Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሃይ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ- ንፍትሕን ለውጥን

ድሃይ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ- ንፍትሕን ለውጥን                                                                                                                         12/23/203 ከም መቐጸልታ ናይ`ቲ ኣብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ተበጊሱ ዘሎ ጥርናፈታት፡ ኣብ ኮሎራዶ ንርከብ ኤርትራውያን`ውን ሓድነትን ጥርናፈን ናይ ደለይቲ ፍትሒ፡ እምኒ ኩርናዕ ናይ`ታ ኩላህና ንብህጋ፡ ንምነያን ንሓልማን ፍትሓዊት፡

ድሃይ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ- ንፍትሕን ለውጥን

                                                                                                                        12/23/203

ከም መቐጸልታ ናይ`ቲ ኣብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ተበጊሱ ዘሎ ጥርናፈታት፡ ኣብ ኮሎራዶ ንርከብ ኤርትራውያን`ውን ሓድነትን ጥርናፈን ናይ ደለይቲ ፍትሒ፡ እምኒ ኩርናዕ ናይ`ታ ኩላህና ንብህጋ፡ ንምነያን ንሓልማን ፍትሓዊት፡ ሰላማዊትን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ሙዃኑ ብምእማን፡ ካብ ተቀማጦ ኮሎራዶ ኣባላት ዝተፈላለያ ውድባት፡ ማሕበራትን ግዱሳት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ውልቀሰባትን ዘቖሙዎ ብኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ-ንፍትሕን ለውጥን ዝስመ ጥርናፈ ብዕለት 20 ጥቅምቲ ኣቚምና ተበገሲና ምህላውና ብሓጎስ ነበስር።

ኣገዳስነት ጥርናፈና ብሓፈሽኡ እዋናውን ርዱኡን ዋላ`ኳ እንተኾነ፡ ሕጽር ብዝበለ ግን ነቲ ብመሪር ቃልሲ እልፊ መስዋእቲ ዝተኸፍለላ ሃገርና ኤርትራ፡  ካብ ጎደና ጥፍኣትን ብርሰትን ህዝባ ንምድሓን፡ ተጠርኒፍና ኩሉ ኣትኩሮናን ዓቕምናን ኣብ ምድሓን ሃገርና ብምቕናዕ፡ ከም መበገሲ ድማ ኣብ`ዚ እዋን ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ክንሰማማዓሎም ንኽእል፡ ጊዜ ዘይህቡ ጉዳያት ኣለሊኻ ብሓባር ብምስራሕ ነቲ ውጹዕ ህዝብና ዝብህጎ ዘሎ ሓድነት ዱልዱል መሰረት ምንጻፍ እዩ።

ኣኼበኛ፡ ከም ኤርትራውያን ተቐማጦ ኮሎራዶ ፡ ከም ሓደ ዓዲ (ቁሸት) ፡ ጸገማትና ክንፈትሕ እንላዘበሉ፡ ንህላዌ ፋሕ-ፋሕ ብጥርናፌ እንድብሰሉ፡  ዓቕምታትና ኣተሓባቢርና፡ ንምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ ንምልጋስ ከም ዜጋታት እጃምና ብሓድነትን ሕድሕድ ምክብባር እነበርክተሉ፡ ባይቶ ክንምስረት ተሰማሚዕና፣ ናብ ካልኣይ ኣኼባ እተሳጋግረና ሽማግለ ረቚሕና።

ኣብ ካልኣይ ርክብና  (ሕዳር 3 2013) ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን መዚና። ከም ኤርትራውን ሃገርና  ብሰንኪ እዚ ዘይሓለፍነታዊ ጉጅለ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ጥፍኣት ዓዘቕቲ ተሸሚማ ከም ትርከብን፡ ጊዜ ብዘይ ምብኻን ኣብ ምድሓና ጊዴና ክንገብር ድልውነትና ኣረጋጊጽና። ድሕሪ`ዚ፡ ናይ ሓባር ስምምዕ ዝኸውን መትከላት እትነደፍን፡ ናብ ጉባኤ እተብጽሕን ሽማግለ መዚዝና።  ኣብ ሕዳር 24፡ ንጉባኤ ብምቅናዕ፡ ዝተነድፈ መትከል ሓበራዊ ስምምዕ ኣጽዲቕና፡ ቀዋሚት ሽማግለ`ውን መሪጽና።

ኣተኩሮና- ነታ ብመሪር ቃልሲ ኣእላፍ መስዋእቲ ዝተኸፍለላ ሃገርና ኤርትራን  ንመከራ ተሳጢሑ ዘሎ ህዝብናን ካብ ጥፍኣትን ብርሰትን ንምድሓን። ነዚ ክዉን ንምግባር፡ (1) ተጠርኒፍና ኩሉ ዓቕምና ዘፍቕዶ  ክንፍጽም ጽባሕ ዘይባሃሎ ግቡእ ምዃኑን (2) ፍልልያትና ኣጻቢብናን ብልዝብ ኣመሓዲርናን  ብምሉእ ዓቕምና ኣንጻር `ቲ ንሃገርና ናብ ዕንወት ዘእቱ ዘሎ ምልካዊ ጉጅለ ስርዓት ኢሳያስ ንምቕናዕን`ዩ። ኤርትራ ሃገርናን ሓርበኛ ህዝብናን፡ ናብ ዝበኣሰ ዕንወትን ብርሰትን ከይሽመም፡  ከም ዜጋታታ ናይ ታሪኽ  ዘኽታማት ዳግም ከይንኸውንን ሃገራዊ ምትእስሳርና ኣደልዲልና ከነሐይሎ  ሎሚ ልዕሊ ማንም ግዜ መድረኽ ይጽውዓና ምህላዉ ብምልኣት ተገንዚብናዮ።

