Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግርም ‘ባ፣ ብደም ተሓጺብካ ኢደይ ረኣዩለይ ምባል

ድምጺ ኣሰና ጠመተ እዋናዊ ጉዳያት፣ ዋዕላ ካርቱም ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣቶ ዕስማን ሳልሕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝዘተየ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣህጉራዊ

ድምጺ ኣሰና ጠመተ እዋናዊ ጉዳያት፣ ዋዕላ ካርቱም ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ

ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣቶ ዕስማን ሳልሕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝዘተየ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ከምኡ ‘ውን ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሳተፉዎ ዋዕላ ተረኺቡ፣ ንሰማዒኡ ዘስደምም መደረ ኣስሚዑ።

እቲ ዋዕላ ብቐንዱ፣ ኽንደይ ዓመታት ካብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣትሒዝካ፣ ኣብ ምድረበዳታት ሲናይን ሰሃራን፣ ክሳብ ማእከላይ ባሕሪ፣ እልቢ ዘይብሉ ህይወት ሰብ፣ ብፍላይ ድማ ህይወት ኣሽሓት መሳኪን ኤርትራውያን ምስ ሃለቐ፣ ኣዝዩ ደንጕዩ ይካይድ ብምህላዉ ዘጓድሎ ገበን ‘ኳ እንተዘይብሉ፣ ሕሰምን መከራን ኤርትራውያን ገና ውዑይ ብምህላዉ፣ ካብቲ “ጌርና ኔርና” ንምባል ንይምሰል ዝግበር ዋዕላታት ጨለ መደረ ሓሊፉ ፍረ ደኣ ይረኸቦ እምበር፣ ሕጂ ምክያዱ ‘ውን ገለ ኣይምበለን።

እቲ ካብ ኣስመራ ዝለቐመን ናይ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ቃላት ከይወሰኸ ከየጕደለ ካርቱም ተፊኡውን ዝተመልሰ፣ ብዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ክርአ ኸሎ ልኡኽ ሓሊቦ ጥራይ ክበሃል ዝከኣል ዑስማን ሳልሕ ዝሃቦ መደረ ግን ይቕረ ዝብሃሎ ኣይኮነን።

ንሱ ኣብቲ ውሃ ተባሂሉለይ ያኢ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ተለጢፉ ዘሎ መግለጺኡ፣ “እዚ ኣኼባ ‘ዚ ፍረ ክህልዎ እንተኾይኑ ካብ ሓፈሻዊ መግለጺታት ምሃብ ሓሊፍና መታን ጭቡጥ ስጉምታት ክንወስድ ንቐንዲ ሱር ናይቲ ንስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኮይኑ ዘሎ ጠንቅታት ክንምልከቶ ኣለና” ክብል ጨለ መደረ ሂቡ።

ልኡኽ ኢሳይያስን ኢሳይያስን ነዚ መስመር ‘ዚ ብልቢ ዝኣምኑሉ እንተዝነበሩ፣ ልዕሊ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኤርትራውያን ዝግደሱ ነይሮም እንተዘኾኑ፣ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ደረት ዘይብሉ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያንን፣ ኣሕሲሙዎ ዘሎ ንግድ ሰብን ንምፍላጥ፣ ካብ ኣብ ካርቱም ኣብ ኣስመራ ምፍታሹ ምቐለሎም ነይሩ። ክሳብ 2014 ዓመተ ምህርት ምጽባይ፣ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ምስታፍ፣ ናብ ካርቱም ምጋሽ ‘ውን ኣይመድለዮምን ።

ምንጪ ናይ ስደት ኤርትራ እያ፣ ጠንቂ ናይቲ ስደት ኢሳይያስን ጉጅሊኡን፣ መሰጋገርቲ ጀነራላቱን ኮለኔላቱን ዘዋፈሩዎም በጋሚዶታት እዮም። እቲ ፍታሕ ኸኣ ምስኡ ምስ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሎ።

ኣብዚ ክንደናገረሉን ክንግርሃሉን ዘይብልና ሓደ ነገር፣ ስደትን እቲ ካብ ኣስመራ ጀሚሩ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ግብጽን ሊብያን ተዘርጊሑ ዘሎ ሰኪዐት ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ ሰብ፣ ሳዕቤን ምዃኑ እዩ። ኣብ ኤርትራ ርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታትን ቅሳነትን እንተዝህሉ፣ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ዘምርሕ ኤርትራዊ ኣምሃለወን፣ እቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርትን ነጋዶ ሰብን ከኣ ቀረብን ዕዳጋን ኣይምረኸቡን።

