Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግደ ሓቂ – ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን

ግደ ሓቂ ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን “ዓጋመ!” “ካብ ዓጋመ ዘይተወልደስ ኣይጭዋን” “ዓጋመ!” “ጎይታኻ! ቀደም ጎይታኻ፡ ሕዚ ጎይታኻ። እቲ ስሬኻ ኣውሊቑ መዓኰር መዓኰርካ ዝሻሙጠካ ዝንሄ ተንቤናይ ዓጋመ’ዶይ’ኮነን!” “ዓጋመ!” “እሾኽ ዓጋም’ውጋኣያ’ኖኻ ኣንታ ጥልቁይ ንኖኡ ኣጽሩፉ ንኖይ ዘጽርፍ!” ንመጠረስትኡ እቲ ‘ዓጋመ’ ነዲሩ መቝለብ በለሱ ኣልዓለ። እቲ ጸራፊ

ግደ ሓቂ

ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን

“ዓጋመ!”

“ካብ ዓጋመ ዘይተወልደስ ኣይጭዋን”

“ዓጋመ!”

“ጎይታኻ! ቀደም ጎይታኻ፡ ሕዚ ጎይታኻ። እቲ ስሬኻ ኣውሊቑ መዓኰር መዓኰርካ ዝሻሙጠካ ዝንሄ ተንቤናይ ዓጋመ’ዶይ’ኮነን!”

“ዓጋመ!”

“እሾኽ ዓጋም’ውጋኣያ’ኖኻ ኣንታ ጥልቁይ ንኖኡ ኣጽሩፉ ንኖይ ዘጽርፍ!”

ንመጠረስትኡ እቲ ‘ዓጋመ’ ነዲሩ መቝለብ በለሱ ኣልዓለ። እቲ ጸራፊ ጢጥ ተወንቀፈ። ዘሕዝን’ዩ እዛ ንእሽቶይ ፍጻሜ ብደረጃ ግዙፍ ታሪኽ’ውን ደጊማ ተፈጺማ። ዘገርም እዩ ካብ መቍለብ በለስ ኣይተማሃርናን። ካብ’ቲ ኵናት ባድመ ድማ ኣይተመሃርናን። እቲ ዘይተማሃርናዮ ንሰብ ዘይምሕሳር፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዘይምብዳዕ እዩ።

ኣደይ ለባምን ትኵርቲ ተዛራቢትን እያ ነቢራ። ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ’ቲ እግሪ ኣባ ሻውል፡ ገለ ቈልዑት በለስ በሊዖም ከይከፈሉ ናብ ኵሉ ኩርናዓት ሃደሙ። እቲ በዓል በለስ መቍልቡ ኣልዒሉ ንዝስዕቦ ስኢኑ ግን ቀዚዙ ተረፈ። ንሱ እንክጓየ ነተን ኣብ ዘንብል ዝተረፋ ክሰርቁ ዝጽበዩ ዝነበሩ ካልኦት ቈልዑት እውን ኣስተብሂሉሎም ነበረ’ሞ ኣምሪሩ ጥራሕ ተራገመ። ኣደይ ናብ’ቲ በዓል በለስ ቀሪባ፡ “ስማዕኒ’ዚ ወደይ፡ እቲ ዝገበሩኻ ጽቡቕ ኣይኮነን። ቈልዑት ኴይኖም እዮም። ንስኻ ነቲ ምርጋምካ ኣቋርጽ ኣነ ድማ ገንዘብካ እኸፍለካ ኢላ ዓሰርተ ሳንቲም ሃበቶ። እቲ በዓል በለስ ከኣ ሽዑ ንሽዑ መርገሙ ኣቋሪጹ ክምርቕ ጀመረ። ክሳብ ገዛ ንበጽሕ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ተግባር ካብ ምዝራብን ምሕዛንን ኣየቋረጸትን። “ኣይግብርን! ኣይግብርን! እዚ ኵሉ እሾዅ ተወጊኡ፡ ክሳዱ ክሳብ ዝስበር ኣብ ርእሱ ዘንቢል ምሉእ ተሰኪሙ ነቲ ምሉእ ዓቐበት ዓርበ ሮቡዕ ደይቡ’ስ ጽጉባት ደቂ ጽጉባት ክሰርቁዎ ኣይግብርን!” ኢላ ጎሃየት። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ኢላ ድማ መሰለት። ዝኾነት ዝፈጸምናያ ሕማቕ ተግባር፡ ዝኾነት ካብ ኣፍና ዝወጸት ሕማቕ ቃል ንቕድሚት ሓሊፋ ጸኒሓ ሕኔኣ ከምእትፈዲ ከኣ በለትኒ። ከም’ዚ ዝኣመሰለት ኣደ ስለዝነበረትኒ ዕድለኛ’ዬ።

