Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ : ሳልሳይ ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ።

ጋዜጣዊ መግለጺ ሳልሳይ ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ  ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ። ኣብ ከተማ ኣትላንታ (ጆርጂያ)፡ ካብ ሰነ 27 ክሳብ 29 2014፡ ሳልሳይ ዓመታዊ ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሳላሲሉ።  ውህሉል ናይ ሓባር ተመኩሮታት ብስእሊ፡ ብቃል፡ ብጽሑፍ ንምስናድን ብመንጽር

ጋዜጣዊ መግለጺ

ሳልሳይ ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ  ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ።

ኣብ ከተማ ኣትላንታ (ጆርጂያ)፡ ካብ ሰነ 27 ክሳብ 29 2014፡ ሳልሳይ ዓመታዊ ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሳላሲሉ።  ውህሉል ናይ ሓባር ተመኩሮታት ብስእሊ፡ ብቃል፡ ብጽሑፍ ንምስናድን ብመንጽር ዝተፋላለየ ኣረኣእያታትን ተመኩሮታትን  ንምድህሳስን ትርጉም ንምሃብን ዝዕላማኡ ዳግመ- ርኽክብ፡ እዚ ዓመት እዚ`ውን ፍናን ዝመልኦ ኮይኑ ተጸንቢሉ።

ዓርቢ ሰነ 27/2014፡  ንሓርበኛውን ማሕበራውን ውዕሎታት ተጋድሎና  ዘዘኻኽር፡  ንኣድላይነት ዳግመ-ርኽክብ ዘጉልሕን ሸውሃት ዝኸፍትን ወግዒታት ቀሪቡ።

ቀዳም ሰነ 28/2014 ናይ ንጉሆ፡  ብኣሳናዳእቲ ዳግመ-ርኽክብ፡ ንካብ ርሑቕን (ካብ ኤውሮጳ ከይተረፈ) ካብ ቀረባን ኣብ ሳልሳይ ዓመታዊ ርኽክብ ብተገዳስነት ክሳተፉ ምኽኣሎም ዕዙዝ  ምስጋና ቀሪቡ። ብድሕሪ`ዚ፡  ዓሰርተ- ሓደ ገዳይም ተጋደልቲ፡ – ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ዘበርከቶ ህዝባዊ ኣገልጉሎት፣ ንመግዛእቲ ንምሕምሻሽ ዝተኻየደ ቅያታት ዝመልኦ  ወተሃደራዊ ስርሒታት፣ ናይ 1975 ስርሒታት ምውጻእ እሱራት ሰንበልን ዓዲዃላን፣  ጸጥታውን ስለያን፣ ፖለቲካዊ  ህዝባዊ ስርርዓትን ዕዉት ምድልዳል መሬትን፣  ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን ህዝቢ ኣብ ውሽጢን መደበር ስደተኛታት ሲዳንን፡  ከምኡ`ውን ኣብ ወጻኢ  ዘሳላሰሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት፣   ግደ ኣገልጉሎት መጓዓዝያን፣ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ዝቐረበ  ንተዘክሮታት ተሳተፍቲ ልዑል ፍናን ዝሃበ ናይ ዓይኒ ምስክር ተመኩሮታት ብቓል ተተሪኹን ኣብ ቪድዮ ተሰኒዱን። እዚ ናይ ኣፋዊ ታሪኽ ናይ ምስናድ ፕሮጀክት ንመጻኢ  ወለዶ ኤርትራውያን ብሓፈሽኡ ንተመራመርቲ ታሪኽ ድማ ብፍላይ ዕዙዝ ኣገዳስነት ከም ዘለዎን፡ ከም ማእከላዊ ዕማም ዳግመ ርኽክብ ተወሲዱ ንክቕጽልን፡  ኣኼባ ኣስሚሩሉ።

