Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጻውዒት ንምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንፍትሓዊ ስርዓት (ቴለፎንን ኢመይልን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ)

ጻውዒት ንምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንፍትሓዊ ስርዓት  ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ብዓበይቲ መስዋእትታት ደቁ ተቃሊሱ ዝጨበጦ ሃገራዊ ናጽነትን ልእላውነትን ኣብዚ እዋንዚ አብ አዚዩ አስጋእን አጨናቅን ኩነታት ወዲቁ ይርከብ ምህላው ምስጢር አይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ እቶም

ጻውዒት ንምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንፍትሓዊ ስርዓት 

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ብዓበይቲ መስዋእትታት ደቁ ተቃሊሱ ዝጨበጦ ሃገራዊ ናጽነትን ልእላውነትን ኣብዚ እዋንዚ አብ አዚዩ አስጋእን አጨናቅን ኩነታት ወዲቁ ይርከብ ምህላው ምስጢር አይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ እቶም ድሕሪ ናጽነት ምርግጋጽ ዝተጸበዮም ዓበይቲ ትጽቢታት ብመርሕነት ህግደፍ ማህሚኖም፣ ሃገር ኣብ ድኽነት ተሳጢሑ ህዝቢ ብጥምየትን ሕማምን ስእነትን ክሳቀይ፣ ደቁ ድማ ናብ ፎቆዶ ወጻኢ ሃገራት ክስደዱን ገሊኦም ድማ ኣብ ምድረበዳን ባሕርታትን ተዋሒጦም ክጠፍኡን ኣብ ዝርከቡሉ ዘሎው እዋን፣ ኣብ ወጻኢ ንርከብ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ስቅያት ህዝብና ሓላፍነት  ዘሎና ምዃኑ ብምእማን ነዚ ጻዊዒት ክንዝርግሕ ተበግሶ ወሲድና ንርከብ።

ጻዊዒት ምምስራት ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ፣ አብዞም ዝስዕቡ ሹዱሽተ ነጥብታት ዝተመስረተ ኢዩ፣

1. ሓድነት ህዝብን ርእሰ ናጻነት ሃገር ኤርትራን ንምሕላው ተበግሶታት ምውሳድ፣

2. ንመሰረታዊ መሰላት ዜጋታት ኤርትራ ምክልኻልን ፍትሓዊ ዝኾነ ሕገ መንግስቲ ንክረጋገጽ ምስራሕን ምጽዓርን፣

3. ሃገራዊ መንነት ኤርትራዊ ዜጋ ንምድልዳል አብ ኩሉ መዳያት አበርትዕካ ምስራሕ፣

4. ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ወሪዱዎ ዘሎ ከቢድ ድኽነት ጥምየት ሕማም ስደት ንምድሓኑ ተበግሶታት ምውሳድ፣

5. ቁጠባዊ ምዕበሌ ሃገር ኤርትራ ንምህናጽ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ትሳታፍነት ንክረጋገጽ ምስራሕ፣

6. ኤርትራ ሰላም ዝሰፈና ሃገር ክትከውንን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ነባሪ ሰላም ንክህሉውን አበርቲዕካ ምጽዓር።

ምምስራት ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዝርከቡ 6 ነጥብታት ተሞርኩይሱ ሓባራዊ ናይ ስራሕ ግዝያዊት አሰናዳኢት ኮሚቴ መስሪቱ ይርከብ። እዚ ኮሚቴ ኣረአእዩኡ አብ ምጽፋፍን መምርሒ ዝኾኖ ፖለቲካዊ መደብ ስራሕ ኣብ ምስራዕን ይርከብ። ንፍትሓውን ሓርነታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብርታዕ ድማ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ቀጻሊ ዓሚቅ ውሽጣዊ መጽናዕታት ምክይድን ክፉት ናይ ህዝቢ አኼባታት ምድላውን ገለ ካብቶም ናይ ዝመጽእ መደባቱ ኢዩም።

መሰራታዊ ዕማም ተበግሶ ምምስራት ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ መተካእታ ናይተን ዘሎዋ ኤርትራውያን ውድባትን ሰልፍታትን ወይ ማሕበራትን ንሙዃን ዝዓለመ ኣረአእያ ዘሎዎ ዘይኮነስ ቀንዲ ዕላሙኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፍሹል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝምክት መተካእታ ዝኸውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን እማሜን መደባትን መምርሕን ብቀጻሊ ኣብ ህዝቢ ምቅራብ ኢዩ።

