Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድጉል-ሓዊ

 ድጉል-ሓዊ ድጉል ሓዊ አንዲዱኒ እግረይ ባዕዲ ዝቐበሮ ከጥፋኒ ሱረይ ደም ናየቦይ ሰትዩ ባጃ ዝሓርደለይ አካላተይ ሸይጡ ጋህሲ ዝፍሕረለይ ሬሳይ ተበቲኑ ዓለም ክነብዓለይ። ዓንቲሩ ገቢሉ ብደም ንጹሃት መንቕብ ዘይብሎም ደቀባት ንሞት ዝፈረዶም ለውሃት ከይፈለጡ ከይዶም ናይ ኮብራ ተንኮላት። ተመን ከንሱ ዕንቅርቢት ፍሽኽ እንዳ በለ ከም ለዋህ ርግቢት ልቢ

 ድጉል-ሓዊ

ድጉል ሓዊ አንዲዱኒ እግረይ

ባዕዲ ዝቐበሮ ከጥፋኒ ሱረይ

ደም ናየቦይ ሰትዩ ባጃ ዝሓርደለይ

አካላተይ ሸይጡ ጋህሲ ዝፍሕረለይ

ሬሳይ ተበቲኑ ዓለም ክነብዓለይ።

ዓንቲሩ ገቢሉ ብደም ንጹሃት

መንቕብ ዘይብሎም ደቀባት

ንሞት ዝፈረዶም ለውሃት

ከይፈለጡ ከይዶም ናይ ኮብራ ተንኮላት።

ተመን ከንሱ ዕንቅርቢት

ፍሽኽ እንዳ በለ ከም ለዋህ ርግቢት

ልቢ ህዝቢ ሒዙ ዝአተ አብ መንጠቢት

ሃገር ዘታለለ መንደላይ አራዊት።

ህዝብና አይጎርሐን ንሰላም ቖዚሙ

ምዓሩ ዝቕርብ ንጓና አቓሚሙ

ፈረስ እንዳ ጋለበ ስዉእ ተጠሊሙ

ስንኩል ናይ ማይ ሓባር ድባብ ተሸሊሙ።

ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ፍትሒ ዝሓተቱ

መፍትሕ ተረኪቦም ገዝኦም ከይከፍቱ

ቖጸራ መሪጾም ዳግም ክምጉቱ

ከውታ ረኺባቶም ጸልማቶም ክብሕቱ።

ቕዋምና ዝበሉ ብመንፈስ ህልዋት

                                 ዓውታ ዝመረጹ ደቐባት

ዓፍራ ዝረገጹ ድህሉላት

                             አለዉና ንብሎም ናይ ቓልሲ ምኩራት                          መሬት ውሒጣቶም ገዲፎም ስንብራት።

ብረት ተባሪቑ መድመይቲ

መሬት ተዃዒቱ ታሕቲ ታሕቲ

ህዝቢ ተሰሪቑ ለይቲ ለይቲ

አእዳዎም ሓቒቑ መጣቓዕቲ

ጽሓዮም ዓሪባ ጻምአም መቕዘፍቲ።

ናይ ታሪኽ ሓተላ ተንበርከኽቲ

ህዝቢ እንዳ ሃለቀ መሳሰይቲ

ዕትብቲ ዘይብሎም መላገጽቲ

ታሪኾም ዝሸጡ ዑሱባት ከደምቲ።

እቲ ዝተማህረ ፊደል ዝቖጸረ

አብ ስደት ዝነብር እንዳ አስተማሰለ

መንነት ቐይሩ ብጛሂ ዝልለ

ሓዲኡ ዘይገብር ሰዓት ምስ አኸለ።

መን እዩ ዝከአሎ ኮባኹብቲ ምቁጻር

ሓድነት ገዲፍካ ወውድብካ ምፍጣር

ህዝቢ እንዳ ባደመ ገገረብካ ምሕኻር

ሓንቲ እያ ዕድልና ሓድነትካ ምፍጣር።

ብርዓዊ ቓላታ ንሰማይ ዝጨድድ

ታሪኻ ዘይጽወ ባዕዳውያን ዘርዕድ

ደቓ ተሰዲዶም መረታ ክነድድ

ዘበን ተገልቢጡ አብ ደምሒት ክትሰግድ።

ሓሊመ ተሲአ አብ ማእከላይ ባሕሪ

አውያት ተደጊሙ አብ ሲናይ ብቐትሪ

አደ ተደርሚማ ሬሳ ከተለሊ

ዓለምና ትሓይሽ ፍጡራ ትአሊ።

ባዕዳውያንስ ድሓን ህግደፍ ወኪሎም

ሰማእታት እርትራ ምስ መን እዮም ምሒሎም

ጀነራል ዶ ይኸውን ዝወዓለ ምሳኦም

ዶላር ጸቂጥዎ ዝረሓቐ ካብኦም።

ህዝቢ ዶ ይኸውን ዝረስዐ ዶሞም

ካብ ጽባሕ ናጽነት አውሎ ዝበለሎም

