Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጠንቂ ሞት ኣምባሳደር/ሚኒስተር ዓንደሚካኤል ካሕሳይ

ነዚ ጽሕፍ እቲ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ምኽንያት ሎሚ ቕነ እዞም ኣሕዋትና ደገፍቲ ህግደፍ እቲ ብምኽንያት ጦብሎቕሎቕ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኣብ ርእሲ ስርዓት ኢሰያስ ኣጽዋር ውግእ ከይገዝእ ተሓላሊፉ ዝነበረ እገዳ ወይ ማዕቀብ ተላዒሉ ኣሎ ኢሎም ከምዛ ቅዋም

ነዚ ጽሕፍ እቲ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ምኽንያት ሎሚ ቕነ እዞም ኣሕዋትና ደገፍቲ ህግደፍ እቲ ብምኽንያት ጦብሎቕሎቕ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኣብ ርእሲ ስርዓት ኢሰያስ ኣጽዋር ውግእ ከይገዝእ ተሓላሊፉ ዝነበረ እገዳ ወይ ማዕቀብ ተላዒሉ ኣሎ ኢሎም ከምዛ ቅዋም ይተግበር ዝበሎምን እሱራት ፈቲሐ ኢሉ ዘበሰሮም፥ መሻኺን ጽቡቕ ዜና ካብ ዝሕረሞም ብዙሕ ግዲ ገይሮም ኾይኖም ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2011 ብሰላማዊ ሰልፊ መኪትና ኣፍሺልናዮ ይብሉና ከምዘይነበሩ፣ ሕጂ ንዕኡ ረሲዖም ግልብጥ ኢሎም ከምዛ ንሳቶም ነዚ ውሳኔ ከምዝቕየር ዝገበሩ “ እንኳዕ ሓጎሰና” ኢሎም ኣብ ሶሻል ሜድያ፣ ኣብ ፌይስ ቡክ ይዝርጉሑልና ኣለዉ። ንሕና’ውን እንዃዕ ሓጎሰኩም፣ እንዃዕ ናይ ሓጎስ ጊዜ ኣሰጋገረኩም ኢልናዮም።

ገለ ካብቶም ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ ድማ ኣብ ገጻቶም ስእሊ ናይ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ጠቂዖም “ቅሰን ኣብ መቓብርካ፣ እገዳ ኣፍሺልናዮ ኢና” ኢሎም እገዳ ከምዝተላዕለ ጫውጫው ናይ ሩም ህግደፍ ናብቲ ንሱ ዘለዎ ቁዱስ ጴጥሮስ ዝመደቦ ሰፈር በጺሑ ኣሎ። ነገሩ ምዉት ኣይትኸሰስ ድኣ ኸይኮነና እምበር፣ ካልእ ይትረፍ’ሲ በቲ ንኣስቴር ዮሃንስ በዓልቲ ቤት ጴጥሮስ ሰለሙን ዝገበራ ጥራይ’ኳ መርገም ናይተን ኣዲኤን ክቕበላ ሃንቀው ኢለን ዝጽበያ ዝነበራ ዘኽቲመን ዝዓበያ ደቃ ክንደየናይ ገጽ ቅዱስ ጴጥሮስ ከይርኢ። ዝኾነ ኾይኑ ኣምባሳደር ግርማ ዜና ብዛዕባ ምልዓል እገዳ ምስ ሰምዐ ልክዕ ከምቲ ኣሜሪካ ኸሎ ዝገብሮ ዝነበረ ቀንዲ ስርሑ፣ ምስ በዓል ቢቲ ቢቶ ኾይኑ “ኣይበልና’ዶ ኣይበልና’ዶየ’ እንዳበሉ ነቶም በዓል መለስ ዜናዊ ኣራግጽ ወዲኦሞም ዝብል ዜና እታ ድምጺ ሓቒ ዝኾነት ኤሪ-ቲቪ ወያነ ባይ ከይብሎም ከተቃልሖ ቀንያ።

