Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ጨቋኒ ሕብረተሰብ ጨቆንቲ መራሕቲ ይወልድ!!”

ሰለስተ ዓመታት ዝገበረ ኣጋጣሚ ኢዩ። ሓደ ዉሩይ ኣፍሪቃዊ ደራሲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኤርትራ ዑደት ንምፍጻም ኣስመራ ኣትዩ። እቲ ደራሲ 66 ዓመት ዝዕድሚኡ ኑረዲን ፋራሕ ዝተባህለ ሶማላዊ ኢዩ። ኑረዲን ፋራሕ ካብ 70ታት ክሳብ ሕጂ ሓያሎ መጽሓፍቲ

ሰለስተ ዓመታት ዝገበረ ኣጋጣሚ ኢዩ። ሓደ ዉሩይ ኣፍሪቃዊ ደራሲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኤርትራ ዑደት ንምፍጻም ኣስመራ ኣትዩ። እቲ ደራሲ 66 ዓመት ዝዕድሚኡ ኑረዲን ፋራሕ ዝተባህለ ሶማላዊ ኢዩ። ኑረዲን ፋራሕ ካብ 70ታት ክሳብ ሕጂ ሓያሎ መጽሓፍቲ ደሪሱ ኢዩ። ገለ ካብ ድርሰታቱ From a Crooked Rib(1970)Sweet and Sour Milk (1979)፣ Sardines (1981)፣ Close Sesame (1983)፣ Maps (1986)፣ ወዘተ ኢዮም። ትሕዝቶ ድርሰታቱ ኣብ ማሕበረ-ባህላዊ ክዉንነት ህዝቢ ሶማል ዝተመርኮሱ ኮይኖም ንባህርያት ህዝቢ ሶማልን ነቲ ካብኡ ዝብገስ ምልኪ ዝዓብለሎ ፖለቲካዊ ህይወት ሶማልን ብነቐፌታዊ ዓይኒ ንኽትርእዮ ዝሕግዙ ኢዮም። ሚስተር ፋራሕ ብሰንኪ እዞም ፖለቲካዊ ነቐፌታ ዝሓዘሉ ድርሰታቱ ብሰላም ኣብ ሃገሩ ምንባር ስኢኑ ከም ኩሉ ነቐፌታዊ ጸሓፋይ ክስደድ ተገዲዱ ኢዩ። እዚ ሰብ’ዚ ኢዩ እምበኣር ኣብዚ ዝብለኩም ዘለኹ እዋን ናብ ኣስመራ መጺኡ።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ፣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሆቴል እምባሶይራ ምስ ኤርትራዉያን ደረስቲ፣ ጋዜጠኛታትን ኣንበብትን ተራኺቡ ተመኩሮኡ ኣካፊሉ ነይሩ። ሚስተር ፋራሕ ንህዝቢ ሶማል፣ “ሁከተኛ፣ ጸቢብ፣ ጨቋኒ፣ ንግጭት ዝቀዳደም፣ ትምክሕተኛ፣ ወዘተ” እናበለ ኢዩ ዝገልጾ። ብርግጽ ህዝቢ ሶማል ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ባህሊን ሓደ ሃይማኖትን ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ። በዚ ምኽንያት ሶማል ብቋንቋ ፖለቲከኛታት Nation State ኢያ ትበሃል። ህዝቢ ሶማል ካብ ካልኦት ህዝብታት ኣፍሪቃ ዝሓሸ ሓድነት ክህልዎ ዝግባእ ህዝቢ ኢዩ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን ብቀቢላን እንዳን ዝተኸፋፈለ ብምዃኑ ብዙሕ ንሓድሕዱ ዘየሰማምዕ ግርጭታት ኣለዎ። ብሰንኪ ቀቢላዉን እንዳዉን ጸቢብነት ከኣ ንረጽሚ ምቹእ ዝኾነ ባይታ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ኣሎ። እቲ እንኮ ንሶማላዉያን ናብ ሓድነት ከምጽኦም ዝኽእል ናይ ሓባር ረቛሒ (ኣብ ባይታ ተፈቲኑ እዉን ዝተራእየ) ሃይማኖት (እስልምና) ጥራይ ኢዩ። እንተኾነ ግን እቲ ኣብ ሃይማኖት ናይ ምዕሳል ዝንባለ ንገሊኦም ናብ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ገጹ ስለዝወስዶም ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ግጭት የእትዎም ኢዩ።

ሚስተር ኑረዲን ፋራሕ ካብቲ ኩሉ ዝሃበና መግለጺ እታ ዝገረመትና ሓበሬታኡ፣ “Authoritarian society gives birth to authoritarian leaders” ትብል መደምደምታ ኢያ። ነዛ መደምደምታ እዚኣ ቅድሚ ምግላጹ ግን እዚ ሕጂ ህዝቢ ሶማል ኣትዩዎ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ካብ ማሕበረ-ባህላዊ ክዉንነት ናይቲ ህዝቢ ዝብገስ ምዃኑ ከረድኣና ኢዩ ፈቲኑ። ኩሉ’ቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ስነ-መጎትን ጭብጢታትን ከኣ ኣእማኒ ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዘምጽኦ ስነ-መጎት (Analogy) ናብ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ኩነታት ገልቢጥና ንኽንርድኦ ዝሕግዝ እዉን ኢዩ ነይሩ። “ጨቋኒ ሕብረተሰብ ጨቆንቲ መራሕቲ ኢዩ ዝወልድ” ምስ በለና ብዘይቀጥታዊ መገዲ “ንመራሕትኹም ብምስሊ ነብስኹም ጌርኩም ረኣይዎም!” ይብለና ከም ዝነበረ ተረዲኡና። ኩነታት ሃገርና ከምቲ ትፈልጡዎ ኮይኑ እምበር “እሞ ንሕናስ ኣብ ነብስና ጸገም ዘለና ህዝቢ ስለዝኾንና ዲና ጸገም ዝኾኑ መራሕቲ ረኺብና!?” ኢልና ክንሓቶ ኣይምጸላእናን። የግዳስ ኣብ ሕቶ ከይበጻሕና ሕቶና ምሉስ ኢዩ ነይሩ። ዝኾነ ኾይኑ እስከ ካብዛ ደራሲ ኑረዲን ፋራሕ ዘቐመጠልና መደምደምታ ተበጊስና ንነብስናን “መራሕትና”ን ብነቐፌታዊ ዓይኒ ንመልከቶም።