ነዞም ሸቶታት ንምውቃዕን ምዕዋትን ድማ ምስታፍን ምጥርናፍን ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ምዃኑ ብምእማን ግዝያዊት አሰናዳኢት ኮሚቴ ብዘይ አፈላላይ ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ዝርከብ ርክባቱ ንክስፍሕ ኣበርቲዑ ክሰርሓሉ ዘሎዎ ዕማም ምዃኑ አመዝጊቡ።

ካቫሊረ ዶተረ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)

ምስ ግዝያዊት አሰናዳኢት ኮሚቴ

Email   :   tebegso@hotmail.com

Mobile :   +39.3274260505   –  Contact Hrs 18.00 / 20.00  –

aseye.asena@gmail.com

Review overview
92 COMMENTS
  • Efrem October 19, 2013

    wel done wedy vecaro, i really felt glad that you start to be a voice for the voiceless of our people. we live only one life. it is good to do something for generation in our time. go ahead GOD will be with you.FREEDOM BE TO THE PEOPLE OF ERITREA……….

  • Yerhiwo October 19, 2013

    Nice start Wedi Vacaro! I think you are genuine Eritrean citizen who is fed up with what is happening in our beloved country Eritrea. As you said it, our country is ruled by one man Dictator Isaias who killed many innocent eritreans since 1970’s.

    Please tell us how we can organize in USA and join the organization. Enough is Enough! Isaias and his cousins Kisha, Monkey and Woldu Barya and the brutal generals who happen to be from Eritrea such as Col. Tesfalidet (Wedi Gurae), Abraha Kassa and others should leave our country now or else they will face the music. The only way to get rid off this mafia HIGDEF is armed struggle!

    GOD BLESS YOU WEDI VACARO!!!!

  • Moke October 19, 2013

    NAGADAY DEA KAB MEAS EYU POLITICEGNA KOYNU WADI BAKARON KOMU ZEAMESELU SUSUAT NEGADO EKOYOM NETOM BESNIT ZEMERHU ZENEBERU MERIHNET HGDF FAH BETEN YETEMULOM NEGELIOM ASKIRO NEGELIOM DOLLAR ASHTITOM HIJEKE SHGER HZBE ERITREA AYTSGEBKALUN DIKA WADIBAKARON MESELTIKAN

    • Dinamo October 20, 2013

      ኪድ ደኣ ንሱስ ወዲ ህዝቢ ኢዩ፥፥ ገና ህግደፋውያን ፈጥ ፈጥ ክትብሉ ኢኹም ምዓልትኹም ኣኺላ ኢያ ደም ንጹሃት ኣበይ ከይሰደኩም

    • Wrdet HGDEF October 20, 2013

      @Moke ! please correct your statement as follows !

      NAGADAY DEA KAB MEAS EYU organ harvester KOYNU, D.I.A? KOMU ZEAMESELU SUSUAT NEGADO EKOYOM NETOM BESNIT ZEMERHU ZENEBERU MERIHNET HGDF FAH BETEN YETEMULOM NEGELIOM ASKIRO …