ባጫ ንጎኒ ገዲፈ ናብ ቁምነገረይ ክምለስ። እዞም ደገፍቲ ህግደፍ ስእሊ ናይ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ኣብ ገጻቶም ምልጣፍ ሓደ ነገር ኣዘኻኺሩኒ። ኣምባሳደር ግርማ ሕማሙ ከይሰማዕና ኢና ሞቱ ሰሚዕና። ቀብሩ ድማ ምስ መዝነቱን ህብቡነቱን ዘይከይድ ጠርቋሽ ከምዝነበረ ኢና ተዓዚብና። ገለ ሰባት “ገለ ሚስጢር ግዲ ኣምሊቑ ኮይኑ ኣያይ ተቐይሙሉ እዩ” ዝብሉ ኣለዉ። ብዛዕባ ኣማውትኡ ሓደ መዓልቲ ፈለጥቱ ወይ መቕርቡ ይነግሩና ይኾኑ።

ኣነ ግና ብዛዕባ ጠንቂ ሞት ኣምባሳደር ዓንደሚካኤል ካብ ርጡብ ሰብ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ከካፍለኩም።

ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝኣቱ ቁሩብ ዓመታት እየ ገይረ። ሓንቲ ጓል 75 ዓመት ጓል ስዊዘርላንድ ሰበይቲ ጠዊቓ ተፋሊጣትኒ። ብዛዕባ ኤርትራ ዓሙቕ ፍልጠት ከምዘለኒ ምስ ፈለጠት ድማ ብዙሕ ቀረበትኒ። ትግሪኛ ጽቡቕ ገይራ ትሰምዕ እያ። ኣብ ምዝራብ ግና ክንድቲ ኣይኮነትን። ትዛረቦ ቋንቋ ጀርመን ኮይኑ ኢንግሊዝኛ ድማ ኣቀላጢፋ እያ ትዛረብ። ንነብሳ ከም ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር እያ ትሓስባ። ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብቲ ቃልሲ ጸኒሓ።  ምስ ገለ ተጋደልቲ ብዛዕባ ዝነበራ ፍቕራዊ ህይወት ዘሕለፈት እያ። ግና ኤርትራውያን ጓል ሃገሮም ተዘይኮኑ ጸዓዱ ብዘይምምርዓዎም ትቅየመሎም እያ። ከም ማንም ተጋዳላይ ድማ ብኽሹፍን ብድሙዱሙን እያ ንኻልኣይ ሰብኣያ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተመርዓቶ። ቅድሚኡ ንሓደ ኣፍሪቃዊ ተመርዕያ ሓንቲ ጓል ወሊዳትሉ እያ። እዚ ካልኣይ ሰብኣያ ጻዕዳ ወዲ ዓዳ እዩ።