ውምልቀመላኺ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን፣ ስልጣን ንምብሓት ብዝተኸተሉዎ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ ዝዓይነቱ ገበነኛ ፖሊሲ፣ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ፈጢሮም ጠንቂ ስደት ምዃኖም ከይኣክል፣ ከምቲ ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ቴለቭዥን ተጠሊዑ ‘እቲ ዝጸልኣና ይጥፍኣልና” ዝበሎ፣ ንስደት ኤርትራውያን ስቕ ኢሉም ብልኡምነት ይርእዩዎ ብምህላዎም ዘይኮነ፣ ንምብትታን ህዝቢ ኤርትራ ብንጥፈት ይደፍኡሉ ብምህላዎም እዮም ሓላፍነት ክስከሙ ዘለዎም።

ነዚ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ፣ ኣብ ዝኾነ ዘበን መግዛእቲ ካብ ዝተራእዩ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዝኸፍአ ሰብኣዊ ኩነታት ደው ንምባሉ ዝቐለለ ስጉምቲ፣ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝምእዘዝ ቅዋማውን ፍትሓውን ስርዓት ምትካል፣ ሰብኣዊ መሰል ምኽባር፣ ሰብ ሰሪሑ ክነበር ነጻ ቁጠባዊ ዕድላት ምኽፋት፣ ህዝቢ ሽግሩን ባህጉን ዝገልጸሉ ሓራ ድምጺ ከምዝህልዎ ምግባር፣ ብሓጺሩ ልዑላውነት ህዝብን ሕግን ምኽባር እዩ።

ነጋዶ ሰብ ስራሕ ክስእኑ ዋሕዚ ስደት ህዝቢ ኤርትራ ደው ከብል ኣለዎ። እዚ ምእንቲ ክኸውን ከኣ፣ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ኣብታ ምንጪ ስደት ኮይና ዘላ ዒላ ህግደፍ ክድበዩ ኣለዎም። ካብዚ ዝቐልል ርትዒ የለን። ነቶም ብዋጋ ምሉእ ህዝቢ ከይተረፈ ስልጣን ዝህይወቶም ስሱዓት ኢሳይያስን ሰዓብቱን ግን ካብዚ ዝብርትዕ ፈተነ የልቦን። እምብኣር፣ ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ካርቱም ኮነ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዋዕላ ዘምጽኦ ፍታሕ ኣይክህሉን እዩ።

ወዮ ደኣ ሕንከት ዝብሃል ኣብ መዝገበ ቃላት ህግደፍ ሃሰስ ኢልካ ኣይርከብን እዩ እምበር፣ ካልእ ምስዚ ተኣሳሲሩ ክጥቀስ ዝግብኦ ዘሕፍር ኣንደበት ወከልቲ ህግደፍ ኣብዚ ዓሚ ከምዚ እዋን’ዚ ኣብ ላምፐዱዛ ብጅምላ ዝተቐዝፉ 357 ኤርትራውያን ክዝከሩሉ ዝቐነዩ ወርሒ ከምዚ ዝኣመሰለ ጎርፋዕፋዕ ዝበለ ሓሶት ብምድርዳር፣ ደም ዝተጸየቐ ኣእዳዎም ኣብ ቅድሚ ኣኼበኛታት ሓፍ ኣቢሎም፣ ርኣዩዎ ‘ሞ እዚ ብማይ ዝተሓጽበ ኣእዳውና ክነጽህ ክብሉ ምፍታኖም እዩ። ዝኽሪ ናይቲ ዓለም ዘሰክሐ ትራጀዲ ኣብ ኣእምሮ ኤርትራውያን ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ተመሊሱ፣ እቶም ግዳያት ኣብቲ ዝተወልዱሉ ሃገር ዘካሪ ስኢኖም ኣብ ዝሞቱሉ ሃገር ባዕዲ፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን፣ ኣስማቶም እናተጸውዐ፣ ኢሳይያስን ልኡኹን ብዘይንሕስያ ክሕስዉ ሓቦ ምግባሮም ከኣ፣ ሕፍረት ዘይብሉ ናይ ሕሉፋት ድፍረት ከምዘለዎም ዘርኢ እዩ።

ስደትን ንግድ ሰብን ሓደ ጸገም ካብቶም ብሰንኪ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሮም ዘለዉ ኣሽሓት ጸገማት እዩ። ነዞም ንሃገርና ኤርትራ ብውድቀት ዝፈታተኑዋ ዘለዉ ብድሆታት ዝምክት እንኮን ናይ መወዳእታን ፍታሕ ከኣ ኢሳይያስን ስርዓቱን ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ከምዝእለዩ ምግባር እዩ። እዚ ኸኣ ‘ዩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ቦኽሪ ዕዮ ገዛ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሕልቀት ክሳዱ ከድሕን፣ ነግፈረግ ከይበለ ክሳድ ኢሳይያስ ክሕዝ ኣለዎ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ኣማኑኤል ኢያሱ