ስዒቡ፡  ብናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ ፡ ንሃለዋት ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ-ሱዳን ዝምልከት ጸብጻብ ቀሪቡ።  ካብ ምምሕዳር ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ`ውን፡  ብተሌፎን ንኣኼበኛታት ቃል ኣስሚዖም። ተሳተፍቲ ዳግመ-ርኽክብ፡ ንሞያ ምጥዋር ውጉኣት ሓርነት ኣገዳስነቱ ገሊጾም። ኩሉ ዝክኣሎም ክገብሩን ካብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብውልቃዊ ተበግሶኦም፡ ኣብ`ዚ ዕማም`ዚ ክነጥፉን ቃል ኣትዮም። ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ፡  ኣብ ህዝቢ ኣድማዒ ጎስጓሳት ከካይድ ተማሕጺኖም።  ውጉኣት ሓርነት ዝነብሩሉ ኣባይቲ ንምጽጋንን ንምልማጽን፡ ሓደሽቲ ክፍሊታት ንምውሳኽን  ንኤየር ኮንዲሽነር ዘገልግል ጀነሬተር መግዝኢ ንዝኸውንን ገንዘብ ሽዑ ንሽዑ $5,670.00 ክዋጻእ ከሎ ፡ ካብ ከተማ ሲያትል ተዋጺኡ ዝመጸ $2,300.00 ተወሲኽዎ፡  ብድምር 7,970.00  ኣታዊ ኮይኑ።

ድሕሪ ቀትሪ፡  “ምሕራር ኣእምሮ“ (De-colonizing the Mind)፡  ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነዚ ዓመት`ዚ ዝተዳለወ ፍሉይ ፓነል ዘተ ቀሪቡ። እቶም ኣቕረብቲ በብወገኖም  ምሕራር ኣእምሮ  ከም ኣምር ድሕሪ ምትንታን፡ ኣገዳስነት ናይ`ቲ ኣምር ወይ ፍልስፍና፡ ምስ ኩነታት ኤርትራ ብምዝማድ ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቝን ትንተና ኣቕሪቦም። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን መግዛእቲ ባዕዳውያን እቶም ቀንዲ መሰረት ስቓይን ድሕረትን ኤርትራ እኳ ይኹኑ እምበር፡ በቲ ብቐሊሉ ዘይረአ ሕቡእ ናይ ሓንጎል መግዛእቲ፡ ኤርትራውያን ነጻ ዜጋታት ኮይኖም ከይሓስቡን ብተበላሕትነት ሃገሮም ከየማዕብሉን ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዘሎ በሪሁ። ናይ ኣተሓሳስባ “ግዙእ ምዃንን“ ንሱ ዝፈጠሮ ሳዕቤናትን  ብነጻን ወድዓዊ ነቐፌታዊ ዓይኒ  ብምምርማር  ካብኡ ተበጊስካ ሓንጎልካ ንምሕዳስ ዝሕግዙ ኣስተምህሮን ጎስጓሳትን ክካየድ  ኣድላዪ ምዃኑ ተገምጊሙ።

ሰንበት ሰነ 29 2014፡ እዚ ንሳልሳይ ዓመት ዝሳለጠ ምትእስሳር ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.፡ ነቲ 50 ዓመት ካብ ሂወቱ ንሃገር ዘወፈየ ሓርበኛ  ነፍሲሔር ኣሕመድ ናስር ታሪኻዊ ናይ መራሒ ተርኡ ዘንጸባርቕ መደረታት ከምኡ` ውን ብኣካል ኣብ`ዚ መዓልቲ`ዚ ክርከቡ ዘይከኣሉ መቓልስቱ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ተነቢቡ።

ድሕሪ ርኽክብ ኣትላንታ 2013፡ ዝተሳለጠ  ንዕላማታት ምትእስሳር ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.  ዝገልጽ ጽሑፋት፡ ቃለ-መጥይቓት፡  ብስልኪ፡ ብኢመይል…  ንዝተሳላሰለ ናይ ርኽክብ ንጥፈታት ብዝርዝር ቀሪቡ።