    • Raul October 20, 2013

      ንኩላትኩም አሕዋተይ፡ ኣሓተይ፥ ኣቦታተይ ኣዴታተይ አርትራውያን

      ቀዳማይ ነገር ብዛዕባ’ዚ ሱሌማን ሰሊም ኢሉ ዝጽሕፍ ሰብ ኣይትገደሱ፥ እዚ ሰብ’ዚ ማዕረ ነፍሰ-ፍትወቱ፥ ጭካንኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፥ ዘለዎ ናይ መንነት ቅልውላው፥ ዘለዎ ጽበት ኣተሓሳስባ ፡ ንዴተ-ሕልና ዝመጣጠን ስልጣን ክወሃብ መብጸዓ ተኣትዩሉ ኢዩ። ንሱ ክኣ ከም መከሓሓሲ ነቲ ስልጣን ዝሃቦ ሰብ ፡ ናይ ምሕላው ዕዮ ክዓዪ። ወሃቢ ስልጣን ከይተጋላተዐ ፥ ብሕጊ ከይተሓተተ፥ ዘይግበኣካ ካባ ጽቡቕ ታሪኽ መሊስካ ጸኒሕካስ ኣውጻኣያ ከይተባህለ ክዱን ብኣፈ-ስላሴ ኮይና ነገር ክትቅህም ኣብ ምግባር ክሰርሕ ዝጽዕር ዘሎ ዩ። ንሕና ንደሊ ዘለና ንጹህ ልቢ ዘለዎ ኤርትራዊ ዋላ ዓቕሙ ዝተወሰነ ይኹን ምስ ክኢላታት አሕዋቱ ኤርትራውያ ኮይኑ ብምይይጥ ንዕብየት ኤርትራ ክሰርሕ ዝኽእል ሰብ። ካብ ተንኮለኛ ክኢላ ፡ ንጹህ በዓል ውሑድ ክእለት ይምረጽ። ሰብ ሕቡእ ኣጀንዳ እናገበረ ንሓበን ኤርትራውያን ፥ ንጽባቐ ኤርትራውያን ጥራይ ኣብ ድብያ ዘየእቱ ይኹን። ሓልዮት ዘላታ ልቢ ዘለዎ ሰብ ኢና ንደሊ። ኤርትራ ዓቕሚ ዘለዎም ውላድ ኣይሰኣነትን። ኤርትራ ክትበኪ ከላ ዝበኪ፥ ኪናት ክእውጅ ከሎ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኩሎም ደቂ ዝፈትወን ሓቲኖታቱ፥ ኣኮታቱ፥ ሓወቦታቱ፥ ደቂ ዓዱ ኣብ ዓይኑ ቅጅል ዝብሎ ውላዳ ማህጸና ያ ትደሊ ዘላ። ሞያዊ ክእለትን ውርጽጽናን ዳኣ ክዕደግሲ ይኽእል እንድዩ። ንጹህ ልቢ ዘለዎ ውላድ ግን ተረካቢ ኣይኮነን። ሕጂ ካኣሲ ወዲ ቫካሮ ልቡ ጥዑይ ዩ። ኤርትራዊ ድማ’ዩ። ኪናት ክእወጅ ከሎ ኣንታ ንመን ካብ ቤተ ሰብይ ዩ ክወስድ? ንመንዩ ኸ ከዘኽትም ክብል ዝኽእል ሰብ ዩ። ወዲ ዛ ትግፋዕ ዘላ ኤርትራ ዩ። ሕርኽርኽ ዘብል ትውልዲ የብሉን። ሕቡን ዩ። አርትራ ክትበኪ ከላ ዝበኪ፥ ኤርትራ ፍሽኽ ክትበል ከላ ፍሽኽ ዝብል ወዲ ሔማ’ዩ። ብዛዕባ ዓቕሙ ትጠራጠሩ እንተኮይንኩም ንስኻትኩም ዶ የለኹምን መመላእታ። ጥራይ ልብኹም ጽሩይ ይኹን። ሓበን ኤርትራውያን ከይብለል ብልቢ ትስከፉ ጥራይ ኩኑ። ጥራይ ልዕሊ ባይቶ ዓደ-ቦ ኣይኮንናን በሉ። ባይቶ ዓደ ቦ ዘጥፍእ ወዲ ዓደ ቦ ክከውን ኣይክእልን ዩ። ግርማ ባይቶ ዓደቦ ዝድውን ወድ ዓዶ ቦ ክኸውን ኣይክእልን ዩ። ልቢ ወደባት ባይቶ እንዳ ባ ኣይትደፍርን ያ። ጸገም ከጋንፍ ከሎ ንዓበይቲ ዓድን ለባማትን መራሕቲ ሃይማኖትን ያ ሃሰው ትብል። (ከምዚ በዓል የማነ ገብረኣብን ካልኦትን ዝገብርዎ ዘለዉ ሕጂ ማለት ዩ ክክክክክክክክክክክክክክክክ)። ብሓቂ ወዲ ሃገር ፥ ደቂ ሃገር ብጅምላ ክጠፍኡ ከለዉ እዋእ ኣንታ ሕማቕ እምበር ተረኺቡ ዩ ክብል ዘለዎ። ንሞት ስም ኣይደልየሉን ዩ። ሞት ሞት ጥራይ ዩ። ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ ምምናይ፥ ንዝተረፈ መቕርብ ምጽንናዕን ምድባስን,,,,፣ ከም ጸጋ ናይ ሓንቲ ሃገር ምብራሱ ካ ከይሃሰብካን ከይጠነግካን ብግሩህ ልቢ ሞት አሕዋትካ ከም ዝተሰማዓካ ብናይ ልቢ ጋሂ ምንባዕ። ወዲ ቫካሮ ካ ምስቲ ዝበከየ ህዝቢ በኽዩ፠፠፠፨ ከመይ ዘይበኪ ደቁ እንድዮም። ደቂ ወዲ ሓትኖኡ፥ ደቂ ወዲ ሓወቦኡ ፠፠፠፠፠፠፠፠። እንድዮም። እንታይ ዓቕሚ ዳኣ ሞ፠፠፠፨ቅድመ ኩነት ኣይኮነን።።።።።።።።።።።።።። ወዲ ቫካሮ ኪድ ጥራይ ጠርንፍ ።። ሰብ ዓቕሚ ኣሳትፍ,,,,,ብክኢላታት አሕዋትካ ምምዓድ እንታይ ሽግር ኣሎዎ ድ ዩ? ጥራይ ልንኻ ኣንጽህ። ንኤርትራን ህዝባን ሕቡናት ኮይኖም ንክነብሩ ጥራይ ብልቢ ስራሕ፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠ ከም ትሰርሕ ካ ይኣምን የ።፡ ንዓኻ ዘይእእመንኩ ንምነ ክኣምን። ኣማኑኤል እያሱ ነዛ ኮመንት ን ወዲ ቫካሮ ሃበለይ በጃካ

