Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሕረት ዝብሓቶ ጸቢብ ኣእምሮ፡ መድሃኒቱ ኣብ ክንዲ ዝቐድዎ፡ የቐንዝዎ !

ዋሕዚ ነጻ ሓበሬታ ብምንጥጣፍ ህዝቢ ንቕሓት ደሊቡ ንነገራት ብልቦና ክመሚ ብዓቢኡ ኣብ ቃልሲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሃገርና ኤርትራ ሰፊሕ ተሳታፍነት ክህልዎ ብዓቕምና ኣበርክቶ ንምግባር ከነካይዶ ኣብ ዝጸናሕና ፈተነ፡ ካብቲ ከም ቀንዲ ኣተኵሮና ዝተለምናዮ መኸተ ውልቀምልኪ ሓሓሊፎም

ዋሕዚ ነጻ ሓበሬታ ብምንጥጣፍ ህዝቢ ንቕሓት ደሊቡ ንነገራት ብልቦና ክመሚ ብዓቢኡ ኣብ ቃልሲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሃገርና ኤርትራ ሰፊሕ ተሳታፍነት ክህልዎ ብዓቕምና ኣበርክቶ ንምግባር ከነካይዶ ኣብ ዝጸናሕና ፈተነ፡ ካብቲ ከም ቀንዲ ኣተኵሮና ዝተለምናዮ መኸተ ውልቀምልኪ ሓሓሊፎም ዝኣልዩና ፈተነታት ኣይተሳእኑን። ሎሚ ‘ውን ሓደ ካብ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታት ረኺብና ኣለና ‘ሞ፡ ነቲ “ቐንጠብ” ካብ ክንዳንና ኣሊና ናብቲ ቀንዲ ውራይና ክንምለስ ከተፍቅዱልና ንኣንበብትና ብትሕትና ንሓትት።

ንመበል 65 ዓመት መቕተልቲ ኣቦና ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ንምዝካር ብ 2 ሚያዝያ ኣብ ለንደን ባህላዊ ምሸት ከምዝተኻየደ ዝሕብር ዜና ካብ “ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ” ምስ በጽሓና፡ ነቲ ምስ ኤዲቶርያል ፖሊሲና ዘይሰማማዕ ዝበልናዮ ክፋል መሚና፡ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ ዝኽሪ ኣቦና ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ዘተኮረ ዜና ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዘርጊሕናዮ። እቲ መሚና ዘትረፍናዮ ሓበሬታ “ንጀበርትን ብድሆታቱን ኣብ ኤርትራ” ዝምልከት ብ skype ከምዝተዋህበ ዝተጠቕሰ ኣስተምህሮን፡ ከም ድሕረ ባይታ ናይቲ ዜና ብምትሕብባር ምስ ማሕበር ጀበርቲ ጨንፈር ሽወደን ተመሳሳሊ ባህላዊ ምሸት ከምዝተኻየደ ዘመልክት ሓበሬታን እዩ።

እንተኾነ፡ “ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ”፡ “ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተፈጸመ ኣነዋሪ ተግባር” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጀበርትን ቶጎርባን ንኣሰና ከምዝዘለፈ ሰሚዕና፡ እቲ ጽሑፍ ምስ ኣንበብናዮ ድማ፡ ነገሩ፡ እንተወጸ “መጸጸ መጸጸ”፡ እንተዘይወጸ ድማ “ቀርጸጸ ቀርጸጸ”፡ ኩሉ ወዮ ኮይኑ ረኺብናዮ። ነቲ ሓበሬታ እንተዘይነውጽኦ ዘረባ ኣይምተረፈን፡ ነቲ ሓበሬታ ብምውጻእና ድማ ዘረባ ኣይተረፈን። ናይ ግዳይነት ስነኣእምሮ (victim mentality) ዘለዎ ሰብ፡ ጌርካሉ ኣይጌርካሉ ወትሩ ንነገራት ብሕማቕ’ዩ ዝትርጉሞ ‘ሞ፡ እንሆ ብርእዮ ኣጋጢሙና።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸውየ ክንኣቱ ስለዘይመረጽና፡ ኣብ ለንደን ንዝርከብ ሓላፊ “ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ”፡ ብቐጥታ ቴለፎን ደዊልና ናይ ምምማይ ሞያዊ መሰልና ተጠቒምና ነቲ ዜና ከም ዝዘርጋሕናዮን፡ ምመያ ዘካየድናሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝነበረን ገሊጽናሉ። ንመሳርሕቱ ከካፍሎም ምርኩስ ዝኾኖ ደብዳበ ስለዝሓተተ ድማ ቅዳሕ ቃልና ብኡንብኡ ብጽሑፍ መብርሂ ሂብናዮ። እቲ ማሕበር ግን በቲ መብርሂ ኣይሰኸነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጀበርትን ቶጎርባን ዝተባህላ ወብሳይታት ብዝተፈላለየ መልክዕ ሃጠውቀጠው ዝመልአ ዘመተ ጸለመ ቀጺሉ። (ብኢመይል ዝለኣኽናሎም ደብዳበ ኣብ ታሕቲ ተመልከት)።

