Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉጅለ ኢሳይያስ ብቛንቋ ካላሽን ጥራይ ኢዩ ዝእለ

ጉጅለ ኢሳይያስ ብቛንቋ ካላሽን ጥራይ ኢዩ ዝእለ ከምዚ ዓይነት ኣርእስትን ሓሳብን ኣብ ዝመጻሉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ምድንጋጽን  ሻቕላን ይኣትዉ ኢዮም፡፡ ርእዮ ብርእዮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኲናት ዝኣወጅካን ንውግእ ሕድሕድ ኣሕዋት ኤርትራውያን ትደፍእን

ጉጅለ ኢሳይያስ ብቛንቋ ካላሽን ጥራይ ኢዩ ዝእለ

ከምዚ ዓይነት ኣርእስትን ሓሳብን ኣብ ዝመጻሉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ምድንጋጽን  ሻቕላን ይኣትዉ ኢዮም፡፡ ርእዮ ብርእዮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኲናት ዝኣወጅካን ንውግእ ሕድሕድ ኣሕዋት ኤርትራውያን ትደፍእን ተጓሃህርን ዘለኻ ስለ ዝመስሎም፡፡ ብርግጽ ኣብ ሰብዓታትን መጀመርያ ሰማንያታታትን ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝተፈጸመ ደማዊ ውግእ ሕድሕድ፡ ኣብ ኩልና ኤርትራውያን ዘይሃስስ ከቢድ በሰላ ገዲፉ ኢዩ፡፡ እቲ ሕማቕ ሕሉፍ ትራጀዲ ሕጂ ክድገም ዝደሊ ኤርትራዊ ድማ ሓደኳ የለን፡፡ በሰላትት ኲናት ሕድሕድ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ነዚ ሕጂ ንሓልፎ ዘለና፡ ናይ ቅርሕንትን ህልኽን ናይ ዘይ መትእምማንን ሕማቕ መድረኽ ግድን ክንሓልፎ ደሪኹና ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ዳግማይ እቲ ናይ ምቅትታል ትራጀዲ ክርኢ ኣይኮነን ዝሓልምን ዝሓስብን ኤርትራዊ ዝህሉ ኣይመስለንን፡፡ ኮይኑ ግን በትረ ምልኪ ኢሳይያስን ጉጅልኡን እንትርፎ ብቛንቋ ካላሽን ብኻልእ ብዝኾነ ኣማራጺ ዝእለዩ ኣይኮኑን፡፡ ምንሽር ደምበ ተቓውሞ ናብ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ምቕናዕ ማለት ድማ ኲናት ሕድሕድ ምእዋጅ ከም ዘይምዃኑ ኩሉ ኤርትራዊ ክርዳእን ክግንዘብን ክኽእል ኣለዎ፡፡ ንጹሃት ሰባት ርእዮ ብርእዮ ዝቐተለ፡ ዝዓፈነ፡ ሃለዋቶም ዝሸረበ መኸወሊ በዓቱ ዳግማይ ንጹሃት እናቐተለ በትረ ምልኪ ስልጣኑ ምሕላው ጥራይ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ҆ዚ እቶም ንቋንቋ ካላሽን ብዓይኒ ክፍኣትን ስግኣትን ስክፍታን ዝርእይዎ ከፋፊልና ክንርእዮም ይከኣል ኢዩ፡፡ ስለምንታይ ኢዮም ንቋንቋ ካላሽን ዝኹኑኑን ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስክፍታን ፍርሕን ዘእትዉን ኣንባቢ ባዕሉ ክምልሶ ኣለዎ፡፡