ዳርጋ ኩሉ ግዜ “ነቲ ወረጃ ባህልና ምስ ኣጥፋእናዮ ኢና ኣብ ሽግር ወዲቕና!” ንብል ኢና። ካብቲ መሰረትና ዝኾነ ሃብታም ባህሊ ኣርሒቕና ከም እንኹብልል ዝገበሩና ድማ ገዛእቲ ስርዓታት እንተላይ ጀብሃን ሻዕብያን ከም ዝኾኑ ንዛረብ ሰባት ኣለና። መፍትሒ ሽግርና ንኽንረኽቦ ናብ’ዚ ባህሊ’ዚ ክንምለስ ከም ዘለና ንኣምን ከኣ ብዙሓት ኢና። እዚ ሕጂ ምሳና ዘሎ ባህርያትን ኣተሓሳስባን ካበየናይ ግዜ ጀሚርና ከም ዘጥረናዮ ኣይፈልጥን። እቲ ቀንዲ ሓሊኹ ሒዙና ዘሎ ንሱ ምዃኑ ግን ዘማትእ ኣይኮነን። ብዝኾነ ብዛዕባ ዝነበረና ገዲፍና ብዛዕባ ዘለና ንዛረብ። ምኽንያቱ ንዕኡ ፈሊጥና ክንኣልዮ ምስ እንኽእል ጥራይ ኢና ንሽግራትና መፍትሒ ክንረኽበሉ ንኽእል።

መብዛሕትና ንህግደፍ ንርእየሉ እምበር ንነብስና ንርእየሉ መነጽር የብልናን። ምልኪ ጸሊእና ስለዝተቓወምና ጥራይ መላኺ ባህርያት ዘይብልና ኢዩ ዝመስለና። ናብ ዉሽጥና ክንጥምት ትብዓት የብልናን። ኣብ ናይ ቃልሲ ደንበኻ መለኽቲ ሓቚፍካ እናኸድካ ብዛዕባ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መላኺ ምዝራብ ልሙድ ኮይኑ። ንደንበ ተቓዉሞን ህግደፍን እንድሕር ደኣ ኣነጻጺርናዮም ዘመሳስሎም እምበር ዝፈላልዮም ኣይንረኽበሎምን። እዚ ክብል ከለኹ ምናልባት ክንዲ’ቶም ነዚ ሓቂ’ዚ ዝቕበሉዎ ዝነጽጉዎ እዉን ይህልዉ ይኾኑ። ግን ስለምንታይ እቶም መለኽቲን እቶም ተቓወምቲ ምልኪን ክንመሳሰል ክኢልና!? ክልቴና ደቂ ሓንቲ ሃገር ኢና። ናይ ሓባር ማሕበረ-ባህላዊ ኩነታት፣ ታሪኽን ኣመጻጽኣን ዘለና ህዝቢ ኢና። ኣብቲ መራሕቲ ህግደፍ ዝበቖሉሉ መሬት ኢና ተፈጢርና። ካብቲ ንዓኣቶም ዝወለደ ህዝቢ ኢና ተወሊድና። ስለዚ ህዝብና ኣንጻር ነብሱ ዝኾነ ባህርያት እንተለዎ ክልቴና ካብ ህዝብና ዝፍለ ባህርያት ክህልወና ኣይክእልን ኢዩ። ዝነበረና ስልጡን ባህሊን ልምዲን ኣጥፊእናዮ እንተዄንና ብሓባር ኢና ኣጥፊእናዮ። ሓዴና ኣብ ቀደም ሓዴና ኣብ ሎሚ ኣይኮናን ዘለና። ንሕና ከም ህዝቢ ብሓባር ዘየስርሕ፣ ዘየሰማምዕን ኣንጻር ሓድነት ዝኾነን ጸገም ከም ዘለና ንኣምን እንተዄንና እቲ ጸገም ኣብ ክልቴና (ኣባናን ኣብ ህግደፍን) ከም ዘሎ ክንኣምን ኣለና። እንዳ ህግደፍ ብደጊኦም ደኣ ሓድነት ዘለዎም ይመስሉ እምበር ብዉሽጦምስ ንሓድሕዶም ኣይሰማምዑን ኢዮም። ንሕና እዉን ከይንሰማማዕ ዝተመሓሓልና ኢና ንመስል። እታ ኩሉ ግዜ ትሓቕየና “ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና!!” ትብል ዘረባ ሓቅነታ እምብዛ ዓቢ ኢዩ። ስለዚ መራሕቲ ህግደፍ ንዓና ይመስሉ፣ ንሕና እዉን ንዓኣቶም ኢና ንመስል።

ኣብ ተቓዉሞ እንርከብ ብዙሓት ዜጋታት፣ “መራሕትና” ዘይስጋና ብምዃኖም ዝብድሉና ዘለዉ ኢዩ ዝመስለና። “መራሕቲ ህግደፍ ተጋሩ ኢዮም፣ ኣይናትናን ኢዮም” ዝብል ኣበሃህላ ነብሰ ምትላል ስለዝኾነ ኣይጠቕመናን ኢዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ብሓቂ ሽግር ኣለና። ንኣብነት ኣብ ግዜ ሰዉራ፣ ኤርትራዉነት መሪጾም ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሱ ኢትዮጵያዉያን ነይሮም ኢዮም። እንተኾነ ግን መቓልስትኻ ከለዉ ኢትዮጵያዉነቶም ተዘኪሩካ ዘይፈልጥ ክነሱ ብርእይቶ ካባኻ እንተተፈልዮም ወይ’ዉን ንስልጣን ዝወዳደሩኻ እንተመሲሎም ናይ መበቆል ካርድ እናመዘዝካ ናይ ምጥቃዕ ተግባር ከም ዝነበረ ኣብ ጀብሃን ሻዕብያን ዝተቓለሱ ኤርትራዉያን ኣያታትና ይነግሩና ኢዮም። ነዚ ተግባር’ዚ ንዘመነ ገድሊ ኣርኪብና እንተዘይረኣናዮ ድሕሪ ናጽነት ርኢናዮ ኢና። ሕጂ’ዉን ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ንርእዮ ኣለና። እቲ ናይ ደንበ ተቓዉሞ እሞ ዝገርም ኢዩ! ኣብ ትግራይ ኮይኖም ንቃለስ ኣለና እናበሉ፣ ብዛዕባ ትግራዋይነት መራሕቲ ህግደፍ ዝልፍልፉ ሰባት ክትሰምዕ ከለኻ የስደምመካ። ብኣንጻሩ ከኣ ኤርትራዊ ደም ንዘለዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናትና ኢዮም እናበልካ ሓፍ ኮፍ ምባል ተለሚዱ ኣሎ። ንበረኸት ስምኦን ናትና ኢዩ እናበልካ ንኢሳያስን ኣማኸርቱን ኣይናትናን ኢዮም ምባል ዝወሓጥ ዘረባ ኣይኮነን።