ናብቶም ምንጪ ናይቲ ጉዳይ ዝኾኑ ሰባት ብስቱር መብርሂ ምልኣኽና ትዕግስቲ ብምግባር ካብቲ እንድልዮ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዕላማ ከይንእለ፡ ከምኡ ‘ውን ስም ናይቶም ቅዱስ ዝኽሪ ዝግብኦም ሓርበኛ ኤርትራዊ ኣቦና ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ምምልላስ እናተጠቕሰ ከይመራሳሕ ዝገበርናዮ ፈተነ እዩ። ከምቲ ብተደጋጋሚ ግዜ እንርእዮ ዘለና ግን፡ ኣምሳያ’ቲ ልቢ ከነዕቢ ዝገበርናዮ ፈተነ ሸለል ብሃልነት፡ ኣብ ርእስና ከዅድዱ እምበር ካብ ርእስና ከወርዱ ኣይረኣናዮምን።

ንዓና ከም ኣሰና፡ ኣቦና ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ዓፋር ዲዮም ዋላ ጀበርቲ ወይ ትግረ ዘይኮነስ ኤርትራዊ ተቓላሳይን ኤርትራዊ ግዳይን ምንባሮም ‘ዩ ኣገዲሱና። “ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ” ብሓቂ ንሓድጊ ታሪኾም ብሰናይ ተግባር ነባሪ ዝኽሪ ከጓናጽፍ ዝተዓጥቀ ማሕበር እንተኾይኑ ኸኣ፡ ኣሰና ንግዳይነቶም ኣዘኻኺራ ሞያኦም ከተጕልሕ ዘርኣየቶ ፈተነ፡ ብኣውንታ ከመስግኖ እምበር ከም ነውሪ ክዝለፎ ኣይነበሮን። ሽምን ዝኽርን ኣቦና ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ‘ጀበርቲ’ ዝብል ስም እንተዘይተሓዊሱዎ ትርጉምን መቐረትን ኣይህብን ‘ዩ’ ዝብለ መን እዩ? ንዓና ጓኒኹም፡ ዋናታት ታሪኽ ኣቦና ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ዝገበረኩም ከ መን እዩ? “ንዜናኦም ‘ጀበርቲ’ ብዝብል ስም ዘይተሰንዩዎ እንተዄንኩም ከተትርፉዎ ኔይሩኩም” ዝብል ትእዛዝኩም ከ  በየናይ መንገዲ ቅቡል ክኸውን ይኽእል? ሰማዒ ዝረክብ ዶ ኸ ይመስለኩም?  ከምዚ እንተኾይኑ፡ እቲ ማሕበር ንሽምን ዝኽርን ናይቶም ግዳይ መግዛእቲ ዝኾኑ ሓረበኛ ተቓላሳይ፡ ጉልባብ ተጠቒሙ ሕቶ ጀበርቲ ንምስልሳል ይምዝምዞ ከምዘሎ ስለዘስምዕ፡ መራኸሲኡ እዩ።

ከምቲ ኣብ ደብዳበ ‘ውን ዝገለጽናዮ፡ ኣሰና ነቲ ንኹልና ኤርትራውያን ዝዕምጸና ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ብሓባር እንምክተሉ መንገዲ ንምፍጣር ብሓበሬታ ዝጕስጕስ፡ ነቲ ዝርካቡ ንኡስ ዓቕሙ ትዅረት ብዘለዎ Focused ብዝኾነ መንገዲ ናብቲ ቀንዲ ዕላማ ክጥቀመሉ ዝጽዕር መርበብ እምበር፡ ብሄራት፡ ጉጅለታት፡ ቀቢላታት ኤርትራ ዘጻሪ መርበብ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ፡ ብሄረ ትግርኛ፡ ብሌን ወዘተ ናይ ዝብሉ ምንቅስቓሳት ወይ ማሕበራት ዝተላእከልና ሓበሬታ ብኸፊሉ ዘይኮነ ብዓንዳ-ርእሱ ኣይተጠቕምናሉን። ስለዚ ሎሚ ዝጀመርናዮ ፖሊሲ ኣይኮነን። ሎሚ እነቋርጾ ‘ውን ኣይኮነን።

