Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳግመ ርኽክብ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ነበር

ዳግመ ርኽክብ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ነበር ተረኽቦ ላምፓዱሳን ዚሰዓቦ ምዕብልናታትን ዝምልከት መግለጺ                                                                         ታሕሳስ 27፡ 2013 ንሕና፡ “ብዳግመ ርኽክብ ኣባላት ተሓኤ ነበር፡ ኣቢልና ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ክንራኸብ ዚጸናሕና ዜጋታት ኢና። ብርግጽ፡ ኣቐዲምና ብዕሊ ከም ዘፍለጥና፡ ቀዳማይ ዕላማ ናይ`ዚ ዳግመ

ዳግመ ርኽክብ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ነበር

ተረኽቦ ላምፓዱሳን ዚሰዓቦ ምዕብልናታትን ዝምልከት መግለጺ

                                                                        ታሕሳስ 27፡ 2013

ንሕና፡ “ብዳግመ ርኽክብ ኣባላት ተሓኤ ነበር፡ ኣቢልና ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ክንራኸብ ዚጸናሕና ዜጋታት ኢና። ብርግጽ፡ ኣቐዲምና ብዕሊ ከም ዘፍለጥና፡ ቀዳማይ ዕላማ ናይ`ዚ ዳግመ ርኽክብ`ዚ እቲ ሰፊሕን ክቡርን ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ከም ዘይፍለ ኣካል ሓርነታዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቐቢሩ ከይተርፍ፡ ከይርሳዕ፡ ብዚተፈላለየ መልክዑ ንምእካቡን ንምስናዱን እዩ። ብኡ ኣቢልና ድማ፡ ንዝመጽእ ወለዶ ምስግጋሩ፡ ነቲ ተመክሮ ብግቡእ ብምጽናዕ፡ ካብኡ እንመሃሮ ንናይ ግዜናን መጻኢትን ኤርትራ ዚገጥም ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሽግራት ንምፍታሕ ዚህልዎ ኣበርክቶ ንምልላይን፡ ህዝብና ብግቡእ ከም ዚመሃረሉ ንምግባርን`ዩ። ሕጂ`ውን ካብ`ዚ ዕላማ`ዚ ከነልግስ ወይ ከነወንዝፎ ኣይኮናን። ኣብ ርእስ`ዚ ግን፡ ንሃገርና ኣካቢቡ ዘሎ ሓደጋታት ብምግምጋም፡ ንህዝብና ካብ ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ጸበባን ደልሃመትን ኩነታት ከነገላግሎ፡ ንዝተዋህለለ ዓቕምታትና ኣኻኺብና፡ ዝተሰንቀ ተመክሮታትና ዳግም፡ ብዚበለጸ ኣሐዲስና ክንዋስኣሉ ናይ`ዚ መድረኽ`ዚ ህጹጽ ጠለብ ምዃኑ ንርዳእ።

እምቢታ ንኹሉ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ዓመጻት ዚዓበናሉ ፖለቲካዊ ባህሊ`ዩ። ቀንዲ መለለዪ ባህሪያትና ድማ፡ ተቓለስቲ ናይ ሓርነት፡ ተሓለቕቲ ናይ መሰልን ማዕርነትን፡ ተጣበቕቲ ናይ ፍትሕን ርትዕን ምዃና`ዩ። እዚ ስለዝኾነ ድማ`ዩ፡ ኣብ ዚሃለና ንሃሉ፡ ኣብ`ዚ ዚሓለፈ ዓመታት፡ ንግፍዕታትን በደላትን ህግደፍ፡ ካብ ዓንተብኡ፡ ተቓውሞታትና ብምድማጽ፡ ኣብ መጋባእያ ክንዛረብ፡ ክንጽሕፍ፡ ክንዝቲ፡ መፍትሒ ሽግራት ሃገርና ንምርካብ ኢሂን ሚሂን ክንብሃሃልን ክንመራመርን ዚጸናሕና። ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ንዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምቅዋምን ውድቀቱ ኣብ ምቅልጣፍን፡ ተራና ዝልለ ኢዩ። ኣብ ኩሉ እዋን፡ ንመሰልን ማዕርነትን ኣብ ዚካየድ ቃልሲ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ኣለና። ኣብ`ዚ ሕጂ፡ ናይ ተቓውሞን ናይ ለውጥን ምንቅስቓስ ህዝብና ፍሉይ ኣቓልቦን ዚለዓለ ኣትኩሮን ኪወሃቦ ዚጥለበሉ ዘሎ እዋን`ውን፡ ተራና ከነሔይሎ፡ ኣበርክቶና ከነዕዝዞ ከም ዘሎና ኣጸቢቕና ንግንዘብ።