ገለ ካብ መደባትና ንምጥቃስ፡ ምስ ከማና ዝኣመሰላ ድሮ በብወገነን ተጠርኒፈን ዘለዋ ከተማታት፡ ኣብ ምጥርናፍ/ምዕንባብ ዝርከባን ብሕጂ ዝስዕባን ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ኢድ ንኢድ ተወሃሂድና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን እጃምና ምብርካት እዩ፡፡ በዚ መሰረት ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ ከፊላዊ ርክባት  ኣሳታፊን ሓቛፍን ኣብ ምግባሩን ኣብ ብምድንፋዑን ከም ደቂ ሃገር ብሓላፍነት ክንዋሳእ። ከምኡ`ውን ነተን ኣብ ምብጋስ ይኹን ጌና ዘይተበገሳ ከባቢታት ናይ ሓድነትን ግብራዊ ስርሓትን ድርኺት ብምፍጣር ናይ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ሓደ ሓይሊ ዕማም (task force ) ዘፈጽማ ብምልኣት ኣብ ምቛምን ናብ ሓባራዊ ስራሕ ብሓድነት ኣብ ምውፋር እጃምና ብግብሪ ምብርካት ኢዩ። ብኡ ኣቢልካ ነቲ ካብ`ዘን ከተማታት ክመጽእ ዝኽእል እዋናዊ ተበግሶታት (initiatives )፡ ሰሚናራት፡ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ፐቲሽንስ (ጥርዓን/Petitions)፡ ካልእ ንህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝግበሩ ዝተፈላለዩ  ሃገራዊ መደባትን ንጥፈታትን ኣካሉ ኾንካ ምዉሳእን ዝድለ ምትሕብባር ምግባርን`ዩ።

እምብኣርከስ ብወገና ንሓድነት ህዝብናን ንመሰረታዊ ለውጢ ናይ ስቓይናን እጃምና ንምርካት ተበግሶታት ወሲድና ንርከብ። ሓደ ካብኡ ድማ፡ ነቲ ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን ካብ ዓለም ተፈልዩ ሓበሬታ ተነፊግዎን ተሓሪምዎን ዘሎ ህዝብና፡ ሓቀኛን ዘይሻራዊን ሓበሬታ ዝረኽበሉ ሃዋህዉ ምፍጣር፡፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ሓድነቱ፡ንቕሓቱን ሞራሉን ኣበሪኽካ ነቲ ብመደብ ክዳኸም ዝጸንሐ ወኑን ሃገራውነቱን ኣበራቢርካ ወናኒ እቲ ኩሉ ደላይ ሰላምን ፍትሒን ዝብህጎ ደሞክራስዊን ፍትሓዊ ለውጢ ንምግባሩ ጻዕሪታት ምግባር እዩ። በዚ መሰረት ነተን ድሮ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሓበሬታን ጎስጓስን ዘካይዳ ዘለዋ ኣካላትን ናይ ሳታላይት መርበብ ሓበሬታታትን ቀጻልነተን ኣብ ምውሓስ ይኹን ብዝሓየለን ኣድማዒን መንገዲ ንኽዋስኣ ኩሉ መዳያዊ ሓገዝ ንገብረሉ ባይታ ምጥጣሕ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ፈታኒ እዋን፡ ዲያስፖራ ኤርትራ ብድሆ ኢልና ተራና ከነዕዝዝን ብሓድነት ክንለዓልን ሃገራዊ ጻዉዒትና ብኣኽብሮት ነቕርብ። ጽባሕ.. ንህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ርሑቕ `ዩ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን፡ ህዝቢ ንመሰሉ ንዕርድታት ዲክታቶራት ረማዕ ከብል  ብኣንክሮ ርኢናዮ ኣሎና። ኣብ`ቲ መስርሕ፡ መራኸቢ ብዙሓንን፡ ዘበናዊ መራኸቢታትን ዕዙዝ ተራ ከምዝነበሮ ንኹሉ ብሩህ እዩ። እቲ ተመኩሮ መራኸቢ ብዙሓን (ብሳታላይት ዝፍኖ ራድዮን ተለቪዥንን) ኣብ ኤርትራ`ውን ክንጥቀመሉን ክንፈጥሮን ግድነት ይኾነና።

ስለዚ ድማ፡ ንሕና፡ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ፡ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍኖ ዕማማት መራኸቢ ብዙሓን ብሓደ መዳይ  ከም ኣገዳሲ ባእታ ንምርግጋጽ ናይ ሓዋሩ ፍትሕን ሰላምን ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ንሓድነት፡ሞራልን ንያትን ህዝብና ኣብ ምብርባርን ይኹን ንቕሓቱን ሃገራውነቱን ክብ ኣቢልካ  ወናኒ ኩሉ ተፈጥሮኣዊ፡ ሰብኣዊ፡ፖለቲካዊ፡ቁጠባዉን ማሕበራዊን መሰላቱ ንምግባር ከም ደቂ ሃገር ብሓላፍነት ክንሰርሓሉ ንጽውዕ።

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!

ሓድነትና ዋሕስ ሓርነትና !

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

Post a Reply to Meretse Asmelash Cancel Reply