እዚ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ፡ ነቲ ጉዳይ ብሄራትን ጉጅለታትን ንጎድኒ ገዲፍና ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ ከም ሃገር ምትኳር ከምዘስርሓና ንእንኣምነሉ መትከል ንምሕላው (Consistent ንምዃን) ዝቐጸልናዮ መርገጺ ደኣምበር ከምቲ ብማሕበር ግብረሰናይ ከቢረ ዝተባህለ ንህላወ ጀበርቲ ንምጽባእ ወይ ሞያኡ ንምንእኣስ ሕጂ ዝፈለምናዮ ጥበብ ኣይኮነን። ጀበርቲ ‘ብሄረ ጀበርቲ’ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝደሊ እንተኾይኑ ንዕኡ ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ጀበርቲ እንተነፍዑ ከም ኤርትራውያን ንሕጎሰሎም፡ እንተተወጽዑ ንቕንዘወሎም፡ እንተሓመቑ ድማ ዓቕምና ዝሃበና ኣጆኹም ንብሎም እምበር፡ ናብ ተጻብኦ ዝወስድ ዝኾነ ምኽንያት የብልናን። እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሰር ዘይብሉ ዘረባ ዝዝወርዉ ዘለዉ ውልቀሰባት፡ ንድሕረት ኣተሓሳስባኦም እዮም ዘንጸባርቑ ዘለዉ።

ብቐረባን ብማዕዶን፡ ብግህዶን ሕሜታን ዘለፋ ክውርወረልና ፋልማይና ስለዘይኮነ፡ ድሮ ቆርበትና ምስ ናይ ብዕራይ ተዳሪጉ፡ ተደሪዑ እዩ። ልብና ካብ ማንም ንላዕሊ ኣጸቢቕና ስለእንፈልጥ፡ ናይ ልብና ንዓና ክነግሩና ብዝህንደዱ ኣይንግረምን፡ ኣይንጭነቕን ኢና። ሕጂ ዘጽሕፈና ዘሎ ምኽንያት ‘ውን፡ ነቲ ክሒኑ ዘሎ ጸቢብ ኣእምሮ ናይዞም ውልቀሰባት መድሃኒት ነስኒስና ከነሐድሶ ዘይኮነ፡ ነቶም ቃልና ዘይሰምዑ ኣሕዋትና ጀበርቲ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ እቲ ፍጻሜ ከመይ ከምዝነበረ መብርሂ ንምሃብ እዩ።

ኩሎም እቶም ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ሓርነት ዲሞክራሲ፡ ዝደልዩ ወገናት፡ ነቲ ብሓባር ከም ኤርትራውያን ንምስራሕ ዘለና ርእይቶ፡ ኣብ ብዙሕነት ኤርትራ ምስ ዘይምእማን ኣዳሪጎም ብጌጋ ከይርድኡዎ ንምሕጸን። ኤርትራ ብዙሓዊ ሕብረተሰብ ዝሓቖፈት ሃገር ምዃና ብወረቐት ዘይኮነ ብግብሪ ኣጸቢቕና ንፈልጥ፡ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ ክኸውን ከምዘለዎ ንግንዘብ፡ ሕድሕድ ፍልልያትና ኣኽቢርናን ተኸባቢርናን ብሓባር ምስ እንሰርሕ፡ ነቲ ከም ሃገርን ከም ህዝብን ክብረትና ቀንጢጡ ዘዋርደና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣሊና፡ ጽቡቕ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ከምእንዕወት ‘ውን ንኣምን። ውልቀሰብ ይኹን ጉጅለ ቀቢላ ይኹን ብሄር፡ ብሓባር ንምስራሕ ከም ጽያፍ ቆጺሩ፡ ኣብ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓ ጥሩፍ ኣተኵሮ ዝገብር እንተኾይኑ፡ ኣይካብቲ ጉጅልኣዊ ኣይካብቲ ሃገራዊ ረብሓ ምናምን ኮይኑ ክነብር እምበር ፋይዳ ክረክብ ኣይኮነን። ሓቢርና ምስ እንመንዕ ኢና እነድምዕ። ስለዚ ፈውሶም ዝቐድዎም ለባማት እምበር፡ ፈውሶም ዘቐንዝዎም ብሃማት ክነክውን የብልናን።

