Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጓሂ እየ ጠኒሰ እንታይ ኮን ክሓርስ`የ?

መዋእል ተረሚሰ ብብዙሓት ረገጽቲ ብየማን ብጸጋም፡ ጻዓዱ ጸለምቲ ደቀይ ኣጓንዮም ንሃብተይ በርበርቲ። ድሕሪ ነዊሕ ገድሊ፡ ሰፍዘይብል ዋጋ እፎይ ኢለ፡ ከዕርፍ ብስጋ መንፈሰይ ኣይቀሰነን፡  ከየዉሓስኩ ሕጊ እንዳ`ባ ዓመጽ፡ ግፍዒ፡ ምልኪ ጨንይኒ ብኣጋ። ደቀይ እቶም ዉፉያት፡ ደለይቲ ፍትሒ ንነብሶም ዘይኮነ ነሕዋቶም ሓለይቲ በብሓደ ጠፍኡ፡ ብዉሑዳት ጠለምቲ። ወላዲት፡

መዋእል ተረሚሰ ብብዙሓት ረገጽቲ

ብየማን ብጸጋም፡ ጻዓዱ ጸለምቲ

ደቀይ ኣጓንዮም ንሃብተይ በርበርቲ።

ድሕሪ ነዊሕ ገድሊ፡ ሰፍዘይብል ዋጋ

እፎይ ኢለ፡ ከዕርፍ ብስጋ

መንፈሰይ ኣይቀሰነን፡  ከየዉሓስኩ ሕጊ እንዳ`ባ

ዓመጽ፡ ግፍዒ፡ ምልኪ ጨንይኒ ብኣጋ።

ደቀይ እቶም ዉፉያት፡ ደለይቲ ፍትሒ

ንነብሶም ዘይኮነ ነሕዋቶም ሓለይቲ

በብሓደ ጠፍኡ፡ ብዉሑዳት ጠለምቲ።

ወላዲት፡ እወ ኣነ እታ ወላዲት ኤርትራ

ኣደራዕ ስቃይ ሓዘን ጥምየት ምስ መከራ

ክጸሮ ጸኒሐ፡ ካልኦት ክግዕራ።

ሎሚ ግና፡ ባቃ ከይዱ ስዒርኒ፡

ራኣይዎ እንዶ ከብደይ ነፊሕኒ

ጥንሲ ተዝኸዉን ንዓይ ምሓሸኒ።

ጓሂ እየ ጠኒሰ እንታይ ኮን ክሓርስ እየ?

ኣትን ኣሕዋት፡ ኢትዮምጵያ፡ ጅቡቲ፡ ሱዳን ሰብ ርሑቅ ቀረባ

ከምናተይ ዶ ርኢኽን፡ ሰሚዕክን ትፈልጣ

ንገራኒ እባ፡ ከማይ ጓሂ ዝጠነሳስ፡ እንታይ ኮን ሓረሳ?

ድኻ ኣይኮንኩን ኣነ፡ ዋና እየ ስኢነ

ማዓድን እሞ ይትረፍ ምድሪ ዝተኸድነ

ጻዕራም ህዝቢ ኣለኒ፡ ምሕደራ ዝሳኣነ

ሕጊ ኣብዘይብሉ፡ ብሕልና ዝዳነ።

ራኣይዎም እሞ! እቶም ደቂ 70 ዓመት

ዝባኖም ዓሪቁ ከይኣኽሎም ድኽነት

ኣብ ቁሪ ይሓድሩ፡ ተሰኪሞም ብረት።

ናይ ኣዴታት ኣሎ ዘይብሉ ዘረባ

ክቦን ወረ ክቦን መግለጺ ጸበባ

ኣንጊሃን ይወፍራ ገጸን ከይተሓጽባ

ባኒ፡ ላምባ፡ ማይ ሪጋ ተሰሪዕን ገለ ተረኸባ።

ኣነ ወርቂ ይሕለብ፡ ህዝበይ ጥሜት ሞይቱ

ብክብረት ከይነብር ኣብ ገዛእ መሬቱ

ደቀባት ናብ ስደት፡ ነጊሶም ሸፋቱ።

ጓሂ እየ ጠኒሰ እንታይ ኮን ክሓርስ እየ?

እወ ደቀይ፡ እቶም ህጻናት ማዓንጣ ዘይቆጸሩ

ሕቑፎይ ገዲፎም፡ ግዳም ምስ ሓደሩ

እነሀለዉ ኮይኖም መጻወቲ ተዃሉ

ገበነ ዘይብሎም ጋር ነብሲ ይኸፍሉ።

 