ህይወታ ንገድሊ ዘወፈየት ሰብ ብምዃና ታሪኽ ህይወታ ብግቡእ ዝሰምዓን ኣብ ሞንጎ ብዛዕባ ኤርትራ ገለ ፈይ ኣቢሉ ሓዲሽ ምዕባለ ዝውስኸላ ሰብ እያ ትደሊ። መዓልታዊ ክሳብ ዝስልችወኒ ቴለፎን ደዊላትለይ፣ ንሰዓታት ጺን ኢለ ሰሚዔያ። ዝሰምዓ ሰብ እያ ትደሊ ነይራ። ንሳ ትዛረብ ኣነ ይሰምዕ፣ ኣብ ሞንጎ ድማ ይሓታ ወይ የድንቃ። የራስና። የላፋልፋ። ይቱኽቱኻ። ምስ ጊዜ ኣሚናትኒ፣ ጋዜጠኛ ከምዝነበርኩ ምስ ፈለጠት ድማ ኩሉ ኣብ ልባ ዘሎ ነገረትኒ። ዘይነገረትኒ ነገር ዳርጋ የለን። ስእልታትን ናይ ቀደም ቪድዮታትን’ውን ኣለዋ። ንባዕላ ሓንቲ ኣርካይቭ እያ። እዞም እንዳ ስነዳ እንተሰሚዖም ግፋ ናይ ሰነዳት ከየካይዱላ የስግእ እዩ። ንሳ ካብ ንእስነታ ኣባል ኮሚኒስታዊ ሰልፊ እያ ነይራ። ከም መጠን ኮሚኒስት ድማ “ Proletariat internationalism” ሕብሮም ይኹን ዓሌቶም ብዘየገድስ፣ ኣፍሪቃውያን ድዮም ኤሽያውያን ብዘይፈሊ፣ ኩሎም ጸጋማውያን ሓይልታት ብጾተይ ኢዮም ዝብል ኮሚኒስታዊ መትከል ክሳብ ሕጂ ናይ ህይወታ መምርሒ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣብ ጎኒ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኣልጀርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዙምባቡወ፣ ሞዛምቢክ፣ ኣንጎላን፣ ፍልስጤምን ብንጥፈት ተዋሲኣ እያ። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝነበረትሉ ጊዜ ምስቲ ኣብኡ ዝነበረ ቤት ጽሕፈ ህዝባዊ ሓይልታት ርክብ ጀሚራ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣልጀርያ ናይዝጊ ኽፍሉ እዩ ነይሩ። ንናይዝጊ ውሽጡን ውሻጥኡን፣ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ባህርያቱ ብግቡእ እያ ትገልጾ። (ሓደ መዓልቲ ብዛዕባኡ ዘዕለለትኒ ሕሹኽ ክብለኩም እዬ) ኣብቲ ጊዜ’ቲ ነፋሪት ጠሊፎም ኣብ ኣልጀርስ ዝነበሩ ከም በዓል ብርሃነ መስቀል ረዳ ዝኣመሰሉ ጸጋማዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ’ውን ትራኸብ ነይራ። ሓደ ጊዜ ናይዝጊ ኽፍሉ ሒዝዋ ንሜዳ ኤርትራ ኣትያ። በቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ  ዝርኣየቶ ተሳትፎን ቃልስን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ተምሰጠት። ኩሉ ሃማን ቀልባን ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኾነ። ንኻልኦት ምንቅስቃስ ሓርነት ገዲፋ ምስ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ኣሻርያ።

ናብ ኤውሮጳ ተመሊሳ ብፍላይ ንመግዝኢ መንዲል ንጽህና ደቂ ኣንስትዮን፣ ምስ ፍርያምነት ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ናይ ሕርስን ጥንስን ጸገም ንምፍታሕ ዝሕግዙ ናውቲ ሕክምናን፣ ኣብ ሜዳ ዝተወልዱ ናጽላታትን ህጻንትን ግቡእ መኣዛታት ክረኽቡ መታን ንብዙሓት ከምኣ ጸጋማዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ብምጉስጓስ ፍቐዶ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ፍቀዶ ጽርጊያታትን መንዲል ዘርጊሖም ዝረኸብዎ ገንዘብን ንዋትን ብመንገዲ እቲ ኣብ ሮም ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንሜዳ ኤርትራ ከምዝኣቱ ትገብር ነበረት። ኣብዚ ድማ እያ ምስ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ ዝተፋለጠት። ንሳ ንቁመትን መልክዕን ጉብዝናን ናይቲ ፓይሎት ዝነበረ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ ክትገልጽ ከላ

 ‘ርእይ ምስ ኣበልክዎ ዝተሰማዓኒ ስሚዒት ክሳዕ ሎሚ ክዝክሮ ከለኹ ልበይ ይሰራሰር። ዓንደሚካኤል ኣዝዩ ጽቡቕ ኣዋልድ ሃነን ዝብላሉ ግሩም በዓል ሻም እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣነን ሓንቲ ህንዳዊትን መታን ንዕኡ ክንርኢ ኢልና ኣብቲ ቤት ጽሕፈት በጃኹም ብነጻ ክንሕግዘኩም ኢልና ኣብኡ ንሰርሕ ኔርና። ዓንደሚካኤል ግና ምሉእ ልቡ፣ ቀልቡን ኣብ ቃልሲ ስለዝነበረ ነተን ደቂ ዓዱ’ኳ ይዘውር እምበር ንሕናስ ሃንቀው ኢልና ድኣ ተረፍና። እንተኾነ ውሽጡ ሕሩር ፍቕሪ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብጥቡቕ ዕርክነታዊን ብጻያዊን ፍቕሪ ተቐይሩ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ጥቡቕ ርክብና ቀጻሊ እዩ ነይሩ። ኣብ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከልን ሚኒስተር መጓዓዝያን ከሎን እንተወሓደ ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ይድውለሉ ነይረ። ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣምበሳደር ከሎ እሞ እንተወሓደ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ንበጻጻሕ ኔርና። ኣማውትኡ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝነኒ” ኢላ ዓይና ንብዓት ቋጸረ። ሕንቕንቅ በለት።