ኣማኑኤል ኢያሱ

ኣሰናዳኢ ኣሰና

ብ 7 ሚያዝያ ናብ “ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ”፡ ብኢመይል ዝለኣኽናዮ ደብዳበ ተመልከት

http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2012/04/Kebire_Assenna.pdf

aseye.asena@gmail.com

Review overview
90 COMMENTS
  • Kokhob Selam April 19, 2012

    good job Asena, I really appreciate your intention. but unfortunately there are people who force us to answer and I am one of the people who answers aggressively as they only can understand that language. some people think they can hide behind those old fashioned arguments and there is no other way to let them down except by telling the truth till they lose control and their balance. but let me say sorry for going deep in answering to them as I may have touched everyone. please take it as granted that the replay you see to some who want to underestimate any ethnic group will be very destructive to all of us including it will put our democratic journey in danger. national question was to free all Eritrean people and not to make one above the other. this should be clearly known otherwise nation will no more have meaning as it is today and will even be failed for ever.

    • Mr. T April 19, 2012

      kokhob S.,

      Please get real. Amanuel’s message is a rebutal to all the ugly insults and uncalled for criticisms that he received from the extremists and mullahs in Europe. Amanuel’s article is not about the anonymous people such as you and me arguing here whether the mostly Tigrayan original Jebertis in Eritrea deserve to be recognized as a special ethnic group. Do you get it? If you have the decency, please ask the website (jeberti.com) and its patrons in Europe to apologize to Amanuel in writing.

      • Kokhob Selam April 19, 2012

        not only for them it is also about me and you if you have mind.
        again you are repeating the mistake. go back and see how the argument starts with you and how it ends. I have given you enough lesson by coming down to your level and that hurts much to those who have mind and particularly people who want to see peace. so don’t touch Eritrean Jeberties again. be like Assenna.

        • ahmed saleh April 19, 2012

          Absolutely right ones somebody showed his hatred toward
          a group of people. He become their enemy by choice, so never try to get close to them otherwise they will cut your head.

      • Baraee April 20, 2012

        Mr. T

        Stop initiating gual zereba. Kokhom has the right to express how she felt of Assena’s summary…If you have to add further then you request the apology from….jeberti.com
        Please move on!! thank you!!

  • Freeprisoners April 19, 2012

    ኣሰና ኣጀኹም ብጣዕሚ ቕኑዕ ኢኹም ገይርኩም። ብፍላይ ኣማኒኤል ኢያሱ ከማኻ ይብዝሑ!!

    አነ ብወገነይ ነዞም ኣቦና ኣብደልቓደር ከቢረ፤ ከም ኤርትራዊ ኣቦ እምበር ከም ናይ ጀበርቲ ኣቦ ግይረ ኣይፈልጦምን ኢየ ነይረ። እዞም ኣቦ ትንፋስ መሊሶም እንተዝትንስኡ’ሞ ንጀበርቲ ዶ ንህዝቢ ኤርትራ ትደሊ እንተዝብሃሉ፤ ምናልባት ከምቲ ፈላላይ ትገባራትኩም ዘይኮነ ‘ ኣነ ንኹሉ ኤርትራዊ’ምበር፤ ንጀበርቲ ኢለ ኣይተቓለስኩን’ ምበልኹም። ኣንቱም ስኑፋት፤ ከም’ዞ ጅግና ኣቦ ኣብደልቓድር’ከ ጀጋኑ ካልኦት ኤርትራውያን ኣቦታት ኣይነበሩን ይመስለኩም፧ ንበይኖም ንዝኽሮም ክትብሉ ከለኹም ከማን ክሳብ ክንደይ ከም ዝስምዓና ክትርድኡ ይግብኣኩም። ብኸም’ዚ ናትኩም ኣገባብ፤ ብሽም ኩሎም ጀጋኑ ኣቦታት፤ ማሕበር እንተንቐውም፤ ንጉሰ ወደይ ከይተረፈ ናቱ ምፈለየ’ሞ ኣብ ክንቐራረበሉ ዘይንኽእል ምኾነ። ብሽም ኩሉ ዝኽሪ ጀጋኑ ኣቦታት እንተትብሉ መምሓረልኩም። ንስኹም ግና ንጸቢብ ሃይማኖታኣውን ብሄራውን ዝተበገስኩም ስኑፋት ጀበርቲ ኢኹም።
    ሕጂ’ውን ብተግባርኩም ንቓወም!ንቓወም!!