ነዚ ዘረባኣ’ዚ ክሳብ ሕዚ እሓስበሉ። እሕልዎ ከኣ። ብዙሓት ትግራዎት ኣዕሩዅቲ ድማ ነቢሮሙኒ። ሕዚ’ውን ኣሎዉኒ። ሕማቕ ኢሎሙንን ገቢሮሙንን ድማ ኣይፈልጡን። ነቲ ዘረባ ኣደይ ዘኪረ ድማ ሓንቲ መዓልቲ ከም’ዚ ሓሰብኩ። እቲ ብቈልዑትና ‘ዓጋመ’ ኢልና ክንጻረፍ፡ እቲ ቈልዓ ኢሳያስ እውን ኣብኡ ነቢሩ እዩ። እቲ ጸርፊ ሓያሎ ዝብልሑ ኣዕጽምቲ ዝሰብር ኵናተ መልሓስ እዩ። ኤርትራ ናብ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ኣምር ኣማዕቢላቶ፣ ድኻ፡ ለማኒ፡ ረሳሕ፡ ተንኮለኛ፡ ጠላም፡ ደንቖሮ … ዝኣመሰሉ ንውርምናታት የጠቓልል። ንኤርትራዊ፡ ‘ዓጋመ’፡ ስጋ ዝለበሰ ‘ክፍኣት’ እዩ። እዚ ኵሉ ግን እቲ ኤርትራዊ’ውን ዝኾኖ እዩ። እዚ፡ እቲ ኤርትራዊ ንነፍሱ ኣብ መስትያት ርእዩ ናብ ካልኦት ዘንጸባረቖ ምስሊ እዩ። እቲ ቈልዓ ኢሳያስ ድማ ነዚ ኵሉ ጸርፍታት’ዚ ሰሚዑዎን፡ እቲ ጸርፍታት ድማ ከምዘይሓልፍ ወጊኡዎን እዩ ኢለ እግምት። ኢሳያስ ብዛዕባ ተወልዶኣዊ መበቈሉ ግርም ዝፈልጥን፡ ብመበቈሉ ከኣ ስኾርዕን እዩ እንትምንታይ ስድራ ቤቱ መበቈሎም ዝፈልጡን ብኡኡ ዝኾርዑን እዮም። ኣነ ክሳብ ሸውዓተ ቀመ ወለዶይ እፈልጥ። ወዲ መን ኢኻ? ተስፋይ’ከ ወዲ መን? … እንዳተመሃርኩ እዬ ዓብየ። ኵሉ ኤርትራዊ ብዛዕባ መወለዱ እንዳተማህረ እዩ ዝዓብዩ። ኢሳያስ ግን፡ ከምቲ ኣብ መወለድን መበቍል ዓድን ካልኦት ዘሎዎ ተገዳስነት፣ ክሳብ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሓረግ መወለዱ ከም ዝፈልጥ እስምዓኒ። ኢሳያስ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ክሕበር ክደሊ እንከሎ እታ ፈለማ ዚሓታ ሕቶ ‘ኣበይ’ዩ ዓዱ?” እያ። ከምቲ ንስነ ኣእምሮኡ ንፈልጦ ከኣ፡ ጽሉል ቂመኛ እዩ፡ ሓንቲ መዓልቲ መን ምዃነይ ከርእየን እዬ! እንዳበለ ከም ዝዓበየ እኣምን። እንሆ ድማ ሕዚ የሰራስረና፡ የሰራጥየና፡ ይኣሰረና ይቐትለና፡ ካብ ዓድና የሳጉጎና ኣሎ። ነታ ክልተ ሜትሮ መቓብርን ንቡር ስነስርዓት ቀብርን እኳ ኣብ ገዛእ መሬትና ነፊጉና። እቲ ሽዑ ብቍልዕነቱ ኣደይ ዓሰርተ ሳንቲም ሂባ ከይተደዓዕሶ እኳ ዕድልና ሓሚቑ ኣይተራኸቡን።  ኣደ የማነ ገብረኣብ እውን ትግራወይቲ እየን። እቲ ኵሉ ኣዲኡ ክጽረፋ ንየማነ ኣይግድሶን ነቢሩ ክበሃል ኣይከኣልን። በዓል ክሻ ከኣ … ።

እዚ ተሞክሮ’ዚ ንስነ ኣእምሮኣዊ/ማሕበራዊ/ ውልቃዊ ቅርጻ ጠባይን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኢሳያስ ንበይኑ ወሲኑ ክብል ኣይክእልን። እቲ ደረጃ ጽልኡን ጭከናኡን ንዕቀቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣዝዩ ዘንገፍግፍ ኴይኑ ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ወትሩ ምስ ሓሰብኩን ምስ ተጨነቕኩን እዬ። ነቲ ኣብ ላዕለኢ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ቶሎ ክነጽጎ ኣይከኣልኩን። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ንከንቱ ኣይተባህለን።

 

ኵሎም ተግባራቱን ዘረባታቱን ከምዘረጋግጽዎ፡ ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣፍቂሩዎ ኣይፈልጥን እኳ’ድኣ  ካብ ልቡ ይጸልኦ። ክብትኖን ከጽንቶን ከኣ’ዩ ተበጊሱ ዘሎ። ኢሳያስ፡ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ተቓሊሰ! ኢሉ ይምካሕ’ዩ። እንተኾነ፡ ቀሪብና እንተተዓዘብና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም መሳርሒ ናብ ዝዓበየ ስልጣን ኢትዮጵያ ንኽጥቀመሉ ከም ዝተጋደለ ንርዳእ። እቲ ንተጋዳላይ ክጋደል ዝገበረ ቀንዲ ደራኺ ፍቕሪ ህዝቡ እዩ። ኢሳያስ ግን ብዛዕባ ፍቕሪ ህዝቡ ሓንቲ ቃል እኳ ኣተንቢሁ ኣይፈልጥን። ንህዝቢ ብቓለ ሓይሊ እንተዘይኴይኑ ብቓለ ፍቕሪ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። ‘ህዝቢ’፡ ‘ኤርትራ’፡ ‘መሬት ዓደቦና’ ኢሉ ይጠቅስ እዩ። ‘ፍቑር ህዝበይ’፡ ‘ፍቕርቲ ሃገረይ’ ዝብላ ሓረጋት ግን ካብ ኣፉ ክወጻ ፍጹም ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ነዚ ድማ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎዎ። ኢሳያስ፡ እንትርፎ ንነፍሱ ንዘፍቅሮን፡ ንዝድነቐሉን፡ ንዝንእዶን፡ ንዝሓልየሉን ንዝኣምኖን  የብሉን። ኢሳያስ እቲ ፍጹም ናርሲስት እዩ። ካብ ናርሲስትነት ዘይፍለ መንታ ጠባይ ከኣ ቅንኢ እዩ። ቅንኢ ኣብ ዝሃለወሉ ቦታ ከኣ ጽልኢ ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ኢሳያስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ንዝተፈቕረ ይቐንኣሉ፡ ይጸልኦ፡ የጸልሞ፡ ይቐትሎ። ካብኡ ንላዕሊ ንዝተደነቐ የናእሶ፡ ይቐትሎ። ካብኡ ንላዕሊ ንዝሓለየ ይጥርጥሮ፡ የካፍኦ፡ ይቕንጽሎ። ኢሳያስ፡ ንዝኾነ ኣብ ሓቅነት ተሞርኵኡ ዝምክቶ ኣይፈቱን። ካብኡ ንላዕሊ ዝኾነ ኴይኑ ስለዝስምዖ ከም ዕቁር መወዳድርቱ ወሲዱ  ይቕንጽሎ። ኢሳያስ እቲ ንበይኑ ፍጹም ሓሳባትን ስልጣንን እዩ። ኢሳያስ ልዕሊ ሕማቕን ጽቡቕን ዝኸደ ክሊኒካዊ ጽሉል/ፕሲሾፓት/ እዩ። ግን ከኣ እንታይ ከምዝደሊ ዝፈልጥ ጽሉል። ናብ’ቲ ዝደልዮ ንምብጻሕ ከኣ ዝኾነ ክገብር ድሉው ዝኾነ ጽሉል። ኢሳያስ ናብ ስልጣነ ኣማልኽቲ ዝመጣጠር ዕቡድ እዩ።