ዘለናዮ ታሪኻዊ እዋን፡ ህግደፍ ኣዝዩ ዚተዳኸመሉ ግዜ ምዃኑ ነለሊ። ኣዕኑድ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ በብሓደ ክፈርሱ ይረኣዩ ኣለዉ። ህግደፍ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝብና፡ ኣብ ኣዚዩ ዚተጸልኣሉን ዚተቐብጸሉን ህሞት ኣለና። ይኹንምበር፡ ብመሰረት ናይ ተጋድሎና ተመክሮ፡ ውሽጣዊ ጎንጽታትን ኣሉታዊ ውጺኢታቶምን ብቐረባ  ዚተመኮርናዮን ዘስተማቐርናዮን ኢና። ብኡ መሰረት`ውን ንህልዊ ምዕብልናታት ብርግኣትን ብዕትበትን ብሓላፍነትን ምምዛኑ ዘለዎ ኣገዳስነት የዔዚዝና ንርደኦ። እቲ ዚዓበየ ማህሰይቲ ናይ`ዚ እንሓልፎ ዘለና ኣዚዩ ጽንኩርን ከቢድን ኩነታት፡ እቲ ሓዲሽ ወለዶ፡ ይኸፍሎ ምህላዉ ብብሩህ እረኣየና። ንኹሉ ነገር ግን፡ ካብ ዘለናዮ መንቀራቕሮ ንምውጻእ፡ ናይ ልቦና ዕምቆትን ናይ ኣሰራርሓ ዝተሓደሰ ተበላሓትነትን፡ ዘማለኤ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣብ ምድህሳስ ተራና ምዕዛዝ ዘለዎ ተደላይነት ነመዝግብ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ

ኣብ`ዚ እንሓልፎ ዘለና ታሪኻዊ እዋን፡ ብሰንኪ`ቲ ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ ዘጋጠመ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣሕዋትና፡ ኣሓትና፡ ደቅና ኣብ ባሕሪ ናይ ምጥሓል መቕዘፍቲ፡ ህዝብና ብምሉኡ ኣብ ናይ ሓዘን ግዜ ምህላዉ ንዝክር። ልብን ቀልብን ናይ ኩሉ ዜጋ፡ ምስ ስድራቤታትን ቤተሰብን መወቲ እዩ። ከም ተሳተፍቲ ናይ ሓዘኖምን ጓሂኦምን ከኣ፡ ብተግባር፡ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ዓለም ዘርኣዮ ዝዓጅብ፡ ግሩም መወቲ ናይ ምዝካር ስነስርዓታት ዘይርሳዕ ተግባራዊ ምስክር`ዩ ። ግዳያት ላምፓዱሳ፡ ንነዊሕ፡ ኣብ መንጎ ህዝብና ዘይተራእየ፡ ብሓባር ጠጠው እንብለሉ፡ ሃገራዊ ሓድነትና እነብዕለሉ ዕድል ሂቦሙና። ዋላ`ኳ፡ ኣብ መንጎና፡ ብዙሕ ፍልልያት ዘሎ እንተመሰለ፡ ዘጋጠመ ሃገራዊ መዓት፡ ክሳብ ክንደይ ነንሕድሕድና ከም እንቃረብ፡ ማዕረ ክንደይ ጽሕፍቶና ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ንኽንምልከት ኣኽኢሉና። ካብ`ዚ ንቕድሚት ኣብ እንጥምተሉ ድማ፡ ዘሕዝን ሃንደበታዊ ሞት ዜጋታትና ኣብ ላምፓዱሳ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚኦም ዝሓለፉ ደቂ ሃገርና ከይረሳዕና፡ ናብ ቅዝፈቶም ዘብጸሔ ሃገራዊ ግድላትና ሓቢርና ብምፍታሕ፡ ነባሪ መዘክር ክንገብረሎም የብቅዓና።