እቶም ስም ኢሳይያስን ስም ህግደፍን ከተልዕል ንዝተቐደሰ ታቦት ተራኽስ ከም ዘለኻ ዝርድእዎን ዝሓስብዎን ኣዒንቶም ዝዓወሩ ሕሉፋት ደገፍቲ፡ ካላሽን ምዕጣቕ ሃገራዊ ክድዓት ኢዩ፡፡ እዞም ከምኡ ዝብሉ ልኡኻት ወያነን ኣሜሪካን ኢዮም፡፡ ንህዝቢ ኤርትራ በታቲኖም ንወያነ ኣሕሊፎም ክህቡ ዝደልዮ ጠላማት ኢዮም እንተበሉ፡ ይዋኣት  ኣብ ዘበነ ውበ ከም ዝጸመሙ ኢዮም ኢልካ ኢኻ ትሓልፎም፡፡ እዞም ኣዒንቶም ዝዓወሩ ኣእዛኖም ዝጸመሙ ሕልፋት ደገፍቲ ህግደፍ፡ ኢሳይያስ ንዝኣስሮምን ንዝቐትሎምን ሓርበኛታት ንጹሃት ኤርትራውያን ከም ጤለ በጊዕ እውን ኣይድንግጽሎምን ኢዮም፡፡ ብኣመለኻኽታ እዞም ሕሉፋት ደገፍቲ ህግደፍ፡ ኢሳይያስ ንዝገብሮ ኩሉ ናይ ምቕታልን ምጭዋይን ምእሳርን እኩይ ተግባራት ሓላልን ንስለ ድሕነት ሃገርን ኢዩ፡፡ መሰለይ ኢሉ ንዝቃለስ ከኣ ውጉዝ ከም ከመ ኣርዮስ ኢዩ፡፡ ኣሽንኳይ ካብ ሃገርካ ተሰዲድካ ንህግደፍ ክትቃወም፡ ንሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ ዝበሉ፡ ገዳይም ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ ጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተን ውፉያት ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ጉጅለ ተሰዓርትን ልኡኻት ወያነን ኢሎም ክጥቅንዎም ሕንኽ ዘይብሉ ኢዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ዓሚ ዕስራን ሓደን ጥሪ ብወዲ ዓሊ ዝተፈጸመ ኤርትራዊ ጅግንነት እስላማዊ ምንቅስቓስ ኢዩ ነይሩ ክብሉ ከም ፓፓጋሎ ዘረባ ጸማም ዝደግሙ ኢዮም፡፡ ፍጻመ ዕስራን ሓደን ጥሪ ግን፡ ሓርበኛ ወዲ ዓሊ ሓደ ነገር ኣርእዩዎምን ምሂርዎምን  ከም ዝሓለፈ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኢዩ፡፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ብቛንቋ ካላሽን ጥራይ ከም ዝእለዩ ነቶም ነዚ ሓሳብ እዚ ብመትከል ንኣምነሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንተላይ ንውበታት ኢሳይያስ ግልጽ ምልጽ ክብሉ ኣገዲድዎም ኢዩ፡፡

እቶም ንፖለቲካ፡ ቃልሲ ኣንጻር ዓመጽትን ቀተልትን፡ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ቃልሲ ንመሰልካን ክብረትካን ከም ዘንድድ ሓዊ ዝፈርህዎን ኣብ ናይ እንታይ ገደሰኒ ልሙስ ሐሳብ ተሸኺሎም ኣብ  ናይ ስቕታ ማዕበል ዝተዋሕጡ፡ ጎነጽ ካላሽን ንዝብል ቃል ሰሚዖም እንተባህረሩን እንተ ተሻቐሉን ዝተሓዞም ኣይኮነን፡፡ በብዝመጸ ንፋስ ስለ ዝጽፍዑ፡ ባህርያትን ኣነዳድቓን ተግባራትን ስርዓት ህግደፍን ኢሳይያስን እውን በቲ ዝግባእ ስለ ዘይፈልጡ፡ ግዜ ክምህሮምን ናብቲ ሓቀኛ መገዲ ከምጽኦምን ምዃኑ ኣሚንካ ከተፍልጦምን ከተንቅሖምን ክትውድቦምን ጥራይ ኢዩ ዘለካ፡፡ ስለምንታይ ኩሉ ከማይ ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ኩሉ ኣብቲ ኣነ ዝተረዳኣኒ ዘይተረደኦ፡ ስለምንታይ ኩሉ ከማይ ዘይቃለስን ንመስዋእቲ ዘይውፈይን ክትብል ስለ ዘይከኣል፡፡ ብባህሪኡ ውን ቃልሲ ፈለምቱን መራሕቱን ውሑዳትን ውፉያትን ኢዮም፡፡ እቶም ኣበገስቲ መሪሕ ተረኦም ኣበርኪቶም ነቲ ናይ ለውጢ ማዕበል ፈጢሮም ዝሓልፉ ኢዮም፡፡ ስለዝኾነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቶም ብርሃን እናኣማዕደዉ ሰዓብትን ተካእትን እናፈጠሩ ስለ ዝኸዱ፡ ዘንቀድዎ ዕላማ ክዕወት ምዃኑ ብልቦም ስለ ዝኣምኑ፡ ግዚኦም ኣብ ስራሕ እምበር ኣብ ቆይቅን ምስሕሓብን ኣየሕልፍዎን ኢዮም፡፡ ነቲ ኣብ ናይ ስቕታ ማዕበል ዝተዋሕጠ ኣፍ ኣውጺኡ እምቢ ንምልኪ ከም ዝብል ይገብርዎ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣብ ናትና ህሉው ኩነታት እንተመጺእና  እውን እቲ ክግበርን ክስራሕን ዘለዎ ንሱ ኢዩ፡፡ እቲ ኣብ መኣዲ ቃልሲ ኢዱ መሊሱ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ናይ ስቕታ ማዕበል ተዋሒጡ ዘሎ ዕቑር ሓይሊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብግብራዊ ስራሕ ክስሕቦን ክውድቦ ኣለዎ፡፡

