተ ሃልየን ንዓና ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ኮይና ክትወጽ ኣየርብሓናን ኢዩ ከም ሃገር መጠን ።ዋላ እቲ ኢንተርናሽናል ሪለሺን ውን ከምኡ እዩ ዚብል። ምኽንያቱ እቲ ጎብለል ኮይኑ ዚወጸ ጎረበቲካ እንተ ኮይኑ ዚምዲናካ ኣብ ዚሕርኪፈሉ በቲ ዚገበቶ ኣጽዋርን ዚረኸቦ ተሞኩሮን ገሩ ኪድሂከካ እኸኢል ኢዩ። ስለዚ ከኣ ኢየን ብዙሓት ሃገራት ንኣብጥቕአን ዘየለ ኹናት ሓዊ ከሳውራ ንርአን።
    ምስ ጎረባብቲና እኹን ምስ ኩለን ሃገራት ዓለም ብሕጊን ቑዋምን ተማእዚዚና ኪንነብር ከም ንኪእል እንተ ኣመና እሓይሽ ኣይ ንሃውቲት።

    • Debre February 28, 2015

      ክቡር ብርሃነ
      ሓሳበይን ሓሳብካን ኣይተራኸበን። ካብ ጽሑፍካ ካብዝተረዳእኹኻ ነንበይንና ኢና ዘሎና። ሓደ ሽግር ከምዘሎኻ ይረእየኒ ኣሎ። ትግርኛ ቁሩብ ንክትርድኦ ዘጸግመካ ኮይኑ እዩ ተሰሚዒኒ። (I mean if I am not mistaken, you have some problems of understanding Tigrigna. If it is so, please read the comments given by Asgedom, Tes and WediHager. You may grasp important points that I am thinking about. If it is a mistake, please, accept my apology.) ንስኻ ብዛዕባ ርክብ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ። ርክብ መንግስታት ከም ርክብ ኢሳይያስን መንግስቲ ኢሂወደግን ኢኻ ትሓስብ ዘሎኻ። ኣነ ግን ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን እየ ዝብል ዘሎኹ። ጽልኢ ኣብ መንጎ መንግስታት እምበር ኣብ መንጎ ህዝብታት የለን እየ ዝበልኩ። ከምቲ ዝበልካዮ ዝግበር ርክባት ኣብመንጎ መንግስታት እንተኾይኑ ዓለምለኻዊ ህግታት ክኽተል ኣለዎ። ርክባት ኣብ መንጎ ህዝብታት ግን ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣየድልዮን እዩ። ኣብዝተራአብሉ ሰላም ይበሃሃሉ የዕልሉ ይስሕቁ ይተሓጋገዙ። ንስኻ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ምስ ካልኦ ዝኾነ ዜጋ ንኸይትራኸብ መን ይኸልኣካ፧ ሕግን ቁዋምን ጠቂስካ። ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ክሳብ ዘሎ ሕግን ቁዋምን ኣብ ኤርትራ ከመይ ጌርካ ትተኽሎ፧ ንገረኒ።
      ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
      ደብረ

  • AHMED SALEH !!! February 28, 2015

    Dear Debre
    Our primary concern to bring lasting solution only comes when we identify the root problem
    of Eritrean sociopolitical obstacles . And
    the word AHWATNA might offend many Eritreans
    with fresh memory of blood shed experience .
    Your intention can be honest but it is delicate
    issues at this critical and complicated moment .

  • brhane March 1, 2015

    Dear debre
    To make a relation by themself, it is beyond the reality of the real world relationship we live in.
    Yes you said if the eritrean and ethiopian people ditermain by themself the rilationship between them.
    If the two people hold the power of government in his hand
    We can make a vote to have a free relations economicaly culturale poletical.
    See for example the people of two Korea,they want a good relation between them but they can’t make it. The Cuban people they were welling a good relation with America more than 60 year in the time of Fidel-Castro but they can’t determain by themself.
    Leave these all what makes me differnt from you i have no any ethiopian sentiment in my life.
    I believe our relation with ethiopians is like the relation we make with Sudan, suedi-Arabia and other neighbours.
    The eritrean nationalisties are more powerful than those dreaming to have Etiopia with them. Forget the blood relation with Etiopia, we won over these dream mony time.
    Dear debre you and me we have a differnce in understanding the eritreanism just you have to accept it.
    Yes we have to fight to take the power from the dictatore issaias and return it to the people. But not at the cost of our nationality. Don’t dream like the amharic people. They are dreaming to return Eritrea to have the red sea and asseb, Massawa. We just won one’s for ever over this dream.the only remain is to diffened the teritores and stabilishe a dimocratic governers.
    Apologes me for the english errore i made.
    Peace and democracy for the people of Eritrea

  • Debre March 1, 2015

    Dear Berhane
    Thank you for the reply.
    First I am dreaming like Ethiopian (not only like Amara People,
    Second you raised a very Important point; I quote “Yes we have to fight to take the power from the dictator isaias and return it to the people.” end of the quote. This is what I want to be implemented. Think now, you and I, how can we take the power from the dictator and where can we (you and I)meet to do this soul action?
    Do you think this will happen by launching our straggle from America or Europe or the Sudan or Yemen?
    I have been migrated to one of the African country just to challenge Isayas and his regime. But I lost, I found no opposing parties in these countries. So where can You and me meet and start launching in common to challenge this dictator? I am just proposing that Ethiopia is the only country where we can start our straggle to challenge Isaias. But not at the cost of our Nationality. Our Nationality is our identity. Our identity is already at our hand.
    thank you for your patience!

    MILKI YFRES FTHI YNGES
    Debre

    • Debre March 1, 2015

      correction
      Dear Berhane
      make this correction please thank you

      First I am not dreaming like Ethiopian (not only like Amara People)

POST A COMMENT