Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጌናለዉ ጀጋኑ ኣብ ሃገርና

  ጌናለዉ ጀጋኑ ኣብ ሃገርና ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 26/01/2013 Norway   ብዙሕ ተሻቒልና ደንጉዮም እናልና ደቂ ሓራስ ነብሪ ሕጅስ ተበሲርና ጥዑም ወረኹም መድሕን ህዝብና ኣብ ዓዲዩ ዘሎ ደጀን ናይ ቃልስና   ካብ ውሽጢ ምንጪ ሕልምናዩ ብደገውን ኣይሓመቑን ተሰሪሑዩ ብዓቕሞም ይቃለሱ ኣለዉ ይጓየዩ ኣንታ ውጹዕ ህዝቢ ክወግሓልካዩ ካብ ሕጂ ንንዮ ህግደፍ

 

ጌናለዉ ጀጋኑ ኣብ ሃገርና

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

26/01/2013 Norway

 

ብዙሕ ተሻቒልና ደንጉዮም እናልና

ደቂ ሓራስ ነብሪ ሕጅስ ተበሲርና

ጥዑም ወረኹም መድሕን ህዝብና

ኣብ ዓዲዩ ዘሎ ደጀን ናይ ቃልስና

 

ካብ ውሽጢ ምንጪ ሕልምናዩ

ብደገውን ኣይሓመቑን ተሰሪሑዩ

ብዓቕሞም ይቃለሱ ኣለዉ ይጓየዩ

ኣንታ ውጹዕ ህዝቢ ክወግሓልካዩ

ካብ ሕጂ ንንዮ ህግደፍ ኣብቂዑዩ

ይንዋሕ ይሕጸር ዓወትና ግድንዩ

 

ብውሕልነት ጽፉፍ ስራሕ ተጀሚሩ

ብዘይ ሕብእብእ ሰራዊት ከበራብሩ

ጥዑም ወረ ዓዲ ዘሎ ብሓደ ሰሚሩ

ንሕሱም ጸላኢና ክምሕዎ ካብ ሱሩ

 

ውጹዕ ክርህዎ ህግደፋዊ ክሓዝን

ሓንጎሉ ክዞሮ ክትለዓሎ ታመርዘን

ጽቡቕና ዘይምነ ይረመስ ይማስን

ገደል ይእቶ ጥራይ ህዝብና ይቕሰን

 

ውሽጥን ብደገን ዘለኻ ኤሪትራዊ

ተዳሎ ብሁጹጽ ህዝብኻ ከተሕዊ

ተጀሚሩ ዘሎ ንደግፎ ብወግዓዊ

ተፈራሕካ ዋላ ብጸሎት መንፈሳዊ

ብሸለል ከይንሪኦ ድሓር ከይነእዊ

 

ደሞክራሲ ንመሰል ሰብ ንለውጢ

ኤርትራ ሃገረይ ሓዲኡባ ኣፍልጢ

ንህግደፍ ማፍያ ዓማጺ ቀጥቃጢ

ከም ዝተፈንፈነ ንዓለም ኣፍልጢ

 

ግር ኢሉና ሓቂ ድዩ ሓሶት ክንብል

ሕጂ በሪሁልና ኣሰራርሓ ሙዕቡል

ብሰላም ክፍታሕ ህዝቢ ንኸይጎድል

ብዘይ ደም ንጸላኢ ከይንህቦ ዕድል

 

ክፍክር ዝቐነየ ፓልቶክ ህግደፋዊ

እኖሆ ውድቀትካ ተጠሊዕካ ኣእዊ

ብሰንክኻ ዝማሰነ ከተንፍስ ክሓዊ

ከምድላዩ ማይ ሰትዩኳ ጎሮሮ የርዊ

 

ዘይወድቕ መንግስቲ ኣለና እናበሉ

ፉሉያት ፍጥረት ጌና ዘይማዕበሉ

እምባሕ ተበሎም ህግደፍ ዝተዳህሉ

ከም መልኣኽ ንዲክታቶር ዝሰግዱሉ

ብዘይካ ንሱ ዝበሎም ንኻልኦት ኣሉ

ኣብ ሰይጣናዊ ምሕደራ ዝተጸምበሉ

ሃይማኖታት ሃገርና ረጊመናኹም

ኣብ ጉዳየን ኢዲኩም እናእተኹም

መጽሓፍ ቁዱስ ቑርኣን ደፊርኩም

ዱኹማት ጉጅለ ጸሓይ ዝዓረበኩም

ኣጠላቒዩ ዕርብ ዕቡድ መራሒኹም

ክንሰምዕ ኢና እንታይ ክትብሉኹም

 

ግዜ ተቐይሩ ክሕጎስ ውጹዕ ህዝብና

ሎምስ ግደኹምዩ ንዑ ድኣ ኣብርዩና

ክትጥዕምዎ ስቓይና ቃንዛና ሓዘንና

ክንዲ ጓይላ ክንደይ ከጉርዓ ክንርኢና

ጸጉረን ክበናጭራ ኣብ ክንዲ ዝቑነና

መግለጺ ናይ ሓዘን ናይዚ መጽነቲና

ቤተ ህግደፍ ክጽልምት ክኹላዕ ገዛና

ብሰላም ክንነብር ኣፍ ልብና ገቲርና

 

ኣይቅበጹ እስከ ልቢ ግበሩ ተኣረሙ

ተድሊዩና ኢኹም ጽባሕ ከይትሓሙ

ኣሕዋ.ቲና ብዘይካ ብደምና ዝፈረሙ

ካብ ሕጂ ኣደብ ግበሩ ከይትልከሙ

ሱቕ ምረጹ ንኾንቱ ኣይተጉረምርሙ

 

ተነፊዕኩም ምኸሩ ደም ንኸይፈስስ

ሓው ምስ ሓው ሕድሕድ ከይፋለስ

ብሓባር ዝተረፈ ህዝብና ክንድብስ

ሃገርና ክንሃንጽ ቅድሚት ክንምርሸ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Semhar January 27, 2013

    Hold your Ground Saleh Osman and our courageous Eritrean armed forces; you will soon be overwhelmed with the support of all Eritrean armed forces and Eritrean people!! You are Eritrean heroes!
    You choose freedom instead of slavery. You stood for what you believe in.
    You represented Eritrean people. You stood against the mad dog, tyrant, dictator Isayas wedi Berad, his blind followers HIGDEF and his burned flag.

    We will liberate our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay, Adi keyih!
    Let freedom ring in Senhit, Keren!
    Let freedom ring in Denkel, Asseb!
    Let freedom ring in Barka, akurdet!
    Let freedom ring in Sahil Nakfa!
    Let freedom ring in Seraye, Adi Ugri!
    Let freedom ring in Hamassien, Asmera!
    Let freedom ring in Semhar, Massawa!

    Eritrea will be free soon.
    Our original Eritrean Liberation Flag, Semayawit Banderana will be allover Eritrea!

    Shighey abbey ala?
    Adikeyih besihala!

    Shighey abbey ala?
    Dekemhare besihala!

    Shighey abbey ala?
    Akeleguzay besihala!

    Shighey abby ala?
    UK besihala!

Post a Reply to Semhar Cancel Reply