ዝረኸበ ይዘምቶም፡ ከምጥራይ በረኻ

ረዳኢ ዘይብሎም ድኻ ደቂ ድኻ

ኣፈይ ተዓቢሱ፡ ኣብ ኣግረይ ማሕለኻ።

ገለ ኣብ ባሕሪ ይተርፉ፡

ገለ ከም ዓሳ ይግፈፉ፡

እቶም ዝሰገሩ ኣበይ ከይዓርፉ፡

ኣደ ዘይብሉ ፡ ገበላ ሰፈሩ።

ኣቱም ተጋደልቲ ሰብ ጽቡቕ ሕልና

ኣቱም ኣገልግሎት ዝሓለፍኩም ፈተና

ኣቱም ኣቦታት ኣደታት ሰብ ዓቢ ልቦና

ትሰምዕዋዶ ኣለኹም ጓልኩም! መጻወቲ ኮይና።

ብሓጋይ ክረምቲ ብዙሕ ዝደኸሙ

ሰንክል እንዳበሉ ንኹሉ ክዓሙ

ቀሪብና እንዳ በሉ ጽዕር ዝኸረሙ

ቪላታቶም ፈሪሱ ስኢናም ሃዳሙ።

ጓሂ እየ ጠኒሰ እንታይ ኮን ክሓርስ እየ?

ኣንቱም መታለልቲ፡ ሃገራዉያን ትብሉ

ባንዴራ ኣልዒልኩም ሓላይቲ ክትመስሉ

ሬሳ ደቀይ ረጊጽኩም፡ ምስ ህግደፍ ትድብሉ

ወይልኹም! ጽባሕ ዝዓቢ ቖልዓ ሎሚ ትብድሉ።

ፍርሒ ዶኾን ይኸወን ጉርሒ

ንህዝብኻ ክሒድካ ትሽሕጥ መራሒ

በጃኻ ዓሻየ፡ ካብ ሽማግለስ፡ ምሓሸካ ምክንኻን በጽሒ

መሲልካ እምበር ቀደም ሓፋሽ፡ ጽባሕ ሓፋሽ`ዮ ታሪኽ ሰራሒ።

ኣቱም ደቀይ፡ ተማኸሩ ተላዘቡ ተሎ

እዚ ሕበጠይ ሓዲኡ ንግበሮ

ግዜ ተነዊሑ ከይቅየር መንሽሮ

ኣነ ዉን ተጣሪዐ ሎምስ፡ ከቢድኒ ክጸሮ።

ራኣይወን እንዶ ባዓል ሶርያ፡ ጓሂ ዝጠነሳ

ደቀን እንታይ ረኸቡ ደም ምስ ኣምለሳ

ኣይድለይንን እዩ ባህላዊ ፍወሳ

ደቀይ ሰብ ደንከል፡ ቆላ ምስ ከበሳ

ሎሚ ተማኸሩ፡ ጽባሕ ዋጋ የብሉን ጣዕሳ።

ሓደራኹም ብደወይ ከይመዉት

ፈዉሲ ርኸቡሉ ናይ ከብደይ ኣራዊት

ሓይሊ ኣየድልዮን`ዮ ዓርሞሾሽ ሰራዊት

ጉጤት እያ ትኣኽሎ፡ ካብ ስሩ መምሓዊት።

 

ፍትሒ ይንገስ፡ ምልኪ ይፍረስ!!!

ኣማን ጎይትኦም ካብ ሊድስ 29/10/2016

amang_777@yahoo.com

 

***************

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Kibrom October 29, 2016

    Aye tsihuf, aye gura, entay’mo kulu bado bado. Eritrawiyan meguhayiti fitret kulu giziye zero zero.

    • AHMED SALEH !!! October 30, 2016

      ‘aye tsihuf , aye ghura ” DEDEB yiblu Amhara .
      Unless you didn’t read the poem or act like an idiot it is about mothers tears and in fact
      from their story is where yours begins .

  • k.tewolde October 30, 2016

    It hurts to the core. The Eritrean plight!. In order to start healing,first we must admit our mistake and repent then apologize to those we inflicted harm and start living the rest of our lives making all the wrongs right,healing is a few honest words away.God is forgiving.

  • Mike October 30, 2016

    Nebsu bimiwidas bimiginan ziseKhere ziAbede meskin hizbi Ertra.
    Shabia made it possible for Eritreans to live in a fake full of gurra and fake country.
    PFDJ has to correct it and bring poor suffering and backward Eritreans down to earth to real world.
    Yes indeed God is forgiving and lasting love but do the braggers and backward of Eritrea want to be forgiven?
    The honest answer to that is a big NO yet, Eritreans will have to suffer and be punished much longer before healing.

    • koubrom November 3, 2016

      And who are you please ?
      we are much much more better than you tigray ,and we don’t steal people ,we are hard worker and good fighter ,yes we are the most proud people of world, we don’t live on lie we rather be poor with our dignity than stretching our hand to beg to white master and that what we are ,that blame my people who sold their soul to devil America in the name of human rights
      Instead of enduring with their people, home the good and bad together ,human being can do mistake their mother country will always welcome them ,it’s up to them.
      But you ,tigray what’s going on? ?
      Do they start hunting you?the amhara and oromo to adwa ,axum hahaha

  • Simon G. October 31, 2016

    Very sad but true. Well written poem, Aman!

POST A COMMENT