እዝከረኒ ኣብ ኣኼባ ደብረዘይት ኣቶ በረኸት ስምኦን ነቲ ኣኼበኛ መግለጺ እናሃበ ከሎ ብዛዕባ ምምላስ ንብረት ናይቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተባረሩ ኤርትራዉያን ተላዒሉ ሕቶታት ኣብ ዝቐርበሉ ዝነበረ እዋን ሓደ መንእሰይ ርእይቶ ንምሃብ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ ዕድል ምስ ተዋህቦ፦ “ዝተወርሰ ንብረት ኤርትራዉያን ይመለስ ዝበሃል እንተኾይኑ ብኣቶ በረኸት ክንጅምር ኣለና። ንሱ’ዉን ንብረትና ስለዝኾነ ይመለሰልና” በለ። ርእይቶ ናይቲ መንእሰይ ብነጎድጓዳዊ ጣቕዒት ናይቲ ኣኼበኛ ዝተሰነየ ኢዩ ነይሩ። መልሲ ኣቶ በረኸት ድማ “ኣነስ ኢትዮጵያዊ ኢየ። ሃገረይ ከኣ ክልተ ዜግነት ኣይትፈቅድን ኢያ። ብሓሳብ ደኣ ይሕግዘኩም እምበር ኤርትራዊ ኮይነ ምሳኻትኩም ክቃለስ ኣይክእልን ኢየ” ዝብል ነበረ።

መልሲ ኣቶ በረኸት ስምኦን ልክዕ ከምታ ናይቲ መንእሰይ ርእይቶ ብጣቕዒት ዝተሰነየ ኢዩ ነይሩ። መቸም ካብ ኣጥቃዕቲ ምዃን ኣጣቓዕቲ ምዃን ስለዝቐለና ኢዩ መስለኒ ጣቕዒት ኣብ ዘድልዮን ዘየድልዮና ኢና ነጣቕዕ። ኣብ ኩሉ ስለነጣቕዕ ነየናይ ደጊፍና ነየናይ ከም ዝተቓወምናዮ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ ኢዩ። ብዝኾነ መልሲ ኣቶ በረኸት ቅኑዕን ልባዊን ኢዩ ኢለ ይኣምን። ምኽንያቱ መንነት ናይ ሓደ ሰብ ኣብቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ከባቢን ሕብረተሰብን ኢዩ ዝህነጽ። ደሓር ከኣ ከምቲ ኤርትራዊ ደም ዘለዎም ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኢትዮጵያዊ ደም ዘለዎም ሓለፍቲ መንግስቲ ህግደፍ እዉን ኣለዉ። ስለዚ ምስ መራሕቲ ህግደፍ ዘለና ጉዳይ ኣብ ኣረሜናዊ ባህርያቶም እምበር ኣብ ሓረግ ትዉልዶም ከተኩር የብሉን። ኣብ 1991 ልዕሊ ዝኾነ ኤርትራዊ ኤርትራዉያን ኢዮም ኢልና ኣብ ርእስና ንዝሰቐልናዮም ሰባት ኣብ ሎሚ በጺሕና ተጋሩ ኢዮም ንብለሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን ኢዩ። ንሕናን መራሕቲ ህግደፍን ደቂ ሓንቲ ሃገርን ደቂ ሓደ ህዝቢን ኢና። እቲ ፍልልይና እንዳ ህግደፍ ንነብሶም ክጥዕሞም “ንዑ ተቖረኑ” ይብሉና ንሕና ድማ “እምብልና” ንብል ኣለና። ካብዚ ወጻኢ ንሕናን ህግደፍን ንመሳሰለሉ (ወይ’ዉን ንሕና ካብ ህግደፍ ዘይንፍለየሉ) ባህርያትን ኣተሓሳስባን ከኣ ኣለና። ዉሑድ ካብቲ ብዙሕ ምጥቃስ ይከኣል ኢዩ፦

መራሕቲ ህግደፍ ስልጡን ኣፈታትሓ ግርጭታት ኣይፈልጡዋን ኢዮም። እቶም ንቃወሞ ዘለና እዉን ንግርጭታት ብዉሕሉል ኣገባብ ምፍታሕ ኣይንኽእላን ኢና። ምስ መቓልስትና ናይ ሓሳብ ፍልልያት ምስ ዘጋጥመና ኣብ ክንዲ ምስቲ ሓሳብ ምስቲ ሰብ ኢና ንላተም። ፍሉይ ርእይቶ ዝጸዉር ባህሊ የብልናን። ካልእስ ይትረፍ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብምጽሓፈይ’ኳ ክንደይ ጸላእቲ ከፍሪ ከም ዝኾንኩ ብዓንተብኡ ይፍለጠኒ ኣሎ። መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ምክእኣል ኣይኣምኑን ኢዮም። እታ ምክእኣል ንዓና እዉን ኣይ በዓልቲ ለይትናን ኢያ። መራሕቲ ህግደፍ ክሳብ ሕልፈተ ህይወቶም ክመርሑ እምበር ክምርሑ ኣይደልዩን ኢዮም። እዛ ሕማም እዚኣ ኣብ መራሕቲ ዉድባትን ማሕበራትን እዉን ኣላ። ኣብ ጸጽባሕ ዉድባትን ማሕበራትን ዝፈርያ ዘለዋ ክመርሑ እምበር ክምርሑ ዘይደልዩ ሰባት ስለዝበዝሑ ኢዩ። 20 ዓመት ምሉእ ኣቦ መንበራት ኮይኖም ዉድባት ዝመርሑ ዘለዉ ሰባት ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ሞይቅዎም እንከሎ “ኢሳያስ ምርጫ ዘይፈቱ፣ ክትካእ ስለዘይደሊ ኢዩ!!” ኢሎም ክሰብኩኻ ከለዉ ሰሓቕ ኢዩ ዝሞልቀካ። ኣብ ደንበ ተቓዉሞ “ኣነ መሪሐ ዘየዐወትኩዎ ዉድብ/ማሕበር ካልኦት ይፈትኑዎ” ኢልካ መንበረ ስልጣንካ ንኻልኦት ምርካብ የላን።