ብዛዕባ ዓንደሚካኤል ተዘሪባ ኣይትርብርብን እያ። ኩል ሻብ መልክዑን ዕላሉን ቅጅል ምስ በላ እዩ። ካብ ምሕር ምቅርራቦምን እምብዛ ዕርክነቶምን ብዙሕ ሚስጢር የዕሊልዋ እዩ። ድሕሪ ሞቱ ምስታ ሕጂ ኣብ ዱባይ ዘላ ጓሉ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎ። ንዕኡ ዝረኸብኩ ስለዝመስለኒ ትዝ ክብለኒ ከሎ ንጓሉ ደዊለ ብዛዕባ ኣቡኣ የዕልላ። ንሳ ግና ንገድሊ ቀዳምነት ሂቡ እቲ ኣቦ ኽገብሮ ዝኽእል ክንክንን ሓልዮትን ስለዘይገበረላ ቅጭ እንዳበላ ደስ ከይበላ ከም እትሰምዓ እያ ገሊጻትለይ። ሓደ ሃነን ኢሉ ዝሰምዓ ሰብ እያ ተናዲ ነይራ። ንዓይ ረኺባ። ብዙሕ ብዙሕ ኣዕሊላትኒ። ኣነ ድማ ጽቡቕ ኣሎ ሕማቕ ኣሎ ኢለ ንብዙሕ ዝርርብና ብድምጺ ቀዲሐዮ። ጊዜን ኩነታትን ኣብ ግምት ኣእትየ፣ ኣብ ዘዝጠዓመ ፈይ ከብለልኩም እየ።

እምበኣር ድሕሪ ብዙሕ ርክብን ብዙሕ ምቅርራብን ዝምድናና ናይ ኣደን ወዲን ኮይኑ። ካብቲ ብዙሕ ዘዕለለትኒ ሚስጢራት ሎሚ ብዛዕባ ጠንቂ ሞት ኣምባሳደር ዓንደሚካኤል ካሕሳይ ሕሹክ ክብለኩም። ሕጂ ናብ ቃላታ ከብለኩም፣

“ዓንደሚካኤል ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣምባሳደር ከሎ ብፍላይ ኣብቲ መወዳእታ ጊዚኡ፣ ጠባዩ እንዳ ተቐየረ መጺኡ። ሕጉስ ዝነበረ ሓራቕ፥ ሕዙን ዝን ዝብል፥ መንጸርጸሪ ኾይኑ። ድቃስ ስለዝኣብዮ ድማ መስተ የዛይድ ነበረ። ናብ ኤርትራ ምስ ተመልሰ ብዙሕ ጊዜ ይድውለሉ ነይረ። ዝበዝሕ ጊዜ ብቐትሩ ብናይ ስኽራን መንፈስ የዛራርበኒ ነበረ። መጠኑ ክሰቲ ብዙሕ ምዒደዮ። ኣሕ ኣብዚሑ፣ ብዙዕ ይጠዓስ ነይሩ፣ ምስ ሕልንኡ ኣዝዩ ተባኢሱ፣ ነብሰ ጽልኣት ኣማዕቢሉ፣ መጨረስታ ብጓሂን መስተን ፌጋቶ ሓመመ። ሓሚሙ ኸሎ’ውን መስተ ኣየቋረጸን። መሊሹ ድኣ ኣዛይድዎ። ሕርቃንን ጓህን ምሒር ረሚሶሞ ነበሩ። ንሞት ብዙሕ ይደልያ ነበረ። ሞቱ ከቃላጥፍ ድማ እዩ መስተ ዘብዝሕ ዝነበረ።”