  • yonas27g October 19, 2013

    VIVA WEDI BACARO WEDI ERETRIEA

  • Simon October 19, 2013

    Good beginning. Well done wedy Vacaro we are with you in your side.

  • Almaz Gaul Asmera October 19, 2013

    እወ ክንደይ ሳዕ ኣሎዶ ትጽቢት! ኣብ ኮለል ዕድሜኦም ምሉእ ዘሕልፉ ውድባት ጉዳይና፣ ጉዳይ ሕዝቢ፣ ጅሆ ሒዞሞ ኪኣርጉ ኣይኮኑን። ሕዝቢ ይጸንት ኣሎ። ጉዳይ ምድሓን ሃገርን ሕዝብን እዩ። እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍልስፍናኦም ንግዜኡ ኣብ ጁብኦም የእትውዎ። ሕዝቢ ዝደልዮ ፍሉጥን ውሑድን እዩ። ፍትሒ ዝነገሶ ስርዓተ ምምሕዳር።
    እዞም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ሕልሚ ዓለም ዝነብሩ ልምዳውያን ተቓወምቲ ንሰብ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ካብ ምፍልላይ ሓሊፎም ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ሕዝቢ ዝብህጎ ልውጢ ኣየምጽኡን እዮም። ይኣክል ኮለል። ሕዝባዊ ማዕበል ኣልዒልካ ነቲ ኣብ ሃገር ሓርቢትዎ ዘሎ ሕዝብን ሰራዊትን ኢድን ጋንትን ኬንካ ምቅላስ እዩ። ጀብሃ ሻዕብያ፣ ነጽድፎዶ ዋላ ኣብ ርእሱ ንውቅዓዮ (ሰላማዊ ዶ ጎነጻዊ)፣ ፈደራላውዶ ዝተማእከለ ምምሕዳር…እናበሉ ኪልፍልፉ እምበር ኣብ ባይታ ዳህሲስካ ዝየትረኽቦ ህላዌ ሒዞም እዮም ዝህውትቱ ዘሎዉ። ምኽንያት ከየብዝሓካ ሕጂ ምስቲ ሕዝባዊ ማዕበል ተሳኒኻ ምቅላስ ወይ ከኣ ጸግዒ ምሓዝ። እዚ ነቶም ወሰን ወሰን ምኻድ ዚፈትዉ “ሰልፊ ሕዝቢ” ከምኡውን ነቶም ስማውያን ባይቶ (ራብዕቲ ኣብ ታሪኽ ዓዋተ ዝማጎቱ) ነቶም ጸቢብን ከፋፋልን መገዲ ብምሓዝ ክንግንጸል ኢና ዝብል መፈራርሒ በትሪ ዘወጣውጡ…ኩሉኽም ምስ ሕዝቢ ሕቆን ከብድን ኢኹም ኮይንኩም ዘሎኹም። እቲ ንደም ከም ማይ ምስታይ ዝለመደ ገበል ከኣ ዓቕምኹምን ትሕዝቶኹም ስለዝፈለጠ እዩ ብጥራጥኩም ከማን ዘይስሕቕ።

