Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ….?

 ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ….? ሎሚ እታ ንስለ ናጽነትን ሓርነትን፡ ንመሰልን ፍትሕን፡ ንስለ ዕቤትን ብልጽግናን ንስለ ሰላምን ቅሳነትን ሕሩያት ቀያሕቲ ዝኸፈልናላ፡ ብመንጽሩ ስዉኣትና ዝገደፉልና ረዚን ሕድሪ መብጽዓና እነሐድሰላ፡ ቅሰኑ ሰማእታትና ኢልና ማሕላናን ድምጽናን እነቃልሓላ ዕስራ ሰነ

 ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ….?

ሎሚ እታ ንስለ ናጽነትን ሓርነትን፡ ንመሰልን ፍትሕን፡ ንስለ ዕቤትን ብልጽግናን ንስለ ሰላምን ቅሳነትን ሕሩያት ቀያሕቲ ዝኸፈልናላ፡ ብመንጽሩ ስዉኣትና ዝገደፉልና ረዚን ሕድሪ መብጽዓና እነሐድሰላ፡ ቅሰኑ ሰማእታትና ኢልና ማሕላናን ድምጽናን እነቃልሓላ ዕስራ ሰነ (20 ሰነ) መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኢያ፡፡ መበል ዕሰራን ሰለስተን ዓመት ዝኽሪ እቲ ረዚን መብጽዐ ዝተሰከምናሉ ዕለት፡፡ ግዳ ብሓቂ ዲና ቅሰኑ ሰማእታትና መብጽዓኹም ተግቢርናዮ ፍትሕን ሓርነትን ኣንጊስና፡ ሃገር ናብ ገነት ልምዓት ቀይርናያ፡ ስድራ ስውኣት ተደቢሶም፡ ደቂ ስውኣት ከቢሮም ነቢሮም፡ ህዝቢ ከም መብጽዓኹም ፍትሒ ረኺቡ ዋና ሃገሩ ኮይኑ፡ ኤርትራዊ ካብ ስደትን ከልበትበትን  ኣዕሪፉ ዓዱ ተመሊሱ፡ እታ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝተኸፍላ ሃገር፡ ዓዲ መዓርን ጸባን ዓዲ ሽሻይን ጽጋብን ቀይርናያ ኢልና ኣፍና መሊእና ንዝምርን ሽምዓ ነብርህን ዘለና…….? ብሓቂ ብዘይ ገለ ሕርኽራኽ ልብና ኣሚኑሉን ተቐቢልዎን መብጽዓን ሕድርን ሰማእታት ኤርትራ ተተግቢሩን ይትግበር ኣሎን ንብል ኣለና……? እንድዒʼኸ ግን ኣይመስለንን፡፡

ኤእ ኣንቱም ተረርቲ ልቢ ፈርኦን የማነ ጸጋምኩም ርኣዩ፡፡ ብሰንኪ ህልኽ በሊሕ ላማ ምውሓጥ ኣይግድን፡፡ መጠረሽታ በብሓደ ሰብ ወሓደ ኮይና ኩልና ኢና ንጠፍእ ዘለና፡፡ ኢሳይያስን ኢቲ ንሱ ዝመርሖ ናይ ደም ጉጅለን ኣሽንካይ ሰማእታት ኤርትራ ክዝክሩን መብጽዖኦም ከኽብሩን ንህልዋት ኢዮም ርእዮ ብርእዮ ዝቐትሉን ዝኣስሩን ብጅምላ ዘሳድዱን ዘለዉ፡፡ እዚ ብደም ምሉእ ነብሱ ዝጠልቀየ ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ ጉጅለ ኣሽንኳይ ሰላምን ፍትሕን ከንግስ፡ ንሞትን ዕግርግርን ከም ዝተፈጠርና መዋእልና ኣብ ኲናትን ውግእን ከም ንሽመም ኢዮም ገይሮምና፡፡ እዚ መብጽዓ ስውኣትን ህልዋትን ምሉእ ብምሉእ ረጊጹ ዝጠለመ ካሕዳይ ጉጅለ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ከይሰርሕ ሃገር ከየልምዕ ከይወልድ ከይዝምድ ጅሆ ሒዙ ክንህሉን ከይንህሉን ኣብ ምልክት ሕቶ ኢዩ ኣእቲውና ዝርከብ ዘሎ፡፡ እዚ እናኾነ ግን ኤርትራውያን ኣብ ክልተ ኣንጻር ተመዐዳዊ ነገር ረጊጽና ገሌና ነእዊ ደም ንነብዕ፡ ገለ ድማ ኣብ ርእሲ ሬሳ ሳንዱቕ ወገናትና ከበሮ ሒዝና ንጉይል ጉራዴ ሒዝና ንድብልን ንስዕስዕን ኢና ዘለና፡፡ ካልእሲ ይትረፍ እዚ ጨካን ዓማጺ ጉጅለ  ከም ዝብኢ ንገዛእ ስጉኡ ክበልዕ ንሕድሕዱ ክማጃረጥ እውን ንዕዘቦን ነስተብህለሉን ዘለና ኣይንመስልን፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ኣብ መጻወቲ ሜዳ ዘይኮነ ኣብ ትሪቡን እውን ከም ተዓዘብቲ  የለናን፡፡ ሓደ የብሉ ክልተ ኩልና ኣርሒቕና ገይሽና ኣለና፡፡ ከመይ ዝዓይነቱ መገሻ ግን….?

ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ ምረአና ……. ???? ስነ ጥበባዊ የውሃንስ ትካቦ (ወዲ ትካቦ) ድሕሪ እቲ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ  ጸሊም ናይ ጓሂ ስንብራት  ዝገደፈ ኣስካሕካሒ ህልቂት ላምፓዱሳ፡ ሓድነት ኣብ እትብል  ፍትሒ ደሊና ኣብ ዝትሕዝቶኣ ንጽል ደርፉ፡ ጥበብን ውሕልነትን ሓዊሱ ካብ ዝበሎ ኢዩ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም  ቃላት ስነ – ጥበባዊ ወዲ ትካቦ ሓቅን ርትዕን ኢዩ፡፡ ኣይፋሉን ዝብል እንተሎ ድማ ዋሕስ የግብእ ኢሉ ክማገት እነሆ ሜዳ ፡፡ የግዳስ ገድሊ ጥራይ ኣይኮነትን ገይሻ ዘላ፡፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቢ ይኹን መንእሰይ ወዱን ጓልን መገሽኡን ኣገያይሽኡን ደኣ ይፈላለ እምበር አርሒቑ ገይሹ ኣሎ፡፡

ብርግጽ ገይሻ እምበር እንተ ትህልው ገድሊ ዘየብል ግዜ ኣይኮነን፡፡ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ክሳብ ዒፍ ዝብሎ ሰትዩ፡ ብስኽራን ዝዓበደ ሓደ ገበነኛ ሰብኣይን ሒደት ጉጅልኡን ንኹሎም እቶም ጀጋኑ ኢልና ንሕበነሎምን ንኾርዓሎምን ገዳይም ተጋደልቲ ክቐትል፡ ክኣስር፡ ከደስክል፡ ከናሹ ንስንኩላን ተጋደልቲ ሓንቂቕኩም ኢሉ ብተመልከተልይ ክርሽን፡ ንመላእ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዒም ዝበለ ይተሓጎም ብምባል ክቐትልን ክኣስርን ከበሳብስን  ታሪኽ ጅግንነትና ክድምስስ፡ እቲ ንስለ ናጽነት ግምባሩ ክህብ ነግ ፈረግ ዘይበለ ተጋዳላይ ርእሱ ኣድኒኑ ኣብ ናይ  ስቕታ ማዕበል ክወሓጥ፡ ገድሊ ገይሻ ጥራይ ዘይኮነት ብስሩ  እውን የላን ዘብል ኣካሒዳ ግዜ ኢዩ፡፡ የግዳስ ግደ ሓቂ ግን ገድሊ ጥራይ ድያ ነዚ ናይ ደም በዓል ዕዳ ዝኾነ ቀታሊ ጉጅለ ክትጋፈጦን ክትኣልዮን ዘለዋ…? ካን ተጋዳላይ ጥራይ ኢዩ ክቃለስን ክስዋእን ዘለዎ…? ስለምንታይ ኣብ ጉዳይና ሓደ ወሃቢ ሓደን ተቐባሊ ንኸውን…? ሃገራዊ ውራይ ክሳብ ዝኾነ ስለምንታይ ኩልና ተዓጣቖ ዘይንኸውን…? ዋናታት ክንስና   ናበይን ኣበይን ኢና ኣርሒቕና ገይሽና ዘለና…?