እንዳበለት ሓደ ክትነግረኒ ኸላ ኣግሂዳን ኣንቲዓን ክትነግረኒ ዝጸገማ ነገር ከምዘሎ ኣስተብሃልኩ። ወሰን ወሰን ትኸይድ ከምዝነበረት ቆብ ኣቢለያ። ንለባም ኣምተሉ። ኣይዘንጋዕኩን። ቀስ ገይረ ኮርኪረያ። ቀስ ገይረ ጎርጊረያ። ሰላሕ ኢለ ኩዒተያ። ስለምንታይ ኩነታቱ ካብ ክፉእ ናብ ክፉእ ይኸይድ ከምዝነበረ ጸገሙ ከምዚ ዝስዕብ ኣዕሊላትኒ። ንሳ’ውን ከምዚ ኣነ ጎራጉረ ዘላፋልፋ ዘለኹ፣ ንሳውን ንዓንደሚካኤል ጠፊኡኩም’ዶ ኸምኡ ገይራ እያ ነዚ ተነቃፊ ሓበሬታ ረኺባቶ። ዕላላ ከመይ ጀሚሩ ከመይ ከምዝወድአ ካብቲ ብድምጺ ዝቐዳሕክዎ ዝርርብ ከምዘለዎ የቕርበልኩም።

“ ኢሰያስ ደጋጊሙ ንዓዲ ጣልያን ክመላለስ ከሎ ጊዜ ትዝክሮ ዶ”

ኣነ ድማ ህውኽ ኢለ “እወ ነተን ኣኣውሊዱ ዝሰደን ውሽማታቱ ክረክብን ካብኣተን ደቒሉ ዝወለዶም ደቁ ክርኢ ክማላለስ ከሎ’ዶ?” በልክዋ።

“ኖ እቲ ቀንዲ ንሱ ኣይኮነን፣ ካብኡ ዝዓቢ ሚልዮናት ዝረኽበሉ ቢዝነስ ክገብር እዩ ዝመጽእ ነይሩ”

ኣነ ድማ “ነዚ ፋብሪካ ባራቶሎ ምእንቲ ዘበናዊ ቴኽኖሎጂን ብሉጽ ኢንቨስትመንትን ተባህሉ ብጥርሑ ሸይጠዮ ዝበለና እምበኣር ሚልዮናት ገንዘብ ረኺቡሉ እዩ እቲ ኣብ ሚላኖን ሮማን ብስም ውሽማታቱን ብሽም ኣንስቲ ፊሊጶስን ብዙሕ ፓላሶታት ገዚኦም ዝበሃል እምበኣር ሓቂ እዩ?”

“ኖ ካልእ ማእለያ ዘይብሉ 900ሚልዮን ዝበጽሕ ገንዘብ ዝረኸበሉ ዓቢ ቢዝነስ እምበር”

ኣነ ድማ “ ኣሃ፣ እዛ ናይ ኣለቡ መኻን ባናቶም ናይ ሳልሳ ኮሚደረን ባናናን ፋብሪካ ድኣ ክንድኡ’ዶ ተውጽእ እያ፣ ንሳ ድኣ ዓመት’ኳ ዘይሓከመት፣ ካበይ ኣምጺኣ ጥቓ ቢልዮን ክትገማገም?”

“ኖ ጺን ኢልካ ዘይትሰምዕ። ረኤኻ ብዛዕባ’ቲ ገንዘብ ኢሰያስ ንበይኑ እዩ ምስቶም ማፍያ ናይ ዓዲ ጣልያን ተሳማሚዑ ወዲእዎ። ነቲ ገንዘብ ድማ ኣብቲ ኣብ ሳይፕረስን፣ ካሪብያንን ዘሎ ሕሳቡ ኣታዊ ገይሮሙሉ። ሚስኪናይ ዓንደሚካኤል ድማ ኣይበልዐ ኣይሰተየ ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪሉ ነዚ ሚስጢራዊ ውዕል ፈሪሙሉ። እዚ ድማ እዩ ኣሳቕዩ ናብ ሞት ዘብጽሖ ጠንቂ” ትብለኒ።