    • ahmed saleh April 19, 2012

      Freeprisoners
      Glad to see the misunderstanding with assenna solved.

  • Freeprisoners April 19, 2012

    ኣሰና ኣጀኹም ብጣዕሚ ቕኑዕ ኢኹም ገይርኩም። ብፍላይ ኣማኒኤል ኢያሱ ከማኻ ይብዝሑ!!

    አነ ብወገነይ ነዞም ኣቦና ኣብደልቓደር ከቢረ፤ ከም ኤርትራዊ ኣቦ እምበር ከም ናይ ጀበርቲ ኣቦ ግይረ ኣይፈልጦምን ኢየ ነይረ። እዞም ኣቦ ትንፋስ መሊሶም እንተዝትንስኡ’ሞ ንጀበርቲ ዶ ንህዝቢ ኤርትራ ትደሊ እንተዝብሃሉ፤ ምናልባት ከምቲ ፈላላይ ትገባራትኩም ዘይኮነ ‘ ኣነ ንኹሉ ኤርትራዊ’ምበር፤ ንጀበርቲ ኢለ ኣይተቓለስኩን’ ምበልኹም። ኣንቱም ስኑፋት፤ ከም’ዞ ጅግና ኣቦ ኣብደልቓድር’ከ ጀጋኑ ካልኦት ኤርትራውያን ኣቦታት ኣይነበሩን ይመስለኩም፧ ንበይኖም ንዝኽሮም ክትብሉ ከለኹም ከማን ክሳብ ክንደይ ከም ዝስምዓና ክትርድኡ ይግብኣኩም። ብኸም’ዚ ናትኩም ኣገባብ፤ ብሽም ኩሎም ጀጋኑ ኣቦታት፤ ማሕበር እንተንቐውም፤ ንጉሰ ወደይ ከይተረፈ ናቱ ምፈለየ’ሞ ኣብ ክንቐራረበሉ ዘይንኽእል ምኾነ። ብሽም ኩሉ ዝኽሪ ጀጋኑ ኣቦታት እንተትብሉ መምሓረልኩም። ንስኹም ግና ንጸቢብ ሃይማኖታኣውን ብሄራውን ዝተበገስኩም ስኑፋት ጀበርቲ ኢኹም።
    ሕጂ’ውን ብተግባርኩም ንቓወም!ንቓወም!

  • manfree888@yahoo.co.uk April 19, 2012

    All of you the christain people included Amanuel the assena can say (owner) have started the isyas regime because Isyas never let you to fulfile you evile dream which to kill eritrean muslim. Amnuel has got a hide agenda that is to undermind the eritrea muslim such those muslim who are in power right while he hide the weaked action of the christain gerals who are killing and abusing eritrean people. Most of his propeganda are about Ali Abdu because he accuse him specificly no because of his believe as Eritrean information minister but Ali Abdu is a muslim and has got a ministral position.We know you eritrean christain ortodex one day you take isyas side and the next you will be opposition party and I warn all eritrean muslim to be aware of you as no one knows your hiding agenda. Whither you like it or not we have to stand for what we believe and we will be victrous .
    For me when I see assena as another worst hgdf media outlet and Amnuel is the person who dream to replace Isyas and try fulfil the tigray tigrina and established eritrean ortodex nation.

    Eritrean Muslim Jebrti

    • Freeprisoners April 19, 2012

      Manfrdi
      you really need help, we have no surgery here but you should go to the mental hospital for head sugery. you are simpley a rasist person, you need to grew up when you say christian or muslims. We all know that we have problems in our country and we need to united. but not like you puppets who were sent to destroy the people of Eritrea in religious and other unacceptable methods. you need to learn more and be bright before you come here to comment people. otherwise your indevidual rasiszm will not have any effect to the people of Erirea in general. in Europe if you hate someone with religious or relate despite you are not hitting them, you will still be count as criminal. But my suggestion to you is, go learn some history and speak as real manner than rubbish comments here. grew up.