ኣብቲ ደርጊ ዝወደቐሉ እዋን፡ ኢሳያስ፡ ስሙን ግብሩን፡ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ’ውን ግኑንን ተፈታውን ነቢሩ እዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ እዚ ውሒጣ”ስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክነግስ ዝኽእል ክንሱ’ስ ከመይ ገቢሩ በታ ዕንጭቝሊት ኤርትራ ዓጊቡ ቢለ እሓስብ ነቢረ። ክልተ ነገራት እዮም ዓንቂፈሞ። ነቲ ምስ ኢትዮጵያ በገለ ዓይነት ፖለቲካዊ ዝምድና (ፈደራስዮን፣ ኮንፈደራስዮም …) ተሓባቢርካ ምስራሕን ምንባርን ዝብል ካልኣይ ምርጫ ኣብ መደብ ምንቅቓሕ ናይ’ቲ  መሳርሒኡ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራን ህግሓኤን ከም ገለ ገቢሩ ከእትዎ ኣይጎርሐን። ነቲ ንዓመታት ብምሉእ ነጻነት ኤርትራ ዘስከሮ መሳርሒኡ ከኣ ከም መኪና ብሃንደበት ንድሕሪት ክጠውዮ ኣይከኣለን። ሽሕ’ኳ ንህዝብን ውድብን ኤርትራ ናብ መኪና ሰሪሑዎ እንተነበረ፣ እታ መኪና ገና ብሰባት ዝተሰርሐት ስለዝነበረት ንድሕሪት ንኽመልሳ ጊዜ የድልዮ ነበረ። ንነፍሱ ጊዜ ክህብ እውን ፈቲኑ እዩ (ሃገራዊ ውከሳ … ) ። ህወሓት ግን፡ ቀልጢፉ ጎሪሑ መኪናኡ ድሮ ንድሕሪት ጠውዩ ጸኒሑ ንኢሳያስ መኪናኡ ጠውዩ ናብታ ዓባይ ኢትዮጵያ ከቕንዓ ጊዜ ኣይሃቦሮን። ስለ’ዚ፡ ንህዝቢ ከይተወከሰ ብዝቐልጠፈ ኣብ ነጻነት ኤርትራ ኣሚኑ ኣተግበረ። ስለ’ዚ ኣብራያም ያየ ኣእወየ። ህወሓት ብውሳኔኡ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ እዩ ቀቲሉ። ሓደ፣ ኣብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ ኣሚኑ ስለዘተግበረ ዲሞክራስያውነቱ ኣረጋጊጹ። ዊዒላ ሓዲራ ኤርትራ ናበይ ከይትጠፍኣና ዝብል ሓሳብ ግን ኣብ ድሕረ ኣእምሮኡ ግድን ነቢሩ’ዩ። ካልኣይ፣ ነቲ ሃንጎሊማ መዋዳድርቱ ኣልጊሱ ንኢትዮጵያ ንበይኑ ኣባሕትዩ ገዝአ። ብሸነኹ ኢሳያስ ካብ ድሕሪት ካብ ኤርትራ ብመገዲ ወያነ፡ ንኢትዮጵያ ክቈጻጸር ከም ዝኽእል ኣሚኑ ነቢሩ ክኸውን ዝኽእል። ንሱ ስለዝሰርሖምስ ያኢ ክእዝዞም መሲሉዎ ነቢሩ ይኸውን። ንሳቶም ግን ኣብ መቐመጭዑ ዕንጸይቲ ኣእትዮሙሉ። ብገለ ሸነኻቱ ኮሚካዊ ዳግማዊ ራስ ወልደሚካኤል ይመስል። ኢሳያስ ተቐይሙ፡ ተቈጢዑ ነታ ሓንቲ ዝፈልጣ መልሲ ተጠቕመ። ኵናት! ኣብ’ቲ ኵናት ከኣ ካልኣይቲ ዕንጸይቲ ደርገሙሉ። ኢሳያስ ኣብ ኣነነቱ ብርቱዕ ተረኽበ። እቲ ዝለዓለ ፈላጥ ተዓሽዩ፣ እቲ ዘይሰዓር ዓንተር ተሳዒሩ ኣነነቱ ዓሸውሸው በለ። ድሕሪ ውግእ ናብ ቤት ፍርዲ ከደ። ኣብ ቤት ፍርዲ ከኣ ሰዓረ። እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስዓሩ ከኣ መረጋገጺ ከንቱነት ናይቲ ዘካየዶ ውግእን፣ ጭብጢ ዕሽነቱን ድንቍርናኡን ኴይኑ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተዘይዕር ከምዝምፈተወ ብዓሰርተ ኣጻብዕተይ ምፈረምኩ። እቲ ብውሽጡ መራሕ ኢትዮጵያን፡ ብኡኡ ኣቢሉ ከኣ ተጋዳላይን መራሕን ኣፍሪቓን፡ ሓደ ካብ’ቶም ምሉእ ዓለም እትዛረበሎም ኣደነቕቲ መራሕቲ ዓለምን ናይ ምዃን ሕልሙ ተሓማሺሹ ከኣ ኣብታ ዕንጭቍሊት ኤርትራ ተኾርመየ።  ቍሸታዊ  ዲክታቶር ዕንጭቝሊት ኤርትራ ድማ ኾነ። ዕጽዕጸ ፍሽለቱ ከኣ ኣብ ልዕሊ ምስኪናይ ህዝቢ ኣውረዶ። ንህዝቢ፡ ነቲ ጽሕፍቶ ኣብ ልዕለይ ዘንበረቶ ታሪኻዊ ዕማም ከተፈጽም ኣይበቓዕካን! ኢሉ ጨፍጨፎ፡ ኣሰሮ፡ ኣድከዮ፡ በታተኖ። ኣብ’ታ ንእሽቶይ ኣስቃጥላ ኤርትራ ተዓሺጉ ዓቕሉ ጸቢብዎ ከኣ፣ ኣለኹ፡ ርኣዩኒ፡ ስምዑኒ! ንምባል በዘሎ የማነ ጸጋሙ ኵናታት ጻሕተረ። ተገዳስነት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣሜሪካ፡ ንምስሓብ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብ ፈቐዶኡ ኣቈምን ኣዋፈረን። ነዚ ንምትግባር ከኣ ነታ ብቐደሙ ድኻ ኤርትራ ክሳብ ዓጽመ ኣንጉዓ መጸያ። ዓለም ግን ኣይተገደሰትሉን። ኢሳያስ፡ ህይወቱ እኩብ ድምር ፍሽለታትን ዝመሎቑ ዕድላትን ኴይናቶ ናብ ጽሉል ኣረሜናዊ ቀታሊ ተሰጋገረ። እንሓንሳብ ክድንግጸሉ’ዶ ክጸልኦ ምውሳን ይሽግረኒ እዩ።