ኣነ ድማ ብዛዕባ ምንታይ ትዛረብ ከምዘላ ግር በለኒ። ብዝኾነ እስኪ ስቕ ኢለ ክሰምዓ ኢለ፣ ዘረብኣ መታን ክትቅጽል ብልበይ “ እዘን ሰራማት ማፍያ መርዚ ዝነበራ ፒሮ ገይረን ሰሚመንኦ ኢየን ዝኾና” በልኩ ብውሽጠይ።

ወዮ ሰበይቲ ሰጋእ በለት። ዕላላ ከተቋርጾ ዝደለየት መሲሉ ተራእየኒ። ግን ድሕሪ ቁሩብ ስቕ ከምዚ ዝስዕብ ቀጺላ።

ዓንደሚካኤል ብጣዕሚ ገሪሂ ሰብ እዩ ነይሩ። በዚ ገንዘብ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድኽነት ፍጹም ክገላገል እዩ ኢሉ እዩ ኣትይዎ። ኤርትራ ካብ ጫፍ ንጫፍ ከም ዓይኒ ዓራት መንገዲ ክዝርግሓላን፣ ዓበይቲ ብኢንዳስትሪን ክትከለላ ኢዩ ዝብል ምኽንያት ኢዮም ሂቦሞ። ጉድኣቱ ውሑድ፣ ረብሕኡ ግና ዓቢ ኢሎም እቶም ማፍያን ኢሰያስን ኣእሚኖሞ። ተገሪሁ ንህዝብን ሃገረን ኤርትራን ወኪሉ ድማ ፈሪሙ። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ኩሉ ተጋሂዱሉ። ኣብ ክወጾ ዘይክእል ጣዕሳን እህህታን በጺሑ፣ ቀስ ብቐስ ብጓሂን ብሕርቃንን ድማ ናብ ሞት በጺሑ” ትብለኒ ሕጂ’ውን ንለባም ኣምተሉ ግዲ ኢላ ኾይና ዝግ በለት። ኣነ ግና ዓሽየ ግዲ ኾይነ ቆብ ኣየበልክዋን ክትድርጉሓለይ ብዘስምዕ ቃና “ወይለይ ማፍያ ድየን ቀቲለንኦ። ኣነ ድኣ ሰኺሩ ከሎ ካብ ኣስካላ ጸዲፉ እንድየ ሰሚዐ” ይብላ

“ኖ እቲ ንሱ ዝፈረሞ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ሰለሎ ዘእቱን ንዘዝተወልደ ኤርትራዊ ኣሳጽዩን ኣሳቕዩን ዝቐትል፣ ንሓዋሩ ዝተቐብረ ፈንጂ ብምዃኑን፣ ንኢሰያስ ጥራይ ዘርብሐ፣ ህዝቢ ኤርትራ ጥብ ትብል ሳንቲም ዘይረብሓሉ ብምዃኑ ድሒሩ ስለዝተረድኦ እምበሪ።”

ኣነ ድማ “እንታይ ድዩ ነገሩ በልክዋ” ብድንቁርናይ ከይትዕዘበኒ ነተን ቃላተይ ዳርጋ ውሕጥ ኣቢለ ትሕቲ መልሓሰይ ብኽበሃል ዝኽእል ኣቀራርባ። ሕጂ ዘረብኣ እንተቐጺላ ትም ኢለ ክሰምዓ ኢየ ኢለ ምስ ነብሰይ ቃል ኣተኹ።

“ ኣባይቲ ርእሲ ምድሪ ባጽዕ እንተላይ እቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ናይ ዓለም ኪኢላታት ዝሃነጽዎ ኣዝዩ ብሉጽ ቪላታት ናይ ሲኞር መሎቲን ክፈርስ ከሎ ትዝክሮ’ዶ” ትብለኒ። እነ ድማ ህውኽ ኢለ “እወ” ይብላ።

“ኣብኡ እዩ እቲ ናይ ጣልያን መርዛም ናይ ኑክሌር ሓተላ ተቐቢሩ ዘሎ። ንወደብ ምስፋሕ’ዶ፣ ከም ናይ ዱባይ ዓበይቲ ዘበናውያን ህንጻታት ንምስራሕን ኢሎም ነቲ ገዛውቲ ኣፍሪሶም ነቲ ቦታ ብዶዞራት ኣዕሚቖም ኢዮም ፊሒሮም። ነቲ ብዓባይ መርከብ ተጻዒኑ ዝመጸ ኒክሌራዊ ሓተላ ቀቢሮሞ” ትብለኒ።