መቕዘፍቲ ላምፓዱሳ ናይ መጀመርታ ንህዝብና ዘጋጠመ መዓት ኣይኮነን። ዋላ`ኳ ብክብደት ክሳራታቱ፡ ኣብ ዓለም ብዚፈጠሮ ተፈላጥነት፡ ምድንጋጽ ካብ`ቲ ዓበይ’ቲ እንተኾነ፡ ሃገራዊ ናጽነትና ካብ ዚረጋገጽ፡ ብርክት ዚበሉ፡ ቀሊል ዘይኮነ ስምብራታት ዚሓደጉ፡ ማህሰይቲ ኣጋጢሞምና እዮም። ብዚተፈላለየ ምኽኒያታት ሂወቶም ዚሰኣኑ፡ ኣካላቶም ዚጎደሉ፡ ካብ መናብረኦም ዚተመዛበሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ብማእሰርትን ካልእ ሓሳረ-መከራን ዚተበሳበሱ፡ ቅሳነትን ርግኣትን ተነፊግዎም ንክልብትና ስደት ዘምርሑ፡ ኣብ ናይ ስደት ጉዕዘኦም ንብዙሕ ሓደጋታት ዚተቓልዑ፡ ሓያሎይ ቁጽሪ ካብ ዜጋታትና ኢዮም። ኣብ ዚሓለፈ፡ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራሕ፡ ካብ 70 ክሳብ 100 ሽሕ ዝግመቱ ዜጋታት ኤርትራ፡ ዓዶም ገዲፎም ንስደት ምምራሾም፡ ብዙሓት ካብኣቶም ሞትን መጭወይትን ካልእ ሃስያታትን ከም ዘጋጠሞም ብብዙሓት ናይ ዜናን ሓበሬታን ማዕከናት ክንገር ጸኒሑ። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ፡ ካብ ሓደ ዘስደምም ሃገራዊ መከራ፡ ናብ ካልእ፡ እናተሰጋገርና ኢና ናብ’ዚ፡ ናይ መወዳእታ፡ ናይ ላምፓዱሳ መዓት ዝበጻሕና። እቲ ዘገርም ግን፡ ንኹሉ`ቲ ካብ ጽባሕ ናጽነት፡ ክሳብ ዕለተ-ሎሚ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርና፡ ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ዘኸተለ ጠንቅታት ንምልጋስ፡ ኣድላዪ ፍታሕ ንምርካብ፡ ብሓባር ክንትንስእ፡ ክንበራበር ዘይምኽኣልና እዩ። ኩሉ ግዜ፡ ሽግር ኣብ ዘጋጠመ፡ ሕርቃናን እንጽርጽሮትናን ብጋህዲ ካብ ምግላጽ`ኳ እንተዘይቦኾርና፡  እንተስ ናይ ምዝካር ዓቕምና ሓጺር ኮይኑ፡ ረሳዕቲ ኮይና፡ እንተስ ምሒር ምረትን ምድግጋም ሽግራትን ኣደንዚዙና፡ ምስ ዘጋጠመና ክሳራታትን ውድቀታትን ዝመዛዘን፡  ፍታሕ ናብ ምርካብ ዚሰጋገር ቁጠዔን ምልዕዓልን ኣየርኣናን። ከም መቐጸልትኡ ድማ  ሃገርና፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና፡ እናሓደርት፡ ክትሃምምን ከተንቆልቁልን፡ ህዝባ ኪበታተን ብሓዘንን ምስቁርቋርን ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ንግንዘብ ኣለና።

ተረኽቦ ላምፓዱሳ ዕርቃን ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ መሕብኢ ብዘይርከቦ ከሺሑ። ነዚ ግዙፍ ሃገራዊ ክሳራ`ዚ ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ከምቲ ልሙድ፡ ዝኾነ ሓላፍነት ኣይወሰደን። ነቲ ተረኽቦ፡ ግርማ ዚኸልኦ ግዲ መሲልዎ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ብዛዕብኡ፡ ዋላ ሓንቲ ቃል`ውን ትኹን ብወግዒ ከድምጽ ኣይፈቐደን።““ኣብ ጊዜ ነነውየ ዚጸመመስ ነነውየ ክብል ሞተ“  ከም ዚበሃል፡ ከም`ቲ ኩሉ ጊዜ፡ ሕጂ`ውን፡ ብወይጦታቱ ኣቢሉ፡ “ንኣህጉራዊ ውዲታት እዩ ሓላፍነት ከሰክም ፈቲኑ። ኣብ ፈቐዶ ቦታታት ዓለም፡ ንዝኽሪ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዚተቐዝፉ ዜጋታትና፡ ዚተፈላለየ ስነስርዓታት እናተገብረ፡ ኤርትራ፡ ኣኽላባት ከም ዚቐበረት፡ ዚኾነ ዚገበረቶ ወግዓዊ ስነስርዓት የለን። ኣብ ግዜ`ዚ ንምሉእ ዓለም ዘስደመመ፡ ሰብኣዊ ድንገት፡ ኣቶ ኢሳያስ፡ ““ዒራ ዘይቁስልኻ`ስ ስንጫር ሽኸለሉ“  ከም ዚተባህለ፡ ነቶም ዚተረፉ መንእሰያትና ንምስንባድ፡ ኣቓልቦኦም ካብ ላምፓዱሳ ንምጥምዛዝ፡ ሕንኽ  ከይበለ፡ ኣብ ከተማታት ኤርትራ፡ መንእሰያት ናይ ምግፋፍ ወፈራ ኣካይዱ። ሕጅስ እንታይ`ዶ ክትገብራ ኢኺን? ዘስምዕ ንዕቀቱን ኣሽካዕላልነቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብጋህዲ ኣርእዩ። ኣብ መላእ ዓለም፡ ህዝብና ኣብ ማሕበረ ኮማቱ፡ ቤተክርስትያናቱ፡ መሳጊዱ ንዝኽሪ መወቲ ዘካየዶ ስነስርዓት ንምፍሻል ብዕሱባቱ ብዙሕ ፈተነ ተጌሩ። እዚ ኢሰብኣዊ፡ ሕልና-ኣልቦ፡ ጨካን፡ ሓላፍነት ዘይስመዖ፡ መራሒ ንጽቡቕና፡ ንጸጥታና፡ ንድሕነትና ከም ዘይሰርሕ ብዘይቀላዓለም ኣረጋጊጹልና። ብድሕሪ`ዚ ካብ ኢሳያስን ዲክታቶሪያዊ ስርዓቱን እንታይ ንጽበ? ግዚኡ`ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓደ ድምጺ፡ ብዓውታ፡ ደጊም ይኣክል! ኢሉ ክለዓል።