ካብኡ ንላዕሊ ዝጸልኦምን ዘደንግጹንን ግን እቶም ነቲ ሰብኣይ ከይተረድኡ ሆ ዝብልሉ ደናቑርን፣ እቶም ተፈዲኡዎም ክነሱ ገና ዘገልግሉዎ ድኹማትን ነፍሰ ኣሕሰርትን (masochists) እዮም። ኢሳያስ መን’ዩ? ናበይ ገጹ’ኸ ይጎዓዝ ኣሎ? ንምርዳእ ክንዲ ሓንጎል ደርሆ እትኣክል ሓንጎል፡ ክንዲ ጣፍ እትኣክል ሓቦ፡ ክንዲ ስርናይ እትኣክል ሕልና ጥራሕ ትኣክል። እቲ ሰብ፣ ሓንጎሉን ጠባዩን ሜላታቱን ሓያሎ ሻዕ ኣርእዩና’ስ፡ ሕጅ’ስ ብቕጽበት ክንርድኦምን ክንምክቶምን እዩ ዝግብኣና ዝነበረ። እቲ ብሜላት ኢሳያስ ምትላልና ድማ ርቐት ኢሳያስ ዘይኮነስ ድኽመት ኣእምሮና እዩ ዝእምት።

 

 

 

 

እስከ ነቶም ገና ኣብ ጎኑ ተሰሊፎም ንዝኾነ ንኢሳያስ ዝተቓወመ  ‘ዓጋመ’ ኢሎም ዝጻረፉ ንመልከት። እቲ ኣምር ‘ዓጋመ’፡ ካብ ዓይኒ ኤርትራውያ ንምልእቲ ትግራይ የጠቓልል። እሞስ ንጎይትኦም’ውን ይጸርፍዎ’ዶ ኣየለዉን?  እዚ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ክስራሕ ዝኽእል፡ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዝሰርሕ ግርግቢጠ ግርንቢጣት እዩ። ኢሳያስ’ከ ነዚ ግርንቢጣዊ ምስትንዓቕ መቦቈሉ’ዚ ከመይ ይጾሮ? ንኢሳያስ ዝኾነ ንጊዜኡ ዘገልግሎ ሜላ ቅቡል እዩ። ንእኖኡ ምጽራፍ ንእሽቶይ ናብ ሸቶኡ ዝደፍእ እንተዄንዩ፡ ንኖኡ ዝጸርፍ ንሱ ቀዳማይ ም’ኾነ። ዓቀይቶቱ ‘ዓጋመ’ ቢሎም እንተተጻረፉ ከኣ ንዕኡ፡ ንጊዜኡ፡ ዝያዳ ኤርትራዊ የምስሎ። ነቶም ተጻረፍቲ ከኣ ዝያዳ ኤርትራውያን የምስሎም። ካብ ኵሉ ድማ ‘ዓጋመ’ ኢሉ ዘየሎ መፈራርሒ ጸላኢ ይፈጥር።

ኣብ ሓንቲ ተራ መዓልቲ ሓደ ተራ ሰብ ገለ ዓሰርተ ሽሕ ርእሰቃላትን ኣርባዕተ ሽሕ ዓንቀጻትን ከምዝጥቀም ሊቃውንቲ ስነዘረባ ይግምቱ። ካብዚኦም ከኣ፡ በሕጊ ሰዋስው ከም ፍትወቱ ኣገማጢሉን ሓዋዊሱን፡ ክሳብ ሽዱሽተን ፈረቓን ቢልዮን ናይ ሓሙሽተ ቃላት ፍጹምሓሳባት ክሰርሕ ይኽእል። ‘ተድኣ ንሓንቲ ፍጹምሓሳብ ክብል ሓሙሽተ ክልኢት ወሲድሉ፡ ነቶም ኵሎም ክሰርሖም ዝኽእል ፍጹምሓሳባት ክብል ሓደ ሚልዮን ዓመታት ምወሰደሉ። ሓደ ሰብ፡ ክሳብ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሕ፡ ክሳብ ሓሙሳ ሚልዮን ቃላት ብከናፍሩ ይሓልፉ። ንዓቕመ ሄዋን ዝበጽሐት ሰበይቲ ድማ ድሮ ሚእትን ሓሙሳን ሚልዮን ቃላት ተዛሪባ ኣላ። ኢሳያስ ግን ንምሉእ ቋንቋ ሰዓብቱ ናብ ሓንቲ ቃል ከምዝጽሞቕ ገቢሩ ኣሎ። ‘ዓጋመ!’ እሞ ንሱ ንዓርሱ ‘ዓጋመ’ ክነሱ! ኢሳያስ ኣይምትሃታዊን’ዶ!  ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ‘ዓጋመ’ ናይ ኵሉ ክምለስ ዘይከኣል ሕቶታት መልሲ፣ ናይ ኵሉ ክሕተት ዘይከኣል ሓተታ፡ ሓተታ፣ ናይ ኵሉ ክግለጽ ዘይከኣል ተርእዮ መግለጺ ኴይና። ብሓንቲ ቃል ዝቈመት ምልእቲ ቋንቋ። ‘ዓጋመ’ ትኣምራታዊት ምህዞ ኢሳያስ እያ። ምናልባት ሲ.ኣይ.አይ. ጥራሕ’ያ እንተተወዳደረታ።