ኣብ መደምደምታ፡ ሕጂ`ኸ ናበይ? ዝብል ዘተ ተኸፊቱ። ናይ`ዚ ዓመት ዳግመ ርኽክብ፡ ከም`ቲ ኣብ ዚሓለፈ፡ ንመጻኢ ክትኮረሉን ንዕብየቱ ክተኣታቶ ዘለዎ ለውጥታትን ኣብ ክትዕ  ወሪዱ፣ ዘድሊ ውሳኔታት`ውን ሓሊፉ። ንተሳታፍነት ኣብ`ዚ ምትእስሳር`ዚ ብዚምልከት፡ ንኹሉ ኣባል ተ.ሓ.ኤ. ነበርን ንካልኦት ኣብ`ዚ ዕላማ`ዚ ዚኣምኑን ክፉት ኮይኑ ክቕጽል ወሲኑ። ከምኡ`ውን ኩሉ ዕማማት ዳግመ ርኽክብ ብወለንተኛታት (Volunteers)  ብዚቖመት ሽማግለ ክመሓደር ተሰማሚዑ።

ምእካብ ተመክሮታት ተ.ሓ.ኤ.  ብጽሑፍ፡ ብስእሊ፡ ብቪድዮ፡ ውልቃዊ ተዘክሮታት ናይ ብኣካል ዚወዓሉ ተጋደልቲ  ማእከላዊ ዕላማ ናይ`ዚ ርኽክብ`ዚ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።  ኣብ ርእሲ`ዚ፡ ሃገርና እትሓልፎ ዘላ ኣዚዩ ፈታኒ ዚኾነ ኩነታትን ህዝብና  ዚምኮሮ ዘሎ ኩሉ ሸነኻዊ ኢሰብኣዊ  ፍትሒ -ኣልቦ ሂወት፡ ኣገንዝቦኡ መዝጊቡ። እዚ ምትእስሳር`ዚ ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ዚተሰረተ ምሕደራ ምርግጋጽ ዚዓለመ፡ ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ፡ ሃናጺ ክትዓትን ናይ ርኢቶ ምልውዋጣትን ናይ ሓበሬታ  ምዝርጋሕ  ከካይድ ዘለዎ ተደላይነት ኣስሚርሉ።  ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ኩሉ ዓይነት መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም፡ ብጽሑፍ፡ ቪድዮ፡  ብድምጺ ከምኡ`ውን ብኮንፈረንሳትን ስይፖዚዩማትን ንፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝግበር ዘሎ ጸዓት ግደኡ ከበርክት ወሲኑ። ከምኡ`ውንናይ ፍልልይ ተጻዋርነት ከተባብዕ፡ ናይ ርኢቶ ነጻነት ከኽብር ንቀጻልነትን ዕብየትን ዳግመ ርክብን ኣድላዪ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንፖለቲካዊ ባህሪያት ዘለዎ ታሪኽ ጠቀስ ተመክሮ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ናይ ምስናድ ዕላማ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሮቛሒ ምዃኑ መዝጊቡ። ኣብ ውሽጢ ዳግመ-ርኽክብ፡ ኩሉ ክትዓትን ናይ ርኢቶ ምልውዋጣትን፡ ንሓባራዊ ረብሓ ተሳተፍቱን ንመንፍዓት ሃገርናን ህዝብናን ደኣ እምበር ንጥቕሚ ዚኾነ ውልቀሰብ ወይ ፖለቲካዊ ጉጅለ ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጹ።

ወለንታዊት ሽማግለ ዳግመ ርኽክብ

ሓምለ 10 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • weygud July 11, 2014