ኢሳያስ ንኽመልኽ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ንኽምለኽ ኢዩ ለይትን ቀትርን ዝጽዕር ዘሎ። ሚድያታቱ እዉን ነዚ ጉዳይ’ዚ ተዓጢቐን እየን ዝሰርሓሉ ዘለዋ። ኣብ መራሕቲ ዉድባትን ማሕበራትን እዉን እንተርኢና ንኽምለኹ ዝጽዕሩ ብግብሪ’ዉን ሰዓብቶም ከም ዘይትካእ ፖለቲካዊ ሰብነት ዘለዎም ሰባት ገይሮም ዘምልኽዎም መራሕቲ መሊኦም ኢዮም። መራሕቲ ህግደፍ ነዛ ንእሽቶ ሃገር ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ከይደለቡ ኣብ ምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጎባልል ክኾኑ ሓኾት ይብሉ። ዓቕሞም ብልክዕ ምምዛን ኣጊምዎም ብትዕቢት ምስ ኩሉ ክናኸሱ ክብሉ መወዳእትኡ ፈኪራ ዘይትርብርብ ጀብጀብ መልሓስ ጥራይ ሒዞም ተሪፎም ኣለዉ። መራሕቲ ደንበ ተቓዉሞ እዉን ንዉድባትን ማሕበራትን ብግቡእ መሪሖም ከዐዉትወን ኣይከኣሉን ጥራይ ዘይኮነ ቁሸት ዝመርሕ ዓቕሚ ከየጥረዩ ጥር ኢሎም ብዛዕባ ሃገር ምምራሕ ይሓልሙ። 22 ዓመት ጽንጽያ ዓይኑ ከንፍሩሉ ንዘይከኣሉ ስርዓት “ኣብ ቃሬዛ ደቂሱ ኢዩ ዝመርሓና ዘሎ” እናበሉ ይንዕቅዎ። መንግስታት ዓለም ከይተረፉ መተካእታ መራሕቲ ህግደፍ ክኾኑ ዘብቅዖም ስጥመትን ብቕዓትን ከም ዘይብሎም እናነገርዎም ከለዉ ክሰምዑዎም ኣይደለዩን።

መራሕቲ ህግደፍ ዝመስረትዎ ሰልፊ “ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን” ብዝብል ወግዓዊ ስም ኢዩ ዝጽዋዕ። ንሳቶም ግና ኣንጻር ፍትሒን ደሞክራሲን ኲናት ዝኣወጁ ሰባት ኢዮም። ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ዘለና ዜጋታት እዉን ንመትከላት ፍትሒን ደሞክራሲን ንዝምሮ እምበር ኣይንነብሮን ኢና። ልክዕ ከምታ ህግደፍ ዝገብራ “ንሕና ኢና ንፈልጠልካ” እናበሉ ንኣባላቶም ዘሸቑርሩ ዉድባትን ማሕበራትን ኣለዉና። መራሕቲ ህግደፍ ዘይምርሑሉ ቅዋም ነዲፎም ኢዮም። ተቓወምቲ ዉድባትን ማሕበራትን እዉን ጥዑይን ዘይጥዑይን ግን ከኣ ዘይትግብርኦ ሓሳባት ዝሓዘ በብዓይነቱ ሰነዳት ሓናጢጦም ኢዮም። ህግደፍ ነቲ ኣጽዲቕዎ ከብቅዕ ኣብ ትሬቶ ዝቖለፎ ቅዋም ዘይመስል እንተኾይኑ ዉድባትናን ማሕበራትናን እዉን ንሰነዳተን ኣይመስላን ኢየን።

እንዳ ህግደፍ ነቲ ባዕላቶም ዝፈጠርዎ ዉድብ ኣምሊኾሞ። ኣብ ቅድሚ ህዝባዊ ግንባር ዝጸንሕ ነቓፋይ ክዝበጥ ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ። እዞም ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ዘለና ሰባት እዉን ነተን ባዕልና ዝመስረትናየን ዉድባትን ማሕበራትን እምብዛ ኢና እነምልኸን። ብአአን ዝመጸና ኣይንፈቱን። ጌጋታት ዉድባትና ወይ ድኽመታት ማሕበራትና ንዝነግረና ሰብ ብሕሱም ቃላት ኢና ንሰሃሎ። መራሕቲ ህግደፍ ንህዝቢ ክግምግሙዎ ከለዉ ህዝቢ ንዓኣቶም ከም ዝግምግሞም ኣይፈልጡን ኢዮም። መራሕቲ ደንበ ተቓዉሞ እዉን ዝግምግሙ እምበር ዝግምገሙ ኣይመስሎምን ኢዩ።