ኢሳያስ ግን ሓደ ወይ ክልተ ሽግራት ኣሎዎ። ቀዳማይ፣ እዞም ምህዞታት እዚኣቶም ቈንቝኖም እዮም። ብዙሕ ሰብ ከኣ ካብ ቃላዊ ጽበቶም ወጺኡ ንተአርእዮታት ብጭብጥታትን ሰነመጎትን ኣወሃሂዱ ደጊሙ ክትንትንን ክረዳዳእን በቒዑ እዩ። ካልኣይ፣ እቲ ቀደም፡ ብቋንቋ ሓንቲ ቃል (ዓማ! ኣብ ግብሪ! …) ዝዋስኡ ዝነበሩ ዓቀይቶቱ ኣቐዲሞም ብምሉእ ቋንቋ ሓሳባቶም ክገልጹ ዝነበሩ’ሞ ድሓር ቋንቋኦም ዝተሓድጎም ነበሩ’ሞ ንቑሕን ዘይንቑሕን ዝካሬ ናይ ምሉእ ቋንቋ ነቢሩዎም። ይውሓድ ይብዛሕ ከኣ ምሁራት ነበሩ። እዞም ናይ ሕዚ ናይ ሓንቲ ቃል ቋንቋ ተዛረብቲ ግን ኣብ ትሕቲ ናይ ሓንቲ ቃል ቋንቋ ዝዓበዩ እዮም ነቲ ንቡር ምሉእ ቋንቋ ኣይፈልጥዎን፡ ኣይሰምዕዎን፡ ኣይተማሃርዎን፡ ኣየንበብሉን፡ ኣይደረስሉን፡ ኣይዘመሩሉን፡ ኣይቐነዩሉን። ነቲ ምሉእ ቋንቋ ኣይዝክርዎን። እቲ ምሉእ ቋንቋ ናብ ሓደ ክልተ ናይ ጽልእን ምትላልን ቃላት ተጸሚቑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃላት እዮም ዓብዮም። ቃል ኢሳያስ ጥራሕ ደጕሖም እዮም ዓብዮም። ኣብተን ብሕትቱዋት ሒደት ቃላት ከም ድላዮም ክገላበጡ እቲ ብቕዓት የብሎምን። እቶም ቃላት ፈለማ እንክመሃዙ፡ ካብ ዓይኒ ፕሮፓጋንዳ ተራእዩ፡ ኣገረምቲ ነቢሮም። ዳግማይ ምምሃዞም ግን ናብ ተራ ጥራጥ ቀዪሩዎም። ጻልጣ ድምጽን ክፉእ ሽቶን! ንመጠረስትኡ ከኣ ነቶም ‘ዓጋመ’ ኢሎም ዝተጻረፉ መዓኮር መዓኮር ክጅልጦም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እታ ኩርማጅ ኣብ መንደቕ ገዝኡ ተሰቒላ ኣላ። አረ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚራ’ስ ካብ’ቲ መንደቕ ዝወረደት ትመስል።

ዳንኤል ተስፋይ

ጀርመን

08.11.2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
97 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you November 10, 2013

    I am sure here as i am not speaking out of topic. I read here many commentators only because the word Agame offended them when they speak loud. You people tried to shown us how Agame very proud and very kind people as they are, If they fine! But myself i can´t say whole Tigrians or Woyanes are kind or evil like some Eritreans and non Eritreans coming to this conclusion. As well i totally disagree with those romanticizing the woyane regime and attempting to present by glorifying the Agame´s history without any contradiction. Specially in regards of Eritrean issue as if Woyanes have good will for Eritrean independence and as if from good will as they are giving shelter or showing kindness to those propagating hypocrites arrogant ,i have something to say, though for the sake of peace and reconciliation and not to expand hatter among both people, up to now we prefer to keep silent as the tigrina say goes, ” ልቢ የእቢና” but if necessary i can tell you about what kind of crime and political threat is going committing ofcourse not against Isayas but against our refugees, people and nation by Woyane .
    But more than my word, in the name of Eritrean refugee help to that commiting crime , if everybody wants to know the truth, i simply invite you to what Mussie ( Wedi Taba is exposing) in Alenalki com. at
    Tv Dimtzi Eritrawian Stockholm, 2013-10-12 (please watch it all this video self and judge!) will continue…

  • Truly Truly i say to you November 10, 2013

    Part 2
    In deed like this blind dictator worshiper said, about 90% in the name of Eritrean suffering refugees those privileging to go abroad are Woyanes, not Eritreans, Above all just recently about against those excuted Eritrean refugee crime by woyane regime we don´t like to talk loud not because we don´t know about but it is because of not expand hatter. So you people who dare to tell us how Bedeween and Rashaidas are comitting crime against our refugees, if you have truth you have to exposed and talked as well the crime that is done in Tigray against our people. Anyway! i am not foolish to blame woyane, Bedween, Rashida, US, UN or other forces like the stupid Wedi Taba, since the source of all evil and main enemy of our people Isayas rule is self. But this stupid blind guy didn´t talk anything about Isayas is causing crime.
    To be honest, last week in Benshangul area (Ethiopia) for caused terror from woyane regime that attempts blaming as have Eritrea´s hand ; it will be more reliable if someone in Lampadusa for caused terror against innocent Eritrean refigees if suspects or blames as have Woyane hand , based on according Wedi Taba( Mussie) report. So, those of you painting and presenting woyane as angel in regards of Eritrean issue; it is better if you keep silent from now!

    • Asghedom Woldeghiorghis November 11, 2013

      Please, stop such stupied narative, you are sahbia when you stsrt to accuse wayanie. It is shabias hsbite. Any erirean who critizide eritrean regime he is weianie.

  • Kombishtato November 10, 2013

    The greatest honour and complement one can give anybody these days is to call him or her Agame! The people that we, the Asmarinos, normally call “Agame” are the Tigriniya speakers south of the Mereb river, including some Eritreans who have a similar Tigrayan accent by geographic proximity to the border location or to the Eritreans who grew up in Tigray. Though, as many of you may have noticed, the Tigrinya accent with in Eritrea is becoming almost one, because of the Ghedli experience and Hagerawi agelglot influence as well as the media centralization in Asmara.
    In addition, even the old local accents in northern Tigray such as Shire, Adwa, Rama and Adigrat are dying out. This is simply because languages are living materials and they evolve with the expansion of governance, media tech, trade, economics, art and culture.
    Historically the area called “Agame” was only a name of a district around Adigrat, it the ignorant Asmarinos who lumped everything, as the Amharas still call us Tigrinya and Tigre speakers “Agamie”.
    Thanks to Shaebia and Ghedli in general, the worst place to be born and grow up has become Eritrea. It is land, we, the Eritreans are treated as Hgedf slaves in Eritrea and as Arab Abeeds any where in the Arab world. As the people we call Agames grow and master the entire Horn of Africa, it is, we, Eritreans who have become slaves in the Arab world, even if we burn our own languages to look Arabs and the shame of Africa, as we drift everywhere in search refuge all over Africa and the Arab world, and die in the sea wantonly in hundreds.
    These days, there is one place to be ashamed of being associated with in Africa and that is Eritrea.

