Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጀጋኑ ናይ ለንደን!

ጀጋኑ ናይ ለንደን ብኽብሪ ከልዕሎም ኣናብስ ምስ ዋዕሮ ወዶም ጓሎም ንስርሒት ፎርቶ ተኸቲሎም ዕሱባት መላኺ ኣብ ቤቶም ድሂሎም ተቋጻጺሮሞ ድፋዖም መንጢሎም! ንሰላምን ራህዋን ምእንቲ መሰሉ ኤርትራዊ ዜጋ ፍጹም ተላዒሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዕሱባት ድሂሉ ንምሉእ ሓርነት ዕጥቁ ሸጥ ኣቢሉ ኣብ ጎድኒ ኣሕዋቱ እኖሆ

ጀጋኑ ናይ ለንደን ብኽብሪ ከልዕሎም
ኣናብስ ምስ ዋዕሮ ወዶም ጓሎም
ንስርሒት ፎርቶ ተኸቲሎም
ዕሱባት መላኺ ኣብ ቤቶም ድሂሎም
ተቋጻጺሮሞ ድፋዖም መንጢሎም!

ንሰላምን ራህዋን ምእንቲ መሰሉ
ኤርትራዊ ዜጋ ፍጹም ተላዒሉ
ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዕሱባት ድሂሉ
ንምሉእ ሓርነት ዕጥቁ ሸጥ ኣቢሉ
ኣብ ጎድኒ ኣሕዋቱ እኖሆ ደው ኢሉ!

ንኮማንዶ ለንደን መከትቲ ምልክነት
ኣገናዕ በሉለይ ብሓበን ብኽብረት
ንዕርድታት ህግደፍ ጥሒሶም ብድፍረት
ቆሪጾም እተላዕሉ ከወፍዩ ህይወት
ታሪኾም ሰንዱ ኣብ ማህደር ሓርነት!

ኣብዚ ምዕቡል ሃገር ስደት ዓዲ ጓና
ሰሪሕና ንኣቱ ብሰላም ወፊርና
ገሌናውን ብኾፍና እናተቀለብና
ምስ መላኺ ኣብ ኲናት እንታይ ኣእተወና
ኢሎም ትም ኣይበሉን እቶም ሰብ ሕልና!

ተላዓሉ ደኣ ብወኒ ብድፍረት
መላኺ መኪቶም ክቐብርዎ ድሕረት
ቅያ ብምስረሖም ተኣምር ጅግንነት
ዳግም ተሓዲሱ እቲ ኤርትራውነት!

ጅግንነት ናይ ፎርቶ ከምኡውን ናይ ለንደን
ጌና ይቕጽል ኣሎ ኣብ ሽወደን ጀርመን
ብዝለዓለ ወኒ ቅያታት ክደግመን
ዕሱባት መላኺ ሎሚዶ ከይጥዕመን
ህዝበን ንኽክሕሳ ጌጋአን ኣሪመን
ይስውዐን ኣሎ ምልኪ ከይልክመን!

ስቓይና ንኽድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 29-01-1013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • okubay January 29, 2013

    Hgi yfredo n ewe ewe n no no nbel kuluna

  • Ane Nska February 4, 2013

    I am gonna say where we are Who is clever the one who is speaking and writing on net or the one tried to do something.

  • Ane Nska February 4, 2013

    Wedi Ali is passed away (For what?) But you Guys do some Hero not only blame and Gossiping

Post a Reply to Ane Nska Cancel Reply