    99% ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ዕላማ ምስናድ ዝብል ክደጋግም ይገርሞ ኣሎ። ምሕራር ሰብኣውን ቑጠባውን ክብሩ ገዲፍኩምስ ምሕራር ኣእምሮኡ ክተምህርዎ ትሓስቡ ኣለኹም? ዝገርም እኮ እዩ። ክንደይከ ትድፍሩ ንምሉእ ህዝቢ ኣእምሮኡ ዝተሰርቐ ግዙእ ገይርኹም ክትቖጽርዎ። እቲ ታሪኽ እትብልዎ ዘለኹም እኮ ታሪኽ ህዝቢ እዩ። ብጃኻትኩም ህዝቢ እናጠፍኤ ኣብ ናይ ትማሊ ኣይትንበሩ ከምቲ ብዘመን ደግያት ዉበ ዝጸመመ ዉበ ክብል ነበረ ዝበሃል ምስላ ከየመሳስለኩም እቲ ኣተሓሳስባኹም። ኤረ ገሊኹምሲ ንስቓይ ህዝቢ ክተናውሑ ብስዉር ምስቲ ስርዓት ትተሓባበሩ እኹም ዝብል ዘረባ ኣሎ። ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን ሰብኣዊ ፍጡር ከም ሓተላ መርዛም ቀመም ኣብ ትሕቲ መሬት ጎዳጉዲ ብህወቱ እናተጉሓፈ ኣብ ኣጻምእ በረኻ ከም ገንሽል እናተሓረደ ኣብ ባሕሪ ከም ብላይ ኣቕሓ እናተደርበየ ከም ኣራዊት ዘገዳም ኣብ ዶባት እናተቐትለን ብሰብኣዊ ኣፈጣጥራኦም ንምሉእ ህዝቢ ዓለም ዘሰካሕክሕ ዘሎ መዓት ንጎኒ ገዲፍኩም ከም ኣእምሮኦም ብመደንዘዚ ዝተወግኡ ሰባት ኣይትኹኑ። ወደሓንኩም።

    • Lilay July 13, 2014

      Hi Weygud

      ጸባ ስተ Weygud። ልክዓዖም ሂብካዮም። ከምቲ ኣቦታትና ዚብልዎ ፨ ኣሰብኡት ኒ ከም ዓይበት ይቅደዱ መኣምን ኒ ጥራጥ ተራእይዋ፨ ዚብሉዎ ከምዚ ናይ እዚኦም ዩ። እንታይ እሞ ክንብሎም ኢና? ህበይ ምበልኩኻ ግን ህበይ ኮይኑ ሽምካ ኮይኑ ነገሩ።

  • amir akeza July 11, 2014

    እቲ ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ኣዝዩ ድኹም ዚበሃል ኣብ ዘሓለፈ ታሪኽ ጠንቀላዕላዕ እናበለ ዚነብር ሰብ እዩ’ሞ ካብ ናይ ቀትሪ ሕልምኹም ተበራበሩ። ታሪኽ ኣለና ትብሉ እንተኾንኩም ይሕመቕ ይጸብቕ ጊዚኡ ሓልዩ ብህዝቢ ካብ ዚተቐብረሉ ተዃዒቱ ኪወጽእ እዩ። ሕጂ ዚድለ ዘሎ ናይ ቀደም ዚተሰርሐ ታሪኽ ምዝርዛር ዘይኮነስ እዋን ዚጠልቦ ሃገርን ህዝብን ዘድሕን ታሪኽ ምስራሕ ጥራይ እዩ’ሞ ንቕሑ። ያእ እጃምና ገርና ኢና ትብሉ እንትኾንኩም ድማ ከምታ ቀደምኩም ትም በሉ፣ እቲ ምንታይሲ ስቕ’ውን ንባዕላ መዓየሪት ዉርዙይ ባህሪ ኢያ።

    • Lilay July 13, 2014

      ግርም ዘረባ አልካዮም ኣለኻ እንተተሰዊጥዎም ሲ፥ ኮይኑ ግና ብ ዘበን ዉበ ጸሚሞም ዮም ደኣ ምበር።

      • ugbaldet July 13, 2014

        aye wey gud meseret nisom zgheberiwo andi nisem zitekeliwo eyu ezi lomi natsinet etiblo zelokha ghin barinet ezbi eritrea zetsnete tarikh zeybilu kemzi kemakha ab halewlew zinebir ajokhum ghedayim teghedlti ELF edmen tienan yihabkum masta natikum eniho eritrea ero sro koyna

        • Lilay July 14, 2014

          Ugbaldet: Go ad listen their tails. They are empty and that is why we Eritreans don’t want to see them.