እቲ ዝገርምን ዘሕዝንን ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ድግድጊት ተዓጢቕና ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ተበጊስና ኣለና ኣብ ዝብሉ ኣካላት ትርእዮ ቆይቅን ምብልላዕን ኣብ ገለ እዋን የሰንብደካ ኢዩ፡፡ መዝሙር ዲሞክራሲ እናዘመሩ ካብ ሓዲድ ዲሞክራሲ ኣንደልሂጾም ኣብ ናይ ሓሸውየ ጉዕዞ ዕንክሊል ዝብሉ ካቦት ተቓለስቲ ዝወደዩ ዘይተቓለስቲ ሒደት ኣይኮኑን፡፡ ገለ ገሊኦም ቋንቋ ካላሽንን ጎነጽን ክሰምዑ እንከለዉ ውቓበኦም ስለ ዝትንከፍ ከም ሕሱም ከጉሩዑ ይረኣዩን ይስምዑን፡፡ ማንታ ስነ-ሓሳብ ሒዞም በቲ ንህግደፍ ይኹኑኑ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነቲ ቋንቋ ካላሽን ዝኣምን መቃልስቶም ይውግዙ፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ ብዝደለይዎ ኣገባብ ቃልሲ ክቃለሱ እናኣመንካ ውድእ ይብለካ እሞ፡ እዞም ሰባት ኣንጻር ናይ ኣጋንንቲ ጋኔን ይቃለሱ ከም ዘለዉስ ይፈልጡ҆ዶ ይኾኑ ኢልካ ትጠራጠር፡፡ ንኢሳያስን ጉጅልኡን እቶም ኩሎም ዝቐተሎምን ዝዓፈኖምን ዝሓየሮምን ጀጋኑ፡ መድፍዕን ታንክን ሒዞም ኣይገጠምዎን፡፡ ትጋገ ኣለኻ፡ ቅዋምን ቅዋማውን መንግስቲ ይተኸል፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ ኢዮም ዝበሉ፡፡ እንታይ ረኺብዎም ድማ ካብ ዓይኒ ዝኾነ ዝተኸወለ ኣይኮነን፡፡ መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይክልኣካ ከም ዝበሃል ስለምንታይ ዘይንልብም..?

ዝኾነ ኤርትራዊ በቲ ይምጻእ በቲ ብዘየገድስ፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ተኣልዮም ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝምራሕን ዝምእዘዝን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክትከል ኢዩ ልባዊ ባህጎምን ድሌቶምን፡፡ ንኢሳያስ ብጸሎትን ምህለላን ክንኣልዮ ንኽል ኢና ዝብል እንቶሎ፡ ወሸለ ኮይኑ ዕዳ ቀለለ ኩልና ፍግም ኢልና ንልምን፡፡ ማዕሪኡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ብሰለማዊ መገዲ ብልዝብ ብምርድዳእ በቃ  ህዝቢ ፎእ ኢሉኩምዩ፡፡ ስልጣንኩም ንህዝቢ ኣረክቡ ኢልና ስልጣን ናብ ህዝቢ ከም ዝርከብ ክንገብር ኢና፡፡ ንገበነኛታት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከነቕርቦም ንኽእል ኢና ዝብሉ እንተለዉ እውን መርሓባ ጥራይ ኣቃላጡፍልና ጻዕዳ ይጽናሕኩም ንብሎም፡፡ ብኣንጻሩ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ብቛንቋ ካላሽን ክእለዩ ኣለዎም ንዝብሉ እንሆ ሜዳ እነሆ ፈረስ ክበሃሉ ኣለዎም፡፡ ስጋን ስብሕን ፈላልዮም ክርእዩ ድማ ምኽርን ማዕዳን ምሃቦም፡፡ ኪኒኡ ሓሊፍካ ግን ንሕና ዘይኣመናሉ፡ ንሕና ዘይብሉ፡ ንሕና ዘይባረኽናዮ ዝብል ሸፈጣዊ ቋንቋ ከብቅዕ ኣለዎ፡፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኤርትራዊ መንነት ሱር መሰረቱ ክሓክኽ ኣንቂዱ ዘሎ ቀታልን በታታንን ስርዓት ህግደፍ ጸጸር ዝዓቕሙ ጸጸር ይደርቢ፡፡ ዳንጎላ ዝዓቕሙ ዳንጎላ ይደርቢ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ናይ ዕንክሊልን ሓሸውየን መድረኽ ደምበ ተቓውሞ ይኣክል፡፡

