ገዲም ተጋዳላይ ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።
ቅድምን ድሕንርን ናጽነት ምእንቲ ሓርነትን ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሱ፣ ገዲም ተጋዳላይ ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድሚኦም፣ ብ 23 ለካቲት ኣብ ለንደን ዓሪፎም። ስነስርዓት ቀብሮም ከኣ ኣብ ከባቢ ለንደን ‘ሳላም’ ኣብ ዝተባህለ መካነ
ቅድምን ድሕንርን ናጽነት ምእንቲ ሓርነትን ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሱ፣ ገዲም ተጋዳላይ ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድሚኦም፣ ብ 23 ለካቲት ኣብ ለንደን ዓሪፎም።
ስነስርዓት ቀብሮም ከኣ ኣብ ከባቢ ለንደን ‘ሳላም’ ኣብ ዝተባህለ መካነ መቓብር ሓመድ ኣዳምለብስ እዩ።
ኣብ ሕርጊጎ ዝተወሊዶም መባእታ ትምህርቶም ኣብ ሕርጊጎ ዝተኸታታሉ ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር፣ ናይ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲትን እንተላይ ናይ ዶክትረይት ትምህርቶም ኣብ ካይሮ ዩኒቨርሲቲ ዝፈጸሙ፣ ሓያለ መጽናዕታዊ ስርሓት ዘሰላሰሉ ካብ ቀዳሞት ወለዶ ምህራት ኤርትራውያን ‘ውን እዮም።
ቃልሶም ስለ ኤርትራን ህዝባን ምስ ምንቅስቓስ ሓራካ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ምስ ስሙር ውድብ በብደረጅኡ ክሳብ ዕለተ ሞቶም ከምዝቐጸሉዎ ይፍለጥ።
ድሕሪ ናጽነት ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኳ እንተነበሩ፣ ኣብ 1994 በቲ ስርዓት ግዳይ ጸቕጥን ሃድንን ኮይኖም ከምዝተጓሳቜሉ፣ ካብ ኣስመራ ምውጻእ ምስ ተኸልከሉ ‘ውን ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ካሮ ከምዝሰገሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የገንዝብ። ኣብ ለንደን ዑቕባ ረኺቦም ክሳብ ዝዓሰሉሉ ግዜ ኸኣ ካብ 2002 ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣባል ምሕዝነት ብምዃን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ተጸዋዒ ኮይኖም ኣገልጊሎም።
ነፍሲሄር ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር፣ ምስ ብዙሓት ዓበይቲ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ብኣካል ብምርኻብ፣ ኣብ ዓዲ ዓረብ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደገፍ ኣብ ምጕንጻፍ ብዘካየዱዎ ምንቅስቓስ ከምዝፍለጡ ይሕበር። ኣብ በይሩት ናይ ሚድያ ማእከል ኣብ ምምስራት ከምዝነጠፉ ‘ውን ይፍለጥ
ኣሰና ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር መንግስተ ሰማያት የዋርሶም እናበለት፣ ንቤተሰቦም ጽንዓት ትምነየሎም።
A Iyau February 25, 2014
May his soul rest in peace and our condolence to the family.
abdu February 25, 2014
Arhamakallah
Tekluu Gubtaan February 25, 2014
Mengstee semaiat mearfii eknoom n Abuubekeer. Nsedraaom ka tsenaat akaeloo emneeyelom. Nezelena ka kalsii tegzizguzkayo etenber haki mekanuu mehromena alwu emo nfthii negsenet heigi tetew nebel.
Tesfu Kbrom February 25, 2014
RIP! rahmetulah alehu.
Tes February 25, 2014
Rest in peace! My thoughts is with the grieving family.
rahwa February 25, 2014
Rest in peace. my condolences to the family.
monicasalguero February 25, 2014
Amlak/rebi ab mengistu yikebelom nkulekum sgrabet dma xen-at yehabkum.
Kalighe February 25, 2014
Alah yarxamu wa yakfirleh …
Zufana February 25, 2014
RIP and my condolences to the grieving family.
Merir Kalsi February 25, 2014
RIP dr and hero.