20 ጥቅምቲ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • yonas October 21, 2014

    HGDEF AND DICTATOR ISSU NEVER TRIED TO HELP A SINGLE ERITREAN IN THE PAST SEVEN YEARS OR SO AROUND THE WORLD WITH THEIR EMBASSIES EVEN NEVER MENTION ANY TRAGEDIES BEFALLEN TO THE ERTREAN YOUTH,AFTER LAMPEDUSA THEIR WEBSITES STARTING TO POST ABOUT HUMAN TRAFFIKING BUT HGDEF STILL FAILED TO HELP ANY ERITREAN TRAPPED IN LIBYA,SINAI EGYPT,AND SO ON.THE MOTHER OF ALL ERITREAN MISERY IS IN ERTREA(DICTATORSHIP).NO MATTER WHAT THEY ARE SAYING NOW DOESN’T HOLD THE TRUTH.THERE IS TOO MUCH BLOOD ON THEIR HANDS.GOD BLESS THE ERITREAN PEOPLE AND ERITREA!!

  • Ertrawi October 21, 2014

    Well chairman Mao killed all the people who taught were threats and Issayas forced us to leave our country. But now, at the current rate of exile, Eritrea’s future is at stake and someone in HIGDEF seems to get it.

    It’s never too late, if they can fix the issues in Eritrea that will be good.

  • mighty karneshim October 21, 2014

    ተኽለ ማንጁስ ጌርዎ ማለት ፕረሲደንት ኢሳያስ ጌርዎ ማለት ኣይኮነን፣ፕረሲደንት ኣብ ክንደይ ክምቀል እዩ።ፕረሲደንት ኣብ ዶብ የለን።መሳርሕቲ ስኢኑ እምበር ንኤርትራ ሮማን ፓሪስን መምሰላ ኔሩ

    • Dr. Zecarias Haile October 22, 2014

      This is the most idiotic and ignorant comment to hear. The dictator has no concern for the Eritrean people or the country as a whole. You must be one of the few who has been brain washed by the evil system of Mr Issayas. The tyrant that we have in Eritrea is much more worse than any body in the world even worse than the dictatorship in North Korea. Why don’t you wake up from your dream of love of the dictator. It is so sad that we still have people like you who hate to face reality or are voluntary slaves of a dictatorship.

    • ኤርትራዊ October 23, 2014

      ኣምበሳ – ጸባ ስተ ፣ በዓል ኣማኒኤል ከንቶ-መንቶ እሞ እቲ ሓቂ መዓስ ይፈልጥዎ ኾይኖም ፡ ወላ እንተፈለይዎ ውን ግዙኣት ወያነ ጠራሮ ስለ ዝኾኑ ህዝቢ ከደናግሩ ጥራሕ እዮም ዝፍትኑ።

  • dan October 22, 2014

    ይዝከረኒ ከምዚሎሚ ወዲ መድሂን በራድ ጉዱ ከይወጸ ከሎ ንሓደ ሱዳናዊ ዓርከይ ምትምክሕቲ መራሒናኮ ብዘይ ቦዲጋርድ እዩ ዝኸይድ ምስ በልኩዎ እሞ ኣብ ዓድዝኹም ሰብኣይ የሎን ዝበለኒ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ እዚ ሱዳናዊ ከማን ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ፈሊጥዎ ዝነበረስ ዳርጋ ንሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ኢሉ እዩ ን50 ዓመት ከታልሎ ክኢሉ ሓደ ካብቲ ክፍታሕ ዘይካኣለ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑ ኣሎ።

  • hibret ertrawyan October 24, 2014

    So ,what are we the justice seekers going to do ?

  • abeba October 28, 2014

    ዓጃፋት ኣብ እምኒ ተተርኢሶም እዮምናጽነትና ሂቦሞና ኣብ ሳሎን ኣጣጢሖም ጽሟቕ ኣንዳላሓሱ ኣይኮነን። ብተግባር እምበር ብመልሓስ ኣይኮነን። ብያቲ እንዳማትኩም ድኣ ኣልምጹ።
    ከም ናይ ሰሜን ኮርያ ናብ ወዱ ከነሰጋግሮ ኢናስልጣን።

Post a Reply to yonas Cancel Reply