ግፋ አብ ኤርትራ
ካብ ኤርትራ ዝመጹ ዘለው ሓበሬታት ከምዘገንዝቡዎ፣ ስርዓት ኢሳይያስ በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ምኽላእ ዝተእኾኡ ፖሊሲ መሰረት፣ አብ መላእ ኤርትራ ብቐጻሊ ከቢድ ግፋ የካይድ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዚ ንጸልማት ጉልባብ ጊርካ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ዕድሜኦም ካብ 18
![](https://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2013/12/Milisha_Eritrea.jpg)
ካብ ኤርትራ ዝመጹ ዘለው ሓበሬታት ከምዘገንዝቡዎ፣ ስርዓት ኢሳይያስ በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ምኽላእ ዝተእኾኡ ፖሊሲ መሰረት፣ አብ መላእ ኤርትራ ብቐጻሊ ከቢድ ግፋ የካይድ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዚ ንጸልማት ጉልባብ ጊርካ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ዕድሜኦም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ዝኸኑ ሰባት ዝቐንዐ ኢዩ።
ካብዞም ዝግፈፉ ዘለው ሰባት መብዛሕትኦም እቶም ቅድሚ ሕጂ ሳዋን ካልእ መዓሰከራትን ንታዕሊም ወሪዶም ብዘለዎም ናይ ጥዕና ጸገማትን ስንክልናን ካብ ሰራዊት ብሓኻይም ብዘተገብረ ምጽራይ ብቦርድ ተፋንዮም ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ ሰራዊት ብዙሕ ዓመታት ዘገልገሉ ከም ሕማም ሽኮርያ ብዝኣመሰሉ ሕዱራት ሕማማት ዝተፋነው ሓያለ ‘ውን ኣለዉዎም።
እዞም ብጸልማት ብሃንደበታዊ ግፋ ካብ መንገድን ካብ ገዝኦምን ዝውሰዱ ዘለው ሰባት ብዘይ መድሃኔት ክነብሩ ዘይክእሉ ብምዃኖም፤ አብቲ ዝኸድዎ መዓሰከራት ናይ ሞት ዕጫ ክገጥሞም ኢዩ ዝብል ስክፍታ አሎ። እዚ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ስጉምቲ፣ ነቲ ድሮ ሳዕሪሩ ዘሎ ብኣጋ መንገድኻ ምጽራግ ይሓይሽ ዝብል ተስፋ ምቕራጽ ዘበገሶ ዋሕዚ ስደት ብዝተዓጻጸፈ ከምዝውስኽ ክገብሮ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።
ብዙሓት ካብዞም ተገፊፎም ከይዶም ዘለዉ ልዕሊ ዕድመ አቦታት፤ ደቆም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ውትህድርና ንዓመታት ዝላደዩ ኮይኖም፣ ሕጂ ድማ አቦታቶም ይጽንበርዎም አለው። እዚ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኣብዛ ሓዳሽ ዓመት ንህዝብና ብግፋን ወረ ግፋን ረቢሹ ናብ ኣውያትን ምፍልላይን ሸሚሙዎ ምህላዉ፣ ቅሳነትን ሰላምን ህዝቢ ዘየብህጎ ሓሳድ ስርዓት ምዃኑ ደጊሙ ዘረጋግጽ እዩ።
እቲ ውድቀቱ ዝረኣዮ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ክገብር ይኽእል ኢዩ ዝብሎ ክፋል ሕብረተሰብ ካብ ከተማታት ኣርሒቑ ኣብ መዓሰራት ከርዲኑ ከም እሱር ብምሓዝ ስግኣቱ ንምጕዳል እዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ቀጻሊ ግፋ ዘካይድ ዘሎ።
AHMED SALEH January 25, 2015
The picture looks familiar with those Zemecha
army of Ethiopia at Mengustu government ,
forced peasant army .
As an Eritrean it break my heart to say that, but
hey , it is what it is as far as I look at it .
Well done the fake lion of Nakfa to produce fake
army .
siraj January 25, 2015
Oqbai
Kkkkkkkkkkkkkkkkkk well said
matusala January 25, 2015
eti medhanit hji wn ab ed kulu eritrawi eyu zelo nsu wn neti sreat mbunqaru tray.it should be uprooted
Halibai January 25, 2015
That’s the only solution!!!
sammy January 26, 2015
is any body tell me what happed to us we was strong now we are nothing I could no’t fger out? man
teckle January 26, 2015
Who is leading the country?
Is it Isayas or Amanuel?
Why why why????
tekle January 26, 2015
ኢዚ ኢኩይ ብልሹው ሬሳሕ ባዓሌጌ ጌቤኔኛ ስርዓት አስሜራ ንህዝቢ ኤርትራ ሒቍኡ ክሴብርን ክህልቅን ናቴይ ኢሉ ዝሓዞ ዒላማ ኢዩ
Eritrea January 26, 2015
The Picture is from Independence day parade!
Biniam Kidane January 26, 2015
In its 24 years of rule, Higdef has never stopped to amaze us by the next trickery or scheme that it comes up to perpetually dislocate the people. Higdef’s central logic as how to keep the masses perpetually disoriented goes as follows : if the people can’t be made to go to Sahel or Sawa, then Sahel or Sawa has to be brought to them that is to their cities and towns. Once a devil always a devil mafia higdef.