    • Suleiman Salim October 20, 2013

      ንስኺ ዝከፍአ ኢኺ ትሓልሚ ዘለኺ። ረቢ ግን እቲ ድልየትኪ ኣየማልኣልክን እዩ። መንግስቲ ምስ ኣውደቕኪ ከ ሰላምን ቅሳነትን ቁጠባውን ምዕባለታትን ትረኽብዩ ድዩ መሲሉኪ? ምክፋእ እንተ ኮይኑ ሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ሓዊስካ ኣብ ዓለም ኩሉ ሰብ እዩ ከፊእዎ ዘሎ።

      • Raul October 20, 2013

        ንኩላትኩም አሕዋተይ፡ ኣሓተይ፥ ኣቦታተይ ኣዴታተይ አርትራውያን

        ቀዳማይ ነገር ብዛዕባ’ዚ ሱሌማን ሰሊም ኢሉ ዝጽሕፍ ሰብ ኣይትገደሱ፥ እዚ ሰብ’ዚ ማዕረ ነፍሰ-ፍትወቱ፥ ጭካንኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፥ ዘለዎ ናይ መንነት ቅልውላው፥ ዘለዎ ጽበት ኣተሓሳስባ ፡ ንዴተ-ሕልና ዝመጣጠን ስልጣን ክወሃብ መብጸዓ ተኣትዩሉ ኢዩ። ንሱ ክኣ ከም መከሓሓሲ ነቲ ስልጣን ዝሃቦ ሰብ ፡ ናይ ምሕላው ዕዮ ክዓዪ። ወሃቢ ስልጣን ከይተጋላተዐ ፥ ብሕጊ ከይተሓተተ፥ ዘይግበኣካ ካባ ጽቡቕ ታሪኽ መሊስካ ጸኒሕካስ ኣውጻኣያ ከይተባህለ ክዱን ብኣፈ-ስላሴ ኮይና ነገር ክትቅህም ኣብ ምግባር ክሰርሕ ዝጽዕር ዘሎ ዩ። ንሕና ንደሊ ዘለና ንጹህ ልቢ ዘለዎ ኤርትራዊ ዋላ ዓቕሙ ዝተወሰነ ይኹን ምስ ክኢላታት አሕዋቱ ኤርትራውያ ኮይኑ ብምይይጥ ንዕብየት ኤርትራ ክሰርሕ ዝኽእል ሰብ። ካብ ተንኮለኛ ክኢላ ፡ ንጹህ በዓል ውሑድ ክእለት ይምረጽ። ሰብ ሕቡእ ኣጀንዳ እናገበረ ንሓበን ኤርትራውያን ፥ ንጽባቐ ኤርትራውያን ጥራይ ኣብ ድብያ ዘየእቱ ይኹን። ሓልዮት ዘላታ ልቢ ዘለዎ ሰብ ኢና ንደሊ። ኤርትራ ዓቕሚ ዘለዎም ውላድ ኣይሰኣነትን። ኤርትራ ክትበኪ ከላ ዝበኪ፥ ኪናት ክእውጅ ከሎ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኩሎም ደቂ ዝፈትወን ሓቲኖታቱ፥ ኣኮታቱ፥ ሓወቦታቱ፥ ደቂ ዓዱ ኣብ ዓይኑ ቅጅል ዝብሎ ውላዳ ማህጸና ያ ትደሊ ዘላ። ሞያዊ ክእለትን ውርጽጽናን ዳኣ ክዕደግሲ ይኽእል እንድዩ። ንጹህ ልቢ ዘለዎ ውላድ ግን ተረካቢ ኣይኮነን። ሕጂ ካኣሲ ወዲ ቫካሮ ልቡ ጥዑይ ዩ። ኤርትራዊ ድማ’ዩ። ኪናት ክእወጅ ከሎ ኣንታ ንመን ካብ ቤተ ሰብይ ዩ ክወስድ? ንመንዩ ኸ ከዘኽትም ክብል ዝኽእል ሰብ ዩ። ወዲ ዛ ትግፋዕ ዘላ ኤርትራ ዩ። ሕርኽርኽ ዘብል ትውልዲ የብሉን። ሕቡን ዩ። አርትራ ክትበኪ ከላ ዝበኪ፥ ኤርትራ ፍሽኽ ክትበል ከላ ፍሽኽ ዝብል ወዲ ሔማ’ዩ። ብዛዕባ ዓቕሙ ትጠራጠሩ እንተኮይንኩም ንስኻትኩም ዶ የለኹምን መመላእታ። ጥራይ ልብኹም ጽሩይ ይኹን። ሓበን ኤርትራውያን ከይብለል ብልቢ ትስከፉ ጥራይ ኩኑ። ጥራይ ልዕሊ ባይቶ ዓደ-ቦ ኣይኮንናን በሉ። ባይቶ ዓደ ቦ ዘጥፍእ ወዲ ዓደ ቦ ክከውን ኣይክእልን ዩ። ግርማ ባይቶ ዓደቦ ዝድውን ወድ ዓዶ ቦ ክኸውን ኣይክእልን ዩ። ልቢ ወደባት ባይቶ እንዳ ባ ኣይትደፍርን ያ። ጸገም ከጋንፍ ከሎ ንዓበይቲ ዓድን ለባማትን መራሕቲ ሃይማኖትን ያ ሃሰው ትብል። (ከምዚ በዓል የማነ ገብረኣብን ካልኦትን ዝገብርዎ ዘለዉ ሕጂ ማለት ዩ ክክክክክክክክክክክክክክክክ)። ብሓቂ ወዲ ሃገር ፥ ደቂ ሃገር ብጅምላ ክጠፍኡ ከለዉ እዋእ ኣንታ ሕማቕ እምበር ተረኺቡ ዩ ክብል ዘለዎ። ንሞት ስም ኣይደልየሉን ዩ። ሞት ሞት ጥራይ ዩ። ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ ምምናይ፥ ንዝተረፈ መቕርብ ምጽንናዕን ምድባስን,,,,፣ ከም ጸጋ ናይ ሓንቲ ሃገር ምብራሱ ካ ከይሃሰብካን ከይጠነግካን ብግሩህ ልቢ ሞት አሕዋትካ ከም ዝተሰማዓካ ብናይ ልቢ ጋሂ ምንባዕ። ወዲ ቫካሮ ካ ምስቲ ዝበከየ ህዝቢ በኽዩ፠፠፠፨ ከመይ ዘይበኪ ደቁ እንድዮም። ደቂ ወዲ ሓትኖኡ፥ ደቂ ወዲ ሓወቦኡ ፠፠፠፠፠፠፠፠። እንድዮም። እንታይ ዓቕሚ ዳኣ ሞ፠፠፠፨ቅድመ ኩነት ኣይኮነን።።።።።።።።።።።።።። ወዲ ቫካሮ ኪድ ጥራይ ጠርንፍ ።። ሰብ ዓቕሚ ኣሳትፍ,,,,,ብክኢላታት አሕዋትካ ምምዓድ እንታይ ሽግር ኣሎዎ ድ ዩ? ጥራይ ልንኻ ኣንጽህ። ንኤርትራን ህዝባን ሕቡናት ኮይኖም ንክነብሩ ጥራይ ብልቢ ስራሕ፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠ ከም ትሰርሕ ካ ይኣምን የ።፡ ንዓኻ ዘይእእመንኩ ንምነ ክኣምን። ኣማኑኤል እያሱ ነዛ ኮመንት ን ወዲ ቫካሮ ሃበለይ በጃካ