    • Belay Zeleke Kebede November 12, 2013

      It is true Kombishtato, the Tigrians are working hard to eliminate poverty and the quagmires of poverty.Ethiopia, now a days, is attracting foreign direct investment and as many of you perhaps understand, the country-Ethiopia-is recognized as one of the economically fast growing countries in the world and particularly in sub Saharan Africa.You know Ethiopia is a big country, about 11.14 million sq.Km and with a population of slightly over 90 million. The whether of Ethiopia is very pleasant all the year round, the people are good, it is a peaceful country and it has strong government, the EPRDF,that currently leading the nation.And because of these and other factors combined, Ethiopia is becoming an invetment hub in the horn.
      When it comes to the “Agames” as the Eritreans call the Tigrians, I have mentioned, here above, that they are fighting to eliminate poverty and all associated social problems, like beggary, prostitution, crime etc once for all.These people are working hard day and night to solve their economic and social problems, you know why? The answer is basically very simple. It is because they, first all, have admitted that they are poor and their outstanding enemy is poverty and they want to kill and bury poverty for ever.That is it. They are very well aware that they have no main enemy except poverty and only poverty. The people are extremely humble and polite, in other words they have good respect to other people, they are not arrogant. The Tigry people hate arrogance very much.There is nothing the Tigray people value more than anything else on this earth except human being and humanity on this earth.The people give due respect to any one irrespective of his/her economic status, poor or rich, but simply that he/she is human being. You ask any Tigrian on the street, he will tell you this fact. Believe you me, you Eritreans if you do not rub out from your minds the belief that you are the best people on earth, with no parallel, and that Eritrea is the best country in the planet etc.I am afraid,that sort of attitude or concept will adversely affect your future lives. I apologize for generalizing, but surely that is the stupid character that many Eritreans manifest where ever you go. Look for example,you are talking about whether or not Isayas is Agame as a topic of discussion where as you have othervery important political issues worthy of very serious discussion to you people fleeing your own land in thousands every month.You are reckoning blood of origin of your leader, Isayas, rather than talking about his dictatorial leadership etc. Is this very important agenda to you? Adolf Hitler was an Austrian not a German for that matter. Mengistu was slaughtering not only Eritrean but also Ethiopians by and large. If one is politically a dictator he is a dictator,period irrespective of his blood relationship. Daniel, I would like to thank your mother for her generosity because she bestowed ten cents to the Agame who was selling beles in Asmara. I hope that will worth you much Daniel because you are conversely telling that the Agames were selling beles in Eritrea, so thank you as well.
      With regard to the condition of Eritrean refugees in Ethiopia, I am sure many Eritreans in the diaspora are wrongly informed.The very cause of the problem created in the refugee camps are the Eritrean refugees themselves and no body else.Some Eritreans are writing over the internet senselessly to exasperate the matter. I do not want to say much about it.Many refugees are living in Addis Ababa,and some are studying in the Universities etc.What else can the country do beyond that. You have to keep in mind that Ethiopia is one of the poorest countries in the world. The capacity of the government is limited. It is simply, with no reservation, doing what it could. Please behave well.
      Thank you.

  • Kombishtato November 11, 2013

    ኣቶ ዳንኤል ከም ዝጸሓፎ፣ ድሕሪ ሽንፈት ናይ ባድመ፣ ን ኢሳያስ መሬት ተጋማጢልዎ እምሩ ጸቢቡ ‘ዓጋመ’ ጥራይ ከም ዝብል እዩ ተቐይሩ። እዚ ማለት ግና ኢሳያስ ከም ኣባሓጎታቱ ብመንነቱ ኣዝዩ ዝኾርዕን ዝሕበንን ብዙሓት ሰባት ዝፈልጥዎ እዩ። ከመይሲ ሓደ ካብ ኣባሓጎታቱ መሻይምትን መወዳድርትን ራእሲ ኣሉላ፣ ገለ ካብ ሓወቦታቱ ድማ ዋና ኣመሓደርቲ ጠቅላይ ግዛትን ዝለዓለ ኮማንደር ኣዘዝቲ ሰራዊት ምንባሮም ምዝካር ይኣክል።

    “እቲ ብውሽጡ መራሕ ኢትዮጵያን፡ ብኡኡ ኣቢሉ ከኣ ተጋዳላይን መራሕን ኣፍሪቓን፡ ሓደ ካብ’ቶም ምሉእ ዓለም እትዛረበሎም ኣደነቕቲ መራሕቲ ዓለምን ናይ ምዃን ሕልሙ ተሓማሺሹ ከኣ ኣብታ ዕንጭቍሊት ኤርትራ ተኾርመየ። ቍሸታዊ ዲክታቶር ዕንጭቝሊት ኤርትራ ድማ ኾነ። ዕጽዕጸ ፍሽለቱ ከኣ ኣብ ልዕሊ ምስኪናይ ህዝቢ ኣውረዶ። ንህዝቢ፡ ነቲ ጽሕፍቶ ኣብ ልዕለይ ዘንበረቶ ታሪኻዊ ዕማም ከተፈጽም ኣይበቓዕካን! ኢሉ ጨፍጨፎ፡ ኣሰሮ፡ ኣድከዮ፡ በታተኖ።”

  • Meretse Asmelash November 11, 2013

    ክቡር ሓው ዳኒኤል ተስፋይ
    ሰላም ንዓካ ከምኡውን ንኩሉ
    ጽሑፍካ ኣብ ግምባሩ ዝውቓዕ መልእክቲ ዝዓቖረ እዩ፡ ከምዚ ዓይነት ሚዛኑ ዝሓለወ ጽሑፍ ተረፉ ብዙሕ’ዩ፤ ብዝያዳ ብዝያዳ’ዃ ኣብ’ቶ ሓዲሽ ዎሎዶ እንብሎ ዓቢ ተራ ክጻወት ዝክእል ይመስለኒ። መስተኣመርቱ’ውን እንሆ ድሮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለ ይከይድ። ቀጺሉ’ውን ንእግረ መንገዱ ኣብ ምምዕባል ስነ-ጽሑፍ ትግሪና ዓቢ ተራ ኣሎዎ ኢለ ይግምት።
    ካብ መንጎ ጽሑፍካ ብዝያዳ ዝተገረምኩለን ክልተ ሙላት ሓሳበት፡- “እቲ ምሉእ ቋንቋ ናብ ሓደ ክልተ ናይ ጽልእን ምትላልን ቃላት ተጸሚቑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃላት እዮም ዓብዮም። ቃል ኢሳያስ ጥራሕ ደጕሖም እዮም ዓብዮም” እዚ ኣባሃህላ’ዚ ሓረጉ ገዚፍ ኾይኑ ይስመዓኒ።
    መንእሰይ ኣዛይድ ኣቢሉ እንተዝነቅሓሉ ከኣ ክንደይ ምጥዓመ።
    ቀጽል !!!