ኣብ ዝነቀሐ ኣካል፡ ንምንታይን ስለምንታይን ኣነጺሩ ፈሊጡ ኣብ ዝቃለስ ዘሎ ተቓላሳይ ተጎምሓላይ ክውጠሓካ ኣይሰርሕን ኢዩ፡፡ ቀዲምና ዝተገረህናዮ ይኣኽለና፡፡ ኣብ ጉዕዞ ገድሊ ኤርትራ ልዕሊ ሕግን ፕሮግራምን ውድብ፡ ንመሪሕነት ገድሊ ንሰባት ማዕረ ነብያት ስለ ዝኣመና ተገዲዕና ኢና፡፡ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ተጠሊሙ ሕጊ ኣልቦ ሰርዓት ህግደፍ ንዕስራን ሰለስተን ዓመታት በሰልኡ ዘይሃስስ ስንብራት ገዲፉልና ኣሎ፡፡ ሎሚ ንውልቀ ሰባት መራሕቲ ኣሚና ዘይኮና ነቲ ብሓባር ዝነደፍናዮ ንድፍን ሕግን መስመርን ኣሚናን ተገዚእናን ኢና ንቃለስ፡፡ ንዕኡ ድማ መስዋእቲ ንኸፍለሉ፡፡ ቃልስናን መስዋእትናን ብቕዋም እትመሓደር ሃገር ክትህልወና ኢዩ፡፡ ቃልስና ብግዝኣተ ሕጊ ተቐይዱ ዝኸይድ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ምትካል ኢዩ፡፡ ቃልስና ብህዝቢ ዝእዘዝ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ኣብታ ሓርነት ህዝባ ዘረጋገጸት ኤርትራ ምርግጋጽ ኢዩ፡፡ ቃልስና እዚ ካብ ኮነ፡ ቃልስና ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ኮነ ግን ስለምንታይ ኢና ካብ ሓዲድ ዲሞክራሲ ወጺእና ኣብ ምቅንጻልን ምብልላዕን ምውንጃልን  ሓሸውየን ንኣቱን ንጽመድን ዘለና…….?

ሚእቲ ካብ ሚእቲ እኳ እንተዘይበልኩ ኣስታት ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዕለማ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተጠርኒፉ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ህግደፋዊ ስርዓት ተኣልዩ መሰል ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኽበረላን ዝረጋገጸላን ብሕጊ እትምራሕን እትመሓደርን ሃገር ክትህልወና ኢዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ብግዝኣተ ሕጊ ዝምእዘዝን ዝቕየድን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ኢዩ፡፡ ዕላምኡ ሓደን ንጹርን ዘየገላብጥን ክንሱ ግን ስለምንታይ ኢዩ ሓቢሩ ክሰርሕ ዘይከኣለን ዘይተበገሰን…..? ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ እምበኣር ካብ ሱሩ ኢዩ ክምርመርን ክፍተሸን ዘለዎ፡፡ እቲ ምንታይ ኩሉ ዘንጸባርቕ ወርቂ ኣይኮንን ከም ዝበሃል ኩሉ መዝሙር ዲሞክራሲ ዝዝምር እውን ዲሞክራስያዊ ኣይኮንን፡፡ ኩሉ ፍትሒ ዝብል ፍትሓዊ ኣይኮንን፡፡ ኣብ ዕላማኻን ኣረኣእያኻን እንተ ተሰማሚዕካ ዘፈላሊ እንተዘይ ሃልዩካ ኣብ ቴክኒካዊ ኣተገባብራ በዚ እባ በዚ እናበልካ ኣብ ሓሸውየ ክትኣቱ ምኽኑይ ኣይመስለንን፡፡ ኣብ ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ ዝዓይነቱ ነገራት ጎሊሑ ይረኣየካ ኢዩ፡፡ ስለዝኾነ ንኾዶ ዘለና ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ሸትኡ ክበጽሕ እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣብቲ ብርኩታ ተሓቢኡ ዘሎ እምኒ መዝሒቕና ከነውጽኦ ኣለና፡፡

ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንዝተበገሰሉ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ ኣብ ካልኦት ከስርጽ ኣብ ዙርያ ውዳቤኡ ህዝቢ ከዕስል ከም ዝጉስጉስን ከም ዝደልን ፍሉጥ ኢዩ፡፡ ንኻልኦት እናኾነንካን እናጸለምካን ግን ክኸውን የብሉን፡፡ ኣብ ጸለመ ምጽማድ ዘይኮነ፡ ብእተቕርቦ ሓሳብ ብሉጽን ሰዓር ኬንካ ክትወጽእ ጥራይ ኢዩ ዘድሊ፡፡ እዚ ክብል እንከለኹ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ምስቲ ከነረጋግጾ ንደሊ ዘለና ዕላማ ዘይሳነ፡ ዳግማይ ናብ ምልክን ሕጊ ኣልቦነትን ስርዓት ክመልሰና ምስ ዝህቅን፡ ኣብ ኤርትራ መለሳ ቆሎ ጥጥቖ ስርዓት ክትከል ምስ ዝደሊ ዝኾነ ኣካል ብሽፍንፍን ዘይኮነ ብመትከል ጸኒዕና ክንቃለሶ ኣለና፡፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ጥራይ ኢዩ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጽ ዝኽእል፡፡

መበገሲ ጽሑፈይ ፍጻመ 21 ጥሪ 2013 ንጅግንነትን ተበግሶን ሓርበኛ ስዉእ ወዲ ዓሊ ዓንዲ ማእከል ዝገበረ ኢዩ፡፡ ሓርበኛ ስዉእ ወዲ ዓሊ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ብቛንቋ ካላሽን ጥራይ ከም ዝእለዩ ብግብራዊ ስራሕ ኣረጋጊጹለና ኢዩ፡፡ ሓርበኛ ስዉእ ወዲ ዓሊ ናብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ፎርቶ ማይ ደግሚ ዝጸዓነት ቦጥ ዘይኮነ ሓዊ ትተፍእ ድርዕቲ ታንኪ ሒዙ ኢዩ ዝደየበ፡፡ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ተፈንጃሪ ቡንባታት ከዝንብ ዘይኮነ ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ፡ ኩሎም ብዘይ ሕግን ፍርድን ዝተኣስሩ ንጹሃት ኤርትራውያን ይፈትሑ ክብል፡፡ እንታይ ምልዕዓላትን ስንባደን ፈጢሩ ድማ ኩልና ኤርትራውያን ዝረኣናዮ ሓቂ ኢዩ፡፡ እቲ እንኮ መፍትሒ ድማ ንሱ ኢዩ፡፡ ጽባሕ እውን ምንሽር ወዲ ኣልዒሎም ኣብ ግንባር ኢሳይያስን ሰዓብቱን ዘቕንዑ ብርግጽ ክትንስኡ ኢዮም፡፡ እቲ ምንታይ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ብሓሊ ብረት ጥራይ ከም ዝእለዩ ሓርበኛ ስዉእ ወዲ ዓሊ ኣሚቱልና ሓሉፉ ስለ ዘሎ፡፡

እዚ ጽሑፍ ውልቃዊ እምነትን ርእይቶን ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ፡፡

ጅግንነት ወዲ ዓሊ ንዘንተ እለት ተዘኪሩ ክነብር ኢዩ!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
48 COMMENTS
  • belay nega January 25, 2014

    “ጉጅለ ኢሳይያስ ብቛንቋ ካላሽን ጥራይ ኢዩ ዝእለ”

    ካላሽን ክሳብ 800 ሜትሮ ጥራይ እዪ ከድምዕ ዝኽእል
    ንስኻ ዘለኻዮ ከአ አዲስ አበበ 3000 ኪሎሜተር ካብ አስመራ

    “ድኻን ዕዳጋን ከይተራኸቡ ይሞቱ”

  • wedi asmara January 25, 2014

    Tesfaledet you are stupid you cant judje wedi ali ,he is hero gegna you are blind follower of hgdef and narrow mind .

  • Jaber January 25, 2014

    brother Mikte, imo mekalesi bayta khe alo diyu? walas neti kaleay gets nay HGDEF Kem santim (seldi) zikhone weyane (ethipian)? zigerim iyu!!! nay bihaki diyu widitin mistirawi HGDEF-WEYANEN tesewiruna?! Wala tarikh meda eritrea timhrti aykonenan iyu? Michael iti zitegheskayo tarikh hid-hid men gebari men asawari (mitetitaw Weyane) zanti nay timali do aykonen?! iti agenda weyanen-HDEFIN ni Eritrawi hayli zidemsese iko still alo. kunetat dima in their favor kem zelo hiluw kunetat Eritrea hiyaw miskir iyu. Eritrawyan mizanawnet aziyu yigodlena alo timali ni Esayas wedisna abzi abtsinayo. izi keyiakil widit weyane tesewirna diyu walas tehababertu koyna million gize ni weyane kinwidisin meretom dima kem mekalsi bayta kintimto entay eyu werudna. Michael, nisikha kabtom kendi wedesti weyane ikha. tsuhufatka hiyaw misikir iyu. imo I am very confused. Oh God please help Eritea and poor Eritrean people.