          ብላዕ ዘይበሉዎስ ጽብሑለይ ይብል ኢሎም፥ መን ታሪኽ ንገሩና ኢሉኩም፤ ኣበይ ኣለኹም ዘይበልናኩም ሲ ኣብዚ ኣለና። ተኣኪብኩም ጥራይ ዝሰተኹምን ቡን ብ ጅንጂቢል ገርኩም የዕልሉ። እቲ ዓብደላ መራሒኹም፥ እድሪስ ገላይዶስ ካልኦን ን ፈልጦም ኢና። ኣንቱም ራስ ገዝ። ናጽነት ኤርትራ ኣይናምንን ኢልኩም ረፈረንዶም ዘየድመጽኩም ሰባት ኢኹም ስልዚ እቲ ፈጺሙ ዘተይተጋደል ካባኹም ይሓይሽ። ህዝቢ ኤርትራ ካልኡ ገፊሕዎ ዩ እምበር ተግባርኩም ዝተረስዐ ከይመስለኩም። ወስላታት፣ ቀጠፍቲ!!

          ን ኢሰያስ ምሕራድን ምጉማድን ዘይ ንስኹም ዝመርሃርኩሞ። ናይ ሰብ ምሕራድ ፍሉይ ተሞኩሮን ክእለትን ዝነበሮ ዓብደላ እድሪስ አኮ ዩ። መቓብር ሊቃዉንቲ ሓልሃል ህያው ምስክር ዩ። ማሕረዲ ዘምህረት ካባኹም ሰብ ምሕራድ ጥራይ አዩ ዝመሃር። እንቃዕ ብሻዓኹም ጠፋእኩም። ጥፉኣት!!

  • Yohannes July 12, 2014

    ታሪኽካ ምስናድ ንህዝቢ ምክፋል ጽቡቕ እዩ። ብኸምኡ ክንቅበሎ ኣሎና። ዝተገብረ ብዕሊ ይነገር፣ ይተንተን፣ ክምኡውን ብግቡእ ይሰነድ ሓቅታትን፣ ሓያልን ድኹምን ጎድንታቱ ድማ ብዝግባእ ተለልዩን ተኣርኒቡን ይጻሓፍ። ንውዳሰ ጥራይ ክኸውን ግን ዬብሉን። እንተኾነ ግን ኣብቲ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ንምእላይ እጃምኩምውን ከተበርክቱ ኣሎኩም። ታሪኽና ኣዕሪና ክንመውት ጥራይ ኣይትበሉ። ነቲ ዝምጽእ ወለዶ ሕሰብሉ። ሓደ ካብቲ ገድሊ ዝገድፎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ፤ ኣንነት፤ ተሞክሮና፤ ባህልና፤ ክብርታትና እንዳበልካ ንህዝቢ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ለበዳ ዓሶ ምብካልን ምምሕልላፍን ግደፍዎ። ምዕባለን፤ ለውጥን ይውንጨፍ እዩ ዘሎ። ምቁንጃው ገድሊ ድዩ ዝበለ ዮሴፍ። ንሱ ግደፍዎ። ኩሉ ህዝቢ ዓለም ሰራሕ ታሪኸ ምዃኑ ኣይትረስዑ ኣንኮላይ ህዝቢ ኤሪትራ።

  • Teclay July 12, 2014

    YOU DO NOT ASHAMED ?

    Ok ! You can meet each other,may be you are fiends .But to talk about history and as if you have performed something to the Eritrean ppl is really shame .
    -The product of you and your past actions is waht we see the hell in Eritrea today.
    -you were naive and you did not know you were serving the terrorists.

    Ask an apology to the Eritrean ppl for all your deeds and do not come back again please!