ኤርትራ ሓራ ካብ እትወጽእ፡ ድሮ 22 ዓመታት`ኳ ይሕለፍ`ምበር፡ ኣብ ናጻን ልዑላዊትን ኤርትራ፡ ሰውራ ኤርትራ ንህዝብና፡ ካብ ዚተመባጽዓሉ ምውሓስ ክብርን ራህዋን ቅሳነትን ሰላምን ቁንጣሮ ኣይተተግበረን። ዘሕዝን`ዩ፡ ድሕረ-ዘመነ ተጋድሎ ዚተኸስተ፡ ብዝኾነ መዔቀኒ፡ ኩነታት ሃገርና ንድሕሪት ከም ዚተጎተተ፡ ሃለዋት መነባብሮ ህዝብና ባይታ ከም ዚዘበጠ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዜጋታትና ከም ዚተቐንጠጠ እዩ። እዚ፡ ክስገር ዘይክእል፡ ሳዕቤናት ናይ`ቲ ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነትና ዘጋጠሙ ዓበይቲ ታሪኻዊ ክድዓታት፡ ጥልመታት፡ እዩ። ኩሉ ሕሰምና፡ ምረትና፡ ንዕላማ ሰውራና፡ መደባት ተጋድሎና፡ ሓደራ ስዉኣትና፡ ዘይርዕም፡ ንስልጣን ጠላማትን ተኣለይትን ተበለጽትን ዘገልግል፡ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝርከብ፡ ፖለቲኮ-ቁጠባውን ማሕበራውን ወተሃደራውን ኩነታት እዩ። ነዚ ኩነታት`ዚ ተቖንጢጡ ዚሃንደሰ፡ ልዕሊ ኩሉ ናይ ሳዕበናቱ ሓላፍነት ዚስከም ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ባዕሉ ኢዩ። እዚ ሕጂ ብሰንኪ ተረኽቦ ላምፓዱሳ ዚተጋህደ ሓቂ ኣይኮነን። ንኸነስተብህለሉ፡ ንኽንርደኦ፡ ክነቕሓሉ ግዜ ወሲዱ ክኸውን ይኽእል። ብዝተረፈ፡ ካብ ዓንተብኡ ኣቕጣጫ ኢሳያስን ወይጦታቱን ጥዕና  ከምዘይነበሮ ብዙሕ ተዘሪብሉ`ዩ። ገና`ውን ካብኡ ዚበዝሕ ክዝረብ`ዩ። ንህዝብና ኮርኪሙ ሒዝዎ ዘሎ መፈንጠሪያ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ቅድሚ ምሕራር ሃገርና፡ ዝተደኮነ፡ ኣብ ሜዳ ዝተሰርሓሉ፡ ዚተፈተነ፡ ንማእለያ ዘይብሎም ንጹሃት ተጋደልቲ ዜጋታት ዘብረሰ`ዩ። ድሕሪ ናጽነት`ውን ከም ፍቱን፡ ጨቋኒ ናይ ስልጣን ቀጻልነት መሳርሒ፡ ብደረጃ መላእ ሃገር ከም ዚስርሓሉ እተገብረ። ብተግባር፡ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ መንግስቲ ምቛም፡ ኣሳያስን ሰዓብቱን ንመላእ ሃገር ናብ ውድቦም ቀይሮማ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዚሃንደስዎ ገበነኛ፡ ዘይሓላፍነታዊ፡ ጸረ-ህዝቢ፡ ኣሰራርሕኦምን ስልቲታቶምን ብደረጃ ሃገር ክሰርሕሉ ተራእዩ። ኩሉ`ቲ ህዝብና፡ ንነጻነት፡ ንፍትሒ፡ ንራህዋ፡ ንሰላም፡ ንስልጣኔ ንዕብየት ዚብጀዎ ብዙሕ መዘና ዘይርከቦ፡ ናይ ሂወቱን ንብረቱን መስዋእቲ፡ ተጠለመ፡ ተኸድዔ። ገለ ካብ`ቲ ቀንድን ዓበይትን ጥልመታትን ክድዓትን፡ በዘን ዚስዕባ ዝርዝራት ንምጥቓላል ይከኣል።

  1. ልኡላዊት ኤርትራ፡ ብቀዳምነትን ብዕትበትን፡ ክትተሓሓዞ ዚግባእ ዚነበረ ዕማም፡ ህዝባዊ መንግስቲ ናይ ምቛም መስርሕ እዩ ኔሩ። ኣብ ክንድኡ ግን፡ ብሓደ ግንባር ዚተዓብለለ፡ ግዚያዊ መንግስቲ ተደኮነ። እዚ “ዘለኣለማዊ ግዚያዊ! መንግስት`ዚ፡ ክሳብ ሎሚ ግዚያውነቱ ከብቅዕ ዝኾነ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ መደብ የብሉን። እቲ ስግድግድ ዘለዓዕል ግናይነቱ ግን፡ ድሕሪ`ዚ ኩሉ ዓመታት፡ ደረት ትርኢት ግዚያውነቱ ዘይምቕልቃሉ ጥራሕ ኣይኮነን። የግዳስ፡ ናብ ድቕድቕ ዝበለ፡ ብዘይ ንሕሲያ፡ ብዘይ ሌላ-ጉለላ፡ ቆልዓ ኣይብል፡ ዓቢ፡ ሰብኣይ ኣይብል ሰበይቲ፡ ብምእሳርን ብምቕታልን ብሓሶትን ሸፈጥን ብስርቅን ዘመተን፡ ናብ እንኮ፡ ስልጣኑ ናይ ምንዋሕ ዕላማ ዚተደረተ፡ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ምስግጋሩ`ዩ። ዲክታሮቶሪያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይ ቅዋም፡ ብዘይ ባይቶ፡ ብዘይ ዚሰርሕ መንግስታዊ ትካላት፡ ን 22 ዓመት ገዚኡ። ኣብ`ዚ ጉዕዞዚ ከኣ፡ ክንደይ ወርቃዊ ዕድላት ናይ ሃገር ምህናጽ በኒኑ፡ ሃገርና ምስተን ዝፈሸላ ደውላታት መስርዕ ሒዛ።

 

  1. ንውልቀ ዜጋ ብዝምልከት፡ ዝነበረ ትጽቢታት፡ መሰሉ ምሕላው፡ ነጻ ኣተሓሰስባኡ ምኽባር፡ ንነቐፈታዊ ኣረኣእይኡ ምሕያል፡ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰሉ ምዕቃብ፡ እዩ ዚነበረ። ብዘይ`ዚ ሰብኣዊን ሲቪካውን መሰላት`ዚ፡ ውልቀሰብ ይኹን ሃገር፡ ኪዓብዩ፡ ክስጉሙ ከምዘይከኣል፡ ታሪኽ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና`ዩ። ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኢሳያስ ግን፡ ኩሉ ዓይነት መሰል ዜጋታት ብምቕንጣጥ፡ ንዜጋ ከም መሰል ዘይብሉ “ምእዙዝ“  ከዳሚ ናይ ስርዓቱ የለልዮ። ኣብ ትሕቲ ጉልባብ ጭርሖ ““ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ“ ድማ፡ ዜጋታት፡ ንዝጠፈሸ ኣረኣኣያን ኣተሓሳስባን፡ ፡ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ተማእዚዞም ክኸዱ የገድድ። ኩሉ ዓይነት መሰል ውልቀ ዜጋታት ክኹርኩምን ዜጋታት ክሰብርን ክድህልን ይነጥፍ። ርእሰ ተኣማንነት ዘርእዩ፡ ነጻ ኣታሓሳስባ ዘዘውትሩ፡ ዜጋታት ከም ቀንዲ ጸላእቱ ይፈልጦም፡ ብዝኾነ መንገዲ ከኣ ከዕንዎምን ከብርሶምን ይሃልኽ።  እዚ ስርዓት`ዚ፡ ንብልሕና ከጉድም፡ ንልቦናና ክደፍን ንመንፍዓትና ከዳኽም ዝተዓጥቀ`ዩ። ካብ መዔቀኒታቱ ወጻኢ ዚሓስቡን ዚዋስኡን ዚዛረብን ዚጽሕፉን ዜጋታት ወይለኦም። ዕጨኦም፡ ኢሰብኣዊ ናይ ጸለመ ወፈራ፡ መሰረተ ኣልቦ ናይ ብዕልግና፡ ክድዓት ክስታት፡ ማሕበራዊ ምንጻል፡ ምድስካል፡ ማእሰርቲ፡ ሞት ኣዩ። ንመንእሰያትና ከም ዚራብዕ “ንምጽራዮም፡ ንምስባሮም፡ ናብ ““ምእዙዛት“  ከደምቱ ንምቕያሮም ዘይግበር የለን። ኣብ ዕርበተ-ጸሓይ ዘይብሉ፡ ንዚተሓተ መነባብሮ ዘይጸውር ደሞዝ ኣብ ሲቪላውን ወተሃደራውን ““ኣገልግሎት“ ሸሚሙ፡ ብሩህ መጻኢ ዚርእይሉ ዕድል ነፊግዎም። መንእሰያትና ኣብ ገዛእ ሃገሮም፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ነጻ ኮይኖም፡ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ተመንዚዖም። ኣብ ዚኾነ ናይ መግዛእቲ እዋን ዘይተራእየ፡ መንቀሳቐሲ ወረቐት ክሒዙ ተገዲዶም። ሃገሮም ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራቶም።

 

  1. ሰላምን፡ ስኒትን፡ ሕድ-ሕዳዊ ምትእምማንን ምክብባርን ንዘመናትን፡ ንተኻታታሊ መግዛእታዊ ስርዓታትን በዲሁ ቀጻልነቱ ዚዓቀበ ዕዘታትናን መለለይናን እዩ ኔሩ። ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ፖሊሳዊ ስርዓተ-መንግስቲ ብምዝርጋሕ፡ ዋህዮታት ብምጽፋይ ህዝብና ነንሕድሕዱ ክትሓላሎ፡ ኪጠራጠር፡ ምትእምማን ከጥፍእ ጌሩ። ከም ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዋላ ኣብ መንጎ ኣባላት ናይ ሓንቲ ስድራቤት`ውን ከይተረፈ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ማህሚኑ። ንኣብያተ ፍርዲ ብምዝዋር፡ ጉቦን ብልሽውናን ክስዕርር ብምግዳፉ፡ መላእ ሃገር ብሕድሕዳዊ ምክሳስ፡ ምጥቕቓዕ፡ ምውንጃል፡ ኣጥለቕሊቑ። ካብ ዚኾነ ዝሓለፈ እዋን፡ ህዝብና ሽግሩ ንምፍታሕ ብሓባር ጠጠው ናይ ምባል ዓቕሙ ኣብ ዚለመሰሉ ኩነታት ኣውዲቑ።