  • osman January 25, 2014

    jewasis aranchi antsar HGDF entetsehafe entay eyu shgrkum weyanedo ethiopiado geletat mbal nay atehasasba dknet slezelekum trah eyu zemelkt

  • Mesinas January 25, 2014

    ርእይቶ፥

    ብመጀምርያ ንብጻይ ሚኪኤል እምባየ ስለ’ቲ ብቐጻሊ ዚገብሮ ዘሎ ንኡድ ስራሕ ከመስግኖን ከድንቖን እፈቱ። ብምቕጻል፥ ነቶም ኣብ እግሪ ጽሑፉ ዓለቕኩም (ርእይቶኹም) ኣንቢርኩም ዘሎኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን (ብሓቂ ኤርትራውያን እንተዄንኩም ማለተይ እየ) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓንቲ ፊደል ንምጽሓፍ እተጥፍእዋ ዘለኹም ካልኢት፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ምልእቲ ዓለም ብሰሪ’ዚ ሕሱም ጉጅለ’ዚ ይሳቐ ከም ዘሎስ ኣብሪምኩም (ልብኹም) ኣይነግረኩምንድዩ!? ወይስ እናፈለጥኩም ኢኹም ንትርግታ ልብኹም ምድማጽ ትሕንግዱ ዘለኹም? እስከ መን ኣሎ ካባኻትኩም ሃገሩ ከም ዓለማ፡ ብሕግን ፍትሕን፣ ብመሰልን ክብርን፥ ብፍቕርን ሓልዮትን፣ ብራህዋን ቅሳነትን፣ ብምዕባለን ዕብየትን፣ ብፍርነሳን ሽንሆትን (ብተድላን ዘሐጉስ ነገርን)፣ ብናጽነትን ሓርነትን፣ ወዘተ. ህዝባ ሓቊፋ ክትነብር ዘይደሊ?

    ብወገነይ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ኩላትኩም ኤርትራውያን እንተ ደኣ ኴንኩም፡ እዚ እልፊ ኣእላፍ (ሚእቲ ሽሕ) ጀጋኑና ዝወደቑሉ ሰናይ ተግባር’ዚ፡ ኣብ ሃገሩ ተፈጺሙ ክርኢ ዘደሊ ሰብ ወይ ኤርትራዊ ዜጋ ዘሎ ኣይመስለንን! እዚ ንኸይፍጸም ብዕቈት (ብተሪር ገመድ) ሓኒቑና ዘሎ እንኮ ማእገት (ኬላ፡ ፈታሽ) ድማ እዚ ምስሉይ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ፡ ጀጋኑን ምሁራትን ኣብ ምቕንጻል ግዜኡ ዘሕለፎን ጌና ዘሕልፎ ዘሎን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ዩ። ስለዚ፡ ነዚ ሰብ’ዚ ምድጋፍ ማለት እንታይ ማለት’ዩ!? ኤርትራዊ እኮ ብመጠን’ቲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ከምዚ ዘለዎ ኣብ ዚኾነ እዋንን ግዜን ካብ ቤቱ ከም በጊዕ ጎቲትካ ብምውሳድ፡ ኣብ ትሕቲ መሬትን ኣብ ኮንተይነራትን ክድርበ ኣይኮነን ዝግብኦ ኔሩ! እንታይ ደኣ? ዋላውን ሰብ ብምዃኑ ይበድል፡ ከም ንጉስ ሰተስምሃል ኣንጺፍካ ብሂሳን (ብኽብሪ) ገበኑ ብምእራምዶ ኣይኮነን ክግናሕ ዝግብኦ ኔሩ!? ፈራዲኡኸ ውልቀ ሰብ ዘይኮነስ ሕጊዶ ኣይኮነን ኪኸውን ዝግብኦ ኔሩ!? እስከ ምልስ ኢልኩም እዚ ውጹዕ ህዝቢ ንምንታይ 30 ዓመት ከም ዝተቓለሰ ንነብስኹም ሕተቱ?