ታሪኾም ክድበ አውያት በቒቕሎም

ታቦቱ ክድፈር ዓገብ ሳኢኑሎም።

አንታ ንፍትህሒ ትጽውዕ ንሰላም ተእዊ

ናይ ሎሚ ሰግለለት ናይ ጽባሕ መርሃዊ

ንጣብ ደም አሎካ አሰሮም አለሊ

አብ ጸልማት ደቂስካ ቃሕታኻ ተለሊ።

ፍትሒ እንዳ ደለኻ ፍትሒ ዘይትገብር

ሞት እንዳ ጸላእካ ምዉት ዘይትቀብር

ተስፋኻ ዛይዱ አብ ሕልሚ ትነብር

ሓድነት ፈጢርካ ሎሚ ዘይትሓብር

ዓጽሞም ከይወግአካ ቁሩብ ዘይትሓፍር።

ሕልሚ እንተ ተሓልመ ዓባይ ትግራይ

ደምህት እንተ መጹ ናይ ከተማ አግላይ

ግራት ምስ ተሓርሰ እንተ ወፈረ ብዕራይ

ሓተላ አይምቅርን ምስ ተሳእነ ጽራይ።

ደቂ ኤረይ ጻዕዳ ተምሳል ኮባኹብቲ

ዓውዲ ምስ ፈጠርና ከም ወርሒ ድምቅቲ

ታሪኽና ምስክር ደባይ ተዋጋእቲ

ሓንቲ እያ ራኢና ኤርትራ ብልጽግቲ

ንህቢ እዩ ምስልና ታቆፎና ሓንቲ።

ገበን ዝገበረ እንተ ተነሲሑ

ብርኩ ዝረዓደ ሴፉ እንተ መሊሑ

ናይ ሕልና እሱር ደሙ እንተ ፈሊሑ

ተምሳል ሓድነትና ሜዳ እንተ ሰፊሑ

ዝለበመ ህዝቢ ሓድነት ምስሑ።

ሓዘና ሓሊፉ ዉጹልና ቀባሮ

ሬሳኹም አልዕሉ ዓቀይትቅይ ኮማሮ

ዓዱ ቅበርዎ እንተ አሎኩም አእምሮ

እምነትና ክምለስ ንቢዘን ክንሓኹሮ።

መዓልቲ ሓሊፉ መዓልቲ እንተ መጸ

ኮኾብ ተጋግዩ ባሕሪ እንተ መረጸ

ንፋስ ደሪቕዎ አግራብ እንተ ነቀጸ

ጛና ሓዊ የለን አብ ደምና ዝላጸ

ቕዋምና ንቐበል ካብ ማህጸን ዝወጸ።

 

አውያት ናይ ንፋሳት ናይ ባሕሪ ናይ ጠፈር

ወላ ሓደ የለን ባዕሉ ዝበራበር

ደምና እንተ ፈሰሰ ኦአሲስ ይሰፈር

ናህና እዩ እቲ ዕዮ ቡቅሊ ደቂ ሃገር

ሕድሪ ስውአትና ንዘልአለም ይኽበር።

 

ብ  ተወልደ ሃይለማሪያም             ስዊዘርላንድ

18.12.2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Awet Nihafash December 20, 2013

    very deep and meaningful poem tewelde ,,,anbesa wedi erey smerrrrrr

  • Merhawi December 20, 2013

    Tewelde,we thank very much for your meaningful and understandable poem.
    May the Lord open the EARS of those who have turned their deaf ears towards the unity of the so called “Organizations” and May the Lord open the mind of the “SYMPHATHIZERS” of the dictatorial regime so that they may understand your poem and think for the oppressed people of Eritrea.
    God bless you Tewelde.

  • ER ITRAWIT December 20, 2013

    nice poem brother you said it all Ajokaaaaaaaaaaaaaaaaaaa.

POST A COMMENT