 

  1. ህዝብና፡ ድሕሪ`ቲ ነዊሕ፡ ናይ ኣሽሓት ደቁ መስዋእትን መቑሰልትን፡ ማእለያ ዘይብሉ ንዋታዊ ክሳራ ዚኸፈለሉ ሓርነታዊ ውግእ፡ ካብ ዚነበሮ ዓበይቲ ትጽቢታት፡ ሓደ፡ እፎይታ ሰላማዊ ሂወት ከስተማቕር`ዩ። ሳላ ቂመኛን፡ ኣንነታውን ኢሳያስ ግን ኣበይ ክርከብ? ነጻ ኤርትራ፡ ብግስ ከይበለት፡ ምስ ኩለን ጎረባብትና ሃገራት፡ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ምኽኒያታት ናብ ጎንጽታት ምጽሕታርን ውግእ ምውላዕን ኣምረሔት። ናይ ኢሳያስ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጎብለልነት ህውተታ ንምርግጋጽ፡ ሃገርና ኣብ ተወሳኺ ናይ ኣሽሓት ሂወትን ማእለያ ዘይብሉ ንዋትን ክሳራታት ዘስዓበ ምርጻማት ኣተወት። ምስ ኢትዮጵያ ዝተባርዔ ዳግማይ ናብ ሰፍ ዘይብል ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ዝነበሮ ውግእ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይ ሰላም – ኣይ ውግእ ኮይኑ ብምቕጻል፡ ንዓመታት ሃገርና ውሽጣዊ ሽግራታ ካብ ምፍታሕ፡ ንዕብየታ ካብ ምትኳር ገቲኡዋ ይርከብ። ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ምስ ዝርከባ፡ ሃገራት ኣብ ዘይምልከተና፡ ኣህጉራዊ ምውጣጣት ብምጽማድ፡ ሃገርና ኣደዳ እገዳ ክትከውን፡ ክትንጸል ጌሩ። ንነጻነትናን ልዕላውነትናን ብዘካየድናዮ ጅግንነታዊ ቃልስታትን ዝኸፈልናዮ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን፡ ከም ህዝብን ሃገርን ዝለበስናዮ ክብሪ ተቐንጢጡ፡ ሎሚ ኣዚና ኣብ ዚተነዓቕናሉን ዚተጸላእናሉን ኩነታት ኣለና እንተተባህለ ምግናን ኣይመስለናን።

 

  1. ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ህዝብና፡ ኣብ ሓርኮትኮት በሃልነቱ ብምምርኳስ፡ ቁጠብኡ ከኻዕብት፡ ናብርኡ ከሰስን፡ ዘኽእሎ፡ “ናይ ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ! ዘመን ክኽፈተሉ እዩ ኔሩ። ዚቐረበሉ ግን ኣብ ትሕቲ ጉልባብ ዝፈለሰ (ዚጠፈሸ) “ርእሰ-ምርኮሳ! ንውልቃዊ ተበግሶታት ዘግለለ፡ ንቑጠባ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መንግስቲ ዘእተወ ኩነታት`ዩ። ነጻ ዕዳጋ ብምርማስ፡ ቁጠባዊ ንጥፈታት ብብዕልግና ዚተበከላ መንግስታውያንን ሓውሲ መንግስታውያን ትካላት ከም ዚዕብለል ተገብረ። ዝርካቦም ነጋዶን ኣፍረይትን ብዘይተመጣጠነ ውድድር ናብ ጥፈሻን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ምስዳድን ተደፍኡ። ክሳብ እቲ ዚነኣሰ ሓረስታይን ጥበበኛን ከይተረፉ ኣብ ማይክሮ ምሕደራ ብምእታው፡ ንፍርያት ሕርሽኦምን ሞይኦምን ናይ ምጥቃም መሰሎም ተነፍጉ። ብሕታዊ ቁጠባዊ ወፍሪ ብምድራት፡ ኣብ ምዕኳኽ ዚነበረ ማእከላይ ደርቢ ብምምህማን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንነብሱ፡ ናብ እንኮ ወሃብን ከላእን ስራሕ ቀይሩ። ከም ውጽኢት ናይ ኩሉ`ዚ ድማ፡ ህዝብና ኣደዳ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስእነትን ድኽነትን ኮይኑ። ኣብ`ዚ እዋን`ዚ፡ መነባብሮ ህዝብና ባይታ ከም ዚዘበጠ፡ ሃገርና ናብ ዘበነ-እኒ-እኒ ትምለስ ከም ዘላ ዝሕብረና፡ እቲ ኩሉ ነገር ባዕለይ ክገብሮ`የ ባሃላይ፡ መንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንህዝቢ ከም ማይን ጸዓት ኤለክትሪክን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ጠለባት ከቕርብ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ምውዳቑ እዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡

ብርግጽ፡ እቲ ኣዚዩ ዘሰክፍ፡ ህጹጽ ፍታሕ ዚጠልብ፡ ኣብ ኣእምሮ ናይ ኩሉ ዜጋ ጭንቀት ዘንበረን ጉዳይ ንስደት ዝውሕዝ ዘሎ ህዝብናን፡ ኣብ ጉዕዝኡ ንስደት ዘጋጥሞ ዘሎ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋታትን`ዩ። ኣብ በረኻታት ሰሃራ፡ ኣብ ቀላያት ማእከላይ ባሕሪ፡ ቦታ ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ እስራኤል፡ ሲናይ ዝሳቐ ዘሎ ዜጋ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናበዝሔ፡ ኩነታቱ እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ። ንድሕነትናን ጸጥታናን ክብርናን ዝከላኸል፡ ዝጣበቕ፡ ዝሕለቕ መንግስቲ ከም ዘይብልና ብዘየወላውል በሪሁልና`ዩ። ከም ህዝቢ ክብረት ተነፊጉና፡ ኣብ ፈቐዱኡ፡ ብጨወይቲ ጅሆ ክንትሓዝ፡ ኣካላት ዜጋታትና ተዘልዚሉ ናብ ዕዳጋ ክወርድ፡ ደቂ ኣንስትዮና ኣብ ፈቐድኡ ክዕመጻ፡  (Rape)፡  ቤተሰብ፡ ካብ ዘይብሎም፡ ንዝተጨወዩ ሰቦም ከድሕኑ ኣሽሓት ዶላራት ከፍስሱ፡  ልሙድ መዓልታዊ ተሞክሮና ኮይኑ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ንቀልዓለም`ኳ ዚወሰዶ፡ ነዚ ሽግር`ዚ ዝቆጻጸር ስጉምቲ ኣይተራእየን። ህልው ኩነታት ከም ዘለዎ ክቕጽል እንተደኣ ተገዲፉ፡ ናይ ላምፓዱሳ መዓት፡ ኣብ መወዳእታ ዘጋጠመና ደኣ እምበር፡ ናይ መወዳእታ ዚኸውን ኣይመስለናን።

እሞ ኣብ ቅድሚ እዚ ኩነታት`ዚ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝብና ዘሎ ዕማም እንታይ እዩ? ሕጂኸ፡ ከምቲ ዚሓለፈ፡ ኣብ ላምፓዱሳ ንዚሃለቑ ዜጋታትና ንሓጺር እዋን ሓዚንና ክንርስዖም ዲና? ወይስ፡ ነቲ ናብኡ ዘብጸሔ ሱር ጠንቂ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ምሒና ብምድርባይ ሃገርና እትምኮሮ ዘላ ስቓይ መወዳእታ ክንገብረሉ ኢና? ዝብሉ ሕቶታት ክነልዕል ግዴታና እዩ። ብርግጽ፡ እቲ መልሲ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ክድመጽ ዚጸንሔ`ዩ። ካብ ማንም ጊዜ ድማ ሕጂ ጎሊሑ ይስማዕ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን፡ ኣብ ስደት ዚርከብ ህዝብና፡ ብሓደ ድምጺ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶሪያዊ ስርዓተ-መንግስቲ ከብቅዕ፡ ስልጣን ንህዝቢ ናብ ዝርከበሉ መስርሕ ክንሰግር ዘለዎ ዕዙዝ ተደላይነት ይጽውዕ ኣሎ። እወ እዚ ሓደን መተካእታ ዘይብሉን ሃገርና ናይ ምድሓን ምርጫ`ዩ። ከም ናብ`ዚ ናይ ምብጻሕ ህቀናታት፡ ኣብ ብርክት ዚበለ ቦታታት ዓለም፡ ህዝቢ ባይቶታትን ህዝባዊ ሽማግለታትን ናይ ምቛም ተበግሶታት ክወስድ ይረኤ ኣሎ። ነዚ ናይ ህዝቢ ተበግሶታት`ዚ ደገፍና ንገልጽ።

 