  • ERITREAN UNCLE July 13, 2014

    ተጋድሎ ሓርነት ነበር ፣
    ሱቕ ጥዑም ዝብሃል ኣሎ።ኣነ ብጣዕሚ እየ ዝፈርደልኩም፣እዚ መንእሰያት ዝሳቐዮ ዘሎ ብኣኻትኩም እዩ።ክልተ ጊዜ ወጺዕኩሞ።እቶም ክርስትያን ዝኾንኩም ምስ ጀብሃ እንከለኹም እውን ከበሳዊ ህዝበ ትግርኛ ትምክሕቲ ሒዙኩም ስምዒትኩም ምስ ኢሳያስን ሻዕብያን እዩ ኔሩ።እቲ ሻዕብያ ኣዳግሞ ሬሳ ናይዘን ደቂ ሓሊማ ክብሉ ከለዉ፣ንስኻትኩም ሓወይ ኣይወቅዕን፣ብረተይ ቁልቁል ኣፉ ኢልኩም ከይተስዓርኩም ሱዳን ዝኣተኹም ጠላማት ህዝቢ ኢኹም፣ነዞም ሰኸርም ሻዕብያ ሽዑ ኮስቲርኩሞም እንተትነብሩ ሕጂ መንእሰይ ክንድዚ ኣይምተሳቐየን።ንዕቦልዶ ናይ ዓብደላዶ ናይ ጃብር ዶ ኢልኩም ክንደይ እስላም ዝመርሕዎ ተቓወምቲ ናይ ጀብሃ ክትቀትሉ ዘይሓፈርኩም ኣብ ሻዕብያ ክከውን ከሎ ግን ፣ናይ ቀልዓለም ተዋጊእኩም ሱዳን ኣቲኹም ,ንኣሕዋትኩም ክርስትያን ከይትቐትሉ መታን ።ድሓር 98 ናይ ዶብ ውግእ ብዝብል ዝተገብረ ሽፍጢ፣ንስኻትኩም ምስ ወያነ ዝተቓተልኩሙሉ ቦታ፣ሻዕብያ ንወያነ ኣብ 1981 /ሰማንያን ሓደን ከም ዝሃቦ እናፈለጥኩም ንመንእሰያት ብትብዓት ክንዲ ከይዋግኡ ምክልኻል፣ወይ ኢድኩምን ኣፍኩምን ሒዝኩም ክንዲ ምትራፍ በተን ከዛባት ንሰኸርም ዝዘወርኩምለን ታክስኹም,ባጤራ ጌርኩም ካብ ሻዕብያ ንላዕሊ ናይ ባድመ ጉዳይ ኣጫፊርኩም መንእሰያት ኤርትራ ናብ ሓዊ ተእትዉ ፣ከምቲ “ጸላእትና” ኣምሓራ ደልዎ ያዋቂ ኣጥፊ ስለ ዝኾንኩም ኣፍኩም ሓዙ።ኣነ “ካብ ዝተማህረ ሻዕብያ ዝዓበደ ጀብሃ ይነቅሕን ይልብምን” ይብል ኔረ፣ሓቂ ድማ እዩ።ተዋጋእቲ ሻዕብያ ስኣን ልቦምን ፈርሓትን ስለ ዝኾኑ ንሓምሳ ዓመት ብጩቕ ዘይበሉ ንስኻትኩም ግን ሓቂ እናፈለጥኩም ንኣሽቱ ስለ ዘጥፋእኩም፣ሕጂ ቦታ ሃብዎም ንንኣሽቱ። ንህዝብና ህዝቢ መታሕት ትጠልሙ ሃይማኖታውያን፣ጀብሃ ናይ ኣስላም ይበላ ሰብ እምበር ኣነ ግን ናይ ጠላማት ክርስትያን እየ ዝብላ ።ሕጂ ነቲ ባዕልኹም ዘባላሽኹሞ ታሪኽኩም ሒዝኩም ኮፍ በሉ።በዞም ንኣሽቱ ምሽቃጥ ይኣኽለኩም።ንስኻትኩም ብሓቂ ሕልና ዘለኩምን ዝሓሽኩምን ሸፋቱ ኔርኩም ካብ ሻዕብያ፣ግን ሱቕ ጥዑም።መሰል ኣለኩም ክትዛረቡ።ግን ሓባል መርኣይኣ ትኩሓል ከም ዝብሃል ከይኮነኩም።ንኣቢሲንያዊ ናይ ደቀ ኣርብዓ ሓይሊ ሻዕብያ ኣሕሊፍኩም ሂብኩምና ኢኹም።ናታትኩም ዘቐንዙ ክኣ ኣእምሮን ንቕሓትን ከለኩም ስለ ዝገበርኩሞ…please give the young people chance,keep low profile. I am keeping low profile to give the young ppl chance ,as much as I love to put 3 poems a day..Youngt ppls life is bigger than our pathetic self defeating struggles !!!