    ገለ የዋሃት ከምቲ ጃንዳ ምልኪ ዝብሎ “እዚ ኹሉ ሕሰምን መከራን ሃገር ንምውሓስ’ዩ!” እውን ይብሉ’ዮም። ጽቡቕ ሕራይ። ሃገርና ንምውሓስ ብዓይኒ መርፍእ ንሕለፍ! ግን ሃገርናኸ ተዋሒሳዶ? ካብ መን’ያኸ ክትዋሓስ? ሃገር ብጥምየትን ብጸልማትን ማለት፡ ህዝቢ ብምድካይን ብምዕማጽንድያ ትዋሓስ!? እታ ሃገርከ እቲ ዝርገጽ ዘሎ ህዝቢዶ ኣይኮነን ከውሕሳ? ብሰንኪ ጉጅለ ምልኪውን እኮ ህዝቢ ሃገሩ ከውሕስ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ፡ ሎሚ ወያነ ነቲ ብዓለም ዝተበየነልና መሬትና፡ ብሓይሉ ንልዕሊ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት የማሓድሮ ኣሎ። ካልእ ክጎብጥ እንተዝደሊውን ሎሚ ዓጋቲ ከምዘይብሉ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዓሰርተው ሸሞንተ ኪሎ ሜተር ናብ ውሽጢ መሬትና ብምእታው፡ ድሌቱ ሰሪሑ፡ ብዘይገለ ጸገም ናብ መሬቱ ብምምላስ፡ ብግብሪ መሬትና ከምዘይተዋሕሰ ኣርእዩና እንድዩ!

    ካልእ፡ ህዝቢ ሳላ ብዘይሕግን ፍርድን ዝተኣስረ፣ ሳላ ዝጠመየን ብናጻ ሳላ ዘገልገለንሲ ሃገርና ብምዕባለ ተወንጪፋዶ? እዛ ሃገር ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ብዓይንና ንርእያ እንዲና ዘለና። 23 ዓመት “መንግስቲ ኢና” ዝበሉና ፈያት (ሽፋቱ) ንሓንቲ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝቕመጣ ርእሲ ከተማ ሃገርውን መብራህትን ጽሩይ ዝስተ ማይን ከቕርቡላ ኣይከኣሉን? እሞ ኸኣ ሃብቲ መሬትና ወርቅና እናጋሓጡ! ኣብ ኣስመራ 100.000 ህዝቢ ብዘይዓይኒ ምድሪ ፈቐዶ ጐደና ቀልቀሉ እናወጸ ከሎ፡ ኣብ በረኻ መጎራይቭ “ን 100 ሰባት ዓይኒ ምድሪ ሰሪሐሎም” ኢሉ ኣብ ተለቪዥኑ ንዝንየት መደናገሪ ጉጅለ ርኢኻስ “ኣየ መንግስቲ! ከተማታት ሓሊፉስ ገጠራት የማዕብል ኣሎ!” ብምባል ይንኣድ!? ኣንታ ክንደይ ጉድ ኢልና ኢና’ሞ ክንጠቅስ!

    እዚ እናረኣኹም “ትንፈር ኣይትንፈር ጤል’ያ” ብምባል፡ ኣንጻር ነብስኹም፣ ኣንጻር ህዝብኹምን ሃገርኩምን እትሰርሑ ዘለኹም ሰባት ግን ናይ ብሓቂ ሰባት ዲኹም!? በጃኻትኩም ኣብ ህልኽን እንታይ ገደሰንን ከይኣተኹም፡ ንኣይ ይጥዓመኒ ገዲፍኩም፡ ሰብኣውነት ብምልባስ፡ ብስቅያት ህዝብኹም ተቐንዘዉ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ብዘይዚኾነ ጸገም ሰሪሑ፣ ማሚቑን ከቢሩን ክነብር ተመነይሉን ስርሕሉን! ነባሪ ህዝቢ’ንምበር ነባሪ ገዛኢ ሓይሊ የለን!

    የቐንየለይ።

    ንየዋሃት ብምኽሪ፣ ንተረርቲ ልቢ ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 25/01/2014

    • Sorobeti January 25, 2014

      Brother Mesinas

      TPLF is administrating BADEME since 1981 when it was handed to them by Isaias.

    • ERITRAWIT January 25, 2014

      mesinas,
      Hzbna Kabzbelwo zeybelwo ybezeh

      450 Nakfa Domoze
      Kilo shegrtey 40 Nakfa
      Kilo dneshe 50 Nakfa
      Kilo sga 260 Nakfa
      Lamba yedleya enjera yedleya neza nay Sdra msah ketedalew
      Emo ke da kemey thlef 28 Maletey b zey geza kray, b zey na kolu temhrtey.wezete…….
      ab Eritrea zlmen zelo seb meraye yeblun Men eu emo zeyrdwo abzey geze seb ab Villa ketewe thader ala. Ab Container thakek zela nab Rashayda edaga endawerede hzbna!!!!!! ajenda nay Isaias mesarhtw slezkonw eyom zbele ane enber kale welahanetey melsey yebleyen Bejakatkum aytdenagetew Bezeom Telamat kbele ydeley.