ኣንቱም ኣሕዋት መገሻና ድኣ ተፈላልዩ እምበር ኩልና ገይሽና ኢና ዘለና፡፡ ገሌና ሩዕና ጠቕሊልና ናብ ዓዲ እንታይ ገደሰኒ ተሰዲድና ኢና፡፡ ገሌና ነብስና ኣብ ከውሊ ኣማዕቂብና ናብ ሃገረ ኣነን ስድራይን ጥራይ ኣይንተንከፍ ዓዲ ስቕታ ግዒዝና ኢና፡፡ ገሌና ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኣለና እናበልና መሰረትና ተሓግሒጉ ነበረያ ነበረ እናኾነ ኣብ ክንዲ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳሚ ናይ ስምረትን ሓድነትን ስጉምቲ ንወስድ ኣብ ዓዲ ህልኽን ቅርሕንትን ተሸኺልና ዕንክሊል ንብል ዘለና ኢና፡፡ ናይቶም ሰብ ቀይሕ ወረቐትʼሞ ኩዱን በኣፈ ስላሰ ክትዛረበሉ ውን ስኽኽ ዘብል ኢዩ፡፡ ኣብ ዓለም ብኣምዑት ደቃ ትጻወት ፍጥርቲ ደርሆ ጥራይ ኢያ፡፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኣሕዋቶም ዝስዕስዑ ኤርትራውያን ርኢና፡፡

ስለ ዝኾነ ሎሚ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ (20 ሰነ)  ኩሉ ነገር ጥርዚ ኣብ ዝበጻሓሉ፡ ክፍኣትን ጭካነን ምስሊ ስርዓት ህግደፍ ደሚቑ ኣብ ዝወጻሉ፡ ምረት ህዝቢ ኤርትራ ገንፊሉ ኣብ ዝፈሰሰሉ፡ ህዝቢ ብዓውታ ፍትሕን ሰላምን ደሊና ኣብ ዝብለሉ፡ ብመንጽሩ ንዕቀትን ኣሽካዕላልን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ዝተሰማዓሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝብኢ ንገዛእ ስግኡ ክበልዕ ኣብ ዝጀመረሉ ኣዝዩ ተኣፋፍን ዝብርቕርቕ ኣብ ዝበለን ግዜ ኢና ንዝክሮ ዘለና፡፡ ግዳ ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም ክልተ ዓይነት ዝኽሪ፡፡

ህልዋት እንዳቐተልካ ህዝቢ ብጅምላ ከም ዝስደድ እናገበርካ፡ ሃገር ብሃገራ ናብ ሓንቲ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ቀይርካ፡ ዓሚ ብሰንኪ ምረት ምልኪ ህግደፍ ነብሶም ከድሕኑ ኣደዳ ማእከላይ ባሕሪ ኮይኖም ኣብ ስደት መርየት ዓዲ ጥልያን ሓመድ ኣዳም ዝለበሱ ኣሕዋትና፡ ገና ዓኖም ከይነጦቖ፡ ስገኦም ከይሟጦገ ንዳንኬራ ቦለኛ  ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ ዝግበር ናይ ይምሰል ሓሶታዊ ዝኽሪ፡፡ በቲ ካልእ ድማ ጳጳሳት ኮተሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሓውኻ ሓፍትኻ ኣበይ ኣለዉ…? ኤርትራዊ ነብስኻ ፈትሽ!! ኣብ ርእሲ ሬሳታት ወገናትካ ከበሮ ኣይትደስቕ እክትሽም ኣይትበል!! እንተ ኺኢልካ ብጥፍኣት ወገናትካ ኡይይይ በል!! ፍትሒ ይንገስ ኣድምጽ፡፡ ዕርቀ ሰለም የውርደልና ኢልካ ንኣምላኽካ ለምን ጸልይ፡፡ ዝብል እዋናዊ ዛዕባ ተላዒሉ ደወል ክተት ኣብ ዘቃልሓሉ ዘሎ፡ ሰማእታትና ዝተጠልመ ሕድርኹም ክንመልሶ ኢና ዝብል ነድርን ሕራነን ደለይቲ ፍትሒ ብዓውታ ኣብ ዝስማዓሉ ሓቀኛ ዝኽሪ ኢዩ፡፡