        • Suleiman Salim October 20, 2013

          Raul=Cow Face=No Hope= …………

      • Genet October 20, 2013

        Sulman
        What Gov. are you talking about? There is no Gov. in Eritrea. If you think there is, then you don’t know what Gov. is. There is one man telling every one what to do. That is called DICTATOR. No People in the world, will say yes to a dictator. The way you are behaving, some thing is wrong with you. How can you say yes to a dictator? It is just odd. You and all the PFDJ supporters and the dictator’s worshiper are morally bankrupt. Have you ever said “I am sorry” for doing some thing wrong? It is human to be wrong. But it is not human to cont. to do wrong like killing people and refuse to admit. you are wrong. God forgive you, because the Eritrean people will never ever forgive you for siding with their killer.
        Genet

  • ghezai October 19, 2013

    almaz GUAL ASMERA

    thank you bravo you are so wright no body couldn’t say better

  • Salih Abdella October 19, 2013

    ዝኸበርካ ኣያ ተወልደ ተስፋማርያም መጀመርታ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብጻሕካ፡ ኩሉ ጸጽቡቑ ድማ ይምነየልካ። ብምቕጻል፡ በቲ ኣቐድም ኣቢልካ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላለፍካዮ ተባዕን ፍትሓውን ንጹርን መልእኽቲ ዝተሰማዓኒ ሓበንን ሞራልን ይገልጸልካ፡ እወ ከምቲ ዝበልካዮ እታ ሓንቲ መዋጾኦ ካብዚ ወሪዱና ዘሎ ህልቂት፡ ብሓባር ምብጋስ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ኣነ ከም ውልቀሰብ ብዓቕመይ ኣብ ጎንኹም ኣለኹ።

  • Luna October 20, 2013

    Dear brother,

    It gives me great pleasure to congratualate you on making a ‘national call’ to all peace loving Eritreans at this point in our history when Eritrea has come to a cross road.
    I hope such a direction could help bring Eritreans come together to be part of the process of nation building. Individuals with a rational mind prefer to exercise their own free will. This is what has been missing for so long in our case. Only then can fundamental change may happen. Democracy is not rocket science! Human beings by nature want to work in their best interest. One can’t choose or decide what is best for another individual. Democracy and good governance go hand in hand. Let us aim for high ideals to transform our society with the fruits of it. Above all else, let us unite to stop tyranny which has erroded our society’s mental, psychological and social fabric
    to the point of disintegration. Please, justice seeking Eritreans stand guard to put to shame the propoganda of PFDJ and recover our lost humanity. It is no more business as usual!

  • Suleiman Salim October 20, 2013

    ወዲ ቫካሮ ሓደ ትዕቢተኛ ሰብ እዩ። ዓቕምን ፍልጠትን ብቕዓትን ዘይብሉ እንከሎ (ዶተረ እዩ ከይትብሉኒ ኣንቢበዮ ኣለኹ) ከም ፈታሕ ጸገም ኮይኑ ይቐርብ ኣሎ። ምስ መን ኮይኑ እዩ ከ ሽግር ክፈትሕ ? መልሲ፡ ምስ እቶም ምስ ወያነ ዝቆማጥዑ ዘለዉ ጎይቶቱ?

    ኣብ ኤርትራ ድኽነት ኣሎ ኢልካ ሓፍ ኮፍ ዶ ይበሃል እዩ? እንድሕር ድኽነት ኮሜቴ መስሪትካን ጽሑፋት ኣውጺእካን ዝእለ ኔሩ እንተ ዝኸውን ኣፍሪቃ ብምሉኣ ከምኡ ምስ ገበረት ኔራ።

    ኣይትተሃወኹ ኣይትተሃወኹ በዓል ቫካሮ ወዲ ቫካሮ!!

    • Dinamo October 20, 2013

      ንስኻ ፈቲኻ ጸሊአካ ትቅይሮ የለን፥፥ ሰፈር የቢለይን ኢልካ ዚፈራህካ ትመስል ኣብታ ነጻ ኤርትራ፥፥ ከመኡ ኢንተኮይኑ ኪድ ንትግራይካ ወይ ኣብቲ ዐደቦኻ፥፥ ኤርትራ ንድቂ ኤርትራ ኢያ ሕጂ፥፥ ፈራዐራዐ ኣይቲበል ሕጂ

      • Suleiman Salim October 20, 2013

        Dinamo,

        nsKa seb aykonkan, Dinamo ika!!! hahahaha!!!

Post a Reply to Wrdet Taesa Cancel Reply