ኣነ ድማ ኤርትራዊ ህግደፋዊ ኒሕ ሒዙኒ፣ “እዚስ ዘይእመን እዩ። ካብዚ ኹሉ ልዕሊ 1200 ዝኸውን ገማግም ባሕሪ እትውንን ኤርትራስ መቕበሪ ሲኢና፣ ገዛውቲ ኣፍሪሳ፣ ሰፈርቱ ኣበሳቢሳስ ኣብ ትሕቲኡ ቀቢሮሞ ክትብልኒ። እዚስ ፍጹም ዘይእመን እዩ። ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ መሬት ዳንካልያ ኣይረኣኽዮን ዲኺ። እንታይ ዘድክም ነይርዎም ኣብቲ መንገዲ ዓሰብ ስቅ ኢሎም ዘየቐምጥዎ እቲ ሑጻ ብሓደ ለይቲ ባዕሉ ቀቢርዎ ምሓደረ” በልክዋ።

“እታ መርከብ’ኮ ኣዝያ ዓባይ ብምዃና መጸግዒ ወደብ ስለዘድልያን ኒኩለራዊ ሓተላ ድማ ብቀጥታ ካብታ መርከብ ክጉሓፍ ስለዘለዎ፣ ብዘይካ ኣብ ባጽዕ ወይ ኣብ ዓሰብ ዓበይቲ ወደባት ኣብ ካልእ ንኣሽቱ ማርሳታት ክትጽጋዕ ስለዘይትኽእል እዮም ኣብ ወደብ ባጽዕ ኣጸጊዖም ኣብቲ ጥቓ ወደብ ዝርከብ ኣባይቲ ኣፍሪሶም ኣብ ርእሲ ምድሪ ቐቢሮሞ” ትብለኒ።

ካብዚ ንንዮው እንታይ ኢለ ከምዝምክትን ከምዝምጉትን ሽዑ ኣይመጻለይን፣ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ’ውን ኣይረኸብኩን። ካልእ ኣማራጺ ስለዘይብለይ ድማ ነቲ ዛንታ ኣሚነዮ ኣብ ልበይ’ውን ዓቑረዮ ጸኒሐ። ሚስጢር ናይቲ ብሃታ ሃታ ብዶዘራት ዝፈረሰ ኣባይቲ ባጽዕ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነቲ ናይ ሽዑ ጉያ ጉያ ክዝክር ከለኹ፣ ኣብ ባጽዕ ሽዑ ሽዑ ገለ ተኣምራት ናይ ምዕባለ ንርኢ ኾይኑ እዩ ዝተሰምዓና። ካልእ ሚስጢር እንተሎ ኸኣ እቶም ምኽንያት ዘይውድኦም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደገፍቲ ህግደፍ ሃየ ይንገሩና።

 

ዮሃንስ ስባህቱ ሃብተስላሴ

18 ሕዳር 2018

ካብ ርእሲ ምድሪ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • DW November 21, 2018

    Why would Isayas need a signature from Andemichael to accept the nuclear waste? Your story doesn’t make sense.

  • Wedi Hagher November 21, 2018

    “Why would Isayas need a signature from Andemichael to accept the nuclear waste? Your story doesn’t make sense.”

    DW

    Either you don’t know much about Iseyas, which I strongly doubt, or you are trying to protect him.
    In every crime committed by Iseyas, others are implicated.
    Obviously, he doesn’t want be alone. He implicates people in crimes so that they can protect him, for own safety.
    That is why many former Army and Security officers are hiding in diaspora. Even when they are away from him, they are worried that change may eventually expose their past crimes.
    Iseyas is protected by comrades in crimes.

  • Ashena as is ዓሸና November 22, 2018

    And Isayas needs all this money for what? I am not a big fan of the man, but associating the man with money is a stretch.
    You can call him anything (cruel, dictator, etc) but not financially greedy. just saying!

Post a Reply to DW Cancel Reply