  • Shewhat November 11, 2013

    ዝኸበርካ ዳንኤል ተስፋይ ፤ ኢሰያስን ሰዓብቱን ዝኹነኑ በቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርድዎ ዘለዉ ገበን ደኣ’ምበር ፣ ብሕቶ ትውልድን ዜግነትን ክኸውን ኣይግባእን። ኣቶ ዳንኤል ነቶም ሕዱር ቂምታኻን ውልቃዊ ቅርሕንትኻን ንፈለጥ ፥ ብፍላይ ድማ ነቶም ብድሕሪ እቲ ናይ ብርዒ ስምካ ተሓቢኡ ዘሎ ሓቀኛ መንነትካ ንፈልጥ ሰባት እዚ ጺሒፍካዮ ዘለኻ ፡ ነዚ ካባኻ ምስማዕ ሓድሽ ኣይኮነን ፥ የግዳስ እቲ ፍልልዩ እቲ ኣቦይ ኢሎምኒ ትብሎን ደጋጊምካ ትዋጥየሉ ከም መጽሓፍ ቁዱስ ዝደገምካዮ ኣፈ-ታሪኽ ሕጂ መድረኽ ረኺብካ ነቶም ሰሚዖምኻ ዘይፈልጡ ብጽሑፍ ብምቕራብካ እዩ። ኣብዚ ሓዳስ ዝወሰኽካያ ነገር እንተላ ብሓንቲ መስመር ብዛዕባ ኣደ የማነ ገብረኣብ ዝበልካያ እያ ፥ ንሳ ድማ “ኣደ የማነ ገብረኣብ እውን ትግራወይቲ እየን። እቲ ኵሉ ኣዲኡ ክጽረፋ ንየማነ ኣይግድሶን ነቢሩ ክበሃል ኣይከኣልን።„ ትበል ሓረግ እያ። በል እስከ ሐራይ ንየማነ ገብረኣብ’ሲ ህግደፍ ስለ ዝኾነ ጸሊእካዮ ንበል ፡ እተን ኣዲኡኸ እንታይ ስለ ዝኣበሳ እየን ተላዒለን? ደሕር ድማ ኣደይ ገብሪኤላ ኣደ የማነ ገብረኣብ ጥራይ ድየን? ኣብ ንእሽተይ ገጀረት ፥ ብፍላይ ድማ ካብ እንዳ ክሻ ክሳብ ባር ገጀረት ፣ ራዲዮ ማሪናዮን ከባቢ እንደ ሸረርን ዝዓበየ ነደይ ገብሪኤላ ብሃገራውነተን ይኹን ብልውሃተን ዘይፈልጥ ሰብ ዳርጋ የለን ፣ ብፍላይ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ፣ በቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ደርጊ ዝህደኑ ዝነበሩ መንእሰያት ዝሓብኣን ብእንዳ ገርጊሽ ኣቢለን ዘህድማ ዝነበራ ፥ ሂወት ብዙሓት ተቓለስቲ መንእሰያት ዘድሓና ኣደ እየን። እዚ ድማ ዝኾነ ንዐአን ዝፈልጥ ወዲ ገጀረት ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እምብኣርከስ ነዘን ሃገራዊት ኣደ ነቲ ንስኻ ትጸልኦ የማነ ገብረኣብ ስለ ዝወለዳ ወይ ኣዲኡ ዝለዝኾና ጥራይ ፤ በቲ ናትካ ጸቢብ መዓቀኒ ትግራወይቲ ተባሂለን? እሞ መን’ደኣሉ እቲ ጽሩይ ኤርትራዊ? ነዞም ከምዚ ናትካ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ባእታታት ሒዝካ ድዩ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክህነጽ ወይስ ፋሕ ብትን ዝኣተዋ ሶማልያ? እሞ ኩሉ ገለ ዘርኢ ዘለዎ ኤርትራዊ ኣብታ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ቦታ የብሉን ማለትዩ? ወይለይ እተን ካብ ጀርመን ዝወለዳ ደቅኻ ፥ እታ ካብ ትግራዋይ ዝወለደት ሓፍትኻ ከምኡ’ውን እተን ካብ ኣምሓራይ ዝተወለዳ ደቂ ሓፍታ ንሰበይትኻ’ኸ ደኣ ኤርትራውያን ክኾና መሰል የብለንን ማለት ድዩ? እቲ ብዓቢኡ ዝገርም ግን ኣዲስ ኣበባ ከኬድካ ከይሓፈርካ ኣብ እንዳ ሓፍታ ንሰበይትኻ (ኣፎምያ) ዄንካ ጮማ እንዳበላዕካ ነተን ደቂ ሓፍታ ንሰበይትኻ ፡ ደቂ ኣምሓራይ (ፒ.ኦ ቤዛው – ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ነበር) ህግደፍ ካብ ኤርትራ ምስ ኣልገሰ ኣብታ ዝተወለድክናላ ዓድኽን ኣስመራ ሒዘክን ክኸይድ እየ ፥ ምስ ኣኮታትክን ክትላለያ ኢኺን ፥ ሽዑ ከም ምርጫኽን ፥ እንተደሊኽን ኤርትራዊ ዜግነት እንተደሊኽን ድማ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ፤ እንተደሊኽን ውን ክልቲኡ ክትወስዳ ኢኺን ትብለን እምበኣር ናይ ሓቅኻ ኣይኮንካን? እቲ ካብ ኩሉ ዝገሪም ግን ንስኻ ኣብ ሓንቲ ዲሞክራስያዊ ሃገር እንዳነበርካን ናይ ጀርመት ዜግነት ሒዝካ መሰልካ ተኸቢሩ ቀሲንካ እንዳደቀስካን ብዛዕባ መበቆልን ዜግነትን ንጹሃት ደቂ ሰብን ትውልዲ ክተማጻሪ ቁሩብ’ዶ ስኽፍ ኣይብለካን? እምበኣር’ከስ ከም ኣበሃህላኻ – ዝኾነ ትውልዲ ካልእ ሃገር ዘለዎ ሰብ ኤርትራዊ ተባሂሉ ክጽዋዕ መሰል እንተዘይብሉ መጀመርያ ገዛኽ ፈትሽ። እቲ ብዛዕብ ኢሰያስ ዝበልካዮ’ውን እንተኾነ ፥ ኣነን ከማይ ዝኣመሰሉ ኣብ ዲሞክራሲ ዝኣምኑ ኤርትራውያን ፣ ንኢሰያስ ንፈርዶ በቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶን ገና ዘውርዶ ዘሎ ገበን ደኣ እምበር ብሕቶ ትውልድን ዜግነትን ኣይኮነን።