    thank you
    MEHRETU HABTE PAULOS
    ZEbhere Dimbezan

    • Lilay July 13, 2014

      Eritrean Uncle,

      ምሕረት ይኣዚዘልካ ፈጣሪ። አምበኣር ህግሓኤ ፈራሓት ዮም ነሮም? አምበኣር ሃገር ብኸምኡ ያ ሓራ ወጺኣ? ዘይትፈልጦ በጽሓፍ ኣይተንብብ። ጀብሃ ኣብ ሑጻ ስለ ዚተሰረተት ዉሕጅ ወሲድዋ። ኣስላማይ ሙኻንካ ንፈሊጥ ኢና። ኣምሲልካ ን ክሪስቲያን ምጽራፍ ግደፍ። ጉፉፍ።

      • ahmed saleh July 14, 2014

        Mehretu arkey
        Zeytrekbo yeblkan higis huluf halifom Aslamay do ilomkha, wey gud .
        Do not bother just laugh at their silly arrogance regardless different
        opinions it shows how far we left behind from civilized world even if
        live among modern society the mind is blocked permanently.

        • ahmed saleh July 14, 2014

          Lilay
          In the name of Christianity you put salt to the injury of
          innocent Christian martyrs and their loved once .
          Betrayal to ELF followed betrayal to EPLF member and
          it goes again repeatedly like an addiction to betray
          the weak including religious leaders . Bad character.

          • Lilay July 15, 2014

            Ahmed,

            This is the issue of reallity. No matter how much JEBHA supporter you are, you should have to accept it. This is true. JEBHA is 100000000000000000000000000000000000000000 times worse than SHAEBIA in thier political ajenda. There is no perfection in the World but we can compare JEBHA and SHAEBIA. There were nothing good from JEBHA!!! Read all the comments what people are saying about JEBHA. You Close your eyes from facts but you oppen your eyes very widely when you see the Word RELIGION. Shame!!!!

  • mohamed July 13, 2014

    Eretrawuyan keyfakeru keysemamuu sirah weyane koynu alo.eretrawi mesilka eretrawuyan zebaes endaalemka mitsihaf koinu sirhom.agame afkum hazulna. nihina Christian mis aslama ni 30 amet bihansae tewadikna ena. Agame kulu gize agame eyu.proud ti be eritrean.
    Tsegematna baelina ki fetiho ena.

  • t July 13, 2014

    Teghadelti hasewti serekhti hji khe entai kitdegmu delikhum?

  • Haqi tezareb July 13, 2014

    Lets stop Romatocizing Ghedli and tell the stories as they are, including the crimes committed on Fallul, rape of young tegadelti, murders, robbery, rounding up (giffa) of peasants to the futile battle of Barentu, the massacre of Ethiopian POWs, the killing of the Kunama people, Dembelas and Qohain …

    • Lilay July 14, 2014

      All what you have written is tru bu they denay all these and more. All the crime done on the people of high landers “kebessa” in general and more. They have assasinated thausands. Most EPLF fighters talk about all the crimes done on the fighters but if you talk with one JEBHA they say they were so democrats, liberal, transparent and as good as a lamb. But they were criminals and Iseyas has learned how to kill and murder from JEBHA.