እቲ ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ውድባት፡ ፓርትታት፡  ግንባራትን፡  ምንቅስቓሳትን ዝተፈተነ ተቓውሞ ብሰንኪ ዘይኣድማዒን ገታእን ኣሰራርሕኡ ንህዝቢ ክለዓዕልን ክመርሕን ኣይከኣለን። ብምንጽጻር፡ እዚ ህዝባዊ ምልዕዓላት`ዚ ኣድማዒ ተራ ክጻወት ኣኽእሎታቱ ገዚፍ`ዩ። ዘተኣማምን ዚተወደበ ሃገራዊ ሓይሊ ኣብ ዚቦኾረሉ፡ ከምዚ ዓይነት ህዝባዊ ምልዕዓል ብግቡእ እንተ ተኣልዩ ኣድማዒ ተራ ክጻወት ዓቢ ዕድል ኣለዎ። ኣብ ወጻኢ ከይተደረተ፡ ንውሽጢ ኤርትራ ናይ ምዝራቑ ኣገዳስነት`ውን ወሳኒ`ዩ። ኣብ`ቲ ንኩላትና ዝእክብ ምልጋስ ናይ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ዕላማ ኣተኲሩ፡ ንመንግስታዊ ስልጣን ኣብ ምቁጽጻር ህዝቢ ከርዕም ዘኽእል ስልቲ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ህዝባዊ ምልዕዓላት`ዚ ብዚተፈላለየ መልክዓቱ ክዓብን፡ ናብ ምቛም ሃገራዊ ናይ ምስግጋር መጋባኣያ ኣብ ምዕዋትገጹ ከምርሕን ክጸዓረሉ ይግባእ። ብከም`ዚ ዚቐውም ናይ ምስግጋር ኣካል፡ ብኽእለትን ብልሕን ተጻዋርነትን፡ ምሉእ ኣትኩሮ ናብ`ቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ምልጋስ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ብምቕናዕ ይሰርሕ። ህዝባዊ ምልዕዓል ብምጉልባትን ምሕያልን፡ ንዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኣንበርኪኹ ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ የገድድ። ህዝባዊ መንግስቲ ናይ ምቛም መስርሕ ይመርሕ። በዚ ጥራሕ እዩ ድማ፡ ንግዳያት ላምፓዱሳን፡ ካልኦት ኩሎም ዝሓለፉ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ላምፓዱሳታትን፡ ፍትሓዊ ቅኑዕ ዘለኣለማዊ መዘክር እንገብረሎም።

መጸዋዕታ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኤርትራ፡ ብሰንኪ ብቒምን ምትህልላኽን ዚተገዝኡ ህልዊ ስርዓታት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዚፈጠርዎ ኣይ ናይ ሰላም፡ ኣይ ናይ ውግእ ኩነታት፡ ልዕላውነት ሃገር ንምኽባርን ዶባትና ንምሕላውን፡ ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪምኩም ምህላዉኩም እርድኣና። ብዝኾነ ይኹን ካሕሳ ዘይድበስ፡ ብሂወትኩም፡ ብምዝንባል መነባብሮኹም፡ ካብ ስድራቤትኩም ርሒቕኩም ብዘይ ዚበቕዓኩም ደሞዝ፡ ኣብ መዛግብ ትነብሩ ምህላውኩም እስመዓና። ንኣገልግሎትኩም ነመስግን። ሃገርን ህዝብን ጻማኹም ዚፈድየኩም እዋን ክመጽእ ድማ እንጽበዮ ኢዩ። ካብ`ዚ ንላዕሊ ግን፡ ንዓኻትኩም`ውን ከምዚርዳኣኩም፡ ሃገርና፡ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዲክታቶሪያዊ ስርዓት፡ ናብ ውድቀት ተምርሕ ኣላ። ሃገር ንምድሓን ክትጻወትዎ ዘለኩም ታሪኻዊ ተራ ኣዝዩ ገዚፍ`ዩ። ምስ ህዝብኹም ጠጠው ክትብሉ፡ ታሪኽ ይጽውዓኩም። ተኣማንነትኩም፡ ንህዝብኹምን ንሃገርኩምን ደኣ እምበር፡ ንዲክታቶራትን ንጠለምትን ካሓድትን ከም ዘይኮነ ኣጸቢቕኩም ከም እትርድኡ ስለ እንኣምን።

ብስሙር ድምጺ እምቢ ንዓመጽቲ!

ንማዕበል ህዝባዊ ምልዕዓል ዝዓግቶ ሓይሊ የለን!

ካብ ዳግመ ርኽክብ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ነበር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • merhawit December 29, 2013

    Start fresh guys, ur nostalgia to the old Jebha is outdated and will bring no meaningful purpose to the present fight for democracy and the rule of law. U can establish a Jebha museum or museums later in free Eritrea after the present reign of terror is eradicated. For the present u better free urself of the anachronistic ideas and join the worldwide Unity of Eritrens against tyranny.

  • Kokhob selam December 30, 2013

    why some people are so upset to see Jebha?

    • Genet December 30, 2013

      Nobody is upset to see Jebha (ELF). Is a great organization but if it fails to recruit younger members, it will soon be non-existent. ELF members are not listening to the Eritrean people. It is time to recruit and regroup if you want to contribute to the fight against the evil regime we have in Asmara.

      Can’t you learn from EPRP (Ethiopian Peoples Revolutionary Part). EPRP used to be one of the strongest party in Africa both quality and quantity wise but it miserably failed and now it is no where to be found. ELF will soon be like EPRP if it fails to recruit younger generation and regroup.

      Haftkum Genet

  • ahmed saleh December 30, 2013

    Ghenet, You make a point with EPRP example . And we all welcome the message of the above article including yourself because reading your various comments you have principled stand . But some commentators lack
    respect and understanding eager to blackmail for no
    substancial reason to offend participants which doesn’t
    make any sense . Anyway keep it up and stay the way you
    are EZA HAFTEY , respect.

Post a Reply to ahmed saleh Cancel Reply