Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጕድዩ! ጕድዩ! ጽንሕ ኢልና ገለ ክንሰምዕ ኢና።

እታ ብህግደፍ ድምጺ ሓቂ እናተባህለት እትጽዋዕ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ ናይ 26 ታሕሳስ ሕታማ ዝወጻቶ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ነበር ዝምልከት ዘደንጹ ዜና ንመልከት። ሰሜን ኮርያ፡ ቀቅድሚ ዕረፍቲ መራሒኣ ዝተራእዩ ተኣምራት መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ካልኣይ፡ ቅድሚ

እታ ብህግደፍ ድምጺ ሓቂ እናተባህለት እትጽዋዕ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ ናይ 26 ታሕሳስ ሕታማ ዝወጻቶ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ነበር ዝምልከት ዘደንጹ ዜና ንመልከት።

ሰሜን ኮርያ፡ ቀቅድሚ ዕረፍቲ መራሒኣ ዝተራእዩ ተኣምራት

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ካልኣይ፡ ቅድሚ ምዕራፉ ኣብ ዝነበረ ሒደት ደቓይቕ፡ ኣብታ ሃገር ‘ወዝቢ’ ክትብሎም ዘየድፍሩ ኣገረምቲ ፍጻሜታት ከም ዝተኸስቱ መንግስታዊ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና’ታ ሃገር ኣጋዊሑ። እቲ ኣገልግሎት ዜና ብቐዳም ኣብ ዘጋውሖ ወግዓዊ ሓበሬታ፡ ኪም ጆንግ ካልኣይ ቀቅድሚ ምዕራፉ ኣብታ ሃገር ዝረግፍ ዝነበረ ብርቱዕ ውርጪ ብቕጽበት ከቋርጽ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ‘ፓይክቱ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅዱስ እምባ ዝነበረ ሰማያት ድማ ሃንደበት ናብ ቀዪሕ ተለዊጡ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ መራሒ ቅድሚ ዕረፍቱ ኣብ ዝነበራ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ባቡር ተሰቒሉ ሰንጢቝዎም ዝሓለፈ ናብ በረድ ዝተለወጡ ቀላያት ብኡ ንብኡ ብርቱዕ ድምጺ ፈጢሮም ፈጋዕጋዕ ከምዝበሉ፡ ብዝሒ ዘለወን ናይቲ ከባቢ ፍሉያት ኣዕዋፍ’ውን ንሓወልቲ ወላዲ ናይ’ቲ መራሒ ክኾላኦ ከምዝወዓላ እቲ ኣገልግሎት ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። ሰሜን ኮርያ ብኣመሪካ ንኸይትምብርከኽ ብዘተጻወቶ መዘና ኣልቦ ተራ ኣብ ህዝቡ ልዑል ኣኽብሮት ዝነበሮ ኪም ጆንግ ካልኣይ፡ ኣብ ጉዕዞ ናይ ባቡር እንከሎ’ዩ ብምኽንያት ሕማም ልቢ ሃንደበት ዓሪፉ።

ህዝቢ ኮርያ ኣብ ዓለም ዝመስከሮ ስቓይ፡ መከራ፡ ሕሰምን ጥሜትን ከም ዘሎ ዓለም ንዓለማ ትፈልጦ ጕዳይ ከም ዝኾነ ኩላትና ንፈልጦ ሓቂ’ዩ። እዛ ከም መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ህዝባ ትቕልብ ኣብ ውድድር ናይ ኣጽዋር ተጸሚዳ ማዕረ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ወኒና ኣላ እትብሃል ዕጽውቲ ሃገር፡ ህዝባ ብጥሜት ክሃልቕ ምስ ጀመረ፡ “እንተደኣ እኽሊ ረዲአትን ነዳድን ዘለጊስኩምለይ መማዕበሊ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝኾነ መደበራት ኣይከዕንዎን’የ፡” ስለ ዝበለት፡ “ደሓን ጥራይ ኣዕንዊዮምበር ህዝቢ ኮርያ ህዝብና’ዩ፡” ብምባል ደቡብ ኮርያን ምዕራባውያን ሃገራትን ብሚልዮናት ቶናት ዝግመት እኽልን ነዳድን ክህባኣ ከም ዝጸንሓ ይፍለጥ። መቸም ኣብ ዓለም ንዘልኣለም ኣይንበርን’ዩ፡ እቲ ግኑን ውልቀመላኺ ኪም ጆንግ ሞተ ደኣ። ንሞቱውን መታን ኣድላዪ ምድላዋት ክግበር ተባሂሉ ንሳልስቲ ንደቂ ሃገር ይኹን ሞቱ ንዓለም ሞቱ ከይተነግረ ቀንዩ።