    • Baraee April 20, 2012

      Man free,

      No one including yourself believe what you are writing….Amanuel for me is creme-dela-creme in today’s Eritea. Your wirting’s substance it’s motive is deceptive and deserves no response.

  • manfree888@yahoo.co.uk April 19, 2012

    All of you the christain people included Amanuel the assena can say (owner) have started the isyas regime because Isyas never let you to fulfile you evile dream which to kill eritrean muslim. Amnuel has got a hide agenda that is to undermind the eritrea muslim such those muslim who are in power right while he hide the weaked action of the christain generals who are killing and abusing eritrean people. Most of his propeganda are about Ali Abdu because he accuse him specificly no because of his believe as hgdf information minister but Ali Abdu is a muslim and has got a ministral position.We know you eritrean christain ortodex one day you take isyas side and the next you will be opposition party and I warn all eritrean muslim to be aware of you as no one knows your hiding agenda. Whither you like it or not we have to stand for what we believe and we will be victrous .
    For me when I see assena as another worst hgdf media outlet and Amnuel is the person who dream to replace Isyas and try to fulfil the tigray tigrina and established eritrean ortodex nation.

    Eritrean Muslim Jebrti

  • manfree888@yahoo.co.uk April 19, 2012

    Amnues is one of the extremist eritrean ortodex and Jeberti.com should desclose of hidden agenda that has got against eritrean muslim and Jeberti.

    • Baraee April 20, 2012

      manfree,
      You are trying to run out a powerful medium and it’s director Amanuel. forget it you are dealing with a man with grit and courage and most of all grey matter called brain, which you seem to lack……oops I should not say…your evil heart is clouding your God given intelligence…please clean your heart and try to emulate a wonderful Eritrean Amanuel Iyassu.

  • Mustefa April 19, 2012

    Dear manfree888……I am a Muslim if not from Jeberti. I don’t go with your accusations to Amanuel and Assenna because they are doing every thing to free the country one can do.
    I know some Eritreans who think they are a real Eritrean(If they ask their grand grand father they would have known that Jebertys are more Eritreans than they are. And these people are very few and do not represent other tripes. And I’m quite sure Amanuel is not one of them) They think that Jeberti are from Tigray while the Jeberti are perfect Eritreans according the criteria to be an Eritrean.

    • jemal April 19, 2012

      I can only ask you to go back to the previous article they’ve sent him from Eroup and find out yourself what exactly he did . Okay ; i used to believe the same thing what you believe that Amanel is a decent person; co- fighter agianst tyrani governement in Asmara becaus we have a common enemy; and also i used to believe Assenna is stands and fights for the rights all kind of of Eritreans. But ;that thought pershed and i waas wrong. i don’t see him different from Wedi Medhin Berad (wedi tsmaket Suwa )

      • ahmed saleh April 19, 2012

        You said go back to the article and find out what he did. There
        were some commentators with their own problems who brought
        a heated arguments. We tried to resist their tendencies, especially
        Kokhob Selam did a good job to defend Jeberty people issue.
        Now can you explain exactly what Assenna did to hurt the Jeberti
        people. Please stop politicizing the name of Abona Kebire.

  • manfree888@yahoo.co.uk April 19, 2012

    freepri

    When you accuse the eritrea muslims and jeberti , your justify your rude comment . What i have said is the true picture of yours and i am not going to paint you attitude to cover you racist behave against us. But we are going to stand for our right and we are not going to so attractive with your lie propaganda . We are eritrea jeberti muslim and our identity will live for ever whither you like it or not. if you think you are civlised because you know how to lie and beautify you lie comment , go and say to the young people who does not know you old tactics

    Muslim jeberti

    • semere April 19, 2012

      It is really sad to read your comments! My brother it seems you have a lot of anger and grudge against some body. The mistake you are doing is to label all the Christian believers. We have lived peacefully in Eritrea for centuries: Jeberti, Christians, traditional religion followers, etc. If you have some isolated cases they do not make the norm. In your position I would be ashamed to hold such a backward thesis in a globalized world of 2012. Avoid generalization and if you have individual cases name them. But we both Muslim and Christians believers can’t take your ideas. For your information back home the best friends of my mother are Jeberti!! Your thesis will not take you far.