መራሕቲ ህግደፍ ካብ ባህልና ዝተሓኸኸ መንነት ስለዘለዎም ምስቶም ዕርቅን ሕድገትን ዝበሃሉ ኣምራት ተባቲኾም ኢዮም። ኣብ ደንበ ተቓዉሞ እዉን ሓዳግን ይቕረ ብሃላይን ምዃን ጠፊኡ ኢዩ። ብኣንጻሩ ኣዕናዊ ህልኽን ንሓድሕድካ ምትሕንዃልን ኣመና ሳዕሪሩ ኣሎ። መራሕቲ ህግደፍ ንዉልቃዊ ክብሮም ልዕሊ ክብሪ ሃገር ይሰርዑ። ኣብ ደንበ ተቓዉሞ እዉን ጸቢብ ዉድባዊን ዉልቃዊን ክብሪ ኣብ ምዕቃብ ጥራይ ዝተሓጽሩ መራሕቲ ስለዝበዝሑ እዚ ብግፍዒ ተዋሪዱ ዘሎ ህዝቢ ብተወፋይነት ተቓሊሱ ክብሩ ዝመልሰሉ ወገን ኣይረኸበን። ኢሳያስን ህግደፍን ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦም ደመኛታት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ዘለና ዜጋታት እዉን ምእንቲ ራህዋን ቅሳነትን ህዝቢ ንቃለስ ኣለና እናበልና ብግብሪ ግን እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፍና ኣለና።

መራሕቲ ህግደፍ ምሁራትን መንእሰያትን ኣይፈትዉን ኢዮም። ነዞም ክልተ በረኸት ሃገር ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ እናሳጎጉ ዶብ ኣስጊሮሞም ኢዮም። ዉድባትናን ማሕበራትናን እዉን ምስ ምሁራትን መንእሰያትን ዓይንን ሓመድን ኢየን። እንዳ ህግደፍ ንመንእሰያት እናኣንፈጹ ነታ ሃገር ናይ ኣረጋዉያን ጥራይ ገይሮማ ኣለዉ። ዉድባትና እዉን ምስ መንእሰያት ስለዘይሳነያ ዓይኒ ዝመልእ ቁጽሪ መንእሰያት የብለንን። መራሕቲ ህግደፍ ምሁራት ስለዝጽይኑ መገዲ የማን ዘትሕዞም ሓሳባት ንዘመንጭዉሎም ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታት ከም ተበለጽቲ ይርእዩዎም። ደንበ ተቓዉሞ እዉን ሓሳብ ዝቕድሖ ኣራእስ ንዝተዓደሉ ዜጋታት ተስፋ ኣቑሪጹ ብዓንተብኡ ጸግዖም ኣትሒዝዎም ኣሎ። ይትረፍ ኣቕሪቡ ብማዕዶ’ኳ ክጥቀመሎም ኣይጽዕርን። ብኣንጻሩ ከምታ ህግደፍ ዝብላ ብበለጽን ሕማም ህርፋነ ስልጣንን ክዉንጅሎም ዉዒሉ ይሓድር።

ህግደፍ ኣብ ድሕረት ህዝብና ስለዝነብር ንብዙሕነትና ከም መበተኒና ይጥቀመሉን ከፋፊሉ ይገዝኣናን ኣሎ። ኣብ ደንበ ተቓዉሞ እዉን ብብሄርን ሃይማኖትን እናተወደብካ ጽበት ምስሳይ ፋሽን ኮይኑ ኣሎ። ብናይ ዉድባት ሊቸንሳ ናይ ጽበትን ቅርሕንቲን ፖለቲካ ዝስርሓለን ዉድባት ፈላጢአን ይፈልጠን። ኣብ ገለ ካብተን ብወግዒ ካባ ሕብረ ብሄራዉነት ዝለበሳ ወይ ኣብ ብዙሕነት ዝኣምና ዝበሃላ ዉድባትን ማሕበራትን እዉን ስዉር ናይ ኣዉራጃ፣ ወረዳ፣ ቀቢላ፣ ማይ ቤትን ሃይማኖትን ምትእኽኻባት ከም ዘሎ ክተስተብህል ግዜ ኣይወስደልካን ኢዩ። በዚን ወዲ ኸምዚን ምኽንያት ኣብ ዉሽጢ ሓንቲ ዉድብ ወይ ማሕበር ንገለ ኣባላት እናኣቕረብካ ንገለ ድማ እናኣርሓቕካ ምምሕዳር ልሙድ ኢዩ። ደቂ ዉሻጠን ደቂ በረንዳን ጌርካ ዝፈላለኻዮም ኣባላትካ ከም መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ይብተኑ እምበር ኣይእከቡን ኢዮም። ብዉሽጡ ዝተበተነ ሓይሊ ከኣ ካብ ምቑዛም ሓሊፉ ንህግደፍ ክብድሆ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዝገርም ግና እንዳ ህግደፍ ንጽበት ብዝለዓለ መዝሚዞም ኣብ ረብሓኦም ከዉዕልዎ ከለዉ ደንበ ተቓዉሞ ግን ንጽበት ክፈላለየሉን ክዋረደሉን እምበር ክጥቀመሉ ኣይረአን።

መራሕቲ ህግደፍ ብድኹም ጎድኒን ትሕተ ሃገራዊ ስምዒትን ናይ ብዙሓት ዜጋታትና እናኣተዉ ተልእኾኦም ብትግሃት ዝፍጽሙሎም ዕሱባት ደቂ ሃገር ይምልምሉ ኢዮም። ኣባላት ናይ ገለ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከባ ተቓወምቲ ዉድባት እዉን ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ስደተኛታት ብሕቡእ ዘወን እናበሉ ንገለ ስደተኛታት ኣብ ክንዲ ብሓያል ናይ ቃልሲ መንፈሶም ብድኹም ጎድኖምን ትሕተ ሃገራዊ ስምዒቶምን እናኣተዉ ክምልምልዎም ይፍትኑ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ገስረጥ ኣሰራርሓ ማለት ብኣዉራጃ፣ ወረዳ፣ ቀቢላ፣ ማይ ቤት፣ ሃይማኖት፣ ካብኡ ሓሊፍካ እዉን ብሰልዲን ጾታዊ ግዕዝይናን ዝኸሰብካዮም ኣባላት ፍቕሪ ስነ ሓሳብ ስለዘይብሎም ናይ ሓሳብ ጥርናፈ ክህልዎም ኣይክእልን። ናይ ሓሳብ ጥርናፈ ስለዘይብሎም ድማ ወላ ዓሊምካ ብረት እንተ ኣዕጠቕካዮም “እኩባት ሰብ ብረት” እምበር ተቓለስቲ ክኾኑ ኣይክእሉን ኢዮም።

ነቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ኣሸጋሪ ኩነታት ክቕይር ዝኽእል ወርቃዊ ሓሳብ ዘለዎም ፈላጣትን ሊቃዉንትን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ኣለዉ። ኣብ ትሕቲ ብርእሱ ዝመሽመሸ መሪሕነት ይነብሩ ስለዘለዉ ግን ንሓሳባቶም ናብ ግብሪ ናይ ምቕያር ዓቕሚ የብሎምን። ብተመሳሳሊ ኣብ ደንበ ተቓዉሞ እዉን ንኩነታትና ብልክዕ ዘንብብዎን ሃናጺ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉን ካድራት ኣለዉ። ናይ ብሓቂ ኢየ ዝብለኩም ትፈልጥ እናመሰለካ ቀሪብካዮም ከም ዘይትፈልጥ ዘፍልጡኻ ብሱላትን ብሓሳብ ዝሃብተሙን ካድራት ኣጋጢሞምኒ ኢዮም። ኣብ መራሕቶም ዘሎ ሽግር ግን ግቡእ ተራኦም ንኸይጻወቱ ይዕንቅፎም ኢዩ። አረ ኣብ ገሊኡስ ጥዑም መግቢ እናኸሸና ጥዕና ኣቦ መንበራት ዝከናኸና መጋቦ ልዕሊ ካድራት ግምት ዝወሃባሉ ኩነታት ኣሎ። መራሕቶም ሓርነት ዘይፈልጡ ተቓለስቲ ሓርነት ብምዃኖም ናጽነት ተነፊጉዎም ዝኣምኑሉ ርእይቶ ብነጻ ካብ ምዝራብ ዝቑጠቡ መሊኦም ኢዮም። በታ “ጥርናፈ” ዝብሉዋ ተመዝማዚት መዕበሲት ዝተዓብሱ እዉን ብዙሓት ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ርእይቶኻ ምዉናን ኣጸጋሚ ኢዩ። ርእይቶኡ ዘይወነነን ንባዕሉ ሓራ ዘይኮነን ከኣ ምእንቲ ሓርነት ካልኦት ክቃለስ ኣይክእልን ኢዩ።

መራሕቲ ህግደፍ ኣቓልቦ ህዝቢ ናብ ደገ ንምግዓዝ ንወያነን ሲ.ኣይ.ኤ.ን ተሓተትቲ ናይ’ዚ ኩሉ ሽግራትና ክገብሩዎም ይፍትኑ። ብተመሳሳሊ ኣብ ደንበ ተቓዉሞ እዉን ካብቲ ዝተሰርሐ ዝተወርየ ዝበዝሕ እንከሎ፣ ሓንቲ ዝኣፍካ “ህዝቢ ኣይሰዓበናን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝግባእ ኣይሓገዘናን” እናበልካ ምቑዛምን ንኻልኦት ተሓተትቲ ክትገብር ምፍታንን ልሙድ ኢዩ። ኢሳያስ ዝመራሒኦም ሰበስልጣን ህግደፍ፣ ኣብ ክንዲ ብፍልጠትን ምርምርን ብስምዒት ሃገር እናመርሑ ህዝቢ ለኪሞም ክጠፍኡ ይሰርሑ ዘለዉ። ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ዘለና ዜጋታት እዉን ንፍልጠት ንቀዳደም ኣይኮናን። መዕለቢና ከይፈለጥና ናይ ስምዒት ፈረስ ሰሪርና ብዘይ ኣንፈት ኢና ንጋልብ ዘለና። ርግእ ኢልካ ምሕሳብ ኣይናትናን ኢያ። ዘረባ ለባማት ንምስማዕ ዓቕሊ የብልናን። ንሓድሽ ኣተሓሳስባን ነብሰ ህንጸትን ክንቃላዕ ኣይንብህግን።

መራሕቲ ህግደፍ ንሓድሕዶም እናተነዓዓቑ፣ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ እናኣናሸወ፣ ብደጊኡ ስጡም ዝመስል ብዉሽጡ ግን ኣብ ዝማህመነ ዝምድናታት ተንጠልጢሎም ብሓባር ይነብሩ ኣለዉ። ትዕቢትን ትምክሕቲን ሕላገቶም ኢየን። ነፍስ ወከፎም ብዘይካ ነብሶም፣ ካልእ ሰብ፣ ሰብ ኮይኑ ኣይረኣዮምን ኢዩ። ብዘይካኦም ዝፈልጥ ሰብ ዘሎ መሲልዎም ኣይፈልጥን ኢዩ። ንህዝቦም ንዒቖም ከይኣኽሎም ንብምልእታ ዓለም ከም ዘይትረብሕ ይርእዩዋ ኣለዉ። ትዕቢት ንዉድቀት ስለትቕድማ ድማ ዉዒሎም ሓዲሮም ወደቕቲ ኢዮም። ብተመሳሳሊ ኣብ ደንበ ተቓዉሞ እዉን ኣብ መንጎ ተቓለስቲ ሓደ ደንበ ዘሎ ምንዕዓቕን ምትፍናንን ዝረኣየት ዓይኒ ትቑጸሮ። ክሳብ ናይ እግዚኣብሄር ሰላምታ ዘባትኽ ትዕቢትን ቅርሕንቲን ሒዝካ ብኸመይ ኢዩ ዓቕምኻ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ምቕናዕ ዝከኣል እንድዒ!!