ሕጂ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣዝዩ ህቡብ መራሒኡ ውልቀማላኺ ኢሳያስ ዘለዎ እምነት ከም ዝጸንዕ ንምግባር ግዲ ተሓሲቡ፡ እታ ምንጪ ሓሶትን ምድንጋርን ምዕፋንን ዝኾነት ሓዳስ ኤርትራ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ሓደ ሕጻን ቈልዓ ክግምቶ ዝኽእል ሓሶት ከም ህያብ ናይ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ቀሪባትልና። ዓለም ብዛዕባ ሓድሽ ተክኖሎጂ፡ ቍጠባዊ ምዕባለ፡ ስነህንጻ፡ ስነጥበብ ወዘተ ይዛረብ ይጽሕፍ ኣሎ። እንዳ ጃህራ ድራሮም ህግደፋውያን ድማ መሳኪን፡ ቍምነገር ተረኺቡ፡ ሓቃቶም ከኣ ዝሕግዞም መሲሉዎም፡ “ኣብ እከለ ሃገር ከምዚ ዝበለ ቅያ ኣጋጢሙ! እዚ ተርእዮዚ ኣብኡ ካብ ኣጋጠመ፡ ኢሳያስ’ውን ከምኡ ውልቀመላኺ ስለ ዝኾነ፡ ኢሳያስ ኣብ ዝሞተሉ ግዜ’ውን፡

‘ሃንደበት ጸሓይ ጸልማት ተኸዲናስ ክሳብ ኢሳያስ ዝቕበር ድማ ንሰለስተ ሰዓታት ምሉእ ኤርትራ ካብ ቃሮራ ክሳብ ሰንዓፈ፡ ካብ ግርማይካ ክሳብ ዳህላክ ጸልማት ወሪሱዎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሩባታት ከም ቅጽበት ኣብ ዘለዉዎ ክደርቁ ከለዉ፡ ኣኻውሕ ኤርትራ ፈጋዕጋዕ ብምባል ኣውያቶም ብምስማዕ ከም ሕሱም ነቢዖምን ምእባድ ኣብዮምን። ኣእዋም፡ ዓርኮብኮባያት፡ ድማታት፡ ኣዋሊዕ ኤርትራ ድማ ኣቝጽልቶም ነጽዮም ናብ መሬት ኣርጊፎሞስ  መሬት ሕብራ ተቐዪሩ። እንስሳታት ኤርትራ ድማ እዚ ለዋህ ኣቦና ምስ መን ሓዲጉና ይኸይድ ኣሎ ብምባል ብጓሂ ሕርር ኢሎም እናነብዑ ናብ ኣስመራ ኣምሪሖም። ባሕሪ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ከባቢ ዳህላክ ብርቱዕ መጋርያ ብምእጓድ ሃልሃልታ ስለ ዝፈጠረ ብስንክ’ቲ ብርቱዕ ዋዒ ኣብ ስዑዲያን የመንን ዝርከባ ፋብሪካታት ሃንደበት ካብ ስራሕ ደው ኢለን። ሽዑ መራሕቲ ስዑዲን የመንን ኢሳያስ ከም ዝሞተ ተረዱኡዎም፡ ሎሚ ሓደ ዓቢ ሰብ ሓሊፉ ብምባል ቀብሪ ንመዓስ ምዃኑ ክሓቱ ናብ ኣስመራ ክድውሉ እንተ ፈተኑ፡ ናይ ምሉእ ዓለም መራሕቲ ሃገራት ይድውሉ ስለ ዝነበሩ፡ መስመር ተታሒዙ ክሰልጦም ኣይከኣለን። እዚ ተርእዮ’ዚ ወዝቢ ዘጋጠመ ዘይኮነ ገለ መልእኽቲ ከም ዘለዎ ዓበይቲ ዓዲ ኣውኪኦም፡”