      When Eritrea was liberated we hade referendom by which we have expressed our willingnes to be an independent country by our votes but these people did not vote. They say ” we don’t Believe free Eritrea by EPLF”. so they did not know what the meaning of GEDLI. They brain washed by ABDELA.

      • Teclay July 15, 2014

        Lilay

        I agree Isaias acquired the first training of elimination,from the old Jebhas .In principle they are one and the same .The difference is the Jebhas were simply traditional terrorists just like what we see in the middle east.On the other hand Isaias got additional education from Mao and plus his own creativity his killing system became complicated .

        • Lilay July 15, 2014

          Teclay.

          Very good said brother. short and precise. Thank you.

  • Haqi tezareb July 13, 2014

    Exculpating Jebha

    For many in the opposition of the Jebha mold, the crisis in Shaebia is all they needed to make a full time job out of rehabilitating Jebha and some of its dubious heroes. But this sounds more hypocritical than the Highdefites’ task of defending Shaebia because, while the Jebha defenders do want us to remember all the atrocities committed by Shaebia, they do not want us to remember even a single event that seems to mar the image of Jebha. All this despite the fact that this organization, throughout its history, has inhabited the worst of two worlds: although it emulated Shaebia in almost all its failings, it lacked the focus the latter displayed in fighting the enemy.

    But if there is anything that defines Jebha aptly, it is its sectarianism. This is an organization that was born out of sectarian motives, with ethnic and religious overtones; lived throughout its existence in sectarian squabbles (religious, regional, ethnic, linguistic and ideological); and understandably died as a result of its sectarian malaise. Its only half-hearted effort to reform itself in the 70’s soon floundered because it was never able to distance itself from its sectarian past, all along having been unwilling to let go the sectarian leaders of its past. No wonder that in its ashes, the Jebha factions that have survived it have now neatly aligned themselves along the very fault lines that doomed it to self-destruction. Only now, having come out of their respective closet, they openly wear their religious and ethnic hats all the way to their EDA meetings.

    The contradictions that Jebha supporters display could be seen everywhere: They have been diligently digging up all the skeletons they can find in Shaebia’s past (as it should be). But if you point to similar cases in Jebha – Falul, Suriyet Addis, Menfere, Rasai, and all other pre- and post-Adboha massacres. – they throw tantrums. They love to criticize Isaias for every blunder that he makes and for every crime that he commits (again, as it should be). But not only do they not want to hear any negative attribution about their leaders, however inept, undemocratic, sectarian or murderous they were, they also are in the active business of giving them a post-mortem “make over.” They never tire of reminding us of the marginalization of Kunamas under Shaebia (again, as it should be). But if you tell them that in this marginalization, which has a long history behind it, Jebha played a major role, with many of their villages burned down to the ground, many Kunamas killed and their cattle pillaged, they go nuts in anger. Day and night, they never tire of pointing out the inhumane treatment of prisoners under the hands of Shaebia/PFDJ (again, as it should be). But it is in one of the most shameful history of ghedli in Eritrea that Jebha summarily executed its Ethiopian prisoners at a time of its retreat in the late seventies. In this regard, even Shaebia didn’t match this atrocity. I could go on and on: the horrors of giffa (which actually started with Jebha), sexual abuse of women (especially by corrupt cadres and military leaders), endemic corruption of the leadership, etc – all areas that Jebha had excelled well before Shaebia came to be fully identified with them.

    • Lilay July 14, 2014

      Haki Tezareb.

      Very good said and thank you very much.

  • ahmed saleh July 14, 2014

    Ex- ELF Tegadelti do not need to give a damn attention
    for Unionists and some do nothing complainers .
    Real men walk the walk and cowards talk cheap talk .
    Proud people earn their pride and dignity while cowards
    expect to get it for free .
    Proud of Eritrean patriotism .

POST A COMMENT