  • manfree888@yahoo.co.uk April 19, 2012

    Mustofa

    Dear si

    Do not warry and try to defend Amanuel , they have got many correlation who can defend him.
    Stand for your religion and identity relaxs
    Muslim Jeberti

    • ahmed saleh April 19, 2012

      Do not go to extreme my friend, this is a national issues . The question
      is between right and wrong. Don’t try to exploit religion to divert the case.
      Amaniel does a good job to Eritreans causes and do not expect him to
      make everybody happy. We have a lot narrow minded people in this site
      who are happy to join in spilling their hatred moslem, christian ………etc.

      • Kokhob Selam April 20, 2012

        ahmed saleh,

        we have a big problem with some people in both sides. you are doing good job. by criticizing and correcting our own people only we can eliminate extremism. we should not go our of the border. we can only keep and protect our identity by respecting others. thank you very much.

    • ለቲና Lettinna April 19, 2012

      ልክዕ እዩ ብዙሕ ግዜ ሓድሓደ ዘይበሰለ አተሓሳስባን ታሪኸ ኤርትራ ዜይፈልጡ ሰባት ጀበርቲ ዝበሃል ነገር የለን ክሳብ ምባል በጺሖም ኢዮም። የግዳስ ምስ ወዲ አፉ ደሚርካ ብጣዕሚ ውሑዳት እዮም።

      ሓውና/ፍትና 888 አማኑኤል ምዓስ አንጻር ጀበርቲ ከምዘጸሓፈ እንተተብርሃለይ ብዛዕብኡ ርእይቶ ንምሃብ ምሓገዘኒ።
      ብአይ ወገን ግን ሃይማኖተይ በዘየገድስ ጀበርቲ ጹርያት፤ ኡሙናት፤ ዉፍያት፤ ሙዕቡላት ኤረተራዊያን ምኻኖም እየ ዝምስክር።

      ብአመለኻኽታይ እዚ አርእሰቲ ንግዝይኡ አወንዚፍና ብዛዕባ ናይሓባር ጸላኢና ንዘቲ።

      • ahmed saleh April 21, 2012

        Kokhob Selam
        When I was teenager in Gedli fresh from Asmera, we were
        introduced to fighters from all over Ehnic groups. Together
        as a family with brotherly love tolerated all obstacles to
        defend our people. Most of them died in that cruel war.
        When I remember them they hailed from every regions.
        Since we have HIDRI SEWUATNA promises we will keep
        fighting for the principles which they paid their life, for
        liberty, equality and justice to all Eritrean people from
        North to South to East and West of the country.

        • Kokhob Selam April 21, 2012

          I have the same experience and that is the reason I want to solve things in perfect way. otherwise some people really disturb sometime and let drag you to the wrong side. and honestly speaking this type of people will never understand what truth is till you let them down. I hope the great non-intellectuals among them will work hard to solve the problems. by the way the main reason of our chaos in our history are this type of people. not US or Ethiopia as some use to say it. removing PFDJ without cleaning this extremism will not help. thank you brother.

          • Kokhob Selam April 21, 2012

            sorry read “non-intellectuals” as intellectuals.

  • admas_30 April 19, 2012

    አማኒኤል እያሱ ነቲ ጌጋ አሪሙ ምቅራቡ ምስጋና እምበር ወቀሳ አግባእን ኔሩ እቶም ጅግና አቦ ሂወቶም ዝኸፈሉሉ ቃልሲ አንጻር ባዕዲ
    እምበር ብሄራዊ ሕቶ አይነበረን፣፣ ስለዚ ነቲ ዓቢ ታሪኽ ምጽባብኩም ከይያክል ጌጋኹም ንዝነገረኩም ምፍጣጥ ሲ ምስቶም ንቃለሶም ዘለና የማሳስለኩም
    እዩ እሞ ዓገብ፣፣ ብሄራዊ ሕቶኹ ከምኩሉ ሕቶታት ሕጋውነት ረኺቡ ክምለሰሉ እንታኾይኑ ቅድም ልዕልና ሕጊ ይሓትት፣፣
    እንተኾነ ወቀሳ ዝጸሓፍካ ናትካ ብቅዓት እምበር ከም ናይ ኩሉ ጀበርቲ ሪኢቶ ክኸውን ብቅዓ የብሉን፣፣

1 2 3

POST A COMMENT