ተባሂሉ ክጽሓፍ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ካብ ህግደፋውያን እንታይ ክንጽበ ንኽእል። ጕዳይ ሃገር የሎን ብዘይካ ኢሳያስ በሊዑ ሰትዩ፡ ጠሪጡ፡ ፈስዩ! ነገር ተወዲኡ። ብዛዕባ ዅሉ ንሱ ክሓስበልና ስለ ዝኾነ ሓንጐልና ኮፍ ኣቢልናዮ ክንጸንሕ ንኽእል ኢና። ፍጹም ሕንኽ ዘይብሉ ሰባት ስለ ዝኾኑ፡ ጽባሕ ንግሆ በቕሊ ወሊዳ ክብሉና ምዃኖምን ርዱእ’ዩ።፡ ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ተቐሪብና ንጽናሕ። እቲ ኣነ ዝገርመኒ፡ ህዝቢ ብውሽጡ ይኽዕቦም ከም ዘሎ ከስተውዕሉ ዘይምኽኣሎም’ዩ! ገለ እራይ ምራይን ተረፍ መረፍ ናይ ኢሰፓን ንኸምስሉ ምስኣቶም ሆ! እንተ በሉ፡ “ደጊፎም እንተላሃዩዋስ ዘላ መሲሉዋ” ከም ዝብሃል ኣለና ኢሎም ይሓስቡ ይህልዉ። ብሓቂ ዝሕዘነሎምዩ!

ብሩኽ ልደትን ሰናይ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና! ውድቀት ንህግደፋውያን፡ ሰላምን ዓወትን ንህዝቢ ኤርትራ!

ዘመን በራኺ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • truly, Truly i say to you December 27, 2011

    part3
    Did you know when I sea the incident what it comes to my mind, I say , Are these people going to tell us, “like during the day the Lord in front of his chosen Israeli people went in pillar of cloud to show them the way, and during the night he went in front of them in pillar of fire to give them light, so they could travel night and day” like it is written in holly book( Exodus 13; 20- 21) Your Lord for Africa ( Clinton is also coming through the pillar of cloud to show us the way was the meaning that I have given. Anyway me don´t be confused I didn´t learn that much at any famous universality my understanding come only from my teacher Lord Jesus. So like a believer I believe in nature catastrophe, but I belive too human being can cause, Tsunami,earth quake, volcano irruption etc.. I believe the holly ghost always help me when created things by God or by human being. Thank my Lord and my God Jesus for that.

  • wediere December 27, 2011

    Nothing wonder me from a country who copy everything from this sick , backward , unhuman , selfish, retarded communist leaders . The same thing we hear everyday from this garbage newspaper even not worth to cover a dirty shoe with it. They will tell us one day that the DIA is the assigned , choosen leader for Eritrea from God who is above everything, above the constitiution. The mass killer of the Kim died in his house drinking and watching porno film. However, the poor Korean people were told that he died on the way to one location to visit his lovely people like ours everytime goes to Barka to give instruction how to harvest onion and vegitable to the locals or give orders and advice to engineers how to build bridges somewhere in Eritrea as if he has nothing better to do.

  • danny December 27, 2011

    I could not help to notice where the roll model of PFDJ lies. After watching clips on tv of military parades of jumping soldiers, the non stop clapping of people for a man who doesn’t even utter a word in north korea… it is simply laughable. More laughable and sad at the same time is PFDJ’s poor performance in copying a rogue state. How can one fail to copy a failed state?

    Am ashamed of being an Eritrean, thanks to PFDJ!

  • truly, Truly i say to you December 27, 2011

    About, the direct and indirect systematical help of America to Ethiopia that time there is no question about.But what Ato Abdu told, as if Isayas was ready to accept the US- Rwanda peace proposal before the beginning of the third round war is totally lie.However, in US side eventhough they give that peace proposal i don´t think, that they truly were wanted to end the crises peacfully, because they were already calculated the milittary situation what ever peaceful proposal they propose that will be rejected in both sides. This means you can tell to someone “Yes” in outside eventhugh you mean “NO” in inside. You can also propose peace in outside even though your will is to see war in inside. Anyway this or that way those heroes who are inside in prison now like, HAile (Drue), Petros Solomon, Birhane , Sharifo, Biraki ect… they already were calculated the danger , that is why they wanted to end the crises peacefully, but Isayas was purposily stubborn, even that time he was agreed to be helped Ethiopian through Asab port, because that time , the US and all powerful nations in the name of hunger they were decided to systematically to help Ethiopians. So after all this happened, now Ali Abdu if he pretend the language to speak what Haile Drue, said it before, no one will listen him.

  • gasha December 29, 2011

    truley
    entay tible wedy ab wugiee zeyweale kulu jigna belu abotat
    kaliee ke alekado

Post a Reply to wediere Cancel Reply