ኣብ መጠረሽታ ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ባርነት፡ ቅሰኑ ሰማእታትና ሕድርኹም ተተግቢሩ ኢዩ፡ ክንብል ኣይኮነን ንባዕልና እውን ካብ ማሕዩር ምልኪ ጉጅለ ህግደፍ ክንወጽእ ኣይከኣልናን ዘለና፡፡ ከምቲ ኣብ ዒላ ዝጠሓለ ቅድሚ ተዘከረኒ ኣድሕነኒ ኣምላኸይ ንኽብል፡ ትንፋስ ክሰኵዕ ኣየር ክረክብ ፋሕጠርጠር ዝብል፡ ናትና ነገር ካብኡ ዝተፈለየ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ባርነት ክንደይ ድራማን ጋዕ ገልጠምን ርእይና ኢና፡፡ ንሕና ድማ ህግደፍ ንዘዳለዎ ሓሶታዊ ትያትሮ ዓጂብናን ኣጣቒዕናን ኢና፡፡ ንኤርትራዊ ስዉእ እንተዝመላለስ ሽሕ ግዜ ተባሂሉ ተዘይምሉ፡፡ ብሓቂ ግን ኤርትራውያን ሰማእታት ነዚ ገጢሙና ዘሎ መዓት ክርእዩ እንተዝምለሱ ብጓሂ ማይ ዘይኮነ ዝረገአ ደም ምነብዑ፡፡ ዕላማ መስዋእቶም ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ከም ጠለ በጊዕ ከብዱ ተቐዲዱ ኮላሊቱን ጸላም ከብዱን ንመሸጣ ክውዕል ኣይነበረን፡፡ ስለ ዝኾነ ሎሚ በቃ ይኣክል ንበል፡፡ ህልዋት ዘይክንስና ኣለና ኣይንበል፡፡ ኣብዚ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ  ዕስራ ሰነ 2014 ንስሓ ኣቲና ኩልና ካብቲ ዝወፈርናዮ መገሻ ንመለስ፡፡

ዝተጠልመ ሕድሪ ሰማእታትና ይመለስ!!

ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • robelbereketab@gmail.com June 22, 2014

    ኣንቱም ኣሕዋት መገሻና ድኣ ተፈላልዩ እምበር ኩልና ገይሽና ኢና ዘለና፡፡ ገሌና ሩዕና ጠቕሊልና ናብ ዓዲ እንታይ ገደሰኒ ተሰዲድና ኢና፡፡ ገሌና ነብስና ኣብ ከውሊ ኣማዕቂብና ናብ ሃገረ ኣነን ስድራይን ጥራይ ኣይንተንከፍ ዓዲ ስቕታ ግዒዝና ኢና፡፡ ገሌና ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኣለና እናበልና መሰረትና ተሓግሒጉ ነበረያ ነበረ እናኾነ ኣብ ክንዲ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳሚ ናይ ስምረትን ሓድነትን ስጉምቲ ንወስድ ኣብ ዓዲ ህልኽን ቅርሕንትን ተሸኺልና ዕንክሊል ንብል ዘለና ኢና፡፡ ናይቶም ሰብ ቀይሕ ወረቐትʼሞ ኩዱን በኣፈ ስላሰ ክትዛረበሉ ውን ስኽኽ ዘብል ኢዩ፡፡ ኣብ ዓለም ብኣምዑት ደቃ ትጻወት ፍጥርቲ ደርሆ ጥራይ ኢያ፡፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኣሕዋቶም ዝስዕስዑ ኤርትራውያን ርኢና፡፡

    kabzia ttsedun ttseryn haki kabey ina knrekb.
    kabza megesha ezia nmels .
    aranshi aranshi

  • robelbereketab@gmail.com June 22, 2014

    ሚኬል፡
    በሊሕ ረዚን ቃላት ስእሊ ዘሎናዮ ኩነታትና ዝገልጽ ጹሑፍካ እዩ ኣቐሪብካዮ ዘሎኻ ጽሑፍ። ብባዓል ዮሴፍ ገብሪሂወት ኣታሓሳስባን ብጉጉይ ናይ ታሪኽ ሓበረታ ዝሸኸሩ ዉልቀሰባት ከም ዘሎዉና ኣይትረሰዕ።
    ቀጽሎ ድማ፡ ናይ ትግሪኛ ጽርየት ዘሎካ መችም ዘኹርዕ አዩ።

    Ezgi azarebeka ato g. mikael

Post a Reply to ahmed saleh Cancel Reply