  • halengi January 25, 2014

    kirabata hnka kalashen tekal fishektu ata mutrus abdei aranchi aranchi belka tesekema

    • ERITRAWIT January 25, 2014

      halengi,
      Wedi Sebeytey, N menedeka eka tsaref zeleka drbay sebay da kemezey natka aykonen ab computer zsaref hfer kem sebay aythseba nebska!!!!!!!!!!!!!

  • Truly Truly i say to you January 26, 2014

    Respected brother dear Michael Embaye, all waht you described is truth and lovely. Indeed Isayas doesn´t understand the language of peaceful approach. I wonder those meek so called concerned Eritrean intellectuals,i do not know weather you have seen at Meskerem net colectivily to what they wrote a letter to Isayas to give them answer for the burden Eritrean public issues? These guys, are they political learners(Telemden) or what they expecting isayas to give
    them answer? Like you Aranchi well described may couldn´t understand isayas´s behaviour coud be or has another motive they dare talk peace with the Devil?
    In all oppposition movement history, the only trusted person who working hard for unity in my observation because is only Wodi Vacaro, like i do writing here in my comment, reconsidering his old age and his poor health condition according his expression, i asked him instead by touring all cities he tiering self more, and west time, why he should not call all opposition leaders to sit together for unity with him ? But in deed even i didn´t get chance once to see or meet this highly respected citizen , i got the answer for my concern may because other person asked him tcould be, i heard as everything has done and attempted to invite and meet all socalled opposition leaders for unity discussion. But if i not mistaken many of them as stubborn and rejected his invitation when speak because i heard in one of his conference video , i really also questioning to know what their reason is, and i fully agree with your following assertion dear Michael
    ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ እምበኣር ካብ ሱሩ ኢዩ ክምርመርን ክፍተሸን ዘለዎ፡፡ እቲ ምንታይ ኩሉ ዘንጸባርቕ ወርቂ ኣይኮንን ከም ዝበሃል ኩሉ መዝሙር ዲሞክራሲ ዝዝምር እውን ዲሞክራስያዊ ኣይኮንን፡፡

  • Truly Truly i say to you January 26, 2014

    to some of the reasons the opposition they do not like unity to express:-
    1st) because they struggling to have power
    2nd) the use it power for means of getting money and to make journey.
    3rd) for own pride and glory own party interst prioritizing
    4th) because are regionalist, with religious and ethnic affected
    5th) Inside all opposition because amongst most are woyanes
    6th) because in side every oppositions there are Isayas agents.
    7th) Few afar and kunamas because instrumetaized by Ethiopian regime they have separatist agenda, these and alike are for disunity i would say.
    However, dear Michael despite i agree isayas can be removed only by force, i would say there is no a need of opining war or mass mobilization, alone a courageous single person like Wedi Ali alike if take a measure to persecute Isayas i am 100% sure at once the whole political atmosphere inside our country as could start changes.

  • Truly Truly i say to you January 26, 2014

    In the matter of fact, we Eritreans unless we brooded our political point of view and mentality, i mean since we don´t able to see the other perspective of the foreign nations political and economy strategical interest and the influential might they have, in a short unless our revolution not support or get recoginiation , by our selves will alone with our narrow mind and capacity we can not change anything. But thanks God! there someone who understands the politic physic very professionally namely Dr.Tewolde (Wodi Vacaro) this is why he started negotiations with relevant mighty nations power and organizations.
    By the way after long time absence i heard Dr. Andeberhan G/ giorgis in Meskerem net when actively briefing about our current political situation to foreigners. These are professional politicians our county needs and proud of. Belive me if the Western likes overnight they can overthrow the Isayas regime. In this aspect at most we have to expect if we realy need regime change to see, not more wothless self appointed opposition leaders without capability and low life mentality they running empty by rejecting a unity call Wedi Vacaro´s.

  • merhawit January 26, 2014

    Belai Nega or T’Hut Tchelema or whoever u call urself,
    The distance from Addis to Asmara is 1080 kms, and not 3000 as u stated. Even if it were so, so what? ELF was founded in Cairo.
    Needless to mention that the envisaged struggle to finish off Isaias and his canibalistic rule shall be waged inside Eritrea. Ur assertionn that AK-47 ‘s projectile has a target distance of

POST A COMMENT