እምበኣር እዚ’ዩ እቲ ኣብ ዉሽጥና ዘሎ ሓቂ!! መብዛሕትና ግን ሓቂ እንተተዛረብና ንህግደፍ ዲል ንህቦ ዘለና እናመሰለና ምስ ሕማማትና ተዓብዒብና ክንነብር ንደሊ። ቁስልና ክሳብ ዝሓባእና ፈውስና ኣይክንረክብን ኢና። ንፋስ ንዝወቕዖ ሓቂ ክትሓብእ ምፍታን ድማ ዝኸፍአ ሳዕቤን ኣለዎ።

መራሕቲ ህግደፍ  ንዓና ዘጥቅዑሉ ሓያል ጎኒ ኣለዎም። ኣብ ብዙሕ ሸነኻቶም ንሕና ንዓኣቶም ክነጥቅዓሉ እንኽእል ድኹም ጎኒ እዉን ኣለዎም። ኣብቲ ንሳቶም ዝደኸሙሉ ክንሕይል ስለዘይከኣልና ከኣ ተቓዉሞና ደርፊ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ። ነተን ህግደፍ ዘይክእለንን ዘይመልከንን ነገራት ንሕና ክሳብ ዘይከኣልናየንን ክሳብ ዘይመለኽናየንን ተቓዉሞና ስሕበት ክፈጥርን ንጸላኢ ከርዕድን ኣይክእልን። ድኹም ጎድኒ ጸላኢኻ ፈሊጥካ ኣብቲ ድኹም ጎድኑ ከተጥቅዖ ምፍታን ኢዩ ቃልሲ ዝበሃል። ነዚኣ ንምፍላጥ ከኣ ቅድም ቀዳድም እታ ናብ ህግደፍ ተመልክት ኢድና ናብ ነብስና እዉን ክተመልክት ኣለዋ። ሽዑ ምስልናን ምስሊ ጸላኢናን ንፈልጥ። ኣብዚ እዋን ህግደፍ መጸዉዒ ስም ናይ ሓደ መላኺ ስርዓት ካብ ምዃን ሓሊፉ መግለጺ ናይ ሓደ መላኺ መንነትን ኣተሓሳስባን ኮይኑ ኣሎ። ካብ ናይ ህግደፍ ዘይፍለ መንነትን ኣተሓሳስባን ዘለዎ ደንበ ቃልሲ ንባዕሉ ህግደፍ ምዃኑ ክኣምን ኣለዎ። ብዛዕባ ዓመጸኛነት ህግደፍ ምዝራብ ከም መኸወሊ ጉድለታትና ጌርና ኣይንጠቐመሉ። ጽቡቕ ከም ዘየለና እናተፈለጠና ከሎ መሪር ነቐፌታ ወሪዱና ኢልና ከሕምመና የብሉን። ስለዚ እታ ጸቒጠ ክብላ ዝደሊ ነጥቢ፣ “ነብስና ንፍለጥ!!” ኢያ።

ቻይናዉያን ክምስሉ፣ “ጸላእትኻ ፍለጥ፣ ነብስኻ’ዉን ፍለጥ፣ ሽዑ ኣማኢት ዉግኣት ብዘይ ስዕረት ከተካይድ ትኽእል ኢኻ” ይብሉ።

መበገሲ ናይ’ዚ ኹሉ ዘፍስሶ ዘለኹ ርእይቶ፣ ሽግርና ካብ ምንታይ ይብገስ ዝብል ኢዩ። ናብታ ናይ ኑረዲን ፋራሕ ሓሳብ ንመለስ። ፋራሕ፣ “መላኺ ሕብረተሰብ መለኽቲ መራሕቲ ኢዩ ዝወልድ” ዝብል መደምደምታ ኢዩ ኣቐሚጡ። ኣነ’ዉን ካብኣ ኢየ ክብገስ። ካብቲ ገዛእትና እኳ ዝነኣድዎ ምዕቡል ያታና ተነቒልና ባህሊ ምልኪን ዘይተጻዋርነትን ዘማዕበልና ህዝቢ ስለዝኾንና ኣንጻር ነብስና እናሰራሕና ኣብ ከቢድ ሽግር ኣቲና ኣለና። እቶም ካብ ኣብራኽ እዚ ህዝቢ’ዚ ተፈጢርና ምእንታኡ ክንቃለስ ዝወፈርና ዜጋታት ድማ፣ ጽቡቕ ሓሲብና ደኣ ተበጊስና እምበር ኣብ ጉዕዞናስ ጽቡቕ ከይገበርና ኢና ጸሓይ ዓሪቡና። ምኽንያቱ ሒዝናዮ ዝተበገስና ኣተሓሳስባ ካብ ባህርያት ናይቲ “ንቃለሰልካ ኣለና” ንብሎ ዘለና ሕብረተሰብ ስለ ዝምንጩ። ንሕናን ሕብረተሰብናን ክንብል ከለና ክልተ ዝተፈላለና ኣካላት ኢና ማለት ኣይኮነን። እቲ ሕብረተሰብ ማለት ንሕና ኢና። ሕብረተሰብና ድሕረት ከም ዘለዎ ንኣምን እንተዄንና ኣብቲ ናቱ ድሕረት ኴንና ክንመርሖ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ንርሑቕ ዝጠመተ ራእዪ ምስናቕ ከድልየና ኢዩ። ላህመት (Elite) ሕብረተሰብና ክንከዉን ንምጽዓር ክንግደድ ኢና። ካብ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብና ጸብለል ዝበለ ኣተሓሳስባ ምምዕባል ፈቲና ጸሊእና ክንቅበሎ ኣለና። ኣብ ድሕረት ህዝብና ዝነብሩ ድሑራት መራሕቲ ስለዝረኸብና’ኮ ኢና ብቐደሙ’ዉን ዕላማታት ሰዉራ ኤርትራ ተጨውዩ፣ መወዳእትኡ ህዝቢ ኣስተርሕዩ ዘይነብረሉ ሓራ መሬት ጥራይ ሒዝና ተሪፍና ዘለና።

በዚ ኮነ በቲ ህዝብና ሃብታም ናይ ፍቕሪን ስኒትን ያታ ከም ዝነበሮ ግን ከኣ ብዝተፈላለየ ታሪኻዊ ምኽንያታት ከም ዘጥፍኦ ንኣምን እንተዄንና መፍትሒ ሽግራትና ናብኡ ብምምላስ ኢና እንረኽቦ። ነቲ ገዛእቲ ስርዓታትን ክልተ ተሃላለኽቲ ዉድባትን (ጀብሃን ሻዕብያን) ሓንሳእ ማርክሲዝም-ሌኔኒዝም ሓንሳእ ከኣ ዴስነት-ማሕበርነት ዝብል ፍልስፍናታት እናኣምጽኡ ብናይ ልቓሕ ባህሊ ዝበረዝዎ ጭዉነትን ዉርዝይናን ቀዳሞት ኣቦታትና ክንምለሶ እንተ ዘይክኢልና ኩሉ ነገርና ዕንክሊል ኢዩ ክኸዉን። እዚ ሒዝናዮ ንጓዓዝ ዘለና መላኺን ዘየሰማምዕን ባህርያት ንሓዋሩ ኣብ ዘይንወጾ ዓዘቕቲ ክሸመና ስለዝኾነ ነቲ ኣብ ኣእምሮና ከነካይዶ ዝግብኣና መስርሕ ምልሶት ባህሊ ካብ ሕጂ ንጀምሮ! ንቀየር! ኣኾብሊልናዮ ዘለና መበቆላዊ መንነትናን ባህርያትናን ደጊምና ኣብ ነብስና ነስርጾ! ወደሓንኩም!!