    Shewhat Luul

  • Truly Truly i say to you November 12, 2013

    Shewhat,Lul. First of all Ato Daneil never discriminated anyone like you corruptly interpreted. All your nonsense talk it approves as you have infereriity complex of your identity. Who told you the one who born from Tigrai, Amhara or other origin nationals could not be an Eritrean or has no place in Eritrea. First of all what makes proud or make special to be Ertrawi specially now a days unless embarrassment, thanks for Isayas´s duty. People like you as well Isyas and co like it or not the reason you causing trouble all the time,it is because of your identity crises caused complex, in this regard Ato Daneil never mistaken. Because in your evil mind you think if real Ertrawi hold power you will not have a place in Eritrea, Which is nonsense! Let alone who is from one side born even he be full woyane origin, as far as the person is ready to abide for country´s Rule of Law and ready to work for country´s development and for people wellbeing hartly, was it be irrelevant to concern about someone´s origin identity. But what we observing the fact on the ground is absolute different. Those in power, instead using the diversity of their identity for good, they using specially for abuseing original citizens right , which is never seen in the whole world when so happen in vice verse . Because of that is only we have strong case to concern about somebody´s origin. This has nothing to do with racism, but for country´s and people security in deed.

  • kidanu Besrat November 12, 2013

    ዓጋመ >ከምቲ ዝበልካዮ ኤርትራዊያን ትግርኛ ተዛረብቲ ንተጋሩ ዝሃብኩምና ሽም ማለት እንትከውን እስኪ ነት ትርጉም ፈሊና ንርአየን
    ድካ / ለማኒ/ ረሳሕ/ ንምዃኑ አብ አስመራ ይኩን አብ ካልኦት ከተማታት ሰለስቲእን አውራጃታት ትግርኛ ተዛረብቲ እዘን ዝተጠቅሳ ቃላት ዘማልኡ አለውዶ እወ
    ብከመይ ዳአ እዚ ጸርፊ እዚ ዓጸሚ ይሰብር አብ ዓለም ዲካን ህፍታም ዘይብሉ ሕብረተሰብ የለን አብ አስመራ ህፋትም ተጋሩከ ነይሮምዶ? መሊኦም እሞ ኢሳያስ ይኩን የማነ
    ነዚ ዝተጠቅሰ ጸርፊ ማዕረ እጽሞም ዝሰብሮም ዝሃብካዮ አመከንዮ የለን/
    ካልአይ ተንኮለኛ/ ጠላም/ ደንቆሮ / ነዘን ዝተጠቅሳ ቃላት ነንባዕለንውን ዝጋራጨዋ እየን ሓደሰብ ጠላምን ተንኮለኛ ደንቆሮ ዝከውን አይመስለንን ከምኡውን ሓደ ብሄር
    ከምቲ ዝበልካዮ ንትርኛ ተዛረብቲ ኤርትራዊ ዓጋመ ማለት ሰጋ ዝለበሰ ክፍአት እዩ ዝበልካዮ እቲ ጸገም አብዚ እዋን እዚ ንስካ ኩን እቲ ይገዝአናሎ ትብሎ ናይ ኢሳያስ መንግስቲ
    ኣመክንዮ ምድላይኩምዩ ንስካ ትግራዋይ ስለዝኮነ ንሱድማ ወያነን አመሪካን ኢኩም ትብሉሞ እቲ ዓቢ ናይ ገዛ ስራሕ ዘለኩም ከምዝመስለኒ ታሪክ ሰለስቲኤን ኣውራጃታት ትግርኛ ተዛረብቲን ዘራክበኩምን ዘፈላሊየኩምን ከምኡውን ምሳና ምስተጋሩ ዘራክበኩምን ዘፋላልየኩምን ብኑጹር ምፍላጥ ይመስለኒ

  • belul November 12, 2013

    Here you go, this what happen to us Mr. Daniel, Eritreans say agame bc you ppl are such worthless ppl. you have big problem look what your cousin Isayase is doing? we Eritrean’s loved him allowed him to lead our beloved country regardless of his origin. but look what he did?? that is why we said agame! TLAMAT, criminals. I wonder why keren rode name is “LBI-TGRAY”
    sorry to say that its not Eritreans fault agame ppl born this way. don’t blame Eritreans for you bad behavior. Eritrean’s feed and helped tigryans but what eritreans get in return is hate. hate toward us. I think deep down its jealousy, so we can’t help you out of it so. you agame ppl burn in hell!!!
    by z way, u will come to bag to Eritrea and Eritreans as usual anyways. wait and see

  • samson November 12, 2013

    ppl ppl know some thing here, I am Eritrean and I would never ever trust any half or any agame origin Eritrean to be in power again. for some of you must know some thing important….Yeman monkey mother is responsible for this mess she raise this evil bastard! and Eritrean’s are suffering.
    some of you look so sensitive and try to protect your agame relatives. those half tgryans who chose to be Eritrean’s must respect Eritrean and Eritrean. to be accepted by Eritreans. the problem is most are evil and have no hurt for the half side of their blood. so if they hate Eritreans they must so to the other half. so no one get hurt like that.
    again for all of you here…. you have to chose one and stick with it.
    YOU CAN’T PUSS OUT the LAND OWNERS. DKI MERT ALWAYS DKI MERET

    • MightyEmbasoyra November 12, 2013

      Samson,
      What are you going to say to those Eritrean generals/colonels equally decimating Eritrea in to piece? Most of the are full Eritreans (no partial or anything like that.

Post a Reply to daniel s. tesfai Cancel Reply