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
48 COMMENTS
  • HABTE August 6, 2013

    Great article telling the truth as it is.

  • sara gual eritra August 6, 2013

    TSSBUK ALEKA AYTEGAGEKAN!!!
    AN’NET ZELENA HIZBI TSEBIB ATEHASASBANA INA
    EZI KKYER AB EUROPA KINWLED ALENA
    MIKNYATU ETOM 40 AMET AB EUROPA ZITEKEMETU
    (ADI DIMOKRASI) EQA KETEGBRWO AYKONELOMN
    TESFANA KABZOM 2Y GENERATION AB EUROPA ZITEWELDU IYU
    TEBAE IKA EMO YEDNKEKA YEKENYELEY

  • keren August 6, 2013

    its an honest admission to our failures as pple, I am always with same opinion as u mentioned above.(pfdj is a product of our mis guided attitude and arrogance ,starting from the way our parents’ raise their children).we r full of empty prides & ignorance,am not sure how many of us can think out of the box & reason out rationally. wel done, keep on diagnosing our inner ills that has been a serious setback to our progress as society.

  • Gere Abdu August 6, 2013

    You have allready a Tigria ID and ready to a new cadre job.I hate some people when they say I am belong that and you fellow up.Isit coming fm DebreZiet school?

  • Hzbi August 6, 2013

    Amanuel Mahdere i wish he be our leader. However probably such all disease can be heal only with THE USE OF FEDERALIZE ACROSS AFRICA. Africa or East Africa should be federalize to avoid conflicts.

  • Haliot August 6, 2013

    Amanuel,

    Excellent analysis. That is the core of our problem.

  • Kokhob selam August 6, 2013

    I love this article. thank you.

    …….ሰኣን ነብሰ ወቀሳ………

    እዞም ብዙሁሓት ሃገራውያን ጀጋኑ:-
    ተግባራት ህግደፍ ዝነጸጉ ዝኾኖኑ:-
    ድሕሪ ባይቶኦም ብዙሕ ኮይኑ:-
    ኣይከኣሉን ክትኣማመኑ:-
    እዚ ስለዝኾነ ፈሪሖም ንለውጢ:-
    እነሆ ይነብሩ ኣብ ዕግረገር ቀውጢ:-
    ካብ ቁምነገረኛ ንላዕሊ በዚሁ ዘዕጠጢ:-
    እነሆ ዕድመ ህግደፍ ኮይኑ ተመጣጢ:-
    ንሳ ድማ ኣይኮነን ዶ ‘ዚ ረኺባ:-
    ብዘይ ’ ዚ ‘ኳ ጸገም ደራሪባ:-
    ዕሱባት ልኡኻታ ኣኻኺባ:-
    ትፈናጭሎም ኣረርኪባ::

    ወይ ‘ቲ ዕሽነቶም ‘ቲ ገርህነቶም
    ኣብ ጓል ዘረባ ምጥላቆም ምንባሮም
    ኣብ ክንዲ ሎሚ፡ ትማሊ ዓጢጥዎም

    ኣንታ ሓወይ፥፡
    ተጋዳላይ ንበር ገባር
    ተሓኤ ንበር ህ- ግንባር
    ሓረስታይ ኩን ዶክቶር
    እንታይ ጸገም ኣሎ ንኽትሓብር:
    ሕቆ ድሑር ስርዓት ንኽት ሰብር:-
    ንኽትውንን ዲሞክራሲያዊት ሃገር:-

    ወረ ክነግረካ:-
    ወላ ‘ውን ኣብ እቲ ገበን ዝተኻፈለ:-
    ብድሑራት ተሰቢኹ ዝተታለለ:-
    ጌግኡ ክእርም መን ከልከለ;-
    እቲ ዕድል ክፉት እነሆለ::

    ብሓቂ:-
    እዛ ጸገም ቀሊል እዩ ፈውሳ:-
    ነዓ ወገን ታሪኽና ነሐድሳ:-
    ጀግና ኮይንካ ነብስኻ ውቀሳ:-
    ለውጢ ንእመን ንፍርሓት ነፍርሳ::

    • wedi hager August 6, 2013

      you are brilliant give some poems to musicians.

  • habtamariam ghebreyesus August 6, 2013

    yes amanuel mahdere seb zzero eyu zaxd nhna ka kemu ena zelona hgdef da ezi kulu tibit nieket aletnet kabey diyu amtsiuwo mwsleka kabayin kabkan endalu slezi athasasbana nlewit ksab meas ena adey adka endabelna knnebir antum hzbi bejakum nnkah nlewet b flat etom ab kedamay alem zelona ………………………

  • Tedros August 6, 2013

    Dear Amanuel

    I would like to thank you for your efforts and brilliant writing skills. Above all your writing is full of substance, as they say it ‘write to express but not to impress’. You clearly nailed all the challenges as a society we are facing, and i hope every one will read this article. One of the problem in the Eritreans Cyber world is most brilliant articles are written in English and they failed to reach the wider public, but what i like about yours is you are writing in Tigrigna, and it would be much easier the article to reach the wider audience. Please keep it.

  • kemal ali August 6, 2013

    Amanual hawuna you just get the nail to the head buddy. Thank you for your dedication and I like the analytically descriptive flow of ideas as usual. Proud of you bro.

Post a Reply to Filmon Kahsay Cancel Reply